Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዝክሪ ንግዳያት ላምፐዱሳ: ኣብ በሊንዞና ካንቶን ትችኖ ወይ ሉጋኖ ከባቢኣን: ሃገር ስዊዘርላንድ

ዝክሪ ንግዳያት ላምፐዱሳ   ኣብ በሊንዞና ካንቶን ትችኖ ወይ ሉጋኖ ከባቢኣን    ሃገር ስዊዘርላንድ ንዝክሪ ብ03.10.2013 ግዳያት የሕዋትና ኣብ ላምፐዱሳ ዝኮኑ ናይ ቦክሪ ዓመት ብዕለት 03-10-2014 ኣብ ከተማ በሊንዞና ካንቶን ትችኖ ወይ ሉጋኖን ከባቢኣን ሃገር ስዊዘርላንድ

ዝክሪ ንግዳያት ላምፐዱሳ

  ኣብ በሊንዞና ካንቶን ትችኖ ወይ ሉጋኖ ከባቢኣን

   ሃገር ስዊዘርላንድ

ንዝክሪ ብ03.10.2013 ግዳያት የሕዋትና ኣብ ላምፐዱሳ ዝኮኑ ናይ ቦክሪ ዓመት ብዕለት 03-10-2014 ኣብ ከተማ በሊንዞና ካንቶን ትችኖ ወይ ሉጋኖን ከባቢኣን ሃገር ስዊዘርላንድ ፣ካብ ሰዓት 17.30 – 20.30 ናይ ምሸት፣ ምስ ዝተፈላለዩ ሕብረተሰብ ኤረትራን፣ ሕብረተሰብ ኣፍሪቃውያንን ፣ኤውሮፓውያንን ሓቢሮም ፣ ብመራሕቲ ሃይማኖታት ክርስትናን ፣ ምስልምናን ዝተረከብሉ ጸሎተ ፍትሓት ተገሩሎም።

ኩሉ ተሳታፋይ ሽምዓ ብምዉላዕን ፍዮሪ ብምቅማጥን ንኩሎም ኣብ ዝተፈላለየ ቦታን ጊዜን ዝዓረፉ የሕዋትና ፈጣሪ ኣብ መንግስቱ ይቀበሎም እናበሉ ብልቢ ዘኪሮሞም ኣምስዮም። ኣብቲ ዝክሪ ንስድራቤት ግዳያትን ንመላእ ህዝቢ ኤረትራን ጽንዓት ይሃብኩም ኢሎም። ኩሎም ማሕበር ደለይቲ ፍትሕን ሰላምን ንኤረትራ ፣ነበርቲ ካንቶን ትቺኖ ወይ ሉጋኖን ከባቢኣን ሃገር ስዊዘርላንድ።

ከምኡዉን ብተመሳሳሊ ኣብ ካንቶን ኣርጋው ወይ ኣሮው ተዘኪሩ ከምዝወዓለ ይፍለጥ።               

        ከም ዝፍለጥ ዝጠፍኡን ዝሃለቁን ኤርትራዊ ያን ብዙሓት እካ እንተኾኑ፤ ግዳያት ላምፓዱሳ ግን ኣብ ኣፍደገ ዓለም ስለ ዝኾነ እቲ ዝኽሪ ካብ ኤርትራውነት ናብ ዓለምለካውነት  ተሰጋጊሩ። እንተኾነ ንሕና ኤርትራውያን  እንዝክረሎም ካልእ ምኽንያት ውን ኣሎ። ሬሳ ኣፍኒና ከይንቀብጽ ሓመድ ኣዳም ዘይተኻዕዎም  ሳንዱቕ ተሰኪምና ንነብር ኣሎና። ምናልባት ነቶም ኣብ ርእሲ ሬሳ ዝስዕስዑ ኣይንታዮምን እካ እንተኮኑ፣ ንዓና ነቶም ኣብ ዝባና ጸርኖዮም ዘለና  ግን ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ዓመት ዘይኮነስ ምስ ደምና ዝተሓወሰ ዝኽሪ እዩ። ንሰብ ክንደይ ዝኣክል መሬት እዩ ዘድልዮ እትብል ሕቶ  ክንዲ ዝተባህለ እንተተባህለ ኣብ መወዳእታ ክልተ ሜትሮ ዝብል መልሲ ኣለዋ። ንሰብ ክልተ ሜትሮ ዝኣክል መሬት እዩ ዘድልዮ። እንተኾነ እቶም ሰብ ጉልትን-ርስትን ክልተ ሜትሮ ተኸሊኦም ጾር ኮይኖምና ኣለዉ። ስለዚ ተሓጋጊዝና  ካብቲ  ንቪላን ሰርቪስን ንምስራሕ ንጋየየሉ ዘሎና ቦታ ኣቀዲምና ከም ንቡር ሓመድ ኣዳም ንክረክቡ ኣፈኛታት ንኩኖም። እቲ ዘድልዮም መሬት ብዙሕ ገዚፍ ኣይኮነን ኣሕዋት ፤እታ ንዓና ትኾነና ክልተ ሜትሮ ግድፍ ኣቢልና እንተውሃብናዮም  ፈጣሪ ዝፈትዎ ተግባር እዩ። ምኽንያቱ ንሕና ሰባት ኢና፤ ሞት መፈጸምታና፤ ክልተ ሜትሮ ሰፈርና። ስለዚ ሰብን  ዕንጸይትን ደቂ ሓመድ ስለ ዝኾኑ ናብ ሓመዶም ይምለሱ።  ኣብ ሳንዱቕ ዕንጸይቲ ዝርከቡ ሬሳታት ኣለዉና። ሓመድ  ኣዳም ይናፍቑ   ኣለዉሞ ኣብ ሓመዶም ንምለሶም ።

 

ማሕበረኮም ኤረትራ ካንቶን ትቺኖ ወይ ሉጋኖን ከባቢኣን ሃገር ስዊዘርላንድ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT