Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

የቐኒየልና ንሀግደፍ ዘቃሉዑልና

የቐኒየልና ንሀግደፍ ዘቃሉዑልና Tesfamariam Wel. 21/12/2014/ Norway   ብምትሕብባር ኮርዒዳ ወናኒ ኣሰና ደኺመ ዘይብል ኣማኒኤ ኢ. ሓውና ዘሎ ኣኻኺቡ ወረ ዓድና ዘአንግደና ኣሰና ተዘይ ትህሉስ ታይኮን ምኾና?   ኣይምሰማዕናን ንህግደፍ ጉዱ ዘጋልጽ እንቋዕ ተማህዘ ምዕባለ ሓንጎሉ ዘናወጽ መርበባት ማዕከናትና ኣቢለንኦ ዓጽዓጽ ዓጀውጆው ጀሚሮም ተስፋ ብምቑራጽ   ማዕከናት ራድዮ ኤረና

የቐኒየልና ንሀግደፍ ዘቃሉዑልና

Tesfamariam Wel.

21/12/2014/ Norway

 

ብምትሕብባር ኮርዒዳ ወናኒ ኣሰና

ደኺመ ዘይብል ኣማኒኤ ኢ. ሓውና

ዘሎ ኣኻኺቡ ወረ ዓድና ዘአንግደና

ኣሰና ተዘይ ትህሉስ ታይኮን ምኾና?

 

ኣይምሰማዕናን ንህግደፍ ጉዱ ዘጋልጽ

እንቋዕ ተማህዘ ምዕባለ ሓንጎሉ ዘናወጽ

መርበባት ማዕከናትና ኣቢለንኦ ዓጽዓጽ

ዓጀውጆው ጀሚሮም ተስፋ ብምቑራጽ

 

ማዕከናት ራድዮ ኤረና ራድዮ ወጋሕታ

ሓቀኛ ማዕከናት ሓያላት ሃገራዊ ዋልታ

ትኩስ ወረ ዝህባ ከይ ደንጎያ ኣብ ሰዓታ

ኩሉ ገዲፉ ህዝቢ ዝጽበየን ብሃንቆውታ

 

መርበባት ኢንተርነት መላእ ዓለም ዝፍኖ

ከም ብዓል ገረገር ከም ብዓል ኣስማሪኖ

ምንጪ ሓቀኛ መልእኽቲ ነቢብካ ዘይምኖ

ንደላይ ፍትሒ ሓጎስ ንህግደፋዊ ዘሕዝኖ

 

ከም ብዓል ኣሰና መ.ጀበርቲ ብዓል ቶጎርባ

ቀትርን ለይትን ንህዝበን ክብላ ዘይርብርባ

መርበብ ድሕንት መርበብ መቓልሕ እዮባ

መርበብ ደሞክራሲያ (ሳግም)ኣብ ጎኒ ህዝባ

 

ክፍኣት ህግደፍ ብንጹር ብጾት ነጊሮሙና

ዝበሉዎን ዝጸሓፍዎን እንተድኣ በሪሁልና

እቶም ደለይቲ ፍትሕን ሰላምን ታዩ ተራና

ክንጅምሮ ብረድኢ መሓሪ ቀዳማይ ኣካቢና

 

ፈላሚ ህዝቢ ዘበራበረ ናለ ኣለና ኣለና

ህዝቢ ዘንቀሳቐሰ ረድኢ መሓሪ ሓውና

ብቃላቱን መጽሓፉን ብዙሕ ተማሂርና

ኣሰሩ ዝስዕቡ ብዙሓት ጀጋኑ ኣፍሪዩልና

 

ከም በዓል ተስፋይ ተምነዎ ታሪኸኛታት

ብብድሆ ዘቃልዑዎ ነዚ ዝዓስተኸ ስርዓት

ንመንሽሮ ሃገር ትዕቢተኛ ብህዝቡ ዝጻወት

ናይ ደናቁር ደንቆሮ ስዲ ኣልቦ ስነስርዓት

 

መጸ ድማ ቃሉ ክህብ ኣቶ ክብሮም ታፍላ

ተንኮል ህግደፍ ኣቃሊዑ ገሊጹ ኩላ ታዘላ

ሓቅነት ዝሓዘ ናይ ወራዙት ጎዶሎ ዘይብላ

ኣብሪሁልና ሕሱር ተንኮል ህግደፍ ብጃምላ

 

ተሓቢኡ ዝነበረ ጉዱ ህዘቢና ንኸፍልጡ

ንብዙሕ ዓመታት ብምስጢር ዝተዓብጡ

ተነጺሩልና ብዘይ ሓደ በደል ዝተዋሕጡ

ብጭብጢ ብዝነበሩ ብኣካል ካብ ውሽጡ

 

ብናይ ብዓል የማን ገ/ጊዮርጊስ ቱኩስ ወረ

ንህዝቢ ዘንቀሳቐሰ ካብ ድቃሱ ዘበራበረ

ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ምስጢር ዝተቐብረ

በብሓደ ገሊጹልና ክፍኣት ህግ. ዝተገብረ

 

መርሓባ ኣበደ ተስፋይ ዕቑር ሓይሊ ነቒሉ

ምእንተ ፍቕሪ ህዝቡ ሃገሩ ዝተጎድአ ኣካሉ

ኣጆኹም ብድሆ ዝብል ዘሎ ብምሉእ ሓይሉ

ከምዚኦም የድሉዩናለዉ ቆራጻት ወሓላሉ፣፣

 

ርሑስ በዓል ልደት

ርሑስ ሓድሽ ዓመት

ይግበረልና

 

ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • ERITRAWIT December 22, 2014

    Ya zeyhlela Merzen N Isaias ms korakurew, tesfa n dekey hager
    well done!!!!!!

  • black December 22, 2014

    Tukus were what do you mean?

POST A COMMENT