Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደሃይ ካብ ኣስመራ

አብ መላእ ኤርትራ አብዚ እዋን ዓብይ መዛረቢ ጉዳይ ኮይኑ ዘሎ ሞት ብርጋዴር አማኑኤል ሃይለ (ሃንጀማ)፤ መብራህቱ ተኽለ (ቫይናክ)፤ ደሱ ተስፋጺን ዘጋጠመ ሞት አመልኪቱ ሰብ ዝተፈላለየ ርእይቶታት ይህብ አሎ። ህግደፍ ብመንገዲ ቴቪ ኤረ ዘሰምብድን ብዘስደምም አገባብን ነቲ ጉዳይ

አብ መላእ ኤርትራ አብዚ እዋን ዓብይ መዛረቢ ጉዳይ ኮይኑ ዘሎ ሞት ብርጋዴር አማኑኤል ሃይለ (ሃንጀማ)፤ መብራህቱ ተኽለ (ቫይናክ)፤ ደሱ ተስፋጺን ዘጋጠመ ሞት አመልኪቱ ሰብ ዝተፈላለየ ርእይቶታት ይህብ አሎ። ህግደፍ ብመንገዲ ቴቪ ኤረ ዘሰምብድን ብዘስደምም አገባብን ነቲ ጉዳይ አቕሪብዎ። አብ ሞንጎ ቀዳምነታት ዘይውሃቦ ጉዳይ ነታ ዜና አስማት መወቲ ስም ጥራሕ ብምቕራብ ዝርዝር ስነ ስርዓት ቀብሪ አብ ቀጻሊ ግዜያት ክቐርብ ኢዩ ብምባል ሓሊፋቶ።

ድሕረ ባይትኦምን ናይ ጽንዓት ይሃብ መልእኽቲ ንስድራ ቤት መውቲ አይቕረበትን። እንሆ ድማ ስጋብ እዛ ስዓት አይቀረበን። ህዝቢ ዘልዕሎ ዘሎ ሕቶታት ብዙሕ ኢዩ፣ ዝርዝር ብደቂቕ ንምንታይ ምጽራይ ዘይተገብረሉ። ንምንታይ ከ ከም ቅድሚ ሕጂ ዝተገብረ ሓበሬታ ንዓሊ ስዒድ ዓብደላ፡ ሳልሕ መኪ፡ ወልደንክኤል፡ ውጩን ዝተገብረ መርድእን ሓበሬታን ብተመሳሳሊ መንገዲ ዘይተኻየደሎም ዝብሉ ሕቶታትን ካልእን ብዙሕ ሕቶታት ዘልዓለ ኮይኑ አብ አስመራ ቀንዲ መዛረቢ ጉዳይ ኮይኑ አሎ።

ብኣንጻሩ ግን ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ነቲ ስጋብ ዕለተ ሞቱ ብትግሃትን ብሞሉእ ተኣማንነትን ንምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ዘገልገሉ ብ/ጀነራል ውጩ አብ ዕለተ ሞቱ ብቐጥታ ንኢሳያስ ዝትንክፍ ስለዝኾነ ፤ ከምኡ ዝኣመሰሉ እሙናት ንኽተፍሪ ግዜን ብዙሕ ጻዕርን ዝሓትት ስለዝኸነ ስርዓት ኢሳያስ ነቲ ሞት ብመንገዲ ቴቪ ኤረ ካብቲ ዝተዳለወሉ ናይ ሓዘን ዳስ ስጋብ ዕለት ቀብሩ ክተጋውሖ ቀንያ። ብ/ጀነራል ውጩ ሓላፊ ስርሒት ዞባ ሓደ አብ ዝነበረሉ ግዜ ንከተማ አስመራን ከባቢኣን ብግፋ ሃገር ዘጸልመተ ምንባሩ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ። እቲ ቀንዲ ንህዝቢ ደዛርብ ዘሎ ጉዳይ ድማ እዚ ስርዓት ንሓደ ውልቀ ሰብ ዘገልግል ስርዓት ምኻኑ ኢዩ። ኢሳያስ ነቶም ብተኣማንነት ስጋብ ሕልፈተ ትንፋሶም ዘገልገልዎ ተሰዊኡ ክብል ነቶም ስርዓተ ሕጊ አብ ኤርትራ ይተኸል ዝብሎ ድማ ብዝዳህሰሰ አገባብ ዓባቢሱ ይሕልፍ ብምህላዉ ኢዩ።

ቅድሚ ሕጅውን ነቲ እሙን ናይቲ ስርዓት ዝነበረ ንአቶ ናይዝጊ ክፍሉ አብ ዓዲ እንግሊዝ አብ ዝዓረፈሉ ሬሳ ናብ ሃገሩ ንኽይኣትው ምግባሩን፤ ባህልን ምስልን ኤርትራ ዝድውን ተግባራት ብኢሳያስ ይፍጸም ምህላው ንኹሉ ብሩህ ኢዩ። እንተስ ብስንክልና ናይ ኣእምሮ እንተስ ደይ መደይ አልካ ግን ብሕጊ ዝሕተተሉ እዋን ግን አሎ። እቲ ግዜውን ነዊሕ አይክኸውንን ኢዩ።

ስርዓት ኢሳያስ አብ ወርሒ መስከረም 2013 ከምኡ ድማ አብ የካቲት 2014 አብ ዝተገብረ ናይ ህግደፍ አኺባ ናይ ሓለፍቲ ዳግመ ውደባ ክገበር ምኻኑ ብተደጋጋሚ ኢሳያስ ክግልጽ ብምጽንሑ፤ እቲ ዘጋጥም ዘሎ ሞት ድማ ምስ ምልጋስ ሰባት ብምትእስሳር ሰባት ብጥርጠራ ዓይኔ ይርእይዎ አለዉ።

እቶም ደገፍቲ ናይቲ ስርዓት ሰብ ዝሞተ እንተሞተ ካብ ምስዕሳዕ ዓዲ ስለዘይውዕሉ፤ ንስርሒት ምድምሳስ ውቃው እዝ ምኽንያት ብምግባር ሬሳ አቐሚጦም አብ ዳንኪራ ተጸሚዶም ዊዒሎም። ውልቀ መላኺ ኢሳያስ አብ ዝገበሮ መደረ ድማ ነዞም ናብቲ ብዓል ክመጹ ከለው መኪና ሓደጋ አጋጢምዎ ዝተብሃሉ ሰባት ዝገበርዎ ቅያስ ይትረፍ ነቲ ፍጻመውን አይልዓሎን።

ኤርትራ ካብ ነጻነታ ዘረጋገጽትሎ ግዜ ስጋብ እዛ እዋን ብሕጊ አልቦ ናይ ሽፍታዊ አገባብ ትማሓደር ከምዘላ ኩሉ ዘፍልጦ ሓቂ ኢዩ።እቶም ነዚ ሃገር ሓራ ዝገበሩ ስውኣት አካለ ስንኩላት ተጋደልትን ምስ ስድራቤቶም አብ ከቢድ አደራዕ ይነብሩ ከምዘለው፤ እቲ ውልቀመላኺ ድማ ብስም ስውአት አብ ስልጣኑ ንምጽናሕን ገንዘብ አብ ምእካብን ይርከብ።

ግዱሳት ካብ አስመራ

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
64 COMMENTS
  • solomon Eritrean March 31, 2014

    what you are doing is good but do not write or say serayer hamasien akeleguzai senhit semhar denkalie etc we are all Eritrean only eseyas wants us to divide!!

  • solomon Eritrean March 31, 2014

    why he appoint filipos because filipos is hero Iseya frightens him,so it is as treating filipos to pretect him.but it is filipos who will destroy iseyas!!

  • solomon Eritrean March 31, 2014

    second filipos caring,for example in mereb setit front he was fightin with careful that he did not want to destroy his human power,and excellent operator.filipos knows how to make military operation so mr iseya is in fear of him.And filipos is responsible to the people he loves his people more than Iseyas.I was with him in mereb setit

1 3 4 5

POST A COMMENT