Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዝናን-ባህታን – ናጽነትን-ሱቕታን። (10ይ)

ሓምለ 1998 ጭቃን ጨፈቃን ናይ ኣዲስ ኣበባ ከይኣክል’ሲ፣ ምስ’ቲ ካብ ገዛ ዘየውጽእ ናይ ክረምቲ-ድሚማ፣ ስግኣት ናይ’ቲ ዘመና’ምጽኦ ቁዘማ ኣብ ልቢ ሰብ ክውዕልን ክሓድርን ካብ ዝጅምር እዋን ኣይሓጸረን። ምስኡ ድማ ብረድዮ ብተለቪዥንን ብጋዜጣታትን ከም ግመን ዕምብረን

ሓምለ 1998 ጭቃን ጨፈቃን ናይ ኣዲስ ኣበባ ከይኣክል’ሲ፣ ምስ’ቲ ካብ ገዛ ዘየውጽእ ናይ ክረምቲ-ድሚማ፣ ስግኣት ናይ’ቲ ዘመና’ምጽኦ ቁዘማ ኣብ ልቢ ሰብ ክውዕልን ክሓድርን ካብ ዝጅምር እዋን ኣይሓጸረን። ምስኡ ድማ ብረድዮ ብተለቪዥንን ብጋዜጣታትን ከም ግመን ዕምብረን ንወረን ንኣየርን ዝዕፍን ዝነበረ ዜና፣ ነውርን ቀይድን ኣይነበሮን። ከም ቁርን ኣሳሒታን እሔው ናብ ዘብል ሓዲሽ ዝምባሌ’ዩ ቀልጢፉ ዝተቐየረ። ድምር ናይ’ዚ ባህርያውን ሰብኣውን ኩነታት ከኣ መሓድሮን መሓብኦን ኣጨኒቑ፣ ልብን ቀልብን ናይ ዓበይትን ወራዙትን ከሕርር ብዝጀመሮ ኣንፈት ዝነሃረላ ወርሒ’ያ ዝነበረት፣ ወርሒ ሓምለ ናይ 1998።

ማዕረ ማዕርኡ ኸኣ በቲ ሓደ ወገን ብሸነኽ መንገዲ ኣዲስ ኣበባ ዓሰብ፣ ማለት ብዶብ ቡረን ከባቢኣን፣ ኣብ ዝተፈተነ ኲናት ካብ ዝተማረኹ ናይ ኤርትራ ወተሃደራት ሓደ፣ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ዝነበርኩ’የ ዝብል ናይ መንእሰይ ድምጹ ከስምዕ ኣብ ተለቪዥን ንቃለ-መጠይቕ ቀረበ።

እቲ ንዓይንኻ ርኢኻ ዘይጽገብ ምልምል መንእሰይ፣ ንዘጋጠሞ ኩነታት ብቓላት ክገልጽ ኣብ ዝገበሮ ፈተነ፣ ሎሚ’ሲ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ናይ ዓለም ዋንጫ፣ ብዝያዳ ድማ ፍሉይ ክእለትን ቅዲ-ኣጸዋውታን ናይ በዓል ሮማርዮን ዚነዲን ዚዳንን ኣብ ተለቭዝን እርኢ በልኩ’ምበር፣ ናይ ኲናት ምሩኽ ተቖጺረስ ኣብ ተለቭዥን ክቐርብ ኢለ ገሚተ’ኳ ኣይፈልጥን። ብምባል ፍልልይ ናይ’ተን ኣብ ሕልንኡ ዝነበራ ክልተ ዓለማት ብዕሊ ኣንጸባረቐ።

እወ ብሓደ ወገን እታ ከምዕድምኡን ከምእዋኑን ዝምነያን፣ ንርእሱን ንደቁን ክትዕንግል ብተስፋ ዘማዕድያን ናይ እዋኑ ዓለም። በቲ ኻልእ ወገን ድማ ናይ’ታ ኣብ ዘይሓሰቦ ኩነታት ዘውደቐቶ ናይ እንዳ ዝናን-ባህታን ናይ ትማሊ ዓለም ዝነበረ ፍልልይ፣ በቲ ደወል ዝጥዕም ናይ ሰዊት ዕድመ ድምጹ ኣስምዐ። ካብ’ቶም ምስኡ ዝተማረኹ ዓበይቲ ወተሃደራት ሓደ ድማ፣ ወተሃደር ስለዝኾንኩ ኣብ ኩናት ውዒለስ፣ እነሀኹ ተማሪኸ። እዚ’ሞ እንታይ ዘዛረብ ኣለዎ! ዝብል ተሪር መልሲ ክህብ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ተለቭዥን ብሓባር ተራእዩ።

እወ! እዚ ባድመ ናይ መን’ያ? ብዝብል መበገሲ ካብ ዛላ’ምበሳ ክሳብ ዓሰብ ኣብ ዘሎ ዝርጋሐ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብቕጽበት ዝለሓመ ሓዊ እምበኣርከስ፣ ቀልጢፉ’ዩ ደንብታት ኲናት ጠሓሒሱ በብዓይነቱ መልክዕ ከንጸባርቕ ዝጀመረ። ሕቶ ምሕንጻጽ ዶብ ስለዘይነበረ ዝንባሌኡ ድማ ገንዘብናን ስልማትናን ወተሃደራት ራስዮምና። ካብ ምባል ሓሊፈን፣ ብመንጽር መለክዕታት ሃይማኖት ከምኡ’ውን ባህልን ወግዕን ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን፣ ኣዝዩ ጽያፍ! ዝኾነ ተግባራት፣ ማለት’ሲ ካን ክትሰምዖን ክትዛረበሉን’ኳ ዘሕፍርን ዘፍርሕን ቀይዲ-በተኽ ተግባራት ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ተፈጺሙ ዝብል ዜና ብተደጋጋሚ ተቓልሐ። ብዘይምግናን ድማ ወይነን ሻዕብያን ተባኢሶም’ሲ ናብ ከም’ዚ ዓይነት ጉድጓድ ይጥሕሉ’ዮም ዝብል ግምት ዝነበሮ ንኽልቲኦም ዝፈልጥ ሰብኣዊ ሕልና ኣይነበረን።

ብፍላይ ብፍላይ ወተሃደራት ናይ ሻዕብያ ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንደቀ’ንስተዮ ዓሚጾም ተጋሲሶመን፣ ዝብል ኣገላልጻ ብጋህዲ ብረድዮን ተለቪዥንን ናይ ኢትዮጵያ ናብ ህዝቢ ክዝርጋሕ ምስጀመረ ከኣ ንኹሉ ሰብ’ዩ ደንጽይዎ። ካብኡ ብምቕጻል ድማ እቲ ቐንዲ ምኽንያት ናይ’ቲ ዝባራዕ ዝነበረ ኲናት ኪነው ምሕንጻጽ-ዶብ ምዃኑ ንተዓዘብቱ ክእምፍት ግዜ ኣይወሰደሉን።

መስርሕ ምስጓግ ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያ ምስ ተጀመረ እምበኣርከስ፣ እቲ ዝስጎግ ዝነበረ ህዝቢ ካብ’ቲ ብእዝኑ ዝሰምዖን ብዓይኑ ዝርእዮን ዝነበረ መልክዕ ናይ’ቲ ኲናት ተበጊሱ፣ ካብኡ ዝኸፍእ ኣይምጻእ ካብ ምባል ሓሊፉ፣ ስለምንታይ ትስጉኒ’ለኹም ብምባል ንመሰሉ ክከራኸር ዘተባብዕ ዝንባሌ ኣይተራእዮን። መሰል’ውን ኣይተዋህቦን። አረ እንዳሓንሳብ’ሲ ምሉቕ ኢልካ ምኻድ ይሓይሽ ዘብል ስግኣት ዝሰፈኖ ድሁል ኩነታት’ዩ ዝሃምም ዝነበረ።

ዝኾነ ኾይኑ ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ኤርትራዊ መበቆል ዝነበሮም ኣባላት ናይ ነጋዶ ሕብረተ ሰብ ኣብ ወርሒ ሓምለ 1998 በል’መማ’ዮም ዝተላዕሉ። ምኽንያት መስጎጒኦም ከኣ ኣንፊ’ልካ ብልቸንሳ ጥራይ’ዩ ዝነበረ። እዚ ክፋል ናይ ሕብረተሰብ’ዚ ድማ ኣብ’ቲ ናይ ምስጓግ መስርሕ እቲ ዝበረትዐን ዝበዝሐን ህዝቢ’ዩ ኔሩ።

እዛ ኣብ ልዕሊ ነጋዶ ዝተወስደት ናይ ምስጓግ ስጉምቲ ከኣ ፍሉይ መልክዕ ናይ’ቲ ኲናት’ያ ኣነጺራ።  ንዓለም ምሉእ ከኣ ኣሰንቢዳ። ምኽንያቱ ኢትዮጵያ ከምኡ ዓይነት ዘይውርዙይ ስጉምቲ ትወስድ ትኸውን’ያ ዝብል ግምት፣ ካልእስ ይትረፍ ኣብ ቤተ መንግስቲ እንዳ ዝናን-ባህታን’ኳ ኣይነበረን።

በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ እተን ኣብ ናይ ዓለም ናይ ምሽምጋል ዲፕሎማሲ ድምጸን ቀልጢፉ ዘይስማዕ ሃገራት ከም በዓል ጃፓንን ቫቲካንን’ኳ ኣይተረፋን፣ ብቕጽበት’የን በጃኹም ነውሪ’ዩ። ሰላማዊ ህዝቢ ኣይተበሳብሱ፣ ክብላ ዝተሰምዓ። ሰማዒ እዝኒ ደኣ ኣይረኸባን’ምበር። ነቲ ኩነታ ንምህዳእ ድማ ዘድሊ ሓገዘን ከወፍያ ድሉዋት ምዃነን ካብ ምግላጽ ድሕር ኣይበላን።

ዝኾነ ኾይኑ ነዚ ዓለም ምሉእ ዘሕዘነን ዘሰንበደን ናይ ምስጓግ ስጉምቲ ብዝምልከት ብሸነኽ እንዳ ዝናን-ባህታን ዝተራእየ ግብረ መልሲ ኣዝዩ ዝገርም’ዩ። ምኽንያቱ ነቶም ኣባላት ህግደፍን ልኡኻት ሻዕብያን’ዮም ኔሮም፣ ብዝብል ቅጽል ተገሊጾም ቅድሚ ሃገር ዝተላዕሉ፣ ልዕሊ ሸሞንተ ሚእቲ ዝቑጸሩ ናይ ፈለማ ስጉጓት፣ ኣብ ኤትራ ዝተገብረሎም ኣቐባብላ ኣዝዩ ድሙቕ ጓይላን ዕልልታን ዘሰነዮ ዓጀባ’ዩ ኔሩ። በቲ ኩነታት ሰንቢዱ፣ እዚ ጉዳይ ንኸይቕጽል እንታይ ይሓይሽ፣ ብምባል ዝተጸውዐ ኣኼባ ናይ መንግስቲ ናይ ምሁራት ወይ ድማ መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ዘምክርን ዘሳትፍን ጉባኤ ኣይተፈተነን። ከምኡ ዓይነት ኣሰራርሓ ምስ ዛርትን-ቆለን ናይ እንዳ ዝናን-ባህታን ስለዘይኸይድ።

ብኣንጻሩ ግን እቲ ድሙቕ ኣቐባብላን ጓይላን ብተለቭዥን ተመሓላሊፉ። ኣብ’ዚ ኣገባብ ኣቐባብላ ናይ ስጉጓት ዝተዓለመ ዕላማ እቲ ጸገም ብኸመይ ይፈታሕ ዝብል ንህዝብን ንመጻኢ ዕድልን ዝጠቅም ጻዕሪ ዘይኮነ’ሲ፣ ንሕና ከም ወያኔ ኣይንሰጉግን ኢና ዝብል ጃህራን ፍንጥርያዕን ናይ እንዳ ዝናን-ባህታን’ዩ ኔሩ። ምኽንያቱ እንዳ ዝናን-ባህታን ንሳቶም ዝውደሱሉ ወያኔ ድማ ኣብ ቅድሚ ዓለም ዝንቀፉሉ ስእልን ዜናን ንምዝርጋሕ’ዩ ኔሩ ጻዕሮም። ንሱ ኸይኣክል ድማ ነዞም ናይ ፈለማ ስጉጓት መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ መሕደሪ ቀሪቡ ከም ናይ ነዊሕ ግዜ ፍሉያት ኣጋይሹ ቆጺሩ’ዩ ቀለቦም ከየተረፈ ክኢሉ ክከናኸኖም ዝፈተነ።

ልዕሊል ኹሉ ድማ እዞም ናይ ፈለማ ስጉጓት ናብ ኤርትራ ምስኣተዉ’ሲ፣ እንዳ ዝናን ባህታን ንዝወስድዎ ስጉምቲ ጥራይ ዘይኮነ ዝዛረብዎ ዘረባ’ውን ብመምዘኒ ረብሓ ናይ ህዝብን ሃገርን ዘይኮነ ብጉራ ብጃህራን ምዃኑ ዝሕብር መብጽዓ ንምእታው፣ ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዝጠፍአ ንብረትኩም ኣይትሻቐሉ። ኣጆኹም! መንግስትኹም ከጣይሰኩም’ዩ ዝብል መብጽዓ ብጋህዲ’ዩ ተነጊሩዎም። እዚ ናይ መብጽዓ ዘረባ’ዚ ከኣ ብዘይወዓል ሕደር ቀልጢፉ ናብ ምሉእ ኢትዮጵያ ተዘርጊሑ። ስለ’ዚ ምስ’ቲ ንኣዳም ዘገረመ ናይ ኣቐባብላ ፌስታን ዕልልታን፣ እዛ መንግስትኹም እግሪ ከትክለኩም’ዩ ትብል ናይ መብጽዓ ወረ ምስተሰምዐት’ሲ፣ ነቲ ብሸነኽ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ናይ ምስጓግ መስርሕ ብዝገደደ’ያ ናብ ህልኽን ናብ ዝኸፍአን ደፊኣቶ። ነቲ ዝስጎግ ዝነበረ ህዝቢ ድማ ኣብ ልዕሊ’ቲ ውሽጡ ባኮ ዝኾነ ዓቕምን ክእለትን እንዳ ዝናን-ባህታን ፍልይ ዝበለ እምነትን ኣጉል ተስፋን ኣሕዲራትሉ። ስለ’ዚ ድማ ምእንቲ መሰሉ ከይተመሳሰለ፣ ኮሪዑ ካብ ኢትዮጵያ ንኽስጎግ ኣደፋፊራቶ። እንዳ-ዝናን ባህታን መቸም እንታይ ዘይለከሙ።

ብኻልእ ኣዘራርባ ሰበስልጣን ወያኔ ነቶም ናይ ፈለማ ስጉጓቶም ኣብ ኤርትራ ዝተገብረሎም ኣቐባብላን ፕሮፓጋንዳን ምስረኣዩ፣ ካብኡ ኣይትሕለፉ!  ሰብ ካብ ገዝኡ ተሰጒጉ ኢልኩም ጓይላ ባህ ዝብለኩም እንተኾይኑስ ሃየ በሉ’ምበኣር ኣዳዕዲዕኩም ከበሮኹም ደክሩ ንምባል ዝሓለኑ ክሳብ ዝመስል፣ ኣብ ወርሒ ሓምለ 1998 ነቶም ኣብ ናይ ስራሕ ልቸንስኦም ኤርትራዊ መበቆል ከምዘለዎም ዝሕብር ምልክት ዝነበሮም ክፋል ናይ ነጋዶ ሕብረተሰብ ልቸንስኦም ኣሕዲጎም ኣርየሞም።

እቲ ናይ ምልቃም መስርሕ ድማ ካብ ቅርዓት ካብ ገዛ ወይ’ውን ካብ ስራሕ፣ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ብዝውሰድ ስጉምቲ፣ ሰባት ይተሓዙ’ሞ፣ ኣብ ፖሊስ ጣብያን ካልእ ነቲ መስርሕ ዝጥዕም ቦታን ይእከቡ። ኣብ መወዳእታ ድማ ውክልና ፈሪሞም፣ ስእሊ ተሳኢሎም ኣውቶቡስ ምጽባይ ይጅምሩ።

ትሕዝቶ ናይ’ቲ ውክልና ስልጣን ከኣ ኣብ ሓንቲ ግንጽል ናይ ወረቐት ዝተጻሕፈ ኮይኑ፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝግደፍ ዝነበረ ንብረት፣ ሕጽር ብዝበለ ጸብጻብ ኣቐሚጡ፣ ኣብ ቅድሚ’ቲ ናይ ዕለቱ መዝጋባይ ብዝፍረም ፊርማ ይውዳእ ኔሩ።

ዝኾነ ኾይኑ ኣብ’ታ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ንኣይ ዘጋጠመኒ ፍሉይ ኩነታት ከዘንትወልኩም። ናብ’ታ ፍልይቲ ኣጋጣሚ ቅድሚ ምእታወይ ግን፣ ቅድሚ ሰሙን ኣቢሉ ሓደ ቀደም ናይ ጀብሃ ተጋዳላይ ዝነበረ ዓርከይ፣ ምስ ካልኣይ ርእሰይ ድራር ጋቢዙ እንታይ ከምዝበለና ከቐድመልኩም።

ምስ’ቲ ዝጋበዘና ጥዑም ጥብስን ክትፎን ከነቛስዮ! እዛ ናይ ሎሚ ድራርና ኣብ ሂወትና ምናልባት ናይ መወዳእታ ክትከውን ትኽእል’ያ፣ ብምባል ዘረብኡ ጀመረ። ቀጺሉ ድማ ሻዕብያን ወያነን ተባቲኾም’ዮም። ንሕና ድማ ከም ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ምንባር ዘለና ዕድል ጸቢብ’ዩ። ሕጂ ንኣይ ክትመስሉ ትደልዩ እንተኾንኩም፣ ኣነ ዝወሰድኩዎ ስጉምቲ ክሕብረኩም። ኣይፋልናን! እዚ ዘረባኻን ዝወሰድካዮ ስጉምትን ይዓጅበና የሎን ትብሉ እንተኾንኩም ግን፣ በቃ!! ደሓን ኩኑ!!! ምናልባት ጽባሕ ንግሆ ኣብ መንገዲ እንተተራኺብና፣ እሞ ከም’ዛ ዘይፈልጠኩም ረጊጸኩም እንተሓሊፈ ከይትስንብዱ። ብዛዕባ’ዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ዘለኒ ሓበሬታ ኣካፊለኩም ኣለኹ። ካብኡ ዝተረፈ ምርጫን ውሳኔን ናባኹም’ዩ፣ በለና።

ኣነን እቲ ካልኣየይን ግን በቲ ክቡር ፈታዊና ዝበለና ነባሪ ዘረባ ድምብርጽ ኣይበለናን። ብኣንጻሩ’ኳ ደኣ ንስኻ ድማ ኣርኪብካ፣ ምስጀብሃ ተወደቡ ትብለና’ለኻ። ብምባል ነቲ ዝበለና ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ንሱ ዝወሰዶ ስጉምቲ ማለት ምሕዳስ ኣባልነቱ ምስ ጀብሃ፣ ካን ዓኽ-ቱፍ! ብምባል ኣቆናጺብናዮ። ኣብ ዓድና ኣቲና ከም’ዚ ኣብ ኢትዮጵያ ንሰርሖ ዘለና ንግዲ ምስራሕ እንተስኢና ድማ ክትርኢ ኢኻ፣ ክንብል ፈኪርናሉ። ንሱ ግን ብዘረባና ኣይሰንበደን። ምርጫኹም ግበሩ። ብወገነይ ግን እቲ ክብለኩም ዝደሊ  ሓቢረኩም ኣለኹ። በለና’ሞ፣ እታ ምሸት’ቲኣ ናይ መወዳእታ ምሸትና ኮይና ተፈለለና።

ንሱ ኣብ ኢትዮጵያ ንምጽናሕ ዘድሊ ምትዕጽጻፍ ከምዝገበረ እንዳሓበረና ክልቴና ኣዕሩኽቱ ግን ኣብ ዓድና ናብራ ኣየፍርሃና! ኣየሕፍረና! ብምባል ንዓድና ክንስጎግ ቅሩባት ምዃና ገለጽናሉ። ከምትጽቢትና ድማ ንሕና ተሰጒግና። እነሆ ንሱ ግን ክሳብ ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ይነብር ኣሎ። ንዕኡን ንስድርኡን ነዊሕ ዕድመን ጥዕናን ብልጽግናን ይፍጠረሎም። ነታ ኣዕቚባቶም ዘላ ኢትዮጵያ ድማ ሰላምን ምዕባለን ይፍጠረላ። ብድሕሪኡ ንኽልቴና ዝገበረልና ደገፍ ከኣ ብገንዘብ ዝትመን ኣይኮነን።

ናይ ለባማትን መስተውዓልትን ኣርኣያ ንሰብ ጽቡቕ ድላይ ትምህርቲ ክኸውንስለዝኽእል ድማ ኣሕጽር ኣቢለ ከዘንትወልኩም። ብወገነይ ድሕሪ ነዊሕ ስሓቦ-ጉተቶ ምስ እንዳ ዝናን-ባህታን፣ ስኮላርሺፕ ረኺበ ክመሃር ካብ ኤርትራ ምስወጻእኩ፣ ናብ’ዚ ክቡር ዓርከይ ኣቤት! ክብል ናብ’ታ ቀደም ዝዘናግዓላ ዝነበረ ቡና ቤት ተለፎን ደዊለ፣ እገሌ ኣሎዶ ክብል ሓተትኩ። በዓል ባር ድማ ቅድም’ዩ ዝመጽኣና ዝነበረ’ምበር ሎሚ ደኣ ከምቀደሙ መኣስ ይመጽኣና ኮይኑ በለኒ። ኣነ ድማ ደላያይ ስለዝኾንኩ፣ ዝገበረ ጌሩ ንኸራኽበኒ ሓተትኩዎ። ንሱ ድማ ጽባሕ ከም’ዛ ሕጂ እንተደዊልካ ወላ ንገዝኡ ከይደ ከምዝጽበየካ ክግብሮ’የ በለኒ። እዝግሄር ይሃቦ! ንጽባሒቱ ኣብ ሰዓተይ ምስደወልኩ ድማ፣ ዓጽሙ ይኽበር ነዚ ክቡር ዓርከይ፣ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ተለፎን ረኸብኩዎ።

ካብኡ ሓጺር ሰላምታን ከመለኻን ምስተለዋወጥና፣ ባዕሉ ከም’ዚ ክብል ዘረባ ጀመረ። ስማዕ ዳንኤል ናይ ተለፎን ዘረባ ኣይተንውሕ። ናብ’ቲ ዘለኻዮ ሃገር’ሞ እንቋዕ ብደሓን በጻሕካ፣ ሕጂ ናይ ካልእ ሰብ ሓገዝ ከይሓተትካ እቲ ክትገብሮ ትደሊ ዘለኻ ንኽትፍጽም፣ እንታይ ከምዘድልየካ ከይተሰከፍካ ንገረኒ ባዕለይ ከሕልፈልካ’የ፣ በለኒ። ምናልባት ተሰኪፍካ ከይትንክየሉ፣ ንኻልእ ሰብ ድማ ከይትሓትት ክብል ንኽሕግዘኒ ዝነበሮ ቅሩብነትን ጽቡቕ ፍቓድን ኣነጺሩ ደገመለይ። ኣብ ኢትዮጵያ ኮይኑ ድማ ሓሳበይ ኣስሊጡለይ። ሓሳብ ልቡ የስምረሉ።

ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ ድማ ሰላም ክብሎ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተለፎን ደወልኩ’ሞ፣ ክብርቲ በዓልቲ ቤቱ ተቐበለትኒ። ካብኡ ምስኣ ዝጀመርናዮ ዕላል ምስወዳእና ናብ ዓርከይ ከተሕልፈኒ ሓተትኩዋ። ንሳ ግን ኬት! ኬ…….ት! ሕጅስ ከዛርበካ ዝኽእል ኣይመስለንን፣ በለትኒ። ኣነ ድማ ሰንበድኩ። ንሳ ግን ኣይዓጀባን ምስምባደይ ምስተረድአት እኳደኣ ካን! ክርትም ኢላ ሰሓቐት። ምስሰሓቓ ትንበር።

ኣብ መንጎ ሰሓቓ ከኣ እንተደለኻ ግን እገሌ ዓርክኹም እነሀ ኣብ’ዚ ጥቓይ’ሞ ሃየ ኣዛርቦ በለትኒ። ኣነ ድማ ሰንቢደ በየን መጺኡ መኣስ ኣትዩ …. እንዳበልኩ ሕቶይ ከይወዳእኩ። ብዱባይ ኣቢሉ ሎሚ መዓልቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ፣ እንዳበለት ተለፎን ኣቐበለቶ። ሽዑ ሽሕ’ኳ መልሓሱ ቁሩብ ኩርትዕ ኢላ፣ ዝተዓጽፈት ትጥዕም እንተነበረት፣ ናይ ሕጅን ናይ ቀደምን ዘኪርና ብዙሕ ኣዕለልና። ወዮ ብሓምለ 1998 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንስኻን ጀብሃኻን ባዕልኹም ትፈልጡ ዝበልናዮ ክቡር ዓርክና፣ ገጽ ዝፈትዎ ዓርኩ ምስረኣየ ብታሕጓስ ንብዓት ኣንበሳ!! ኣብዚሑ፣ ንሽዓ ምሸት ኣብ ተለፎን’ውን ክቐርብ ኣይከኣለን። ኣነ’ውን ብተለፎን ደኣ ኮይኑ’ምበር ክልቲኦም ኣዕሩኽተይ ተራኺቦም ምስሰማዕኩ ኣዝየ ተሓጎስኩ። ንበዓልቲ ቤቱ ድማ ናተይ’ውን ሓንቲ ጥርሙስ ዓዲግኪ ጋብዝለይ፣ ዋግኡ ክሰደልኪ’የ በልኩዋ። ተሓጒስኩም ንበሩ።

እዚ ሰብኣይ ክንደይ ይዛረብ’ዩ ኣይትብሉንን ትኾኑ ግዲ። ናብ’ቲ ቀንዲ ዛዕባ ክምለስ። እዞም ሓቖንቲ ማይ እንዳ ዝናን-ባህታን መቸም ናይ ስረኻ ቁልፊ ፈቲሖም፣ ናይ ሙታንትኻ ፕላስትክ’ዮም ዝበጣጥሱ። ዝኾነ ኾይኑ ከም ሰበይ ክስጎግ ምስተገፈፍኩ፣ ኣብ’ቲ ዝተኣከብናሉ ኣዳራሽ መስርሕ ምዝገባ ናይ ተሰጎግቲ ተጀመረ። ብወገነይ ሰብኣይ ሰበይቲ ንኽምዝገቡ ብጻዕቂ ጽቕጥቅጥ ክብሉ ምስረአኹ፣ እዚ ደኣ እንታይ ዘሀውኽ ኣለዎ ብምባል ኣብ ኩርናዕ ዝነበረት ቦታ መሪጸ መስርሕ ምዝገባ ናይ ኩሉ ሰብ ክሳብ ዝውዳእ ጸግዐይ ሒዘ ክጽበ ወሰንኩ።

ንነዊሕ ሰዓታት ድማ፣ እንታይ በዲለ ኣነ! እዚ ኹሉ ንኣይ! ሕግን ስርዓትን ናይ ኢትዮጵያ ጥሒሰ ድየ? ንወያነን ንሻዕብያን ብማዕረ እንዳተለኣኽኩ ካብ ንግሆ ክሳብ ምሸት፣ መዓልቲ ስራሕን መዓልቲ በዓልን ከይፈለኹ ኣብ ስራሕ ዝጓየ ዝነበርኩ ዜጋ’የ። ሕጂ ደኣ እንታይ’ዩ ዝወርደኒ ዘሎ? እንዳበልኩ ንበይነይ ከዕልል እንከለኹ፣ ካብ’ቲ መዝጋባይ መጽሔት ኒውስ-ዊክ ተላእኸትለይ። እወ! መዝጋባይ’ሲ ዋዕ ኢሉ ብምሕባርን ኣነጺሩ ናባይ ብምምልካትን ነቲ ኣብ’ታ ኩርናዕ ዘሎ ሰብኣይ ሃበለይ ብምባል’ዩ ብፍሉይ ምልክት ልኢኹለይ።

ሽዑ ዝተዋህበትኒ መጽሔት ምሉእ መዓልቲ መዓልልቲ ኮይናትኒ ወዓለት። እታ መጽሔት ነቲ ኣቐዲመ ንበይነይ ዘጉድሎን-ዝድምሮን ዝነበርኩ ጸብጻብ ካልእ ኣማራጺ ወሰኸትሉ። ምኽንያቱ እዝን-ከምዝን ዝበለ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ንብረተይ ሸይጠ ክንድ’ዚ ዝኸውን ገንዘብ እንተረኺበ፣ ኣብ ሃገረይ ገዛ ሰሪሐ ከም’ዚ ዓይነት ስራሕ ክጅምር ክኽእል’የ፣ ዝብል ብዓቕመይ ክገብሮ ዝኽእል ህጹጽ ናይ ስራሕ መጽናዕትን መደብን’ዩ ንበየነይ ዘዛርበኒ ዝነበረ። ምስኡ ድማ እታ መንግስትኹም እግሪ ከትክለኩም’ዩ ትብል ናይ እንዳ ዝናን-ባህታን መብጽዓ! ንኣይ’ውን ትምልከተኒ ትኸውን’ያ ዝብል ቀመም እውስኸላ’ሞ ካን ብሩህ ተስፋ ዝጽበየኒ መሲሉ ይረኣየኒ ነበረ። ኣብ ልዕሊኡ እዛ ኒውስ-ዊክ ምስተላእከትለይ ድማ፣ ምናልባት ሓሳበይ እንተቐይረ’ሲ ናብ ናይሮቢ ክኸይድ ሓግዘኒ ክብሎ ዕድል ክረክብ’የ ዝብል ተወሳኺ ተስፋ ኣሕደረትለይ። ምኽንያቱ ናይሮቢ ማለት ኣቐዲመ ኣስታት ክለተ ዓመታት ዝተቐመጥኩሉ ኣጸቢቐ ዝፈልጦ ከተማ’ዩ ኔሩ።

ዝኾነ ኾይኑ ምስ’ዚ ብኒውስ-ዊክ ኣቢሉ ዝመጽኣኒ ሓዲሽ ተስፋ፣ ንባበይን ጸብጻበይን ከኮማስዕ መዓልቲ ጥራይ ዘይኮነስ እቲ መስርሕ ናይ ምዝገባ ተወዲኡስ፣ ኣነን መዝጋባይን ንበይንና ተረፍና፣ ካብኡ ከምሰበይ ክምዝገብ ቀረብኩ።

ዝገርም’ዩ ኣብ ቅድሚኡ ምስቀረብኩ ስምዒት መዝጋባይ ብንጹር ኣብ ገጹ ይንበብ ኔሩ። ታሴራይን ናይ ኢትዮጵያ ፓስፖርተይን ምስሃብኩዎ ድማ ነታ ታሴራ ወሲዱ ነታ ፓስፖርት መለሰለይ።  እዛ ፓስፖርትስ ደሓን ምሳኻ ሓዛ። ምኽንያቱ ኣብኡ ምስከድካ ዘጋጥመካ ኩነታት ኣይፍለጥን’ዩሞ፣ ምናልባት ገለ ምኽንያት ኣመኽኒኻ ካብ’ቲ ዓዲ ክትወጽእ እንተደሊኻ ትሕግዘካ ትኸውን’ያ፣ በለኒ። *** ደሓር ግን ናይ’ቲ ዝነበርኩዎ ፖሊስ ጣብያ ኣዛዚ መጺኡ፣ ፓስፖርትኻ ሃባ*** ኢሉ ወሲዱዋ።

የተማረ ይግደለኝ! ይብል ምስላ ካብ ኣምሓሪኛ። ዝኾነ ኾይኑ መዝጋባይ ዘረብኡ ብምቕጻል ቅድሚ ናብ’ዚ ሕጂ ዘለኹዎ ናይ ሃገራዊ ድሕነት ስራሕ ምእታወይ መምህር’የ ኔረ። ሕጂ ድማ ነዛ ንኣኻ ተጋጥመካ ዘላ ዕድል ክምስክር ኣብ ቅድሜኻ ደው ብምባለይ ዝስምዓኒ ሓዘን ወሰን የብሉን። ምናልባት እዚ መራሒኹም በዚ ንኣኹም ዘጋጥመኩም ዘሎ ፈተና ሰንቢዱ ናብ ልቡ እንተዝምለስ’ሞ፣  ንስኻትኩም ናብ ቦታኹም ተመሊስኩም ንብረትኩምን ሓዳርኩምን ምእላይ እንተትቕጽሉ ክንደይ ጽቡቕ ነገር ኔሩ። እዚ እንተዘይኮይኑ ግን ኣብ ቅድሜና ዘሎ ፈተና ቀሊል ኣይኮነን። ንኣኹም ድማ ንሰጎኩም ኣለና። ኣብኡ ምስከድኩም ዝጸንሓኩም ፈተና’ውን ቀሊል ኣይክኸውንን’ዩ፣ በለኒ።

ቀጺሉ ድማ እዚ ክንገብር እንከለና የማነይቲ ኢድና ቆሪጽና ንድርብያ ከምዘለና ኣይሰሓትናዮን፣ ወሰኸሉ። ንግዜኡ ግን ካልእ ኣማራጺ ኣይተረኽበን። እንዳበለ ኣብ ገጹ ዝርአ ዝነበረ ስምዒት ካብ ቡቕባቐን ድንጋጸን ናብ ጭካኔን ሕርቃንን ተቐየረ። ምስኡ ድማ ናይ ኣዘራርብኡ ቃና ካብ’ቲ ድንጋጸን ሕያውነትን ዘንጸባርቕ ናይ ፈለማ ቃላቱ፣ ናብ ሓይልን ናህርን ዘንጸባርቑ ናይ ወተሃደር ዝዓይነቶም ቃላት ተቐየረ’ሞ፣ ካብ መንበሩ ብድድ ኢሉ በል ደሓን ኩን ዝሓወይ፣ ቅር ኣይበልካ! ንሕና ምእንቲ ድሕነትናን ምእንቲ ድሕነትኩምን ኢና ናብ ዓድኹም ንሰደኩም ዘለና። ኣብኡ ምስከድኩም ድማ ሰብኡት ኩኑ’ሞ ንዓድኹም ዓዲ ግበርዎ። ክሳብ ሕጂ ዝተራእየስ ተራእዩ’ሎ።

ንቕድሚት ድማ ንስኻትኩም ምስከድኩም ተምጽእዎ ለውጢ ክንጽበ ኢና።  እንተዘይኮነ ግን ንሕና ዲና ብዘይካኹም ወይስ ንስኹም ብዘይካና መን’ዩ ምንባር ዝስእን ክንርኢ ኢና’ንድ’ዩ ዝበሃል ዘሎ። ኣብ ኤርትራ ሕግን ስርዓትን ዝኽተል መንግስትን ለባም መራሕን ክሳብ ዝቕልቀሉ እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ሓሸውየ ምቕጻሉ’ዩ። ንመን ከምዝልክም ድማ ንእዋን ዝገድፍ ሕቶ ኢዩ። እንዳበለ ብኽልተ ኢዱ ሙዉቕ ሰላምታ ሂቡኒ፣ ወረቓቕቱ ኣኻኺቡ ተበገሰ። ኣነ ድማ እታ መጽሄት ኒውስ-ዊክ መለስኩሉ’ሞ ናብ ህዝበይ ተሓወስኩ።

መሬት መስ’ዩ ኣጋ ሰዓት ሽዱሽተን ፈረቓን ኣቢሉ’ዩ ዝነበረ። ነቲ ድሚማን ጨፈቃን ናይ ኣዲስ ኣበባ ናይ ጸሓይ ጽልግልግ ኣንጸላልይዎ ጸኒሑንስ፣ ናብ’ቶም እኩባት፣ ንኽስጎጉ ቅሩባት ደቂ ዓደይ ምስ ተሓወስኩ ናብ ካልእ ዓዲ ዝገሽኩ መሰለኒ። ፍሉይ ስምዒት ድማ ተሰመዓኒ። ኣብ’ቲ ጎልጎል ዝነበረ ጽቕጥቅጥ ከኣ ጉድ’ዩ። ንሽዑ ግን ካብ ህዝቢ ተላኢኾም ዝመጽኡ ናይ ምግቢ ስልጣንያታት ፈቐድኡ ስለዝጸንሑኒ ኣመት ከርሰይ ክገብር ዕድል ረኸብኩ። እንተኾነ ግን ጥሜት ይስምዓኒ ስለዘይነበረ ብዙሕ ኣይበላዕኩን።

ኣብ ገባላ ኮይነ ምስሰበይ ከዕለልኩ እንከለኹ ከኣ ወዮ ብሕጻነይ ዝጻወተሉ ዝነበርኩ ገበላን፣ ዝዓበኹሉ ህድሞ እንዳመዓለ’ቦይን ምስጭቅኡን ነጠብኡን ትዝ በለኒ። እቲ ፈቕድኡ ተበቲኑ ዝነበረ ክስጎግ ዝተቐረበ ህዝቢ ድማ ነተን ማይ እናዳሃረመ ኣብ ገበላ ጽቕጥቅጥ ዝብላ ዝነበራ ዓበይቲ-እግሪ ጥሪት እንዳመዓለ’ቦይ ኣዘኻኸረኒ።

ዝኾነ ኾይኑ ወዮ መዝጋባይ ካብ’ዚ ኹሉ ሰብ ትኽ ኢሉ ናባይ መጽአ’ሞ፣ ንዓስኪ ዳንኤል ናይ መፋነዊ ቢራ ክጋብዘካ በለኒ። ካብኡ ናብ’ቲ ኣብ ጥቓና ዝነበረ ናይ ቀበሌ ቤት ምግቢ ተተሓሒዝና ኣተና። ንሱ በደሌ ኣነ ድማ ሓረር ቢራ ኣዘዝና። ካብኡ እንታይ ይስምዓካ’ሎ ክብል ብሕቶ ዘረብኡ ጀመረ። ብወገነይ ዝብሎን ዝዛረቦን ብዙሕ ኣይነበረንን። እንታይ ክስምዓኒ ኢልካዮ ኢኻ፣ ኩሉ ነገር ካብ ዓቕመይ ንላዕሊ ኮይኑ ስለዘሎስ ካብኡ ዝኸፍእ ኣይምጻእ ምባል’ዩ እንዳበልኩ እንከለኹ፣ ካብ’ቶም ክስጎጉ ተቐሪቦም ዝነበሩ ሓያሎ ሕጻናት እንዳተጓየዩ ናብ’ቲ ቤትምግቢ ተመራሪሖም ህሩግ ኢሎም ኣተዉ። ካብኡ ነቲ ጣዋሉ ኣብ ስሚንቶ እንዳጎተቱ ሓጨጭ-ገልጠምጠም እንዳ’በሉ ንሓድሕዶም ምጉያይ ቀጸሉ። ሻቡ ኣርእስተይ ቀይረ፣ በልስኪ ምስ’ዚኣቶም’ሲ እንታይ ይገበር ኢኹም ትብሉ ዘለኹም፣ እዞም ሕጻናት’ሲ እንታ’ዮም በዲሎም በልኩዎ። ንሱ ድማ ትቕብል ኣቢሉ፣ ስማዕ ዝ’ሓወይ! ንስኻ ትፈልጦ ናትካ በደል እንተል’ዩካ እንድዒ! እንተዘይኮነ ግን ኣነ ብወገነይ ብዛዕባኻ ዝፈልጦ በደል የብለይን። ብዓቢኡ ፍታሕ የምጽኣልና ዝ’ሓወይ እንዳበለ ካልኣይቲ ቢራ ኣዘዘ’ሞ፣ ነታ ቢራ ሒዛ ዝመጽአት ጎርዞ ዋጋ ናይ ኣርባዕተ ቢራ ከፈላ።

ኣነ ግን ነግ ፈረግ ክብል ብዛዕባ ናብ ናይሮቢ ንምኻድ ክሕግዘኒ ከይሓተትኩዎ ክልተ ቢራይ ሰተኹ። ምናልባት እንዳበልኩ ተራይ ክጋብዝ’ሞ ዕላልና ክንቅጽል ፈተንኩ። እንተኾነ ግን ንግሆ ጸላም ካብ ገዛይ ምስወጻእኩ’የ ዝ’ሓወይ፣ ካብ ክልተ ቢራ ንላዕሊ ድማ ኣይሰትን’የ። ክፋነወካ ስለዝደለኹ’የ ጸዊዐካ። መን ይፈልጥ ካልኣይ ግዜ እንተተራኸብና ጽቡቕ፣ እንተዘይኮነ ግን ንሕልናይ መተዓሻሸዊ ዝኸውን መፋነዊ ጌረ’ለኹ። ኣብ ሂወትካ ኣይክትርስዓንን ኢኻ። ኣነ’ውን ኣይክርስዓካን’ያ። ንስኻን ከማኻ ዝበሉ ዝፈትዎም ኣሕዋተይ ዝስጎጎሉ መስርሕ ክምስክር ውዒለ’ለኹ፣ እንዳበለን መሬት መሬት እንዳጠመተን ሓዲጉኒ ከደ።  ኣነ ድማ ወይ ንምኽሪ ዓርከይ ኣይሰማዕኩን ወይ ድማ ካብ ፍሉይ ቅርበት ናይ’ዚ መዝጋባይ ኣይተቐየርኩን። ጉዕዞይ ናብ ናይ እንዳ ዝናን-ባህታን ዓለም፣ ሰዓት ሰለስተ ናይ ለይቲ መርሰደስ ናብ ዝዓይነታ ኣንበሳ ኣውቶቡስ ተሳፈርኩ።

ኣውቶቡሳት ዳርጋ ሰዓት ሓደ ናይ ለይቲ ኣቢለን ናብ ከባቢ ናይ’ቲ ተኣኪብናሉ ዝነበርና ኣዳራሽ መጺአን በቦትአን ሒዘን ክጽበያ’የን ሓዲረን። ንሕና ድማ ብመስርዕ ሓደ ብሓደ ተቖጺርና እንዳ ሓለፋና ናብ ኣውቶቡስ ተሳፈርና። ሪጋይ በጺሑኒ ውጽእ ምስበልኩ የማነ-ጸጋመይ ኣስተባሃልኩ’ሞ ኣብ ኣፍ ደገ ዝነበረ ህዝቢ ቁጽሪ ኣይነበሮን። ኣለም’ዩ። ምሉእ ለይቲ ዝወርድ ዝነበረ ዝናም ከይዓጀቦ/ባ፣ ወለዱን ወለዳን ኣሕዋቱን ኣሕዋታን ደቃን ደቁን ሰብኣያን ሰበይቱን ንኸፋንዉ ኣብ ጽርግያ ዝሓደሩ ዜጋታት ቁጽሪ ኣይነበሮምን። ከምኡ’ውን ቁጽሮም ብቐሊሉ ዘይግመት ዕጡቓት ወተሃደራት ኣብ’ቲ ኸባቢ ተበቲኖም ብረቶም ተኺሎም ይረኣዩ ነበሩ።

ዝኾነ ኾይኑ ኣጋ ሰዓት ሓሙሽተ’ቢሉ ንቐሉ! ዝብል ትእዛዝ ተዋህበ። ካብኡ ቀዳመይቲ ኣውቶቡስ ናብ ጎደና እትው ክትብል’ከላ በዚ መጽአ ክትብሎ ዘይትኽእል ዕልልታን ጣቕዒትን ካብ’ቲ ከፋኑ ኣብ ቅርዓት ተኣኪቡ ዝሓደረ ህዝቢ ተሰምዐ። ምስኡ ድማ ጨርማሕማሕ ዝብል ድምጺ ጠበናጁ ተሰምዐ። ወዮም ኣብ’ቲ ከባቢ ዝነበሩ ወተሃደራት ድማ በቲ ጣቕዒትን ዕልልታን ሰንቢዶም ይመስሉ፣ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዘብዘብ ክብሉ ተራእዩ። ናይ መወዳእታ ድማ ካብ’ታ መሪሓ ናብ ጽርግያ ዝኣተወት ቀዳመይቲ ኣውቶቡስ ሓደ ሰብ ብመስኮት ተቐልቂሉ፣ ዋዕ ኢሉ ኣጆኹም ንሃገርና ኢና ንኸይድ ዘለና እንዳበለ ደጋጊሙ ኣጆኹም! ኣጆኹም! ዝብል ድማጹ ኣስምዐ። ጉዕዞ ድማ ተጀመረ።

ናይ ቀዳመይቲ መዓልቲ ጉዕዞ ኣማስያና ደሴ’ያ ኣብጺሓትና። እታ ዕለት’ቲኣ ፍልይቲ ታሪኻዊት መዓልቲ’ያ ኔራ። ምኽንያቱ  ብራዚልን ፈረንሳይን ንዋንጫ ዓለም መን ወሰደ ዝተጻወታላ መዓልቲ’ያ ኔራ። ናይ ፈለማ መዓልቲ ጉዕዞና ተወዲኡ ደሴ ምስበጻሕና እምበኣርከስ፣ ናብ’ቲ ንሓድረሉ ቤት ትምህርቲ ንምኻድ፣ ኩላተን እተን ኣውቶቡሳት ክሳብ ዝተኣኻኸባ ኣብ ውሽጢ ከተማ ደሴ ሓንሳብ ጠጠው ሓንሳብ ድማ ዘገም እንዳበላ እንኪኸዳ፣ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝጸንሑ ተቐማጦ ከተማ ደሴ ብፍላይ ድማ መንእሰያት ዕጉግ ኢሎም ተኣኪቦም ይዕዘቡ ነበሩ።

ሽዑ ካብ’ቶም ብጉዕዞ ናይ’ተን ማዕረ ሰላሳ ዝኾና ኣውቶቡሳትን ትሕዝቶአንን ደንጽይዎም ዝተኣከቡ መንእሰያት ደቂ ደሴ ኣብ መንጎ ዕላሎም ፈረንሳይ ዋንጫ ወሰደች፣ ዝብል ድምጺ ሰማዕና። ካብኡ ሓደ ካባና መስኮት ናይ ኣውቶቡስ ከፊቱ ብምቕልቃል፣ ነቶም ቆልዑ ማን ኣሸነፈች ዝብል ሕቶ ሓተቶም፣ ንሳቶም ድማ ፍራንስ ኣሸንፈች ብራዚል ተሸነፈች ዝብል ድምጾም ብሓባር ኣስምዑ። ካብኡ ወዮ ሓታታይ ኡፍ ኢሉ ናብ መንበሩ ተመሊሱ ረፋዕ በለ’ሞ። ከምዚኣ’ውን ከምዘላ ነዞም ስድራና ዝሕብረልና እንተዝርከብ ክንደይ ጽቡቕ ኔሩ፣ በለ። ካብኡ ሓደ ኣብ ጥቕኡ ዝነበረ ሰብኣይ እንታይ ማለትካ ኢኻ ክብል ሓተቶ። ንሱ ድማ ኣብ ጸወታ ዋንጫ ዓለም ብራዚል መብዛሕትኡ ግዜ ትዕወት ኔራ ሎሚ ግን ተሳዒራ ማለተይ ኢየ በሎ። እቲ ሓደ ሰብኣይ ድማ ሽሕ’ኳ ብዙሕ ባህ ከምዘይበሎ ኣብ ገጹ ይርአ እንተነበረ፣ እታ ዘረባ ኣይቀጸለትን። ተጠማሚቶም’ዮም ሱቕ ዝበሉ።

ንጽባሒቱ መሬት ወገግ ክብል ምስጀመረ ንቕሎ ኾነ። ካብ ደሴ ተበጊስና ጎባታትን ጎላጉልን ጠሓሒስና ናብ መቐለ ክሳብ ንኣቱ መሬት ዓረበ። እተን ኣውቶቡሳት ድማ ከከም እግረን ኣብ ጉዕዞ ተፈላለያ። እታ ኣነ ዝነብርኩላ መርሰደስ ዝዓይነታ ኣንበሳ ኣውቶቡስ’ኳ ኣብ ሜዳ’ያ ከም ማንቲለ ትበርር’ምበር ኣብ ዓቐብ’ሲ ከም እንዳ ዝናን-ባህታን ኣኻይዳ ጎብየ’ያ ትኸይድ። ስለ’ዚ ካብ ደሴ ክሳብ መቐለ ዘሎ ዓቐብ ኣርሂጹ’ርሂጹ ማይ ስለዝገበራ  ንድሕሪት ተረፈት። ኣብ መወዳእታ ድማ ጎቦታት በዚሑ ለመም እንዳበለት ዓቐብ ክትድይብ ግዜ ዝለዝበልዐት ኣብ ኣጋ ዕራርቦ ህልም ዝበለ ቁልቁለት ክትወርድ ክትብል እንከላ ዝጠቅም ደኣ ኣይነበረን’ምበር ማይ ጥፊፍ ክብል ጀመረ።

ካብኡ ወዮ መራሕ ኣውቶቡስ ብድሕሪት ብሸነኽ ጸጋም፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ከባቢ ጎማ ዝተሰብረ ነገር ስለዘሎ ኣብ ብርቱዕ ኣንጎሎ ክጠውያ ክፍትን እንከለኹ ብድሕሪት መሬት ክትትንክፍ ጀሚራ’ላ። ስለ’ዚ ኣብ ጸልማት እሞ ድማ ማይ ጥፊፍ እንዳበለ ነዚ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ሸለው ዝበለ ቁልቁለት ክወርድ እንተፈቲነ፣ መዘወሪ መኪና ማለት ስተርሶ ምእዛዝ ክኣብየኒ ስለዝኽእል፣ ይትረፈና። ኣብ’ዛ ዝባነ-ዝባን’ዚኣ ከነውግሓ ኢና ብምባል ኣውቶቡስ ኣጸጊዑ ደው በለ። ካብኡ ካብ’ቶም ተሰጎግቲ መራሕቲ መኻይንን ወነንቲ ዓበይቲ መኻይንን ስለዝነበሩ ወሪዶም ነቲ ጸገም ኣለዎ ዝተባህለ ዳሕረዋይ እግሪ ናይ’ታ ኣውቶቡስ ደኒኖም ፈተሽዎ። ብናቶም ገምጋም ድማ ምስ’ቲ መራሕ መኪና ተሰማምዑ።

ሽዑ እቲ ኣብ ውሽጢ’ታ ኣውቶቡስና ተመዲቡ ዝነበረ ወተሃደር’ውን ኣይተቓወመን። ምኽንያቱ ኣብ’ቲ ጉዕዞ ብዘይካ’ቲ መራሕ መኪና ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣውቶቡስ ሓደ ወተሃደር ይምደብ ኔሩ። ብተወሳኺ ድማ ብላንድ ክሩይዘራት እንዳ ተወናጨፉ ረድዮ ርክብ ሒዞም ዝከታተሉ ሰበ’ስልጣን ኔሮም። ኣብ’ታ ኣውቶቡስና ዝነበረ ወተሃደር ግን መኪና ጠጠው ክትብል’ከላ ጥራይ’ዩ ብረቱ ሒዙ ኣብ ማዕጾ ደው ዝብል’ምበር፣ ኣውቶቡስ ምስተበገሰት ኣብ ሰድያ ኮፍ ኢሉ ድቃስ ዝወሰዶም ሕጻናት እንዳሓቖፈ’ዩ ነቲ ናይ ሳልስቲ ጉዕዞ ዛዚምዎ። ዝገርመኩም’ዩ ኣብ’ቲ ነዊሕ ጉዕዞ ነታ ጠበንጅኡ ኣብ ትሕቲ ሰድያ ኣቐሚጡ’ሲ ንኣና ነቶም ተባረርቲ እንዳሓገዘ ንሰቡ መሲሉ’ዩ ክኸይድ ዝቐነየ። ምናልባት ካብተን ላንድ ክሩይዘራት ሓንቲ እንተቀሪባትና ግን ቀልጢፍና ንሕብሮ’ሞ ብረቱ ሒዙ ኣብ ማዕጾ ደው ይብል ኔሩ።

ዝኾነ ኾይኑ ለይቲ ምድሪ ኣውቶቡስና ኣብ ዝባን ምስደየበት ቁልቁል ምውራድ ፈሪሃ ኮፍ ኢላ እንከላ ሓንቲ ላንድ ክሩይዘር ደበኽ በለት። ካብኡ እቶም ኣብኣ ዝጸንሑ ሰበስልጣን ምስ’ቲ መራሕ መኪና ተዘራረቡ። ኣብ መወዳእታ ግን ወላ ዝበለ እንተበሎም ክርድእዎ ኣይደለዩን። ብኣንጻሩ’ኳ ደኣ ቀልጢፉ ክብገስ ኣዘዝዎ። ንሱ ድማ ትእዛዝ ኣኽቢሩ መርሰደሱ ክዝውር ጀመረ። ከብድና ሓቚፍና እንከለና ድማ ኣውቶቡስ ቁልቁል ምውራድ ጀመረት። ኣብ መወዳእታ ግን ማርያም ኣኽሱም ሰቲራትና ብሰላም ካብ’ታ ጸድፊ ናብ ጎልጎል ወረድና። መርሰደስ ሰዊት ድማ ጎልጎል ምስረኸበት ከም ማንቲላ ጥራይ ዘይኮነ ከም ጭሩ እንዳበረረት ምሕዳራ መቐለ ኣተወት። ኣብኡ ድማ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ሓደርና።

ንጽባሒቱ ኣራፍድ ኣቢልና ኢና ተበጊስና። ካብ መቐለ ከይወጻእና ድማ ዳርጋ ፋዱስ ኮነ። ኣውቶቡሳት ክኸዳ ተሰሪዐን ምስተበገሳ ድማ፣ ተመራሪሐን ኣብ ማእከል ከተማ ብሪጋ ተሰሪዐን ደው በላ። ካብኡ ኣብ’ቲ ከባቢ ካብ ዝጸንሑ መንእሰያትን ዓበይትን ደቂ መቐለ ተኣኻኸቡ። ንሕና ኣብ ውሽጢ መኪና ንሳቶም ድማ ብደገ ኮይኖም ተጠማመትና። ደሓር ግን ሽጋራ ሳሙና ላማ ወይ ድማ ካልእ ቀንጠመንጢ ክገዝእ ዝደለየ ሰብ ብመስኮት ናይ ኣውቶቡስ ተተቐልቂሉ ነቶም መንእሰያት ገንዘብ ብምሃብ ዝደለዮ ገዚኦም ከምጽእሉ ክውከሶም ጀመረ። ንሳቶም ድማ ዝተላእኩዎ ከየብጽሑ ኣውቶቡስ ከይትገድፎም እንዳተጠራጠሩ ብጉያ ከይዶም ዓዲጎም ከቐብሉን ካብ ሓንቲ ኣውቶቡስ ናብ’ታ ሓንቲ ኣውቶቡስ እንዳተጓየዩ ደሃይ ዝስጎጉ ዝነበሩ ኤርትራውያን ኣሕዋቶም ክገብሩ ተራእዩ።

ዝኾነ ኾይኑ ግምትና’ኳ ብዓዲ ግራት ናብ ዛላ’ምበሳ ንኸይድ’ዩ መሲሉና ዝነበረ። ደሓር ግን ተዃሊልና ብእንቲጮ’ቢልና ናብ ዓድዋ ወሲዶሙና። ምኽንያቱ እንዳ ዝናን ባህታን ናይ ህዝቢ ስቓይ ከይናዋሕ ፍታሕ ንምርካብ ዘይኮነስ፣ ግፍዕታት ናይ ወያኔ ብምቅላሕ፣ ንሕና ከምኡ ኣይንግብርን ኢና እንዳበሉ ንኽጀሃሩ ብወገን ዛላምበሳ ተቐሪቦም ይጽበዩ ከምዝነበሩ ስለዝፈለጡ ወያኔ፣ መዓልቲ ኣናዊሖም መኣትዎና ድማ ቀይሮሞ።

ካብኡ ኣብ ዓድዋ ድማ ክልተ ለይቲ ኣሕዲሮሙና።  ምጽባይ ምስተናውሐ ድማ ሓንሳብ ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን ናይ ዓድዋ ነቲ ምስጓግ ይቃወምዎ’ለዉ ዝብል ወረ ይናፈስ፣ እንዳሓንሳብ ድማ ከም’ቶም ናይ ፈለማ ስጉጓት ብሑመራ’ቢሎም ክወስዱና’ዮም…. እንዳተባህለ በብዓይነቱ ወረ ይንዛሕ ኔሩ።

ዝኾነ ኾይኑ እቲ ወዓል ሕደር ምስተናውሐ ዝብላዕ ዝስተ ብመኻይን ተጻዒኑ ንመሸጣ ክመጽእ ጀመረ። እቲ ኣዝዩ ዝገርም ከኣ ካብተን መኻይን ለስላሳ ወይ ድማ ኣምቦ ውሃ ንምግዛእ ጽቕጥቅጥ ይብርትዕ ስለዝነበረ፣ ገለ ካብ’ቶም ተሰጎግቲ ዕድል ምስረኸቡ ካሴታ ምሉእ ገዚኦም ናብ ማእከል’ቲ ህዝቢ ብምውሳድ በብሓደ ብዕጽፊ ዋጋ ክሸጡን ክሽቅጡን ምስረአኹ ክኣምን ኣይከኣልኩን። ዝገርም’ዩ ናይ ሰብ ዓይነት ክበዝሕ መዓት’ዩ።

ኣብ ዓድዋ ክልተ ለይቲ ምስሓደርና ከኣ ኣራፊዶም ኣበገሱና’ሞ ብራማ’ቢልና ናብ መረብ ተቐልቀልና። እተን ኣውቶቡሳት ድማ ኣብ መንጎ ጎባታት ኣብ ሓደ ከውሊ’የን ከውርዳና ጠጠው ኢለን። ሻቡ ምስ’ቲ መራሕ መኪናን ምስ’ቲ ምሳና ዝቐነየ ወተሃደርን ቅድሚ ምፍናውና ከከምዓቕምና ገንዘብ ኣዋጺእና ሻሂ ስተይዎ እንዳበልና ሃብናዮም። እቲ ኣውቲስታ መዘውሪ መኪና ተደጊፉ ኣብ መንበሩ እንከሎ ንብዓት ካብ ኣዕይንቱ ዝሕው ኢሉ ክፈስስ ጀመረ። ኽልቲአን ኣእዳዉ ሰዲዱ ድማ ኣዕይንቱ ክደርዝ ተራእየ። ካብኡ ሓንቲ ሰበይቲ ካብ ቦርሳኣ ኣውጺኣ ናይ ወረቐት መንዲል ሃበቶ። ኣብ መወዳእታ ድማ ናይ ኢትዮጵያ ተለቭዝን ሰኣላይን ውሑዳት ወተሃደራትን ከምኡ’ውን ናይ ኢትዮጵያ ቀይሕ መስቀል ክዳን ዝለበሰ ተዓዛብን ኣብ’ታ ጫፍ ናይ መረብ ቢንቶ ኮይኖም ኣሳገሩና።

ሽዑ በቲ ሓደ ክፋል ናይ’ታ ቢንቶ ዝጸንሑ ኣባላት  ሓይልታት ምክልኻል ናይ ኤርትራ ውሑዳት’ዮም ኔሮም። ዝርካቦም ፈኲስ ብረት ዝዓጠቑ መንእሰያት’ዮም ኔሮም። ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ዝፈሰሰ ህዝቢ ምስተዓዘቡ ድማ፣ መብዛሕትኦም ኣብ ከባብ’ታ ቢንቶ ናብ ዝነበረ ናይ ጀርዲን ኣትክልቲ ተበቲኖም በቦትኦም ሓዙ። ዝተረፉ ድማ ሳንጣ ዝቕበልን ቆልዓ ዝሕንግርን ኮይኖም ደኺምና ወይ ድማ ለዓል ከቢዱና ከይበሉ ተረባረቡ።

ካብኡ መረብ ምስተሳገርና መኻይን ክሳብ ዝመጽኣና ኣብ’ቲ ከባቢ ዝነበረ ጽላል ዓላን መቒዕን ኮፍ ኢልና ተጸበና። ደሓር ግን መዝገብትን መኻይንን መጽኡ’ሞ፣ ናብ ዓድና ምእታው ጀመርና። ካብ’ተን መኻይን እተን ኣብ ዝባነን መጉልሕ ድምጺ ዝነበረን ኣውቶቡሳት ድማ “ጎበዝ ተሻሞ……” ትብል ናይ ወዲ ትኹል ደርፊ ከድርፋ ይስምዓ ኔረን። ዝኾነኾይኑ ኣብ ከባቢ ዓዲዃላ ምስበጻሕና፣ ኣብ ጽርግያ “መለስ ዓጋመ ኣይትረኽባን ኢኻ ባድመ” ዝብል ዕጣን ናይ እንዳ ዝናን-ባህታን ብምልክዕ ጓይላ ዒግ ኢሉ ክተክኽ ረአናን ጨነወናን።

ብምቕጻል ድማ ምሕዳርና ናብ ቤት ትምህርቲታት መንደፈራ’ዩ ዝነበረ። ናብኡ ቅድሚ ምኻድና ግን ካብ ህዝቢ መንደፈራ ዝተቐረበልና ድራር በላዕና። ንጽባሒቱ ከኣ ሳኬሎ ፈርኔሎ መንቀርቀር በራድ ድስቲ ኮበርታ መቕድሒ ማይ ተዋህበና። ግሪን ካርድ ድማ ተዓደልና። ኣነ’ኳ ግሪን ካርደይ’የ ወሲደ’ምበር ነተን ፈርኔሎን መንቀርቀርንሲ ኣይወሰድኩወንን።

ካብኡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ንብገስ ድሕሪ ሰሙን ክንወጽእን ክንንቀሳቐስን ዕድል ስለዝረኸብና፣ ካብ’ቲ ዝሓደርናሉ ቤት ትምህርቲ ተበጊስና ንኸተማ መንደፍራ ጥፍጥፍ ኢና ዝበልናያ። እወ እቶም ኣንጊሆም ዝተንቀሳቐሱ’ኳ ዝሓተትዎ ኣይሰኣኑን። እቶም ኣርፊድና ዝተንቀሳቐስና ግን ኣጋ ሰዓት ዓሰርተ ሓደ ኣቢሉስ ቢራ የለ ጥብሲ የለ! ኩሉ ተወዲኡ’ዩ ጸኒሑና። ካብ ቤት ብልዒ ናብ ቤት ብልዒ ብምኻድ እንተሓተትና ድማ ኣይሰለጠናን። ኣብ መወዳእታ ግን ፓስታ ክንምሳሕ ኣብ ሓደ ቤት ብልዒ ኮፍ በልና። ካብኡ ነታ ዋና እንታይ ደኣ ጥብሲ የብልኩምን ዲኹም እንተበልናያ። ዋ! ናይ ሎሚ ጥብሲ ደኣ ኣብ ቁርሲ’ንድ’ዩ ተወዲኡ። ከም’ዚ ዝበለ ርኢና ዘይንፈልጥ። ጥብሲ ዝቖርሱን ንግሆ ምድሪ ቢራ ዝሰትዩን ህዝቢ ኣብ’ዚኣ ኣርፊዶም። ነቶም ነባራት ዓማዊልና እንታይ ከምነምስሖም’ኳ እንድዒልና በለትና።

ካብኡ ምስ ብጾተይ ፓስታ ተመሲሕና ናብ’ቲ ዝሓደርናሉ ቤት ትምህርቲ ተመለስና’ሞ፣ ክልተ ኣደታት ትሕዝቶአን ተሰኪምን ኣርከባና። ነቲ ተኣኒነን ዝሰንከተኦ መጎጎ ምሉእ ቅጫ ስገም እንዳቆረሳ ሻሂ ቀዲሐን ዓደላና። ምስኡ ድማ ጥርሙስ ኣረቂ ከፊተን፣ ፈውሲ ቅያር ንፋስ ክኾነኩም’ዩ እንዳበላ ናብ’ቲ ሻሂ ኣረቂ ሓወሳሉ። ካብኡ እቲ ክቡራት ወለድና ዝሃባና ጥዑም ብልዒ እንዳበላዕና እንከለና፣ ካብ’ተን ኣደታት ሓንቲ፣ ዓይኒ ዓይንና እንዳረአያ ክበኽያ ጀመራ። እተን ሓንቲ ድማ ሱቕ በላ እንታይ ግበሩ ኢኽን ትብለኦም ዘለኽን ክብላ ናይ ሓልዮት ድምጸን ሓዊሰን በኺኽን ኣይተብክያ ዝዓይነቱ ምኽረን ክልግሳ ፈተና። እተን ዝበኽያ ዝነበራ ኣደ ግን ብትሑት ድምጸን ዋይ! ዋይ! ዋይ!   ….. ኣንቲ ነዚኦም ዘይተበኽየሎም ንመን ክብከየሉ። ኣይ ካብ ገዝኦም ተሰጒጎም እንድዮም መጺኦም ኣብ ቤት ትምህርቲ ክሓድሩ ትርእይዮም ዘለኺ፣ እንዳበላ ንብዓተን ብንጸለአን ደረዛ። ዝገርም’ዩ ክልቲአን ጥዑይ ክዳን’ስ ይትረፍ ሳእኒ’ኳ ኣይነበረንን። ኣነ ድማ ክቡራት ኣደታተይ ጥራይ እግረን እንዳኸዳ ዝገዝኣለይ ኣረቂ ክሰትን ምእንታይን ምእንቲ መጻኢ ዕድለይን ዘፍሰስኦ ንብዓተን ክርኢ ኣብ ቅድሚ ዓይነን ኮፍ በልኩ።  ሰኣን እሂን ምሂን ተበሃሂልካ መንገዲ ዕርቅን ለውጥን ምቕያስ’ሲ እዚ ኹሉ ወሪዱ። ኤህ! እንዳ ዝናን-ባህታን ናይ ኢድኩም ኣይትስኣኑ። (ክቕጽል’ዩ።)

ራህዋን ቅሳነትን ንህዝቢ ኤርትራ!

ዳንኤል ተስፋዮውሃንስ ተኽለጊዮርጊስ (11-1-11)

Ewandt54@gmail.com

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • HaaQi November 7, 2011

    Mr. Daniel, You made me feel like I’m listening to ERI-TV. Even shabia’s propaganda machines don’t claim such anymore for Isaias has already told the world except Eritreans that they are the once who started the deportation some years ahead of their open ended invasion of Ethiopian territories. Shabia is responsible 100% of anything that happened on both sides of the border during the Ethio-Eritria war.

    http://untreaty.un.org/cod/riaa/cases/vol_XXVI/155-194.pdf

  • Gebre December 30, 2011

    “እቲ ንዓይንኻ ርኢኻ ዘይጽገብ ምልምል መንእሰይ፣ ንዘጋጠሞ ኩነታት ብቓላት ክገልጽ ኣብ ዝገበሮ ፈተነ፣ ሎሚ’ሲ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ናይ ዓለም ዋንጫ፣ ብዝያዳ ድማ ፍሉይ ክእለትን ቅዲ-ኣጸዋውታን ናይ በዓል ሮማርዮን ዚነዲን ዚዳንን ኣብ ተለቭዝን እርኢ በልኩ’ምበር፣ ናይ ኲናት ምሩኽ ተቖጺረስ ኣብ ተለቭዥን ክቐርብ ኢለ ገሚተ’ኳ ኣይፈልጥን።”
    That is the fate of Eritreans under Yemane Monkey and Isaia Afeworki. What is surprising though is that some Eritreans lack sense of sympathy to their citizens once they left their own country due to the atrocities of the dictatorial regime. Who knows for sure this guy may now be one of the PFDJ partisans. The so called freedom fighters want their young fellows to pass the same hardships they pass throgh during the armed struggle and those who flee the country for better life want the young generation to to pass all the harships in the same way they did in their way to Eurpoe or America. No body cares for his fellow citizen but himself. But, for sure, this was not part of the Eritrean culture.
    I wish you all happy new year

POST A COMMENT