Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደሃዩዶ ኣሎኩም?

ናብ ፍርዲ ከቕርብ ነዚ ገበነኛ ምስ ህዝቡ ኪቃለስ  ኣንጻር ዓመጸኛ ስለ ዘይተራእየ ትማሊ ኣብ ቦሎኛ ደሃዩ ክንሓትት ሃለዋት ሓርበኛ!   ወጽዓ ህዝብን ሃገርን ዘንቀሎ *ሰሃሮ   *ሓልዮት እቲ ወፍሪ ሓድነት ትማል ዝጀመሮ ሃንቀውታ'ዚ ህዝቢ ሕድሪ ኪትግብሮ ደሃዩዶ ኣሎኩም ናይ ወዲ ቫካሮ?   ህዝብና ከይጸንት ብመሬት ብባሕሪ ግዕዘ

ናብ ፍርዲ ከቕርብ ነዚ ገበነኛ
ምስ ህዝቡ ኪቃለስ  ኣንጻር ዓመጸኛ
ስለ ዘይተራእየ ትማሊ ኣብ ቦሎኛ
ደሃዩ ክንሓትት ሃለዋት ሓርበኛ!
 
ወጽዓ ህዝብን ሃገርን ዘንቀሎ *ሰሃሮ   *ሓልዮት
እቲ ወፍሪ ሓድነት ትማል ዝጀመሮ
ሃንቀውታ’ዚ ህዝቢ ሕድሪ ኪትግብሮ
ደሃዩዶ ኣሎኩም ናይ ወዲ ቫካሮ?
 
ህዝብና ከይጸንት ብመሬት ብባሕሪ
ግዕዘ ህግደፋውያን ኮስቲሩ ከጽሪ
ሃምበል ኪዛዝሞ ዝጀመሮ ወፍሪ
ጥዕናኡ ይሓሉ ጎይታ ሰማይ ምድሪ!
 
*ዘላሚ ክንቀጽዕ ገሃሲ መሰልና   *ረጋጺ
ዕርበት ላምፔዱሳ ህልቂት ዜጋታትና
ኣብ ሓደ ክንጥርነፍ መሪሕ ዝኾነና
ነቲ ዘይሕለል ሓርበኛ ኣቦና
ከም ዓረ ከትርር ዓንዲ ሓድትና
ጎይታ ሰማይ ምድሪ ጥዕና ሃበልና!?
 
ፍትሒ ምስ ነገሰ’ኮ ዕድል ተረኺቡ
ሃገሩ ኪሃንጽ’ዩ *ተጃር ብገንዘቡ    *ኣዝዩ ሃብታም
ዘኽታማት ኪሕግዝ’ወ ከዕብዮም ሓብሒቡ
ዳግም ንኽርእዮ ይጽበ ኣሎ ህዝቡ!
 
ኣለኹ በል’ወ ይሰማዕ ድምጽኻ
ትጽቢቱ ብዙሕ’ዩ እዚ ህዝቢ ካባኻ
ብዓወት ኪዛዘም ናይ ስምረት ወፍርኻ
ነዞም መንእሰያት ሃበርም ደቅኻ
ኣለኹልኩም በሎም ኣብ ዘሊኻ ኣሊኻ!
 
ኣብዛ ህያብ ስውእ ሃገርና ኤርትራ
ኣሃዱ ምባልካ ናይ ልምዓት ወፈራ
ምስክር ኣሎዋ ባጽዕ ምስ ኣስመራ
እንታይ’ሞ ኪኸውን ምስ ኣንበጣ ኣዝመራ
ኣይሰርሕ ኣየስርሕ ብዘይካ እንኪሒራ
ኣይኮነን ኪሃንጽ ኪቕይሮ ሕብራ
በንጻሩ የዕኑዎ  ኣሎ ነቲ ዝነበራ!
 
እዚ እኩይ ስርዓት ናይ ሃገርና *ኩቢ    *ሓድሽ ብቚሊ ዘምክን ሓሰኻ
ጻማ ምግዳልና ካብ ከልኣና ዓስቢ
ፍትሒ ከነምጽእ ከይንዓስል ከም ንህቢ
*ብጻኦት ክንስደድ ኴንና መዛረቢ   *ብጃምላ
ደፊእካ ንምውዳቑ ህይወት ኣልቦ *ዓምቢ     *ብደዉ ዚነቐጸ ቆልቋል
ኣብ ቀብሪ መላኺ ጸጸርካ ኪትድርቢ
ሓርበኛ ወዲ ቫካሮ ይጽውዓካ ኣሎ ህዝቢ!
 
ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!          
 
ካብ ሓውኹም መሲናስ 21-10-2014

 

 

እዛ ግጥሚ ብቅድሚ ትማሊ ደሃይ ወዲ ቫካሮ ንምሕታት ኢለ ዝጸሓፍኩዋ’ያ ኔራ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • ahmed saleh October 23, 2014

    Mesinas
    Do you see the life we living in to take for granted .
    It remind me an Arabic saying ” AL-KAYIB FI HIJETU ” ,
    it is true not to jump on conclusion about anybody who
    seem absent from our surroundings .
    Your wrote the poem to reach him and then to hear the
    sad news of his death is unbelievable consequences .
    Life is too short let’s be nice to each other brothers/sisters.

  • Haile October 24, 2014

    Denkoro Diana usub Higdef medenageri nimen ketedenagir ab idea atekurka tezareb……

  • Haile October 24, 2014

    Medenagerti Higdef neti kunue tegadalay ketilkumo neta haki gin kitkebirwo entebelkum bihayili wetsia ……fire nay wutsuat eniho hiji neti kedae wedo geba zibelkumo …..eniho hiji harbegna koyinu …..Diana medenageti guhila …riekayo tarikkkkkk…….

Post a Reply to Haile Cancel Reply