Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ዝመቱን ዘይመትናን” – 3ይ ክፋል

ኩሉ ወለዶ ነናቱ ታሪኻዊ እዋናት አለዎ። እቲ ታሪኻዊ እዋን ዘብሎ ናይ ባዕሉ ፍልይ ዝበለ መለክዕን መመዘንን ረቓሒታት ስለዝህልዮ፣ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ብቑሩብ ወይ ከአ ኣዝዩ ፍልይ ዝበለ ተረእዮታት ከመዝግብ ከሎ እዩ። እስኪ ቅድሚ ዕሙቕ ኢልና

ኩሉ ወለዶ ነናቱ ታሪኻዊ እዋናት አለዎ። እቲ ታሪኻዊ እዋን ዘብሎ ናይ ባዕሉ ፍልይ ዝበለ መለክዕን መመዘንን ረቓሒታት ስለዝህልዮ፣ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ብቑሩብ ወይ ከአ ኣዝዩ ፍልይ ዝበለ ተረእዮታት ከመዝግብ ከሎ እዩ። እስኪ ቅድሚ ዕሙቕ ኢልና ምእታውና እቲ ሐደ ወለዶ ዝበሃል ብልሚዲ ስለዝኾነ፣ ናብ ሐደ ብዕድመ ዝልካዕ ውስን ገደብ ንሰልዓሉ። ንአብነት ናይ ሐደ ወለዶ ዕድመ ክሳብ 25 ዕመታት ዝመልኡ ዘጠቓልል ይኹን። እዚይ ከአ ኣብቲ ዕድመ ዝበጽሑ መንእሰያት ትምህርቶም ብቐዳማይ ወይ ከአ ካልኣይ ድግሪ ዝምረቑን ዶክተራትን ነርስን፣ዝተፈላለ ኮለጅ ዝውድእሉ ጊዜ’ዩ። ብፍላይ ከአ መንእሰያት ክምርዓዩን ንቡር ሓዳር ክገብሩ ብባህልና ልሙድ ኮይኑ ዝጸንሐን ዘሎን ኣገባብ ምስረታ ናብራ ህይወት ሕብረተሰብና ጥራይ ከይኮነስ፣ ዳርጋ ብሓፈሽኡ ኣብ ኩሉ ዓለም ሐደ መንእሰይ 18 ዓመት ዝመልኦ/ኣ ብሕጊ ክመራዓዉ የፍቅደሎም እዩ።

ስለዚ እቶም ካብአቶም ዝወልዱ ከአ ካልኣይ ወለዶ ኮይኖም ኣሰር ህይወት ስድርኦምን ሕብረተሰቦምን ብምኻን መቕጸልታ ሓርግ ሰንሰለት ህይወት ጥራይ ከይኮኑስ ፣መቐጸልታን መተካታን ስድርኦምን፤ መንነት ሕብረተሰቦም ዘውሕሱ ቀንዲ ተረከብቲ ዜጋታት ሃገር ኢዮም ዝኾኑ። ካብዚ ወጻኢ ዝፈልጡን ዝርድኡን እንተለዉ ኸአ፣ ብጀካ ንነብሶም ንኻልእ ናብ እምኒ ዝቕይርዎ ሰብ ኣይክህልን እዩ። ንነብሶም ከም እምኒ ተቖጺሮም ዝተደርበዩ ሰባት ከአ፣ እምኒ ምኻኖም ዘይምፍላጦም ኣይትሓዘሎምን ኢዩ። ኣብዚ እዋን ቀዳማይን ካልኣይን ወለዶ ሃገርና ዘፍረየቶም አበይን? ኣብ ምንታይን ዓይነት ኩንታት ከም ዘልዉን ዝርከቡን ክሓቱን፣ ከስተውዕሉን፣ ክግደሱን ዘይደልዩ ዜጋታት፣ ኩነታት ጠፊኢዎም ኣይኮነን። እንታይ ደአ ነቲ ሓቂ ክቅበሉዎ ዘኽእል ሕልናን ልቦናን ስለዘይብሎም ጥራይ ኢዩ። ከምቲ እምኒ ናብ ዜንጎ ምስ ተደርበየ ኮርባሕባሕ ኢሉ ብዙሕ ድምጺ ዝህብ ክሳብ ከረውረው ኢሉ ዝወድቕ ዝገብሮ፣ ንሳቶም’ውን ክሳብ እቲ መራሒ ጥፍኣቶም ሒዙዎም ዝወድቕ ሀተፍተፍ ምባል ኣይከቃሩጹን ምኻኑ ፍሉጥ ኢዩ።

ሎሚ መራሕ “ህድገፍ”ን ሰዓብቱን እቲ ሓቂ ጠፊዎም ከይኮነስ፣ ከም እንስሳ ዝስዕቡን ዝኹብኮቡ ውሑዳት ጉጅለ ፈጢሩ ንህዝብና ዘርዕደሉ ዘሎ ሕማቕ ዘመን ኢዩ። እዚኸአ እቲ ዝጸንሐ ድኹም ናይ ባህልና ጎኑታቱን፣ እትይ ብቕድሚኡ ብዝነበሩ ገዛእቲ ናይ ርሑቕ ናይ ቀረባ ንህዝቢ ክመቓቕሉ ዝፈጠርዎ ግዕዙይ ናይ መቓቐልን ድሕሩን ኣስተሓሳስባ ተጠቒሙ ኣብ ስልጣን ብዘይ ተሓታትነትን ሓላፊነትን፣ ዙፋን ጥፍኣቱ ከስፋፍሕ ዝወጠኖ ናይ ነዊሕ መደባቱ ከካይድ ዝጥቀመሉ መላ ጥራይ ከይኮነስ፣ ዝኣምነሉ ተግባር ብምኻኑ ኣግሂዱ  ይሰርሓሉ አሎ። ንኽልተ ወለዶ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለ ሽም ብምስካዕ፣ ጅሆ ክሕዞም ንዝኸአለ፣ ብጥርሑ ስራሕ ባርነት ኣብ ሳዋን ብሄራዊ ኣገልግሎት ዕንኪሊል የብሎም። ነቶም በላሕቲ ንኣሰራርሑን ኣመሓድሩን ዝተቓወሙ ከአ ብሽም ብልሽውናን ዘይሃገራዊነት ወይ ትሕቲ ሃገራዊነት ብምስያም ኣብ ፍርዲ ዘይብሉ ክሲ ኣቕሪቡ ኣብ ፈቐዶ ጎዳጉድ ህይወቶም ኣብ ጸልማት መዓልቲ ዳጉንዎ። ነቶም ንኢሳያስ መጀመሪያ ከምልኹ፣ ድሕሪኡ ከአ ንሰዓብቱን ኣጫፈርቱን ዝተሓረሙ ኣምለኽቲ ዝተፈላለየ ሃይማኖት ከይተረፈ ኣብ ፈቐዶ ቤት ማእሰርቲ ብኸንቱ ህይወቶም የብልዮ አሎ።

ሎሚ ኸአ “ህግደፍ” ምስ ሰዓብቱ እንታይ ይብል አሎ? ዓው ኢሉ ንሃገርና ምዕባለን ንመጻኢ ትውልድና ቅሳነን፤ ስንና ነኺስና፣ መዓንጣና ሸጥ ምባል ከድሌና ኢዩ እንዳበለ ብፈቐዶ ናይ ብዙሓት መራኸቢ ክግዕር ይስማዕ አሎ። ግን ብዛዕባ መኒኦም መጻኢ ወሎዶ ኢዩ ዝልፍልፍ ዘሎ። ኣብቲ መጀመሪያ እዋን መንእሰያት ኤርትራ እቲ ወሰን ዘይብሉ ኣገልግሎት ምስ መርሮምን ህይወቶም ኣፈቐዶ በረኻ ምስ ተደርበየ፣ ነቲ “ተኩስ ክትቀትል” ዝብል ትእዛዝ ፈንጢሖም ናብ ስደት ጎረባቢቲ ዝወሓዙ። ብድሕሪኡ እቶም ነዚ ክቆጻጸሩዎ ዘይከኣሉ መራሕቲ ሰራዊት፣ ናብ ሓዲሽ ስራሕ ብተውሳኺ ንቡር ውትድርናኦም ናብ ዶብ ምስጋር ነጋዶ ዝተቐየሩ። ደድሕርኦም ግና እቶም ዓበይቲ መራሕቲ ሰራዊት ከይተረፉ እቲ ሓዲስ ንግዲ ዝኸፈትዎ ብታሕተዎት ጥራይ ተወሲኑ ከይተርፍ፣ ካብ ሃገር ወጻኢ ምስ ዝርከቡ ናይ ህርፋን ተማቐልቶም መስመር ብምኽፋት፣ ብዝለዓለለን ዝተዓፃጸፈን ንግዲ መንእሰያት ምትሕልላፍ ጥራይ ከይኮነስ፣ መንእሰይ ምጭዋይን፣ ከም ሃላቒ ኣቕሓ ኣካላቱ ጠቢሖም ኩላሊትን ልብን ንዝሽቅጡ ከቅርቡ ካብ ውሽጢ ኣስመራ ክጋየዩ ዝውዕሉ ዘለዉ። ላንድ ክሩዘራቶም ናብ ደቡብ ዶብ ዘሎ ሰራዊት ክበጽሑን ክራኸቡን ኣይኮነን ኣዋፊሮመን ዘለዋ። ናብቲ መኽሰብ ዘደልብሉ ዘሎ ሰሜናዊን ምዕራባዊን ዶብ፣ መንእሰያትና ከም ሸቐጥ ኣቕሓ ከመላልሳ ዘዋፍሩወን ዘለዉ።

ኣበይ ደአ አሎ እቲ ተካኢ መጻኢ ወለዶ? ኣብ ፈቐዶ ምድረበዳን ባሕርን ክጸንት ካብ ዝተፈርዶ። ንመን’ዩ? እቲ መዓንጣቓ ሸጥ ዝሕተተሉ ዘሎ። ሃገር ብዘይ ህዝቢ ሃገር ኮይና ኣይትፈልጥን። ህዝቢ ኤርትራም ኣብ ዘይ ሃገሩ ኣብ ስደት ህዝቢ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። እቶም ኣፈቐዶ ኩርናዕ ዓለም ኮይንኩም ነዚ ሃገርኩምን ህዝብኹምን ዘጽንት ብውልቀ መላኺ ዝምራሕ ናይ ሸፋቱ ምትእኽኻብ ተጣቕዑ ዘለኹም ሕሰብሉ። እቶም ኣማዕዲኹም ትርእዩ ዘለኹም’ውን ሕሰብሉ። ኣብ ሃገርና ብሰላምን ብፍትሕን ሕጊ ዘማሓድሮ ስርዓት ክሳብ ናይ ኩላህና ረብሓ ምኻኑ ተረዲኡና ንተክል፣ ኩላህና ስደተኛታት ኢና። ስደት ከአ መርር ኢዩ።

እቶም ኣብ ባሕሪ ዝጥሕሉን ኣብ ምድረበዳ ብጽምኢን ብድኻምን ዝተረፉ፣ እቶም ብህይወቶም ኣካሎም ዝተጠብሐ ኩላሊቶም ክምንዛዕ፣ እቶም ኣብ ፈቐዶ ናይ ስደተኛ መዕቆቢ ተጸፍጺፎም ዘለውን፣ ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ተኣሲሮም ዝርከቡ ዕቑባኛታት፣ እቶም ኣብ ኢድ ሸፋቱ ነጋዶ ጅሆ ተታሒዞም፣ ገንዘብ ስድርኦም እንተዘይኸፈሉ፣ ህይወቶም ብቐጣን ፈቲሊ ተጠልጢላ ዘላ ናይ ሐደ ክልተ ቤተሰብ ጥራይ ኣይኮኑን። ናይ ኩሉ ኤርትራውያን ቤተስብ ክኾኑ ከለዉ፣ ብዓይብኡ ግና ኤርትራውያን ዜጋታት መተካእታ መጻኢ ወለዶ ዝኾኑ እቶም ቀዳማይን ካላይን ወለዶ ዝበልኩኹም ኢዮም።

ካብ ሕጻን ቆልዓ ኣብ ናይ ስደተኛታት መደብር ዝውለዱ ዘለው፣ ክሳብ 30 – 45 ዓመት ዝዕድሜኦም ዝበጽሑ ዜጋታት እንዳጽነትካ፣ ሃገርናን ህዝብናን ማዕቢሉ አሎ ምባል፣ በቲ ሐደ ኸአ ተገልቢጥካ፣ ንመጻኢ ወለዶ ሕጂ ንሸገረሉ ኢልካ ምልጋጽ፣ ነውሪ ንዝፈልጥ ሰብ ጌጋ ምኻኑ ምተረደኦ። መራሕቲ “ህግደፍ”ን ደገፍቶምን ፈሊጦም ንዝገብርዎ ዕንደራን፤ ውሕዳት ስዓብቶም ዘናፍሕዎ እከይ ፈላላዪ ዘረባ፣ ብቕኑዕ ኩነታት ህዝብና ተገንዚብካን ተረዲኻን ግብራዊ ዝኾነ መልሲ ምሃብ ናይ ኩሉ ሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ ዜጋ ሓላፊነት ይኸውን። ካብ ኩሉ ግን እቶም መዓልታዊ ኣብ ጥቓ እቲ ኣረመናዊ መራሒ “ህግደፍ”ን ኣስተግበርቲ እኩይ ትእዛዙ፣ ብቐረባ ትዕዘቡ ዜጋታት፣ ሓቦኹምን ሓሞትኩምን፣ ምህላውን ዘይምህላውን ፈትሽዎ። ናይ ኢራቕ ሳዳም ካብ ትሕቲ ጉድጋድ ከምዝተቦንቆረ፣ ናይ ሊብያ ጋዳፊ ናይ ቀርባ መጽዋትኡ ዝነበረ ትሕቲ ቢንቶ ዝወረዶ ኣዘክርዎም። ሕልሚ ለይቲ፣ ስንባደ ቀትሪ ኩኑዎም። ኣሳፊሕኻ ሞት፣ተኾርሚኻ ሞት፣ ኣይትጸበዩ ኤርትራውያን።

“መንኻ ! መንኺ ! ኤርትራዊ”

ንትማሊ ድየ ዝነብር

ነቲ ዝሓለፈ ሽግር

ንሎሚ ንጽባሕ ዘየሳግር

ከም ዕረ ዝመርር

ከም ሓዊ – ውሽጥኻ ዘሕርር

ክብረት ከይረኣኹ – ከም ፍጡር

ኣብ ገዛይ – ቀሲነ ዘይሓድር

ኣብ ስደት – ዓዲ ዓዲ ክነጥር

ንሰላም ንፍትሒ – ክረኽባ ክመጣጠር

ዓለም ረሲዑኒ – ብዛዕባይ ከይዝክር

ባሕሪ ዓሳ ይበልዓኒ – ሲኢነ ዝሕብር

ምድረበዳ የጽንተኒ – ብጽምኢ ብሃሩር

በደዊን ይሓርዱኒ – ንዕዳጋ ዶላር

ህድገፍ የጽድፈኒ – ኣብ ዓደይ ከይነብር።

አነ ኤርትራዊ

ንትማሊ ድየ – ተሕጉሰ ዝዝክር

ሎሚ ድየ – ተደቢሰ ከም ንቡር

ንጽባሕ ድየ – ሓሲበ ዝጽዕር

መጻወድያ ህግደፍ ኣትየ

ተኣሲረ ጥሙር።

ብቓላት ዝዓፍር – ብሓሶት ዘዕገርግር

መሰለይ ገፊፉ – ናጽነተይ ዝቐብር

ንህዝቢ ገይርዎ – ብባርነት ክነብር

ሐደ ህዝቢ ሐደ ልቢ

ከይሓፈረ ይምድር

ንሃገር ኣጽኒቱ – ንበይኑ ክነብር።

እቱይ ጽንዓት ዝወለደ

ቃልሲ ናይ ትማሊ

ናይ ሎሚ ጋሂ ሐዘን

ኮይኑ ንጹር ስእሊ

ኣብ ሑጻ ዝተኻዕወ

ዘይትኣርዮ እኽሊ

ከይቀሰንካ ህይወት

ከይደቀስካ ሕልሚ

ኣብ በረኻ ሰልሚ

ዝጠሓለ እግሪ

ኣራዊት ከም ዝበልዖ

ዝሰሓቶ ነውሪ

ብሓሶት ሸፋፊንካ – ብሓቂ ዘይጸሪ

ገበል ተሰኪምካ

እተኾይኑ ኣንበሳ ነብሪ

ተሓታቲ አሎ! ጠላሚ

ንናይ ጀጋኑ ሕድሪ

ብድሕሪት ዝወግአ

ካብ ርእሲ ክሳብ እግሪ።

መንኻ! መንኺ! ኤርትራዊ

ንስስዐ ተኺልካ! ተኺልኪ

ቀቢርካ! ቀቢርኪ ንፍቕሪ

ንስልጣን መሪጽካ! መርጽኪ

 ምምቕቓል ተንኮል እተፋሪ

ሃገር እንዳጽነትካ – መንእስያትካ ንባሕሪ

ከም ኣቕሓ ትንግዶም – ብስራሕ ኣነዋሪ

ኣብ ደገ ተቐበልቲ – ኣብ ዓዲ ኣዋፋሪ

ታሪኽ ብጾትኩም ትሸጡ – ንህዝቢ መሕረሪ

መንኻ ንስኻ – መንኺ ንስኺ ኤርትራዊ

መንከ ይኸውን – መን እኩይ ኣማኻሪ

መንከ ኢኻ ተዓዛባይ – ኣማዕድኻ ትዕዘብ

ከማታናትካ ዘይትቖጽራ – ህይወት ናይ ወዲሰብ

ኣብ ጥልመት ትሕባእ – ኣብ መዓሙቕ ፍርሂ

ኣብ ጽልኢ ትነቅጽ – ሓቂ ከይትርኢ።

መንኻ! መንኺ! ሓቂ ኤርትራዊ

ህዝቢ እተጽድፍ – ዶላራት ክትኣሪ

ኣካሎም ክጥባሕ – ፓላሶ ክስራሕ

መንኻ ጀነራል – መንኻ ኮሌነል

ንደቂ ብጾትካ – ንገንዘብ ተቕትል

ኣስመራ መደብርካ – ገንዘብ ጅሆ ትቕበል

ብጾትካ ሱዳን ንስሪ – መሳርሕቲ ተንኮል

መንኻ መንኺ – ትሽቅጡ ብዕሸል

ጽባሕ ግን ግድን – ሓቂ ከም ዝቕልቀል

ዝተዘርአ ፍረ – ሓዲሩ ከም ዝበቁል

ብደም ንጹሃን ዝተሰርሐ – ፓላሶ ከንቆልቁል

ብሕጊ ዝኣምን – ሰላም ፍትሒ ክተክል።

መንኻ መንኺ – ሕድሪ እትጠልሙ

ህዝቢ ንናጽነት – ዘፍሰሰሉ ደሙ

ብደቁ መስዋእትነት – ዝዛዘሞ ዕማሙ

ብክብረት ቅሳነት – ክነብር ተሸሊሙ

ረሲዕኹሞ ድዩ – ወይስ ተቐይሩ ሽሙ

ንደቂ ብጾትኩም – ትሓንቁ ከም ደማሙ

ደም ሰብ ተግሱዑ – ዶላራት ትሓልሙ።

መንኻ! መንኺ! ሓቂ ኤርትራዊ

መንኻ መንኺ – ሕድሪ ጠላሚ

መንኻ መንኺ – ተዕሮምሩም ተሓሚ

መንኻ መንኺ – ናይ ግፍዒ ተሸላሚ

ኣብ መጻኢ ወለዶ – ትዝከሩ ብዕሊ

ጸሊም ታሪኽ ትገድፉ

ክጥዕመኩም ሎሚ።

 

ራህዋን ቅሳነትን ንለዋህ ህዝብና !

ዕብየትን ብልጽግናን ንኽብርቲ ሃገርና !

 

ሰለሞን ብርሃነ ሠንጋል

“ሕልና – 12/04/2011”

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • Alex December 27, 2011

    Thank you Solomon, I enjoyed reading your article, keep it up.

  • ምሕረቱ ሃብተ December 27, 2011

    ካብ እንቋቝሖ ተመን ርግቢ ዝጽበዩ፣ ዳዕሮታት ጥራይ እዮም

    ኣነ ንኢሳያስ ኣይጸልኦን እየ ። ንሕና ህዝቢ፣ ብሕልፊ ክኣ እቶም ነብስና ኣብ ወጻኢ ዘሎ ፣ ኣእምሮና ግን ብርኳን ዝተመልኤ ሓላፍነት ክንወስድ ይግብኣና።ነቶም ስሩዓት ናይ ሙዳዳ /ህግደፍ ውን አይጸልኦም-ኣይፈርደሎም። ምንም ዝቐየርዎ ነገር የለን፣ well፣ ብጀካ እቶም መዕበያ ወለዶም ዝሃሰይዎም፣ ወዲ ዓድና /ወዲ ኣያና ተአሲሩ፣ ኢሎም ኮርዮም ካብ ህግደፍ ዝፈርጠጡ፣ (ይመስለኒ ኢሳያስ መብጽዕኡ ረሲዑ፣ ናብ ቶርዓ ግዲ ኣዳልዩ/ኣሻርዩ)። ። እቶም ደቂ ዓደይ፣ ብሕልፊ እቶም ደቂ ከባቢ፣ ቁጽሮም ዘይውሓደ፣ ንባባ ኢሳያስ ወድና/ወዲ ግራትና፣ ኣይገደፍዎን፣ actually, ገለ ካብቶም ኣዝማደይ ነታ ዘውዲ ናይ ግራትና፣ ናይ ኢሳያስ ካልኦት ከይወስድዋ፣ ከይደቀሱ ይሓድሩ ኣለዉ/ሓሻኻ !!!
    …..continues

  • ምሕረቱ ሃብተ December 27, 2011

    ስሩዓት ናይ ሻዕብያ ዝነበሩ፣ካብ ድምበዛን፣ ኬንያን ኡጋንዳን ጀሚሮም ክሳዕ ካናዳ ዝተዓዘብኩዎም ምእንቲ ውድቦም፣ ገሊኦም ድማ ምእንቲ ደቂ ጎዶቦኦም/ ኣውራጃኦም ክብሉ ሰብ የፋትሑ ፣ ነቶም ዘይደቂ ኣውራጃኦም…..ናይ ጀብሃ ተጋደልቲ ዝነበሩ ካብ ሱዳን እዮም መጺኦም ኢሎም ብናይ ኬንያ special branch /ናይ 72 ፣ የእስርዎምን deport የግብርዎምን ኔሮም።እቶም ደቂ ግራተይ እኳ ንዓይ መጺኦም “አንታ ወዲ ሓማሴን ተባሂልካስ፣ ከመይ ጌርካ ኢኻ ንኢሳያስ ዘይትድግፍ ኢሎምኒ ። ማርያም ኣስመረይቲ ድኣ ሕምስ ተብሎም እምበር፣ …..ዝመለስኩሎም መልሲ ኣብዚ ውርዙይ assenna website ክደግሞ ኣይክእልንየ። ኣበይ ኔርና ኩናማ ክእሰሩ ከለዉ ፧ ኣበይ ኔርና መታሕት ኣሕዋትና ፣ ብሓሶት ሙጅሃዲን ኢሎም ክእሰሩ ከለዉ ፧ኣበይ ኔርና ….-.continues

  • ምሕረቱ ሃብተ December 28, 2011

    ኣካለስንኩላን ክርሽረሹ ከለዉ ፧ ኣበይ ኔርና ብዓል ድሩዕ ሸሪፎ ፣ ፣ ፣ ወዘተ እንታይ ከም ዝበጽሖም እናፈለጡ ሓቅነት ዝደርጉሕልና። ። ንዓና፣ ነቶም ናይ ባርያ ሓንጎል ዘለና ኣሚኖም፣ ሱዳን ከም መኸታ ክንገብር ዘየሕፈረና፣ ፣ ፣ ፣ ፣ ኣሕዋትና ተጋሩን ኣምሓሩን ኢትዮጵያውያን፣ ፣ ፣ ኣጆኹም ኢሎም መድረኽ እንተሃቡና፣ ፣ ኣዲኣ ገዲፋስ ሓትንኣ ትናፍቕ፣ ኢትዮጵያ ጸላኢት ሃገር ስለ ዝኾነት፣ ኣይንቕበሎን ሓገዛ። ኢትዮጵያ ይኹኑ፣ ኣቦታተይ ተጋሩ ናይ ትግራይ ፣ ወይ እቶም ብታሪኽ ደቀይ ዝኾኑ ኣምሓሩ፣ ጉራጌ፣ ኣደሬ፣ ስልጤ፣ ፣ ፣ ፣ ወዘተ ጸላ እተይ ኮይኖም ኣይፈልጡን። …contionues!!

    • Alex December 28, 2011

      Mehretu
      You said it all man. Everything you said is true but sometimes truth hurts.

  • ምሕረቱ ሃብተ December 28, 2011

    መለስ ይኹን ኣቦይ ስብሓት ካባይ ንላዕሊ ተጋሩ ኣይኮኑን፣ ኢትዮጵያውያን እዮም። ኣነ ኤርትራዊ እየ፣ ድምበዛን ኣውራጃይ ፣ ፣ ደቂ ንጉስ ሜሮን ፣ ደቂ ንጉስ ደምብያ፣ ፣ ፣ 400-500 ወይ ዝያዳ ዓመት ይገብር ፣ ነሕዋቶም መረታ ሰበነ ፣ ኣከለጉዛይ፣ ፣ ሒዞም ናብ ኤርትራ ዝወረዱ እዮም። ንሕና ኤርትራውያን ኢና። ተጋሩ ናይ ትግራይን፣ ጎንደሬን ኣሕዋትና ኢትዮጵያውያን እዮም። መንነት ዘይብሉ ሰብ ርህራሄ የብሉን፣ ኩሉ ጊዜ ብናይ ውሽጢ ሕንከት እናተሳቐየ ስለ ዝነብር፣ ጽልኢ እምበር፣ ሓቀኛ ፍቕሪኣይፈልጥንዩ። continues!!!!!!!

  • ምሕረቱ ሃብተ December 28, 2011

    ኣብ ዓይኒ ህግደፍን ስዓብታን ዘሎ ጨንፈር ከይርኣና ኣብ ዓይንና ዘሎ ጉንዲ ነውጽእ። ድሓር ብተኣማንነት ነገራት ነዔሪ። እምበር ሻዕብያ ፣ ሙዳዳ/ህግደፍ ሕጂ ዘምጽኣቶን ባህሪ ኣይኮነን። ብቐደማ ዓበይቲ/ኣረገውቲ ትወቅዕ፣ ሰብ ትጨዊ፣ ብዝጠፍኤ ውላድ ወለዲ ተካላብት። ኣይቀየረትን፣ ኣይክትቅይርን ያ እውን ፣ ተኹላ ንበጊዕ ዝቐትላ እኮ ናይ መደብ ጽልኢ ስለ ዘለዎ ኣይኮነን። ተፈጥሮኡ ስለ ዝኾነ እዩ። —————-ልቢ ነብቍል !!!!!!!
    Thank you

Post a Reply to Alex Cancel Reply