Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዝኽሪ ነደይ ጽገ – ደጎል ድራር

ኣዕዋፍ ዒላዒሮ ብረራ  መርድእ ንገራ ኣደ ጅግና ኣደ ድሩዕ ሓሊፋ በላ ጸበባ መግዛእቲ ዘየሰነፋ ኣርዑት ባዕዲ ክሳዳ ዘይዓጸፋ ኣደይ ጽገ ኣብቂዓ ኪዳና ኣጽኒዓ:: ሽኮ እግሩ ወዳ ክዘልል ድርፎ ርእሲ ዓዲ ክኾልል እናተራእያ ዝሓለፈ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ክድብል ብተስፋ ከተማዕዱ ኣዒንታ ቆሊዓ ሰሃሮ ኣሕሊፋ ነብሳ

ኣዕዋፍ ዒላዒሮ ብረራ  መርድእ ንገራ

ኣደ ጅግና ኣደ ድሩዕ ሓሊፋ በላ

ጸበባ መግዛእቲ ዘየሰነፋ

ኣርዑት ባዕዲ ክሳዳ ዘይዓጸፋ

ኣደይ ጽገ ኣብቂዓ ኪዳና ኣጽኒዓ::

ሽኮ እግሩ ወዳ ክዘልል

ድርፎ ርእሲ ዓዲ ክኾልል

እናተራእያ ዝሓለፈ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ክድብል

ብተስፋ ከተማዕዱ ኣዒንታ ቆሊዓ

ሰሃሮ ኣሕሊፋ ነብሳ ተበሊዓ

ኣደ ጅግና ተዋሪዳ ክልተሳብ ተራእያ

ተጠሊማ መብጽዓ ኣብ ቤታ ተጨውያ::

ብሩህ ወጅሃ ተደዊኑ ቀምሲሉ

ብሩኽ ማህጸና ደም ሰሪቡ ቆሲሉ

ወደይ እናበለት ተስፋ ስኢና ተደኒሳ

ልባ ተጠውዩ ስኢና ዝድብሳ ::

ኣየ ዘበን ኣካሒዳ ኣንጭዋ ንድሙ ክትሕንፍጦ

ኣንበሳ ክውጋእ ብወጠጦ ብተይ ንዝራብዕ ክሰጦ

ኣቤት ንበል ዘበን ክልውጦ

ጋኔን ክጽረግ ገበል ክውሕጦ::

22.02.2015

ዝኽሪ ነደይ ጽገ

ደጎል ድራር

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Berhe Domenico February 22, 2015

    Condolences to the family. This was a brave mother who led a strong, caring and committed family of jeganu.

  • Abisho February 23, 2015

    Condelences to the hero Mr.Haile Weldetinsae(Drue)families,you don’t needed sorrow or mourn, because of this Mother, is the Mother of Hero.Instead of sadness you have to proud of all the family.Haile Weldetinsae is the one who representative for all Eritreans voiceless, and he was the higher mind man. Haile we never ever forget you, all the time Inside all Eritreans heart,and your golden words were strengthened to us like sweet cake.
    CONDOLENCES TO ALL FAMILY HAILE HERO.

POST A COMMENT