Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ፡ ድምጽኻ ናብ ማዕበል ተመሊሱ `ሎ `ሞ፡ ልቦናኻ ናብ ልቡ ይመለስ!! – መኽፈቲ ዳግመ ምጅማር ፈነወ ኣሰና ናብ ኤርትራ

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ ድምጽኻ ናብ ማዕበል ተመሊሱ `ሎ `ሞ፡ ልቦናኻ ናብ ልቡ ይመለስ!!   እታ ን10 ዓመት፡ ዓምጽን ውዲትን ናይቲ ማህጸን ለዋሃት ኣዴታትካ ንዘፍረዮም ጀጋኑ ሓዚሉ ኣብ ዘዕበየ ዝባንካ ሸይሸይ ዝብል ዘሎ እኩይ ምልካዊ ስርዓት ብምቅላዕ፡ ንኣውያትካ ካብ ትሕቲ

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ

ድምጽኻ ናብ ማዕበል ተመሊሱ `ሎ `ሞ፡

ልቦናኻ ናብ ልቡ ይመለስ!!

 

እታ ን10 ዓመት፡ ዓምጽን ውዲትን ናይቲ ማህጸን ለዋሃት ኣዴታትካ ንዘፍረዮም ጀጋኑ ሓዚሉ ኣብ ዘዕበየ ዝባንካ ሸይሸይ ዝብል ዘሎ እኩይ ምልካዊ ስርዓት ብምቅላዕ፡ ንኣውያትካ ካብ ትሕቲ መሬትን ዕምቆት ባሕርን ኣውጺኣ ኣብ ኣየርን ሰማይን ዘቃልሐት፡ ድምጽኻ ድምጺ ውጹዕ ህዝቢ ዝኾነት ኣሰና፡ ድሕሪ ሓጺር መኻልፍ፡ ሳላ ደገፍ ውሑዳትን ርቡሓትን ኤርትራውያን ሰብ ሕልና፡ ብኣጋጣሚ መበል 27 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፡ ኣብ ባሕቲ ናይታ ወቕቲ ናጽነት ዝኾነት ወርሒ ግንቦት ተመሊሳትካ ኣላ`ሞ፡ ደስ ይበልካ!

ኣብዚ ማንም ሰብ ብ ሞባይል ቴለፎኑ፡ ካብ ክሽኒኡ ምስ ህዝቢ ዓለም ክራኸበሉ ዝኽእል ዘበነ ኢንተርነት፡ ፈነወ ራድዮ ምክያድ ዓቢ ብስራት ክኾነካ ኣይምተገብአን። እንተኾነ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ግብ ዝበለ ድቕድቕ ጸላም ክትነብር ዝፈረደካ ሓሳድን ድሑርን ስርዓት፡ ከም ዓለምካ ኣብዚ ዘበን `ዚ ስለዘየለኻ፡ የግዲ፡ ንዓኻ ብስራት ኮይኑ `ሎ። ግዳ ኣጆኻ፡ እቲ ካላንደር ክቕየር እዩ። ምስ ዓለምካ እትቖጽረሉ ግዜ ክመጽእ፡ ክወግሕ እዩ!

ድምጽኻ ድምጺ ኣሰና፡ ንኣውያትካን ቃንዛኻን ናብ ደበላን መኸተን ቀይራ፡ ነቲ ሎሚ ክፋእ ግብሩ ድቃስ ከሊኡዎ፡ ርእሰ-ተኣማንነት ኣጥፊኡ፡ ሓንሳብ ዓዲ ሃሎ ሓንሳብ ገልዓሎ እናተሓብአ ዝሓደር ዘሎ ደባይ-ፕረዚደንት፡ ከም ኢዱ እንተኾይኑሉ ከም ቀዛፊ ዘርከሶ መሬት ንምቕባሩ፡ እንተቕሊሉሉ ድማ ከም መንግስቱ ናብ ዓዲ ጓና ንምብራሩ፡ እግሪ እግሩ ኣብ እትገብሮ ሃድን ሓርነት፡ ጎኒጎንኻ ከም ጭጒራፍ ኣብ ጉንዲ እዝኑ ጠቓዕ-ጠቓዕ እናበለት፡ ካብቲ ጀሚሩዎ ዘሎ `ህድማ ንቕድሚት` ንሓዋሩ ከምዘይምለስ ኣብ ምግባር ውሻል ክትኮነካ እያ።

ርግጽ እዩ፡ ኣብ ዘበን `ዚ ሰራም ኣራዊታዊ ስርዓት፡ `ዘይተሰምዐ እምበር ዘይተገብረ የልቦን`። ስለዚ፡ ራህዋ ሰፊኑ፡ ሓመድን ማይን ኤርትራ ረጊኦም ምስ ሰብ ሞያ ቅርስታትን ተመራመርቲ ታሪኽን ምዝርራብ ክሳብ ዝጅምሩ፡ ደጊም ምስጢሩን ውዲቱን ኩሉ ተቓሊዑ `ዩ ክብሃል ኣይከኣልን። እንተኾነ፡ እቲ ድሮ ተቓሊዑን ወጺኡን ዘሎ፡ ኣብ ዘበነ ባዕዳውያን ገዛእቲ ካብ ዝረኣኻዮ ጽያፋት `ኳ ብዕጽፍጻ ዝኸፍእ እኪተ ተግባርን ጉድን፡ `ደጊም ይኣክል!` ኣቢሉ ናብ ለውጥን ፍታሕን ክድርኸኻ እኹል እዩ። ድምጺ ኣሰና ኸኣ፡ ናይ ምስናድ ስራሓ ከየቋረጸት፡ ብዝያዳ ኣብቲ ናይ ፍታሕ ዕማም ኣድሂባ፡ ኣብ መድረኽ መኸተኻ መልሓስ ቀስትኻ ኮይና ከተገልግለካ ካብ ቀደም ንላዕሊ ብዝሓየለ ድልዉነት ተዓጢቓ`ላ።

ከምዚ ድሮ ዝኣመትናዮ፡ ድሕሪ ብዙሕ ምድህላልን ሕደግትን ነግፈረግን፡ ኣብዚ እዋን`ዚ፡ ነቶም ብጠቕሚ ዝተዓሸዉ፡ ፈሊጦም ዝደቀሱ ውሑዳት ገዲፍካ፡ ዘይለበመ፡ ለውጢ ዘይደሊ ኤርትራዊ ኣሎ ክብሃል ኣይክእልን። እንተኾነ፡ ብኣንጻር ተመክሮ ሓርነታዊ ቃልስና፡ ኣብዚ ናይ ዲሞክራስያዊ ለውጢ መስርሕ፡  ሕመረት ዕላማና እንታይ ምዃኑ ኣጸጺና፡ ከምታ `ናጽነት` እትብል ቃል፡ ብልጭ ዝበለ ዕላማ ኮይኑ ኣብ ስነኣእምሮ ህዝቢ ስለዘይሰረጸ፡ ነቲ ለውጢ ኩሉ እናደለዮ፡ ኣብቲ ዝድለ ለውጢ ናይ ሓሳብ ሓድነት ኣይጸንሐን ክብሃል ይከኣል። እዚ ድማ፡ ኣብቲ ኣብ ህዝብና ዘሎ ወሪዱ ዘሎ ምድንጋርን ኣእምሮኣዊ ቀውስን፡ ከም መናውሒ ዕድመ ስልጣን ናይቲ ምልካዊ ስርዓት ኮይኖም ካብ ዘገልግሉ ዘለዉ ረቛሕቲ ሓደ ኮይኑ ጸኒሑ ኣሎ።

ስለዚ፡ ከም ህዝቢ ኣንፈትና ናብ ሓደ መኣዝን ንምቕናዕ፡ ነቲ ኣብ ኢድና ኸሎ ዝጠፍኣና ዕላማ ትግባረ ቅዋም ምጒላሕ ሓደ ካብ ኣውራ ቀዳምነታት ኣሰና ክኸውን እዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቃል ኣሰና `ምልኪ ይፍረስ፡ ሕጊ ይንገስ!` ምባልና፡ ነዚ ዝእምት `ኳ እንተነበረ፡ ካብ ሓፈሻዊ ኣመት ሓሊፉ ብትኽረት ደጋጊምና ወቒርናዮ ክብሃል ኣይከኣልን።

እቶም ኣብ 2001ን ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ዝተንቀሳቐሱ ሚኒስተራትን ኣባላት ባይቶን ይኹኑ ወዲ ዓልን ብጾቱን ኣብ ስርሒት ፎርቶ ዘልዓሉዎ ጭርሖ ትግባረ ቅዋም `ኳ እንተነበረ፡ ህዝባዊ ርእይቶ ኮይኑ ኣብ ዕምቆት ስነ ልቦና ህዝብና ብምእታው፡ ከምቲ ናይ ግዜ ናጽነት ክሳብ መስዋእቲ ህይወት ዘበጋግስ ሓይሊ ከመንጩ ኣይከኣለን። እቶም ምንቅስቓሳት ተተወሊዖም ዝጠፍኡሉ ምኽንያት ብምሉኡ እዚ ኳ እንተዘይኮነ፡ እጃም ከምዝነበሮ ዝከሓድ ኣይኮነን። እወ፡ ኣእምሮ ከይተዓጥቀ፡ ኢድ ክዓጥቕ ኣይክእልን`ዩ። ኣሰና ኸኣ፡ ነዚ ንነዊሕ ዓመታት ዘካየደቶ ናይ ምንቕቓሕ ዕማም፡ ኣብ ትግባረ ቕዋም ኣተኲራ ብዝለዓለ ክትሰርሓሉ እያ።

እዚ፡ ኣንፈትን መኣዝንን ንምትሓዝ እንጠቕሶ ዘለና ርእሰ ነገር ድኣ `ዩ `ምበር ካብዚ ዳግማይ ፈነወ ናይ ምጅማር ኣጋጣሚ ወጻኢ ኣብ ዝቕጽሉ እዋናት ብዛዕባ ኣድላይነት ቅዋም ከምዕላማ ሰፊሕ ትንታነ ናይ ምግባር ዕድል ኣሎ።

ንግዚኡ ግን፡ ካብ ኩሉ `ቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝሓቶ ዘሎ፡ ናይ መሰልን ሓርነትን፡ ናይ ሕግን ፍትሕን ሕቶታት፡ እቲ ሃገራዊ ቅዋም ዘይምልሶ ዋላ ሓደ ነገር ከምዘየልቦ ጠቒስካ ምሕላፍ ጥራይ ይኣክል።

ኢሳይያስ፡ ምልካዊ ምሕደራኡን ትግባረ ቅዋምን ሓውን ሓሰርን ምዃኖም ስለዝፈለጠ ኸኣ `ዩ፡ ብቐደሙ፡ ኣብ ዘይተጸበኻዮ ኲናትን ዕግርግርን ኣእትዩ ካብ ትግባሪኡ መምለጢ ዝኾኖ ጥበብ ድዉያት ዝምሃዘ፡ ብድሕሪኡ ድማ፡ ተገቲሩ `ቅዋም ሞይቱ `ዩ` ዝበለ።  ሕጂ ግን ንሕና ከም ህዝቢ፡ `ንስኻ ደኣምበር ቅዋም ኣይሞተን!` ብምባል፡ ነቲ ሽዑ `ውን ክንብሎ ዝነበረና፡ ብዓውታን ቀጻልነትን ክንብሎ ኣለና። ከምቲ ንናጽነት ብቕድድም ዝተሰዋእና፡ ናይ ሕጂ መስዋእትነና ምእንቲ ትግባረ ቅዋም ክኸውን ኣለዎ።

እዚ ዕላማ`ዚ ኣርእስቲ ሓተታትን ጭርሖን ጥራይ ክኸውን ግን የብሉን። ናብ ተግባር ዝቕይር ሓይሊ ክፈጥር ኣለዎ። እዛ ዓመት`ዚኣ ፍትሒ ክትወልድ፡ እታ እትመጽእ ጉንበት 2019 ድርብ ብዓል ክትከውን ኣለዋ። ፍርሒ ኣወጊድና ትብዓት እንተተዓጢቕና፡ ምጽብባይን ምግድዳዕን ገዲፍና እንተተወፊና፡ ነገርና ዘይነሕጽረሉ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የልቦን።

እንታይ ኢኻ `ሞ ክትድገም፡ ኣንታ ሓጹር ዘይብሉ ግራት ናይቲ ስልጣን ገቢቱ ሃጸይ ኢሳይያስ ክብሃል፡ ኣብ ዓዲ ኣብ ትሕቲ ኣንደር ግራውንድ ድሂኹ ናብ ስደት ፋሕ ጭንግራሕ ኣቢሉ ዝበታትነካ ዘሎ፡ ስምካ ካብ `ጅግና` ተኸባሪ፡ ናብ `ውጹዕ` መደንገጺ ተቐይሩ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ!

እታ ንብዓል ወዲ ፈንቅል ሳልሕ ጠጠው፡ በርሀ ጻዕዳ ዝወለደት ሃገር፡ መጻወቲ ማንኪ፡ ክሻ፡ ቻርሊ ኮይና ክተርፍሲ ልብኻ ኣየንቀጥቅጥን ዶ!? እቲ ናይ ሰማይን ምድርን ፍልልይ ዘለዎ ተግባሮምን ጅግንነቶምን `ሞ ግደፎ፡ ስሞም ጥራይ ኳ እንተኣዋዳዲርካዮ፡ ክሳብ ክንደይ ሓሲርካን ተዋሪድካን ከምዘለኻ ክስቆረካ እዩ።

ካብቲ ነዞም ጀጋኑ ወሊዱ ክንሱ፡ ጅግንነቶም ብማዕዶ ዝሰምዖ ሓፋሽ ንላዕሊ ዘሕዝን ግን፡ ናይቶም፡ ምስ ብዓል ወዲ ፈንቀል፡ ሳልሕ ጠጠው፡ ሂላል፡ በርሀ ጻዕዳ፡ ኣብ ዓውዲ ኲናት ውዒልኩም ብዕድል ናጽነት ዝረኣኹም፡ ምእዙዛት ተለኣኣኽቲ ናይዞም መሓዮታት ኢሳይያስ ዝኾኑ ማንኪ፡ ክሻን ቻርልን ኮይንኩም ክተርፉ ዝተረገምኩም ናይ ሽሙ ጀነራላትን ኮለኔላትን እዩ። መፍትሕ ኣብ ኢድኩም ማዕጾ ኣብ ቅድሜኹም፡ በትሪ ኣብ ኢድኩም ተመን ኣብ እግርኹም ከሎ፡ ንሱ ብ 10 ዓመት ዝዓብየኩም ክንሱ፡ ገሌኹም ተሰሚምኩም ገሌኹም ጒሂኹም መዓልቲ መዓልቲ ናብ መቓብር ሓርበኛታት ክትጓረቱ ትውዕሉ ኣለኹም። መካነ መቓብርኩም ብናይ ሓርበኛታት እንተተጸውዐ፡ ምስቶም ስለ ናጽነት ዝተበጀዉ ሓርበኛታት ትራኸቡ ግን ኣይምሰልኩም።

ዘክሩ፡ ከምቲ ኣብ ውልቃዊ ዕላልና፡ ሓደ መዘናኹም ስንኩል ተጋዳላይ ዝበሎ፡ ኢሳይያስ ኣብ መቓብርኩም ዕንባባ ዘውድቐልኩም ዘሎ፡ ሞትኩም ስለዘሕዘኖ ዘይኮነስ ስለ ዘሐጎሶ እዩ። ንስኻትኩም፡ እቲ ናይ ሓጎስ ዕንባባ ናይ ሓዘን ዕንባባ መሲሉኩም፡ ናይ ኮለኔል ኩስቶ ዓብያ ንኢሳ፡ ደሚቓ ሃሲሳ እናበልኩም፡ ኢሳይያስ ኣብ መቓብርኩም ብዛዕባ ዘውድቖ ፍዮሪ ክትመራመሩ ድቃስ ስኢንኩም ካብ ትሓድሩ፡ ነቲ ዳንዴር ሃገር ኮይኑ ዘሎ ውልቀመላኺ በንቊስኩም፡ ነቶም ደቅኹም ዝወለዱዎም ዕምባባታት ሃገር ጸባ እተስትዩሉ ብልሓት ክትምህዙ እዩ ድቃስ ክትስእኑ ዝግባኣኩም።

ብውሑዱ ብህይወት ከለኹም፡ ከምዚ ዘለኹሞ ብቐትሩ ድቃስ እንተቐጺልኩም ግን፡ እቶም ኣብ ወጻኢ ኣብ ዕጹው ኣዳራሽ ንዝኣከቡዎም ቆልዑ፡ `ኢሳይያስ እንተዘይነበር ናጽነት ኣይምመጽአትን` እናበሉ ብሓሶትን ውስለታን ጻዕዳ ሓንጎሎም እናሓጸቡ፡ ነቲ ምስ መዛኑኹም ዝወዓልኩሙሉ ቕያ ብደውኩም  ዝህግሩኹም ዘለዉ ብዓል ማንኪ፡ ጽባሕ `ኣብርሃም ኣፈወርቂ ወራስ ዓራት` ኮይኑ ኢሎም ኣብ እዝንኹም ከምዝእውጁ ፍሉጥ እዩ። ስለዚ፡ `ይኽደነና` ምባል ገዲፍኩም፡ ንዕላማኹም ብትግባረ ቅዋም ቃኒኹም፡ ሕልናኹምን ህዝብኹምን ንምድሓን ክትዕጠቑ፡ ክትበራበሩ ይግባእ።

እቲ ብምስጢርን ሓሶትን ንተጋዳላይን ህዝብን ን 50 ዓመታት ዘደናገረ ኢስይያስ፡ ሎሚ እኩይ ተግባራቱ ተቓሊዑ ጥራዩ ወጺኡ፡ ህዝቢ `ውን ለቢሙን ነቒሑን ስለዘሎ፡ ሓቦ ጥራይ ግበሩ እምበር፡ ጽላሎት ጅግንነት ቀደምኩም ጥራይ ክኣኽሎ እዩ።

ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ብዓቢኡ፡ ፍርሕን ራዕድን ኣወጊድድካ፡ ፈላላዪ ሜላ ስርዓት ኢሳይያስ ብምፍንጣስ፡ ኣጻብዕትኻ ጥራይ ንእተሕልፍ ነቓዕ ርእስኻ ኣእቲኻ እምባሕ እናበልካ ዕድሚኡ ንምሕጻር ድሉው ኩን። ሎሚ፡ ብዓመታት ዘይኮነ ብኣዋርሕ ኢኻ ክትቆጽር ዘለካ። እቲ ምንታይ`ሲ፡ እዚ ምስ ዓቄቶቱ ንምብትታን ህዝቢ ኤርትራ ስርሐይ ኢሉ ተተሓሒዙዎ ዘሎ ኢሳይያስ ሓንቲ ዓመት ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ከሎ፡ ብሓምሽተ ዕጽፊ ኣርሒቕካ ትጠፍእ ስለዘለኻ። ንህጹጽነት ሃለዋትካን ቀጻልነትካን ብምግንዛብ እምብኣር፡ ካብ ካልእ ከይተጸበኻ ንጉዳይካ ባዕልኻ ኣመሓድሮ። ንሕና እዞም ሰብ ማዕዶ ድምጺ ደኣ `ምበር በትሪ ክንኮነካ ኣይንኽእልን ኢና። እቲ በትሪ ኣብ ኢድካ እቲ ተመን ኣብ እግርኻ እዩ ዘሎ። ነብስኻ እንተሓጊዝካ፡ ኣምላኽ ክሕግዘካ እዩ። ኣብ ምንታይ ክወድቕ `የ ኢልካ ሰንፈላል ኣይትኹን። ባዕልኻ ዘጽደቕካዮ ሃገራዊ ቅዋም ኣሎካ። ቅዋምካ ተኺልካ ፍትሒ ኣውጅ። ማእሰርቲ ምልኪ ፈንጢስካ ሓራ ህዝቢ ክትከውን፡ `ቅዋም ዝቐተለ ይሙት` ኢልካ ንሕዛእቲ ምልኪ ጠሓሕሶ`ሞ፡ ፍትሕኻ ብኡ ንብኡ ጠጢዑ ክልምልም፡ ሓበን ክትለብስ ኢኻ።

ኣጆኻ ኣብ ጎንኻ ኣለና፡ ብሩኽ ምጅማር ይግበረልና!

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!!

ኣማኑኤል ኢያሱ

1 ግንቦት 2018
Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT