Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደሃይ ካብ ኣስመራ፡ “ቃላት ወዲ ዓሊ”

ወዲ ዓሊ ሓደ ካብ’ቶም ኣብ’ታ ብዕለት 21 ጥሪ 2013 ኤርትራውያን ጀጋኑ ንሚኒስትሪ ዜና ስርዓት ህግደፍ ተቖጻጺሮም ቅዋም ክትግበርን እሱራት ፖለቲካ ክፍትሑን ዝብል መልእኽቲ ብተለቪዥን’ቲ ስርዓት ዘመሓላለፉላ ታሪኻዊት ዕለት ዝተሰወአ ሓርበኛ ተጋዳለይን ናይ ለውጢ ተቓላሳይን ኢዩ።

ወዲ ዓሊ ሓደ ካብ’ቶም ኣብ’ታ ብዕለት 21 ጥሪ 2013 ኤርትራውያን ጀጋኑ ንሚኒስትሪ ዜና ስርዓት ህግደፍ ተቖጻጺሮም ቅዋም ክትግበርን እሱራት ፖለቲካ ክፍትሑን ዝብል መልእኽቲ ብተለቪዥን’ቲ ስርዓት ዘመሓላለፉላ ታሪኻዊት ዕለት ዝተሰወአ ሓርበኛ ተጋዳለይን ናይ ለውጢ ተቓላሳይን ኢዩ። ወዲ ዓሊ ይኹን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ብጾቱ ነቲ ንስርዓት ኢሰያስ ኣንጉዑ ዘምከኾ ናይ ሓበን ስርሒት ኣብ ዝፍጽሙሉ ዝነበሩ ግዜ ኣብ ገጾም ብዘይካ ትብዓትን ርግኣትን ካልእ ከምዘይተንጸባረቐ ክፍለጥ ይግባእ።

ሓርበኛ ወዲ ዓሊ “ናትና ዕላማ ነዚኣ (ሚኒስትሪ ዜና) ምቁጽጻር ኢዩ። ካልኦት ከኣ ኩሉ ኣገዳሲ ዝብሃል ክሕዝዎ ኢዮም። ዋላ ነቲ ዕቡድ ሰብኣይ (ንውልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣፍወርቂ) ክቆጻጸሩዎ ኢዮም። ኤርትራ ኣብ ቁጽጽር ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣትያ ኢያ” ከምዝበለ፡ ኣብቲ ሰዓት’ቲ ኣብ ፎርቶ ዝነበሩ፡ ቃሉ ብቐጥታ ዝሰምዑ ሓቢሮምኒ።

ወዲ ዓሊ ምስ ብጾቱ ጠለብ ህዝቢ ዘንጎድጎዱ ጀጋኑ ኮይኖም ኣብ ታሪኽ ሰፊሮም ኣለዉ። ንሱ ሕድሪ ሰማእታት ክትግብር ናይ ህይወት መስዋእቲ ከፊሎ ኣሎ። ናቱ ሕድሪ ድማ ባርዕ’ቲ ምስ ብጾቱ ዝወልዖ ናይ ደሞክራስያዊ ለውጢ ሽግ በርቲዑ ውልቀ ምልኪ ቦርቒቑ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ሓራ ምስ ዝኸውን ኢዩ ዝትግበር።

ኣብ ኤርትራ እንርከብ ሓቀኛ ስእሊ ናይቲ ስርሒት ጸኒሑ ዝተረደኣና መንእሰያት ተበራቢርና ኣለና። ዕላልና ብወዲ ዓልን፡ ብጾቱን ኮይኑ ‘ሎ። ነዚ ናይ ጅግና ወዲ ዓልን ብጾቱን ተባዕ ስጉምቲ መሊእና ኣብ ዓወት ከንብጽሖ ምዃና ድማ ዘጠራጥር የልቦን።

መድነቒ ወዲ ዓሊ ካብ ኣስመራ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
47 COMMENTS
  • ibrhiem hagi ali February 3, 2013

    kkkkkkkkkkkkkkkkkk filim made in indian zadngr eritrwe yalan ba hasot

  • mohammedmansuer February 4, 2013

    hegf mandf hager fah fah yabelwa

  • wedebat February 4, 2013

    zelalemawi zekri niswatna ab harenet 21/1/13 dewelna alena.

  • forto February 9, 2013

    no to isaias afe, yes to wedi ali.

1 3 4 5

POST A COMMENT