Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ይኣክል የዒንትና ዓሚትና ናብ ጥፍኣት ምስጓም!!!

ይኣክል የዒንትና ዓሚትና ናብ ጥፍኣት ምስጓም!!! ዑቕባይ ገብረመድህን (ከምብሪጅ፡ምሳቹሰትስ፡ ሰ.ኣ.) ሕዳር 3፡ 2013 ሕዳር 3፡2013፡ ኣብ ገጽ ክሕደት ሰይጣናዊ ሽፍታዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ብመራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣህጉራዊት መዓልቲ ሓዘን ናይቶም 365 ግዳያት ማያት ላምፐዱሳ ክትከውን ተወሲኑላ ኣሎ። ናይ ሎሚ

ይኣክል የዒንትና ዓሚትና ናብ ጥፍኣት ምስጓም!!!

ዑቕባይ ገብረመድህን (ከምብሪጅ፡ምሳቹሰትስ፡ ሰ.ኣ.)

ሕዳር 3፡ 2013

ሕዳር 3፡2013፡ ኣብ ገጽ ክሕደት ሰይጣናዊ ሽፍታዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ብመራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣህጉራዊት መዓልቲ ሓዘን ናይቶም 365 ግዳያት ማያት ላምፐዱሳ ክትከውን ተወሲኑላ ኣሎ። ናይ ሎሚ ውጹዕ ናይ ጽባሕ ሓራ ህዝቢ ኤርትራ ሞሳኦም ኣይክርስዖን ኢዩ። ዘለዓለማዊ ዕረፍቲ ነቶም ብናይ ትም ብሓጢኣትና ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ ኣብ ስቓይ ወፍሪ ስደት ዝጠፍኡ ኣሓዋትናን፡ ኣሓትናን፡ ዕሸላትን ህጻናትን ደቅና። ንፍትሒ ጸኒዕና ደው ብምባልና ሞትናን ስቓይናን ነብቅዓሉ ዓመት ይግበረልና።

ናይ ዕድልና ጐይቶት ንምዃን ብገዛእ ርእስና ተኣማሚንና ኣንጻር ብዕስራ ኢድ ዝገዘፈና ሰራዊት መግዛእትን፡ ልፍንታዊ ተጻብኦታት ርእሰ ሓያላን መንግስታት ዓለምን ኣትኪልና ደው ዝበልና፡ እቲ ኣብ ልብና ቃልቃል ዝብል ዝነበረ ኣብ ናይ መወዳእታ ዓወትና ምትእምማን ንዓለም ብዘገረመ ኣብ ግብሪ ኣርኢና፡ ካብ መዓሙቝ ናብ እምባ በለዅ ኢልና ናጽነትና ብምጭባጥ  ልኡላውነትና ዘረጋገጽና ህዝቢ ኤርትራ፡ ሎሚ እንታይ ወሪዱና ብሓደ ኣረሜናዊ ውልቀመላኺ መዓልታዊ ንጸንትን ናብ ገምገም ጥፍኣትና ትም ኢልና ንዅኰብን ዘለና?! መዘና ዘይነበሮ ጽንዓት ተዓጢቑ ንሳላሳ ዓመታት ከም ሓንቲ መዓልቲ ብርሃን ጥዋፍ ተስፋና ብኽቡር መስዋእቲ ናብ ብርሃን ናጽነት ዝወላዕና ህዝቢ፡ ነታ ዘለዓለማዊ ትኩር ሓለዋ ኪግበረላ ሕድሪ ስዉኣት ዘሰከመት ሓርነት ስለምንታይ ንተዃሉ ራሕሪሕናያ? ንወጋሕታኡ ብትም ናብ ጸልማት ቀትሪ ኪትቅየር ዕድል ዚሃበ ህዝቢ ምዃንና ንዓለም ምስጢሩ  ዘይፍታሕ ሕንቅልሕንቅሊተይ ኮይኑዎ ኣሎ። ዓለም ንጥፍኣትና ፈሪዳትና ኣበደን ዝበልና ህዝቢ፡ ስለምንታይ ህዝባዊ ስልጣንና ንውልቀ መላኺ ኣረኪብና ብትም ባዕልና ክንጠፍእ ፈሪድና? ንዓይ ስለምንታይ ዘይፍታሕ ሕቶ ኮይኑኒ ኣሎ።

እቲ ፋሺስታዊ ውልቀመላኺ ኢሳያስ፡ ኤርትራዊ  ሃገራውነት ክንዲ ፍረ ጣፍ ትኣክል ከም ዘይብሉ ብምድግጋም ተጻሒፉሉን ተዘሪቡሉን ኢዩ። ልዕሊ ኹሉ ግን፡ እቲ ብሓሶት ሰማይን ምድርን ዘጣብቕ ምስሉይ፡ ከይሲ፡ ጨካን ዘይተባዕ ኢስያስ፡ ባዕሉ ካብ ንጕሆ ብቓልን ብግብርን ዘረጋገጾ ይዓዝዝ። ገና ምእማን ስለ ዝኣበናዮ ኸኣ  ኣብ ዓለም መወዳድርቲ ብዘይብሉ ኣረሜናውነት የጽንተና ኣሎ። ጽልኢ ኢሳያስ ምስ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ምስ መንእሰያት ምዃኑ ዘረጋግጾ፡ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት እፎይ ኢሉ ሰላም ኣብ ክንዲ ዘስተማቕር፡ ትርጉም ኣልቦ ኲናታት ምስ ጐረባብቲ ሃገራት እናወልዐ ህይወትን መሬትን ብኸንቱ ኣጥፊኡ። ንህዝቢ ኤርትራ መሬቱ መንዚዑ ኣብ ሃገሩ ጓና ጌሩዎ፤ ንመንእሰይ ካብ ትምህርቲ ኰሊፉ ጸልማት ሃገር ኣዊጁ፤ መንእሰይ ኣብ በረኻታት ብወፍሪ ባርነት ጸሚዱ ካብ መርዓን ሓዳርን ብምኽልካል ኣብ ልዕሊ መጻኢ ወለዶ ናይ ምጽናት ፍርዱ ኣተግቢሩን የተግብር ኣሎን። ናይዚ ኹሉ መልስና ትም! እሕሕ ዘይብሉ ትም!! ካብዚ ዚዓቢ ፍርዲ ርእሰ ጥፍኣት ኪህሉ ይኽእልዶ?

 ሰላሕታ መግዛእቲ ኣብ ኣፍንጫ ሓይሊ ምክልኻል ኤርትራ!!!  ውልቀመላኺ ኢስያስ ንምጥፋእ ህዝቢ ኤርትራ ዝኣልሞ ኩሉ ብድዐታትን ተግባራትን ተወዲኡዎ፡ ንልኡላዊ መሬት ኤርትራ ብሰራዊት ባዕዲ ካብ ዘድፍሮ ዓሰርተታት ዓመታት ሓሊፉዎ ከብቅዕ፣ እቲ ጅግና ሰራዊት ሓርነት ዝበሃል ግን ሃገር ኪትድፈር ይድፈር ከም ዘሎ ዘንጊዑ ንኽብሪ ሃገሩ ደው ኢሉ ንህላዌ ሰራዊት ባዕዲ ኣብ መሬት ኤርትራ ኪቃወም ኣይተራእየን።እዚ ንባዕሉ መልሲ ዘይተዋህበሉ ሕንቅልሕንቅሊተይ ኢዩ። ውልቀመላኺ ኢሳያስ ንልኡላውነት ኤርትራ  ኣዳዕዲዖም ዝቃወሙን ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ክትምለስ ኣግሂዶም ብቐትሪ ዝሓልሙን ብቅንጅት ዝፍለጡ ሓይሊ ኣምሓራ ሓቚፉ ኣስመራና መዓንደሪቶም ጌሩ ህዝብና ኣድፊሩ፡ ደቅ ኣንስትዮ ደቅና ዝከላኸሉለን ኣቦታትን ኣያታትን፡ መኻፍልቲ ህይወት ክዀኑወን ዝግብኦም መንእሰያትን ኣብ በረኻ ኣስፊሩ፡ ግዳያት ሰራዊት ባዕዲ ጌሩ ድቓላታቶም ዘሕዘለ፡ ኢትዮጵያዊ እንተ ዘይኮይኑ ከመይ ኢሉ ኤርትራዊ ዜጋ ከብሎ ይኽእል? ውሓጥዮ እንተ በልኩዋስ ትጐስመሉ ከም ዝበሃል፡ ቅንጅት ዝኣኽሎም ዓንዲሮም ዘርኢ ክርዳዶም ንኤርትራ ምስ ገደፉላ፡ እነሆ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዕሱባት ዕጡቓት ትግራዎት ተቓወምቲ (ደምሒት) ተኪኡዎም። ሓንሳብ የዐሽወኒ፡ ሕፍረት ንዓኻ፣ ደጊምካ የዐሽወኒ፡ እቲ ሕፍረት ንዓይ (Fool me once, shame on you,  fool me twice, shame on me) ዝበሃል ምስላ ኣሎ። ፋሺስታዊ ኢሳያስ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምሉእ መዋእል ስልጣኑ ኢዩ ኣታሊሉና፣ ወይ ባዕልና ተታሊልና ምባል እኳ ድኣ ዝያዳ ሓቅነት ኣሎዎ።

ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰት ናይ ቃላት ዝርዝር ዘድልዮ ኣይኮነን። እንተ ኾነ፡ ኣነ ከም ዝርድኣኒ ክጠቅስ እንተ ኾይነ፡ እዞም ኣንጻር ስርዓት ወያኔ መሲሎም ክብሪ መሬትና ግሂሶም ዘለዉ ዕሱባት ተዛረብቲ ትግርኛ ሰራዊት ባዕዲ፡ ኣንጻር ስርዓት ወያኔ ተቓዊሞም ከድምዑ ከም ዘይክእሉ ንምርዳእ ዕምቈት ኣተሓሳስባ ዝሓትት ኣይኮነን። ከይሲ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ኣብዛ ሓላል መሬትና ዘስፈሮም ምኽንያት፡ ኣንጻርቲ ናይ ጥፍኣት ዕላማኡ ንኺነቕሓሉ ተቓሪቡ ዘሎ ሓይሊ ሃገራዊ ምክልኻል ደው ኢሎም ዚከላኸሉ ጸረግቲ ሓዲስ መግዛእቲ ኢዮም ጥራይ እየ ክብሎም ዝኽእል። ፋሺስታዊ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ሓይሊ ምክልኻል ኤርትራ ንዕቀት ኣብ ርእሲ ምህላዉ፡ ምትእምማን ከጕድል እዋኑ ስለ ዝኣኸለ፡ ነዞም ተዛረብቲ ትግርኛ ሰራዊት ባዕዲ ከም ፍሉያት ቀንዲ ሓለውቱ ኮይኖም ከም ዝተመደቡ ዓይነት ምንቅስቓሳቶም የረጋግጾ ኣሎ። ስዉር  ኲናት፡- ነስተውዕል ህዝቢ ኤርትራ! ኣብ ርእሲቲ ከይሲ ኢሳያስ ዝፍጽሞ ዘሎ ጉሁድ ተግባረ ጥፍኣትና፡ ካብኡ ዝኸፍአ ደርጊ ዝጀመረሉ ስውር ኲናት ኣብ ቅድሚ ዓይንና የካይደልና ኣሎ! እቲ ደርጊ  ሰራዊቱ ፈኒዩ ኣብ ልዕሊ ኣሓትናን ደቅናን ዓሚጾም ዘርኢ ክርዳዶም ብድሕሪኦም ብምግዳፍ ስዉር ኲናት ምጅላሕ ኤርትራዊ ወለዶ ዝገደፉልና ዘይሓዊ ስምብራት፡ በዞም ሕጂ ዝተክኦም ዕሱባት ሰረዊት ትግራይ ይቕጽሎ ከም ዘሎ ነስተውዕለሉ። ዕላማኦም ንስርዓት ወያኔ ምቅዋም እንተ ዚነብር፡ ካብ ኣብ መዓስከር ዶብ ኮፍ ምባል ሓሊፎም ኣብ ኣስመራን ካልእ ከተማታትን ኤርትራ ዝዕንድሩሉን፡ ኣሰር ቅንጅት ስኽፍ ከይበሎም ኣዋልድና ደፊሮም ደቓሉኦም ዘፍርዩሉ ዕድል ከመይ ምረኸቡ? ስለዚ፡ ደቅና ሳዕቤኑ ንኽርድኣን ናይ ትዕግሲ ቃልሲ ንኸካይዳን ተመቕሊልና ንምዓደን። ጽባሕ ንጕሆ ነዛ ሃገር ከምቶም ቀዳሞት ጀጋኑ ደቀባት ብሓልዮትን ብፍቕርን ዚከላኸሉላን ዚዅስኩሱዋን ወለዶ ከይንስእን።

ኣብዚ ሎም ቅነ ዝተገብረ ልሙዱ ባህሊ ግፋ  ኣብ ኣፍንጫ ሰራዊት ኤርትራ ቀንዲ ተዋሳእቲ ኔሮም እንተ ድኣ ኾይኖም፡ ድሕሪ…. እንታይ ተረፋ ዝበሃል ቅድመ ግምባር መግዛእቲ ካብ ምዃን መን ይኽልክሎም። ኣብ 1993 ፋሺስቲ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከይዱ እቲ ምውህሃድ/ምሕዋስ(integration) ናይ ጊዜ ሕቶዩ – ብምባል ከይሓፈረ ዝዳሕደሖ ምራሳዕና ጥዕና ኣተሓሳስባና ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ ኢዩ፣ ብፍላይ እቲ ህጣሙ ዘጥፍአ ምሁር ኤርትራዊ ዜጋ። ንዕስራን ክልተን ዓመታት ስልጣንና ኣረኪብናዮ ድላዩ ኪገብር፡ ንደቅና ከም ቈጽሊ ከርግፎምን ከም ኣቕሓ ዕዳጋ ኪሸጦምን ትም ኢልና ብምርኣይና ቤትና በረውረው ኢላ ብጽምዋ ተበሊዓ ምህላዋ፡ እቲ ዚለዓለ ሕልሙ ዘተግብረሉ እዋን ዝኣኸለሉ ይመስል። ሎምስ ናይ ፍጹም ጥፍኣትና መደቡ ብህዝባዊ ማዕበል ክንኰልፎ ድኣም’በር ከም ቀደምና ትም ኢልና ክንርእዮስ ኣይንውዕሎን ግዲ!

እቲ መጠን ጥፍኣትን ናይ ምብርባርና ጊዜ ንውሓትን ኣብ ግምት ኪኣቱ ኸሎ፡ ሕጂ ተባራቢርና ቍልዒ ዓይንና ንኣሊ ዘለና ንመስል። ኣብ መንጎ ኣዒንትኻ ምኽፋትን ምሉእ ምብርባርን ዘሎ ጋግ ግን ኣብ እዋን ኣፈርኩቡ ሃገር ሓጺር ኣይኮነን። ኣብ ልዕሊ መሬት ንኹሉ ጊዜ ኣሎዎ – ክትርዕድ ክትደፍር፣ ክትድፈር ክብርኻ ክትመልስ፣ መሰልካ ክትግፈፍ መሰልካ ከተረጋግጽ፣ ጊልያ ክትከውን ሓርነትካ ክትጭብጥ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገዛእ ቤትና ብሓደ ስልጣንና ዘረከብናዮ ዘይረብሕ ውልቀመላኺ ጊልያታት ኮንና ንዕስራን ክልተን ዓመታት ትም ኢልና ዝተረገጽናዮ ብሓድነት ይኣክል እንብለሉን ሓርነትና እንጭብጠሉን ናይ ወዓል ሕደር ትንፋስ ዘይህብ እዋኑ ሕጂ ኢዩ። ይኣክል ጭቆናን ውርደትን! ስደትን ጥፍኣትን!! ሓይልታት ምክልኻል ሃገር ታሪኽ ጀጋኑ ኣያታትኩምን ኣቦታትኩምን ተሓድሱሉ እዋን ሕጂ ኢዩ፣ ሓይሊ ብረት ኣብ ኢድኩም ስለ ዘሎ፡ ልዕሊ ኹሉ  ህይወት መጻኢ ሃገር ንምድሓን ኣብ ኢድኩም ምዃኑ ኣይትዘንግዑ።

ከምቲ ኣብ ሮማ ዝኽሪ ግዳያት ማያት ላምፓዱሳ ዝተጨርሐ፡-

ኤርትራዊ ተባራበር! ርኢኻ ከይትስእና እዛ ሃገር!!

ህዝቢ ኤርትራ ብሓርነትን ሰላምን ራህዋን ይደበስ!

ክቡር ዝኽሪ ስዉታና ብግብሪ ነረጋግጸሉ እዋን ይግበረልና!!

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • belay nega November 9, 2013

    “ሎሚ እንታይ ወሪዱና ብሓደ ኣረሜናዊ ውልቀመላኺ መዓልታዊ ንጸንትን ናብ ገምገም ጥፍኣትና ትም ኢልና ንዅኰብን ዘለና?!”

    እታ ንመደየቢ ዝተጠቀምናላ አስካላ ኢትዮጵያውያን ረኺቦም ን መውረዲና ስለ ዝተጠቅሙላ::

    Do not forget that Eritreans motto was:
    “TO ACHIEVE YOUR GOAL,DIVIDE ETHIOPIANS”

  • Truly Truly i say to you November 11, 2013

    Very strong patriotic massage that comes out through from deepest heart of real Dekebat Ertrawi. 1000 times thank Kibur Ato Ukbay for that . I am sure your powerful massage as that shocken all fake so called oppositions in the name of Eritrea to those have evil agenda. This is why all abstained when hearing the truth.

  • Berhe Tensea November 11, 2013

    Thank you excellent points,,,,,

POST A COMMENT