Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

የዒንትና ጥራይ ዘይኮነ ልብና ውን ደም ነቢዑ!!

            የዒንትና ጥራይ ዘይኮነ ልብና ውን ደም ነቢዑ!! ኣንቱም ኣሕዋት በቃ ጽሕፍቶና ንሞትን ከልበትበትን ስደትን ኮይኑ፡፡ ኤርትራዊ በቃ ንሞት ብዕጭኡ ተረቲዑ፡፡ እንታይ ኢዩ ኣበሳና᎒ ኣብ ክንዲ ቦኽርን ሕሳስልደን ንስለ ናጽነት ስለ ኤርትራውነት

            የዒንትና ጥራይ ዘይኮነ ልብና ውን ደም ነቢዑ!!

ኣንቱም ኣሕዋት በቃ ጽሕፍቶና ንሞትን ከልበትበትን ስደትን ኮይኑ፡፡ ኤርትራዊ በቃ ንሞት ብዕጭኡ ተረቲዑ፡፡ እንታይ ኢዩ ኣበሳና᎒ ኣብ ክንዲ ቦኽርን ሕሳስልደን ንስለ ናጽነት ስለ ኤርትራውነት በጃ ዝኸፈልና፡፡ ኣብ ክንዲ ኣደ ሓሙሽተ ኣርባዕተ ወላድ መኻን ዝኾነት፡፡ ኣብ ክንዲ ዝርካብና መጢና ሃገረይ ዝበልና፡፡ ኣብ ክንዲ ንዓለም ገረሞ መዳርግቲ ኣልቦ መስዋእቲ ዝኸፈልና፡፡ በሪእ! ክንድቲ ንናጽነት ንብዓት ሓጎስ እናነባዕና እልል እናበልና ዝተቐበልናያ ጥራይ ዘይኮነ ሕልፊኡን ዕጽፉን  ንሓዝንን ንጉህን ኣለና ኤርትራውያን፡፡ ብሰንኪ ከይሲ ኢሳይያስን ጓሓፍ ጉጅልኡን፡፡ ዘይ ከም ውዕለትናን መስዋእትናን እሾኽ መርገም ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ ኣብታ ንፈትዋን ነፍቅራን ሃገርና ኤርትራ ከም ዋዛ ዋዛ ቦቒሉ ሱር ሰዲዱ፡፡ ዓለም ብዓለሙ እናሓዘነ፡ መዛረቢ ኩሉ ማዕከናት ዜና ዓለም ኮይና ናይ ሓዘን ጸሎት እናተገብረ፡ ዜጋታተይ ኢሉ ዝዛረበልናን ዝሓዝነልናን ዝጣበቐልናን እውን ስኢና፡፡ ኣረ እንታይ ኢና ንኸውን ዘለና፡፡ ልዕልዚ ትራጀድያዊ ቅዝፈታት እንታይ ክሳብ ንኸውን ኢና ንጽበ ዘለና፡፡ በቃ ዘዝተወለደ ንጊልያነት ሳዋ፡፡ ዘዝወጸ ንባሕሪ፡ ዘዝዓኾኸ ኣብ ሲናይ ኣምዑቱ ክዝልዘል፡፡ ልዕሊ እዚ ትራጀድያዊ ቅዝፈታት ስርዓት ደርግን ሃይለስላሰን እንታይ ኢዮም ገይሮምና፡፡ ንሶምሲ እኳ ኣብኡ ዘፍለጠ ኤርትራ መሬታ እምበር ህዝባ ኣየድልየናን ዝጨርሑ ኢዮም፡፡ ናይዚ ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ እናበለ ስርዓታት ሃይለስላሰን ደርግን ዝጨርሕዎ ጭረሖ ርእዮ ብርእዮ ዘተግብር ዘሎ ከይሲ ኢሳይያስ ከ እንታይ ኢዩ ክበሃል፡፡ በጃኹም ንበራበር ኣሕዋት፡፡ ብህልኽን ቅርሕንትን ንሕድሕድና ተተፋኒና ኢሳይያስ ዝሰረሖ መጥፍኢና በሊሕን መርዛምን ላማ እናሓረደና ኣይንውሓጦ፡፡ ይኣክል ንበል ይኣክል፡፡ እንተ ተፋቒርና፡ እንተ ተረዳዲእና፡ እንተ ተኸባቢርናን ተሓላሊናን ኤርትራ ሕልፍን ትርፍንያ ንዓና፡፡ ሓቂ ብሓቂ የዒንትና ጥራይ ዘይኮነ ልብና ውን ደም ይነብዕ ኣሎ ኤርትራውያን፡፡

ሎሚ ተስዓን ትሽዓተን ሚእታዊት ሓደጋ ኢዩ፡፡ ሓንቲ ሚእታዊት ግን ከም ዕድልካ መሕለፊ ኣላ እንተሰሚዑ፡ ተዓሚቱ ዘይኮነ የዒንቱ ቋሕ ኣቢሉ ብድፍረት ዝኣቱ ፍጡር እንተሃልዩ፡ ኤርትራዊ ጥራይ ኢዩ፡፡ እንታይ ክገብር በቃ እንተኾነሉ ጸቢብዎ ጨኒቕዎ፡፡ ኣብ ሃገሩ ምንባር ስለ ዝተሓረመ መቐረት ምንባር እንታይ ምኻኑ ክርእን ክፈልጥን፡፡ ኣብ ሃገሩ ባርያ ስርዓት ህግደፍ ስለ ዝኾነ ኣብ ዓዲ ጓና ተሰዲዱ ንእሽቶ ናጽነት ከስተማቕር፡፡ እምበር መኣስ ዓዱን ሃገሩን ጸሊኡ፡፡ እምበር መኣስ ማእከላይ ባሕሪ ኣማኢት ኣሽሓት ኣሕዋቱን መተዓብይቱን መማህርቱን ከም ዝቐዘፈ ጠፊእዎ፡፡ እምበር መኣስ ምድረበዳ ሲናይ እዚ ውን ይሓልፍ እናበሉ ብስሕለት በደዊን ኣሕዋቱን መቕርቡን ከም ዝተዘልዘሉ ተሰዊርዎ፡፡ በቃ ዓቕሉ ጸቢብዎ፡፡ ተስፍኡ ጸልሚቱን ማህሚኑን፡፡ ተስፋ ዝቖረጸ ንሓደጋን ፈተናን ኣይፈርህን ኢዩ፡፡ ሎሚ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ተኾርሚኻ ሞት ኣሳፊሕካ ሞት ሓዲድ ተስፋ ምቑራጽ ኢዩ ተንጠልጢሉ ዘሎ፡፡  ̋በጃኻ ግደፈና ሞት መልክዕ የብሉን ፡፡ እንተስ ክንሰግር ሓደው ክንጥሕል ንፍትን፡፡ ኩሉ ሞት ኢዩ ከይፈተንካ ሞት ግን ናይ ሞት ሞት ኢዩ፡፡˝ ክብሉኻ ክትሰምዕ ስምብድ ኢኻ ትብል፡፡ ሞት ከም ንቡር ተራ ነገር ተቖጺሩ ኣብ ኤርትራዊ መንእሰይ፡፡ ስለምንታይ ግን ክሳብ ክንድዚ ዕዉር ድፍረት᎒

ብኣንጻሩ ኤርትራዊ መንእሰይ ይጸንት ይሃልቕ ኣሎ፡፡ ኣውያት ኤርትራውያን ኣሕዋት ካብ ምድረበዳ ሲናይን ምድረበዳ ሰሃራን ማእከላይ ባሕርን የቃልሕ ኣሎ፡፡ ሃገር ትባድምን ትበርስን ኣላ፡፡ ስደት ድማ ግዝያዊ ፍታሕ እምበር ነባሪ መፍትሒ ኣይኮነን፡፡ ስለ ዝኾነ ነባሪ ፍታሕ ክርከብ ህግደፍ ተሓግሒጉ ክእለይ ኣለዎ፡፡ ኣብ ክንዲ ንርሑቕ ስደት ምምዕዳው ተቓሊስካ ህግደፍ ምእላይ ኢዩ እቲ ፍታሕ፡፡ ዝብል ሓሳብን ምኽርን ኣብ ትህበሉ ሒደት ዘይኮነ ቁጽሪ መንእሰይ ክላእ ግደፈና፡፡ ምስመን ኮይንካ ቃልሲ ክብል ክትሰምዖ መዓንጣ ከብድኻ ኢዩ ዝቐርጽ፡፡

ከምቲ ንኹልና ዝበታትንን ዘጽንትን ዘሎ ኢሳይያስ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ዝበሎ ማይ ትኸዶ እምበር ኣይመጻካን ኢዩ ስጊንጢር መልሲ ኢዩ፡፡ ቃልሲ ባዕልኻ ብቖራጽ ውሳነኻ ኢኻ ትጅምሮን ተበጋግሶን፡፡ ግድን ካልኦት ደፊኦም ከጀምሩኻ፡ ወይ ኣብ ዝተጀመረን ናብ ዓወት ዝተቐራረበን ክትኣቱን ክትሕወስን ምጽባይ የዋህነት ኢዩ፡፡ ብዘይ ቀልዓለም ኤርትራዊ መንእሰይ እታ  ዝፈትዋን ዘፍቅራን ሃገሩ እተንድድ ረመጽ ኮይናቶ ኢያ፡፡ ግን ከኣ ስንኩላን ተጋደልቲ ብዓይኑ ክርሸኑ ዝረኣየ መንእሰይ፡፡ ገድሊ ዝመርሑን ምእቲ ሃገር መዋእሎም ዝኸርተቱን ኣቦታቱን ኣያታቱን ዒራ ዒሮ ኣትዮም ክሃልቁ ዝረኣየ ወለዶ፡፡ ዕድመ ልክዑ ኣብ ግልያነት ተቖሪኑ ብምግፋፍን ምእሳርን ዝተኸላበተ ዜጋ፡፡ ነጻነት ከየስተማቐረ ኣብ ባርነት ዝተሞቕሓ ፍጡር፡፡ ኮብሊልካን ስግረዶብ ኬድካን ተባሂሉ ሕነ ቀራናት ንጓዕማማት ኣረገውቶት ስድራቤቱ ሓምሳ ሽሕ ክኸፍሉን ክእሰሩን ዝፈልጥን ዝረኣየን ኣብ ብርኩ ዘስተንፍስ ሸባብ፡፡ ህግደፍ ንምልእቲ ኤርትራ ሓንቲ ዓባይ እተስካሕክሕ እስርቤት ክቕይራ ዝርእይ ዘሎ ኤርትራዊ፡፡ ሃሙን ቀልቡን ውልቃዊ ፍታሕ ጥራይ ከናዲ፡ ብዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ንርሑቕ ስደት ጥራይ ከማዕዱ ክትርኢ ዘሕዝን ኢዩ፡፡ እምበርዶ እቲ ትብዓትን ጅግንነትን ኣቦታትና ኣይጠፈአን ዘብል ኢዩ፡፡

ህግደፍ ኣብ ውሽጢ ዕስራን ሰለስተን ዓመታት ባርነት ንኤርትራዊ መንእሰይ ብቲ እቲ ስርዓት ዝደልዮ ናይ በለጽ ቅኒት ኣቃንይዎ ኣሎ ክትብል ዘድፍር ኢዩ፡፡ ብዘይ ቀልዓለም እውን ህግደፍ ንኤርትራዊ መንእሰይ ጥራይ ዘይኮነ ንኹልና ከምዘይ ንተኣማመንን ከም ንጠራጠርን ገይሩና ኢዩ፡፡ ሕጂ ግን ይኣክል! መወዳእታና እንታይ ከም ዝኸውን ዘሎ ነስተባህለሉ፡፡ ብተደጋጋሚ ጃምላዊ ቅዝፈትን ህልቂትን ኤርትራውያን ዕሸላት የዒንትና ይራይ ዘይኮነ ልብና እውን ደም ይነብዕ ኣሎ፡፡ ዝፈሰሰ ክንሓፍሶ ኣይከኣልን ኢዩ፡፡ ነቲ ገና ሕጂ እውን ክፈስስ ተቐሪቡ ዘሎ ክንከላኸልን ከነድሕንን ግን እቲ ምርጫን ዕድልን ምሳናን ኣብ ኢድናን ኢዩ ዘሎ፡፡ ስለ ዝኾነ በጃኹም እቶም መገዲ ፍርናሽ ብፍርናሽ ልሙጽ ኢዩ፡ ተባሂልኩም ኣስሓኮ ብዘይብሎም ኤርትራውያን ደላሎ ተታሊልኩም፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ናብ ልብያ ተጓሪትኩም ዘለኹም ኤርትራውያን ኣሕዋት፡ ነዚ ሓደገኛ ህይወት ዘጥፍእ ዘሎ ጉዕዞ ደው ኣብልዎ፡፡

ንኹሎም እዚ ኣስካኽካኺ ህልቂት ኤርትራወያን ዝኾነ ጥፍኣት ንቤተሰቦምን ንህዝቢ ኤርትራን ጽንዓት ይሃቦምን ይሃበናን እብል፡፡ እግዚኣብሄር ንእሰነቶምን ወጽዖምን ርእዩ ንኹሎም ግዳያት ኣብ ገነት ይቀበሎም፡፡ መንግስተ ሰማይ የዋርሶም፡፡

ሚኪኤል እምባየ (ኣራንቺ)

Aranchi03@yahoo.com

aseye.asena@gmail.com

Review overview
17 COMMENTS
  • Imbaye October 10, 2013

    Way don’t you ignore this guy he is doing what his retarded leder told do him his not eriteran I just pity on him

POST A COMMENT