Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ይቅረ በልለይ ኣደ ዓስብኺ ኣይረኸብክን

ይቅረ በልለይ ኣደ ዓስብኺ ኣይረኸብክን ይቅረ በልለይ ኣደ ብዘይ ስንብታ ተፋንየኪ ዝምለስ መሲሉኒ ዳግማይ ዝረኽበኪ ዝባነይ ክጥብጠብ ክባረኽ ብኣኺ ናይ ሰናይ ምንዮት ክረክብ ምርቃኺ። ይቅረ በልለይ ኣደ ጨካን ኣይትበልኒ  መርገምኪ ከይበጽሓኒ እሾኽ ከይወግኣኒ ካብ መገሻይ ክምለስ ጸሎትኪ ኣይጋደፈኒ ኣብ ኩሉ ከይበጻሕኩ ኣብ ጸልማት

ይቅረ በልለይ ኣደ ዓስብኺ ኣይረኸብክን

ይቅረ በልለይ ኣደ ብዘይ ስንብታ ተፋንየኪ

ዝምለስ መሲሉኒ ዳግማይ ዝረኽበኪ

ዝባነይ ክጥብጠብ ክባረኽ ብኣኺ

ናይ ሰናይ ምንዮት ክረክብ ምርቃኺ።

ይቅረ በልለይ ኣደ ጨካን ኣይትበልኒ

 መርገምኪ ከይበጽሓኒ እሾኽ ከይወግኣኒ

ካብ መገሻይ ክምለስ ጸሎትኪ ኣይጋደፈኒ

ኣብ ኩሉ ከይበጻሕኩ ኣብ ጸልማት ከየዕነኒ።

ይቅረ በልለይ ኣደ ወላድ መኻን ኣይትኹኒ

ምሳኺ ክነብር ንዓይ ምሓሸኒ

ክምርዖ ክወልድ ሓጎስ ክትውንኒ

ሩፍታ ክዓስለኪ ብደቂ ደቅኺ ክትሕበኒ።

ይቅረ በልለይ ኣደ ኣነ’የ በዲለ

    ጎልጎል መሲሉኑ ናብ ሓዊ ዘሊለ

                   ፍታሕ ምስ ስኣንኩ ብዘይ ደብሪ ተማህሊለ

                               ደልሃመት ውሒጥኒ መሓዉረይ ምስኣጎለ ተሸኺለ።

ይቅረ በልለይ ኣደ ድምጸይ ኣጥፊአ

ጠባየይ ቀይረ እምብዛ ኣኽፊአ

እንታይ’ሞ ክገብር ሕልናይ ኣዕሪበ ደኺመ ወሊአ

ኣብ ምድረ በዳ ሳህራ ንሓዋሩ ጠፊአ።

ይቅረ በልለይ ኣደ ሓመድ ድበይ ኣየርከብክን

ከምቲ ንቡር ኣይሓዘንክን ስነ-ስርዓት ቀብሪ ኣይገበርክን

ናይ ቅባጸት መልእኽቲ ሬሳይ ኣይረኸብክን

ድሓን ቂር ኣይበልኪ ኣደ፡ ንስኺ ኣይበደልክን።

          ቅበጺ ኣደ ምውዳቀይ ክትፈልጢ ኮለል ኣይትበሊ

    ጽንዓት ይሃብኪ ዘይውዳእ ዓቅሊ

             ኣብ ደምበ ገዛና ብስመይ ፈልሲ ገረብ ትኸሊ

             ኣብ ትሕቲኣ ኣጽልሊ ቆዝሚ ብሕልና ምሳይ ኣዕልሊ።

ይቅረ በልለይ ኣደ ነብሰይ ፈትየ ጠሊመኪ

ኣብ ዕጹው ቤት ጠዋሪ ዘይብልኪ በይንኺ ጠንጢነኪ

 ኣለኺ’ዶ ኣደ ዝብል ድምጸይ ክትሰምዒ እናሓሰብኪ

ዘይኣመለይ ገይረ ብዘይ ለበዋ ሃንደበት ተፈልየኪ።

          ሕልናይ ኣብዩኒ ኣብ ቅድሚ ዓይንኺ ብህግደፍ ከይእሰር ከይርሸን

          ኣብ ልዕሊ ሬሳይ ዝርንዝሕሕ ከይትነብዒ ብዘይንቡር ሓዘን

          ስለዝለዋህኪ ኣደራዕ ከይወርደኪ ብጨካናት ዘርኢ ኣረሜን

          ዳኛ የለን ዝቃወም ፍርዲ ብዘይ ገበን።

እሞ’ደ ይኣኽለኪ ቁስልኺ ከይጎድኣኪ

ዘለኽዎ ሑጻ ምድረበዳ ሳህራ ከየንድደኪ

ናተይ ሓዘን መኸተምታ ይግበረልኪ

ነብስኺ ኣይተሕስሚ ተደበሲ ፈጣሪ ከይቅየመልኪ።

     ይቅረ በልለይ ኣደ ክሰናበተኪ

   ጸሎት ግበርለይ ስእለይ ሓቁፍኪ

   መገዲ ሓብርኒ ብሕልና በሪረ ክመጸኪ

   ህርፍርፎት መሪር ናፍቆተይ ሓኒቀ ክስዕመኪ።

ይቅረ በልለይ ኣደ ሬሳይ ዘይምርካብኪ

ባህጊ ሕልምኺ ኣብ መርዓይ ዕልልታ ዘይምድርጓሕኪ

ጻማ ድኻምኪ ውላደይ ዘይምርኣይኪ ዘይምሕዛልኪ

ዘርኢ መርገም ህግደፍ’ዩ ብኹሪ ወድኺ መንጢሉኪ።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ 1 ሚያዝያ 2018

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • k.tewolde April 2, 2018

    Tsilal , you just left a grown up man balling.I remember the day my mom came all the way down to the holding camp,risking her life to take me back home with her,because I was too young to die in the armed struggle for liberation.I flatly said no,she cried…..looking back I wish I spent a little more time with her because she never made it too far after I departed.Now, can you imagine those mothers who survived to hear their children’s demise in post-liberation Eritrea because of these human flesh eating bacteria we cultured in our backyard……holy!…………Happy Easter y’all.

POST A COMMENT