Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደሃዮም ሃበና!

ደሃዮም ሃበና! ኣንታ ገንሸል ህዝቢ ወዲ ዓሊ ጅግና ህዝብኻ ከተድሕን ንዓና ክሕሸና ሽዱሽተ ወርሕኻ ካብ ትፍለየና ከመይ ጸኒሑካ ናብራ ስውኣትና በል እስከ ተዛረብ ደሃዮም ሃበና? ናብራ ደቂ ህዝቢ ሞባእ ናይ ሓርነት ምስቲ ዓቢ ገንሸል ጽቡቕ ኣሎ ህይወት ብዋጋ መስዋእቶም ዝመጸት ናጽነት እምብዛ ሓዚኖም ክትቅየር

ደሃዮም ሃበና!
ኣንታ ገንሸል ህዝቢ ወዲ ዓሊ ጅግና
ህዝብኻ ከተድሕን ንዓና ክሕሸና
ሽዱሽተ ወርሕኻ ካብ ትፍለየና
ከመይ ጸኒሑካ ናብራ ስውኣትና
በል እስከ ተዛረብ ደሃዮም ሃበና?
ናብራ ደቂ ህዝቢ ሞባእ ናይ ሓርነት
ምስቲ ዓቢ ገንሸል ጽቡቕ ኣሎ ህይወት
ብዋጋ መስዋእቶም ዝመጸት ናጽነት
እምብዛ ሓዚኖም ክትቅየር ባርነት
ሰላም ከሊኡዎም ዕረፍቲ ቅሳነት!
ጀጋኑ ሰማእታት ከመይ ኢሎም ክቐስኑ
ብግፍዕታት ምልኪ ህዝቦም ተበቲኑ
መፍቶ ተበለጽቲ ግዳይ ንግዲ ኮይኑ
ሃገሮም ባዲማ ብመደብ ክትዓኑ
እናረኣዩዋ መልክዓ ተደዊኑ
ከመይ ጌሮም እሞ ስውኣት ክቐስኑ!?
ህዝቢ ከፊኡዎ ክስደድ ሰሚዖም
ጉህዮም ስውኣት ዝርንዛሕ ነቢዖም
ብጥልመት *ደማሒ ፍጹም ተቖጢዖም      *መላኺ
ፍትሒ ንኸንግሱ *ዘላሚ ቐጺዖም           *ጨፍላቒ፡ ረጋጺ
ዳግም ክስውኡ ትንፋሶም ሰዂዖም
ናብ ልዑል ፈጣሪ ኣምሪሮም *ደጒዖም!     *ኣልቂሶም
ከመይከ ዘይሓዝኑ ሰማእታት ዘይጉህዩ
እቲ ረዚን ሕድሮም ብጥልመት ተቆጽዩ
ብሓለንጊ ምልኪ ህዝቦም ተሳቕዩ
*በሃራት መራሕቶም ኣብ ሞቊሕ ክበልዩ   *ገዳይም
ኣይኮነን ንሳቶም ህይወት ዝወፈዩ
ንሕና ሰብ ሕድሪ’ኳ ልብና ደምዩ!
ሓየት ወዲ ዓሊ ጅግና ናይ ጀጋኑ
ነቶም ነጋውስና በሎም ኣይትሕዘኑ
ሽግር መከራና ከብቅዕ እዋኑ
ህዝቢ ምስ ሰራዊት ኢድን ልብን ኮይኑ
ሳቦያ ይብል ኣሎ ንምልኪ ከዕኑ
ኢልካ ንገረልና ስውኣት ክቐስኑ!
እዚ ጠላም መላኺ ፍጹም ከይሓፈረ
ምሁርን ሃብታምን ንጹህ እናሓየረ
ዝዓንበበት ገረብ መንቊሱ እናሕረረ
ኣብ ሓወልቲ ስውእ ኣብቲ ዝኸበረ
ሳርያን ተኸዲኑ ዕንባባ እንተ ኣንበረ
ይመስሎ ይኸውን ሕድሮም ዘተግበረ!
ኣንታ ጎይታ ፎርቶ ወዲ ዓሊ ጅግና
ነቶም ደቂ ህዝቢ ኣእላፍ ስውኣትና
ብሓውን ዓረርን ደም ከይተፋሰስና
ንመላኽን ሰዓብቱን ካብ ስልጣን ኣሊና
ዝተጠልመ ሕድሮም ክንትግብሮ ኢና
ስኽፍ ኣይበልኩም ቅሰኑ በለልና!
ሰማእታትና ብፈጽሚ ሕድሮም ይደበሱ!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 15-06-2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • ida June 15, 2013

    Ajokum! This is the time to ask “If it is not me who?”
    “If not now when?”

  • Selam June 16, 2013

    Dear Messinas,

    Great Job!! Keep it up. Thanks

  • ahmed saleh June 16, 2013

    KEEP HOPE ALIVE .
    KEEP FORTO ALIVE .( VIVA FORTO )
    MOST IMPORTANTLY KEEP OUR MARTYRS TORCH OF PROMISE ALIVE .
    KEDEAT INTEBELUNA BIZEYGEDS , TERIR MESMERNA IYU ITI MISEKRNA , we will keep that way for heaven sake
    because we praise the value of our society which raised us to respect and care to one another .

    • ahmed saleh June 16, 2013

      REmember the song ” Shigey habuni aytetaluni ” at the time of our childhood .

  • Morroso June 16, 2013

    TE’AWET TE’AWET MESINAS KUBUR WEDI KUBURAT

    KIBRN MOGOSN N SUW’ATNA SELAM KISANET HARINET N HIZBNA
    WEDI ALI HAJAY ANTA WEDI HIZBI
    IZGHI ARAYENA WED MDHN BERAD KIBEKI
    AB WUSHIT GEZA KOINOM KIBLU HATEFTEF
    N WEDI MEDHN AKYDA’U KEYIRU B’DERGEFGEF
    SMERRRRRRRRRRRRRRRRRRRRR HUQO HGDEF KISBERRRRRRRRRRRRRRZZ.

POST A COMMENT