Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዝኽሪ ስዉእ ተጋዳላይ ማሕሙድ እስማዒል ኣብ ስቶክሆልም – ሽወደን

ዓቢ ሃገራዊ ተቓላሳይ ማሕሙድ እስማዒል ኣልሓጅ ብሮቡዕ ዕለት 10/02/2016 ኣብ ከተማ ሎንዶን ካብ’ዛ ዓለም ብመስዋእቲ ተፈሊዩና። ስዉእ ማሕሙድ እስማዒል ዳርጋ ዕድሚኡ ብምሉኡ ምእንቲ ህዝቡን ሃገሩን ዝተቓለሰ ሓርበኛ ኢዩ ነይሩ። ካብ’ዚ ብምብጋስ ከኣ፣ ንሰንበት ዕለት 28/02/2016

ዓቢ ሃገራዊ ተቓላሳይ ማሕሙድ እስማዒል ኣልሓጅ ብሮቡዕ ዕለት 10/02/2016 ኣብ ከተማ ሎንዶን ካብ’ዛ ዓለም ብመስዋእቲ ተፈሊዩና። ስዉእ ማሕሙድ እስማዒል ዳርጋ ዕድሚኡ ብምሉኡ ምእንቲ ህዝቡን ሃገሩን ዝተቓለሰ ሓርበኛ ኢዩ ነይሩ። ካብ’ዚ ብምብጋስ ከኣ፣ ንሰንበት ዕለት 28/02/2016 ኣብ ከተማ ስቶክሆልም – ሽወደን፣ ቃልሱን ተመክርኡን ሓቢርና ንምዝካር መደብ ሰሪዕና ምህላውና ብምሕባር ወከልትን ኣባላትን ፖሊቲካዊ ሓይልታትን በርጌሳዊ ማሕበራትን ከምኡ’ውን ኩሉ ግዱስ ሃገራውን ኣብ’ዚ ኣጋጣሚ’ዚ ክሳተፍ ብኽብሪ ንዕድም።

ቦታ Kista träff

ግዜ፡ ካብ ሰዓት 14,00 ክሳብ ሰዓት 18,00

ብድሓን ምጹ !!

ኣዳለውቲ መደብ

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • AHMED SALEH !!! February 23, 2016

    Unbelievable occurrence in Eritrean history where patriots who dedicated
    entire life for the country they love find themselves refugee in foreign land and forbidden to rest their final days in peace at birth place .
    Nobody is immune from death but we as society lost our integrity .

  • k.tewolde February 24, 2016

    Mahmuday,say hello for us to our young comrades, that is how we remember them,we will reunite in the near future, so long dear friend.

  • tslima enda Meresani February 24, 2016

    RIP in peace Mahmuday we loss a strong genuine Eritrean fighter for change.

  • rip February 24, 2016

    RIP fighter. This is yet another sad story where a person who paid dearly for the country dies a refugee and is buried there.
    The mafia regime has no respect for the Eritrean people the fighters with different opinion.
    The real Eritrean are ending up in prison containers and the rest are dying in exile , and that is really sad.

  • Berhe Tensea February 24, 2016

    It is as always very sad to see another fighter being buried outside the country while spending years in exile.
    When is this cruel dictatorship going to end?
    RIP

  • Haile Tensae February 27, 2016

    ተጋዳልይ ማሕሙድ እስማዒ ዕድሚኡ ሙሉእ ኣብ ሃገራዊ ተጋድሎ
    ዘሕለፈ ስውእ ተጋዳላይ ኤርትራ እዪ። ሃገርካ ሓራ ንኽትወጽ ካብ መግዛእቲ ተበጂኻን ደኺምካን: ሃገርካ ዝሓተትካ ፈጺምካ።
    እቲ ዝመረረን: ዘሕዝንን: ዘስደምምን: ግና ኤርይራዊ ምኻን እዪ።
    ዕድሜኡ ምሉእ ንዝተቃለሰ: እሞ! ብዘይ ተጉላባ: ጽንዓትን: ጅግንነትን: ደኸመኒ ከይበለ ዝገብሮ ዝነበረ: ኣብ ጅዳ: ስዑዲ ዓረብ ዝርኤኽዎን ዝምስክረሉን እዪ።
    ታሪኽ ጀጋኑ ተጋደልትና ጽብጺብካ ዘይውዳ : ከም ፈልፋሊን: ወሓዚ ዘይነጽፍ ፈለግ ስለ ዝኾነ:ዘርዚርካ ኣይውዳእን እይሞ:
    ኣሰር ጀጋኑና ንኽስዕቡ መናእሰይ ኤርትራ እና ኣማሕጸንኩ:
    ንሓውናን: ብጻይናን ስውእ ምሕሙድ ብሰላም ዕረፍ: ኣምላኽ ይቅበልካ። ንስድራቤትን ፈተውትን ጽንዓት ይሃብኩም።
    ተኻፋሊ ሓዘን
    ሃይለ ገብረ ትንሳኤ
    ዘብሄረ ሰራየ
    ኢንድያናፖሊድ ኢንፍያና

  • Habtegiorgis ABRAHA February 27, 2016

    ስዉእ ሃገራዊ ተጋ/ ማሕሙድ እስማዔል፡
    ሓው ማሕሙድ እስማዔል፡ ሓደ ካብቶም ንነዊሕ ዓመታት፡ ዳርጋ ዕድሜኡ ምሉእ ኪብሃል ይክኣል፡ ካብ ቅድሚ ሃገራዊ ብረታዊ ቃልሲ ጀሚሩ – ኣባል ሓረካ (ማሕበር ሸውዓተ) – ክሳብ ሃገራዊ ናጽነት (ኣባል ተ.ሓ.ኤ)ንሃገሩን ህዝቡን ህይወቱ ዝቐረበ ኤርትራዊ ኢዩ፡፡

    ሞት ናይ ኩሉ ፍጡር ዘይትተርፍ ምዕራፍ’ኳ ትኹን’ምበር፡ ‘ፋኖን ተሰማራ … … እንደ ቸ. ጉቨራ … … ‘ቤት ማእሰርትን መደበራት ጦር ሰራዊትን ናብ ሆስፒታላትን ዩኒቨርሲታትን ክንቅይሮ ኢና’፣ … … ዝተጨርሓላን ማእለያ ዘይብሎም መንእሰያት ብጾትካ ዝተሰውኡላን ንእስነትካ ዝበለኻላን ሃገራዊ ቃልሲ፡ “ሃገራዊ ናጽነት” ኣብ ዝተጨበጠሉ ጊዜ፡ ሃገር ናይ ንጹህ ህዝባ መቓብርን ናይ ዜጋታታ ናይ ዚብሃግ ሕልምታት ከንቱ ተስፋ ኣብ ዝኰነትሉ፡ ናይ መንፈስ ቁስልን በሰላን ጾይርካ ካብዛ ዓለም ምፍልላይ ግን ንህሉዋት ቃንዛኡ ከቢድ ኢዩ፡፡

    ሓደ ይሓልፍ፤ ካልኦት ይስዕቡ፤ ምቕባሉን ምልማዱን ‘ዶ ንስእን ኣሎና? መልክዓት ሃገራዊ ቃልሲ ብዙሕ ኢዩ፤ ሓደ ካብኡ ፡ ታሪኽ ህዝብናን ጀጋኑኡን ምስናድ! እዚ ስራሕ’ዚ ግን ጊዜን ግደይ፣ ጊደኻ/ኺን ዝሓትት ምዃኑ ጽቡቕ ጌሩ እናተሰቈረና ክነሱ፡ ብተግባር ዕምሩ ዘሕጽር ጒዕዞ ዝኽየድ ዘሎ ይመስል! ብኣብነት ንምንጻሩ፡ ስውእ ኣብርሃም ተኽለ፣ ስውእ ስዩም ሓረስታይ፣ ስውእ ማሕሙድ እስማዔል፣ … … ድሕሪ መስዋእቶም ታሪኾም እምበር፡ ኣብ ምስናዱ ኣበርክቶ ኪህብሉ ዘኽእል ኩነታት ኣይኰነን፡፡
    እነርክበሉ ኪመስሎናን ሓቢርና ከይተቐንዘናሉን ከይቈዘምናሉን ጊዜ ይሓልፍ ስለ ዘሎ ካኣ ናይ ህይወት ምረት ኩሉ ሳብ ከይተሓደሰና ኣይተረፈን!!!

    ማሕሙድ እስማዔል፡ ኣብ ፖሊትካዊ ኣረኣእያኡን ተር ኡን ልዙብ ሃገራዊ ተቓላሳይ ኢዩ ነይሩ፡፡ ከምቲ ንብዙሓት ሃገራዊያን ዘጋጥም ዝነበረ፡ ኣባል ሓራካ ነይሩ ናብ ተሓኤ ተሰሊፉ ሃገራዊ ግደኡ ከበርክት ምንም ጸገም ኣይፈጠረሉን፡፡ ኣበርክቶኡ ካኣ ኩሉ ጊዜ ዝንኣድ ነበረ፡፡ ኣብ ታሪኽ ብረታዊ ቃልስና፡ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ስራሕቲ፡ ማሕሙድ እስማዔል ሓደ ካብቶም ብቐዳምነት ዝስርዑ ዝነበሩ ኤርትራዊያን ነበረ፡፡ ኣብ ናይ ወጻኢ ጉዳያት ስራሕቲ ተ.ሓ.ኤ (ጀብሃ ዓባይ)፡ ስሙን ቤት ጽሕፈቱን ካብተን ብኣሳልጦታተንን ኣበርክቶአንን ኣዝየን ውሩያት ባእታታት ነበራ፡፡ ዲፕሎማሲያዊ ክብደት ቤት ጽሕፈት ተ.ሓ.ኤ ኣብ ዒራቕ፣ ቤት ጽሕፈት ተ.ሓ.ኤ ኣብ ሳዑዲ ዓረብ ካብ ክእለታትን ተወፋይነትን ተጋዳላይ ማሕሙድ እስማዔል ወጻኢ ዝግለጽ ኣይነበረን፡፡

    ከምቲ ኣብ ባህልታትና፡ ‘እትኣምኖ ልኢኽካስ እንታይ ተረፈኒ ኣይትበል’ ዝብሃል: ብኣብነታት ዝግለጽ ንጹህን ልዙብን ሃገራዊ ተቓላሳይ ነበረ፡፡

    ኣብ ሃገራዊ ብረታዊ ቃልስና፡ ቀጥታዊ ኣፍልጦይ ንማሕሙድ እስማዔል ሓጺርን ሳሕትን ኢዩ፡፡ ቀዳማይ ሌላይ፡ ብ1977 ዓ.ም ሓላፊ ቤት/ጽ ተ.ሓ.ኤ ሮማ (ዓዲ ጥልያን)ተመዲበ ኣብ ዝነበርኩሉ ዓመት፤ ኣብቲ ጊዜቲ ኣብ ውሱን ኣጋጣሚታት ናይ ወጻ ኢ ጉዳያት ስራሕቲ ዘራኽበና ስለ ዝነበረ፡፡ ካልኣይ ጊዜ ካኣ ካብ 1980 ዓ.ም ክሳብ 1981 ዓ.ም ኣብ ምምሕዳር ቤት/ጽ ተ.ሓ.ኤ ካርቱም ተመዲበ ኣብ ዝነበርኩሉ ዓመታት፡፡ ኣብ ራሳይ ከይተረፈ’ውን ናይ ፖሊትካ እንካ ስላንቲያ ተባሃሂልና ኔርና፡፡

    ኣብ ውሽጣዊ ፖሊትካዊ መርገጻትና ካብቶም ዘይሳነ ጥርዝታት ዝጸመድና ውልቀሰባት ነበርና፡፡ ብዙሕ ጊዜ ተራኺብካ ውድባዊ ፖሊትካዊ ዕላል ጐሲኻ ንምሕላፍ ዝክኣል ግን ኣይነበረን፡፡ ኣድናቆተይን ክብረይን ነዚ ሃገራዊ ተቓላሳይ’ዚ እምብኣር ምስዚ ዘይቃዶ ዝነበረ ውሽጣዊ ፖሊትካዊ መርገጻትና ዝተተሓሓዘ ኢዩ፡፡ ማሕሙድ እስማዔል ኣብ መብዛሕትና ካድራት ዘይነበረ ሰብኣዊ ክብሪ ይውንን ነይሩ፡፡ ንሱ ድማ፡ ውድባዊ ፖሊትካዊ ዕላል ኣብዘይትረዳድኣሉ ጊዜ፡ ተኳሪኻን ተጻሪፍካን ምፍናው ልሙድ ጠባያት ዝነበረ ክነሱ፡ ምስ ማሕሙድ እስማዔል ግን ውድባዊ ፖሊትካዊ ዕላል ከፊትካ ‘ሞ ኣብዘትረዳድኣሉ ደረጃ፡ ብፍሽኽታን ስሓቕን ኢኻ እትፈናኖ፡፡ ዝለዓለ ነጸብራቕ ተሞክሮይ ምስ ማሕሙድ እስማዔል እምብኣር ፡ ካብ ብስለት ዲፕሎማሲያዊ ክእለቱ ዝፍልፍል: ኩሉ ጊዜ ካብ ሰብነቱ ዘይፍለዮ ዝነበረ ፍሽኽታን ስሓቕን ኢዩ፡፡

    እዚ ሰናይ መንፈስ’ዚ ካኣ ኣብ ሕልና ብዓልቲ ቤቱን ደቁን፣ ኣብ ሕልና ኩሉ ኤርትራዊ ‘ውን ንዘለኣለም ምሳና ኪነብር እምነ!

    መንግስተ ሰማያት ንሓውና ማሕሙድ እስማዔል!
    ጽንዓት ንብዓልቲ ቤቱን ደቁን፣ ቤተሰቡን ፈተውቱነን፣ ንህዝቢ ኤርትራን!

    ተጋ/ ነበር ሃብተጊዮርጊስ ኣብራሃ

POST A COMMENT