Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዝባን ስዉኣት ኤርትራውያን፡ ከይንድመር ከይንጎድል

ዝባን ስዉኣት ኤርትራውያን፡ ከይንድመር ከይንጎድል ቀዳሞት ክምስሉ እንከለዉ፡ “ከልብስ’ያ ትቅረበሉ ስጋ’ምበር ትወድቆ ሓኽሊ ኣይፈልጥን’ዩ” ኢሎም። እዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ ሓጺር እዋን ተራእዩ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ርክባትን ተስፋ ሰላምን፡ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ንነዊሕ ዓመታት ክብህጎ ዝጸንሐ’ዩ።

ዝባን ስዉኣት ኤርትራውያን፡ ከይንድመር ከይንጎድል

ቀዳሞት ክምስሉ እንከለዉ፡ “ከልብስ’ያ ትቅረበሉ ስጋ’ምበር ትወድቆ ሓኽሊ ኣይፈልጥን’ዩ” ኢሎም። እዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ ሓጺር እዋን ተራእዩ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ርክባትን ተስፋ ሰላምን፡ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ንነዊሕ ዓመታት ክብህጎ ዝጸንሐ’ዩ። እቲ ብምትህልላኽን ህርፋን ስልጣንን መራሕቲ ህግደፍን ወያነን ብሰበብ ዶብ ዝተባርዐን ህልቂት ህይወትን ዕንወት ንብረትን ዘኸተለ ጸሊም ታሪኽ፡ ብፍቅርን ሓድሕድ ምክብባርን መኸተምታ ክግበረሉ ድማ ንኽልቲኡ ህዝብታት ዓቢ ጸጋን ሩፍታን’ዩ። እዚ ተስፋ ዝህብ መስርሕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ቀጻልነቱን ፍርያምነቱን ዝረጋገጽ፡ ኣብ ልቦናን ትብዓትን መራሕቲ ክልቲኡ ሃገራት ዝምርኮስ’ዩ። ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዘይካ’ቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ዝጸንሐ ናይ ዕንወትን ጥፍኣትን ሃዋህው፡ ዘይተፈትሐ ውሽጣዊ ፖለቲካውን ቁጠባውን ቅልውላው ኣለወን። ካብ ኢትዮጵያ ንላዕሊ፡ ንዓና ኤርትራውያን፡ ኣወንታዊ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ፈታሒ ገለ ክፋል ጸገማትና እምበር፡ እቲ ብምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሌና ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ሓሳረ መከራን ዝድምስስ ኣይኮነን። እዚ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ዓቢዪ ኣሕመድ ኣበጊስዎ ዘሎ “ንደመር፡ ሓደ ኢና”” ዝብል ስነ ሓሳብ ድማ፡ ንለዋህ ሰብ መሳጢ ፋሽን’ኳ እንተኾነ፡ ምስ ቁስልኻን ብዘይ ምጽብጻብ ምድማር ግን ውጽኢቱ ምጉዳልን ምቁራንን’ዩ ዘኸትል። ብዙሓት ኤርትራውያን፡ እንተ ብጽቡቅ ድሌትን ግርህናን ወይ ድማ ብፍላጥን ብፖለቲካ ህግደፍ ዝተመረዙን፡ “ሃገርና ሰላም ኮይኑ” ብምባል ኣብ መራኸቢ ብዙሓንን ህግደፍ ኣብ ዝወደቦ ናይ ጎደና ጓይላን “ተደሚርና፡ ሓደ ህዝቢ ኢና” ይብሉ ኣለዉ።

ኣብዚ ሓደ ኣገዳሲ ጉዳይ ክንጸርን ክምለስን ዝግብኦ ነጥቢ ግን ኣሎ፡፡ ምጅማር ንቡር ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ምስ ኢትዮጵያ፡ እቲ ብስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጸሞ ዘሎ ምልካዊ ምሕደራ፡ ምናልባት ኢሳያስ ጸበል ዓቢዪ ኣሕመድ እንተዘይጸልይዎ፡ ለውጢ ከምጽኣሉ ኣይክእል’ዩ። ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት፡ ቀንዲ ጠለብን ሕቶን ህዝቢ ኤርትራ፡ ዶብ ይተሓንጸጸን ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ንቡር ይመለስ” ዝብል ኣይነበረን። ድሌትን ምጉትን ህዝቢ ኤርትራ፡ ወካሊኡ ክመርጽ ምርጫ ክካየድ፡ ቅዋማዊ ስርዓት ክትከል፡ መሰል እምነትን ሓሳብካ ብናጻ ምግላጽን ክረጋገጽ፡ ተሓታትነትን ግሉጽነትን ክህሉ፡ ሰብኣዊ መሰል ክኽበር፡ ልዕልና ሕጊ ክነግስ፡ ተራ ዜጋታት ኣብ ቁጠባዊ ንጥፈታት ክተባባዕ፡ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ገደብ ግዜ ክግበረሉን ብልሽዉ ገባቲ ምምሕደር ከብቅን ዝብሉ’ዮም ነይሮም። ህዝቢ ኤርትራ፡ እቶም ብዘይ ፍርዲ ኣብ ጎዳጉዲ ዒራዒሮ፡ ኣጻምእ ሰምሃር፡ ባርካን ደንከልን፡ ኣብ ኣስመራን ከባቢን ካልእ ዞባታትን ብዘይ ፍርዲ ንዓመታት ዝቅጥቀጡን ብሕማም ዝማስኑን ዘለዉ ደቁ ፍትሒ ክረኽቡ’ዩ ዝጠልብ ዘሎ እምበር፡ ካብን ናብን ኣሰመራን ኣዲስ ኣበባን መጓዝያ ኣየር ምጅማሩ ቀዳምነታቱ ኣይኮነን። ድሌት ህዝቢ ኤርትራ፡ በደለኛ ኣብ ፍርዲ ዝቀርበሉ፡ ዕርቅን ዘተን ዝነግሰሉ ሕብረተሰብ  ክህነጽ፡ ኣብ ስደት ተበታቲኑን ክብሪ ስኢኑን ዘሎ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ክጠራነፍን ኣብ ዓዱ ንቡር ህይወት ክጅምርን እምበር፡ መስመር ተለፎን ኣስመራ ኣዲስ ኣበባ ምፍላሙ፡ ዝዓብሰሉ ኣይኮነን። ሃንቀውታ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ መሬቱ ብትካላት ስለያ ስርዓት ህግደፍ ኣተኻ ወጻኻ ከይተባህለ ርእሱ ኣቅኒዑ ክንቀሳቀስ፡ ዝሕረስ መሬትን ፍቃድ ንግድን ከይተኸልከለን ርሂጹ ክነብር፡ ብዘይ ክፍሊት ኣብ ዕስክርና ተጨውዮም ካብ ትምህርትን መርዓን ደርዓን ተሰናኺሎም ዘለው ደቁ ናጻ ክልቀቁን እምበር፡ ብማዕከናት ዜና ጥዑም ቃላት ምእዋጅ፡ ፈታሒ ሽግሩን ኣውሓሲ ክብሩን ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት ክቡር መስዋእቲ ስለዝኸፈለ፡ ዋና ሃገሩን ልኡላውነቱን ምዃኑ ብተግባር ክረጋገጸሉን፡ ብዘይ ናቱ ኣፍልጦን ድሌትን ዝኾነ ዋጋ ዕዳጋ ከይግበር፡ ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ምስዝኣምንን ጥራሕ’ዩ፡ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን  ክብሪ ዝወሃቦ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ብድሕሪ መጋረጃን ንረብሓ ውሑዳትን ዝዓለመን ብዛዕባ መጻኢኡን መሰሉን ዝኾነ ኣካል ተዋሳኢ ክኸውን ኣየፍቅድን ጥራይ ዘይኮነ፡ ፍረ ጻምኡን ጅግንነቱን ሞሳን ክብረትን ክወሃቦ ግቡእ’ዩ። ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ስልጣኑ ተጠቂሙ ንህዝቢ ኤርትራ፡ ከም ውልቃዊ ንብረቱ፡ ህጻን ቆልዓን ብሃምን ምቅሻሽን ምፍርራሕን ብዘይ ውዓል ሕደር ከቋርጾ ኣለዎ።

መሰረታዊ ውሽጣዊ ጸገማት ከይትፈትሐ፡ ብተብተብ ምስ ኢትዮጵያ ሰላም ኮይኑ ኢልካ ምጥቃዕ፡ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ግፍዒ ክፍጽም ሕጋውነት ምሃብ’ዩ። ብዓቢኡ፡ ነቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸሞ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል ዕሽሽ ምባልን ንውልቀ መላኺ ኢሳያስን ስዓብቱን ምስ ገበታ ገበኖም ናጻ ምባል’ዩ ዝቁጸር። መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድሚ ምስ ኤርትራን ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራትን ንጡፍ ዲፕሎማስያዊ ሽርክነት ምጅማሩ፡ ከም ጽቡቅ ድሌትን ልቦናን፡ ነቲ ኣብ ሃገሩ ዝነበረ ወጥሪ ብዘተን ዕርቅን ብምህዳእ፡ ዝፈጸሞ ጉድለት ብወግዒ ይቅሬታ ብምሕታት፡ እሱራት ብምፍታሕ፡ ምስ ዓበይቲ ዓዲ፡ ምሁራትን ሲቪካዊ ማሕበራትን ሓበሬታን ምኽርን ብምቅባል’ዩ ኣሰራርሕኡ ከጽፍፍን መስርሕ ሰላም ህዝባዊ ስረት ከምዝህልዎን ጽዒሩ። ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ግን፡ ወትሩ ናይ መን ከማይ ብድዐን ትምክሕትን እምበር፡ ሰብ ቀቲሉን ኣሰኢሩን ንብረት ዘሚቱን ዕንወት ፈጺሙን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ይቅሬታ ኢሉን ብጉድለቱ ተኣሚኑን ኣይፈልጥን’ዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ዓቢ ክፋል ካብ ህዝብና ኣብ ስደት ተበታቲኑ፡ እንተላይ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ህግደፍ ንዓመታት ተሓይሩ፡ ስድራቤታት ዓያዪ ጉልበትን ጠወርትን ሓሪምወን፡ ጥሜትን ሕጽረት ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ሰማይ ዓሪጉን ኣብ ዘለወሉ ህሞት፡ ምኽፋት ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን እንታይ ትርጉም’ዩ ክህልዎ? ህዝቢ ኤርትራ’ኮ ዝተረፎ የብሉን። ናጽነት ንምምጻእ ብሉጻት ደቂ ከፊሉ ክንሱ፡ በቶም ናተይ ዝብሎም ደቁ ዝጥለም፡ ኣብ ገዛእ መሬቱ ከም ካልኣይ ዜጋ ዝቁጸር፡ ብዘይ ሕጊ ዝእሰርን ንብረቱ ዝምንዛዕን እንተኾይኑ፡ ሃገራዊ ስምዒቱ ማህሚኑ፡ ምስ ኢትዮጵያ ምድማር ይሕሸና ዝብል መንፈስ ክሓድሮ’ዩ ዝደፋፋእ ዘሎ። እዚ ነቲ ኣቶ ስብሓት ነጋ ቅድሚ ገለ ዓመታት፡ ብዛዕባ ኤርትራ ብዙሕ ኣይትጨነቁ ባዕሎም ይመጹና ስለዘለዉ ብዘይ ኩናት ከነዳኽሞም ኢና” ዝብሎ ትምኒት ዝሰማማዕ’ዩ። ክክሓድ ዘይግብኦ ሓቂ፡ ብዙሓት ሰባት “ተጋዲልኩም ትስስደዱ፡ ትእሰሩን ካብ ስድራቤትኩም ትፈላለዩን እንተኾይንኩም፡ ስማዊትይ ናጽነት እንታይ ትርጉሙ ኣለዋ” ምባሎም ኣይተጋገዩን። እዚ ኩነታት’ዚ ግን ናብ ተስፋ ምቁራጽን ንኽብርኻን መንነትካን ዘይምቅላስን ከምርሕ የብሉን። ንምንታይ’ሲ ራህዋ፡ ብልጽግናን ክብረትን ዋጋ ከፊልካን ጽዒርካን’የን ዝርከባ።

ሓደ ብዓል ሓዳር ወግሐ ጸብሐ ንበዓልቲ ቤቱን ደቁን እናቀጥቀጠን እናዘለፈን፡ ካልኦት ብኡሳት ክዓርቅ እንተበለን ወረጃ ክመስል እንተፈተነን ኣየምሕረሉን ጥራይ ዘይኮነ ምስሉይነትን ሓጥያትን’ዩ። ኣብ ቤቱ ዘሎ ውሽጣዊ ጸገማት ከይፈትሐ፡ ስድራቤቱ ከየኽበረን ኣብ ዓይኑ ዘሎ በሰር ከይኣለየን፡ ዘካይዶ ፈተነ ድማ ተቀባልነት የብሉን። እዚ ብውልቀ መላኺ ስርዓት ኢሳያስ ኣብዚ ቅንያ’ዚ ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ዘርእዮ ዘሎ ኮሸምሸምን ወደኽደኽን ድማ፡ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ሕጉስ ህይወት፡ ክብረትን ፍትሕን እንተዝህሉ ነይሩ፡ “ወሰደ ኢሱ ብዓል ስረ” ዕድመ ንህግደፍ ምተባህለ። እቲ መላኺ ኢሳያስን ኣጫፈርቱን ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ዓቢዪ ኣሕመድን ሰነይቱን ብ8ን 9ን ሓምለ ኣብ ኣስመራ ዝተገብረ ኣቀባብላ፡ ምስቲ ን20 ዓመታት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሐ ወጥርን ተጻብኦን ብምንጽጻር፡ ኣዝዩ ታሪኻውን ዓቢ ዝላ ንሰላምን’ዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ብጉልባብ ባድመ ዝተወልዐ ኩናትን ዝሃለቀ ህይወትን ዝጠፍአ ንብረትን ንመዕለቢኡ ንጹር መብርሂ ከይተዋህበ ብተብተብ፡ “ዝምድናና ናብ ንቡር ንምለስ” ምባል ግን ታሪኻዊ ገበን’ዩ። ብዙሓት ሰባትን ተንተንቲ ፖለቲካን፡ እዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተጀሚሩ ዘሉ ትስፉው ጎደና ሰላም፡ ምስ ምምጻእ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ዓቢዪ ኣሕመድ ኣብ ስልጣን ምዃኑ ይሰማምዑ። ኣብዛ “ሞሳን ምስጋናን ንዶክተር ዓብዪ ኣሕመድ’ዩ ዝግብኦ” ትብል ነጥቢ፡ ብርግጽ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣይሰማምዓን’ዩ። ስለምንታይ’ሲ፡ ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ገበንን ጥፍኣትን ሓቢኡ፡ ምስ ዓቢዪ ኣሕመድ ተሸላሚ ኖቤል’ዩ ክቅበልን ሃወርያ ሰላምን ክስመ’ዩ ዝደሊ ዘሎ።

ዶክተር ዓቢዪ ኣሕመድ ኣብ ዑደቱ፡ ብናይ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ናይ ተራ ሰብ ዝመስል ዕለታዊ ኣነባብራን ሕውነታዊ ኣቀባብላን ከምዝተመሰጠን ኢሳያስ ኣብ ተራ ገዛ ከምዝቅመጥን፡ እዚ ድማ ኣብ ብዙሓት መራሕቲ ኣፍሪቃ ዘይንቡር ምዃኑ ገሊጹ። መላኺ ኢሳያስ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ስድራቤቱ ኣኪቡ ኣጋይሽ ምዕዳሙን፡ ቅድሚ ሎሚ ተራእዩ ዘይፈልጥ፡ ስሓቅን ኮሸምሸምን ምዝውታሩ፡ ንዓና ኤርትራውያን’ውን ብርቂ’ዩ። ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት፡ እቲ ናይ ብሓቂ ኤርትራውያን ንፈልጦ ኢሳያስ፡ ግዳም ሓደር፡ ካብ ስድራቤቱን መሳርሕቱን ተነጺሉን ሰብ ከይፈለጠን፡ ኣብ ዓዲ ሃሎ፡ ኣብ ባጽዕ፡ ኣብያተ መስተ፡ ካልእ እዋን ድማ ኣብ ዞባታት ክሕክልን የለኹን ከብልን ጸዋግን መላኽን ጠባያት ኢና ንፈልጦ። ዶክተር ዓብዪ ኣሕመድ ክበርሃሉ ዝግብኦ፡ ኢሳያስ ካብ ፈለማ 70ታት ክሳብ ለይቲ ሎሚ፡ ደም ንጹሃት እናሰተየን ብስቃይ ሰብ እናተደሰተን ዝነብር ዘሎ ኣረሜን ስለዝኾነ፡ ሎሚ ዘይንሱ ክመስል ምፍታኑ፡ ትንፋስ ክረክብን ቅድሚ ሕጂ ዝፈጸሞ ገበን ብሓላፍነት ከይሕተት ንምህዳምን ሓቂ ንምቅባርን’ዩ። ዝምድና ክልተ ሃገራት ድማ፡ ብዕበጦ ዓባብጦ፡ ዓርከይ ዓርክኻ፡ ወይ ድማ ከም ጸወታ ጭንጭራ ዓበደ ኣብ ስዓታት ዝህነጽን ዝፈርስን ኣይኮነን። ኤርትራውያን ብመዓር ዝጥዕም መደረን ውደሳን፡ ንቀንዲ ጉዳያትና ክንርስዕ የብልናን። ዋላ’ኳ ዝሓለፈ እናዘከርና፡ ምስ ኢትዮጵያ ክንገብሮ ዝግብኣና መጻኢ ዕድልና ክንዓጽዎ ዘይግባእ እንተኾነ፡ ነዚ ናይ ሎሚ “ንደማመር ፡ ሓደ ህዝቢ ኢና” ዝብል ናይ ዶክተር ዓቢዪ ኣሕመድ መደረ ምስቲ ቅድሚ 30 ዓመታት መለስ ዜናዊ፡ “ቁስልኹም ኣይትሕከኹ፡ ብሓንቲ ቡምባ ኢና ተወጊና” ኢሉ ከብቅዕ፡ ኤርትራውያን ሕብሪ ዓይንኹም ደስ ኣይበለናን” ኢሉ ልዕሊ 70 ሽሕ ኤርትራውያን ሰብኣዊ ክብረቶም ግሂሱን ንብረቶም ዘሚቱን ዝጠረዞም፡ ሕጂ’ውን ዳግማይ ምጥልላም ከይመጽእን ዝተኣትወ ምብጽዓ ከይጥለምን፡ እቲ “ምንኣድ ኣይተብዝሕ ድሓር ምስተባኣስካ ምምላሱ ከይከፍኣካ” ዝብሃል ነጥቢ ክዝክር ኣለዎ። “ቁስልና ኣይንሕከኽ ንቅድሚት ንጠምት” ክብሃል እንከሎ፡ ዋላ ካሕሳ ይትረፍ፡ ገዛእቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ፍርቂ ዘመን፡ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብን ንብረትን ዝፈጸምዎ ቅትለት፡ ስቃይን ዕንወትን፡ ብወግዒ ገበኖም ክእመኑን ንህዝቢ ኤርትራ ይቅሬታ ክሓቱ ግዴታ ኣለዎም። ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ኣብ ክንዲ ህዝቢ ኤርትራ ቃሕ ብዝበሎ ታሪኽ ክፈጥር ወይ ክድምስስ፡ ፋይል ክዓጹ ወይ ፋይል ክኸፍት መሰል የብሉን። ንኣብነት በዚ ኣብዚ እዋን’ዚ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ዘርእዮ ዘሎ ወደኽደኽ፡ ህዝቢ ኤርትራ ከይፈለጠን ብሽርጓናን፡ ወደባት ኤርትራን ካልእ ክፋል መሬትናን ንኢትዮጵያ ኣሕሊፉ ክህብን ከስተልምን ድሕር ኣይብልን’ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ዘይምልከቶ ደም ምፍሳስ ህዝቢ የመን ኢዱ ብምሕዋስ፡ ብዘይ ኣፍልጦ ህዝቢ ኤርትራ፡ ማያትናን መሬትናን፡ንስዑድ ዓረብ ኢማራትን መጥዩለን’ዩ። ኣምሳያኡ ድማ ሚልዮናት ዶላር ተቀቢሉ ኣብ ጁቡኡ ሽሪብዎ’ሎ።

ኤርትራውያን፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ዘንጸላልወና ዘሎ ጸሊም ደበናን ንህላወና ኣስጋኢ ኮይኑ ዘሎን ጉዳይ፡ እዚ ንደማመር፡ ሓደ ህዝቢ ኢና” ዝብል ሓደገኛ ፍልስፍና’ዩ። ኤርትራውያን ንሓድሕድና ክንደማመርን ቅጫን መቅሎን ክንከውንን የምሕረልና ጥራይ ዘይኮነ መብጽዓ ስውኣትና ቀጥ ኣቢልና ክንትግብር ሓላፍነትና’ዩ። ንሕና ሓድነትና ከየረጋገጽና ብኤርትራውነትና ከይተሓበናን፡ “ምስ ኢትዮጵያ ሓደ ህዝቢ ኢና፡ ብቀደሙ መራሕቲ ወያነን ህግደፍን ኣባኢሶሙና እምበር ዝፈላልየና የለን። ተዋሊድናን ተዋሲብናን ኢና” ዝብላ ሓረጋት ከይተመራመርና ክንጎስመን የብልናን። ሕሉፍ ሓሊፉ፡ ዳርጋ ብገለ ጉጅለታት፡ ነቲ ን30 ዓመታት ዝተሰዋእናሉን ዝደኸምናሉን ዕጥቃዊ ተጋድሎ፡ ናይ ኣይመድለየን በጨቅታ ይስማዕ ኣሎ። ዝባን ስውኣት ኤርትራውያን፡ ከይንድመር ከይንጎድል፡ ብኤርትራውነትና ሓድነትና ነደልድል፡ መንነትና ንዓቅብ፡ ክብርና ንሓሉ። ኣካይዳ ዓለምናን ሓያላን ሃገራትን ብዝግባእ ክንግንዘቦ የድሊ። ቤትና ንፋስ ክኣትዎ ከነፍቅድ የብልናን፡ ንደቅናን ደቂ ደቅናን ድማ ሕፍርትን ብልጽግትን ኤርትራ ከነጽንሓሎም ኣለና። መላኺ ኢሳያስ፡ “ዶብና ኣይተሓንጸጸን፡ ኢትዮጵያ ጎቢጣ ሒዛቶ ካብ ዘላ መሬትና ከይወጸት ዘተ የለን” ክብል ከምዘይጸንሐ፡ ሎሚ ንኹሉ ረሲዑ፡ ህዝብና ከቢድ ዋጋ ምስከፈለን ብጥሜት ናብ ስደት ምስተበታተነን፡ ካብ ዝኣተዎ መንቀራቅሮ መተንፈሲ ንምርካብ፡ ብዕድልና ይጣላዕ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ንኢሳያስ ከም ሓርበኛ መራሕን ደላይ ሰላምን ዘይኮነ ክፈልጦ ዘለዎ፡ ፍቱዋት ደቁ ዝበልዐ፡ ሰብኣዊ መሰሉ ዝግሃሰን ንብረቱ ዝዘመተን ሰብ ስለዝኾነ፡ ብገበን ዝሕተትን ኣብ ፍርዲ ክቀርብን’ዩ ዘለዎ።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 13 ሓምለ 2018

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • Uncle Sye July 15, 2018

    ጽላለየ
    ቀደም ተደሚርና ካብቲ ቀዛፍን ዓማጽን ኣጀንዳ ተገንጸልቲ ሕብረት ከም ኣቦታትና ኣንድነት መሪጽና , ወለዶና እንተጸብጸብናዮስ ” Allora ዝብሉ ዓጋመን ,ትግርኛ ዝዛረቡ ጎንደሬን ኮንና ጸኒሕና ” ከመገንጠል መደመር ይሻላል ብለናል! እቶም ብዓረብ ክዛረቡ ዝኾርዑ እቲ ናትና ኣምሓርኛ ግን ዘሕንኾም ተገንጸልቲ ኣዕሚቘና ቀቢርናዮ ዕላምኦም
    ተደምረናል

  • k.tewolde July 15, 2018

    Thanks Tsilal,another stellar timely article.It sounds like Moses descending from the mountain with the ten commandments to his disappointment only to find the Israelites dancing and gyrating with goblets of wine with harlots, sweet incense bellowing into the air and worshiping idols.

  • Haile July 15, 2018

    Well said.

  • Hagos July 15, 2018

    ምስ ፖለቲካ ኢሳያስ ካብ ዘይሳማማዕ ነዊሕ ኣቝጺሩ እዩ። ኩነታት ኤርትራ ነቲ መሪሕነት የንጸባርቕ።
    ኣብዚ ቕንያት ግና ብተዓጻጻፍነቱ ኢሳያስ ካብቶም ተጻረርቱ ንላዕሊ በሊጹን ደሚቑን እዩ። እዚ ድማ ኣብቲ ከም ብዘደንቕ ፍጥነት ብሰላማዊ መገዲ ኢትዮጵያን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝቕይር ዘሎ ዶር ኣቢይ ኣሕመድ ተጎርቢቱ እዩ።
    ኢሳያስ ኣብ ክመርሓሉ ዘይክል ኩነት ምህላዉ ይፈልጥ እዩ ። ኤርትራ ኣዝያ ካብ ዓለም ተነጺላ ፤ ዜጋታታ ፋሕፋሕ ኢሎም ፤ ቁጠባ ማህሚኑ ኣብ ዘለዎ እዋን ነቲ ከባቢ ክመርሓሉ ዝኽእል ባይታ የብሉን ግናኸ ክምራሕ ከምዝኽእል እዩ ብቕንዕና ከይሓብአ ዝተኣመነ ፤ ኣዚ ድማ ሎምስ ለቢሙ ዘብል እምበር ዘጽርፍ ወይ ዘነውር ኣይኮነን። ስለዚ እንኳዕ ካብ ለባማት ተማሃርካ እዩ ዘብል።
    እዚ ናይዚ ሰሙን እዚ ድንቅን ተኣምራታዊ ፍጻመን ካልእ ዘርእዮ ኤርትራ ብኹሉ ሸነኻት ፖለቲካን ቁጠባን ተበሊጻ ድሕሪት ተሪፋ ኣብ ሰንደልደል ቦታ ከም ዘላ እዩ ፤ ነዚ ድማ ኢሳያስ ብሓቂ ተኣሚኑሉ እዩ። ኣብዚ ኢሳያስ ጥራይ ኣይኮነን ድሕሪት ተሪፉ ዋላ እቶም ተቓወምቲ ኢና ዝብሉ ውን ገለ ዉሑዳት ገዲፍካ ፣ ብዙሕ ንድሕሪት ዝተረፉን ብኣተሓሳስባን ራእይን ድኻታትን መኻናትን ኮይኖም ምትራፎም እዩ። ስለዚ ኤርትራ ማዕረ ኢትዮጵያ ክትሱግም እንተኾይኑ ሓድሽ መሪሕነት የድልያ ፣ እዚ ግና ኣብ መንግስትን ተቃወምትን ኢና ዝብሉ ውን እዩ። እቲ ቀደም ዝበለየ ኣተሓሳስባን ኣጀንዳን ግና ቕድም ክቕበር ይግባእ።

    ሰላምን ፍቕርን ንኤርትራን ኢትዮጵያን።
    ፍቕሪ ይስዓር። ሰላምን ፍትሕን ይንገስ።

  • Hagos July 15, 2018

    ህዝቢ ኤርትራ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሰላም ከምዝደልን ብሰላም ክነብር ከምዚደልን ኣብ ማእከል ኣስመራ ኣብ ጽርግያን ኣደባባይን ወጺኡ መስኪሩ እዩ። ነዚ ክኽሕድ ዝደሊ ኣብ ሕልሚ ዝንበር ጸረ-ሰላም ናይ ራኢ መኻን ጥራይ እዩ። እቶም ኣብ ኣገልግሎትን ድፋዕን ዘለዉ ኤርትራውያን ውን ንሰላም ብኽልተ ኢዶምን እግሮምን ይመርጹ ኣለዉ።

    • k.tewolde July 16, 2018

      Peace comes in different flavors Hagos,there is peace which was heralded the minute an atomic bomb was dropped and wiped out thousands of lives in second world war,there is peace which united east and west Germany by breaking down the wall by the work of 2 great leaders of their time,and there is peace which is sought by a lifelong abused wife who pleads ‘take everything we built together just set me free..’ Which one are you talking about? Peace my friend can be coerced,superimposed or willful and voluntary.We all love peace and the serenity it brings as long as that peace serves us equally and preserves who we are as people of a sovereign nation.Remember, they might appear weak today,but this little nation has owners who fought and died for it.

Post a Reply to Hagos Cancel Reply