Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ይድወል ኣሎ፡ ደወል ጥፍኣትን ዕንወትን

ይድወል ኣሎ፡ ደወል ጥፍኣትን ዕንወትን ሎሚ፡ ልዕሊ ዝኾነ እዋን፡ ኣብ ከባቢናን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን፡ ካብ ንጉሆ ናብ ምሸት ዝቀያየር ክልተ ገጽን ጠባይን ዘለዎ ፖለቲካዊ ቁርቁስ፡ ነውጽን ቅድድምን ይርአ’ሎ። እቲ ቀዳማይ ክስተት፡ ውሽጣዊ ኩነታት ማለት ምግባት ስልጣን፡

ይድወል ኣሎ፡ ደወል ጥፍኣትን ዕንወትን

ሎሚ፡ ልዕሊ ዝኾነ እዋን፡ ኣብ ከባቢናን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን፡ ካብ ንጉሆ ናብ ምሸት ዝቀያየር ክልተ ገጽን ጠባይን ዘለዎ ፖለቲካዊ ቁርቁስ፡ ነውጽን ቅድድምን ይርአ’ሎ። እቲ ቀዳማይ ክስተት፡ ውሽጣዊ ኩነታት ማለት ምግባት ስልጣን፡ ቀቢላዊ ወይ ሃይማኖታዊ ግጭት፡ ምምዝባል ህዝቢ፡ ቁጠባዊ ቅልውላውን ናይተን ሃገራት ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ምትፍናን ድማ ግዳማዊ ምትእትታውን ጥሙሓትን ናይ መን ዓብለለን ጸለወን’ዩ። ኣብዚ ዕሙር ጓይላን ዝረሰነ መቑሎን፡ ዝልለዋን ዘዕለብጣን ዘለዋ ቀንዲ ሃገራት ድማ፡ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ሶማልያ፡ ሱዳን፡ የመን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ጅቡቲ፡ ኢየን። ኣብዘን ዝተጠቅሳ ሃገራት፡ ጽልዋታተንን ቀላጽመንን ከርእያ ከም ስጋ ዝርኣየ ኣራዊት ፊን ፊን ዝብላ ዘለዋ ሃገራ ከኣ፡ ስዑድያ፡ ቱርኪ፡ ኣመሪካ ፡ ቻይና፡ ፈረንሳ፡ ቀጠር፡ ግብጺ፡ ኢማራት፡ ሩስያ፡ እስራኤል፡ ብኣብነት ክጥቀሳ ይኽእላ። ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ዋላ’ኳ ህዝቢ ኤርትራ እንተ ብጽቡቅ እንተ ብሕማቅ ኣካል ናይዚ ዝርአ ዘሎ ፖለቲካውን ቁጠባውን ዘይምርግጋእ እንተኾነ፡ ምንጪ ወይ ጠንቂ ሕሰም ህዝቢ ኤርትራ ግን ግዳይ ብልሹው ምሕደራ ጉጅለ ህግደፍ’ዩ። ምኽንያቱ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ብሕጊ ዝምእዘዝን ብህዝቡን ሃገሩን ዝሕለቅን ህዝባዊ መንግስቲ እንተዝህሉ ነይሩ፡ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ስደት ኣይምተበታተነን፡ ብሕጽረት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣይምተጣርዐን፡ ጉዳዩ ብጉቦን ብሰበይ ሰብካን ከሳልጥ ኣይምሃቀነን፡፡ ብተወሳኺ መዐንደሪ ግዳማውያን ሓይልታት ኣይምኾነን፡ ክብረቱን መንነቱን ድማ ኣይምተደፍረን ነይሩ።

ነዛ ኣብ ሃገርናን ከባቢናን ብኽልተ ሓያላት ጋንታታት እናተቀልዐት፡ ተዕርፈሉ ቦታ ንምርካብ፡ ንየማን ንጸጋም ትወናጨፍን ተዕገርግርን ዘላ ኩዕሶ፡ ኤርትራውያን ናብ ሰኪዐትና ከይዓለበት እንከላ ብቴስታ ክንከላኸላን ማዕጾና ከነደልድሎን ወይ ድማ ብጎላት ተመሊእናን ሓፊርናን ካብቲ ጸወታ ክንጸውጽእ ክልተ ዕድላት ኣለና። ወዮ ድኣ “ኣብ ክንዲ ብሕሉፍ ንዛረብ ብዛዕባ ሕጂ ዘሎ ኩነታትን መጻእን ምትኳር” ስለዝምረጽ እምበር፡ ኤርትራውያን ንናጽነትናን ክብርናን ልዕሊ ሰብና ከቢድ መስዋእትን ክቡር ዋጋን ስለዝኸፈልና፡ ናይ ወትሩ ድሌትና፡ “ዘይናትና ኣይንደልን ናትና ድማ ኣይንህብን” ኢዩ።  ኣብዚ እዋን’ዚ ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ ልዕሊ 5 ሚልዮን ከምዝኾነ ካብ ዝተፈላለየ ኣህጉራዊ ምንጭታት ንሰምዕ ኢና። ኣነ ካብ ዝውለድን ካብ ዝፍለጠንን ግን፡ ኣብ ኤርትራ ቆጸራ ህዝቢ ተኻይዱ ሰሚዐን ተዓዚበን ኣይፈልጥን ኢየ። ምናልባት ስርዓት ህግደፍ ናይቶም ክልተ ካብ ሚእቲ ዝኸፍሉን ትካላት ጸጥታን፡ ፍሉጥ መዝገብን ቁጽርን ክህልዎ ይኽእል’ዩ። እቲ ብኣማኢት ኣሽሓት ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ስደት ተበታቲኑ ዘሎ ኤርትራዊ ግን፡ ኣካል ናይዚ 5 ሚልዮን ክኸውን ኣይክእልን’ዩ። ዓቢ ክፋል ካብ ህዝቢ ኤርትራ፡ እቲ ከፍርን ሃገር ክሕሉን ዝኽእል መንእሰይ ኣብ ስደት ስለዘሎ ድማ፡ ህላወን መጻኢ ውሕስነትን ኤርትራ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ’ዩ። በዚ ድማ ኤርትራውያን ግዜ ከይቀደመና ንህላወ ሃገርናን መጻኢ ወለዶናን ሓቢርና ስጉምቲ እንተዘይወሲድና፡ በቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝኽተሎ ዘሎ ኣዕናዊ ሜላን ምትእትታው ካልኦት ሃገራትን፡ ኤርትራ ከም ሃገር ትሃሉ’ዶ ኣይትሃሉ ዓቢ ምልክት ሕቶ’ዩ። በብሓደ ሰብ ውሓደ ከምዝብሃል፡ ፈለማ ዓቅሚ ሰብና ይጽንቀቅ ኣሎ፡ ድሕሪኡ ድማ ሰብ ዘይብሉ መሬትና መስፈሪ ባዕዳውያን ክኸውን ሕጹይ ኣሎ።

ሓደ ክልተ ስቃይን ስደትን ወገኖም ዘይዓጦምን ስሱዓትን ካብ ጉጅለ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ግዝያዊ ሓለፋ ዝምጠወሎምን ኤርትራውያን፡ ነቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሃገርና ዝኣወጀቶ እገዳ መገሻ ንምቅዋም ፊርማታት ንምእካብ ይንቀሳቀሱ ኣለዉ። ኣብ ክንዲ ነቶም ኣብ ሊብያ፡ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ኡጋንዳ ዝኣመሰላ ሃገራት ኣብ መንጎ ክልተ ሓዊ ተቀርቂሮም ከይስጎጉን ከይሞቱን ብፍርሕን ጭንቀትን ዝነብሩ ዘለዉ ኤርትራውያን ምጥባቅን ነቲ ጠንቂ ኩሉ ዓይነት ሕሰም ኮይኑ ዘሎ ውልቀመላኺ ስርዓት ህግደፍ ክኹነን ፌርማታት ምእካብን ምቅላስን፡ መገሻ ከይትኽልከል ንኣመሪካ ምኽሳስ፡ “ዘበን’ያ ግርምቢጥስ ማይ ንዓቀብ” ጥራሕ’ዩ። ሕማቅ ዕድል ኮይኑ፡ ጉጅለ ህግደፍ ብዝፍጽሞ ዘሎ ገበናትን ንቅጽናን ምስኪን ህዝቢ ኤርትራ ክፍደዮን ካብን ናብን መገሻ ክኽልከልን ምስ ናፍቀቱ ክመውትን፡ ብሰድንኪ ንቁጽ ይነድድ ርሑስ” ካብ ምባል ካልእ መግለጺ የብሉን። ዝበዛሕና ከይፈታና ካብ ሃገርና ወጺና ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ስደት ተበታቲንና እንርከብ ኤርትራውያን፡ ሎሚ በዚ መንግስቲ ኣመሪካ ዝእውጆ ዘሎ እገዳ መገሻ ኣይኮናን ዝሞተ ቤተሰብና ከይንቀብር ዝሓመመ ምሕረት የውርድ ኢልና ከይነጸናንዕን ከይንበጽሕን ተሓሪምና ዘለና። ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ፡ ንሃገርና ሓንሳብ ሕቆና ምስሃብናያ፡ ተመሊስና ብእግርና ከይንረግጻን ጽሩይ ኣየራ ከይነስተማቅርን፡ ብዘይ ዳኛ ተፈሪድና፡ “ዳግማይ ገጽ ዓድኹም ክትርእዩ ኣይግብኣኩምን’ዩ፡ ብዘለኽሞ ጥፍኡ” ተባሂልና። ዋላ እቲ ሓምድ ዝበልዖ ሬሳና’ውን ኣብ ጎድኒ ወለድናን ኣቦሓጎታትናን ከይቅበር ተኸልኪልና።

“ወዲ ዓሻ ክልተ ግዜ ይጽፋዕ” ከምዝብሃል፡ ብሰሪ ሕሰም መነባብሮን ግፍዓዊ ኣገዛዝኣ ጉጅለ ህግደፍን፡ ነታ ኣሽሓት ህይወት ዝተኸፍላ ሃገርና ገዲፍና ምስዳድና ከይኣክል፡ መሰረታዊ ናይ ስደተኛ ሰብኣዊ መሰልና ተገፊፍናን ዋና ስኢናን፡ ብዘይ ገበን ንእሰር፡ ብሕማምን ዓጸቦን ንሳቀን ንከላበትን ኣለና። ብፍላይ ኣብታ ሕግን ስርዓትን ኣልቦን ብቀቢላታት ትመሓደር ዘላ ሊብያ ዘለው ኤርትራውያን ሞቶምን ሕየቶምን ዝፈልጥ መንግስቲ ወይ ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስኣኖም ኣዝዩ ዘሕዝን’ዩ። ኤርትራውያን፡ “ኣነን ሓጺሩኒ ይብል ንሱን ተደቢሩ ይስዕስዕ ኮይኑና፡ “መኣስ ኢና ስደትና ኣብቂዑ ናብ ሃገርና ንምለስ” ኢልና እናብሃግና፡ መላኺ ኢሳያስን ለመጭ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓቢይ ኣሕመድን ዘካይድዎ ብዘለዉ ውልቃውን ዘይሕጋውን ውዕላትን ሕኽኸኒ ክሓከካን፡ ኣብ መእጎሪ መዓስከራት ኢትዮጵያ ዘለው ኤርትራውያን ኣብ ዓቢ ስግኣት ይርከቡ። መላኺ ኢሳያስ ወዮ ድኣ ኤርትራውያን ምጽናትን ምሟትን ኣቢናዮ እምበር ኣብ ዝኣተናዮ ቦታ ሃገር እግሪ እግርና እናስዓበ፡ ክጨውየና፡ ዘይንረብሓሉ ክልተ ካብ ሚእቲ ገንዘብ ከኽፍለና፡ ናይ ዕቁባ መሰልና ክንጸግን መንበሪ ወረቀትና ከይንረክብን ከይደቀሰ ኢዩ ዝሓድር። ንይምሰል “መንግስቲ ኤርትራ” ተባሂሉ ዝስመ ስርዓት ህግደፍ፡ ዜጋታት ኤርትራ ኣብ ባሕሪ ጥሒልና፡ ብነጋዶ ሰብ ተጨዊና፡ ግዳም ሓደር ኮይና፡ ብጭንቀት ነብሰ ቅትለት ፈጺምና፡ ተኣሲርና፡ ብዘይካ “እንታይ ክገብሩ ናብ ሊብያን ሱዳንን ከይዶም፡ ኤርትራውያን ኣይኮኑን፡ ከድዓት’ዮም፡ ጸጊቦም; ብምዕራባውያን ተታሊሎምን” ኢሉ ሕጨጫን ትዕቢትን፡ ቅንጣብ ሰብኣዊ ሓልዮት የብሉን።

ህዝቢ ኤርትራ ዓቅሉ ምስ ጸበቦን ህይወት ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ስለዝመረሮን ናብታ ንገዛእ ርእሳ ኣብ ቅልውላው ትርከብ ዘላ ኢትዮጵያ ዓድታቱን ንብረቱን ገዲፉ ክስደድ ይግደድ ኣሎ። ቆልዓ ሰበይትን ኣረጋውያንን ዝርከብዎም ኤርትራውያን ድማ ኣብ ዝኾነ መሳለጥያ ዘይብሉ ዳሳትን ቴንዳታትን ከም ጥሪት ተኣጉሮም፡ ብሕማም፡ ብጥሜት፡ ብዕርቃንን፡ ብጭንቀትን ሕሰም የሕልፉ ኣለው። ጉጅለ ህግደፍ ድማ ነዞም ኣብ ኣደራዕ ወዲቆም ዘለው ኤርትራውያን ስለዝቀንኣሎም፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ መቀበልን መአከብን መዓስከራት ስደተኛታት ክዕጾ ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ከምዝተማኸረ ይዕለል ኣሎ። ነቲ ብቀደሙ’ውን ብድሌት ናይ ክልተ መራሕቲ ንፕሮፖጋንዳ ብተብተብ ዝተኸፍተን ኣብ ሓጺር እዋን ዝተረገጠን ዶባት፡ ክዕጾን ስደተኛታት ኣይንቅበልን ማለት ድማ ናይ ውድብ ሕቡራት ናይ ስደተኛታት ኣህጉራዊ ውዕላት ምጥሓስ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ኢትዮጵያ ተቀባሊትን ኣእንጋዲትን ስደተኛት ኣፍሪቃ ኢላ ትግዕረሉን ትንየተሉን ካብ ዝተፈላላያ ሃገራትን ግብረሰናይ ማሕበራትን ትቅበሎ ልዑል ባጀትን ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ ኢዩ። ብሕግታትን ውዕላትን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ስደተኛ ወረቅት ብምሕዳግ፡ “ኣብ ኢትዮጵያ ከም ተራ ሰብ ብናጻ ክትነብሩ ትኽእሉ ኢኹም” ምባል ድማ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ኢትዮጵያውያን ኩኑ  ወይ ተደመሩ ማለት’ዩ። እቲ ንመላኺ ኢሳያስ ንምሕጓስ ኢልካ ብሰበስልጣን ኢትዮጵያ ዝግበር በደልን ሽሕጣንን፡ ውዒዕሉ ሓዲሩ ዋጋ ዘኽፍልን እዚ ሕጂ ስልጣኑ ንምንዋሕ ላዕሊ ታሕቲ ዝብል ዘሎ ኢሳያስ ነባሪ ከምዘይኮነን ንህዝቢ ኤርትራ ከምዘይውክልን ንኢትዮጵያ’ውን ሓዊ ክዘርእ እምበር ሰላም ከምዘየምጽእ ምግንዛብ ኣገዳሲ ኢዩ።

ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣቃልቦ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ክውንነት ንምጥምዛዝን ስልጣኑ ንምንዋሕን፡ ነቲ ብዶብ ተሳቢቡ ኣሽሓት መንእሰያትና ዘህለቀን ህዝቢ ዘመዛበለን ሕቶ ዶብ፡ ካብ 2018 ጀሚሩ፡ “ጉዳይ ምሕንጻጽ ዶብ ቀዳምነት ዝወሃቦ ኣይኮነን” “ምስ ኢትዮጵያ ምቹእ ሃዋህው ሰላም ተፈጢሩ ኣሎ” ክብል ከምዘይጸንሐ፡ ሎሚ ግምጥል ኢሉ “ወያነ ካብ መሬትና ምውጻእ ኣብያ” እናበለ ነጋሪት ኩናት ይእወጅ ኣሎ። ሎሚ’ኸ ደም መን’ዩ ክፈስስ ወይ ወዲ መን’ዩ ድራር ዓርር ክኸውን? ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ መቃብር ስውኣት ካልእ ደም ከፍስስ ይሕተት ኣሎ። ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ኩናትን ዕግርግርን እምበር ኣብ ሰላምን ልምዓትን ክነብር ስለዘይክእል፡ ብህልቂት ህዝቢ ቅንጣብ ሓልዮት የብሉን። ህዝቢ ኤርትራ ብዝሓለፈ ከይተደበሰን ቀሲኑ ዋጋ መስዋእቱን ድኻሙን ከየስተማቀረን፡ ናብ ዳግማይ ኩናት ክኣቱ ደወል ጥፍኣትን ዕንወትን ይሰምዕ ኣሎ። ውልቀመላኺ ኢሳያስ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን ስዓብቱን ከደስት፡ ብሰበብ ባድመ ኣንጻር ህዝቢ ትግራይ ኩናት ከካይድ ኢዱ የወጣወጥ ኣሎ። ኣብ ርእሲኡ፡ ባሕርናን ወደባትናን ብሰላሕታ ብኢትዮጵያ ክበሓት ምስጢራዊ ውዕላት ወዲኡ ኣሎ። እቲ ዝድወል ዘሎ ደወል ጥፍኣት፡ ንኹሉ ኤርትራዊ እምበር፡ ንተቃወምቲ ወይ ንደገፍቲ ዘይምሕር ኣንጻር መንነትናን መሬትናን ከምዝኾነ ክስቆረና ኣለዎ። ገሌና፡ “ንብረተይን ገዛይን ከይውረስ፡ መገሻ ከይክልከል” ኢልና ንበላዒ ሰብ ህግደፍ ንድግፍ ወይ እናተረገጽና ነስቅጥ ስለዘለና፡ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ባዕዲ ምስኣተወት ነገር ተወዲኡ፡ ኩሉ ክንስእኖ ኢና። ኤርትራውያን ካብ ምስኮነ ጣዕሳ ሕጂ ንኽብረትናን መጻኢ ወለዶናን ተባዕ ስጉምቲ ክንወስድ የድልየና ኣሎ። ብፍላይ ሰራዊት ኤርትራን ኣባላት ጸጥታን፡ ጉጅለ ህግደፍ በቶም ቀደም ማይዶ ጸባ ኣቢልካ ጉልባብ ስዕረት ዘሰከምካዮም ምስ ብረትካ ክትማረኽ መጻወድያ ተዳልዩልካ ከምዘሎ ኣስተውዕል። ካብ ብህይወትካ ትማረኽ፡ ዕጥቅኻ ትፈትሕን ሕሉፍ ቅያኻ ዝብረዝን፡ ታሪኽ ፈጽም፡ ንህዝብኻ ጸባ ኣስትዮ። ከም ቀደምካ ጅግናን ምዑትን ክትብሃል ብሓደ ልቢ፡ ንህዝብኻን መሬት ዓዶቦኻን ካብ ደወል ጥፍኣትን ህልቂትን ኣድሕኖ። ኣታ ግዜ ጽባሕ ዘይኮነት ሎሚያ።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 6 ለካቲት 2020

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • k.tewolde February 10, 2020

    Tsilal the doomsday alarms of this beguiled nation sounded decades ago,we just gave it deaf ears because we were intoxicated with the sweet but poisonous wine our current enemies were pouring down our throat,dazed and confused it took us too long to get rid of the costly hangover.This poor nation didn’t even get a chance to crawl in all fours,it looked like a baby struck by spina-bifida as it emerged because it was viciously attacked in utero,our current state of affairs as people is severely compromised that it will be manna from heaves to fix it in one day. We let the enemy have his way with us for too long,however it ain’t over till the fat lady sings as they say,if the Jewish people can put together a strong nation after surviving the holocaust experience, the Eritrean people have a shot,you know why,the Almighty promised,’I will never forsake you.’>>> I am a living and breathing testimony.

POST A COMMENT