Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደሃይ ካብ ወደብ ዓሰብ

ኩላትና ከም ንፈልጦ እቶም ብኢሰያስ ዝምወሉን ዝስልጥኑን ዝነበሩ ብስም ሑቱ ዝፍለጡ ተቓወምቲ መንግስቲ የመን፡ ሃንደበት ንየመን ዳርጋ ኣብ ምቍጽጻር ምስ ኣተዉ፡ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ብመሪሕነት ዓረብ ንዕብለላ ኢራን ኣብዚ ከባቢ ክቈጻጸራ ግድነት ኮይኑወን። ስለዝኾነ፡ ኢሰያስ

  • ኩላትና ከም ንፈልጦ እቶም ብኢሰያስ ዝምወሉን ዝስልጥኑን ዝነበሩ ብስም ሑቱ ዝፍለጡ ተቓወምቲ መንግስቲ የመን፡ ሃንደበት ንየመን ዳርጋ ኣብ ምቍጽጻር ምስ ኣተዉ፡ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ብመሪሕነት ዓረብ ንዕብለላ ኢራን ኣብዚ ከባቢ ክቈጻጸራ ግድነት ኮይኑወን። ስለዝኾነ፡ ኢሰያስ ብህጹጽ ናብ ርያድ ተጸዊዑ። ሽዑ ከምኡ ዝብል መምርሒ ግዲ ተዋሂቡዎ ንበይኑ ጢልጢል እናበለ ከይዱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ርያድ እንታይ ከም ዝገበረ’ውን ብወገን ክልቲአን ሃገራት ዝተዋህበ ዜና ኣይነበረን። በንጻሩ፡ ብደገ ደገ ብዙሕ ኣብ ነንሓድሕዱ ዝጻረር ዜናታት ተዘርጊሑ። እቲ ጕዳይ ግን ከምዚ ነይሩ።
  • መራሕቲ ስዑድያ፡ “ንወደብ ዓሰብ ንተቓወምቲ የመን ንምውቃዕ ከም ሓደ ወተሃደራዊ መዓስከር ክንጥቀመሉ ደሊና ኣለና። ኣብዚ ጕዳይዚ እንተ ተሓባበርካና ጽቡቕ፡ ኣይፋለይ ትብል እንተዄንካ ግን ክንወስዶ ንኽእል ስጕምቲ ኣሎ፡” ዝብል ምዕይ መበሊ ዘይብሉ ኣማራጺ ሂቦሞ። ኢሳይያስ ድማ ዓንዴል እናጠዓሞ ሕራይ ኢሉ ነቲ ትእዛዝ ተቐቢሉዎ ተመሊሱ።
  • እዚ ከምዚ ሉ ከሎ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ንመንግስቲ ጅቡቲ መሬቱ ክጥቀሙሉ ሓቲቶሞስ፡ “ኣብ ጕዳይ ጎርቤት ሃገር ክኣቱ ኣይደልን’የ፡” ዝብል መልሲ ከም ዝሃቦም ተፈሊጡ ኣሎ።
  • ብዝኾነ፡ ናይ ሞትን ህይወትን ሕቶ ስለ ዝኾኖም ነቲ ባዕሉ ዝፈጠሮ ከቢድ ጸገማት ዘለዎ ኢሰያስ ኣገዲዶም ድሌቶም ከማልኡ ክኢሎም። ድሕርዚ ዝሰዓበ ንምግማቱ ኣየሸግርን። እታ ብጽምዋ ተዋሒጣ ዝነበረት ወደብ ሰዓብ ከም ቅጽበት ኣጽዋር ብዘራግፋ ነፈርትን ነቲ ኣጽዋር ብዝጽዕናን መራክብን ካብኡ እናተበገሳ ኣብ የመን ደብዳብ ብዘካይዳ ነፈርቲ ውግእን ናብ ቆፎ ንህቢ ተቐዪራ ኣላ።
  • ከም ሳዕቤን፡ ነበርቲ ዓሰብ ዘይተሓስበ ማና’ኳ እንተ ፈጠረሎም፡ እታ ከተማ ግን ዳርጋ ናብ ሓንቲ ንጽልቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ሓይልታት ወጻኢ ተቐዪራ ኣላ። ብዘይካ ነበርታ ማንም ዜጋ ንዓሰብ ገጹ ተንከስ ኢሉ ክገይሽ ኣይክእልን። ኮታ ብሓጺሩ ናብ ሓንቲ ንወጻእተኛታት ዝተሓዝአት ክልልቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ወይ ድማ ዳግማይ ቃኘው ስተሽን ተቐዪራ ኣላ።
  • ገለ ተዛረብቲ፡ “እዞም ኣዕራብ ስርሖም ምስ ወድኡ ንኢትዮጵያ ኣረኪቦም ከይከዱ’ምበር ናታቶምስ ደሓን ነይሩ፡” እናበሉ ይዋዘዩ ኣለዉ። እዚ ግን ንዋዛ ዝዕድም ዘይኮነ፡ ሃገር ኣብ ትሕቲ እንኮ ውልቀመላኺ ምስ ወደቐት ልክዕ ናብ ተራ ኣቕሓ ከም ትቕየር ዝሕብር ናይ ሓደጋ ደወል ምዃኑ ክፍለጥ ኣለዎ።
  • ብኻልእ ሸነኽ እቲ ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ ብዙሕ ዝተዘርበሉ ኣብ ልዕሊ ቢሻን ወተሃደራዊ መዓስከር ማይዕዳጋን ዝተፈጸመ ናይ ሚሳይል መጥቃዕቲ ናይ ኣመሪካ ድሮን (እተን ሰብ ኣልቦ ወይ ድማ ብዘይ ፓይሎት ዝድብድባ ነፈርቲ) ከም ዝፈጸምኦ ይንገር ኣሎ። እቲ ኣብ ማይዕዳጋ ዝነበረ መዓስከር ናይ ተቓወምቲ የመን (ሑቲ) ኣጽዋር ተኸዚኑሉ ነይሩ እዩ ዝብሃል። ስለዚ፡ ንሱ ፍጹም ክድምሰስ ከሎ እቲ ናይ ቢሻ ግን ብፍላጥ ኣብ ዘይሃሲ ቦታ ተሃሪሙ።

ደሃይ ካብ ኣስመራ

  • ኣስመራ ኣብዚ እዋንዚ ካብ ኤለትሪክ፡ ማይን ነዳድን (ብፍላይ ናፍታ) ተሓሪማ ኣላ። ምጥፋእ ኤለትሪክ ኣብ ኣስመራ ንነዊሕ እዋን ተለሚዱ ኳ እንተጸንሐ እዚ ልዕሊ ክልተ ወርሒ ኣቝጺሩ ዘሎ ጸላም ግን ንበይኑ እዩ። ህዝቢ ኣስመራ ጸላም ህግደፍ ደርገፍገፍካብ ዝብል ዓመታት ኣሕሊፉ ኳ እንተኾነ፣ ሕጂ ግን እቶም መንግስትና ጽቡቕ ኣሎ እናበሉ ኣብ ክራማት ዝመላለሱ ዝነበሩ ኤርትራውያን ሰብ ወጻኢ ኳ ምስማም ስኢኖሞ፣ ናዋርሕ መዲቦም ዝመጽኡ ኣብ ሰሙኖም ይምለሱ ኣለዉ።
  • እቲ መደበር ሓይሊ ኤለትሪክ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ዓንዩ እዩ ዝብሃል። ቻይናውያን ከዕርዩዎ ፈቲኖም ግን ኣይከኣሉን። ምኽንያቱ፡ እቶም ዝፈልጡዎ ክኢላታት የለዉን ጥራይ ዘይኮነ፡ ምሉእ ፓነላትን ቀንዲ ኣካላቱን ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ ኣሕሊፉ እዩ።
  • ኢሰያስ ኣፍወርቂ ኣብታ ከም መዓስከሩ ወይ ቤትጽሕፈቱ እትሰርሕ ዲጋ ዓዲ ሓሎ እዩ ዘሎ። ኣብኡ ምስ ገለ ውሑዳት መንእሰያት ሲቪል ኢንጂነራት ስለ ዝተዓራረኸ (ማዕረ ገዛ ዓዲሉዎም ይብሃል) ካብ ኣስመራ ፈጺሙ ርሒቑ እዩ ዘሎ። ኣብ ኣስመራ’ውን ዝስራሕ ነገር የብሉን ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብቲ ከዳዕ ዝብሎ ህዝብን ካብ ኣረቂን ክርሕቕ’ውን ደልዩ እዩ ዝብሃል። ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ስራሕ ኮንትሮባንድ ተሳቲፍኩም ብዝምብል ምስምስ ብርርክት ዝበሉ በዓል ዮሴፍ መኰነን ዝርከኑዎም ገዳይም ኣባላት መጓዓዝያ ነበር ኮለኔላት ተኣሲሮም ከም ዘለዉ ‘ውን ይፍለጥ።

ሎሚ ኣብ ኣስመራ ጸረ ህግደፍ ዝኾነ ጽሑፋትን መጽሔታትን ምርኣይ እናተለምደ ከይዱ’ሎ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
20 COMMENTS
  • Stefanos Temolso July 18, 2015

    I heard this news about two months ago, not all of it but most of it. So, if Assena writes what is being heard from inside Eritrea what is the crime? After all Assena has no official correspondent in Eritrea and it is Dehay from Assab and Asmara. So, do not be worried brother. Assena has a reputation no which no dictatot can snach away.

  • qelchama July 18, 2015

    ሃገርና ኤርትራ ሎሚ ዘይኮነ 14 ዓመት ጌሩ ኣሎ
    ናብ ዚዓበየ ቤት ማሕቡስ ካብ ትቕየር

    ኤርትራዊ ካብ ህገደፍ ብከምዚ ተደቢሱ

    -ከም ከጸላኢ ኣብ ገዛአ ሃገሩ መቀሳቀሲ ክሕተት ምስ ጀመረ
    -ኣባላት ባይቶን ሰዉራ ዘዐወቱ ጀጋኑ ሕድርና ንፈጽም ስለ ዝበሉ ተዳጉኖም
    -ሳዋ ካብ ፍልጥት ዝያዳ ቅዝፈት ኮይኑ ዓስባ ወለዲ ስዉኣት አፎይታ ሰኣኑ
    -ካብ ግዜ ደርጊ ብዝሓለፈ ቁጽሪ ኤርትራዊ ድሕሪ ነጻነት ተሰዲዱ ብመገዲ ሲናይ ማከላይ ባሕሪ–
    -ሕዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ነጻነት ሲድራቤታቱ ብዝገደደ ተበቲነን ዘኽቲመን
    -ንኩሎም መግዛአታት አንግሊዝ ጥልያን ሃይለስላሴ ዘድከመ ናይ ኣዉራጃ ፍልልይ ድሕሪ ሰዉራ ምዕዋቱ
    ኣብ ዘበን ህገደፍ ተንጸባሪቑ ህዝብና ኣይናቱን ዘበኑ ደኣ
    -ዓለም ዘሰንበደ ቅዝፈት ላምፖዲዛ ሕዝብና ክሓዝን ተኸልኪሉ
    -ጉድ ህገደፍ ብዙሕ ተዘሪቡ ተተሪኹ —— ወዝተ ዘበነ ህገደፍ ከብቅዕ አዩ ስመርርርርርር

  • Ghezai July 18, 2015

    Stefanos
    There is other salih (lampen) ney DIA meshrefet

  • k.tewolde July 18, 2015

    I thought he was a tough guy. they just brushed him to the side and using Assab to fly their sorties.I guess he is only good at beating up the child , the elderly, the women..I wonder how many riyale he is getting to share it with his cronies. he was clasping the hand of the generous Amir tightly. I call that ‘POLITICAL PROSTITUTION’……………..CRY MY BELOVED COUNTRY. AND THEY TURN AROUND AND LIE TO THE PEOPLE,’ERITREA IS NOT FOR SALE’. BULLCRAP!!!

  • Simon G. July 18, 2015

    ኢሳያስ ካብቶም ኣብ ፈለማ ዝሰርዖም ጸላእቱ: ሲቪል ኢንጂነራት ‘ዮም ዝብል ዘረባታት ይስማዕ’ዩ። ስለምንታይ ‘ተተባህለ ድማ: ካብ ቤትምህርቲ ሲቪል ኢንጂነሪንግ ስለዝተስጎገ። መቸም ቂም ኣብ ስንኻ ምንካስ ‘ታ ዝዓበየት ክእለት ናይ ኢሳያስ ‘ያ።
    እዞም ሲቪል ኢንጂነራት ዝበሃሉ ዘለዉ: ዲጋ ዓዲ ሓሎ ምስተወድአት: ናብታ ዲጋ ከይደርገሞም ከሎ ብኣግኦም ተዝሓስቡላ።

  • No war no peace July 18, 2015

    ገለ ተዓዘብቲ “እዞም ኣዕራብ ስርሖም ምስ ወድኡ ንኢትዮጵያ ኣረኪቦማ ከይኸዱ ‘ምበር ናታቶምስ ዳሓን ነይሩ”
    What do we undestand from this statement?
    ዘሕዝን ኣተሓሳስባ ኤርትራውያን፣ ኣዕራብን ካልኦትን ንዓሰብ ከም ድላዮም ይጠቐምሉ፣ ስግኣት ኤርትራውያን ግን ኢትዮጵያ ከይትጥቀመሉ ጥራሕ እዩ ዘስምዕ። እዚ አረጊት ኣተሓሳስባ ንኤርትራ ምበር ንኢትዮጵያ ኣይጎድእን።

  • Truly Truly i say to you July 18, 2015

    Ahmed Saleh, ዒድ ሙባራክ i say to you and to all compatriot Muslims first. You right brother, this rubbish report, though it has some truth, but it completely underestimates our intelligence. First of all we have to know the Saudi regime as is good allies of with the US. So as it reported if Eritrea opens its door for American allies, by no means could be disadvantageous both for our nation interest, even for Isayas regime would be at least for temporarily.

    • nabil July 19, 2015

      garbage…of garbage…you are out of this world in terms of eritrean and world politics…

  • Eritra July 19, 2015

    ኢሰያስ ኣፍወርቂ ኣብታ ከም መዓስከሩ ወይ ቤትጽሕፈቱ እትሰርሕ ዲጋ ዓዲ ሓሎ እዩ ዘሎ። ኣብኡ ምስ ገለ ውሑዳት መንእሰያት ሲቪል ኢንጂነራት ስለ ዝተዓራረኸ (ማዕረ ገዛ ዓዲሉዎም ይብሃል) ካብ ኣስመራ ፈጺሙ ርሒቑ እዩ ዘሎ። ኣብ ኣስመራ’ውን ዝስራሕ ነገር የብሉን ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብቲ ከዳዕ ዝብሎ ህዝብን ካብ ኣረቂን ክርሕቕ’ውን ደልዩ እዩ ዝብሃል።

    Are you telling me Iseyas “deskilu” ?

    Please don’t tell me he is passing his days in Adi Haro doing nothing … and the whole country is suffering so much because we don’t have someone who can stop him.
    Is this an insult or collective insanity ?

  • ኣርዓዶም July 22, 2015

    ደገፍቲ ህግደፍ እክቝዕ ሓጎሰኩም፡ ነዚ ደሊኹም ኢኹም እዚ ኩሉ ዓመታት ደድሕሪ ኣረሜን ገባቲ ከተጣቕዑን ክትሰግዱን ግዜኹም ዝበላዕኩም። ሕጂ ወደብ ዓሰብ ብ የዕራብ ኢያ ተወሲዳ ዘላ፡ ደቒ ሃገር ክገሽዋ ወይ ክነግዱላ ኣይፍቐድን ኢዩ። ትሰምዑ ዶ ኣለኹም፡ ኢሳያ ስ ኣፈወርቒ ጽቡቕ ገርካ፡ ብጣዕሚ ጽቡቕ፡ ንስልጣንካ ዝሕልወልካ ከባቢ ብቐሊሉ ክትቖጻጸር ከኽእለካ ኢዩ። እንታይ ገደሰካ ዓሰብ ዶ ደንከል ትቖጻጸር፡ ንሱ ክርሕቐካ ኢዩ፡ ስለዚ ንዓሰብ ኒ የዕራብ ምሃብካ፡ ጽቡቕ ኢዩ። እታ ተጉህየካ ግን፡ እቲ ኣብ ዓሰብ ዘሎ ህዝቢ፡ ድሮ መብራህትን ላምባን ክረክብ ጀሚሩ፡ መግቢ`ውን ዘይተሓስበ መጽይሉ፡ እዚ ኣ ድቓስ ከም ትኸልኣካ ይርድኣኒ ኢዩ።
    ነቲ ብጎረር ኡ ሒዝካ ዓፍራ ክሳብ ዘውጽእ ቐቲልካዮ ዘለኻ ህዝቢ ከተማ ኣስመራ፡ ከም ናይ ዓሰብ ይፍጠረሉ ኢለ ጥራይ ክፍለየካ። እምበር እቲ ጋኔንካ ሓሳድ፡ ቐናእ፡ በቓቕ፡ ቐታሊ በቓ ርጉም ተንኮለኛ ኢዩ። ማይ ጨሎት የድልየካ ኢዩ። እቲ ሒዝካ ዘሎ ጋኔን ቐሊል ኣይኮነን። ቕንይ ኢልካ ደቕኻ ባዕልኻ ክትበልዕ ክትጅምር ከም ምዅንካ`ውን ትር ኢት ኣሎ።

POST A COMMENT