Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዝተቐብረ ህ.ግ.ደ.ፍ ከተምልኹ ኣይትንበሩ! ወከልቲ ኢስያስ ዘካይድዎ ሰሚናራት እንታይ ይመስል?

  ዝተቐብረ ህ.ግ.ደ.ፍ ከተምልኹ ኣይትንበሩ!   ወከልቲ ኢስያስ ዘካይድዎ ሰሚናራት እንታይ ይመስል?   ደስበለ መሓሪ   ኣብ ምብጋስ መስርሕ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን፣ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዘስመዖ መደረን ዘርኣዮ ዘይንቡር ባህርያትን ዘይሓለፍነታዊን  ዕሸላዊን ኣገባብን፣ንኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ከምዘገረመን ከምዘሰክፈን ግሁድ እንዳኮነ ክኸይድ ጸኒሑ ኣሎ፡ ዶክተር ኣብይ

 

ዝተቐብረ ህ.ግ.ደ.ፍ ከተምልኹ ኣይትንበሩ!

 

ወከልቲ ኢስያስ ዘካይድዎ ሰሚናራት እንታይ ይመስል?

 

ደስበለ መሓሪ

 

ኣብ ምብጋስ መስርሕ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን፣ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዘስመዖ መደረን ዘርኣዮ ዘይንቡር ባህርያትን ዘይሓለፍነታዊን  ዕሸላዊን ኣገባብን፣ንኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ከምዘገረመን ከምዘሰክፈን ግሁድ እንዳኮነ ክኸይድ ጸኒሑ ኣሎ፡ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ  ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ዝሃቦ ንሃገረ ኤርትራ ዝምልከት መግለጺታት ምስቲ ዝተራእየ ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ጠገለ ዝሰኣነ ሸብዳዕዳዕ ተደሚሩ ኣብቶም ደገፍትና ኢዮም ዝብልዎም ኤትራውያን ዜጋታት’ውን ከይተረፈ ዓቢ ቁጠዐን ተስፋ ምቑራጽን ከምዝፈጠረ ስለዝተረድኡ፣ ኣምባሰደራት ኢሳያስ “ሰሚናራት” ከካይዱ ክጓየዩ ይረኣዩ ኣለዉ። ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ናህሪን ሕርቃንን ህዝቢ ንምዝሓል ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ስሚናራት ወዲቦም ከካይዱ ካብ ዝጅምሩ ሰሙናት ሓሊፉ ኣሎ። ኣብዚ ቅነዚ ድማ ኣብ ሰለስተ ከተማታት ኢጣልያ (ሮማ፣ሚላኖ፣ቦሎኛ) የካይዱ ኣለዉ።

ትሕዝቶ ናይቲ ሰሚናር ነቲ ኣብ ናይ ዜና ማዕከናትን ዝተፈላለየ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ዝስማዕ ስክፍታታትን ቁጠዐን ናይ ኤርትራውያን ኣኻኺቦም “ከይቀደሙና ንሕና ክንቅድሞም”  ብዝብል ሽጣራዊ ስትርተጂ  ክቐርቡ ይረኣዩ። በዚ ኣገባብ’ዚ ምቕራቦም እቲ ካብ ህዝቢ ብቁጠዐ ክለዓል ዝኽእል ሕቶታት ንምዕጋትን ካብ ወጥርታት ንምድሓንን ዝጥቀምሉ ሜላ’ኳ እንተኮነ፣ ህዝቢ ግን በቲ ዝወሃብ መግለጺ ዕጉብ ስለዘይኮነ፣  ስምዒቱን ተቓውሞኡን ብትረት ካብ ምግላጽ ኣይተቆጠበን።ከምቲ ኣብ ስዊዘርላንድ ኮነ ኣብ ገለ ከተማታት ኣሜሪካ ዘካየድዎ “ሰሚናራት”፣ኣብ ሮማን ሚላኖን’ውን እንተኮነ ናይ ህዝቢ ስምዒትን ተቓውሞን ከምቲ ንሳቶም ዝሓሰብዎ ፣በቲ ዝሃብዎ መግለጺ ዓጊቡ ካብ ምውጣሮም ጠጠው ኣይበለን። ኣብዚ እዋን’ዚ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ዘልዕሎ ዘሎ ኣገዳሲ ሃገራዊ ሕቶታት(ብዛዕባ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝካየድ ዘሎ ናይ ሰላም መስርሕ ብወገን ኤርትራ ዝርአ ናይ ሓበሬታ ብኩራት፣ብስም ኤርትራን ንኤርትራ ኣብ ዝምልከት ጉዳያት ዶክተር ኣብይ ወዳኢ ነገር ኮይኑ ክቐርብ ከሎ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝርአ ስቕታ፣ናይ ዶብ ዘይምሕንጻጽ፣ቅዋም ዘይምትርጓም፣እሱራት ዘይምፍታሕን ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘይምዝዛምን) ፣ ብምጥቃስ ተቓውሞኦም ክገልጹን ሕቶታት ከቕርቡን ዝተሰምዑ ዜጋታት ምህላዎም ጥራይ ዘይኮነ ኩሉ እቲ ተሳታፊ ናይቲ ኣኼባ ብብርቱዕ ጠቓዒት ደገፉ ክገልጽ ዝተራእየሉ ኣኼባ ብምንባሩ፣ ሕፍረትን ፍሽለትን ምስካሞም ይቕጽል ኣሎ።

 

እቲ ብዜጋታት ዝለዓል ዘሎ ንልዑላውነት ሃገርን፣ ቃልሲን መስዋእትን ጀጋኑናን ኣብ ሕቶ ዘእቱ  ከቢድ ሕቶታት ክምልስዎ ዘይምኻሎም ጥራይ ዘይኮነ፣ ንገዛእ ርእሶም’ውን ስለዘይፈልጥዎን ዘይርድእዎን ከም ስትራተጂ ዝጥቀሙላ ጉልባብ ነታ “ህዝባዊ ግንባር ናታ ኣሰራርሓ ኣለዋ” ትብል ኣብ ልብን ኣእምሮን ህዝቢ ዘለዋ ተቐባልነት ክምዝምዙ ሒኹ ክብሉ ይረኣዩ። እታ”ህዝባዊ ግንባር” ትብል መጸዋዕታ ኣብ “ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን” ኣብ “ህዝባዊ ግንባር ንፍትሕን ደሞክራስን” ለጊባ ዘላ ቃል ብምዃና፣መብዛሕቲኡ ህዝቢ ፈላልዩ ክርእያ ስለዘይክእል ነታ ቃል ምስቲ ተኣምራታዊ ቃልሲ ኣካይዱ ነጻነት ኤርትራ ዘጎናጸፈን ዕማሙ ኣብ 1994 ዛዚሙ ናብ “ህግደፍ” ዝተቐየረ “ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ” ስለዘተኣሳስራ ኣብ ሕቶ ምልክት ከእትዋ ሕልንኡ ኣይፈቕደሉን።ህ.ግ.ሓ.ኤ  ነብሲ ወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ መስዋእቲ ዝኸፈለላ ውድብ ስለዝኾነት “ኣሕሊፉ” ኣይህባን ዝመንቀሊኡ ስንኩፍ ሓስቦም  ተጠቒሞም ስምዒት ህዝቢ ክምዝምዙን ስነ ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ከሕድርሉን ዝኣለሙዋ ስልቲ ምኳና ምግንዛብ ኣድላዪ ኢዩ።

  ንምኳኑ ህ.ግ.ደ.ፍ ከ ኣሎ ዲዩ?

       ብዛዕባ “ህግሓኤ” ብኣዎንታውን ኣሉታውን መልክዑ ብዙሕ ተዘሪቡን ተጻሒፉን ስለዝኾነን፣ ኣንበብቲ ድማ ብዙሕ (ጽቡቕ ኮነ ሕማቕ) ኣፍልጦ ኣዋህሊሎም ስለዘለዉ ክሰግሮ ይመርጽ። ብዛዕባ “ህግደፍ” ግን ካብ ኣቃውማኡን  ኣማዓባብልኡን ጀሚሩ ክንግንዘቦ ዝግበኣና ብዙሕ ኣገዳሲ ነጥብታት ዘሎ ኮይኑ ስለዝረኣየኒ ርእይቶይ ከስፍረሉ ኣገዳሲ ኮይኑ ይረኽቦ።

ካብቲ ኣብ 1994 ዓ.ም ኣብ ናቕፋ ዝተካየደ 3ይ  ጉባኤ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ክጅምር። ምክንያቱ  ድማ ውጽኢት’ዚ ጉባኤዚ ኣብቲ ድሕሪኡ ዝሰዓበ መስርሕ፣ ኣብ መንጎ እዚ ክልተ ኣስማት(ህ.ግ.ሓ.ኤን ህ.ግ.ደ.ፍን) ዝርአ ተምሳልን ፍልልይን ንምርዳእ ክሕግዝ ስለዝኽእል ኢዩ። ኣብዚ ጉባኤ’ዚ ምዕቡል ዝኮነ ራእይ መጻኢት ኤርትራ ብንጹር ዘቐመጠ ሰነድ ሃገራዊ ቻርተር ከምዝጸደቐ ይዝከር። ኣብ መንጎ ውድብን መንግስትን ክህሉ ዝግበኦ ዝምድና ዝሕብር ፖለቲካዊ  መስመር’ውን ይውሰን። ቅዋም ክንደፍን ክሕንጸጽን፣  ስዒቡ ድማ ብሕጊ ዝምእዘዝ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንክምስረት፣ ምርጫ ንምክያድ ዘድሊ ምድላዋት ክማላእ ከምዘለዎ ሓንጸጸ። ኣብ መወዳእታ ድማ ነዚ ራእይ’ዚ ኣብ ግብሪ ንምትርጓም ትሰርሕ ብ75 ኣባላት ዝቖመት ማእከላይ ባይቶ መሪጹ ጉባኤ ተዛዘመ።ካብ ማእከላይ ባይቶ ድማ  ንመዓልታዊ ንጥፈታት ውድብ ትከታተልን ተመሓድርን 19 ዝኣባላታ ፈጻሚት ሽማግለ ተመዘዘት።እዛ ፈጻሚት ሽማግለ’ዚኣ ንመብዛሕቲኦም ናይ ነዊሕ እዋን ተቓለስቲን መራሕትን  ዘግለለትን፣ ብመንእሰያትን ብዙሕ ናይ ብረታዊ ቃልሲ ተሞክሮ ዘይነበሮምን ኣባላት ዝቖመት ምንባራ ምጥቃስ ኣገዳሲ ኢዩ።እዚ ዝኮነሉ ምኽንያት ድማ፣በቲ ሓደ ወገን “እዚ ውድብ ሓዱሽ ደም የድልዮ ኣሎ” ካብ ዝብል መንፈስ ዝብገስ ክኸውን ከሎ በቲ ካልእ ወገን ድማ “ኣብ ውድብን መንግስትን ተደራራቢ ሓላፍነት እንተተፈጢሩ ናይ ስራሕ ኣሳልጦ ኣይህብን” ካብ ዝብል ኣረዳድኣ ዝነቐለ ቅዱስ ሓስብ ነበረ። እዚ ማለት ድማ እቶም ተቓሊሶም ዘቃለሱ ነባራት ተጋደልቲ ኣብቲ መንግስታዊ ትካላት ዝለዓለ ሓላፍነት ተሰኪሞም ስለዝነበሩ ኣብቲ ፈጻሚ ኣካል ህ.ግ.ደ.ፍ  ከይኣተዉ ተረፉ። ከምዚ ኢሉ ድማ   “ህግደፍ” ኣብ 1994 ዓ.ም ኣብ ናቕፋ ዝተካየደ ሳልሳይ ጉባኤ ህ.ግ.ሓ.ኤ ዝቖመ “ሰፊሕ ሰረት ዘለዎ  ንኩሉ ኤርትራዊ ዝሓቁፍ” ፖለቲካዊ ውድብ (ግንባር) ኮይኑ ወጸ።

ህ.ግ.ደ.ፍ ምሉእ ብምሉእ’ኳ እንተዘይተባህለ፣ክሳብ ቅዋም ኤርትራ ዝጸደቐሉ ዓመት 1997 ፣ በቲ ቅዋም ንምንዳፍን ንምጽዳቕን ዝተወስደ ስጉምትታትን፣መባእታዊ ትካላት ንምህናጽ ዝተካየደ ጻዕርን፣ ከም መቐጸልታ ህ.ግ.ሓ.ኤ ኮይኑ ቀጺሉ ክበሃል ዘድፍር ኢዩ። ካብ ኩናት ኢትዮ-ኤርትራ ጀሚሩ ዝተራእየ መስርሕ ግን መትከላትን ውሳኔታትን ህ.ግ.ሓ.ኤ ዝጻረርን፣ስልጣን መንግስትን ውድብን ኣብ ኢድ ሓደ ውልቀ ሰብ ዘካዕብት ኣካይዳ ክረአ ጀመረ። እቲ ኩናት ምስ ተዛዘመ ድማ እቲ ቅድሚ ኩናት ዝተበገሰ ናይ ሓደ ውልቀሰብ እምባገነንነት እንዳዓብየን እንዳሰፍሐን ከደ። ቅዋም ይኹን እቲ ብጉባኤ ህ.ግ.ሓ.ኤ ዝሓለፈ  ውሳኔታትን ዝጸደቐ ፕሮግራምን ክጠሓስን ክድርበን ተራእየ። ትካላት መንግስትን(ሃገራዊ ባይቶ፣ናይ ፍርዲ ኣካል ) ውድብን (ማእከላይ ባይቶን ፈጻሚት ሽማግለን) ህላውነቶም ክሓቅቕ ተራእየ። ከምዚ ኢሉ ድማ ህላውነት ህ.ግ.ደ.ፍ ውን ሓቐቐ።

ህ.ግ.ደ.ፍ ካብ ህ.ግ.ሓ.ኤ ዝተቐበሎ ፖለቲካዊ፣ ማሕበረ-ቁጠባውን ባህላዊን ውርሻ ምጭዋዩን ምድምሳሱን ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ከም መሳርሒ ክጥቀመሉ ዝቖመ ኣካላት ናይቲ ውድብ’ውን ብምሕቃቁ ህላውነቱ ኮነ ሕጋውነቱ ከምዘፍረሶ ምግንዛብ ዝከኣል ኢዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ዝለዓለ ስልጣን፣  ብ75 ኣባላት ዝቖመ ኣካል ውድብ – ማእከላይ ባይቶ- ካብ 2000 ዓ.ም ኣትሒዙ ተኣኪቡ ዘይፈልጥ ምኳኑ ጥራይ ዘይኮነ፣ 35  (46,7%) ካብ ኣባላቱ ብኣካል ኣብቲ ሃገር ዘየለው(ዝሞቱ ዝተኣስሩ ዝተሰዱ) ክኾኑ ከለዉ እቶም ዝተረፉ ድማ 40 (53,3%) ኣብ ሃገር ዝነብሩ ምኳኖም ይፍለጥ። ካብቶም 19 ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለ ድማ 6 (31,6%) ብሞት ብስደትን ብማእሰርትን፣ ዘይህልዋት ክኮኑ ከለዉ፣ እቶም 13 (68,4%) ድማ ብኣካል ኣብ ሃገር ዘለዉ እኳ እንተኮኑ ተዓዘብቲ ጥራይ ኮይኖም ዝነብሩ ዘለዉ ኢዮም። ብስም ህ.ግ. ኣብ ስልጣን ኮፍ ኢሉ ንዓመታት ህዝቢ ኤርትራ ዘበሳብስ ዘሎን ፣ ኣብዚ ግዜ’ዚ ድማ ልዑላውነት ሃገር ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣእትዩ ሓደገኛ መገዲ ሒዙ ዝጓዓዝ ዘሎ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ ውሑዳት ተሓባበርቱ’ምበር፣እቶም ህሉዋት ኣባላት መሪሕነት ውድብ’ውን ካብዝኾነ ይኹን ንጥፈታት መንግስትን ውዱብን ተገሊሎም  ከምዘለዉ ምግንዛብ ብዙሕ ጻዕሪ ዘድልዮ ኣይኮነን።

ምስሊ ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብዚ እዋን’ዚ  እዚ ካብ ኮነ፣ እቶም ደገፍቲ ኢና ዝብሉ ኤርትራውያን ዜጋታት ንኣየናይ ህ.ግ ኣሚኖምን ደጊፎምን ይጓዓዙ ከምዘለዉ ክሓስብሉን ክመራመርሉን ጥብቂ ለበዋ ምምሕልላፍ ኣገዳሲ ኢዩ። ኣምበሳደራት ኣምባገነን ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብስም ህ.ግ. ህዝቢ ከደናግሩን ከዳህልሉን ዘካይድዎ ጻዕሪ ብሓቅታት ክብዳህ ይግበኦ። እቶም

ቅድሚ ሎሚ ዝነበረ ኩሉ ጸገማት ተዓዊትናሉ ኢና፣ ካብ ሕጂ ንደሓር ሽግርና ክፍታሕ ኢዩ እንዳበሉ ዘመተ ዘካይዱ ዘለው ደገፍቲ ፣ ካብ መሪሕነቱን ትካላቱን ዝሓቐቐ ተገኒዙ ዘይተቀብረ ውድብን መንግስትን ለውጢ ምጽባይ ኣብ ናይ ሕልምን ትምኒትን ዓለም ምንባር ምዃኑ ምሕባር የድልዮም ኣሎ።

 

ልዕሊ ኩሉ ህዝብን ሃገርን

ሕድሪ ስውኣትና  ኣይንዘንግዕ

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Hagherawi February 7, 2019

    ህግሓኤ ልክዕ ከም ተሓኤ፥ ሃገራዊ ሓርነታዊ ግንባር እዩ ነይሩ። ኣብ ጊዜ ቃልሲ ኩሎም ደቂ ሃገር ፥ ምእንቲ ነጻነት ህዝቦም ዝኸፈሉዎ ከቢድ ዋጋ ፥ ነዘን ዉድባት ፉሉይ ታሪኻዊ ኣገዳስነት ይህበን።
    እቲ ኣብ ዉሽጢ ሰውራ ብሚስጥር ክሰርሕ ዝጸንሐ ጉጂለ እሰያስ ግን ፥ ካብ ዘበርከቶ ዘዕነዎ ይበዝሕ።
    እሰያስ እታ ተሪፋቶ ዘላ ሓጻር ዕድመ ፥ ንኤሪትራ መሊሱ ኣብ ትሕቲ እትዮጵያ ኣጸጊዑዋ ክኸይድ ይጽዕር ምህላዉ ኩሉ ክፈልጦ ዝግባእ ሓቂ እዩ።
    ኦ ! ኤሪትራዊ ፥ ህግደፍ ንጥፍኣትካ ዝተዓጥቀ ጉጂለ እዩ። ኢቲ ኣብ ሰውራ ፥ ኣብ ዓቢ ገበናት እድ ዝነበሮ ኩሉ ፥ ኣብዛ ደመኛ ጉጂለ ተጠርኒፉ ይርከብ። ከም ህዝቢ ከይትሃልቅ ፥ ሰሚርካ ፥ ተዓጢቅካ ተቃለስ ፥ ነብስኻ ኣድሕን።
    ክብርቲ ሃገረይ ንዘልኣለም ነጻ ንበሪ።

  • Warsay Adhanom February 7, 2019

    Thank you Brother Desbele. This is extremity important information every one needs to understand. We should make a T-Shirt that shows 19-19=0. I am sure other capable Brothers, and Sisters can come up with a better illustration, Part of the rezone why we are in this situation is because we Trusted them so much, we stopped paying attention to what was going on. DIA spent a lot of Money and effort to brain wash youngsters in diaspora to intimidate, and black mail those who ask legitimate questions. As a result people choose to be silent. To be silent is not an option anymore. We need to start taking names of those who choose to be a tool for DIA..

    • Bini February 7, 2019

      Warsay Adhanom,
      Why should we make a T-shirt that shows 19-19= 0? Why are you using 19-19, please explain it?

Post a Reply to Hagherawi Cancel Reply