Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዝወረዳ ኤርትራ! ህዝባ ናብ ሲናይ መሬታ ናብ “ወያናይ”

ዝወረዳ ኤርትራ! ህዝባ ናብ ሲናይ መሬታ ናብ “ወያናይ” ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ዝወርዶ ዘሎ ኣደራዕን ውርደትን መወከሲ መጻሕፍቲ ገበናት ሃሰስ ኢልካ ‘ውን መዳርግቲ ክትረኽበሉ ኣይትኽእልን። ካብዚ ኹሉ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ኢሳይያስ በዚ መጠን’ዚ ኣብ ልዕሊ

ዝወረዳ ኤርትራ!

ህዝባ ናብ ሲናይ መሬታ ናብ “ወያናይ”

ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ዝወርዶ ዘሎ ኣደራዕን ውርደትን መወከሲ መጻሕፍቲ ገበናት ሃሰስ ኢልካ ‘ውን መዳርግቲ ክትረኽበሉ ኣይትኽእልን። ካብዚ ኹሉ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ኢሳይያስ በዚ መጠን’ዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸሞ ጥፍኣት፡ እቲ ብቐሊሉ ዝእመን ተርእዮ ከኣ፡ ከምዚ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ዝተኸታተልኩሞ፡ ንወደብ ዓሰብ ንቐጠር ኣካርዩ (እንተሸጦ ‘ውን መን ዋና ኣለዎ) ብኢዳ ዙር ኢትዮጵያ ከምእትጥቀመሉ ንምግባር ብምስጢር ውዲት ይኣልም ምህላዉ ዝስማዕ ዘሎ ወረ እዩ። ምኽንያቱ፡ እቲ ብብድዐኡን ፈራዕርዑን ዘይዕጸፍ ክመስል ዝፍትን ኢሳይያስ፡ ብባህሪኡ ናይ ፖለቲካ ኣመንዝራነት ዝመለኸ መታለሊ እዩ።

ኣብዚ ከም መዘኻኸሪ ክጥቀስ ዘለዎ፡ እቲ ሕዳርያ ወረ ገና ሓቅነቱ ኣብ ባይታ ክረአ ዘለዎ ምዃኑ እዩ። ካብ ምስ ኮነ ብኣግኡ ህዝቢ ኪነቕሓሉ ስለዘለዎ ከም ተኽእሎ ወይ Scenario ኣስተብሂልካሉ ምጽናሕ ግን ዝጽላእ ኣይኮነን።

መራሕቲ ወይ ሰልፍታት፡ ንረብሓ ሃገር ኣብ ዘካይዱዎ ጻዕሪ ጌጋታት ይፍጽሙ እዮም። ሕልናኦም ንረብሓ ሃገሮምን ህዝቦምን ክሳብ ዝኾነ ድማ፡ ህዝቦም ንጉድለቶም ከም ንጹህ ጌጋ ጸብጺቡ ካብ መዝነት ካብ ምውራድ ዝዓቢ መቕጻዕቲ ኣይምነየሎምን። ንሶም ውን፡ ጌጋኦም ኣሚኖም፡ ንህዝቢ ይቕሬታ ሓቲቶም፡ ተኣማንነቶም ንምርግጋጽ እንደገና ኣብ ዝያዳ ዝዕሪ ብምውፋር፡ እሙን ኣገልግሎቶም ከወፍዩ ፖለቲካዊ ሪጋኦም ይጽበዩ። ብከምዚ ኸኣ፡ ርግኣት ዚዓሰሎ ሕብረተሰብ ይመርሑ።

ኢሳይያስ ግን ኣብዞም ጉጅለ እዚኣቶም ዚጽብጸብ ኣይኮነን። በንጻሩ፡ ሃገራዊ ማስኬራ ለቢሱ ሃገር ንምጥፋእ ዝተዓጥቀ፡ ብዘይካ ስልጣኑ ናይ ህዝቢ ሓልዮትን ድንጋጸን ዘይብሉ፡ ነዚ ስሱዕ ብሕታዊ ዕላማ ከርዊ ኣብ ዝገብሮ ናይ ተንኮልን ውዲትን ሃነፍነፍ ብጌጋ “ከምዚ ዝኣመሰለ ጽቡቕ መሊቑዎ” ኢልካ ብሃሰስታ ንእሽቶ ጽብቕቲ-ግብሪ ዘይትረኽበሉ እኩይን ፍጥረት እዩ። ንኢሳይያስ ዘሻቕሎ ጥፍኣት ህዝቢ ኣይኮነን፡ ነቲ ዝፍጽሞ ጥፍኣትን ውዲትን ካብ ህዝቢ ንምሽፋን ዝመሃዝ ጥበብ እዩ ሻቕሎቱ። ኢሳይያስ ናይ ብሕቲ ዋኒኑ ስለዘለዎ፡ በንጻሩ ህዝቢ ኤርትራ ሃገራዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎ መሪሕ ስለዝሰኣነ ኸኣ እዩ፡ መሃነኑን መኣዝኑን ኣጥፊኡ ዓወንወን ዝብል፡ ኣብ confusion ዝርከብ ዘሎ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ በቲ ብምትሕብባር ራሻይዳን ሰበስልጣኑን፡ ምስናይ’ቲ ኤርትውነትካ ዘጽልእ ውርደቱ ኣብ ሲናይ በሽሓት ዝሃልቕ ዘሎ ወለዶኡ ንልዕሊ 4 ዓመታት መመላእታ ደም ክነብዕ ጸኒሑ ክንሱ፡ ኢሳይያስ ብቐጥታ ነብሱን ዓሻክሩን ኣብ ክንዲ ምሕታት፡ ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ኣርባዕተ መስመር ጥርዓን ጽሒፉ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣቢቱታ ዘቕረበ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዚወርድ ዘሎ ህልቂት ደው ናይ ምህባል ባህጊ ስለዘለዎ ኣይኮነን። ተገዳስነት ህይወት ኤርትራውያን ከምዘይብሉ ብግብሪ እናተቓልዐ ስለዝመጸ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ሓልዮት ዘለዎ መሲሉ ክርአ፡ መጻንሒ ዝኾኖ ፖለቲካዊ መኽፈልቲ ስለዚደለየ እዩ።

ሕጂ ውን ልክዕ ከምኡ፡ ድሕሪ ልዕሊ 12 ዓመታት ኩናት ምስ ኢትዮጵያ፡ ዓሰብ ኣብ ክንዲ ብቐጥታ ብመንገዲ ቀጠር፡ ኢትዮጵያ ክትጥቀመሉ ምህቃኑ፡ ብድዐኡን ዕንደራኡን ኣብ ልዕሊ ‘ወያነ’ ካብ ጥርዚ ሓሊፉ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ብምድንጋር ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያ ህይወት ዓሰርተታት ኣሽሓት መንእሰያት ኤርትራ ስለዘህለቐ፡ ንዓሰብ ብቐጥታ ንኣገግሎት ኢትዮጵያ ምኽፋታ፡ ነቲ ኣብ ልቢ ህዝቢ ኤርትራ ተረይዑ ዘሎ ገዚፍ በሰላ ከፊቱ፡ እቲ ተደጕሉ ዘሎ “ክንድዚ ዝኣክል መንእሰይ ኤርትራ ምእንቲ ምእንታይ ሃሊቑ?” ዝብል ረዚን ሕቶ እንደገና ተሓዲሱ ከይመጾ ስግኣት ስለዘለዎ እዩ።

ምልዓል ናይዚ በዳሂ ሕቶ’ዚ ኸኣ፡ ነቲ ኢሳይያስ በዚ ናይ ዓሰብ ጉንዖ ከዝልቖ ዝደሊ ዘሎ ቅልውላው መልሱ ስለዘኽርሮ ዘዋጽኦ ኣይኮነን። ስለዚ ይኹን ኣይኹን ምጥባብ እዩ። ሓዳንዳዩ ክሳብ ዝውዳእ ንዝተጻወተ ሰብ መቸም ዋላ ተራ ጥበብ ኣነ ጥበብ እዩ።

እቲ ስጉምቲ ብቐንዱ፡ ንከምቶም ኣቐድም ኣቢልና ዝተቐስናዮም ውሕሉላት መራሕቲ፡ ብቁጠባዊ፡ ፖለቲካዊ ዲፕሎማስያዊ ዓይኒ ኮነ ህዝባዊ ረብሓ ጣዕሚ ዘለዎ ርትዓዊ ስጉምቲ እዩ። ንኢሳይያስ እዚ ስጉምቲ’ዚ ሕጂ ዘወናውኖ ዘሎ ግን፡ ዕርበቱ ዘየላቡ ምዃኑ ክፍለጦ ጀሚሩ ስለዘሎ፡ በቲ  ገንዘብ ማእሪሩ፡ በቲ ድማ ንእግረመንገዱ ተጻብኦ ኣፍኵሱ ትንፋስ እንተረኸበ ዝገብሮ ዘሎ ከንቱ ፈተነ እዩ። “ኢትዮጵያ ኣብ “ኢንተንሲቭ ኬር ናይ ኣመሪካ እያ ትነብር ዘላ” ይብል እንተረኸበ ኢሳይያስ። ንሱ ድማ፡ “ወያነ” ቀራቢ ኢንፍዩዥን (ፋርማሲስት) ቀጠር ድማ ተሓዚ ኢንፍዩዥን (ነርስ) ክኾኑዎ ቶርመስመስ ይብል ኣሎ። ኣየርእየሉ፡ ንሱስ ንናይ ኣመሪካ “ኢንተንሲቭ ኬር” ተዋረዛየሉ፡ ናይ “ወያነ” ‘ኢንፊዩዥን’ ዶ ደኣ በሊጹ!? ብዝኾነ፡ ኣሽንባይ ዶ ብሳልሳይ ኢድ ዝርከብ ኢንፊዩዥን፡ ንንናይ ቀረባ ዓርኩ ቀዛፊ ኳ፡ ካብ መሬቱ ዝነትዐ ጸሊም ወርቂ ካብ ጥፍኣት ኣየድሓኖን። እቲ ወሳኒ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ፖለቲካዊ ድሌት ጥራይ እዩ።

ኣብዚ ብቐይሕ መስመር ከነድምቖ ዘለና ነጥቢ እምብኣር፡ እቲ ንመሸጣ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ሲናይ ብተዘዋዋርን ብቐጥታን ከሳልጥ ዚጸንሐ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ሕጂ ድማ መሬት ኤርትራ ምሻጥ ከምዘየሕፍሮ እዩ። ኣብ እዋን ኵናት፡ መንእሰይ ኤርትራ በሽሓት ሃሊቑ፡ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ‘ውን ኣይደሓነን፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ እዩ ዘሎ። ኣብ እዋን ‘ሰላም’ ‘ውን ኣሽሓት መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ሲናይ ሃሊቑ፡ መሬት ኤርትራ ‘ውን ካብ መሸጣ ኢሳይያስ ዝድሕን ኣይመስልን። ኣብ ዘበነ ኢሳይያስ፡ ኵናትን ሰላምን ፍልልይ የብሎምን።

ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ እቶም ንኢሳይያስ ማዕረ ሃገር እትርእዩዎ፡ ኣብ ማልያ ስኢልኩም እትኽደኑዎ ሰባት፡ ብሓቂ ከምኡ ኪመስለኩም እንተጸኒሑ ኣእምሮኹም ምቕናይ ከድልዮ እዩ። ኣብ ባይታ ትርእዩዎ ከምዘለኹም፡ ተግባራት ኢሳይያስ ጸረ ኤርትራን ህዝባን እዩ። ኢሳይያስ፡ ምእንቲ’ቲ ዓበድበድ ዘብሎ ስስዐ ስልጣኑ፡ ንህዝብን ሃገርን ከም ሃለኽቲ ዝርኢ፡ ኤርትራዊ ሃምን ቀልብን ዘይብሉ እኪት እዩ። እንተነቶም፡ ኢሳይያስን ጉጅሊኡን ፖለቲካዊ ምንዝርና ዘላመዱኹም ሒደት ኮራኩር ግን፡ ነቲ ክሳብ ሕጂ ቦኽሪ ጸርፍኹም ኮይኑ፡ ምስ ቅንጅት ተሻሪኽኩም “ወያነ ወያነ” ክትብሉዎ ዝጸናሕኩም፡ ግምጥል ኢልኩም፡ “የኔ! የኔ!” እንተበልኩሞ፡ ከም ባሪስትነት ኢሳይያስ ኣየገርመናን እዩ።

ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ድሮ ንኢሳይያስን ስርዓቱን ፎእ ኢሉዎም ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ጥፍጣፉ ኣብ ኣፉ ክዓቝሮ የብሉን። “ህዝብናን መሬትናን እንተጠፊኡ ደኣ’ሞ እንታይ ተሪፉና!” ኢሉ ኣብ ገጾም ጡፍ ከብለሎም ኣለዎ። እቲ ሰንሰለት ታንክ ወዲ ዓልን ብጾቱን ንስክላ ዝሰሓቶ ኢሳይያስ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ንየማነ ጸጋም ቀባዕባዕ ዚብል ዘሎ ካብ ዓቕሊ ጽበቱ መዋጽኦ ክድሊ ደኣምበር፡ ረብሓን ድሕነትን ህዝቢ ኤርትራ ዘቐድም ሓዱሽ ልቦና ስለዘጥረየ ኣይኮነን። መጻኢ ኣገልግሎት ወደብ ዓሰብ፡ ልክዕ ከምቲ ካልእ ፖለቲካዊ ጉዳያት ምስ ፖለቲካዊ ፍታሕ ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ተኣሳሲሩ ብህዝቢ ኤርትራ ዝውሰን ደኣምበር፡ መጣልዒ ናይቲ ኣላሽ ኢሉ ደኺሙ ዘሎ ሬሳ ስርዓት ኣይኮነን። ምእንቲ’ዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ኣብ ገምገም ዘሎ ሙሽሙሽ ስርዓት ናብ መቓብር ኣጽዲፉ፡ ልኡላውነቱን ክብረቱን ብምምላስ፡ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ማዕርነትን ሓባራዊ ረብሓን ዝተመርኮሰ ዝምድና ክምስርት፡ ነቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ ዕማም መኸተ ውልቀምልኪ ብዘይወዓልል ሕደር ብህጹጽ ከሰላስሎ ኣለዎ።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

ኣማኑኤል ኢያሱ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
56 COMMENTS
  • hgdef mealta akilu April 29, 2013

    aaaaaaaaaaaaaaaaaa yyyyyyyyyyy entay emo eu zgbero ዓሻስ ጢዒሙዎ ኣሎ ዘመድ ዓሻ ግን ሓሲሙዎ ሎ ዝበሃል ከምዚህጂ ኢዩ ፡ እቶም ዓያሹ ዳአ የዳክሩ እንድዮም ዘሎው መረቶም እንዳ ተሸጠ እቶም ኣዝማድ ዓያሹ ዳኣ ገለ ንግበር እምበር ይህዋት ኢረትራዊያን ።

    • SUICIDE BY INDEPENDENCE April 29, 2013

      Dear Hgdef meAlta aKhilu & others,

      If Ethiopia uses the ports it is for PFDJ´s/Eritrea´s advantage ..there is no huge complaint there..the problem is you are missing the bigger picture.Do not misunderstand me..,I am even happier to see Eri-Ethiopia confederation or confederation ..that can only be very useful for our misearable country Eritrea…But ,do you connect the dots..I know I will not be popular in the support or opposition camp but ,,,eventually Assab is going to Ethiopia..It is happenning slowly.You do not have to believe me…except I am wiser ,have better common sense & can analyze objectively & correctly ..I am not different than you Eritrean brothers & sisters. Idiots ኣይትኹኑ ኣሕዋተይ።ንግዚኡ ከም ኤርትራዊ ዘይኮነ ከም ሓደ ኣእምሮ ዘለዎ ሕሰቡ እሞ፣እቲ ነገር ከም ጎልፎ ብእጅግኡ ጀሚሩ ኣብ ምውድኡ ኢዩ ዝቃረብ ዘሎ።ትምኒትካ እዩ ዓጋመ ኢኻ ዝብል ናይ ነፋጣት ዘረባ ገዲፍኩም ሕሰቡሉ እሞ ደቂ ዓደይ ሽኮር እቲ ስእሊ ክትርእይዎ ኢኹም።ትግራይ ትግርኚ ዝብሃል ናይ ፈጠራ ውድብ ገዲፍኩም እቲ ነገራት ተዓዘብዎ እሞ፣እቲ ጸገም እኮ ወዲ ወለጋን ኤርትራውን ክምሃር ከሎ ብዝገደደ ስለ ንድድብ እዩ።ሕሰቡሉ ደቂ ኤረ።ኢትዮጵያውያን ኦልሬዲ ደርፊ ጀሚሮም ኣለዉ___
      ኢትዮየ ኢትዮና ውደብ ዓሰብ ኮይኑ መዓስከርና።____ትብል ደርፊ

      • Embasorya The Mighty April 29, 2013

        We told you that you are Tigrayan but you refused to accept it. Why don’t you mind your ugum business like hunger, disease and mental retardation?

      • salma a. April 30, 2013

        Suicide by independence,
        you say, “if Ethiopia uses the ports it is for pfdj’s/Eritrea’s advantage…. there is no huge complaint there… the problem is you are missing the bigger picture.” this shows that you are desperate for the access of portal use Assab could offer Ethiopia. as an Ethiopian you have every right to want all the best for your country. but i am also sure you know that we have our priorities. we need to have the political rights we need to decide how we use our assets and our ports first. and we as Eritreans have every right to say what we think. you have no way of knowing what is good for us. if you have read Mr. Amanuel Iyasu’s article he is putting emphasis on relations based on mutual respect, which would benefit both nations. don’t come here pretending to be a sheep when you really are a wolf. how dare you insult our intelligence? we the people of Eritrea may be suffering under the oppressive dictatorship of eseyas and we may be fleeing home right and left but we are still the Eritreans who always dreamed of living peacefully alongside their neighbors. it is foolish to put salt on our wounds. and i say shame on you.

        • SUICIDE BY INDEPENDENCE April 30, 2013

          Salma ,

          With all due respect..Ethiopians are not the only ones that have brilliant brains ..I am Eritrean & I do not care if Ethiopia uses the port or not.
          If people in the Sinai are your priority ..so are mine.
          And do not lecture about us Eritreans being intelligent people..,I know we believed for 2 years Woyane invaded us by retreating the place it was administering. I am not new to our intelligence.
          Read the whole thing before emotionally taking one sentence & running with it. I was the first to oppose the ” border” war because I knew what would follow..while all my fellow Eritreans were beating the drum of destruction.

          I am brilliant & farsighted & yes, I am Eritrean..if I were Ethiopian I would be doing development in my country.WHY CAN´T YOU GUYS ACCEPT AN ERITREAN COULD ALSO BE WISE !!!

    • Adhanom April 30, 2013

      Dear All,
      I have skimmed all the comments you forwarded. Whether the on going rumor is true or false, I would like to assure you that there is not consistency in politics. No body in history follows his/her political strategies or tactics as GOSPEL. The acceptable logic in politics is searching out the best alternative policy to defend or keep the national interest, because regional and global politics keeps changing. In fact Eritrea is really thirsty for dynamic and flexible politicians to transform the politics of the country.
      However, signing a new contract with Qatar is for further power grip or transforming economic condition of the country or opening a ground for facilitating peace in the region? Test the following quote:
      `
      “Being in politics is like being a football coach. You have to be smart enough to understand the game, and dumb enough to think it’s important.”
      Eugene McCarthy

      We do understand that there is no any permanent enemy or permanent friend in politics. Don’t get be surprised if you see Eritrea and Ethiopia are best friends in the Horn of Africa Tomorrow. This is what politics is meant.
      Have you ever heard that Osama Bin Laden and Taliban were best friends of America? What is wrong today? Sorry if you believe in politicians!! Think in your daily life how to manage “POLITICAL ADULTERY” which is frequently practiced by politicians.

      MAY THE ALMIGHTY GOD BLESS OUR COUNTRY!!

      Adhanom

  • መን ከም ሐቂ April 29, 2013

    አቱም ደገፍቲ ህግደፍ እዛ ሐጸር መልእክተይ አስተማቅርዋ፣፣ አነ ዝገርመኒ ነገር አንተሎ ናይ ቲ ዑቡድ ኢሰያስ እዩ ኒ 21 ዓመታት ብዘይ ሐደ ፍረ እንትርፎ ድክነት፣ስደት፣መከራ ባዕሉ ዝተአመነሉ ዘፍረዮ ነገር ወላሐንቲ የሎን፣፣ ግን እዚ ሎሚ ንሰምዖ ዘለና ጉዳይ ዓሰብ ኢዩ ዘተሐስስበኒ ዘሎ፣ ምክንያቱ 1996 ብደሴት ድህላክ ዝጀመረ ትዕቢት ምስ አሜሪካ አሽሐት መንሰያት ከሲርናን መሬትና ን12 ዓመት አብ ትሕቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ይመሐደር እናሃለወ ፣ንምንታይ ረብሐ እዩ ዓሰብ ከካርዮ፣ ገንዘብ ንምርካብ ወይ ንዑን ንቤተሰን ነታ ሰንከልከል ትብል ዘላ ዕምሩ መዕቆቢ ምንዳይ፣ግን ነገሩ ብትዕዝብቲ ትም ኢልካ እንተ ሪኢካዮ ነቶም 71 ዓስኪሮም ዘለዉ ዓሳክር ወያነ ምርካብ ኢዩ ፣፣

    • Embasorya The Mighty April 29, 2013

      anta seb’ay aytHafrn diKa? Kelbi Woyane, Hawassa, jasus ‘nkeleKas kem Halay hager koynka ktQerb t’hqn ? b’aKa zdenager seb yelon::

    • SUICIDE BY INDEPENDENCE April 29, 2013

      መን ከም ሓቂ,

      The problem is not that Higdefites are strong but ,that we the opposition are useless and half heartedely doing our job.We can not even gather decent number of prople in demostration.
      I think ,People have realized Eritrea is a mistake that should never have happened..peoplehave realized the unknown thing that comes after Isaias´s departure could be worse.. I do not want to imagine it !!!

  • Ali-lol April 29, 2013

    Kab hizbi kebesa tesfa yelon! hizbi metaHtn hizbi denkaalian eyu tesfa Eritra!

    • Embasorya The Mighty April 29, 2013

      Stephanous Temelson Fistum Abrahamn key sem’Uka teHaba’! ‘zom sebat ‘zi’atom KEBESSA zbehal neger yelon ‘yom zblu:: ab AKELEGUZAY TraH ‘yom z’amnu::

      • MightyEmbasoyra April 29, 2013

        Embasoyra – zey kem shimka. Resah, hatela. nab maibel miguahafka neru.

    • SUICIDE BY INDEPENDENCE April 29, 2013

      But, Where are they Ali,..they should struggle for the recognition of their respective Ethnic & I as a Hizbe Tigrinya would be on their side.
      Where are the Kunama fighters..first let them struggle for their right & recognition I will be on their side…fundraising, truly .

  • Stefanos temolso April 29, 2013

    ከምቲ ሓው ኣማኒኤል ዝበሎ እቲ ረባጺ ዜና ኣብ ባይታ ክረጋገጽ ክንጽበዮ ኢና። ብወገነይ ዘሎኒ ርእይቶ ግን ከምዚ ዝስዕብ እዩ። ኢሳያስ ከም ሓደ ምስሉይ ናይ ፖለቲካ ኣመንዝራነት ዝጥቀም መትከል ዘይብሉ በጋሚንዶ መጠን፡ ኣብዚ እዋንዚ ብዅሉ መዳይ ዓቕሉ ጸቡቡዎን ተኸቢቡን ስለ ዘሎ መተንፈሲ መታን ክረክብ ናብ ቀጠር ክልተ ግዜ ብዘይ መሰነይታ ነፋሪት ተላኢኻትሉ ክኸይድን ምስ ኣሚር ቀጠር ክዘራረብን ተገዲዱ። ዕላማኡ ድማ ንህዝብን ንማሕበረ ሰብ ኦኣለምን ብዓቢኡ ድማ ናሚር ቀጠርን ንመንግስቲ ኢትዮጵያን ኣደናጊሩ ዕላማኡ ንምውቃዕ ጥራይ እዩ። ኢሳያስ ትማሊ ትማሊ፡ “ጕዳይ ባድመ ኣብ ሕጋዊ መዕለቢኡ ከይበጽሐ ሞት እንተ ኾነ ምስ ወያኔ ኣይዛረብን እየ!” ይብል ከም ዘይነበረ ሕጂ ከም ቅጫ ግምጥል ኢሉ ንዓሰብ ብመንገዲ ቀጠር ከካርዮም ዝሕሰብ ኣይኮነን። ግንከ፡ ብውሽጢ ውሽጢ ምስ ኣካረዮምን ገለ ሚልዮናት ዶላራት ዕርቡን ምስ ተቐበለን ጕዳዩ ምስ ኣሳለጠን፡ ንህዝብን ዓለምን ምስ ኣታለለን እንታይዶስ ኣበይዶስ ኢሉ ነቲ ምስጢራዊ ውዕል ከፍርሶ ቀሊል’ዩ። ድሕሪኡ፡ ብዛዕባ ናይ ወደብ ዓሰብ ምክራይ ገለ እንታይ ኣሎ? ዝብል ሕቶ ምስ ቀረበሉ፡ከም ኣመሉ “መን ኢሉ? ኣበይ? እዚ ብተኣምር ዝሕሰብ ኣይኮነን፡ ብሲኣይኤ ዝተሃንደሰ ሓሶት እዩ” ከም ዝብል ክንፈልጥ ይግባእ። እዚ ተርእዮዚ ኣብ ጕዳይ ሰላምን ዕርቅን ጅቡቲ ብመንገዲ ቀጠር ተራእዩ እዩ። ስለዚ፡ ካልኣይ ድራማ እዩ ዝጅመር ዘሎ። ካብኡ ተረፈ፡ ንወደብ ዓሰብ ምክራይ ሓቂ እንተ ኾይኑ ምስኡ ዝቕልቀል ብዙሕ ዝተጠናነገ ሕቶታት ስለ ዘሎ፡ ንኢሳያስ ኣየዋጽኦን እዩ፡ እምበር ንህዝቢ ኤርትራ ጸገም የብሉን። ላም ፍርቂ ጐድና ሰቢሑ ፍርቃ ዘይስቡሕ ክኸውን ስለ ዘይክእል፡ ዓሰብ ናጻ ወደብ እንተ Lኦይና ኣብ ዓሰብ ደሞክራሲ፡ ኣብ ዝተረፈ ቦታታት ኤርትራ ድማ ምልኪ ክነግስ ማለት እዩ። ኢሳያስ ድማ እታ እንኮ፡ “ወያኔ ባድመ ሒዞሞ ከለዉ፡” ትብል ኣጀንዳኡ ክትጠፍኦ እያ። ቲቪ ኤረ ይኹን ሓዳስ ኤርትራ፡ ኮታ ኩላቶም ኰራኵር ህግደፍ ኣጃንዳ ክስእኑ እዮም። ስለዚ፡ ዓቕሊ ጥራይ ንግበር እሞ፡ ኵሉ ቀስ ኢሉ ክበርህ እዩ። እቲ ዜና ግን ብርግጽ ብውሽጢ ውሽጢ ክዝርጋሕ ቀንዩ እዩ።

    • Embasorya The Mighty April 29, 2013

      Wedi Temelso,

      nsKa kulu gzie ms HareQka ika:: Qrub hd’ zey tbl:: ‘zi kulu nay beHasot mnSrSar ndaHray zey tgedfo? awrajawi Sl’i ayteguahahr:: bejaKa:: nay qedem y’akl:: ms tegaru koynkum hagerkum ayt’hseyu::

  • ghezai April 29, 2013

    this is to much way to much what next massawa to IRAN .ASMERA TO THE ETHIOPIA OPOSITION GROUP SAHL TO SUDAN

    • Embasorya The Mighty April 29, 2013

      nGHEZAI dma nkelbi nhbo!!!

      • zamu April 29, 2013

        Why don’t you grow up? This is a not a joking matter.

        • MightyEmbasoyra April 29, 2013

          Zemu,
          He supposed to be a grownup “boy” but because of his few yrs accident (banana related), he couldn’t think clearly. That’s his limit.

  • MeselyEyu April 29, 2013

    …things have changed, and so our leader. the fact on the ground dictates cooperation and not confrontation. I think it is a wise act by Isaias to kick start business than war footage. It is the beginning of mass demobilization.
    Amanuel isn’t this want you have been advocating for so far?…

  • unhcr April 29, 2013

    Dear

    All readers

    I have seen,a stupid/false news,information regarding elsa shyrum and meron estefanos. some of the humantraffickers they are posting their photos and discreibed those sisters like a smaggler ,as they are collecting mony in other ways,

    when i read all of thier comments in facebook ID of —– (one of the big humansmagglers-currently escape to ethiopa).he is realy illitrate person,from what i know him, he run away from sudan security, now hiding in addiss and writing bad thing on those barve/hero sisters.

    please try to email me for further detail.

  • ገሪሙኒ April 29, 2013

    ኣነ ዚገርመኒሲ አቲ ዚውረ ዘሎ ትብልዎ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጽያን ዚግበር ርክባት ዘይኮነሲ አቲ ከይሓፈርኩም ጺባሕ ጺባሕ ናብ መቀለ፣ ደብረዘይቲ፣ ኣዋሳ፣ ሽረ፣ ኣዲስ ኣበባ ሕጂ ክኣ ጣና ቲባሃል ሓዳሽ ቦታ ክቲመላለሱ ብየዒንትናን ብየእዛንናን ካብ ልሳንኩም ንሰምዖ ዘለናዩ። አዋእ! አሞ አንታይ ድኣ ሽናኑ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መንጎ ኢትዮጽያን ኤርትራን ዘሎ ሽግር ኣብ ምፍታሕ ንረብሓ ኤርትራ ዘደንፍዕ ዚበሎ ሲጉምቲ እንተወሰደ። እንተኾነ ካብ ይውረ ኣሎ አንዳበልካ ምዝራብ ኣረጋጊጽካ መርትዖታት አንዳውረብካ ንሰማዕትካ ሓበሬታ ምሃብዩ ጽቡቅ ዚነብረ። ይበሃል ኣሎስ ከምዚ ከማይ ገባር ምስ ከማይ ኣብ እንራኸበሉ አዋን ነውግዓሉዩ። ሓበሬታ ዚሂብ ትካል ግን ይበሃል ኣሎ አሉ ክዛርብሲ ምስ ምንታይ ይኩጸር? ደሓር ክኣ ትገብርዎን ትዛረብዎን ሓደ ተኮነ ዚበለጸ ኔሩ። አንተኾነ ሓደ ሓበሬታ ኢሂብ ትካል መርገጺ ክወሲድ ግቡእ ኣይኮነን ካብ ኮነ ግን አዋእ ሓደራኹም መርገጺኩምሲ ኣነጽሩ ደኣ!እንተኾነ ልሳን ህዝቢ ኣቃልሑ ካብኡ ዝተረፈ ግን ምስ ጠቅላይ ሚኒስተር ተገቲርካ ትሰኣልን ልሳን መንግስቲ ኢትዮጽያ ተጋውሕ አንዳወዓልካ ተመሊስካ ንህግደፍ ምኽሳስ ዓገብ!ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ስጋብ ሕጂ ብዛዕባ ጉዳይ ክልተኤ ሃገራት ዝቀየሮ መርገጺ ዚሓለፈ 10 ዓመታት ኣይሰማዕናን ብኣንጻሩ ብሽነኽ ኢትዮጽያ ግን ኩልና ንፈልጦዩ!

    • Embasorya The Mighty April 29, 2013

      “እንተኾነ ልሳን ህዝቢ ኣቃልሑ ካብኡ ዝተረፈ ግን ምስ ጠቅላይ ሚኒስተር ተገቲርካ ትሰኣልን ልሳን መንግስቲ ኢትዮጽያ ተጋውሕ አንዳወዓልካ ተመሊስካ ንህግደፍ ምኽሳስ ዓገብ!”

      ayewe msnay myS-mySu!!!

      • yonas mehari April 30, 2013

        Embasoyra the mighty,
        tblo tfelt aytimesl ika. kid geza geza texawet zi arkey!kkkkkk kebdka hubuch do iluka? hasad! ms Meles aykonen ms seb ms eseyas ebud kelbi kua tegetirka tiseal aleka ata donkoro! ab reiska sekilkayo kitkeyd entedelika wn n eseyas meselka iyu. gn ebud kelbi slezkone kishenelka iyu. slezi afefef aytbel.

    • mona April 30, 2013

      nska ika tgerm, gerimuni! n Assenna bzaba aserariha nay habereta kitihba kab tiguaye mejemerya ab shabait.com wey ab Eri-tb gele mtierirayat mgbar mihasheka. mknyatu wehabi kal nay eseyas ika timesl. slezi n eseyas goytaka mergexiu kenexr entemekirkalna hagernan hzbnan ab mdhan kitihgzena tikel ymesleni. bzuh sleztezarebka gn xbuk aleka malet kemzeykone zekr gerimuni.nbeal naka seb fenfinukum slezkone zmlselkum wn yeln gde haki. zgermena zelos nhna da etom wuxuat ertrawyan mber beal nska da kebdukum nefihkum tnebru alekum. asha dhan alo, zemed asha kefiuwo lo zbhal kemzi iyu.

  • Ali April 29, 2013

    I think we need to talk about other things like freedom, atrocity and torture. There is no point that the Eritrean and Ethiopian people live with enemity for ever. Let them use our port and let them pay their tax whether directly or indirectly may be a first step to enhance our relation with our brothers. Why Weyane, Tegaru, Ethiopia we are not the enemy of people like HGDEF. I agree it should be a direct contract and discussion but if it is not happening now what we need is mitual benefit with our brethern. But let us only concern how the money will be spent. If not dont talk about Weyane…gelemele this is non-sense. Weyane has nothing to do with our problem infact they are our brothers . We killed them and they killed our brothers during the war and that was planned by HGDEF do u expect them to sit and watch during war. Infact Isayas was visited 18th times by America for peace proicess but we all remeber Badme wesina malet sehay ariba ..he was not willing for a table peaceful agreement as he refuse to withdraw…Guys becareful creating another war people over people…non-sense

  • wed godaif April 29, 2013

    I don’t think woyane will let issays to have money, and they are building fast rail way system that connects Addis Ababa and Djibouti with the rest of other cities of that country. the prospect of ethiopia to use port of assab is very minimal.they are chenging their frieght system to rail way based transportation. i wish this happened because we are more benficieries than ethiopia. i think they are not very much attracted to old truck based transportation.they are very much involved in dry land port system, so unless Assab is competent enough with fast train based transportation, the prospect of serving Assab as a port is very limited.

1 2 3

POST A COMMENT