Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዮፍታሔ ዲሜጥሮስ: ባዕሉ ብዝጸሓፎ ደብዳቤ ክጋለጽ ከሎ

ግድን ስለ-ዝኾነና ደኣምበር፥ ዮፍታሔ ዝብል ስም ክለዓል ኮነ ክዝከር እንደልዮ ስም ኣይኮነን። በዓል ኣርዮስ, ንስጥሮስ, ኣውጣኪ, መቅደንዮስ’ውን እኮ፥ ስሞም ክዝክሮ ዝደሊ የልቦን። ሰይጣን’ውን ከምኡ ክዝከር ዝድለ ኣይኮነን። ታሪኽ ግና ነቲ በዓል ጽቡቕ ኮነ በዓል ክፉእ፥

ግድን ስለ-ዝኾነና ደኣምበር፥ ዮፍታሔ ዝብል ስም ክለዓል ኮነ ክዝከር እንደልዮ ስም ኣይኮነን። በዓል ኣርዮስ, ንስጥሮስ, ኣውጣኪ, መቅደንዮስ’ውን እኮ፥ ስሞም ክዝክሮ ዝደሊ የልቦን። ሰይጣን’ውን ከምኡ ክዝከር ዝድለ ኣይኮነን። ታሪኽ ግና ነቲ በዓል ጽቡቕ ኮነ በዓል ክፉእ፥ ንኹሎም ነናቶም እናሃበ’ዩ ዘቐምጦም። ስለዚ ዮፍታሔ ድማ በቲ መጋበሪ ፖለቲካ ብምዃን፥ ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስቲያንና ክፈጸሞ ዝጸንሐ ዕንወት፥ ብኣሉታ እናተዘከረ ክነብርሲ ናይ ግድን’ዩ። ብዝተረፈ ኣብኡ ከሎና ኣብ ማዕዶ፥ ዮፍታሔ መን’ዩ-?  ንዝብል ሕቶ። እቲ ደምበ-ተዋሕዶና ናቱ ትዕዝብቲ ጸኒሑዎ’ዩ። ሕጂ ግን በቲ ዝጸሓፎ ደብዳቤ ባዕሉ ተቓሊዑ ኣሎ። ኣብዚ ከኣ ኢና እቲ ክፍጽሞ ዝጸንሐ ኣፍራሲ ተልእኮ፥ ክሳብ ክንደይ ምዃኑ እቲ ዓቐን ክንርእዮ እንኽእል።

ብመሠረቱ ዮፍታሔ ናብ መንበረ-ፓትርያርክ ክመጽእ ከሎ፥ እቲ መንግሥቲ ደኣ’ዩ ዘምጽኦ እምበር፥ እቲ ሲኖዶስ ንባዕሉ ዝፈልጦ ነገር ኣይነበሮን። እቶም ርእሰ-ብሔር ባዕሎም ግና፥ ከም ዕዳ ኣብ ዝባን ቤተ-ክርስቲያን ኣቐሚጦሞ ከም-ዝኸዱ’ዩ ዝፍለጥ። በቲ እቶም ሰብ-ፖለቲካ ዝሓንጸጹዎ ረቂቕ ተንኮል ከኣ፥ ዋና-ጸሓፊ ዘይኮነ ዋና-ኣማሓዳሪ ብምባል’ዮም፥ ነቲ ሲኖዶስ ከም-ዝእዝዝ ጌሮም ላዕሊ ወጺኡ ከም-ዝቕመጥ ዝገበሩዎ። በዚ መሠረት’ዚ ድማ፥ ምንም’ኳ ፓትርያርክታት ነይሮም’ዮም ዝበሃል’ውን እንተኾነ። ንሲኖዶስ ክመርሖን ከማእክሎን ዝጸንሐ ግና፥ ንሱ እቲ ግዙፍ-ኣካል ዝኾነ ዮፍታሔ ደኣምበር እቶም ፓትርያርክታት ኣይነበሩን።

ርግጽ’ዩ ኣብቲ ሽዕኡ እዋን ግዚያዊ-ሲኖዶስ፥  እቶም ሰብ ፖለቲካ ይገብሩዎ ብዝነበሩ ጸቕጢ፥ ሓላፍነቱ ነቶም ጳጳሳት ኣረኪቡ ከም ዝኸይድ ተገይሩ ስለ-ዝነበረ።  እቲ ሲኖዶስ በይኖም ጳጳሳት’ዮም ነይሮሞ ክበሃል ይከኣል። ነዚ ኣጋጣሚ’ዚ ብምጥቃም ከኣ፥ እቶም ሰብ ፖለቲካ ሓደ ምስ ሕግን ሥርዓትን ቤተ-ክርስቲያን፥ ዝኾነ ኣፍልጦ ኣለዎ ዘይበሃል ውልቀ-ሰብ ኣምጺኦም ፥ ኣብ ዝባን ቤተ-ክርስቲያን ከቐምጡዎ ከለዉ ዝኾነ ተቓውሞ ኣየጋጠሞምን። ምናልባት ግዚያዊ-ሲኖዶስ እንተዝነብር እምበር፥ ጳጳሳት ንበይኖም ይኽእሉዎ’ዮም ኢልካ ዝሕሰብ’ውን ኣይነበረን። ከምዚ ኢሉ ድማ’ዩ እቲ ዝኾነ ሞያ ነይሩዎ ዘይበሃል ዮፍታሔ፥ ኣብ ዘይምጥኖ መንበር መጺኡ ክቕመጥ ዝኸኣለ። ኣብ ግዜ’ቶም ዝሓለፉ ኣርባዕተ-ፓትርያርክታት ድማ፥ ንሲኖዶስ ዝመርሕ ዝነበረ ዮፍታሔ እምበር ንሳቶም ኣይነበሩን። “ወይ ጎቦ ኩን፥ ወይከኣ ምስ ጎቦ ተጸጋዕ” ከም-ዝበሃል ድማ። ኣብቲ ናይ ፖለቲካ እምባ ስለ-ዝተጸግዐ፥ እቲ ኩሉ ክፍርስን ከዕኑን ከሎ፥ ዓጊቱ ደው ከብሎ ዝኽእል ኃይሊ ኣይተረኽበን።

በዚ ድኽመት’ዚ ድማ እቲ ናይ ጳጳሳት ሲኖዶስ ክሕመ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ። እንተኾነ እዚ ኣበሃህላ,ዚ ልክዕ ከም-ዘይነበረ፥ በቲ ዮፍታሔ ዝጸሓፎ ደብዳቤ ክረጋገጽ ክኢሉ ኣሎ። ከመይሲ እዚ ደብዳቤ’ዚ ከም-ዝሕብሮ፥ ኣብቶም ጳጳሳት ክሳብ ክንደይ ጽኑዓት ተቓለስቲ ከም-ዘለዉ ዘረድእ እዩ። እምበኣር እቲ ሕጂ ንፓትርያርክ-እንጦንዮስ ብዝምልከት ተላዒሉ ዘሎ ምጉጽጓጽ’ውን፥ ስቕ ኢሉ ዝመጸ ከም-ዘይኮነ ካብዚ ዝተባህለ ናይ ዮፍታሔ ደብዳቤ ኢና ክንርዳእ ንኽእል። ከመይሲ ካብቲ ብማኅበረ-ሰብ ዓለም ኣቢሉ ክግበር ዝጸንሐ ጸቕጢ ብዘይንእስ፥ ኣብ ውሽጢ’ውን ብወገን ገዳማትን ጳጳሳትን ይግበር ብዘሎ ጸቕጢ’ዩ፥ እቶም ሰብ ፖለቲካ ቅድሚ ዓሠርተ-ዓመት ዓጻጺፎም ዘቐመጡዎ መዝገብ ከገላብጡ ኣገዲዱዎም ዘሎ።

እዚ ጸቕጢ’ዚ እንተ ዘየገድዶም ነይሩ ድማ። ብበዓል ኣባ-ሉቃስ “ናብ ሓሙሻይ ፓትርያርክ ደኣምበር፥ ናብ ሣልሳይ ኣቢልና ንምለሰሉ ምኽንያት የብልናን” ክብሃል ከም-ዘይጸንሐ፥ ሕጂ ግምጥል ኢሎም ቅድሚ ዓሠርተ ዓመት ኣብ ማሕዩር ዘእተዉዎም ፓትርይርክ፥ በጃኹም ዕርቂ ንግበር ኢሎም ክልምኑዎም ኣይምተገደዱን። ንጽንዓት እቶም ገዳማውያን ኣቦታትን ዝተወሰኑ ጳጳሳትን፥ ጥሒስካ ምሕላፍ ዝከኣል ኮይኑ ስለ-ዘይተረኽበ ግና። ከም ሕልሚ በዓል ኣባ-ሉቃስ ናብ ሓሙሻይ-ፓትርያርክ ኣቢልካ ክኽየድ ኣይተኻእለን። እዚ ሓቂ’ዚ ድማ እቶም ሰብ ፖለቲካ ኣዐርዮም  ይፈልጡዎ እዮም። ከመይሲ እቲ ነባ-ዲዮስቆሮስ ፓትርያርክ ጌርካ ንምሻም  ዝተገብረ ግጉይ ውሳኔ፥ ክሳብ ክንደይ ዝኣክል ክቡር ዋጋ ዝሓትት ኮይኑ ከም-ዝተረኽበ፥ ንበዓል ኣቶ የማነ ገብረኣብ እምበር፥ ንበዓል ኣባ ሉቃስ ክርድኦም ይኽእል’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። ኣባ-ሉቃስሲ  እቲ ኣውደ-ዓመት መጸ ኣብ ተሌቪዢን ቀሪብካ ወዛሕዛሕ ምባል ከይተርፎም እንተ ዘይኮይኑ፥ እቲ ካልእሲ ንሶም ዝጭነቑሉ ጉዳይ ኣይኮነን።

እቲ ኣብ ኣሜሪካ ዘሎ ብብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ፥ ተዓቂቡ ዝርከብ መንበር ብዝገበሮ ዘይሕለል ጻዕሪ ግና፥ እቲ ተቓውሞ ብመንገዲ መንበረ-ማርቆስ ኣቢሉ፥ ናብ ማኅበረ-ሰብ ዓለም ክበጽሕ ስለ-ዝኸኣለ። እቲ ንልዕሊ ዓሠርተ-ዓመት ተዓጺፉ ዝጸንሐ መዝገብ ንክነቓነቕ ጸቕጢ ገይሩ’ዩ ክበሃል ይከኣል። እቲ ኣብ ኩሉ ዝጸንሐ ግምት’ውን፥ ካብዚ ዝተፈልየ ኣይነበረን። ደብዳቤ ዮፍታሔ ግና ካልእ ከይሰማዕናዮ ዜና’ዩ ዝንግረና ዘሎ። እዚ ማለት ድማ ኣብቲ ውሽጢ ሲኖዶስ’ውን ተሪር ኣቕዋም ዘለዎም ጳጳሳት ምህላዎም ኢና ንርኢ ዘሎና። እቲ ዝዓበየ ጸቕጢ ክገብር ዝኽእል ኮይኑ ዝርአ ዘሎ’ውን፥ እዚ ናይ ገዳማትን ጳጳሳትን ኅብረት’ዩ፥ ክበሃል ዘይግብኦ ኣይኮነን።

ንኣብነት ኣብቲ መጀመርታ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ካብ ሥልጣን ዝተኣልዩሉ እዋን። እቲ ሲኖዶስ ጨሪሹ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ዮፍታሔ ምእታዉ’ዩ ዝስማዕ ዝነበረ። ኣብቲ ውሽጢ ከድምዕ ዝኽእል ተቓውሞ፥ ይግበር ምንባሩ’ውን ዝስማዕ ነገር ኣይነበረን። ሕጂ ግና እዚ ዝተባህለ ናይ ዮፍታሔ ደብዳቤ፥ ብኣንጻር’ዚ ካልእ’ዩ ዝዛረብ ዘሎ። እምበኣር እቲ ዮፍታሔ ብዘለዎ ናይ ምፍርራሕ ቃላት ተጠቒሙ ዝጸሓፎ ደብዳቤ፥ እንሆ ካብዚ ስዒቡ ይቐርብ ኣሎ።

        “…… ንስኹም ምስ ዉሑዳት ጳጳሳት ኮንኩም። ነቲ ቅዱስ-ሲኖዶስን መንግሥትን ብመጽናዕቲ ዝገበሩዎ ውሳኔ። ምስ ዝመስሉኹም ጳጳሳት ብሕቡእ ብምግላል፥ ኣድማታትን መርዛም ወረታትን ትነዝሑ ከም-ዘሎኹም ብግልጺ ተፈሊጡ ኣሎ። ……… ኣገልገልቲ ሃይማኖታዊ ትካል ማለት ካህናትን መነኮሳትን፥ ሃገራዊ-ኣገልግሎት ክኸዱ ኣለዎም ዝብል ናይ መንግሥቲ ትእዛዝ ተጻሪርኩም። ኣሰር’ቶም ካልኦት መናፍቓን ብምስዓብ፥ ብውሽጠ ውሽጢ ትገብሩዎ ጸረ ሲኖዶስን ጸረ መንግሥትን ኣድማታት ተፈሊጡ ኣሎ። ብመንግሥትን ብውሳኔ ቅዱስ-ሲኖዶስን ካብ ፓትርያርክ ዝተወገደ ውልቀ-ሰብ፥ ኣባ-እንጦንዮስ ዝጸሓፎ ውግዘት ተቐቢልኩም። ንስኹምን መሰልትኹም ጳጳሳትን፥ መዓርግ ከይወሃብ ብፓትርያርክ ተወጊዙ እዩ እንዳ-በልኩም፥ እቲ ዲቁናን ክህነትን ምሃብ ተኸልኪሉ ደው ኢሉ ይርከብ ኣሎ። ሕሉፍ ሓሊፍኩም ድማ ብተጽዕኖ  ኢና እምበር፥ ፓትርያርክ ክወርድ ኣይግባእን እዩ። ሥርዓት ሃይማኖት ተጣሒሱ ዝተገብረ ጌጋ’ዩ እንዳበልኩም። ምስ ዉሑዳት ጳጳሳት ሕቡእ ኣኼባ እናገበርኩም፥ ትዘርኡዎ ዘሎኹም መርዛም  ናይ ሓሶት ወረ ተበጺሑ ኣሎ። ይኹን እምበር እዚ ጽሑፍ’ዚ ንዓኹምን ንመሰልትኹም ጳጳሳትን ካብ ዝበጽሓኩም ዕለት ጀሚሩ። ከምዚ ዓይነት ወረታትን ኣድማታትን ክትገብሩ ምስ እትርከቡ። ኣድላዪ ስጉምቲ ክውሰድ ምዃኑ ቅዱስ ሲኖዶስ የፍልጥ ኣሎ ……..”

እምበኣር እቲ በቶም ጳጳሳት ዝግበር ዝነበረ ተቓውሞ። ነቲ ብመንገዲ ዮፍታሔ ኣቢሉ ዝነጥፍ ዝነበረ ሃገራዊ-ድኅነት፥ክሳብ ክንደይ ዘይስገር ፈተና ኮይኑዎ ከም-ዝነበረ፥ ካብዚ ደብዳቤ’ዚ ኢና ክንርዳእ ንኽእል። እዚ ድማ እቲ ብስም ሲኖዶስ ዝሓልፍ ዝነበረ ውሳኔታት ኩሉ። ናይ ሲኖዶስ ከም-ዘይነበረ ከረድኣና ዝኽእል እዩ። ብዝተረፈ ነቲ ዝግበር ዝነበረ ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ተቓውሞ ብምንጻግ፥ ንነዊሕ ዓመታት ክኽየድ ጸኒሑ’ዩ። ከኸተሎ ዝጸንሐ ጸቕጥን ተነጽሎን ግና፥ ኣብ ክንደይ ብዓለም-ለኸ ዝጥመቱ ጉባኤታት ክርአ ጸኒሑ’ዩ። እዚ ከኣ ንበዓል ዮፍታሔን ኣባ-ሉቃስን እኳ ዘይስምዖም እንተነበረ፥ ንቤተ-ክርስቲያንን ደቂ ቤተ-ክርስቲያንን ግና ዘቐንዝዎም ኮይኑ ኣይጸንሐን ክበሃል ኣይከኣልን።

ብዝተረፈ እቲ ኣብ ደብዳቤ ዮፍታሔ ተገሊጹ ዘሎ ኃይለ-ቃላት። እቲ በቲ እዋን’ቲ በቶም ጳጳሳት ዝግበር ዝነበረ ተቓውሞ፥ ክሳብ ክንደይ ከስግኦም ክኢሉ ከም-ዝነበረ ዘረድእ’ዩ። እዚ ተቓውሞ’ዚ ከኣ ከምኡ ኢሉ ክቕጽል ዝጸንሐ ደኣምበር፥ ሓንሳእ ተቐልቂሉ ደሓር ዝጠፍእ ኣይነበረን። በዚ ተቓውሞ’ዚ ከኣ’ዮም  መወዳእታኡ’ውን፥ እቶም ክልተ ከም ቁርዲድ ደም ቤተ-ክርስቲያን ክመጽዩ ዝጸንሑ ዮፍታሔን ቀሺ-ሃብቶምን፥ ካብቲ ንዓመታት ከፍርሱዎን ከዕንዉዎን ዝጸንሑ ደምበ ተደፊኦም ክወጹ ዝኸኣሉ። እዚ ከኣ ከምቲ “ለጠቢብ ኣሓቲ ቃል ትበቁኦ” ዝበሃል፥ ነቶም ድሕሪ መጋረጃ ኮይኖም ንቤተ-ክርስቲያን ክሕምሱዋ ዝርከቡ ዘለዉ ሰብ ፖለቲካ፥ መለበሚ ክኾኖም’ዩ ዝግባእ ዝነበረ። እቲ ክኸዱዎ ዝርኣዩ ዘለዉ መንገዲ ግና። ኣብ ልዕሊ’ቲ ዝጸንሐ ጌጋ ካልእ ጌጋ ዝውስኽ ደኣ’ምበር፥ መንገዲ ልቦና ክኸዱ ዝደልዩ መሲሎም ኣይረኣዩን ዘለዉ።

ይኹን-እምበር ንሳቶም ካብ ዝሓለፈ ዕሥራን-ሓሙሽተን ዓመት ኣትሒዞም። ንቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ክሕምሱዋ ጸኒሖም’ዮም። ሕጂ እቲ ትማሊ ዝተገብረ ጸወታ ክንደግሞ ኢና በሃልቲ እንተደኣ ኮይኖም ግና፥ ፈጺሞም ኣይክእሉን እዮም። ከመይሲ ትማሊ ሰብ ዘይብሉ ደምበ’ዩ ጸኒሑዎም። ሎሚ ግና እግዚኣብሔር ይኽበር ይመስገን-!! ንዝኾነ መድረኽ ክገጥም ዝኽእል ዉሉደ-ክህነት ኣሎና’ዩ። ስለዚ ንከም በዓል ኣባ-ሉቃስ ዝኣመስሉ ሒዝካ ክግበር ዝድለ ሕልክስና፥ ኣብ ዝኾነ ከብጽሕ ዝኽእል ከም-ዘይኮነ ምፍላጡ ኣገዳሲ’ዩ። የግዳስ “ንዝመውት ምድሪ ኣይምሰዮ” ከም-ዝበሃል፥ ብጉዳይ ቤተ-ከርስቲያን ተዋሕዶ ምጽዋት ከም-ዘብቅዐ ክፍለጥ ኣለዎ። ስለዚ ጉዳይ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ’ውን ጉዳይ ሕዝቢ ተዋሕዶ ስለ-ዝኾነ፥ ነቲ ዋናን በዓል-ቤትን ዝኾነ ሕዝቢ ዝሕደግ ደኣምበር፥ እቶም ሰብ ፖለቲካ ዝሽገሩሉ ጉዳይ ኮይኑ ክርከብ ዝደሊ ዋላ ሓደ’ኳ የልቦን።

ብዝተረፈ “ወዮ ተቓልስናስ ተዋድቕና” ከም-ዝበሃል። እቲ ብማሕዩር ኣቢሉ ንዓሠርተ-ዓመት መመላእታ ክካየድ ዝፀንሐ ቃልሲ። ብዓወት ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ከም-ዝተዛዘመ፥ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙናት ዓለም ብዓለሙ ርእዩዎ’ዩ። ሕጂ እቶም ሰብ-ፖለቲካ ብምኽሪ በዓል ኣባ-ሉቃስ ተረሳሲኖም፥ መሊሶም ኣብቲ ዝተሸነፉሉ መድረኽ ክድይቡ ንውርደት እምበር ንኽብሪ ክኾነሎም ዝኽእል ኣይኮነን። ብጉራን ፈኸራን ክኸውን ዝኽእል ነይሩ እንተ-ዝኸውን ድማ፥ ካብቲ ኣብ ደብዳቤ ዮፍታሔ ተፈኪሩ ዘሎ ፈኸራ ዝበዝሕ ካልእ ፈኸራ ክመጽእ ኣይክእልን’ዩ። ነቲ ምፍርራሕን ምጉብዕባዕን’ቲ ግና ዋጋ ዝህቦ ኣይተረኽበን። ከመይሲ ነዲሩ ዝተላዕለ ሕዝቢ፥ ንድሕሪት ተመለስ ኢልካ ክትመልሶ ኣይከኣልን እዩ። ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ድማ እቲ ንዕሥራን-ሓሙሽተን ዓመት መመላእታ፥ ኣብ ልዕሊኣ ዝተፈጸመ ግህሰት መሪሩዋስ ይኣክል’ያ ትብል ዘላ-!!!

 ብዝተረፈ እቲ ብልቦና ዝፍለጥ ካህን፥ ቀሲስ ገብረ-መድኅን ገብረ-ጊዮርጊስ። እቲ ብወገን ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ዝነበረ ኣቕዋም፥ ግልጽ ኣቢሉ ተዛሪቡ ነይሩ’ዩ። “… ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ብግዜ ደርጊ መጋበሪ ፖለቲካ ኮይና ጸኒሓ’ያ። እዚ ሕማቕ ተሞክሮ’ዚ ግና ሕጂ ክትደግሞ ኣይትደልን’ያ…” ብምባል፥ እቶም ርእሰ-ብሔር ተረኺቦም ኣብ ዝንበሩሉ ጉባኤ’ዩ ተቢዑ ዝተዛረበ። ግደፉ ኣይትጸዓኑና ከምታ ዓቕምና ኮንና ክንነብር እዩ ዝበለ። እዚ ከኣ ሕጋዊ ዝኾነ ቅቡል ዘረባ’ዩ ነይሩ። እዚ ዘረባ’ዚ ከም ገበን ተቘጺሩ ግና፥ እንሆ እቲ ብዙሕ ትጽቢት ዝተገብረሉ ረዚን ካህን፥ ኣብ ትሕቲ መቝሕ ካብ ዝኣቱ ልዕሊ ዓሠርተ-ዓመት ኮይኑዎ ኣሎ።

እምበኣር እዚ ኣፈራሪህካን ድሂልካን ክግበር ዝጸንሐ ኣሠራርሓ። ምስ ገዛእ ሕዝብኻ ዘባእስን፥ ካብ ማኅበረ-ሰብ ዓለም  ዝንጽልን ኮይኑ ደኣዩ ዝተረኽበ እምበር። ብዓይኒ ፖለቲካ እንተ-ተራእየ’ውን፥ ብጀካ ክሳራ መኽሰብ ተረኺቡዎ ዝበሃል ኣይኮነን። ሕጂ ድማ እቶም ገዳማውያን ኣቦታት ኮኑ ዝብዝሑ ጳጳሳት፥ ፓትርያርክና ኣቡነ-እንጦንዮስ ኣብ ዝብል ኣቕዋም ጸኒዖም ደው ኢሎም ከም-ዘለዉ’ዩ ዝስማዕ ዘሎ። እቶም ነቲ ዝመሓሉሉ መዓርግ ጠሊሞም፥ ኣብቲ ካልእ መስመር ኣለዉ ዝበሃሉ ዘለዉ ኣባ-ሉቃስን ኣባ-ባስልዮስን ግና፥ ነታ ንመዓርገ-ጵጵስና ዘብቅዓቶም ቤተ-ክርስቲያን ዘይኮኑ፥ ነቲ ፖለቲካ’ውን ክኾኑዎ ይኽእሉ’ዮም ኣይንብልን ኢና። ግዳስ ንሳቶም ካድረታት ክንከውን ኢና እንተበሉ ናታቶም ምርጫ እዩ። ንቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ወኪሎም ዝኾነ ነገር ክብሉ ግና፥ ዝተዋህቦም ውክልና ከም-ዘየልቦ ክፍለጥ ይግባእ።

ኣብ መወዳእታ ክንብሎ እንደሊ። “ከም ዓሚ ይመስለክን’ሞ ውሕጅ ይወስደክን” ከም ዝበሃል። እቲ ደምበ-ተዋሕዶና ሕጂ፥ ኣብቲ ቅድሚ ዕሥራን-ሓሙሽተን ዓመት ዝነበሮ ደራጃ ኣይኮነን ዝርከብ ዘሎ። ብብዙሕ ዝተለወጠ ምሁራን ዘለዉዎ ደምበ’ዩ። ኣፈራሪህካ ኮነ ኣተዓሻሺኻ ገለ ክግበር ይከኣል’ዩ ዝበሃል’ውን ኣይኮነን። እቲ ሕጂ ዘሎ ዉሉደ-ክህነት ቤቱ ከመሓድር ጸገም ስለ-ዘይብሉ፥ ዝኾነ ኢድ ምትእትታው ክግበር ዝፈቅድ ኣይኮነን። ከምቲ ኣብቲ ቅዱስ-ጽሑፍ “ናይ ቄሣር ንቄሣር፥ ናይ እግዚኣብሔር ድማ ንእግዚኣብሔር” ተባሂሉ ዘሎ። ሕጂ’ውን እቲ ደምበ ተዋሕዶና፥ ዝኾነ ናይ ፖለቲካ ኢድ ምትእትታው ክግበር ኣይፈቅድን እየ እዩ ዝብል ዘሎ። ከምኡ ክብል ድማ መሰሉ’ዩ።

ከመይሲ እዚ ክብል ከሎ ብስምዒት ተላዒሉ ዝብሎ ዘሎ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ኣብ መሠረት ሕጊ ረጊጹ’ዩ። ከመይሲ ኣብቲ መንግሥታዊ-ኣዋጅ ቁጽሪ 73/1995 ኣንቀጽ-2 (1) ተመልኪቱ ከምዘሎ “- ኣብ ኤርትራ መንግሥቲ ከም ፖለቲካዊ-ሥርዓት፥ ሃይማኖታትን ሃይማኖታውያን ትካላትን ከኣ፥ ከም መንፈሳዊ-ትካላት ነንበይኖም ስለ-ዝኾኑ፥ መንግሥቲ ኣብ ሃይማኖታዊ-ጉዳያት፥ ሃይማኖታትን ሃይማኖታዊ-ትካላትን ድማ፥ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ኣይኣትዉን-“ ብምባል እቲ ሕጊ ኣቐሚጡዎ ስለዘሎ። ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ እዚ ብሕጊ ዝተሓንጸጸ ደረት’ዚ ክኸብር ኣለዎ’ያ ትብል ዘላ። ነቲ ሕጊ ብምትሕልላፍ ኣብ ልዕሊኣ ክግበር ዝድለ ፖለቲካዊ ጸቕጢ፥ እምቢ-!! ኣይቅበልን እንተበለትሲ ዝገበረቶ በደል እንታይ’ዩ-?  

                                         ካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን

                                               ሃገረ – ስብከት ኤውሮጳ

    

     

              

           

 

 

 

 

  

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Aqli migbar October 11, 2016

    Nezi kitgietado tirhtsa yibehal…

  • Brhane October 11, 2016

    Tewahdo tergumu doo kitnegrena mejemerta.

  • Ironfist October 11, 2016

    ዩፍታሄ ዲመጥሮስ ኩቱብ ወተሃደር ናይ ዩሁዳ እስቆሮጣዊ 666 ዝኣርምኡ ዲይብሎስ።

  • k.tewolde October 11, 2016

    This is the outcome when you mix politics with religion,you get labradoodle, Labrador/poodle mix.

POST A COMMENT