Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ዝወደይ ዓደ’ቦኻ ኣድሕን” ጻውዒት ናብ ሓለውቲ ኢሳያስ ኣፈወርቂ

“ዝወደይ ዓደ’ቦኻ ኣድሕን” ጻውዒት ናብ ሓለውቲ ኢሳያስ ኣፈወርቂ                            ታደሰ ኪዳነ       በርሚንግሃም         04/03/2019   ኣቦይ ባሻይ ዘርኣይ ወለንኪኤል፡ ኣብ ሰገነይቲ ብንግድን ሸቐጥን ዝናበሩ፡ ድግሳ ዝዓዶም ሳልሳይ ወለድኦም ዝረኣዩ ናይ ዕድመ በዓል ጸጋ ኢዮም። ቁሩብ ዓመታት ድሕሪ ምሕራር መላእ

ዝወደይ ዓደቦኻ ኣድሕን

ጻውዒት ናብ ሓለውቲ ኢሳያስ ኣፈወርቂ

                           ታደሰ ኪዳነ       በርሚንግሃም         04/03/2019

 

ኣቦይ ባሻይ ዘርኣይ ወለንኪኤል፡ ኣብ ሰገነይቲ ብንግድን ሸቐጥን ዝናበሩ፡ ድግሳ ዝዓዶም ሳልሳይ ወለድኦም ዝረኣዩ ናይ ዕድመ በዓል ጸጋ ኢዮም። ቁሩብ ዓመታት ድሕሪ ምሕራር መላእ ኤርትራ ኢዩ። ናይ ናጽነት ሆይ- ሆይታ ኣጸቢቑ ዝሃሰሰ ኣይመስለንን። ብዙሓት ተስፋና ገና ኣይተጸንቀቐን። ኣቦይ ባሻይ ግን ኣንፈት ጉዕዞ መንግስቲ ኤርትራ ገና ካብ መጀመርትኡ ኣይተበርሆምን። እቲ ፍሉይ ዝገብሮ ግን ገና ብንጉሁኡ፡ እቲ ጸገም ብልክዕ ኣበይ  ከም ዘሎ ብንጹር ምፍላጦም ኢዩ።

ሓደ ግዜ ኣብ ፒያሳ ከተማ ሰገነይቲ ዘወር እናበሉ፡ ዝፈልጡዎም ሰባት ደው ኢሎም ክዕልሉ ይጸንሕዎም። ኣቦይ ባሻይ ቅርብ ኢሎም ሰላምታ ለጊሶሙሎም። እቶም ደው ኢሎም ዘዕልሉ ዝነበሩ ሰባት ሰላምትኦም ድሕሪ ምምላስ፡ ሓደ ካብኦም፡ ናብ ሓደ ካብቶም ምስኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ሰባት ብኢዱ እናኣመልከተ፡ –

“ኣቦይ ባሻይ . . እዚ’ኮ ናይ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዋርድያ ኢዩ” ይብሎም። ኣቦይ ባሻይ ናብቲ ናይ ኢሰያስ ዋርድያ ኢዩ ዝተባህለ ሰብ ቀው ኢሎም ድሕሪ ምጥማት . . “ኣንታ’ዚ ወደይ . . . . ንስኻ ካብቶም ንኢሰያስ ኣፎርቂ ዝሕልዉዎ ኢኻ?” ክብሉ  ሓተቱዎ።

እቲ ጎበዝ ኣይተመናተአን . . . “እወ ኣቦይ ባሻይ . . “ በሎም

“ብሓቂ ንስኻ ኣብ ጥቓ ኢሰያስ ትቐርብ?” ቀጸሉ ኣቦይ ባሻይ ዘርኣይ

“እወ እቐርብ . . ሓደ ካብቶም ዋርድያታቱ እኳ ኢየ . . “ክብል መለሰ እቲ ጎበዝ

ኣቦይ ባሻይ ዓይኒ ዓይኑ እናጠመቱ “በል ዝወደይ ልቢ ግበር . . . ዓደቦኻ ደም ይነብዕ ኣሎ . . . ዓደቦኻ ኣድሕን . . . እቶም ኣብ በረኻ ገዲፍካዮም ዝመጻእካ ከማኻ መንእሰያት ኢዮም ነይሮም።” መወዳእታ ዘረባ ኣቦይ ባሻይ ዘርኣይ ወለንኪኤል።

ሎሚ ኣቦይ ባሻይ ብህይወት የለዉን። እንተ ብሕማም እንተ ብእርጋን ኣሰር ኩሎም ዓበይቲ ኣቦታትና ስዒቦም ኢዮም። ሽዑ’ውን  ዘረባ ኣቦይ ባሻይ ንብዙሓት ኣስሒቑዎም ክኸውን ከም ዝኽእል ዘተሓትት ኣይኮነነ። እቶም ‘ተዛሪቦም ነቦይ ባሻይ ዘዛረቡ’ውን ብዘረባ ኣቦይ ባሻይ ስሒቖም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ እንጽበዩ ኢዩ። ኣነ’ውን “ተባህለ” ካብ ዝብሉ ሰባት ኢየ ዘረብኦም ኣብ እዝነይ ዝበጽሐ። እነሆ ከኣ ሎሚ ደም ነቢዕና፡ ደም ጎሲዕና፡ ስቕይና በዚሑ ንውሽጢ ንነብዕ ኣሎና።

መልእኽቲ ኣቦይ ባሻይ “ንኢሰያስ ከምዝን ከምዝን ኢልካ ተዛረቦ” ዝብል ኣይነበረን። ወይ’ውን “ንሳቐ ኣሎና’ሞ ‘ምሕረት ግበረልና በለልና’ ዝብል መልእኽቲ ኣብጽሓልና” ኣይበሉዎን። ከም በዓል ኢሰያስ ዝበሉ፡ ህይወት ሰብ ዘይስቆሮም መራሕቲ ልመናን ምሕጽንታን ከም ዘይርድኦም፡ ኣብ ዕድሜኦም ብዙሕ ርእዮምን ተማሂሮምን ኢዮም። ነቲ ጎበዝ’ውን “ከምቶም ምእንቲ ህዝቦምን ሃገሮምን በጃ ዝሓለፉ መዛኑኻ ምዃን ክብረት ኢዩ” ኢዮም ዝበልዎ።

ሰባት ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ቀሪቦም “መልእኽቲ ናብ ኢሰያስ  ኣፈወርቂ !!!! ” እናበሉ፡ ኢሰያስ ያኣዪ እንታይ ይገብር ከም ዘሎ ጠፊኡዎስ ክነግርዎ ዝፍትኑ እሰምዕ ኢየ። አረ ገሊኦምስ ቅዋም ከተግብር፡ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ከተኣታቱ ዝጽበይዎ፡ ነቶም ኣብ ጎዳጉዲ ተሳቕዮም ዝሞቱ፡ ካብ መቓብር ኣውጺኡ ናብ ፍርዲ ከቕርቦም ዝሓትዎ ኣለዉ። ገለ “ፈላጣት ኢና” ዝብሉ’ውን ኣብ ስደት ኣብ ውሑስ ቦታ ኮይኖም ህዝባዊ ናዕቢ ‘ከነለዓዕል ኢና’ ዝብሉ ኣለዉ !!! ኢሰያስ ግን ብሓቂ ድዩ ቅዋም ከተግብር? ንዝሞቱ ኣተንሲኡ ንዝለመሱ ኣሕውዩ ናብ ፍርዲ ከቅርብ? ብሓቂኸ – ነቲ ባዕሉ ብመደብ ዘብረሶ ሕግን ሕጋዊ ኣሰራርሓን ዳግማይ ከጣይሶ? መዲድ ተሰኪሙ ንህዝቢ ኤርትራ ይቕረታ ክሓትት ዝበዩዎ’ውን ኣይሰኣኑን። ነዚ ሕቶኣታት’ዚ ኣቦይ ባሻይ ዘርኣይ ቀደም መልሲ ሂቦሙሉ’ኳ እንተኾኑ፡ ኣነ’ውን ሓቂ ድዩ ጻውዒትና ክቕበል እንጽበዩ? ኢሰያስ መን’ዩ? ዝብል ሕቶ ኣልዒለ ቁሩብ ክዛረብ ክፍትን ኢየ።

ኢሰያስ መን’ዩ?

ኢሰያስ ገበናቱ ብልክዕ ዝፈልጥ ሰብ ኢዩ። ወይ’ውን ኣብ ቁልዕነቱ ዝነኸሶ ቂም ተሰኪሙ ዝነብር እኩይ ሰብ ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ኤርትራ ብዘይካ ደቁን በዓልቲ ቤቱን ፈታውን ሓላይን ከም ዘይብሉ፡ እኳ ድኣ ህዝቢ ኤርትራ ከም ቀንድን ቀዳማይ ጸላእን ከም ዝቖጽሮ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ኢዩ። ሓንቲ ዘላቶ ምርጫ ብህይወት ክሳብ ዘሎ ንዝጠርጠሮ እናቐተለ ክነብር፡ ኣሸበሸብ ኣምላኽ እንተ ጸውዖ ከኣ ስልጣኑ ናብ ደቁን ደቂ ደቁን ከመሓላልፎ ኢዩ ዝደሊ። ኣሰር ናይ’ቶም ኣብ ሰሜን ኮርያ፡ ስዑድ ዓረብ፡ ሶርያ ወዘተ ዝነበሩ ኣባሓጎታቱ ክኽተል ኢዩ ድልየቱ። ኣብዚ መዳይ’ዚ ካብ ብዙሕ ዝፈጸምዎ ገበናት ፈሪሖም፡ ብዘይካ ትእዛዛቱን ኣሰር እግሩን ምስዓብ ካልእ ምርጫ ዘይብሎም ሰባት’ውን ኣጥሪዩ ኣሎ። ንሳቶም’ውን ከም ናቱ ካብ ዝፈጸምዎ ገበናት ንምህዳም፡ ንሶም – ንዕኡ፡ ደቆም – ንደቁ ምእዙዛት ኮይኖም ከም ዝነብሩ ካብ ምግባር ሓሊፎም ካልእ ምርጫ የብሎምን። ኢሰያስን ደቁን ኣብ ስልጣን እንተልዮም፡ ንሳቶምን ደቆምን ኣብ ስልጣን ኣለዉ። ንዕኡ ሸታሕ እንተይላቶ ግን፡ ንሳቶም’ውን የለዉን። ብሓጺሩ ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ርብዚ ዘመን ናይ ንግስነቱ ዘመን፡ ምእንትኡ ዘይኮኑስ፡ ምእንቲ ገዛእ ርእሶም ክብሉ፡ ንዕኡ ዝሕልዉ ሰባት ፈጢሩ ኢዩ። ኢሰያስን ሓለውቱን እምበኣር፡ ከም ሓደ ጉጅለ፡ ኣብ ስልጣን እንተልዮም ዝነብሩ፡ ሸታሕ እንተ ኢላቶም ግን ናይ ምንባር ዕድሎም ሽዓ ኢያ ተብቅዕ።

ቅድሚ ሕጂ “ብዓለቕቲ” ዝመሰልኩዎ ከኣ ብኸምኡ ኢየ። ዓለቕቲ ሓንሳብ ኣብ ዓንቀር ናይ ከብቲ እንተ ተሸኺሉ፡ ንጭዋዳታት ናይታ እንስሳ ቀጥ ኣቢሉ ብምሓዝ፡ ኣብኣ ኮይኑ ኣብ ስጋኣን ደማን ንዘሎ መኣዛ እናተመገበ ይዓብን ይጥዕሞን። ሓንሳብ ሸታሕ ኢላቶ ንግዳም ኣንተ ወጺኡ ይመውት። ንውሽጢ እንተ ተዋሒጡ’ውን ብናይ ከስዐ ኣሲድ ተቃጺሉ ይመውት። እታ ሓንቲ ዘላቶ ናይ ምንባር ዕድል – ቀጥ ኣቢሉ ሒዙ ኣብኣ ከነብር ጥራይ ኢያ። ዓለቅቲ ግን ኣብታ እንስሳ ንዝፈጥሮ ስቓይን ሳዕቤናቱን ፈሊጡን ተረዲኡን ዘይኮነ፡ ብባህሪያዊ ጥበብ ኢዩ ከምኡ ዝገብር። ኢሰያስን ጉጅልኡን ግን፡ ኣቐዲሞም ንዝፈጸምዎ ገበናትን ሳዕቤናቱን ብደቂቕ ዝፈልጡን ዝግምግሙን ርኹሳት ሰባት ኢዮም።

ኢሰያስ እንታይ ኢዩ ዝፈልጥ?

ኩሉ’ቲ ድሕሪ ናጽነት ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝወልዖ ኲናት፡ ናቱ እምበር እቲ ዝነበረ ስማዊ ባይቶ ከም ዘይባረኸሉ ይፈልጥ ኢዩ። በዚ ከኣ ተሓታቲ ናይ ኩሎም ኣብቲ ኲናት ዝጠፍኡ መንእሰያት ምዃኑ ኣይስሕቶን ኢዩ።

ዕዮን ዓያዪ ጉልበትን ካብ ከተማ ኣውጺኡ ናብ በረኻ ሰዲዱ፡ እተን ዝነበራ ዝርካበን ትካላትን ፋብሪካታትን፡ ዓያዪ ጉልበትን ጥረ ነገራትን ስኢነን ደው ምስ በላ፡ ሓጻውነን መሪቱ – ራታመ ከም ዝኾነ ይፈልጥ ኢዩ። ዝሓርስ ጎበዝ ስኢኑ ግራውትና ከም ዝቓደረን፡ ብሰንኩ ዝፈሪ ምህርቲ ከም ዘየለን ይፈልጥ ኢዩ። ብዓቢኡ ከኣ ዝብላዕ ጥራይ ዘይኮነ፡ ስሚንቶን ተንዲኖን ከይተረፈ ካብ ዓዲ-ግራትን ራማን መጺኡ ኣብ ኣስመራ’ዶ ይሽየጥ የለን። ነዚ’ውን ዘይርድኦ ኣይኮነን።

ናይ ጊንዳዕ ጀራዲን በሪሱ፡ ቃጽዖታቱ ንመስርሒ ገዛ ተዓዲሉ፡ ዘመናዊ ሕርሻ ዓሊ-ግድር ብቓጽዖታት ተመቓቂሉ ንተጋደልቲ መጣየሲ ተዋሂቡ፡ ጀራዲን ዓላን ዕላበርዕድን፡ ወይኒ ደቀምሓረን ፍርያት ሰሜናዊ ባሕርን ስኣን ዓያዪ ጉልበት መኺኑ። ነዚ’ውን ዘይርድኦ መዓስ ኮይኑ። ከተማታት ኤርትራ፡ ኣስመራ ከኣ ብዓባያ፡ ግርማ ዝህብወን ዘመናዊ ህንጻታተን ቆርበቶም ተቐሊጡ ኣስከሬኖም ንግዳም ወጺኡ። ብኲናት ዝዓነዉ ታሪኽ ዘለዎም ህንዳታት ባጽዕን ካልኦት ከተማታትን ኣብኣ ኣለዉ። ብተበግሶ ውልቀ ሰባት ዝተሰርሑ ሓደስቲ ኣባይቲ ብዶዘራት ተረጊጾም – ምስ ንብረቶም በሪሶም። ኣብ ኤርትራ ይትረፍ ገዛ ምስራሕ፡ ዝዓነወ ምጽጋን’ውን ገበን ኮይኑ። ኩሉ’ዚ ከኣ ገና ብህይወቱ ከሎ ኣቐዲሙ ሕነ ክፈዲ ዝደሊ፡ ወይ ከኣ ብቑልዕነቱ ንዝሓዞ ቂም መፍደዪ ክጥቀመሉ እንተዘይኮይኑ ከመይ ገይሩ ክኸውን ይኽእል !!!!

ንሃገሮም ልዕሊኡ ዝሰርሑላን ዝተወፈዩላን ናይ ቃልሲ መዛንኡ፡ መፋድይቲ ሕነን መዋጽእቲ ቂምን ኮይንም ስለ ዘይተማእዘዝዎ ጥራይ፡ በብቑሩብ ተሳቕዮም ክሞቱ፡ ብህይወቶም ኣብ ጎዳጉዲ ዝድርቢ ጨካን ሰብ ምኻኑ ከመይ ኢሉ ክስሕቶ። ዓቢ ወዳ ንሃገር ዝኸፈለት ኣደ፡ እቶም ዝተረፉ ኣብ ባሕርን ኣብ ሰሃራን ዝጠፍኡ፡ ሓድጊ ስዉእ ብጻየይ ኢላ ተኽናኺና እንኮ ወዳ ዘዕበየት  ስንክልቲ ተጋዳሊት፡ እንኮ ብእንኩኡ ሃገር ምጻር ስኢናቶ ብዝኸዶ ጠፊኡ። እዚኣተን ኩለን ርእሰን ደርሚመን፡ ኣዒንተን ንብዓት ወዲኡ፡ ኣብ መስኮት ተለቪዥን እናክርእየኦ፡ መሬት ጠፍጢፈን ከም ዝረግመኦ ይፈልጥ ኢዩ።

እቲ ዝርዝራት መወዳእታ የብሉን። እቲ ዝቕጽል ሕቶ ከኣ “ስለምንታይ ብርሰት? ስለምንታይ ስቓይ? ስለምንታይ ብሃገርን ህዝብን ምጽዋት? ዝብል ኢዩ። መልሲ ናይዚ ሕቶታት’ዚ ብልክዕ ክንፈልጦ’ኳ እንተ ዘይከኣልና፡ ክንግምግም ግን ዘይንኽእል ኣይኮናን። በወገነይ ክልተ ግምታት ኣሎንኒ። ኢሰያስ ብቁልዕነቱ ዝሓዞ፡ ኣብ ኮራርምቱ ቀርቂሩዎ ዝዓበየ ቂም ክህልዎ ኣለዎ። ምስ ሰተየ “’ዓጋመ እንድኽን ትብላኒ . .’ ክብል ሰሚዕናዩ” ዝብሉ ሰባት ሰሚዐ ኣለኹ። መን ይፈልጥ፡ ገና ብቖልዕኡ ከሎ መዛኑኡ ወይ ኣብ እዋን ገድሊ ናይ ቃልሲ ብጾቱ “ዓጋመ” ምስ በልዎ ሽዓ ዝቐርቀራ ቂም ክትህልዎ ኣለዋ።

እታ ካልአይቲ ግምት ከኣ ከም መጠን ገበነኛ ህዝቢ ኣብ ልዕሊኡ ብዘለዎ ጽልኢ ካብ ስልጣን ምስ ተኣልየ፡ ከም ዝብቀሎ ስለ ዝፈልጥ፡ ኣቐዲሙ ሕኒኡ ክፈዲ ስለ ዘለዎ፡ ኣብ ልዕሊቲ ዝሕንሕነሉ ዘሎ ህዝቢ “ኣቐዲመ ሕነይ ክፈዲ ኣለንኒ” ስለ ዝበለ ክኸውን ኣለዎ።

መበገሲኡ ብዘየገድስ፡ ኢሰያስ ሰብ ምኻኑ ኣይተርፎን ኢዩ። እኳ ድኣ ስባት እናኣጽነተ ዝነብር ሰብኣዊ ፍጡር። ግን ከኣ ብኸምኡ ሰባት ዝሕሎን ዝዕቀብን ሕሱር ሰብ። ናይ ሎሚ ሓለውቱ – ዋርድያታት፡ ጽባሕ ዝእሰሩ – ዝሕዘኖም ግድያት፡ ክሳብ ዝእሰሩ ዝዕንድሩ፡ ብኢዱ ክሳብ ዝጉተቱ ምእንትኡ ዝሞቱ። ሎሚ ኣዕብዮም ዝኹልሱ፡ ጽባሕ ምስ ተኣስሩ ግን ኣምሪሮም ዝጠዓሱ ሰባት ኢዮም።

ኣቦይ ባሻይ ዘርኣይ፡ ነታ ኣብ ፒያሳ ከተማ ሰገነይቲ ዝደርበይዋ ለበዋ፡ ንሓደ ካብዞም ክብ ኢለ ዝተዛረኩሎም ሰባት ዝረኸቡ መሲልዎም ኢዮም ሰው ዘበሉዋ። ነቲ “ሓላው ኢሰያስ“ ተባሂሉ ዝተነግሮም ጎበዝ “ከይተቐደምካ – ቀድም . . ከይሓሰርካ -ክበር . .  ብዓቢኡ ከኣ ንጥፍኣትናን ብርሰት ዓደ’ቦኻን ዘንቀለ ሰብ ትሕሉ ኣሎኻ’ሞ – ሃየ ንድሕነትና ተቐዳደም” ኢዮም ዝብልዎ ዝነበሩ። እነሆ ከኣ ኣነ – ዘረባን ለበዋን ኣቦይ ባሻይ ዘርኣይ፡ ኣብቶም ናይ ብሓቂ ሓለውቲ ኢሰያስ ኣፎርቂ መታን ክበጽሕ ዓው ኢለ እደግመሎም ኣለኹ። ንሓለውቲ ኢሰያስ ከኣ፡ ንስኻትኩም ካብ ኣብራኽ ህዝቢ ኤርትራ ዝወጻእኩም፡ ብረት ህዝቢ ኤርትራ ዝዓጠቕኩም፡ ደቂ’ዛ ሚስኪን ሃገር ኢኹም። ሓልዮትኩምን ልብኹምን ንህዝብኹምን ሃገርኩምን ይኹን። ሃገርኩም ዘብርስ፡ ህዝብኹም ዘጽንት ገበነኛ ኣብ ክንዲ ምሕላው፡ ሃገርኩም ኣድሕኑ፡ ህዝብኹም ኣቕስኑ። እትዕንግልዎም ስድራ፡ ኣቦን ኣደን ወይ ኣሕዋት ክህልዉኹም ከም ዝኽእሉ ፍሉጥ ኢዩ። ደቐቕቲ ቆልዑ ዘለዉኹም’ውን ኣለኹም። እንተኾነ ኩሎም’ቶም ሃገር ንምምጻእ ኮነ፡ ንምዕቃባ ዝሓለፉ መንእሰያት’ውን ከማኻትኩም መንእሰያት ኢዮም ነይሮም። ሞት ዝፈርሕ – ካብ ሞት ኣይተርፍን ኢዩ። ክብሪ ዘለዎ ሞት ግን ኣብ ታሪኽ ዝዝከር ዓቢ ዕድል ኢዩ። ታሪኽ ኣብ ዝስርሓሉ ቦታ ምህላውኩም ንባዕሉ ዕድለኛታት ኢኹም። ድሕነት ህዝብን ሃገርን፡ ልዕሊ ኩሉ ኤርትራዊ ኣብ ኢድኩም ምህላዉ ፍለጡ። ህዝብኹም ሃንቀው ኢሉ ይጽበየኩም ኣሎ። ኣነ’ውን ለበዋ ናይቶም ክቡር ኣቦ፡ ናብቶም ኣብቲ ታሪኽ ክፍጸመሉ ዘለዎ፡ መፍትሕ ሃገራዊ ድሕንት ዝተቐብሮ ቦታ ዘለዉ ዕድለኛታት ሰባት (ዋርድያታት) ከብጽሕ ኢየ ዝዛረብ ዘለኹ።

ዓዲ ባሪን (መንደፈራ) ዝዓዶም፡ ኣብ ቀጽሪ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ናይታ ከተማ፡ ብዋርድያ ዝናበሩ ኣቦይ ገሪንኪኤል “ደርፊ ጎርዞ ጊላዋ ኣይሰድድን ኢዩ” ክብሉ ኣዝውቲሮም ይዛረቡ ነበሩ። ኣነ’ውን ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ካብ ኤርትራ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንዝመጹ ሰባት፡ ኣብ ኣስመራ ዝዝረብ ዕላልን ደርፊ ጎርዞ ጊላዋን ክነግሩኒ ሓቲተዮም። እናሰሓቑ ከኣ ዕላል ደቂ ኣስመራ ዝበልዎ ከምዚ ክብሉ ደጊሞሙለይ፡ –

“ . . ኣብ ኤርትራ ክንደይ ሰብኡት ኣለዉ . . ?” ይሓትት ሓደ። “ብዙሓት . . “ ይምልስ ካልኣዩ። “ናይ ብሓቂ ሰብኡት እኳ ኢየ ዝብለካ ዘለኹ. . “ይደግም ሓታታይ። “እሞ እዞም ኩሎም ጠጠው ኢሎም ዝሸኑ ድኣ እንታይ ስም ከተምጽኣሎም ደሊኻ . . “ ይደግም መላሳይ። ሓታታይ ንሕቶኡ ባዕሉ ብምምላስ ከኣ “ኣብ ኤርትራ ሓደ ሰብኣይ ጥራይ ኢዩ ዘሎ። ንሱ ንኹሎም’ዞም ካልኦት ‘ሰብኡት’ ትብሎም ዘለኻ፡ ‘እንኩ እዛ ብረት ቅተሉኒ፡ እንተ ደንጒኹም ግን ኣነ ክቐትለኩም ኢየ’ ኢሉ እንድዩ ንኹሎም ብረት ዓዲሉዎም። ኩሎም ግን ምስ ብረቶም ከለዉ ወወጢጡ ይኣስሮምን ይቐትሎምን ኣሎ።” ይብል እሞ “’እንካ ብረት ቅተለኒ፡ እንተ ኣቢኻ – ንስኻ ትቕተል’ እንዳ ተባሃልካ’ዶ ክሳብ ትቕተል ስቕ ኢልካ ትጽበ ኢኻ?” ክብል ንሕቶኡ ባዕሉ ይምልስ” ብምባል ዕላል ጎርዞ ጊላዋ ደቂ ኣስመራ ደጊሞሙለይ።

ምስ ዕላል ጎርዞ ጊላዋ ደቂ ኣስመራ ትምሳሰል፡ ኢሰያስ ምስ ሰኸረ ባዕሉ ተዛሪቡዋ ዝተባህለት ዕላል’ውን ሰሚዐ። ሓደ ግዜ መስተ ምስ ኣብዝሐ ብብድዐ “እዛ ኩላ ሰብኣይ ኢየ ትብል፡ ደው ኢላ ትሸይን ድኣ ኣበይ ኣላ!!!” ከም ዝበለ ካብ ሓለውቱን መኻይዱን ሰሊኹ ኣብ እዝንና ዝበጽሐ ዘረባ ኢዩ። እሞ ስልጣኑ ተጠቒሙ ከምዚ ኢሉ፡ ንኸምኡ ሰብኡት ዘቆናጽብ ሰብኣይ ድኣ፡ ብኸምኡ ሰብኡት ተሓልዩ ክነብር ግቡእ ድዩ? ንሓለውቱን መኻይዱን ከይተረፈ እኳ ኢዩ “ሰብኡት ኣይኮንኩምን” ዝብለኩም ዘሎ !!! ብብድዐ ዝተላዕጠጠ ቀታሊ፡ ካብ ተግባሩ ደው ከም ዝብል እንተ ዘይተገይሩ መዋእሉ ክቐትል ኢዩ ዝነብር። ብፈተውቱ ከም ዝጅምር ከኣ ብግብሪ ኣመስኩሩ ኢዩ። ገበነኛ ካኣ ሰባት ክሳብ ዘጽንት ክሕሎ ዘይኮነስ፡ ብሓለውቱ ክእለ ኢዩ ዘልዎ።

ዝኸበርኩም ሓለውትን ዋርድያታትን ኢሳያስ !!! ካልእ ኤርትራዊ ተመንዩ ክረኽቦ ኣብ ዘይክእል፡ ታሪኽ ዝፍጸመሉ ቦታ ኣለኹም። ከም ሓለውትን ዋርድያታትን ላዕለዋይ ሓላፊ መጠን፡ ብዙሕ ገንዘብ ስለ ትኽፈሉ ኣይኮነን። ገንዘብን ክብርን ብኻልእ መንገዲ’ውን ክርከብ ይከኣል ኢዩ። ኤርትራ ካብ ድኽነትን ድኻምን፡ ብሰንኪ ድኻማ ዝረአ ዘሎ ናይቶም ቀደም ዝሰዓርናዮም ጎረባብቲ ናይ ወራርን ጎበጣን ምውጥዋጥ ክትላቐቕ፡ ህዝባ ካብ ስደትን ሕስረትን ድሒኑ፡ ሓይሉን ሓድነቱን ክዕቅብ፡ ቀሲኑ ሃገሩ ከልምዕ፡ ነብሱን መሬቱን ወኒኑ ክብድህ፡ ብጎረባብቱ ክኽበር፡ ናይ ሓደ ካባኹም ትብዓት ትጽበ ኣላ። ነዚ ንምግባር ዕድል ዘለኩም ከኣ ብዘይ ቃል-ዓለም ንስኻትኩም ጥራይ ኢኹም። ርእይቶይ ብዘረባን ለበዋን ኣቦይ ባሻይ ዘርኣይ ክድምድም። “ህዝብኹም ደም ይነብዕ ኣሎ’ሞ – ህዝብኩም ኣድሕኑ” ለበዋ ኣቦይ ባሻይ ዘርኣይ – ንሓለውትን ዋርድያታትን ኢሳያስ ብቐንዳ ንሳ ኢያ። ሰማዒ ከኣ ትጽበ ኣላ።

ታደሰ ኪዳነ

በርምንግሃም

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
9 COMMENTS
  • ወዲ ህዝቢ March 5, 2019

    ሓው ታደሰ እቲ ትንታኔኻ ዝድርበ የብሉን; ግን ብሓቂ ኢሳያስ ጥራይ እዩ ንኹላትና ጠጠው ኢሎም ዝሸኑ ወኻሩ ቐይሩና ? እንድዒ ,ብዙሓት ተዳናገጽቲ ድኣ ከይህልዉዎ; ምናልባሽ ወድና ወዲ ላሕምና ኣሕሊፍና ኣይንህብን ዝብል ህልኽ ናቱ ዝካፈል ኣካል ሕብረተሰብና የለን ድዩ ? ምናልባሽ ኣብቲ ኸባቢ ኣስመራ ዝርከብ ህዝቢ ይሕልዎን ይካላኸለሉን ዶ የለን እዩ ? ነዚ ዘየሐጉስን ፈላላዪ ዝመስልን ብድሆታት ከይሰገርና ሓቀኛ መፍትሒ ንረክብ ኣይመስለንን; እቲ ሕቶና ኣብ ዲሞክራሲን ዘይዲሞክራስን እናሓጸርናዮ ነቲ ቐንዲ ሽግር ንስሕቶ ኣለና: ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዝተፈላለየ ኣረኣእያታት ዘሎ መሲሉኒ ኣነ; ኣቀነባቢረ ክትንትኖ ግን ዓቕሚ ይሓጽረኒ;

    • Eyobel March 5, 2019

      Wedi Hizbi, unfortunately in sad Eritrea there is only one real man called Esayas
      Wedi Afom anbessa, the rest are just noisy ANATSU always shivering like rats/ANATSU.

    • ሳጅን March 6, 2019

      ኣረኣእያኻ ጌጋ ምዃኑ ሓንቲ ኣብነት ጥራይ ክበካ፡ እቲ ሓለቓ ሓለውቲ ኢሰይያስ እኮ ኮሎነል ተስፋልደት እዩ ንሱ ድማ፡ ካብዚ ትብሎ ዘለኻ ኣከባቢ ኣይኮነን።
      ምስኡ 24 ሰዓት ዝውዕል፡ ወዲ ካልእ ከባቢ ገዲፍካስ ንኻልኦት ክትጥቅን ምፍታንካ ጌጋ እዩ።

      • ወዲ ህዝቢ March 7, 2019

        ሳጅን
        የማናይ ኢድ ናይ ሳዳም ሑሰን ኣቶ ታሪኽ ዓዚዝ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ እዩ ኔሩ , እዚ ግን ተዋህዶን ኣስላምን ኩሎም ናይ ሳዳም ተኻላኸልቲ ኔሮም ማለት ኣይኮነን; ሺዓ እውን ኣብቲ ሰክዩሪቲ ኔሮም እኮ እዮም , እቲ መንግስቲ ግን መንግስቲ ሱኒ እዩ ኔሩ. ድሓር ከባቢ ኣስመራ ዝርከቡ ደቂ ማእከል ንኢሳያስ እንተ ደገፍዎ እውን እቶም ዝቃወሙ ዝበዝሕዎ ከባቢ እውን ወዲ ላሕሞም ስለ ዘይኮነ እዩ ዝቃወምዎ እኮ ; ንኸባቢ ኣስመራ ዘሎ ህዝቢ ከጥቅዕ ኢለ ኣይኮንኩን…እቶም ቀንዲ ተቓወምቲ ዝበዝሕዋ ከባቢ እውን ናይ ባዕላ ውንዙፍ ሕማም ወገንነት ኣለዋ. ኣብሪሄያ ኢለ ኣጸልሚተያ ኸይከውን ይቕሬታ

  • ወዲ ህዝቢ March 6, 2019

    ሓው ኢዮቤል
    እቲ ሽግርና ነቲ ሓቀኛ ፈላላዪና ገዲፍና ዲሞክራሲዶ ዘይዲሞክራሲ ኽንብል ነብስና ነዐሽዋ. ወገንነትን ገጽ ሰብ ርኢኻ ምዝራብን ኣግሂድና ከይተዛረብናሎም መፍትሒ ዝብሃል ኣይርከብን እዩ; እቲ ናይ ኢሳያስ ዝበልካዮ ኣይሓሰኻን ,ሰብኣይ ማለት ንዕላምኡ ኽብል ዝኾነ ታክቲክ ተጠቒሙ ሸቶ ዘውቅዕ እዩ, ዋእ ኢሳያስ ድማ እንኩም ብረት እስኪ ቕተሉኒ እናበለ ዋላ ካብቶም ጀጋኑ ተጋደልቲ ዝነበሩ ሓደ እኳ ጸጉሪ ዓይኑ ዘንፍረሉ ኣይርኣናን; ተጋደልቲ ዝነበሩ ሽሙ ክጽዋዕ ከሎ ሸርኢ ይሞልቆም….ግን እንታይ እዩ እቲ ጅግንነት ተወዲኡ ድዩ ኾይኑ ? ዝትንትነልና እኳ ኢና ስኢንና

    • Bini March 6, 2019

      “Gin entay’yu eti jigininet tewediu diyu koyinu” – wedi hizibi.
      Sorry to be so blatant but there was never any heroism in Eritrea, it was all to dupe the public.

  • Sol March 6, 2019

    ወዲ ህዝቢ Eyobel Bini, ዛንታ ናይ ሓደ ብራዚልያዊ ጀነራል ጥሮታ ምስ ወጸኣብ ክልተ ቁጽሪ ናይ ፓሳጣ ብምክፋል ናብ ነፍሱ ተፈላለየ ኣስማት እናቀያየረ ደብዳበታት ብምስዳድ ስጋብ ዕለተ ሞቱ ነፍሱ የጸናንዕ ኔሩ። ደብዳበታት ናይቲ ጀነራል ግን ንብራዚላውያን መሃሪ ነሩ።

  • k.tewolde March 7, 2019

    Until we have an identity and distinguish ourselves what we stand for and take responsibility for the active and passive affiliation to the atrocities committed past and present by the tyrant against the Eritrean people,the lines will be blurred,people will be confused and the message mundane and that’s how the enemy likes it.The Binis,Wedi hizbi..etc are his artifacts.

Post a Reply to Sol Cancel Reply