Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዝወግአ እንተረስዐ ዝተወግአ ኣይርስዕን’ዩ

ዝወግአ እንተረስዐ ዝተወግአ ኣይርስዕን’ዩ ሰባት፡ ብጽቡቅ ወይ ብሕማቅ ተግባራቶም ንዘልኣለም ክዝከሩ ነውሪ ኣይኮነን። ብፍላይ ድማ ፍሉጣት መራሕቲ፡ ኣገልገልቲ ህዝቢ፡ ንምዕባለ ሕብረተሰብ ብክእለቶምን ብገንዘቦምን ንዋቶምን ዓቢ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ክምጎሱ ሓላል’ዩ። ኣብ ጉዕዞ ህይወቶም ወይ መዋእል ስልጣኖም፡ ኣብ

ዝወግአ እንተረስዐ ዝተወግአ ኣይርስዕን’ዩ

ሰባት፡ ብጽቡቅ ወይ ብሕማቅ ተግባራቶም ንዘልኣለም ክዝከሩ ነውሪ ኣይኮነን። ብፍላይ ድማ ፍሉጣት መራሕቲ፡ ኣገልገልቲ ህዝቢ፡ ንምዕባለ ሕብረተሰብ ብክእለቶምን ብገንዘቦምን ንዋቶምን ዓቢ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ክምጎሱ ሓላል’ዩ። ኣብ ጉዕዞ ህይወቶም ወይ መዋእል ስልጣኖም፡ ኣብ ህይወት ካልኦት ሰባትን ሃብትን ኣረሜናዊ ተግባራትን በደልን ፈጺሞም ክንሶም፡ ንገበናቶም ሓቢእካ ጸጽብቁ ምንጽብራቅ ሓጥያትን ምትላልን’ዩ። መንቀሊ ጽሑፈይ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሳልስቲ (10 ለካቲት 2019) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጵያ ኣብ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ምምስራትን ምሕያልን’ቲ ውድብ ንጉስ ሃይለስላሴ ንዝተጻወቶ ልዑል ተራ ንምዝካር ተባሂሉ ሓወልቲ (Statue)ተተኺሉሉ። ኢትዮጵያ ከም ጎረቤትና ሃገር መጠን ናይ ዜጋታታ ወይ መራሕታ ዓወትን ጽቡቅ ነገራትን ዘሕጉሰና እምበር ዘጉህየና ኣይኮነን። እቶም ዝጨፍጨፉና፡ ክብረትናን መሰልናን ዝቀንጠጡናን ዝገሃሱናን፡ ንብረትና ዝዘመቱናን፡ ኣደዳ ስደትን ሞትን ክንከውን ዝቀሰቡና መራሕቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሃገራዊ፡ ዞባውን ኣህጉራውን ጉዳያትን ኣጋጣሚታትን ከም ገበርቲ ሰናይ፡ ተጣበቅቲ ሰላምን ምዕባለን ንህዝቢ ኣፍሪቃ ተባሂሎም ክወደሱን ጽቡቅ ተፈላጥነት ክወሃቦምን እንከሎ ግን ንዓና ዘይምልከተና’ዩ ጥራይ ዘይኮነ ብኦኦም ስለዝተበደልናን ድሕሪት ስለዝተረፍናን፡ ብዓውታ ዓገብ ኢልና ክንቃወምን መርገጺና ከነነጽርን ሃገራዊ ሓላፍነትን ሞራላዊ ግዴታን ኣለና።

ናይ ሎሚ ሕብረት ኣፍሪቃ ናይ ቀደም ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ፡ ዘይናቱ መሬት ዝገበተ ንጉስ ሃይለስላሴ ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ውድብ ንኸይልዓል ስለዝሓተተን ስለዘፈራርሐን፡ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ህዝቢ ኤርትራ ክቅተልን ክዕመጽን እንከሎ ጸማም እዝኒ ሂብዎም ክጠፍእ ፈሪድዎን። መራሕቲ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ሃይለስላሴን ደርግን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣረሜናዊ ተግባራት ክፍጸሞን ልኡላዊ መሬቱ ክጉበጥን እንከሎ እቲ ውድብ ዕሽሽ ስለዝበለ ድማ ዓቢ ክሕደት ፈጺሙን ብመሰረት ቻርተራቱ ንህዝቢ ኣፍሪቃ ብማዕረን ብፍትሕን ክውክል ብቅዓትን ሓይልን ከምዘይብሉ ኣረጋጊጹ። ኣብ መዋእል ንጉስ ሃይለስላሴ፡ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ካብ ኣውያት ህዝቢ ኤርትራ ዝሰምዕን ቅኑዕ ፍታሕ ዝህብን ድማ፡ ንጉስ ሃይለስላሴ፡ “ጉዳይ ኤርትራ ከም ኣጀንዳ ኣብ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ እንተተላዒሉን ኤርትራ ናጽነታ እንተተፈቂዱላን ኣፍሪቃ ክትበታተን’ያ” ዝብል መጠንቀቅታ ስለዝሃበ፡ ብዙሓት ካብ መራሕቲ ኣፍሪቃ ውልቀ መለኽቲ ስለዝኾኑን ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስልጣን ተኾድጮም ህዝቦም ስለዘሳቅዩን ንብረት ስለዝግብቱን፡ ንኸምኦም ዓማጺ ደም ሰብ ዝመጺ ንጉስ ሃይለስላሴ ከም መልኣኽን ኣቦ ኣፍሪቃን ኣምሲሎም ክብሪ ክህብዎን ሓወልቲ ክሰርሕሉን ዘገርም ኣይኮነን።

እቲ ሓቂ፡ ንጉስ ሃይለስላሴ፡ ፈደረሽን ኣፍሪሱ፡ ንኤርትራ ብሓይሊ ዝጎበጠን ህዝባ ዝረገጸን ኣረሜን መራሒ ስለዝኾነ፡ ኣሽምባይዶ ንኽብሩ ምስሉ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ጠጠው ክብልን ገባር ጽቡቅ ከምዝኾነ ክዝከርን፡ ብገበናቱ ተኸሲሱ ኣብ ፍርዲ ክቀርብ’ዩ ዝግብኦ። ወዮ ድኣ ጉዳይ ኢትዮጵያውያን ንዓና ስለዘይምልከት ኮይኑ እምበር፡ ንጉስ ሃይለስላሴ ን40 ዓመታት ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ፡ ኦሮሞን ካልኦት ብሄራትን እንተላይ ኣምሓራ ዝነበሮ ንዕቀትን ዝፈጸሞ ኣድልዎን ዝርሳዕ ኣይኮነን። ተግባራቱ ሕማቅ ስለዝነበረ ኢዩ ድማ ኢዱ ረኺባቶን፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣንጻሩ ናዕብን ተቃውሞን ኣርእዮ ካብ ዘውዱ ኣባሪርዎን። ሎሚ ድሕሪ 45 ዓመታት ንጉስ ሃይለስላሴ ብኣመሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ገለ ሃገራትን ክውደስን ከም ሓርበኛ ኣህጉር ኣፍሪቃ ክጥቀስን እንከሎ ድማ ሕልምታቶም ስለዘማላኣሎምን እሙን ኩርኩር ስለዝነበረን’ዩ። ሃይለስላሴ ዓስቢ ክድዓቱን ኣረሜናዊ ተግባራቱን፡ ካብ ኣመሪካን ሰዓብታን ኤርትራ ኣካል ግዝኣቱ ክትከውንን፡ ተቃውሞ ህዝቢ ኤርትራ ንምጭፍላቅ ዘይተኣደነ ደገፍ ክረክብ ክኢሉን።

ስለዚ ኤርትራውያን፡ ንንጉስ ሃይለስላሴ ሎሚ ይኹን ጽባሕ ንውሉድ ወለዶ፡ ከም ቀታሊናን፡ ጠንቂ ስደትን ዕንወትን ኢና ንሓስቦ። ኣብ ሃዘሞ፡ ዖና፡ ኣቁርደት፡ ቢሲ ክድራ፡ ኣስመራን ከባቢኣን፡ ከረን፡ ዒላበርዒድ፡ ኦምሓገር፡ ባጽዕን ካልእ ከባቢታን ሃገርና፡ ዝሃለቀ ህይወት፡ ዝዓነወ ንብረት፡ ዝተሰደ ህዝቢ፡ ኣብ ልብና ስለዘሎ፡ ኢትዮጵያውያን ወይ ካልኦት ወጻእተኛታት ንሓራዲ ሰብ ንጉስ ሃይለስላሴ ከም ጻድቅ ክዝክርዎን ከምልኽዎን ዝኽልከሎም የለን። ብዓይኒ ኤርትራውያን ግን ንጉስ ሃይለስላሴ ደመኛና ስለዝኾነ፡ ንዓማጺ ከነመጉስ ሕልናና ኣየፍቅደልናን ኢዩ። በስላ ኣብ ልብናን ስለዘሎ ዝወግአ እንተረስዐ ዝተወግአ ኣይርስዕን’ዩ። ዋላ’ኳ ምስ ብህይወቱ ዘየለ ሰብ ምኽሳስን ምዝራብን ትርጉም ዘይብሉ እንተኾነ ታሪኽ ክጥምዘዝን ናብ መጻኢ ወለዶ ጎባጥ ሓበሬታ ክመሓላለፍን ግን ገበን’ዩ።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ 12 ለካቲት 2019

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Segid mihreteab February 12, 2019

    God help you ama and God bless

  • k.tewolde February 13, 2019

    Holy Father are you watching!

  • aditekelezan February 13, 2019

    እቶም ናትና ዝበልናዮም ከምቲ ጎረቤትና ኣደይ ኣለማሽ,ዓዲ ኸይደ ከለኹ “ሱቕ ድኣ በል ዓዲተከሌዛን ወደይ ደቅና ኢልና ደቂ ሕድርትና ኢና ኣእቲና,እዚኦምሲ ንበይኖም ዮመ” ዝበልኦ ,እዞም 91 ዝኣተዉ በረኻ ከለዉ ጀሚሮም ንወዲ 70 ዓመት ሽማግለ ደስ ዘይብሎም ሕቶ እንተሓተተ ” ኣስኩት ኣታ ሰብኣይ,ሱቕ ኢልካ ኮፍ በል ዝብሉ” , ብውድብ ዝተላዕለ ሰብኣይን ሰበይትን ዘፋትሑ ,ንደቀንስትዮ ናብ ጸጋም መገዲ ዝወስዱ,ሕጊ እንዳባ ኣፍሪሶም ኣምላኽ የለን ብማርክሳዊ ስነሓሳብ ህዝብና ዝመረዙ , ብጽፍርኻ ምሕዳር እንዳበሉ ካብ ኣፍ ቆለውዕ ሓረስቶት ቅጫ ዘሕድጉ , ውላድ ካብ ዝተሓብኦ ወጺኡ ብግዲ ምስኦም ክሳዕ ዘይተሰለፈ ንወለዱ ኣሲሮም ዘፋራርሑ ,ኣስመራ ምስ ኣተዉ ኣዴታት “ደቀይ ምዓረይ ኣምላኽ ሓጊዙኩም ስዒርኩም ኣቲኹም” እንተበልኦም “ኣምላኽ ዶሽካ ድዩ ሒዙ ኔሩ ዋላ ብሬን,ንሕና ብቕልጽምና ኢና ስዒርና” ዝብሉ ስድታት…… ሃይለስላሴስ እኳ ኣብቲ ውግእ ዘለዎ ቦታ ዓዲ ኣቃጺሉ, ኣይቅበሎን,ግን ራሻውያን ኣብ ቸችንያ ,ኣሜሪካውያን ዘይቲ ዒራቕ ክሰርቁ ኣብ ዘይ ዓዶም ዝፈጸምዎ ገበናት ኣብ ማዕከን ዜና ርኢናዮ ኢና !!! ጃንሆይ ንኤርትራውያን ኣምሂሩ ብኤኮኖሚ ኣበልጺጉ ዝዓበየ ስልጣን እናሃበ ንድሕሪት ዘይኮነ ዝጎሰሰናስ ንቕድሚት ድኣ ሰደደና !!! ንጣልያንን እንግሊዝን ካብ ኢትዮጵያ ስርናይ እናሸመቱ ክቕልብዋ ላሕ ዘበለቶም ኤርትራ ጃንሆይ ካብ ጎጃም ጣፍ ካብ ወንጂ ሽኮር ካብ ከፋ ቡን ብሕሱር እናሕለፈ ጥዑም እዋን ኣሕሊፍናዮ !!! ኣሜሪካ ብቕልጽማ ዝሓዘቶ መሬት ሜክሲኮ እቲ ህዝቢ ተሓጊሱ ብሃብቲ ይነብር ኣሎ ናብ ሜክሲኮ ክምለስ ኣይደልን!!! ሞንጎልያ ብቻይና እያ ተወሲዳ ክሬምያ ብራሻ ደሴት ፎልካን ብዓዲ እንግሊዝ !!! ጃንሆይ እውን ናይ ሓንቲ ቕርሺ ወሲዱ ናይ ሽሕ ቅርሺ ዝገበረልና ሕያዋይ መራሒና ዝነበረ እዩ !!! እዞም 91 ዝኣተዉ ብኹሎም ወጺኦም ጃንሆይ እንተዝምለሰናስ በየናይ ዕድልና እሞ ክንረኽቦ !!! ኣብ እምባጋልያኖ ሓንቲ ሓወልቲ ናይ ጃንሆይ እንተገበርናሉ ነቲ ዓቢ ዝገበረልና ንእሽተይ ምስጋና እያ !!!

Post a Reply to aditekelezan Cancel Reply