Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደሃይ ካብ ኤርትራ – ስርቅን ክትራንን ኣብ ከተማታት ኤርትራ ኣዝዩ ገኒኑ

ስርቅን ክትራንን ኣብ ከተማታት ኤርትራ አብ ኤርትራ አብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት አዝዩ ሓያል ዝኸነ ስርቅን ክትራንን ምዕማጽ ደቂ አንስትዮን አብዚ እዋን አብ ዝኸፍኣ ደረጃ በጺሑ ይርከብ። ካብተን አዚዩ ስርቅን ክትራንን ዓመጽን ብሰፊሑ ዝርኣየለን ዘለዋ ከተማታት አስመራ፡ ከረን፡

ስርቅን ክትራንን ኣብ ከተማታት ኤርትራ
አብ ኤርትራ አብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት አዝዩ ሓያል ዝኸነ ስርቅን ክትራንን ምዕማጽ ደቂ አንስትዮን አብዚ እዋን አብ ዝኸፍኣ ደረጃ በጺሑ ይርከብ። ካብተን አዚዩ ስርቅን ክትራንን ዓመጽን ብሰፊሑ ዝርኣየለን ዘለዋ ከተማታት አስመራ፡ ከረን፡ ባጽዕ፤ ዓዲ ቐይሕ፡ መንደፈራ፤ ተሰነይ ባረንቱን ይረከብኦ።
አብዚ ሕጂ እዋን አብ ከተማ ዓዲ ቀይሕ ካብ ድሕሪ ሰዓት ሸውዓተ ናይ ምሸት ምንቅስቓስ አብዘይክኣለሉ ደረጃ ተበጺሑ አሎ። እዚ ድማ ብሰንኪ ክትራንን ስርቅን ዓመጽን ሰባት ገዛውቶም ዓጻጽዮም ኮፍ ክብሉ ተገዲዶም አለው። ክንዮ እዚውን ብለይቲ ድማ ሰረቕቲ ከይኣትውዎም ብስግኣትን ብፍርሕን ይነብሩ አለው። ነዚ አመልኪቱ ብዕለት22.06.2014 አብ ዝተገብረ ህዝባዊ አኺባ ፤ ህዝቢ ንጉዳይ ክትራንን ስርቅን ዓመጽን አመልኪቱ ዘለዎ መረረ አቕሪቡ። ኣብቲ አኺባ ዝነበረ ሓላፊ ፖሊስ አብርሃለይ ሃብቲ (ወዲ ሃብተንሕና እቲ ስርቅን ክትራንን ብሰፊሕ ከምዘሎ ንፈልጥን ንሓለፍትና ድማ ነዚ ጉዳይ የሕሊፍናዮ ኢና። በወገና ግን ሓይሊ ሰብን መሳለጥያን ስለዘየብልና ክንገብሩ ንኽእል ነገር የለን። እቲ አብዛ ከተማ መብራህቲ ብዘይምህላው ድማ ነቲ ጉዳይ ኣሻዲንዎ አሉ ክብል ገሊጹ። እቲ መንግስቲ ዘዕጠቐኩም ብረት ንነብስኹም ንምክልኻል ስለዝኸነ ነብሱኹም ተኽላኸሉ ጥራሕ ኢየ ክብል ዝኽእል። ነቶም ሰረቕቲ ናባና ሒዝኩም እንተምጺኹምልና ግን ብወገና ንሕስያ አይንገድፈሎምን ኢና ኢሉ። እቶም ተሳተፍቲ በቲ ዝተወብሃ መግለጺ ዘይዕግበቶም ገሊጾም። ገለ ተሳተፍቲውን ነቲ ዘሎ ኩነታት ምስቲ አብ ግዜ ደርጊ ዝነበረ ኩነታት ብምንጽጻር አብ ዝኸፍኣ ኩነታት ከምዘለው ብኣብነታት ብምጥቃስ ቁጥዕኦም ገሊጾም። ገለውን እቲ ስርቅን ክትራንን ደቂ አንስትዮ ምዕማጽ በቲ አብቲ ከባቢ ዓሪዱ ዘሎ ሰራዊት ኢዩ ዝፍጸም ዘሎ፤ ካብዚ ከባቢ ዘይተርሑቑልና ክብሉ ተሰሚዖም። እቶም አብቲ ከባቢ ዝርከቡ ሰራዊት እኹል ደሞዝ ስለዘየብሎምን ካብ መንግስቲ ዝወሃብ ደገፍ ንስድራቤቶም ስለዘየብሎም አብ ስርቅን ዓመጽን ኢዮም ተዋፊሮም ዘለው ዝብል ምዕዝምዛም ናይ ህዝቢ አብቲ ከባቢ አሎ። አመሓዳሪ ከተማ ዓዲ ቀይሕ ግን እዚ ትብለዎ ዘለኹም ብመርትዖ አቕርቡልና ክብል ብናህሪ ድሕሪ ምምላሱ ሓደ አቦ ንስኻ እምበር ከምዘየለ ብመርትዖ አቕርበልና ፤ ንሕና ድኣ ከምዘሎ ንሕብረካ አለና በልዎ። አዛዚ ፖሊስ ዝኣክል ሓላፊ ዋላሓደ ክንገብር ኣይንኽእልን ኢና እናበለና ካብዚ ድኣ ደጊም እንታይ ክንጽበ ንኽእል ክብሉ መረርኦም ገሊጾም። ። አዛዚ ፖሊስ ከምዘሎ እናአመነ ንስኻ የለን ትብለና። አንስቲ ከእዋያ ዝሓድራ ዘለዋ እንታይ ኮይነን እየነ ዘየትብል ከብሉ ደርጉሑሉ።
ብተመሳሳሊ ኩነታት አብ ኩሉ ከተማታት ስርቅን ክትራንን ፤ ነቲ ህይወት ተራ ዜጋታት ሓላሊኽዎ ስለ ዘሎ መረረ ህዝቢ አብ ጠርዚ በጺሑ ይርከብ። ስርዓት ኢሳያስ ማሕበራውን ቁጠባውን ህይወት ሃገር አብ ምዝራግን ሰባት ብሰላም መነባብርኦም ከይመርሑ አብ ምግባር ተዋፊሩ አሎ። ካብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ወርሒ ኣቢሉ አብ ከባቢ ከረንን ባረንቱን ዝርከብ ሰራዊት ድሕሪ ሰዓት ሽዱሽተ ካብ ምዓሰከራት ንኸይወጽእ ከምዝተ ኣገደ ዝፍለጥ ኢዩ። እዚ ዝኸነሉ ምኽንያት ድማ ድሕሪ ሓየለ ዱካናት ተሰሪቑ እናሓደረን፡ ስርቂ ኣብታ ከተማ ገኒኑ ምርኣዩን ኢዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
36 COMMENTS
  • Merid Zeru June 30, 2014

    እንታይ ንጽበ? ኣብ ሓደ ሃገር ብፖሎቲካዊ፡ ምጣኔ-ሃብታዊን ሞራላዊን ብልሽዉናታት ዝዕለቕለቐት ሃገር፡ ሰሪሕካ ናብራኻ ዘይቲመርሓላ፡ ሰሪሕካ ዓስቢ ጉልበትካ ዘይትኽፈለላ ሃገር፡ እቶት ዜጋታት ባይታ ዝዘበጠሉ ዋጋታት ኣድለይቲ ነገራት ሰማይ ዝዓረገሉ ባይታታት ቡዙሕ ገበናትን ኣበሳታትን ክርኤ ንጽበዮ ኩዉንነት እዩ። ኣብ ኤርትራ ኣንካይ ዶ ንብረትን ገንዘብ ሂወት ዝለበሰ ሰብ ተሰሪቁ ግዳይ ራሻይዳን በደዉይን ዝኾነላ ሃገር እያ። ወዲ ሰብ ከም ጨዉን በርበረን ዝተሸጠላ ሃገር እያ። ብመንጸር እዚ ድማ እቲ ነታ ሃገር ዝቛጻጸር ዘሎ ፖሎቲካዊ ስርዓት ከም ስርርዕ ዝፈረሰሉ ሃገር፡ ካብዚ ንላዕሊ ካልኦት ተሰሚዖምን ተራእዮም ዘይፈልጡ ትንግርቲ እዉን ቡዙሕ ዘደንጹ ኣይኮነን። ኣብ ኤርትራ ዘይተነግረ እንበር ዘይተገብረ ነገር ዛጊት የሎን ብሃላይ እየ። እቲ ኣገዳሲ ሕቶ እንታይ ይግበር ኣሎ ዘይኮነ፡ ንሕና ኤርትራዉያን ኣብ ከምዚ ኩነታት እንታይ ክንገብር ይግብኣና ዝብል ሕቶ ስለዝኾነ፡ ነፍስወከፍ ኤርትራዊ ንነብሱ ዝሓተላን ምስ ገዛእ-ርእሱ ዝታዓረቀላ መድረኽ እዩ።
    ወድሓንኩም!

  • ERITRAWIT June 30, 2014

    Ezey da kone elka zgber zelo endew.

  • Bahta June 30, 2014

    for these blind
    eritrea has 24 hours electricity in every cities,towns and viallages too, where did you bring such kind of information?
    that means your are not in eritrea. we are enjoying freedom and cooking our meal using electricity. while other nations of the world are getting dark, and in africa most cities dont have electricities.

    • m June 30, 2014

      Bhta?Krkur nay hgdef, shame on you

    • asghedom July 1, 2014

      Mr. Bahata
      u are really Bahta Chalo, he was better than you, he was crying when any Akeleguzai was dyeing. Have you been in Eritrea and how much HGDEF paid you.
      you are the first enemy of Eritrean people, and you are ignorant from where ever you come. the people of horn Africa are suffering not Eritrean alone.
      When you want to Eritrea from a country where are staying, your poor family have prepared you food for your respect, but you ignorant as you are you never understand their problem , shame , shame to you one thousand times.

    • Genet-orginal July 6, 2014

      Baht
      You have 24 hours electricity, how often? 24 hours a week? a month? you are right it is not a day. So, what is your point?

  • Samsom Teferi June 30, 2014

    Bahta awan donkoro abey alem kem tnebr ayfeltn

  • hadnet June 30, 2014

    Bahta are you serious? I can see eritrea will never go forward until you and like are come straight. ..it is shame on you….denkoro. I don’t have any words of advice. Just you are idiot.

  • Wedi Hama June 30, 2014

    Bahta, please leave the issue to REAL ERITREANS!!!

  • "Ghebsi July 1, 2014

    the manager of all thieves is The Mafia leader and he lives in massawa.

  • estifanos tesfahammes July 1, 2014

    Dear bhata,stupid this is enough for you

  • neb. July 1, 2014

    It is indeed guys!!! Me personally , I found out before two years from relatives, not in the city in ordinary villages. They can not leave thier own farm lands with out leaving some body to look after it. If they do some thing must taken by the military guys who lives near by. Even If they brought any paid worker then after a month he has to still and run awy no body chase him , no protection for the people!!!

  • Morosso July 1, 2014

    you know what አማሓዳሪ ባዕሉ ይሰርቖም አሎ መንግስቲ ዘይብላ ሃገር እንታይ ትጽበዩ፡፤ “ካብ ለባ ተቐባል ለባ፡” ሰሪቖም የቐብልዎ፡

POST A COMMENT