Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደለይቲ ፍትሒ ላስቬጋስ ካብ ወርሒ ሓምለ ወርሓዊ ንኣሰና ከዋጽኡ ጀሚሮም

ደልይቲ ፍትሒ ላስቬጋስ ካብ ወርሒ ሓምለ ወርሓዊ ንኣሰና ከዋጽኡ ጀሚሮም   ደለይቲ ፍትሒ ላስቬጋስ ከምቲ ኣብ ኹሉ መዳያት ንፍትሒ ዝገብርዋ ቓልስን ተወፋይነትን ንሬድዮ ኣሰና ንምስሳን ብወልንተኦም  ካብ ወርሒ ሓምለ ዝጅምር ወርሓዊ 10 (ዓሰርተ)ዶላር ንምውጻእ ወሲኖም።   እዞም ደለይቲ ጽቡቕ

ደልይቲ ፍትሒ ላስቬጋስ ካብ ወርሒ ሓምለ ወርሓዊ ንኣሰና ከዋጽኡ ጀሚሮም

 

ደለይቲ ፍትሒ ላስቬጋስ ከምቲ ኣብ ኹሉ መዳያት ንፍትሒ ዝገብርዋ ቓልስን ተወፋይነትን ንሬድዮ ኣሰና ንምስሳን ብወልንተኦም  ካብ ወርሒ ሓምለ ዝጅምር ወርሓዊ 10 (ዓሰርተ)ዶላር ንምውጻእ ወሲኖም።

 

እዞም ደለይቲ ጽቡቕ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾኑ ተቐማጦ ላስቬጋስ ነታ ዘይትሕለል ሬድዮ ኣሰና ንምስሳንን መደባታ ብምዕባይ ካብዚ ዘላቶ ንላዕሊ ወጽዓን ስቓይን ህዝቢ ኤርትራ ናብ ዓለምን ኤርትራውያንን ንምቕላሕ ገንዘባውን ሞራላውን ሓገዝ ስለዘድልያ ካብዚ ብምብጋስ እዮም ነዚ ሓላፍነታዊ ስጉምቲ ወሲዶም።

 

እቶም ነዚ ውሳኔ ዝወሰዱ መንእሰያትን ዓበይትን ኣብ ሃገርና ናጽነት ፕረስ የለን፥ ዜጋታት ከምድላዮም ናይ ምዝራብን ምጽሓፍን መሰል የብሎምን፥ ኣብ ሃገርና ብዘይካ በቲ ስርዓት ዝውነና ሓንቲ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራን ቲቪ ኤረን ካልእ የለን ህዝቢ ኤርትራ ካብ ነጻ ወገን ዝኾነ ሓቤረታ  ዝረክበሉ ፈነወ ሬድዮ የብሉን ። ካብዚ ብምብጋስ ነዛ ንህዝቢ ኤርትራ መተንፈሲ ኾይናቶ ዘላ ሬድዮ ኣሰና ኣብ ውሽጥን ደገን ብጽፈት መደባታ ንምትሕልላፍ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ስለዘድልያ ኢና ነዚ ውሳኔ እዚ ወሲንና ክብሉ ተዛሪቦም።

 

እቶም ናይ ገንዘብ ሓገዝ ንምግባር ዝወሰኑ ቐጺሎም ነታ ንኹሉ መሰናኽላት ተጻዊራ ታተ ትብል ዘላ ሬድዮ ኣሰና ካብ ውሽጥን ወጻእን ሓቤረታት ንምእካብ እውን ናይ ገንዘብ ሓገዝ ስለዘድላያ ኢና ነዚ ውሳኔ ወሲንና ኢሎም ።ቐጺሎም እዚ ብልዕሊ 20 ሰባት ተጀሚሩ ዘሎ ሰናይ ተበግሶ ካላኦት እውን ክጽንበርዎን ከተባብዕዎን ይግባእ ብምባል በዚ ኣጋጣሚ እዚ ድማ ንኩሎም ኣብዚ ክተሓጋገዙ ዝደልዩ ተባዓት ኤርትራውያን ንኩሉ  ኩፉት ምኻኑ ንሕብር ኢሎም።

 

ቐጺሎም እቶም ደለይቲ ፍትሒ ኣብዚ ሕጂ እዋን ሃገርና ኤርትራ ኣብ ቐራና መንገዲን ኣብ ፈታኒ ህሞትን ኣብ ዘላትሉ እዋን ሓደ ናብ ህዝቢ ሓቤሬታታት ዘመሓላልፍ ፈነወ ሬድዮ የድልየካ እዚ ድማ ብሓደ ወይ ብኽልተ ሰባት ዝዕመም መደብ ኣይኾነን ፥ስለዝኾነ ድማ ኣብ ወጻኢ ንርከብ  ኤርትራውያን ከምዚ ናይ ላስቬጋስ  ሰናይ ተብግሶ ንኽወስዱን ኣብ ኩለን ከተማታት ዓለም ዘለዉ ደለይቲ ፍትሒ ወርሓዊ ዓዓቕሞም ከበርኽቱን  ከተባብዑን ንጽውዕ ኢሎም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • m July 8, 2014

    we all Eritrean we must do like that good job

  • MID July 9, 2014

    mQnay Tu’um,

    giena semun zeyelalnalus “kab werHi Hamle kewaxu jemirom” yibehal? silezghier ilnakum Assenna libi aebyu. miQnay Tiuum . Hansae emo qenyu shiuu mizrab yeHaysh.

  • Alem July 10, 2014

    Way to go Las Vegas, those of us in the rest of USA will follow your foot steps and organize our efforts and contribution so we expedite the demise of the tyrant (ISAYAS) and his criminal enterprise. Our sporadic contribution and effort need to be organized so we STOP the killing, organ harvesting, detention and torture of our people. Pls let us know if there is USA account that we can contribute to instead of sending it to London account.
    My brothers and sisters @ Assenna thank you for standing up against tyranny and thank you for your unparalleled daily effort and sacrifice to wake up the sleeping giant (Eritrean people) @ home and abroad. we are awake now and we will rally beside you till we declare victory and build our country. Avery wise man once said.

    “Change does not roll in on the wheels of inevitability, but comes through continuous struggle. And so we must straighten our backs and work for our freedom. A man can’t ride you unless your back is bent”.
    Martin Luther King, Jr.

  • Delaii fithi July 11, 2014

    Zihigus bisrat eyu abi muluu alem zelena kingebiro zigibaana eyu Amilak nihegerina yibarik

POST A COMMENT