Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“የጨዋ ደሞዝ”: ናይ ጭዋ ደሞዝ።

                         “የጨዋ ደሞዝ”: ናይ ጭዋ ደሞዝ።                 20.03.2015 “የጨዋ ደሞዝ” ካብ በለስ “ብኣምሓርኛ ክትብትባ ደልዩ” ኢልኩም ሓሲብኩም ትኾኑ’ምበር ኣይፋለይ። ንሳስ ንፕረሲደንት ኢሳይያስ ት ጽበ ዘላ ዕዮ ገዛ ኢያ። ከምዚ ትርእይዎ ሕሉፍ ድርቅና ኣምሓረተይቲ ግዳም ተኾይጡ ይርአ እንሆ።

                         “የጨዋ ደሞዝ”: ናይ ጭዋ ደሞዝ።                 20.03.2015

“የጨዋ ደሞዝ” ካብ በለስ “ብኣምሓርኛ ክትብትባ ደልዩ” ኢልኩም ሓሲብኩም ትኾኑ’ምበር ኣይፋለይ። ንሳስ ንፕረሲደንት ኢሳይያስ ት ጽበ ዘላ ዕዮ ገዛ ኢያ። ከምዚ ትርእይዎ ሕሉፍ ድርቅና ኣምሓረተይቲ ግዳም ተኾይጡ ይርአ እንሆ። በቲ እንግዶት ዝተተባብዐት ሽዋተ ይቲ ድሮ ትርጉም ቋንቋን ሃገርን፡ ትርጉም ቋንቋን ፕሮቶኮልን ጥሒሳ ነቲ ዓዳሚኣ መራሕ ሃገር ከምናታ ብምጽብጻብ “ንምንታይ ፕረሲ ደንትና ብቋንቋና (ኣምሕርኛ) ዘይተዛረበ” ኢላ ኣኹሪፋ ክትርአስ ክንደይኮን ትዕሹ ኮይና? እንተላይ ክትጎርሕ። መራሕ ካልእ ሃገር ኣብ ዓዳ መጺኡ በቲ ናታ ክደራጓዕሲ መርኣያ ግሩም ዲፕሎማሲ ምተጸብጸበ። ኣብ ዘይሃገራኸ ናይምንታይ ሓለፋ’ዩ ኣምሓራ ክዝረበላ ተመ ንያ? እንበርከ ብዓንተቦኣ ኣምሕርኛ መረብዶ ትሰግር ነይራ ኢያ? እንተ ሽዑ ዋላ’ዃ ኢሳት ኣብ ኣስመራ ዘይተጸበየቶ ዘረባኣን ሳዕስዒታን ክድብል ከምዝራአየት እንተተኾመረት፡ ፕረሲደንት ኣብ ወግዑ፡ ነቶም ብተምሳል ገዛእቶም ዝሰርሑን ዝዛረቡን ህዝብታት ኣፍሪቃ እናነ ቐፈ፡ ከምህዝቢ ክሳብ ብዘይሓለዋ ዘናብር ንውንኖ ባህሊ ከምዘለና ከዕልላ ከምዘይተሰምዐ ኣሻባ ዘንጊዓቶ ሽዋ ቋን ቋ ከምዘለናዶስ ዕላ ሎም ነገር ነይርዎ?

ፕረሲደንት ሲሳይያስ ታሪኽ ናይ 19 ክፍለ-ዘመን እንተተኸፊቱ ከምታ ሳንዱቑ ፓንዱራ እዚ ዘይበሃል ተጓሟዲ ዝዘንብዐ ታሪኽ (Distorted history) ከምዝቕላዕ ተረዲኦም ሃገራውነት ኤርትራ ክርዕሙ ክብል ን50 ዓመታት ከምተጋደለ ኣረዲኡ ሎሚ እቲ ‘ብሰበብ ወያነ’ ተጣሚሙ ዝነበረ ተዓርዩ ንቡር ርክባት ክግበር ከምዝመዓደ ኮይኑ ኢዩ ተሰሚዕኒ። ንሶም በቲ ዘለዎም ናይ ምውዕዋዕ ጸብለልታ ነታ “ናብ ንቡር ንመለስ” ትብል ኣምር መንጢሎም ንእለታ ኣንድነት ቀስ-ብቀስ ዘይኮነትስ ሸዂዃ ብእግራ ትኸይድ ከምዘላ ከምስሉዋ ተቐ ዳደሙ ። ዝተደናገሩ ወይ ዝተላእኩ ገለ ኤርትራውያን’ውን ኣብ ኣኼባታቶም ክቀላቐሉ ተራእዩ። ነዚ ዝተዓዘበ ወዲ ሃገር ድማ ከምቲ ባዕሉ ዝበሎ እንተ ኣናብባና በበይኑ ኮይኑ ወይ’ውን እቲ ኣበሃህላ ግዲ ተሃዊስዎ ንኣበሃህላ ፕረሲደንና ክፍትሾ ተራእየ። ብኣውራኡ ኣብ ስርዓት ህግደፍ ግሉጽነት ስለዘየሎ ወዲ ሃገር እምነት ፕረሲደንቱ ኣጥፊኡ’ዩ። እሞ ፕረሲደንት ንዕዱማቱ ዝበሎም ነገራት ከይህሉ ምጥ ርጣር ንቡር ፖለቲካዊ መስርሕ ኢዩ። ንነገሩ ፕረሲደንት ኢሳይያስ እቲ “ዝዘንብዐ ታሪኽ ክዕረ ኣለዎ” ማለቱ እንተዘይኮይኑ ነታ ሳንዱቕ ፓንዶራ ስለዘይከፈተሎም ንርእሱ ገለ ካብቲ ኣብ ሳንዱቕ ህግደፍ ተዓሺጉ ዘሎ መስርሕ ምፍጣጥ ምዃኑ ትፈልጡዶ? በሉ ንሱስ ነቶም ‘ዝተቓደዉ’ ንግደፎ። እንተ’ቲ ጠለቦም ግን ድፍረት ክብሪ ሃገርና ስለዝኾነ ምምስሳል ወዲኣፎም ብሪ ገዲፍና ብዕቱብ ክንሪኦ ኣለና።

“’የጨዋ ደሞዝ’ እንታይ ማለት ምዃኑ’ዩ ናይ ሎሚ ዛዕባና። እቲ ንደቕና ናይ ዘመን እኒ-እኒ ታሪኽ ንዓና ንወለዲ ግና ርሕቕ ኣይኮነን’ሞ እዛ ናይ ጭዋ ደሞዝ ትብል ኣምሓረተይቲ ጥቕሲ’ውን ማዕረማዕረ ናይቲ ርሱን ሃገራዊ ሕቶና ዝተነዝሐት ፈላላይት መርዚ ትሕተ-ሃገራ ውነት ምንባራ ከዘኻኽር ኢለ’የ። ቅድሚ ደሞዝ ዝግብኦ ጭዋ ምዝራብና ግን ጭዋ እንታይ ማለት ምዃና እንተተዛረብናላ ይሓይሽ።

ብመሰረት መስፍናዊ ሕ/ሰብ እዚ ብጥበብ ኣምላኽ ዝተፈጥረ ሰብ ብስልጣን ከምቲ ከምኡ ወዲ-ሰብ ‘ጽርየት’ ፍጥረትና በበይኑ ምዃኑ ይኣምን። መቸም መስፍንነት ድሑር ክበሃል እንከሎ መርኣያ ኣለዎ። ብስነ-ፍልጠታዊ መጽናዕቲ ሰለስተ ዓይነት ሰብ (ጸሊም ጻዕዳን ብ ጫን) ከምዘሎ ተማሂርኩም ትኾኑ። ኣብ ስርዓተ መስፍንነት ዝነበረ መጽናዕቲ መደብ ጸሊም ሰብ ድማ ጭዋ፡ ባርያን ጎበጨረን (ሕዋስ) ተባሂልና ከምንጉጀል ዝጸንሓና ሓድግታቶም የረጋግጽ። ብፍልጠት መሳፍንቲ ጸሊም ሰብ ብተፈጥርኡ ትሕቲ ጻዕዳ ምዃኑ ንርእሱ ወዮ ጸሊም ገዛኢ ኣሚንሉ ነበረ። ኣብ ገለ ቤተ-መቕደሳት እንተረኣና’ውን ጻዕዳ’ምበር ጸሊም መልኣኽ ከምዘየለ ዘመልክት ትርኢት ኣሎ። እን ተኾነስ ጸለምቲ መሳፍንትና ለባማት ኴይኖም ብሉጽነቶም ክገልጹ ንዓሌት ጸለምቲ ዘቖመ ዓጽሚ ጽሩይን ዘይጽሩይን ኣውጽኡሉ። እቶ ም ብቁጠባን ብስልጣንን ዝደመቑ ሰባት ብተፈጥሮ’ውን ነብሶም ከም ሕሩያት ፈጣሪ ገይሮም ክወስዱ ኣይነሓፉን። ንሳቶም ካብቲ ካልእ ሰብ ክፍለዩ ምእንቲ ዝመረጽዎ መጸውዒ ጽሬት ትውልዲ ለካ ‘ጭውነት’ ኢዩ ዝበሃል። ጭዋ ማለት እምበኣር ‘ምሩጽ ዘርኢ’ ማለት ከ ምዝኾነት’ውን ጸደቐት። ከምኡድማ ዕጫ ጭዋ ትውልዲ ሕርያ ኣምላኽ ከምዝኾነ ይግለጽ ነበረ። ካብኡ ዘዝተረፍና ‘ባራዩ’ ኢና።

ሃገርና ኣብ ትሕቲ’ታ ብክቱር መስፍንነት ዝተሓመሰት ኢቲዮጲያ ክትቁረን ኣብ ዝተገደደትሉ እዋን ናታ ከይኣኽላ ኩሉ’ቲ ናይ ገዛኢትና መከራ ከይተረፈ ክትስከም ግድን ኮና። ኣብ 19 ክፍለ-ዘመን ኣብዝነበረ መስፍናዊ ወራራት ተሳጊሮም ካብዝመጹና ወረርቲ ዝተረፈ ሓድ ግታት’ውን ክሳብ ሎሚ ኣሎ። ገለ ኣብነት ንምጥቃስ ክብል ኢየ ድማ ኣምር ‘ጭውነት’ ዝተናኽፎ ዘለኹ። እዚ ብፍላይ ድሕሪ ውግእ ዓ ድዋ ኣዝዩ ተጋህደ። ጎረቤትና ታሪኽ ዘሕብእ ሕማም ከምዘለዋ ትፈልጡ ዘበልኩም ታሪኽ ኣቦሓጎታት ኣቦሓጎታትኹም ብምዃኑ ትርጉ ሙ ፈታትሽኩም ክትፈልጥዎ እናተላበኹ ንሎሚ ግና ከምኣብነት ጥራይ ኢየ ክጠቕሶ።

ከምዝፍለጥ ውግእ ዓድዋ ብዘይተሳትፎ ኤርትራውያን ክዕወትስ ይትረፍ ኣይምተሓስበን’ውን። ሽዑ ሓደ ካብቶም ንመግዛእቲ ጣልያን መኪቶም ዝሰገሩን ኣብቲ ውግእ ኣብ ወሳኒቦታ ኣድብዩ ብምጽናሕ ትንግርቲ ዝሰርሐን ጅግና ደጊያት ኣበራን ሰራዊቱን ክዝክር እኽእል። ንጉስ መነሊኽ’ውን ክሳብ “ከሺ ኣማራ ኣንድ ኣበራ” ኢሎም ዝመስከሩሉ ደግያት ድሕሪ’ቲ ዓወት ብሽሕጣንን ጥልመትን ንጉስ መነሊክ ተቐርቂሩ ምስሰራዊቱ ንሽዋ ምስተደፍአ ኣይተመልሰን። ተንኮል ኢቲዮጲያውያን እንኮላይ ንጥልመቶም ዝሽፍን ክኾነሎም ምእንቲ ነቶ ም ናይቲ ግዜ ጀጋኑ እናሳዕ “ኣርበኖች ጀግኖች ሃማሴኖች” ከምኡ’ውን “ስመጥሩ ሓማሴኖች” እናበሉ ክሽሕጡዎም ተራእዩ። “ጤሰኛች” ብዝብል ተወሳኺ መጸውዒ ከምፍረ-ጻማ ናይ ጀግንነቶም ኣብ ከባቢ ሻሸመኔ (ካብ ኣዲስ ኣበባ 280 ኪ.ሜ. ንደቡብ) መሬት ዓዲሎም ኣጣየስዎም። ምናልባሽ እዚ ምግባሮም ሓልዮት እንተመሲልኩም ኣይሓልዮትን። ሎሚ’ውን ‘ሃሳሳት’ ከይትበሃሉስ ውግእ ዓድዋ ቅድሚ ምዃኑ እንታይ ነይሩ’ቲ ውዕል? ድሓር ስለምንታይ ጠሊሞም? ስለምንታይከ መሓውር ኤርትራ ቆሪጾም? ውዕል ውጫሌኸ ከም’ዚሎሚ ዘመዓራረይዎ ትርጉም ድዩ ነይሩ’ቲ ናይ ሽዑ መኻልፉ? ብሓጺሩስ ጥበብ’ዞም ካብ ጥንቱ ሕውነትናን ምስልናን ‘ዝማረኾም’ ቀተልትና ሕጂ’ው ንምፍታሹን ብዕቱብ ምሓዙን ንዓኹም ንተካእቲ ንገድፎ ከምዘለና ኣይትዘንግዑ። ጾታ ብዘይፈሊ ኣእዛንካ ብዘብለጭልጭ ስቑ ሬናት ሸሸኺልካ ዕውንውን መግለጺ ዘመናውነት ብዘይምዃኑ ኣየዋጽእን’ዩ’ሞ ፍቐዶ ፓልቶካት ምጽራድ ገዲፍኩም ንሓድነት ድለዩዋ።

በቲ እዋን እቲ ንዓና ዝለከመ ኣብ ማእከል ኢቲዮጲያ ዝነበረ መስፍናዊ ወራራት ምስ ምእታው ጣልያን መልክዑ ቀየረ። ሃገርና ድማ ካ ብ መስፋናዊ ወራራት ናብ ርእሰ-ማላዊ ገዛኢ ተሰጋገረት። ድሕሪ 60 ዓመት ጣልያን ብዓለማዊ ሓይሊ ምስተሳዕረ እታ ምስቲ ዝሰዓረ ሓይሊ ዝወገነት ኢቲዮጲያ ንኤርትራ ተንበርክኸላ ህሞት ረኸበት። ሽዑ ሓያላን ንሃገርና ንኢቲዮጲያ ሓቝፎም ምስኣረከቡዋ ጎረቤትና ብታሕጓስ ጭድድ ፍንጭሕ ክትብል ገዛኢነታ ክትኣምኖ ኣይካአለትን። ከምሳዕቤኑ ምዕባለኡ ዘይተኸተለ ምስሊ መግዛእቲ ተራእየ። ብ ፖለቲካዊ ክዳኑ ብስም ውህደት ኣብትሕቲኣ፡ ብደረጃ ምዕባለን ስልጣነን ልዕሊኣ ብምዃን ዘይመጣጠን ምስሊ መግዛእቲ ክርአ ግድን ኮነ። ነዚ ኢዮም ወዮም ጎራሓት ሃገርና ምስ ወላዲት ሃገራ ከምተጸንምበረት እምበር ከምዘይተገዝአት፡ እንተትግዛእ ኤርትራውያን ካብ ራብዓይ ክፍሊ ንላዕሊ ክመሃሩ፡ ትካላት ክውንኑ ….ኣይምኻአሉን” ዝብል ጎስጓስ ሎሚ ከምሓድሽ ዝደግሶም ዘሎ። ኢቲዮጲያ ከምዚ ና ይ ኣፓርታይድ ክትሕዘና ከተባርረና ኣይፈተነትን ዲያ? ኣብርእሲ’ቲ ኣብ ዓድዋ ትፈልጦ ህዝቢ፡ እቲ ኣብ ማእከል ከተማኣ ኣንጻር ግራዝ ያኒ መስዋእቲ ዝኸፈለ፡ ኣብርእሲ’ቲ ዘይናቱ ዘይደሊ፡ ናቱ ዘይህብ ኤርትራውስ እንታይ ዝኣመሰለ ዓቕሚ ስለዝነበራኸ ክትጉንጾ?

ሕማም ካብሱሩ እንተዘይተፈዊሱ ኩሉግዜ ክደግስ ይኽእል። እቲ ዊንታ ሕጂ’ውን ከፋፊልካ ግዛእ ኢዩ። እቲ ንድሌት ህዝቢ ኤርትራ ዝ ዓበሰ ናይ ሓሶት ውህደት ሓንቲ ግዜ ክትኮስ ምዃኑ ፍሉጥ ነበረ። ስለዚ ወዮም ጎራሕ ንጉስ ማእለያ ዘይብሉ ሸረኻት ገዛእቲ ኣዳለዉ። እቲ ብትውልዲ፡ ብዓባይ ኢቲዮጲያውነት፡ ብደቂ ይሁዳነት፡ ዝተነጽፈ መሐንኮሊ ኮታ ክንደይ ክበሃል። ብታሪኻዊ መዳያቱ ይብሉና ክ ሳብ ንግስቲ ሳባ ኣብ ማይበላ ንመነሊክ ቀዳማይ ወሊዳ። በቲ ባህላዊ መዳያቱ መበቆል ሰብና ጭዋን ባርያን ከምዝኾነ። ቀንዲ መፈልፈ ሊት ዓይኒ ጭዋነት ስግር መረብ ከምዘላ ዘዝተጎስጎሰ ዘበለ ድማ ጽሩይ ምዃኑ ብትዕቢት ኣብ ዝገልጸሉ ንደቡብ እናጠመተ ብ’ጭዋነቱ’ ክምካሕ ነይርዎ። ስለዚ “ትግራይ ዘይውለድ ነይጭዋ” ክበሃል ተጀመረ። ሰብና ድማ እቲ ወወናሙ ካብ መንዜ ማእከል ሃገር ሽዋ፡ ካብ ጎንደረ-ላስታ፡ ካብ ተንቤነ-እንደርታ…. ኮታ ካበይከ ካበይ ከምዝፈለሰ ከምስል ቀንዖ።

ኣብ ግዜ ጎስጓስ ዓደይ-ዓደይ ኢቲዮጲያ ኣብ ሕዛእቲ ከምተፈነወ መጭዓና ነቶም ክልተ መወለድ ዘለዎም ኣበርቲዓ ተጠቕመትሎም። ነቶ ም ሓድነት ከምሓይሊ ሓሲቦም ክረድዩ ዝደልዩ’ውን ከምኡ። ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ዘሪቛ ብምእታው ድማ ብናይገዛእ ርእሳ ሕርያ ሹማም ንቲ ክትሰርዕ ጀመረት። ጭውነት ከኣ ቀንዲ መዐደሊት ሽመት ከምዝነበረት ይትረኽ። እቲ ታሪኹ ዘዝፈለጠ ሰብና ቁንቁኛ ስግር መረብ ተረዲኡ ናይ ባዕሉ ‘ጭውነት’ ክጭርሕ ምስጀመረ ንምንጻል ካብ ዝተጠቕሙሉ ሰራም ጥበብ ነበረ ጭውነት። ቀስብቀስ’ውን ጭውነት ከም ግንዖ ብደረጃታት ክሳብ ታሕቲ እናዓደሉ ከም ፖለቲካዊ ሻምላ ክጥቀሙላ ተራእዩ።

ሓደ ሰብ ጭውነቱ እንተተመስኪርሉ ነብሱ ካብቲ ካልእ ብጸብለልታ ትጉባእ። ጭውነት ብሱሩ ክሳብ ነብስኻ ኣካል ናይቲ ንጉሳዊ ቤተ-ሰብ ምቑጻር ከምዝሕሰብ ክመስል ከምተፈተነ ኣይትረስዑ። ብፍሑኽፍሑኽ ድማ ኣብጽፍሒ ይሃሉ ኣይሃሉ ምዕዳል ገንዘብ መጸት። “የ ጨዋ ደሞዝ” ትበሃል ወርሓዊት ክፍሊት ብሕቡእ ፈፈሪምካ ዓዃሊልካ ኣብ ጁባኻ ሰሰዂዕካ ምስዋር ኮነ። መጠን የጨዋ ደሞዝ 30 ብ ር ከምዝነበራ ይዝንቶ። ሽዑ ሰላሳብ ብር ግጥም ኮይኑ የንብር ነበረ። ጉድ ኢዩ፡ ሳላ ‘ጭዋነት’ ብኾፍካ ምንባር!

ንእዋናዊ ዕድል ዝበሃገ ሓደ ሰብ በቲ ሓደ ጭዋነቱ ብመሳልል ንግስነት ከምተመስከረሉ፡ ብካልኣይ ብሳላ ጭዋነት ኣብ መሳልል ስልጣን ምኹያጥ፡ ብሳልሳይ ብሳላ ጭውነት ብድጎማ ክንበር፡ ሓያል ውህብቶ ኢዩ። እንተኾነስ እዚ ዕድል’ዚ ዝኸበደ ሓላፍነት የሰክሞም ከም ዝነበረኸ ብሩህዶ ሓቀይ? እቲ ደሞዝ ዋጋ ጥልመት ገዛእ ሓዎም፡ ህዝቦምን ሃገሮምን ምንባሩኸ……

ክበልዕ ዝበለ ገደል ካብኮነት ኣፉ፡ ሓንሳብ ዝኾለሰት ኣፍ ድማ ኣብ ብላዕ ወይ ጉቦ ተደርጊማ ማለት ኢዩ። ኣብ ሕ/ሰብና ጉቦ ኣዝያ ነው ሪ ብምንባራ ኣይትሕሰብን’ውን ነበረት። ክትበልዕ ዝተመነየት ከብዲ ድማ መንነታ ብልዒ’ምበር ክብረት ኣይኮነን። ስለኡ ዝተቐረበ ምር ጫ እንተዝቕረብ እታ ድምጺ ሓንቲ ጥራይ ነበረት። ‘ኣንድነት’ ኣኸለ። ብከምዚ ኢያበሉ ሰላሕታ ኲናት ጭዋ ደሞዝ ኣብ ሃገራውነትና ጎዳኢ ኣሉታ ዝተጻወተት።

ህግደፋዊት ናይ ጭዋ ደሞዝከ?

ጎደፋ፡

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
16 COMMENTS
  • ኣርዓዶም March 21, 2015

    ጎደፋ
    ሽምካስ ብሩር ወርቒ ወዲ ህዝቢ እምበር ንዓኻስ ጎደፋ፣ ጸላኢና ይጎደፍ፡

    ብዝኾነ ክቡር ሓውና ጎደፋ፡ ስለ`ቲ ቕኑዕ ተባዕ ዛንታታት እትጽሕፎ፡ ብዙሕ ክንማሃርን ክንፈልጥንክ ኢልና እብል ብወገነይ። ከም`ቲ ገለ ዝብልዎ፡ ብኣጋጣሚ እቲ “ እትዮጵያ “ ዝብል ሽም ቕድሚ ኤርትራ ዝብል ሽም ብምጽንሑ እምበር፡ እቶም ህዝቢ ካባና ዝፈለሱ፡ ቝንቝኦም ተኾነ ካባና ዝመንጨወ ምዅኑ ማንም ተዛራቢ ትግርይና ወይ ምሁር ዝፈልጦ ሓቒ ኢዩ። ስለዚ ኤርትራውያን መጀመርታ ኣህዛብ ምዅኖም ግን ክኣ ዝተቐብረ ታሪኽ ከም እንውንን ማለት ዘይተዘንተወ ብዙሕ ምህላው እምበር፡ መብዛሕትኦም ብፍላይ ኣምሓራ፡ ጉራጌ፡ ትግራይ፡ ዎሎ ዝብሃሉ ከባቢ፡ መብዛሕትኦም ካብ ሰሜናዊ ማለት በቲ ቐደም ግዜ ኣጸዋዓ ሎሚ ግን ኤርትራ፡ ዝፈለሱ ምዅኖም ዘይተነግረ ታሪኻት ኣሎ።

    ነዚ ታሪኻት እዚ ከዘንትው ዝኽእሉ ይህልው ኢዮም፡ ከምኡ`ውን መወከሲ ይህሉ ኢዩ። ይኹን ግን ንሱ ተዘይተረኺቡ፡ መበቖል ኣምሓርኛ ካበይ ምዅኑ ፍሉጥ ዝገብሮ ትግርይና ስለዝኾነ፡ ንሱ እኹል መወከሲ ኢዩ። እንተ እቲ ምቑራጽ ምሓውር ግን ብጽልግልግ ዝብል ናይ ቑልዕነት ዓይኒ ርኢናዮምን ኣርኪብናሎምን ክብሃል ይክኣል። ኣብ`ቲ ግዜ ንእስነተይ፡ ኣብ ከባቢና ብዙሓት ነይሮም ናይ ቑልዕነት ነገር ኮይኑ ዕንጨት እግሩ እንዳበልና ንዋዘየሎም። መሳኺን መብዛሕትኦም ካብ ልዕሊ ብርኮም ዝተቖርጹ፡ ብጨርቐመርቒ ኣላጊቦም፡ ረጉድ በትሪ መሰል ዝተጸርበ እግሪ ዝተገብረሎም፡ ሎሚ እንክዝክሮ ኣዝዩ ዘሕዝነኒ ኮይኑ ረኪበዮ።

    ንሶም ተኾይኖም እቶም ብሰንኪ ኤርትራውነቶም ግን ካኣ ብሰንኪ ምስ ጣልያን ዝነበሮም ዕስክርነት ኣምሓራይ ወይ ትግራይ እግሮም ዝቖረጽዎም፡ ኣዝዩ ዘሕዝን ሓቀኛ ታሪኽ ኢዩ። ብልቢ ድማ ታሪኾም ተሰኒዱ ብመደብ ክትሓዝ ይግባእ ጥራይ ዘይኮነ ሓላፍነትና ኢዩ`ሞ እቶም ትፈልጡ ብፍላይ ጎደፋ ኣጆኻ ቐጽሎን ደብትሮን። ኩሎም ከማኻ ዝፈልጡ`ውን ክምዝግብዎ ይግባእ። እዚ ኣገዳሲ ታሪኽ ኢዩ። ምኽንያቱ ካበይ ከም ዝመጻና ዘይንፈልጥ እንድሕሪ ኮይና፡ ናበይ ንከይድ ኣለና`ውን ክንፈልጥ ኣይንኽእልን ስለዝኾነ፡ እዚ ኹሉ ሽግርራት ተመርሚሩ እንተዝድብተር፡ ምናልባሽ ኣብ መጻእስ ካብ ሽግርና ተማሂርና ንምዕብለሉ ግዜ ይህሉ ይኸን። ስለዚ ብፍላይ ጎደፋ ክትምስገን ዝግብኣካ ወዲ ኤርትራ ኢኻ`ሞ ብዙሕ ነመስግነካ።

    ዓወት ንኹሉ ደላይ ሓርነት

    ኣርዓዶም

  • The Truth March 22, 2015

    ሓውና ትግራይ-ትግርኚ ቀደም ክልተ ምንባሩ ክተምስል ትዛረብ ኣለኻ ጭዋ ተብሃለ ገለ ተብሃለ ትግራይ ንከበሳውን (ሎሚ “ትግርኛ” ተባሂሉ ብቋንቋ ዝተሰመየ) ዝጥርንፍ እምበር መረብ ስግር ጥራሕ ኣይነበረን ናይ በዓል ንስኻ ፀገም ንቲ ቅድመ ጥልያን ዝነበረ ሓበራዊ ዛንታ ብድሕረ ጥልያን ዶብን ካርታ ክትትርጉምዎ ስለትደልዩ ጥራሕ እዩ ብዚ ኣቢልኩውምን ናይ ጽልኣትን ፍልልይን መርዛም ፖለቲካ ትገብሩ ድጊያት ኣበራ ካብ ሽሞም ጀሚሩ እንታይ ይረኣየካ? “ኣበራ” ዝብል ትግርኛዶ ኣሎ እዩ? ንድሕሪ ተመሊስናውን ደጊያት ሃይሉ ኣበራ ናይ ጸዓዘጋ ፍርቂ ጎኖም ካብ ዓጋመዶ ኣይነበሩን? ደጊያት ደሓር ራእሲ ወልደሚካኤል ሰለሙንከ ናይ ራእሲ ሚካኤል ስሑል ዓልየት ኣዲኦም ድማ እሌኒ ቁመና መረብ ስግር ሰበይቶውምን ከምኡ መረብ ስግር ኣይነበሩን ድዮም? ናበይ ናበይ ሓዲሽ ታሪኽ ምጽሓፍን ስሚ ምፍልላይ ምፍናውን? ናይ ሚኒሊክን ሃይለስላሴን ደርግን ነገር ብዙሕ ስለዝተባህለሉ ምድጋም ኣየድልዮን ካብቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዝበደሉዎ ንላዕሊ ንህዝቢ ትግራይ ንህዝቢ ኢትዮጵያውን በዲሎም ስለዚውን ብፍላይ ሃይለስላሴን ደርግን ብወሳንነት ብናዕቢ ናይ ሎሚ ኢትዮጵያውያን ከልግሱ ናይ ግድን ኮይኑ!!!

  • Semere March 22, 2015

    Where is my post? Why???

Post a Reply to Semere Cancel Reply