Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

የቐንየልና ኣፍሪቃውያን ኣሕዋትን ኣሓትን

እቲ ኣፍሪቃውያን ኣሕዋትን ኣሓትን ናብ መራሒ ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝጸሓፉዎ ደብዳበ፡ ኣብ ኩነታት ፖለቲካን ዲፕሎማስን ኣፍሪቃ ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፈተ ተበግሶ እዩ። እቲ ኣብ መበል 55 ዓመት ዝኽሪ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ዝለኣኹዎ ደብዳበ፡ ምስ ጽባሕ ናጽነት

እቲ ኣፍሪቃውያን ኣሕዋትን ኣሓትን ናብ መራሒ ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝጸሓፉዎ ደብዳበ፡ ኣብ ኩነታት ፖለቲካን ዲፕሎማስን ኣፍሪቃ ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፈተ ተበግሶ እዩ። እቲ ኣብ መበል 55 ዓመት ዝኽሪ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ዝለኣኹዎ ደብዳበ፡ ምስ ጽባሕ ናጽነት ኤርትራ ብምግጣሙ፡ ረዚን ትእምርታዊ ኣገዳስነት ኣለዎ። ንኣፍሪቃዊ ናይ ሓድነት መንፈስ፡ ከምኡ `ውን ንልደት ናይታ ድሕሪ ነዊሕን ፈታንን ቃልሲ ዝተወልደት ሓዳስ ኣፍሪቃ ዘመንጨወ ናይ ሓርነት መንፈስን ከኣ የዘኻኽር።

እቲ ናብ ኤርትራ በጺሖም ምስ ሚኒስተራት መንግስቲ፡ ከምኡ `ውን ምስቶም ሲቪካውን ቅዋማውን መሰሎም ብምጥቃሞም ጥራይ ብዘይ ዝኾነ ሕጋዊ መስርሕ ንልዕሊ 17 ዓመታት ዝተመቚሑ ጋዜጠኛታት ዝርከቡዎም እሱራት ክትራኸቡ ድሌት ከምዘለዎም ዝገለጹሉ መልእኽቲ ቀጥታውን ቀሊልን እዩ።

ኣነ ብወገነይ፡ ንገለ ካብቶም ነዚ ደብዳበ ዝጸሓፉ ሰባት፡ እንተላይ ነቲ ከም ናይ ቀረባ ዓርከይ ዝርእዮ ዎሊ ሶይንካ ናይ ምፍላጥ ሓለፋ ከምዘለኒ መጠን፡ ዜና ናይቲ ደብዳበ ንኣርእስተ ዜናታት ምብሓቱ ኣየገረመንን። እቲ ኣፍሪቃዊ ሓድነታዊ መንፈስ  ተበራቢሩ፡ ኣፍሪቃ ንድሕነት መሰላት ህዝብና ደው ምባላ ግን ኣመና ኣሐቢኑኒ።

እቲ ዝጸሓፉዎ ደብዳበ፡ ካብ ምውርዛይ ተቖጢቡ፡  ብምቕሉልን ዲፕሎማስያውን ቋንቋ ምቕራቡ `ውን የሐጒሱኒ።  ደብዳቢኦም፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ሃገራት ዝገጥመን ዘሎ ብድሆታት ከይጎሰየ፡ እቲ መባእታዊ መሰላት ዝነፍግ ኤርትራ ተሸሚማትሉ ዘላ ዓዘቕትን ተነጽሎን መዳርግቲ ከምዘይብሉ የጉልሕ። ስለዚ ወስታኦም፡ ድሕሪ ነዊሕ ትጽቢት ዘይሰመረ ለውጢ ዝነቕነቖ ሕልና ናይ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣፍሪቃውያን ዘበገሶ ቅዱስ ተበግሶ እዩ። ማዕሪኡ፡ ድሕሪ ነዊሕ ናይ ለውጢ ተስፋ፡ ካብቲ ናይ ኤርትራ መራሒ ከምገለ ምምሕያሽ ጠባይ እንተተረኽበ  ዝተወስደ ሻቕሎታዊ ውሳኔ `ውን እዩ። ዓብላሊ መንፈስ ናይቲ ደብዳበ ዕምቆት ዘለዎ ሻቕሎት ስቅያት ህዝቢ ኤርትራ ክኸውን ከሎ፡ እቶም ጸሓፍቲ ብመሰረት`ቲ ሓድነታዊ ኣፍሪቃዊ መንፈስ ምስቲ ብጅግንነት ዝገለጹዎ ህዝቢ ዘለዎም ምሕዝነት የንጸባርቕ። ህዝቢ ኤርትራን ሃገሩን ካብ ተነጽሎ ተገላጊሎም ምስ ሓዎም ህዝቢ ኣፍሪቃ ክጽንበሩ ዓሚቚ ባህጊ ከምዘለዎም `ውን ይገልጹ።

እንተኾነ፡ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንጠለባት ናይዞም ጸሓፍቲ `ቲ ደብዳበ ብኣውንታ ክምልሶ ድዩ?

ኣብቲ ሻቡ በቲ ናይ ፕሮፖጋንዳ መሳርሒ ዝኾነ ሚኒስትሪ ዜና ናይቲ ስርዓት ኣብ ዌብሳይት ዝተዘርግሐ ዘይርጡብ ህዉኽ ርእይቶታት ተመርኲስካ ክትዛረብ ከለኻ፡ ዝበለጸ ግብረመልሲ ምጽባይ ዝከኣል ኣይኮነን። ኣባል ጉጅለ 13 ከምዝነበርኩን ንኢሳያስ ኣጸቢቐ ከምዝፈልጦን መጠን፡ ኢሳይያስ ኣውንታዊ ምላሽ ክህብ ኢዩ ዝብል ሕልሚ የብለይን። እቲ ጉጅለ ኤርትራውያን ምሁራትን ሰብ ሞያን ዘቖሙዎ ጉጅለ 13፡ ምስቶም ኣብቲ መንግስቲ ዝነበሩ መሳርሕቱን ናይ ቃልሲ ብጾቱን ስኒት ክገብር፡ ከምኡ `ውን ነቲ ንሱ ዝኣገዶ፡ ዝጸደቐ ሃገራዊ ቅዋም ከተግብሮ ክሰማማዕ እዮም ተማሕጺኖሞ። ነቲ ምሕጽንታ ነጺጉ ድማ፡ ነቶም ኣኼባ ናይቲ ኣብ ስልጣን ዝነበረ ሰልፊ ከካይድ ዝጸውዑዎ መራሕቲ ናብ ምእሳሮም ተጓይዩ። እቶም ብኡንብኡ ዝተመቚሑ ሰበስልጣን፡ ክሳብ ሕጂ ሃለዋት ኣጥፊኦም፡ ገሊኦም ምዉታት ገሊኦም ናይ ኣእምሮ ምስሓት ጉድኣት ወሪዱዎም ይርከቡ።

ኣብዚ እቲ ኣገዳሲ ነጥቢ፡ የዒንቲ መላእ ኣፍሪቃ፡ ብመንገዲ `ተን ገለጽቲ ብርዕታት ናይቶም በሃራት ጸሓፍትን ተጣበቕቲ ዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ናብ ኤርትራ ይጥምታ ምህላወን እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ እቲ ኣፍሪቃ ብዛዕባ ትራጂካዊ ስቓይ ኤርትራ ክህልዋ ዝግባእ ተደላዪ ንቕሓት፡ በቶም ናይ ሕልና ድምጽታት ኣፍሪቃ ተገሊጹ `ሎ። ካብዚ ዝዓቢ ጸጋ ድማ የልቦን።

ሰለዚ ኸኣ ኢና፡ ኣፍሪቃውያን ኣሓትን ኣሕዋትን፡ ነቲ ድምጺ ኣልቦ ዝኾነ ህዝቢ ድምጺ ስለዝኾንኩሞ፡ የቐንየልና፡  ኣምላኽ ይባርኽኩም፡ እንብሎም ዘለና።

 

ዶር በረኸት  ሃብተ ስላሰ

Emeritus Distinguished Professor of African Studies and Professor of Law

University of North Carolina at Chapel Hill.

Fellow, African Academy of Sciences

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • semere June 16, 2019

    ኣየ ብዓል ኣቦይ ዶቶረ ——-።ልዕሊ85000 ስዉኣት ዶ ይበዝሑ ወላስ G-15 ትምህርትኻ ኣብ ካልእ ሞያ ኣውዕሎ።
    ደሓር ከኣ እዞም ኣፍሪቃዉያን ጸሓፍቲ ዶ ሰብ ሞያ ትብሎም ዘለኻስ ህዝቢ ሽዕብ ብሰንሰለት ታንኪ፡ ጸላም ሰምበት፡ ቅብጸትን ብቀረባ ወራራት ወያነን ህዝብና ክስጎግን ክዝመትን ደኣ ብርዖም ድዩ ተወዲኡ ኔሩ ወላስ ፍልዮ ተወዲእዎም።
    ተደንግጽን ተደንግጹን።

    • Hagherawi June 16, 2019

      ሰመረ

      ኣንታ ክሳብ ማኣስ እኹን ፥ ብሽም ሰውራ ኣሽካዕላል ፥ ከትጻወቱ ክትነብሩ ?
      ጀጋኑ ስንኩላን ዝረሸነ ፥ ሽፍታ ስርዓት ፥ ካብ ናይ ገዛእቲ ዝኸፍአ ጭካነ እንዳ ተጠቅመ ሃገር ኣጽኒቱስ፥ ተመሊሱ ብሽም ሰውራ ይወራዘ !!
      ወይ ጉድ !”

      • Danilo June 16, 2019

        እዚ ጥራሕ ምኣስ ኮይኑ፡መልክዕና ተደዊኑ ሓዲሽ ዘመን ኣካሒዳ ሙጾተ-ዓለም ‘ዶ ኣይኮናን ዘለና።ህድግለነ ዘይብሉ ስርዓት፡ ባህልን ሃይማኖትን፡ወግዕን ሕግን ዘይፈልጥ፡ሰብኣውን ሕልናን ዘይስምዖ፡ኣዳም ገረሞ !!! ኩሉ ዝሰማማዓሉ መን ኣመኖ -ኢሰያስ ኣፈ-ወርቅ፡ክብሪ እምነትን መንነትን ኤሪትራዊ ዝዓጠጦም ኣፍሪቃውያን ንመጀመርያ ግዝየ ምቅልቃሎም ሓዲሽ ምዕራፍ ከፊቶም ስለዘልዉ ምዓል “በታቶኖም ” ቀልጢፍኩም ምእላይ የድልየኩም።እንተኣበኢኹም ግን፡ኣብኣ ትደኹም።

  • mekonen semere June 23, 2019

    yehwat selementay enna dekhimmnna and genna khei nesserh allena melissna kingodel selementay. yehwat nestuell bezynan zey bezaynan neflet.

Post a Reply to mekonen semere Cancel Reply