Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዝወረዳ ኤርትራ! ህዝባ ናብ ሲናይ መሬታ ናብ “ወያናይ”

ዝወረዳ ኤርትራ! ህዝባ ናብ ሲናይ መሬታ ናብ “ወያናይ” ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ዝወርዶ ዘሎ ኣደራዕን ውርደትን መወከሲ መጻሕፍቲ ገበናት ሃሰስ ኢልካ ‘ውን መዳርግቲ ክትረኽበሉ ኣይትኽእልን። ካብዚ ኹሉ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ኢሳይያስ በዚ መጠን’ዚ ኣብ ልዕሊ

ዝወረዳ ኤርትራ!

ህዝባ ናብ ሲናይ መሬታ ናብ “ወያናይ”

ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ዝወርዶ ዘሎ ኣደራዕን ውርደትን መወከሲ መጻሕፍቲ ገበናት ሃሰስ ኢልካ ‘ውን መዳርግቲ ክትረኽበሉ ኣይትኽእልን። ካብዚ ኹሉ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ኢሳይያስ በዚ መጠን’ዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸሞ ጥፍኣት፡ እቲ ብቐሊሉ ዝእመን ተርእዮ ከኣ፡ ከምዚ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ዝተኸታተልኩሞ፡ ንወደብ ዓሰብ ንቐጠር ኣካርዩ (እንተሸጦ ‘ውን መን ዋና ኣለዎ) ብኢዳ ዙር ኢትዮጵያ ከምእትጥቀመሉ ንምግባር ብምስጢር ውዲት ይኣልም ምህላዉ ዝስማዕ ዘሎ ወረ እዩ። ምኽንያቱ፡ እቲ ብብድዐኡን ፈራዕርዑን ዘይዕጸፍ ክመስል ዝፍትን ኢሳይያስ፡ ብባህሪኡ ናይ ፖለቲካ ኣመንዝራነት ዝመለኸ መታለሊ እዩ።

ኣብዚ ከም መዘኻኸሪ ክጥቀስ ዘለዎ፡ እቲ ሕዳርያ ወረ ገና ሓቅነቱ ኣብ ባይታ ክረአ ዘለዎ ምዃኑ እዩ። ካብ ምስ ኮነ ብኣግኡ ህዝቢ ኪነቕሓሉ ስለዘለዎ ከም ተኽእሎ ወይ Scenario ኣስተብሂልካሉ ምጽናሕ ግን ዝጽላእ ኣይኮነን።

መራሕቲ ወይ ሰልፍታት፡ ንረብሓ ሃገር ኣብ ዘካይዱዎ ጻዕሪ ጌጋታት ይፍጽሙ እዮም። ሕልናኦም ንረብሓ ሃገሮምን ህዝቦምን ክሳብ ዝኾነ ድማ፡ ህዝቦም ንጉድለቶም ከም ንጹህ ጌጋ ጸብጺቡ ካብ መዝነት ካብ ምውራድ ዝዓቢ መቕጻዕቲ ኣይምነየሎምን። ንሶም ውን፡ ጌጋኦም ኣሚኖም፡ ንህዝቢ ይቕሬታ ሓቲቶም፡ ተኣማንነቶም ንምርግጋጽ እንደገና ኣብ ዝያዳ ዝዕሪ ብምውፋር፡ እሙን ኣገልግሎቶም ከወፍዩ ፖለቲካዊ ሪጋኦም ይጽበዩ። ብከምዚ ኸኣ፡ ርግኣት ዚዓሰሎ ሕብረተሰብ ይመርሑ።

ኢሳይያስ ግን ኣብዞም ጉጅለ እዚኣቶም ዚጽብጸብ ኣይኮነን። በንጻሩ፡ ሃገራዊ ማስኬራ ለቢሱ ሃገር ንምጥፋእ ዝተዓጥቀ፡ ብዘይካ ስልጣኑ ናይ ህዝቢ ሓልዮትን ድንጋጸን ዘይብሉ፡ ነዚ ስሱዕ ብሕታዊ ዕላማ ከርዊ ኣብ ዝገብሮ ናይ ተንኮልን ውዲትን ሃነፍነፍ ብጌጋ “ከምዚ ዝኣመሰለ ጽቡቕ መሊቑዎ” ኢልካ ብሃሰስታ ንእሽቶ ጽብቕቲ-ግብሪ ዘይትረኽበሉ እኩይን ፍጥረት እዩ። ንኢሳይያስ ዘሻቕሎ ጥፍኣት ህዝቢ ኣይኮነን፡ ነቲ ዝፍጽሞ ጥፍኣትን ውዲትን ካብ ህዝቢ ንምሽፋን ዝመሃዝ ጥበብ እዩ ሻቕሎቱ። ኢሳይያስ ናይ ብሕቲ ዋኒኑ ስለዘለዎ፡ በንጻሩ ህዝቢ ኤርትራ ሃገራዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎ መሪሕ ስለዝሰኣነ ኸኣ እዩ፡ መሃነኑን መኣዝኑን ኣጥፊኡ ዓወንወን ዝብል፡ ኣብ confusion ዝርከብ ዘሎ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ በቲ ብምትሕብባር ራሻይዳን ሰበስልጣኑን፡ ምስናይ’ቲ ኤርትውነትካ ዘጽልእ ውርደቱ ኣብ ሲናይ በሽሓት ዝሃልቕ ዘሎ ወለዶኡ ንልዕሊ 4 ዓመታት መመላእታ ደም ክነብዕ ጸኒሑ ክንሱ፡ ኢሳይያስ ብቐጥታ ነብሱን ዓሻክሩን ኣብ ክንዲ ምሕታት፡ ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ኣርባዕተ መስመር ጥርዓን ጽሒፉ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣቢቱታ ዘቕረበ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዚወርድ ዘሎ ህልቂት ደው ናይ ምህባል ባህጊ ስለዘለዎ ኣይኮነን። ተገዳስነት ህይወት ኤርትራውያን ከምዘይብሉ ብግብሪ እናተቓልዐ ስለዝመጸ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ሓልዮት ዘለዎ መሲሉ ክርአ፡ መጻንሒ ዝኾኖ ፖለቲካዊ መኽፈልቲ ስለዚደለየ እዩ።

ሕጂ ውን ልክዕ ከምኡ፡ ድሕሪ ልዕሊ 12 ዓመታት ኩናት ምስ ኢትዮጵያ፡ ዓሰብ ኣብ ክንዲ ብቐጥታ ብመንገዲ ቀጠር፡ ኢትዮጵያ ክትጥቀመሉ ምህቃኑ፡ ብድዐኡን ዕንደራኡን ኣብ ልዕሊ ‘ወያነ’ ካብ ጥርዚ ሓሊፉ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ብምድንጋር ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያ ህይወት ዓሰርተታት ኣሽሓት መንእሰያት ኤርትራ ስለዘህለቐ፡ ንዓሰብ ብቐጥታ ንኣገግሎት ኢትዮጵያ ምኽፋታ፡ ነቲ ኣብ ልቢ ህዝቢ ኤርትራ ተረይዑ ዘሎ ገዚፍ በሰላ ከፊቱ፡ እቲ ተደጕሉ ዘሎ “ክንድዚ ዝኣክል መንእሰይ ኤርትራ ምእንቲ ምእንታይ ሃሊቑ?” ዝብል ረዚን ሕቶ እንደገና ተሓዲሱ ከይመጾ ስግኣት ስለዘለዎ እዩ።

ምልዓል ናይዚ በዳሂ ሕቶ’ዚ ኸኣ፡ ነቲ ኢሳይያስ በዚ ናይ ዓሰብ ጉንዖ ከዝልቖ ዝደሊ ዘሎ ቅልውላው መልሱ ስለዘኽርሮ ዘዋጽኦ ኣይኮነን። ስለዚ ይኹን ኣይኹን ምጥባብ እዩ። ሓዳንዳዩ ክሳብ ዝውዳእ ንዝተጻወተ ሰብ መቸም ዋላ ተራ ጥበብ ኣነ ጥበብ እዩ።

እቲ ስጉምቲ ብቐንዱ፡ ንከምቶም ኣቐድም ኣቢልና ዝተቐስናዮም ውሕሉላት መራሕቲ፡ ብቁጠባዊ፡ ፖለቲካዊ ዲፕሎማስያዊ ዓይኒ ኮነ ህዝባዊ ረብሓ ጣዕሚ ዘለዎ ርትዓዊ ስጉምቲ እዩ። ንኢሳይያስ እዚ ስጉምቲ’ዚ ሕጂ ዘወናውኖ ዘሎ ግን፡ ዕርበቱ ዘየላቡ ምዃኑ ክፍለጦ ጀሚሩ ስለዘሎ፡ በቲ  ገንዘብ ማእሪሩ፡ በቲ ድማ ንእግረመንገዱ ተጻብኦ ኣፍኵሱ ትንፋስ እንተረኸበ ዝገብሮ ዘሎ ከንቱ ፈተነ እዩ። “ኢትዮጵያ ኣብ “ኢንተንሲቭ ኬር ናይ ኣመሪካ እያ ትነብር ዘላ” ይብል እንተረኸበ ኢሳይያስ። ንሱ ድማ፡ “ወያነ” ቀራቢ ኢንፍዩዥን (ፋርማሲስት) ቀጠር ድማ ተሓዚ ኢንፍዩዥን (ነርስ) ክኾኑዎ ቶርመስመስ ይብል ኣሎ። ኣየርእየሉ፡ ንሱስ ንናይ ኣመሪካ “ኢንተንሲቭ ኬር” ተዋረዛየሉ፡ ናይ “ወያነ” ‘ኢንፊዩዥን’ ዶ ደኣ በሊጹ!? ብዝኾነ፡ ኣሽንባይ ዶ ብሳልሳይ ኢድ ዝርከብ ኢንፊዩዥን፡ ንንናይ ቀረባ ዓርኩ ቀዛፊ ኳ፡ ካብ መሬቱ ዝነትዐ ጸሊም ወርቂ ካብ ጥፍኣት ኣየድሓኖን። እቲ ወሳኒ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ፖለቲካዊ ድሌት ጥራይ እዩ።

ኣብዚ ብቐይሕ መስመር ከነድምቖ ዘለና ነጥቢ እምብኣር፡ እቲ ንመሸጣ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ሲናይ ብተዘዋዋርን ብቐጥታን ከሳልጥ ዚጸንሐ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ሕጂ ድማ መሬት ኤርትራ ምሻጥ ከምዘየሕፍሮ እዩ። ኣብ እዋን ኵናት፡ መንእሰይ ኤርትራ በሽሓት ሃሊቑ፡ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ‘ውን ኣይደሓነን፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ እዩ ዘሎ። ኣብ እዋን ‘ሰላም’ ‘ውን ኣሽሓት መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ሲናይ ሃሊቑ፡ መሬት ኤርትራ ‘ውን ካብ መሸጣ ኢሳይያስ ዝድሕን ኣይመስልን። ኣብ ዘበነ ኢሳይያስ፡ ኵናትን ሰላምን ፍልልይ የብሎምን።

ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ እቶም ንኢሳይያስ ማዕረ ሃገር እትርእዩዎ፡ ኣብ ማልያ ስኢልኩም እትኽደኑዎ ሰባት፡ ብሓቂ ከምኡ ኪመስለኩም እንተጸኒሑ ኣእምሮኹም ምቕናይ ከድልዮ እዩ። ኣብ ባይታ ትርእዩዎ ከምዘለኹም፡ ተግባራት ኢሳይያስ ጸረ ኤርትራን ህዝባን እዩ። ኢሳይያስ፡ ምእንቲ’ቲ ዓበድበድ ዘብሎ ስስዐ ስልጣኑ፡ ንህዝብን ሃገርን ከም ሃለኽቲ ዝርኢ፡ ኤርትራዊ ሃምን ቀልብን ዘይብሉ እኪት እዩ። እንተነቶም፡ ኢሳይያስን ጉጅሊኡን ፖለቲካዊ ምንዝርና ዘላመዱኹም ሒደት ኮራኩር ግን፡ ነቲ ክሳብ ሕጂ ቦኽሪ ጸርፍኹም ኮይኑ፡ ምስ ቅንጅት ተሻሪኽኩም “ወያነ ወያነ” ክትብሉዎ ዝጸናሕኩም፡ ግምጥል ኢልኩም፡ “የኔ! የኔ!” እንተበልኩሞ፡ ከም ባሪስትነት ኢሳይያስ ኣየገርመናን እዩ።

ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ድሮ ንኢሳይያስን ስርዓቱን ፎእ ኢሉዎም ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ጥፍጣፉ ኣብ ኣፉ ክዓቝሮ የብሉን። “ህዝብናን መሬትናን እንተጠፊኡ ደኣ’ሞ እንታይ ተሪፉና!” ኢሉ ኣብ ገጾም ጡፍ ከብለሎም ኣለዎ። እቲ ሰንሰለት ታንክ ወዲ ዓልን ብጾቱን ንስክላ ዝሰሓቶ ኢሳይያስ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ንየማነ ጸጋም ቀባዕባዕ ዚብል ዘሎ ካብ ዓቕሊ ጽበቱ መዋጽኦ ክድሊ ደኣምበር፡ ረብሓን ድሕነትን ህዝቢ ኤርትራ ዘቐድም ሓዱሽ ልቦና ስለዘጥረየ ኣይኮነን። መጻኢ ኣገልግሎት ወደብ ዓሰብ፡ ልክዕ ከምቲ ካልእ ፖለቲካዊ ጉዳያት ምስ ፖለቲካዊ ፍታሕ ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ተኣሳሲሩ ብህዝቢ ኤርትራ ዝውሰን ደኣምበር፡ መጣልዒ ናይቲ ኣላሽ ኢሉ ደኺሙ ዘሎ ሬሳ ስርዓት ኣይኮነን። ምእንቲ’ዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ኣብ ገምገም ዘሎ ሙሽሙሽ ስርዓት ናብ መቓብር ኣጽዲፉ፡ ልኡላውነቱን ክብረቱን ብምምላስ፡ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ማዕርነትን ሓባራዊ ረብሓን ዝተመርኮሰ ዝምድና ክምስርት፡ ነቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ ዕማም መኸተ ውልቀምልኪ ብዘይወዓልል ሕደር ብህጹጽ ከሰላስሎ ኣለዎ።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

ኣማኑኤል ኢያሱ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
56 COMMENTS
  • Truly truly i say to you May 1, 2013

    Finally, i say; the more Isayas stays in power the more Eritrea wealth will be gone stolen all. So do you think Isayas after all stolen the money; Ethiopians will have difficulty to pay, even they likes to rent Port Asab directly from us? Never! The system Isayas using is” take from them own money first, and return it back their own money slowly and systematically” is called, his long rage political mision. As the say goes ” a dog if you gives its own cuten ear flesh; it eats again with great appetite, because thinks it gets from other dog flesh.” Isayas considers, Eritrans also are so stupid like a dog; to their own money if indirectly i pay them back the Port rent after, they wouldn´t remark it,because they think it is Ethiopian money. By the way by deliberate Isayas causing the problems Ethiopia is gaining milliards of money from Eritrean suffering be it milliliterical and financial . Be smart my poor mind citizens! And let´s take action before we lost everything all!

  • Truly Truly i say to you May 1, 2013

    Like it is written, “The weapons we use in our fight are not the world´s weapons but God´s powerful weapons, which we use to destroy strongholds. We destroy false arguments ; we pull down every proud obstacle that is raised against the knowledge of God; we take every thought captive and make it obey Christ….” (2nd Corinthians 10; 4- 5). The weapon Amanuel Iyasu, Mesinas and Estifanos Temelso using ( their pen) against the devil Isayas regime is also the same, because is full of truth. This is why most PFDJ supporters are blowing dust when hearing their writings, because fearing their weapon.

  • muler May 10, 2013

    “ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ‘ውን ኣይደሓነን፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ እዩ ዘሎ”ዘይሓፍር ያ ድሙስ ገረማርያም ሽሙ አበይ ዘሎ መሬት ኤርትራ እዩ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ዘሎ? የግዳስ የሕዋት ህዝቢ ዳግማይ ማእለያ ናብ ዘይብሉ ህልቂት ክኣቱ ካብ ምግባር ሰናይ መንገዲ ሒዝና ቅድሚ ኩነታት ናብ ዝነበረ ስኒትን ፍቅርን ንምምላስ እጃምና ነወፊ. ሙለር ወዲ ዛሌ!! this is the ethics of journalism…

POST A COMMENT