Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዝናን-ባህታን ናጽነትን-ሱቕታን (12)

ኣብ እስራኤል (11-25-11) ኣብ ቅድሚ ኣመሪካን አምባሲ ኣብ ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፊ፣ “ወዲ መድህን በራድ” ትብል ሓረግ ብተደጋጋሚ ትስማዕ ኔራ። ብሸለልትነት ወይ ድማ ብስምዒት ዝሞሉቕ ከምኡ ዓይነት ኣበሃህላ’ሲ፣ ነቲ ዝተሓስበ ዕላማ ከሰናኽል እንተዘይኮይኑ ረብሓ’ብሉን’ሞ፣ ሃየ ደኣ

ኣብ እስራኤል (11-25-11) ኣብ ቅድሚ ኣመሪካን አምባሲ ኣብ ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፊ፣ “ወዲ መድህን በራድ” ትብል ሓረግ ብተደጋጋሚ ትስማዕ ኔራ። ብሸለልትነት ወይ ድማ ብስምዒት ዝሞሉቕ ከምኡ ዓይነት ኣበሃህላ’ሲ፣ ነቲ ዝተሓስበ ዕላማ ከሰናኽል እንተዘይኮይኑ ረብሓ’ብሉን’ሞ፣ ሃየ ደኣ ካብ ታሪኽ እቲ ዝጠቅም-ዝጠቅም ጥራይ መሪጽና እንዳተማላእና ንቕድሚት ምጥማት ኣይንሕመቕ። ካብ እንዳ ዝናን-ባህታን ዝተወርሰ ንሰብን ንስራሕን ዘቆናጽብ ባህሊ ከም ጎደፋ እምኒ ጸቒጥና ንድሕሪት ንግደፎ። ……… ኣይንዘንግዕ! ………………… እዛ ዓለም ዕዳጋ’ያ።

ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ድማ ሂወት ዘይብሉ ግኡዝ ነገር ጥራይ’ዩ ዘይልወጥ። ኣብ ቅድሚ ዓይንና ዝርአ ዘሎ ናይ ለውጢ ምዕባለታት ብዙሕ’ዩ። ኣብ ቱኒዝያ ግብጺ ከምኡ’ውን ሊባያ ዝተባርዐ እሳተ ጎመራ፣ ክሳብ ሕጂ ክንደይ ታሪኽ ከምዝቐየረን፣ ክንደይ ነገር ከምዝጎሓፈን ርኢና’ለና። ናይ የመን ጉዳይ’ውን ኣወዳድቓ ዘጸባብቕ ዘሎ’ዩ ዝመስል። ይመልኣሎም። ብፍላይ ንኤርትራውያን መንእሰያት ከኣ ኣብ’ዚ ተተሓሒዞሞ ዘለዉ ናይ ለወጥን-ዕርቅን መስርሕ፣ ዓይኑ’ፍጢጡ ዝጽበ ዘሎ ዝዓበየ ዕማም፣ ………………..   ናይ ሓበሬታ (ኢንፎርመሽን) ኲናት’ዩ።

ከመይ’ሉ? እንተተባህለ፣ ቅድሚ ኹሉ ኣብ’ቲ መበገሲ ዘሎ ቋንቋ ከምዝሕብሮ “ዓዋተ ዝተኮሳ ጥይት” ዝዝክር እንተዘይኮይኑ ዓዋተ ዘርቀቓ ጽሕፍቲ ዝብል መወከሲ የለን። ደድሕሪ’ዛ ናይ ዓዋተ ጥይት ኣብ ዝተኻየደ መስርሕ ድማ፣ ምስ ትርጉም ዓወትን ናጽነትን ክሳብ ዝደባለቕ፣ ናይ ጥየት ግደ ኣዝዩ ዓዚዙ። ኣብ መወዳእታ ድማ ብጥይት ጥራይ ዝሓስብ ቅዲ ኣመራርሓ፣ ኤርትራን ኤርትራውነትን ክትንክፍዎን ክስከምዎን  ብዘይክእሉ  ….. “ካሪዝማ” ተዃሒሉ ብሕሱም ሕንቃቐ ተኾስኲሱ ማዕቢሉ።  መዋርዶ ዝኸውን ኣስካላ-ስካላ ናብ ዘይብሉ ርሻን ተሰቒሉ። ኣብ’ታ ርሻን’ቲኣ ተሰቒሉ ድማ’ዩ ዓዲ ኣትዩ ምድረ-ሰማይ ዝብጽብጽ ዘሎ።

ኩሉ ሰብ ከምዝ ዝፈልጦ ካሪዝማ ኣብ ምሉእ ዓለም’ያ ትርከብ። ብተፈጥሮኣ ከኣ ክልተ ገጽ ኣለዋኣ። ንሳተን ከኣ ቀዳመይቲ ገጽ ‘ግርማ’ ካልኣይቲ ገጽ  ‘ላማ’ እያተን። ስለ’ዚ ኣብ ውሽጢ ሓደ መስርሕ ካሪዝማ ተኾስኲሱ እንተማዕቢሉ፣ ካብ’ዘን ባህርያት እዚኣተን ሓዲአን ማለት ወይ ‘ግርማ’ ወይ ‘ላማ’ ክሰፍን ናይ ግድን’ዩ።

ከምኡ ስለዝኾነ ድማ እዝጊ ዝሃቦም ናይ ካሪዝማ ግርማ ይኽደኑ፣ ማለት መራሕቶም ምስ ህዝቦም ተላዚቦም ምእንቲ ራህዋን ቅሳነትን ይደኽሙ።  ዝወረዶም ድማ ብናይ ካሪዝማ ላማ ይምንደቡ፣ ማለት’ሲ መራሕቲ ብመናፍሕ ይከኣሎ ወይ ድማ ሕማም ከሃሌ-ኩሉነት ብዝተቐብቀበት ባብል ጸብለል ኢሎም ምስ ህዝቦምን ስርዓት ዓደ’ቦኦምን ምሕዋስ ክሳብ ዝእግሞሞ ሰማይ ይስቀሉ። ሱቕ ኢልኩም ስምዑና ካብ ምባል ሓሊፎም ድማ ከም ጣዖት ኣምልኹና ክሳብ ምባል ይበጽሑ። ዓድን ዓውድን ከኣ ይልክሙ።

ስለ’ዚ ናይ ካሪዛማ ላማ ክሳድ  መጻኢ-ዕድል ናይ ሃገርን፣ ክሳድ ንግድን ዕዳጋን ናይ ትካላትን ቀንጢባ ንውሕዥ ክትህብ ትኽእል’ያ። ውሕዥ ብውሕዡ ድማ ሽው ኢሉ ዝሓልፍ ውሕዥ እነተኾይኑ ደሓን’ዩ። ኣብ ሸናጭሮን ገማግም ሩባን ዝጸንሖ ዓንደ ገመል ለኻኺሙ ቀልጢፉ’ዩ ዝእለ። ዘገም እንዳበለ ዝወርድ ውሕዥ ግን ብቐሊሉ ኣይዝሕልን’ዩ። ካብ ዓንደ ገመል ሓሊፉ ድማ ናይ ክንደይ ጓሶትን ጥሪትን ትንፋስ’ዩ ዘሕልፍ። ይሰውረና ካብ መዓቱ!

ዝኾነ ኾይኑ እስኪ ናብ’ቲ ቐድንዲ ዛዕባ ክምለስ፣ ኣበ’ስመራ ብዘይስራሕ ጋሕንትዕርብ ኮለል ክትብል እንተውዒልካ’ሲ ሓንቲ መዓልቲ ዳርጋ ሰሙን’ያ። ካልእስ ይትረፍ ቡንን ሻህን እንተብ’ዚሕካ’ኳ ሽቓቕ ቀትሪ ምድሪ ብላምባዲና ሃሰስ ኢልካ’ዩ ዝርከብ።

ሎሚ’ኾነ ሓምለ ኾነ (ምስላ) ኮይኑ’ምበር ቀደም ካብ እዋን ጥልያን ክሳብ እዋን ከንቲባ ሓረጎት ኣብ ዝነበረ ውሕሉል ናይ ምምሕዳር እዋን ወርቃዊ ግዜአን ዝበለዓ፣ እዝጊ’ሃቦም ደቂ ዓዱ ንስኞር ሙሶሊኒ ዝገደፍወን ናይ ከተማ ሽቓቓት ኣለዋ።

ዝኾነ ኾይኑ ካብ’ተን ሽቓቓት እታ ዝበለጸት ኣቦይ ቪቸንሶ ኣሕምልቲ ደኣ ንፍቶ እንዳበሉ ጠጠው ኢሎም ከጽርይዋ ዝውዕሉ ዝነበሩ፣ ኣብ ጥቓ’ቲ ኣስካላ ሓንካሳት ዝበሃል ከባቢ ሲቲ ፓርክ ትርከብ’ያ። መወዳድርታ ድማ ኣብ ጥቓ’ቲ ቀደም እንዳ ኣውቶቡስ ባጽዕ ዝነበረ ቦታ፣ ማለት ኣብ ጥቓ ካተድራለ’ያ ትርከብ። ካልኦት ተመሳሰልቲ ወሃብቲ ኣገልግሎት’ውን፣ ካብ ሹቕ ክሳብ ከባቢ መደበር ሕልፍ ሕልፍ ኢለን ይርከባ እየን።  እነተኾነ ግን መብዛሕትአን ፈረንጂ ዘልመደን ናይ ክሎሪን ወልፊ ምስሰኣና’ሲ! በብቑሩብ ካብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ዳርጋ ዛሕቲለን’የን። ምናልባት ጸሓይ ከይመረረት ኣንጊህካ ወይ ድማ መሬት ምስዘሓለ ኣማስያኻ’ኳ ይሓይሽ’ምበር ጨው ቀትሪ እንተበጺሕካየን ናይ መሬት ዑደት’ዩ ዝፍለጠካ።

ዝገደደ ድማ ናይ’ተን ዓበይቲ ሆተላት ከም በዓል ኣምባሳደር ሆተልን፣ እምባሶይራ ሆተልን’ውን መብዛሕትኡ ግዜ ጎዱፍ መሲሉ’ዩ ተኾሚሩ ዝውዕል ኔሩ። ምኽንያቱ እዘን ሆተላታ እዚኣተን ቀደም ኣስመራ ብደሓና ብንግድን ዕዳጋን ክመኸሩ ዝመጽኡ ዓበይቲ ሰባት፣ ንዕረፍቲ ዝመጽኡ ሃብታማት (ቱሪስት) ምናልባት’ውን ሰበስልጣን ዝጋየሹለን ገዛውቲ’የን ኔረን’ምበር፣ ከም’ቲ ሽዑ ዝወረደን ኣደራዕ፣ መዓልቦ ዝጨነቖ ህዝቢ ዘስተናግዳሉ ዓቕሚ ሒዘን ኣይተሃነጻን። ካብ ገዝኡ ዝወጽአ ሰብ ግን ኣማራጺ የብሉን። ስለ’ዚ በብዝመጻእካዮ ጸጽዕነትካ ኣራጊፍካ፣ ማለት’ሲ ኣብ ርእሺ-ርእሺ ደርቢኻዮ፣ ሰብ ከይረኣየካ ኣዘንጊዕካ ዕዝር ምባል ዝውቱር’ዩ ኔሩ። …. ጉድ’ዩ እንዳ ዝናን-ባህታን’ሞ እንታይ ዘይገበሩ!

ዝኾነ ኾይኑ ኣብ ሳልስተይ እቲ ዝፈልጦን ዝደልዮን ስራሕ ክሳብ ዝጅምር’ሲ ምናልባት ዱባይ በጺሐዶ ክመጽእ ዝብል ሓሳብ ይመጽኣኒ’ሞ፣ ቅድሚ ምኻደይ ብዛዕባ ንግድን ዕዳጋን ናይ ዱባይ ሓበሬታ ንምእካብ፣ ናይ ዱባይ ‘የሎው ፐይጅስ’  እንተረኸብኩ ተስፋ ብምግባር ናብ ቤት ጽሕፈት ቤት ምኽሪ ነጋዶ ኤርትራ ተጓዓዝኩ። ኣብኡ ድማ ኣቐዲመ ዝፈልጦም  ሰባት ኣጋጠሙኒ።

እዞም ክቡራት ኣሕዋት፣ ብጽቡቕ ተቐቢሎም ሻሂ ጋበዙኒ። እንዳዕለልና ድማ ዘምጽኣኒ ሓሳበይ ገለጽኩሎም። ንሳቶም ግን ባህ ኣይበሎምን። ተቐላጢፎም’ኳ ደኣ ናብ ላይብራሪ ናይ ሚኒስትሪ ንግዲ ክኸይድ ሓቢሮሙኒ። ኣነ ድማ ደላያይ ስለዝኾንኩ፣ ክንዲ ቻምበር ዝኣክል ስም ሒዝኩም’ሲ  ‘የሎው ፐይጅስ’ ናይ ዱባይ የብልኩምን ማለት ድዩ፣ ብምባል ሕቶይ ደገምኩሎም። ሽዑ ሓደ ካብኦም ብድድ ኢሉ ንዓናይ’ሞ ከርእየካ እንዳበለ ኣብ ላዕለዋይ ደርቢ ናብ ዝነበረ ላይብራሪ መሪሑ ወሰደኒ።

ንእሽቶ ላይብራሪ’ያ። ብመፍትሕ ተለኲታ ስለዝጸንሐት ከኣ፣ መኽፈቲ-መፍትሕ ኣምጺኡ’ዩ ከፊቱዋ። ትሕዝቶኣ’ውን ብዙሕ ዝድነቕ ኣይነበረን። ዝገደደ ድማ እተን ዝርካበን ጣዋሉ ደሮና ተኸዲነን’የን ኔረን። ስለ’ዚ እቲ ላይብራሪ ኣብ ስራሕ ከምዘይነበረ ንጹር ምልክት’ዩ ኔሩዎ። እቲ ኣነ ዝደልዮ ዝነበርኩ ‘የሎው ፐይጅስ’ ግን ኣይተሳእነን። እንተኾነ ግን ላይብራሪ ጥራይ ዘይኮነ ቻምበር ብዓቢኡ’ውን ኣገልግሎቱ ኣቋሪጹ ማለት ተዓጽዩ ስለዝነበረ፣ ዝሓሰብኩዎ ኣይሰለጠንን። ስለ’ዚ ዝሓሸ ዕድል ከጋጥመኒ ተስፋ ብምግባር ናብ ሚኒስትሪ ንግዲ፣ ንሲነማ ሮማ ገጸይ ከድኩ። …… ቻምበር እንተተዓጽዩ ግን ንግዲ’ውን ተነጽዩ’ንድ’ዩ!

ከተማ ኣስመራን ቻምበሩን’ሲ  ምስ ኣመሪካን አውሮጳን ብዝዋሳእ አክስፖን ቃኘውን ይፍለጡ ከምዘይነበሩ፣ ብዝተዓብሰ ሽቓቓትን፣ ኣገልግሎት ብዘይህብ ቻምበርን፣ ጥራይ ዝባኖም ወጺኦም ምስ ንግድን ዕዳጋን ናይ ዓለም ምውሳእ ስኢኖም ይበሃል! እሞ ድም ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን! ኣብ እዋን ናጽነት! ዝገርም’ዩ። እዛ ናይ ካሪዝማ ላማ ክትበልሕ። በዓል ሲኞራ መሎቲ ባራቶሎን ደናዳይን ብጾቶምን ንሓንቲ መዓልቲ’ኳ ዕድል እንተዝወሃቦም’ሞ፣ ነታ ዝገደፍዋ ኸተማ ኣስመራን ኣገልግሎታን ምስ’ዞም ስጉጓት ኮይኖም እንተዝፍትሹስ እንታይኮን ምበሉ?

ዝኾነ ኾይኑ ካብ ቻምበር ናብ ሚኒስትሪ ንግዲ ክኸይድ’ከለኹ ንእገረ መንገደይ ኣቐዲመ ዝፈልጦም ሰባት ኣብኡ ዝሰርሑ እንተለዉ ክዝክር ሃሰስ እንዳበልኩ’የ ዝጎየኹ። ትዝ ዝበሉኒ ሰባት ኔሮም። እንተኾነ ግን ደሃይ ሓድ-ሕድ ካብ ዘይንጠያየቕ ነዊሕ ኮይኑ’ዩ። ነገር ደላያይ ግን ግምተይን ድላየይን ሓዋዊሰ ብዝጀመርኩዎ ቀጸልኩ።

ስለ’ዚ ኣብ’ቲ ቦታ ምስበጻሕኩ ሓደ ብሓደ ስሞ’ም እንዳጠቐስኩ ኣበይ ከምዘለዉ ሓተትኩ። ካብኡ ብመሰረት’ቲ እቲ ዝተዋህበኒ ሓበሬታ ነታ ኣብ ቀረባ ዝጸንሐትኒ ማዕጾ ኳሕኲሐ ኣተኹ’ሞ፣ ካብ’ቶም ዝሓሰብኩዎም ሰባት ሓደ ቀልጢፈ ረኸብኩ።

እቲ ኦፊስ ዓቢ ገዛ’ዩ። ከምኡ’ውን ብርክት ዝበላ መጻሕፍትን ወረቓቕትን ኣብ’ቲ ገዚፍ ጠረጴዝኡ በቦትአን ሒዘን ኔረን። ኣብ ጥቓ’ታ ተለፎኑ ድማ ጋዜጣታት ሓዳስ ኤርትራን፣ ኤርትረያን ፕሮፍይልን ኔረን። ኣብ ልዕሊ’ተን ጋዜጣታት ከኣ ነዊሕ ኣንተና ዝዘርግሐት ረድዮ ማዕረ’ታ ተለፎን ኔራ። ብሓፈሽኡ ጸሓፊት’ያ ዘይተመደበትሉ’ምበር፣ እታ ክፍሊ ናይ በይኑ ቤት ጽሕፈት ስለዝነበረት’ሲ፣ በዓል ስልጣን መሲሉ ተራእይኒ። ስለ’ዚ የለው ፐይጅስ’ሲ ክረኽባ’የ ዝብል ተስፋ ሓደረኒ።

ዝኾነ ኾይኑ ኣብኡ’ውን እንደገና ሻሂ ተጋበዝኩ። ለሚን ዘለዎ ሻሂ’ኳ ደኣ። ደሓር ግን ካብ ስርሑ  ከየባኹሮ ስለዝሰጋእኩ ኣይደንጎኹን፣ ቀልጢፈ’የ ዘምጽኣኒ ምኽንያት ዝገለጽኩሉ። ዝገርም’ዩ ሕጂ’ውን እዚ ሰብኣይ ባህ ኣይበሎን። ንጹር መልሲ ከይሃበኒ እንዳተማትአ እንከሎ ግን፣ እስኪ ንዓናይ ደሓን ናብ’ቲ ላይብራርኹም ውሰደኒ ብምባል ብድድ በልኩ። ንሱ’ውን ምሳይ ተንስአ’ሞ መሪሑኒ ከደ። እታ ላይብራሪ ኣብ’ቲ ህንጻ ኣብ ላዕሊ’ያ ኔራ። ካብ’ታ ናይ ቤት ምኽሪ ነጋዶ ላይብራሪ ግን ንሳ ትዓቢ ትገፍሕ ትጽብቕ። ብንጽጽር ብመደብ ትኽፈተሉን ትዕጸወሉን ናይ ስራሕ ሰዓታት’ውን ኔሩዋ።

ዝኾነ ኾይኑ ናብ’ታ ላይብራሪ ገጽና እንዳኸድና እንከለና ብዙሕ ኣየድሃብኩሉን’ምበር እዚ ሰብኣይ  ብትሑት ድምጺ ጥኒን እንዳበለ ንበይኑ ይዛረብ ኔሩ። ኮይኑ ግን ኣብ ቅድሜና ዝነበረ ኣስካላ-ስካላ ወዲእና ናብ’ታ ላይብራሪ ምስ በጻሕና ንሱ ናብ ጠረጴዛ ናይ’ታ ሰራሕተኛ ከደ። ኣነ ግን ብገርሀይ ትኽ ኢለ ናብ’ቶም መጻሕፍቲ ገጸይ ኣምራሕኩ’ሞ፣ ዘድልየኒ መጽሓፍ ቀልጢፈ ረኺበ፣ ካብ ቦትኡ ኣውጻእኩዎ። ካብኡ እታ ሰበይቲ ነቲ መሳርሕታ ኣብ ጠረጴዛኣ ጠንጢና  ቀልጢፋ ናባይ መጽአት’ሞ፣ ሊቸንሳዶ’ለካ ክትብል ሓተተትኒ። ኣነ ድማ ክትሕግዘኒ ትሓተኒ ዘላ መሲሉኒ፣ የብለይን በልኩዋ። ጓል’ያት ከኣ ብዘይንሕስያ! በል እዚ ላይብራሪ ንሕጋውያን ነጋዶ ጥራይ’ዩ ዘገልግል’ምበር፣ ሊቸንሳ ዘይብሎም ሰባት ኣብ’ዚ ላይብራሪ ክግልገሉ ኣይፍቀድን’ዩ፣ …. ውጻእ ካብ’ዚ ላይብራሪ በለትኒ።

ዝገርም’ዩ፣ ከም’ዛ ሕጂ ትደግመኒ ዘላ መሲሉ’ኳ ተሰምዓኒ!  … ዋይ ውርደት’የ ዝበልኩ። ምናልባት እንተተመሰለለይ ተስፋ ብምግባር ግን ኣንቲ ሓውትና ሰብ’ኮ ኣብ ኮንቶሮባንዶ ዝወድቕ ፈትዩ’ይኮነን፣ ሓበሬታ ስለዝሕብኦ’ዩ። እንዳበልኩ ከዘሓሕላ ፈተንኩ። ኣብ መንጎ ድማ ወዮ ብጻየይ በጃኺ’ለኪ ካብ’ዞም ካብ ኢትዮጵያ ተሰጒጎም ዝመጽኡ ሰባት ኢዩ’ሞ፣ ንሎሚ ጥራይ!! ወላ ታሴራይ ሒዝኪ ከንብብ ፍቐድሉ። ንመጻኢ ግን ልቸንሳ ምሰ’ውጽአ ይምለስ ደሓን በላ። ሰበይቲ ግን ኣየናሕሰየትን፣ ካብ ዝሓሰብቶ’ውን ድሕር ኣይበለትን። ….. ውጻእ’ያ ዝበለትኒ።

ኣነ’ውን ኣይተኸራኸርኩን። ንኣይ ዝገርመኒ ዘሎ ግን ኣብ’ዛ ቻምበር ከይተረፈ ዝተዓጽወላ ናይ እንዳ ዝናን-ባህታን ዕዳጋ፣ ኣብ ላይብራሪ ክሕዛእ ዝተደልየ ፓተንት፣ ናይ ንግድን ዕዳጋን መጽናዕቲ  (ሪሰርች) ወይ ድማ ብጥንቃቐ ክዕቀብ ዝግብኦ ሃገራዊ ረብሓ ኣሎ ድዩ? …… ከምኡ ዝበለ ምስጢራዊ ኣተሓሕዛ ዝግብኦ ሃገርዊ ሃብቲ ኣብ’ቲ ላይብራሪ’ቲ እንተኔሩ ግን ትጉሽተተይ!

ካብኡ በጃኻ ንዓናይ ታሴራኻ ሒዝካ እንዳበልኩ ራሕሪሐዮም ወጻእኩ። ንሱ’ውን እግሪ እግረይ ሰዓበ። ናብ ኦፊሱ ተመሊስና ድማ ዕላልና ቀጸልና። ዝገርመኩም’ዩ ብዛዕብኡ ዝነበረኒ ግምት ብቕጽበት’ዩ ተጸልዩ። ከመይ’ሲ ከም’ቲ ሽዑ ከይበርሐን ከይጎርሐን! ብኣፍሩኡን ብተባዑን እንከሎ፣ ንሓለቓ ይኹን ንናይ ኢሰፓ በዓል ስልጣን ምሳሉን ምርጭኡን ንኽገልጽ ድሕር ዘይብል መንእሰይ’ዩ ኔሩ። ሕጂ ግን ኣጸቢቐ እንተረአኹዎስ በሪሑ፣ እተን ዝተረፋ ጸጉሩ ድማ ሸይበን፣ ዝርካበን ከኣ ኣብ ግራት እንጣጢዕ ከም ዝበቖለ ጣፍ ጠገለ ስኢነን ሃጒጎን ፊል-ፊል ክብላ ተዓዘብኩ።

ከምኡ’ውን በዘራርብኡ ኩርዓት-ነገር ከንጸባርቕ ዝፍትን መሲሉ ስለዝተራእየኒ፣ ንግዜኡ ከም’ዚ’ዩ ኢለ ክገልጾ ዘጸግመኒ ስምዒት ኣብ’ዚ ቕድመይ ድቅን’ዩ ዝበለኒ። በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ ዝጃጀየ  ቢሮክራት መሲሉ ተራእየኒ’ሞ ኣዝየ ተጠራጠርኩ። እዚ ወድስ ንሱ ድዩ ኣይንሱን ክሳብ ምባል በጻሕኩ። ካብኡ እቲ ናይ ቀደም ጠባዩ ምስኡ እንተዝህሉስ ኣብ’ዚ ገዛ’ዚ ከመይ’ሉ ክሰርሕ ይውዕላ’ሎ ዝብል ሓሳባት ምስ’ቲ ናይ ሕርቃን ርሃጽ ናብ መላእ ሰብነተይ ዝሕው’ዩ ዝበለኒ።

ዝገደደ ድማ ብዛዕባ’ቲ ኣነ ዝደልዮ ዝነበርኩ ምግዳሱ’ውን ዳርጋ ኣጠራጠረኒ። ጸርጸር ምሰ’ብዛሕኩሉ’ዩ’መስለኒ ድማ ናቱ ኣርእስቲ ብምጅማር እዚ መንግስቲ እልፊ ዘይረብሑ ሰባት እንዳ’በላሸውሉ’ምበር ቀሊል መንግስቲ ከይመስለካ በለኒ። ኣነ ድማ ብዛዕባ’ዚ ኣብ የሎው ፐይጅስ ዘሎ ሓበሬታ ክሓዝእ ዝፍትን መንግስቲ ዲኻ ትዛረብ ዘለኻ ወይስ ካልእ ኣለካ?    …..  ስማዕ!  ኣብ ኣዲስ ኣበባ የለው ፐይጅስ ማለት ኣብ ተራ ኪዮስክ እንዳ ጉራጌ ተደርብዩ ዝርከብ’ዩ። እንታ’እኻ ክትብል ደሊኻ በልኩዎ። ንሱ ድማ እወ ሓቅኻ፣ እንጌራ ወያኔ ክትበልዕ ክትብል ሃገራዊ ስምዒትካ ዝጠፍአ’ዩ ዝመስል ዘሎ ክብል ሓፍ ብዘይብል ደንጎላ ጌሩ ግምባረይ ፈግኣኒ። ንኽትፈልጦ ግን እዚ መንግስቲ’ዚ ምስ ወያኔ ዝወዳደር መንግስቲ ከይመስለካ ድማ ወሰኸኒ። ካብኡ ቀልጢፈ ካብ ኦፊሱ ክወጽእ ብድድ በልኩ።

ኣብ መጨረሻ ድማ ንኽወጽእ ኣብ እግሪ ማዕጾ ኮይነ፣ ወያኔን ሻዕብያን ነወዳድርዶ ኢላካ’የ ወደይ። ኣነ’ኮ ኣብ ላይብራሪ ናይ ስራሕካ ናይ ዱባይ የለው ፐይጅስ ከንብብ ተስፋ ጌረ’የ መጺአ። ካልእ መጽሓፍ’ኳ ዘይሓተትኩ። ኣንታ እንታይ’ዩ ወሪዱካ ካድረ ተቐይርካ። ቶባእ! ንስኻ’ኳ ክሳብ ክንድ’ዚ ዝተቐየርካስ ኣብ’ዚ ዓዲ ፍልይ ዝበለ ርኢቶ ዘለዎ ሰብ የለን ማለት’ዩ። እዚ ዝምባሌ’ዚ ከኣ ተስፋ ዘቑርጽ’ዩ፣ ተተሓሒዝካ ጥፍኣት’ዩ! በልኩዎ። ንሱ ድማ ኣጆኻ ደሓን! ብዛዕባ ኤርትራ ዝነበረካ ኣተሓሳስባ ዝተቐየረ’ዩ ዝመስል ዘሎ። ቁሩብ ተጸበ’ሞ ብዙሕ ክትመሃር ኢኻ በለኒ። ….  ርአይዋ’ሞ እዛ ናይ እንዳ ዝናን ባህታን መናፍሕ፣ ዓድን ዓውድን ክትዘርግ’ከላ!

ዝኾነ ኾይኑ ኣብ መወዳእታ በል ደሓን ወዓል ኢለ ንኽወጽእ ናብ ማዕጾ ኢደይ ክሰድድ ትኒዕ ክብል’ከለኹ፣ እቲ ማዕጾ ብሓይሊ ፈግ ኢሉ ተኸፍተ። ሽዑ ሓደ ሕጽር-ክብብ! ኢሉ ጽብቕቲ ጻዕዳ ካምቻ ምስ ቀያሕ ክራባታ ዝወደየ፣ ብማእከላይ ዕድመ ዝግመት ሰብኣይ፣ ገለ ሰለስተ’ርባዕተ ዝኾና ፍልዮታት ሒዙ ህሩግ ኢሉ ኣተወ። ኣነ ድማ ካብ’ታ ማዕጾ ንድሕሪት ኣፍጓእጉእ ኣቢለ ካብ መንገዲ ተኣለኹሉ። ሰብኣይ ኣብ’ቲ ኦፊስ ጋሻ ምህላዉ ኣይዓጀቦን። ከመ’ዓልኩም’ውን ኣይበለናን።

ቀጥታ ዘረብኡ ብምጅማር ድማ ቅድሚ ሕጂ ዝሃብኩኻ ወረቐት ጽቡቕ ጌርካ ከምዘይወዳእካዮ ነጊረካ’የ፣ ከምኡ ክትገብሮ ኣይነበረካን። ሕጂ ድማ እዚኣተን ከም’ቲ ዝበልኩኻ ጌርካ ምስወዳእካየን፣ ቀልጢፍካ ኣምጽኣለይ ክብል ተግሳጽን ትእዛዝን ብዝመስል ኣዘራርባ ድላዩ ተዛሪቡ፣ ነተን ወረቓቕቲ ኣብ ጠረጴዛ ኣቐሚጥወን ተመልሰ። ነቲ ማዕጾ ድማ ብርቱዕ ድምጺ ክሳብ ዘስምዕ! ብሓይሊ ገም ኣቢሉ  ስሒቡ ዓጽይዎ ኸደ። ብኡነት’የ ዝብለኩም ዘለኹ! እዚ ወዲ’ሲ፣ ምሳይ ከም ሰብኣይ ክዛረብ ከምዘይጸንሐ ገጽ ሓለቕኡ ምስረኣየ ብቕጽበት’ዩ ተዳሂሉ። ዝኾነ ኾይኑ እዛ ኣብ ምውጽአይ ዘጋጠመትኒ ኩነታቱ ምዕዛበይ ኣይሓሰመትንን፣ ብመጠኑ’ውን እንተኾነ እቲ ጸገም ንምግማት ዕድል’የ ዝረኸብኩ።

ኣንጸርጺረ! በብሓደ ዘይኮነስ በብድርብ ኣስካላ-ስካላ ናይ’ቲ ህንጻ ክወርድ’ከለኹ ድማ፣ ቀደም መማህርተይ ዝነበረ ካልእ ሰራሕተኛ ናይ’ቲ ገዛ ኣብ ደገ ጸኒሑ ናብ ኦፊሱ ክኣቱ ክብል’ከሎ ኣብ እግሪ ናይ’ታ’ስካላ ተራኸብና። ካብኡ ድሕሪ ሓጺር ሰላምታ ብዛዕባ’ቲ ዘጋጠመኒ ኩነታት ብናህሪ ገለጽኩሉ። ንሱ ድማ ካልእ ቃላት ኣይወሰኸን፣ በጃኻ’ባ ዝርዝር ኣቢልካ ኣብ ጋዜጣ ኣቃልሓዮ በለኒ። ኣነ ግን ክላ ወደይ ሱቕ በል! ክሳብ ሕጂ ብምሒር ጥንቃቐ ዝተሰከምኩሞ፣ ….. ሕንቁቕ ኣሰራርሓሲ …. ሕጂ ኣነ ተዛሪበ ስምብራት ዘውጽኣሉ ኣይመስለንን። ሃየ ደኣ ዘልመድኩሞ ኣይትኽልእዎ! ክብል ተስፋ ቑርጸተይ ገለጽኩሉ’ሞ፣ የሎው ፐይጅስ ከይሓዝኩ ገፍ ገፍ እንዳበልኩ ንኾብብሽታቶ ገጸይ ኣምራሕኩ።

ንእግረ መንገደይ ድማ ኣብ ፊት ህንጻ ክፍሊ ትምህርቲ ኣብ ቨራንዳ ናይ ኣመሪካን ባር ሻሂ ክሰትዩ ጸኒሖም፣ ኣብ ምብጋሶም እንዳተመጣልዑ ኣኸዳድንኦም ዘመኣዛዝዩ ኣርባዕተ ዓበይቲ ሰባት ኣጓነፉኒ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዓበይቲ ጋራዣትን ናይ ጽዕነት መካይንን ዝውንኑ ዝነበሩ ኣቦታት’ዮም።

ካብኡ ሓሙሽቴና ተተሓሒዛና ብኻተድራለ ሓሊፍና ክሳብ ባሕቲ መስከረም፣ ብኡ’ቢልና ድማ ነቲ ቐደም ብደቂ ዓዱ ንሲኞር ሙሶሊኒ ተሰሪሑ ክሊኒካ ኣጀያ ዝብል ስም ሒዙ ኣገልግሎት ዝህብ ዝነበረ ምዕቡል ሆስፒታል-ነበር ንጸጋም፣ ንሆቴል እንዳ ኣቶ ስዩም ኣለማየሁ ንየማን ገዲፍና፣ ናብ’ቲ ሚዛን ናይ ዓበይቲ መኻይን ዘለዎ ብሎኮ ባጽዕ በጻሕና። ካብኡ ድማ ክሳብ መደበር ከድና።

እንተኾነ ግን ኸባቢ መደበር ንፋስን ደሮናን ስለዝበዝሖ ቀልጢፍና ኣምፈትና ቀየርና’ሞ፣ ነ’ባ ሻውል ሰንጢቕና ክሳብ ሸል እንዳ ኣቶ ዑቕቡ ሃይለ ኣንቆልቊልና ወረድና። ካብኡ ግን ሓደ ካባና በጃኹም ንኸተማ ውሰዱና ስለዝበለ፣ ካብ ከተማዶ ወጺእና ኢና ወደይ እንዳበልና፣ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ከይበጻሕና ንጸጋም ተዓጸፍና። ናብ ኮምቢሽታቶ ገጽና ክንከይድ’ከለና ድማ፣ ኣብ ኣፍ ደገ ናይ’ቲ ቐደም ብደቂ ዓዱ ንሲኞር ሙሶሊኒ ዝተሰርሐ፣ ኣብ እዋኑስ ኣ’በስመራ ዝበለጸ ናይ ሕክምና ትካል ዝነበረ ኦስፐዳለ ኢናይል፣ ክልተ ሰባት ኣእዳዎም ኣጣሚሮም የዕልሉ ከምዝነበሩ ተዓዘብና።

ሽዑ ሓደ ካባና፣ ዶቶረ! ክሳብ ስራሕካ ትጅምር ደኣ ኣብዚኣ ዘይትቑጸር በለኒ’ሞ፣ ኣነ ድማ ብሃንደበት ኣብ ዝነበርኩዎ ጠጠው ኢለ፣ ኣንታ ሓቅኻ ኢኻ በልኩዎ። ንሱ ግን ቀልጢፉ ምዃን’ኳ ምምሕያሽ ንኽግበረላ  ተዓጽያ’ያ ዘላ፣ ብምባል ብዙሕ ተስፋ ኣይትግበር ዝዓይነቱ መልሱ ኣስዓበለይ። ኣነ ግን ቻምበር ተዓጽዩ! ኢናይል ተዓጽዩ! ዝብሉ ሓሳባት እንዳ’ካወስኩ፣ እልይ ኢለ’ኸ ደሃይ ዘይፈልጥ ብምባል ናብ’ቶም ኣብ ኣፍ ደገ ዝነበሩ ክልተ ሰባት ገጸይ ኣምራሕኩ።

ድሕሪ ሓጺር ሰላምታ ድማ ኣብ’ዚ ሆስፒታል ክቑጸር እንተደልየ እንታይ ክገብር ከምዘለኒ ዝፈልጡ እንተኾይኖም ተወከስኩዎም። ሽዑ ሓደ ካብኦም ናይ ህግደፍ ኣባል ዲኻ ክብል ሓተተኒ። ኣነ ድማ ፋርማሲስት’የ’ሞ ኣብ’ዚ ሆስፒታል ንኣይ ዝኸውን ስራሕ እንተሎ’የ ክሓትት ዝደሊ ዘለኹ’ኮ በልኩዎ። ንሱ ድማ ስኽፍ’ኳ ኣይበሎን፣ ናይ ህግደፍ ኣባል ዲኻ’ኮ’የ ዝበልኩኻ ኣነ’ውን በለኒ። ኣነ ድማ ቁዕርር ዝኣፋ ኣይኮንኩን በልኩዎ’ሞ፣ በል ሕራይ ቅንይ ኢልካ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ፣ ንግዜኡ ግን  እዛ ሆስፒታል ትሕደስ’ያ ዘላ በለኒ። ኣነ ከኣ ኣግህድ ኣቢለ ይትረፈኒ ደሓን ኢለዮ ተመለስኩ።

ገ! እንዳበሉኻዶ ትጋገ (ምስላ) ኣነን ካብ ገዛይ ተሰጒገ ንብረተይ ተሓዲገ መጺአ’ለኹ’ሞ፣ በጃኹም ኣብ ስራሕ ቁጸሩኒ ክብል’ፍትን እዚኣቶም ድማ ንግድን ዕዳጋን ተቖጻጺሮም፣ ናይ’ዚ ፈቐዶ ጽርግያ ኮለል ክብል ሽቓቕ ከየተረፈ ጨኒቕዎ ዘሎ ህዝቢ ኩነታት ድምብርጽ ከይበሎም፣ …… ብዛዕባ ናይ ህግደፍ ኣባልነት ይወራዘዩ።  ……… ኣለኺዶ ኤርትራ?  ….. ሃገር ማለት ጎቦ ጎልጎል ወይ ድማ ወደብ ማለት ድዩ?

ወሪዱና ግን ኣይውረድኩም! ኮሊልና ኮሊልና ናብ’ታ ዝተበገስናላ ኣመሪካን ባር ክንበጽሕ ቀሪብና ኢና።  ቅድሚኡ ግን ናብ’ታ ጥቓ ሲቲ ፓርክ ትርከብ ሽቓቕ ኣልገስና። ዕድል ጌርና ድማ ሪጋ ኣይጸንሓናን። ትኽ ኢልና ኢና ኣቲና።

ተመራሪሕና ክንኣቱ እንከለና ግን ኣቦይ ቪቸንሶ ሰማያዊ ቱታ ለቢሶም፣ ክሳብ ጥቓ ብርኮም ዝበጽሕ ገዚፍ ቡት ዝዓይነቱ ጫማ ወድዮም፣ ናይ ፕላስቲክ ሳንኬሎ ኣንጠልጢሎም፣ ብውሽጢ’ቢሎም ቅልቅል በሉ። ከጽርዩ ዝጸንሑ’ዮም ዝመስሉ። ሓቢርና ድማ ደሓንዶ ውዒልኩም በልናዮም። ንሶም ከኣ ብትሑት ድምጺ ኣምላኽ ይመስገን! ድሕሪ ምባል፣ እቶም ሽንቲ ማይ ትሸኑ ናብ’ዚኣ እቶም ደገ ትወጽኡ ድማ በዚኣ ክብሉ ኣመልኪቶሙልና’ሞ ስርሖም ቀጸሉ። ኣቦይ ቪቸንሶ ስርሖም ዘኽብሩ ክቡር ወደ’ስመራ’ዮም ኔሮም። … ንጉስ ላዕላይ ሰማይ የኽብሮም። ንኣና ድማ ስራሕ ዘኽብር ንጉስ ይፍጠረልና።

እንተኾነ ግን እዚ ኹሉ ኮሊላ ኾሊላ! ይዋእ’ያ ዛ’እግርና ሓንቲ ሰዓት’ኳ ኣይቀተለትን። ብኡነት! ብኡነት! እብለኩም አለኹ! ስራሕ እንተዘይብልካ’ሲ መዓልቲ’ውን ትድንድነካ’ያ፣ ንቕንቕ ኣይትብልን’ያ። ስለ’ዚ መዓልቲ ምሉእ’ዩ ዓይኒ መሪር ጸሓይ ኣንገልሒጡ ዝጽበየና ዝነበረ። ኣንቱም ሰባት! ወላ ሓንቲ ትገብሮ ዘይብልካ ምሉእ መዓልቲ ኣብ ጽርግያ ምውዓል! ኣቤት ክኸፍእ! …….. ዋ! ዋ! ንጸላኢኻ’ኳ ኣይትምነየሉን።

ናብ’ቲ ዝነቐልናሉ ኣፍ ደገ ኣመሪካን ባር ክንበጽሕ ከለና እምበኣርከስ፣ ሰዓት ክልተ’ቢሉ’ዩ ዝነበረ። ሻቡ ኣይንቕድሚት ኣይንድሕሪት ተጠማሚትና ጠጠው በልና። ደሓር ግን ሓደ ካብመንጎና፣ እሞ ሻሂዶ ክንሰቲ በለና። ቃል ዓለም ዝገብር ወይ ድማ ካልእ ኣማራጺ ዝሕብር ኣይተረኽበን። ኮፍ ክንብል ምስመደብና ግን ናይ ኣመሪካን ባር ሰድያታት ኩሉ ተታሒዙ’ዩ ጸኒሑና። ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ደገ ሰድያ ዝበሃል ኣይነበረን። ስለ’ዚ ናብ’ታ ዝነበርናያ ማርሻ ፔዲ ተመሊስና ንሓድሕድና ምጥምማት ቀጸልና።

በ’ጋጣሚ ኣብ እግሪ ኩርናዕ ናይ’ቲ ህንጻ ዓሚል ክትጽበ ሓንቲ ቢጫ ታክሲ ደው ኢላ ስለዝነበረት  ከኣ ከይሓስብኩሉ ናብኣ ተጸጋዕኩ። እንተኾነ ግን ድሕሪ ቁሩብ ደቓይቕ ብርቱዕ ድምጺ ሰማዕኩ። ምስኡ ድማ ምሉእ ኣካላታ ኣንፈጥፈጠ።  ታክሲ ድማ ተበገሰት። ሽዑ ዓለምና ጥራይ ድያ ዑደታ ኣቋሪጻ ዘላ ዝብል ሓሳባት በዚ ቕድመይ ሕቢው ኢሉ ሓለፈ።

ኣብ ገምገም ጽርግያ ቀንፈዘው ምስበዝሐ ግን፣ እሞ ንመሳሕዶ በልኩ። ሕጂ’ውን ቃል ዓለም ዝገብር ወይ ድማ ካልእ ኣማራጺ ዝሕብር ሰብ ኣይነበረን። በሉ ንኺድ ንዑናይ እንዳበልኩ መሪሐዮም ናብ ካተድራለ ገጸይ ነቐልኩ። ናበ’እኻ ትወስደና ዘለኻ ዝብል ሰብ ኣይነበረን። ከመ’ግማል ተመራሪሕና ኢና ዝተጓዓዝና። ርሑቕ ከይከድና ድማ፣ ኣብ እግሪ ካተድራለ ናብ ትርከብ “ቤት ቁርሲ ኑር” መሪሐዮም ኣተኹ። እቲ ገዛ ትሕዝትኡን ጽርየቱን ይበል’ዩ ዘብል። ናይ ቀደም ኣስመራ’ዩ ዘዘኻኽረካ። እቲ ንቑርሲ ጥራይ ተባሂሉ ዝቕረብ ሽሻይ ከኣ ወላ ንምሳሕን ንድራርን’ዩ ዝበቅዕ።

እንተኾነ ግን ኣብ ውሽጢ ኣቲና በቦታና ምስሓዝና’ውን፣ ተተጠማሚትካ ሱቕ’ዩ ኮይኑ። ስለ’ዚ እዛ ጉዳይ ካባይ ትሓልፍ ኣይትመስልን’ያ፣ ብምባል ሓሙሽተ ፋታን ሓሙሽተ ጥርሙዝ ማይ ጋዝን ባዕለይ ኣዘዝኩ። ብጾተይ ድማ ከም’ዛ ዘይሰምዑ ዝመጽአት ትምጻእ ዝበሉ’ዮም ዝመስሉ ሕጂ’ውን ኣይተዛረቡን።

ዝኾነ ኾይኑ ሽዓ መዓልቲ ዝበላዕናያ ፋታ፣ ኣቤት! ሕጂ እንተዝረኽባ! ብፍላይ ብፍላይ ካብ ስራሕ ምስተፈደስኩ እንተዝረኽባ’ሲ ከመይ መስተማቐርኩዋ ኔረ’መስለኩም። ሽዑ ጎቦ ልበይ ኮይነ ስለዝበላዕኩዋ ግዲ ኮይናስ ከየስተማቐርኩዋ’ያ ካብ’ታ ሽሓኒ ምሉቕ ዝበለት። ኣብ መወዳእታ ግን በዚ መምበስብስተይ ረሃጽ ታህታህ እንዳበለ ማይ ክሰቲ ወስ ክብል’ከለኹ’የ መሪር ጉዕ ከምዝበላዕኩ ዝተፈለጠኒ። ግደ ሓቂ ግን ሸሓኒ ኒከሊን ማንካን ጥራይ’ዩ ኣብ ቅድመይ ዝነበረ። መልዓሊ መኣዲ’ኳ ኣይገድፍኩላን። እንተኾነ ግን ወላ’ኳ ጠላሕ ኣይበለንን። ጣይታን ዝግንን ወይ ድማ ላዛኛን ብስቴካን ምናልባት’ውን ክትፎን ጥብስን እንተዝረክብ’ሲ በሊዐ’ኳ ኣይምበልኩን።

ዝኾነ ኾይኑ ፋታና ምስበላዕና ኮፍ ኢልና ነዊሕ ኣዕረፍና። ኑር ድማ ኩነታትና ተዓዚቡ’ዩ ዝመስል ሻሂ ጋበዘና። ተመሲሕና ካብ’ቲ ቦታ ክንወጽእ እንከለና ድማ ሓደ ካብ’ቶም ሰባት፣ ስማዕ ዶቶረ! ካብ’ታ ዝጋበዝካና ንላዕሊ  እዛ ናይ ቁርሲ ቦታ ዘርኣኻና ነመስግነካ በለኒ። ናይ ምዕባለን ስራሕን ሓበሬታስ ይጽናሕ፣ ላይብራሪ’ኳ ብናይ ንግዲ ልቸንሳ ኣብ ዝእተወሉ ……  ህድሞ እንዳ ዝናን-ባህታን፣ ጥዑም ፋታ ስለዝጋበዝኩ ዘይኮነ’ሲ፣ ጽቡቕቲ ቤት ቁርሲ ስለሓበርኩ ኣመስጊኑኒ ማለት’ዩ። …..ትሰምዒዶ’ለኺ ኣስመራ?  …. ሙሶሊንስ ደሓን በዓል ርሑቕ’ዩ መንግስቱ ኣብ ዚምባብወ ኮይኑ ደሃይኪ እንተዝሰምዕ’ሲ እንታይኮን ምበለ? …  (ክቕጽል’ዩ)

ራህዋን ቅሳነትን ንህዝቢ ኤርትራ!

ዳንኤል ተስፋዮውሃንስ።

Ewandt54@gmail.com

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT