Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዝተረኽበ ዓወት ክቀጻጸል ኣለዎ

ሎሚ ቕነ፡ ኣብ ሙሉእ ዓለም ዘሎ ህዝብና ናይ ሓዘንን፡ ናይ ባህታን ስሚዒታት ተፈራሪቕዎ ይርከብ። እቲ ቀዳማይ፡ በቶም ኣማኢት ዝቑጸሩ ኣብ ሜዲተራንያን ዝጠሓሉ ደቁ፡ ኣሕዋቱ፡ ኣሓቱን፡ ወለዱን ኣዚዪ ጊሁ። በቲ ሓደ ወገን ከኣ፡ ንህዝብና ሞትን ሓዘንን

ሎሚ ቕነ፡ ኣብ ሙሉእ ዓለም ዘሎ ህዝብና ናይ ሓዘንን፡ ናይ ባህታን ስሚዒታት ተፈራሪቕዎ ይርከብ። እቲ ቀዳማይ፡ በቶም ኣማኢት ዝቑጸሩ ኣብ ሜዲተራንያን ዝጠሓሉ ደቁ፡ ኣሕዋቱ፡ ኣሓቱን፡ ወለዱን ኣዚዪ ጊሁ። በቲ ሓደ ወገን ከኣ፡ ንህዝብና ሞትን ሓዘንን ከም ዘይስዕሮ፡ ብኣንጻሩ እኳ ድኣ፡ ከይተሓለለ ዘካይዶ ዘሎ ፖለቲካዊ ቃልሲ፡ ንደመኛ ስርዓት ኢሰይያስን ሰዓብቱን፡ ኣብ ናይ ዓለም ቤት ፍርዲ ኣቕሪቡ ከንጠልጥሎም ተስፋ ዘሕደረሉ ቅንያት ብሙዃኑ፡ ኣብ ዓቢ ሓጎስ ይርከብ።

ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መርማሪት ኮሚሽን፡ ትማሊ 8 ሰነ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኤርትራ፡ ን 25 ዓመታት ዝኣክል፡ ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ገበን ከም ዝፈጸሙ ኣረጋጊጻ። እቲ ሰብኣዊ ገበን ከኣ፡ ባርነት፡ መጭወይቲ፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ስቅያት፡ ቅትለትን ካልእን ዘጠቓለለ እዩ።

እቲ ገበናት፡ ኣብ ቅሉዕ ቦታት ዘይኮነስ፡ ሰፊሕ ዝርግሐ ዘለዎ፡ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ፡ መሰልጠኒ መዓስከራትን ካልእን ብረቂቕ ኣገባብ ከም ዝተፈጸመ እቲ ዝወጸ ጸብጻብ የረድእ።

ነቲ ጸብጻብ ዘቕረበ ማይክ ስሚዝ፡ ማሕበረሰብ ዓለም፡ ናይ’ቲ ዝተፈጸመ ገበናት ተሓታትነት ከም ዘለዎ ንምርግጋጽ ዓለም ለኻዊ ቤት ፍርዲን ካልእ ኣገባብ ብምጥቃም፡ ስጉምቲ ክወስድ ተላብዩ። ንሱ ብተወሳኺ “ነቲ ገበን ዝፈጸሙ ኣብ ፍርዲ ክቐርቡ ኣለዎም። ድምጺ ናይ’ቶም ግዳያት ከኣ ክስማዕ ኣለዎ” ኢሉ።

ጉጅለ መርማሪት ኮሚሽን፡ ኣብ ከም’ዚ ዓይነት መደምደምታ ዝበጽሐት ምኽንያት፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝነብሩ ኤርትራውያን 833 ምስክርነት ብምጥቃም እዩ።

ስርዓት ህግደፍ’ውን ብወገኑ፡ ነቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ዓለም ብሙሉኣ ዝፈለጠቶ ገበናቱ ንምሽፋን፡ ከምኡ’ው፡ ነቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ንምዝንባዕ፡ ዘይፈንቀሎ እምኒ የልቦን። ኣብ ውሽጢን ወጻኢ ዝርከብ ህዝብና፡ ብምድንጋርን ምኣስግዳድን ከምኡ’ውን፡ ከም ብዓል ግንቦት 7 ዝኣመሰሉ ናይ ኢትዮጵያ ተቓወምቲ ውድባት ብሓሶት ከም ኤርትራውያን መሲሎም ብምፍራም፡ ናብ’ታ መርማሪት ኮሚሽን ኣቕሪቡ እዩ። ነቲ ሓቂ ግና፡ ከቶ ክቕይሮ ኣይከኣለን።

ሓሶትን ሎቖታን እንዳ ሓደረ ይፎኩስ ከም ዝበሃል ከኣ፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ከም ብቑሊ ፎኺሱ፡ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ካብ ሃገርና ዝብቈጸሉ እዋን ሕጂ እዩ።

ነዚ ተረኺቡ ዘሎ ናይ ዓወት ተስፋ፡ ርግጽ ንምግባር፡ ኣብ ውሽጢን ወጻኢን ዘሎ ህዝብና፡ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ኣለዎ። ነቲ ኣብ ጀነቫ ተመዲቡ ዘሎ ሰለማዊ ሰልፊ ንምዕት፡ ኣብ ኣዉሮጳን፡ ካልእ ክፍለ ዓለማት ዝርከብ ህዝብና ተሓባቢሩ፡ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፍለጥ ቁጽሪ ህዝቢ ብምውጻእ ነቲ ዓወት ብተግባር ከረጋግጾ ይግባእ። ካብ ውልቀ መላኺ ኢሰይያስ ጀሜርካ፡ እቶም ቀንዲ ካለኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣብ’ቲ ኣብ ሄግ ሆላንድ ዝርከብ ናይ ዓለም ቤት ፍርዲ ንኽቐርቡ ጻዕርታቱ ክቕጽሎ ኣለዎ። ኣብ’ተን ዝነብረለን ሃገራት፡ ምስ መራሕቲን ወከልቲን ህዝቢ ብምዝርራብ፡ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ንኽውሰድ ድፍኢት ክገብር የድሊ። ሓድነት ሓይሊ እዩ’ሞ፡ ተቓወምቲ ውድባት ሓድነት ብግባር፡ ስርዓት ህግደፍ፡ መሊኡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ህዝቢ ኤርትራ ንኽኣቱ ቃልሶም ከበራትዑ ንላቦ። ባርነት፡ ዓመጽ፡ ግፍዒ፡ ማእሰርቲ፡ ስደትን፡ መከራን ዘብቅዓሉ ኣኺሉ እዩ።

ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ፡ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ነቶም ብትብዓት ምስክርነቶም ዝሃቡ ኩሎም ኤርትራውያን፡ ነቶም ኣብ ምስላጥን ምትርጓምን ተዋፈሩ ደለይቲ ፍትሒ፡ ከምኡ’ውን ንኣባላት ጉጅለ መርማሪት ኮሚሽን ልዑል ምስጋና እንዳ ኣቕረበ፡ ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራ እንቋዕ ሞጎሰካ ይብል።

 

ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ

ሰሜን ኣሜሪካ (EYSC-NA)

eyscna@gmail.com

269-598-5565

9 ሰነ 2016።

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Palumba June 10, 2016

    መትከላት ውድብ ሕቡራት ሃገራ ካብቲ ተልኡኹ ሓደ መሰል ደቂ ሰባት ንምኽባር ኢዩ።ኣብ 50ታት ንዝፈጸሞ ግጉይ ሰነዳቱ ከመዓራሪ ዝተበገሰ ከኣ ይምርስል።ዝያዳ ኩሉ Enough is enough ይብል ስለዘሎ ብጉዳይና ዝግደስ ቡዙሕ ይመስለኒ።የግዳ፡ ንቃልስና ዝውክል ጡሙር ሓይሊ ዘድልየሉ ኢዋን ሕጂ ኢዩ።

POST A COMMENT