Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደለይቲ ፍትሒ ዲና ሰኒፍና ዋላስ ህግደፍ’ዩ በርቲዑና?

ካብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ጀሚሩ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ዘሎ ኤርትራዊ፡ ኣብ ትሕቲ “ይኣክል ምልኪ ፡ ይኣክል ስቅታ” ዝብል ሃገራውን እዋናውን ሕቶ፡ ንውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ዘባህረረን ዘሻቀለን ንድላይ ፍትሒ ድማ ተስፋ ዘስነቀ ኣኼባታትን ጎስጓስ ኣብ

ካብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ጀሚሩ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ዘሎ ኤርትራዊ፡ ኣብ ትሕቲ “ይኣክል ምልኪ ፡ ይኣክል ስቅታ” ዝብል ሃገራውን እዋናውን ሕቶ፡ ንውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ዘባህረረን ዘሻቀለን ንድላይ ፍትሒ ድማ ተስፋ ዘስነቀ ኣኼባታትን ጎስጓስ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ይካየድ ኣሎ። ሕመረት ናይቲ ህዝባዊ ምንቅስቃስ፡ ኣብ ኤርትራ ሕጊ ክነግስን ሰብኣዊ መሰል ክኽበርን ዝጠልብ ኮይኑ፡ ኤርትራዊ ፍልልያቱ ወጊዱን ሓድሕድ ተጸዋዊሩን ብስምረት ነዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ምልካዊ ኣገዛዝኣ መኸተምታ ምግባር’ዩ። ውልቀመላኺ ስርዓት ህግደፍ ድማ በዚ ተጀሚሩ ዘሎ ጠለብን ማዕበልን ህዝቢ ኣዝዩ ስለዝርዓደ ንምቁጻይን ንምድኻምን፡ ኣብ ማዕከናት ዜናታቱን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታቱን፡ ካድራቱ ኣዋፊሩን ዶላራት ሰሊዑን ጸሓይ ዕራብ ከየርክቦ ናይ ሓይለብኡ ይሰርሕ ኣሎ። እታ ህግደፍ ፍጥር ካብ ዝብል ዝጥቀመላ ዘሎ መርዛም መሳርሒት፡ ሓድነት ህዝቢ ምዝራግን ፍትሒ ዝጠለቡ ዜጋታት ምጽላምን ምህዳንን’ዩ። ውልቀመላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ “ብሕጊ እምበር ብሰብ ኣይንግዛእን” ኢሉ ምረቱን ሓቅን ዝገልጽ ዘሎ ማዕበል ይኣክል፡ “ብወያነ ዝተመወለ፡ ናይ ኣውራጃታት ምትእኽኻብ’ዩ፡ ናይ ከድዓት’ዩ” ኢሉ ነውራም ጎስጓስ ምክያዱ ድማ መርኣያ ረሳሕ ባህርያቱ ዘንጸባርቅ’ዩ። እቲ ሎሚ ኣብ መንጎ ደለይቲ ፍትሕን ስርዓት ህግደፍን ዝካየድ ዘሎ ጥምጥም ድማ፡ ኣብ ምንጎ ፍትሕን ምልክን፡ ናጽነትን ባርነትን፡ ክብረትን ሓሳረ መከራን፡ ሓቅን ሓሶትን፡ ጸልማትን ብርሃንን፡ ስለዝኾነ፡ መሪርን ዋጋ ዘኽፍልን ጽንዓትን ዝሓትትን’ዩ።

ደለይቲ ፍትሒ፡ ነቲ ብገንዘብ፡ ብኣህጉራዊ ተፈላጥነት፡ ብኣውዳድባ ስለያዊ ትካላትን ቁጠባዊ ትሕዝቶን ብዙሕ ብልጫታት ዘለዎ ስርዓት ህግደፍ፡ ካብ ዜሮ ተበጊስካ ክትስዕሮን ክትምክቶን፡ እቲ ጉዕዞ ልሙጽ ከምዘይኮነን ብዘይ ስጡም ሓድነትን ቆራጽ መሪሕነትን ቅልጡፍ ለውጢ ካብ ሰማይ ከምዘይነጥብ ክንግንዘቦ ይግባእ። ምንቅስቃስ ደለይቲ ፍትሒ፡ ትካላዊ ኣሰራርሓን ጥርናፈን ካብ ዘይጸንሖ ባይታ፡ ጉዕዞና ስቃይ ህዝብና ከብቅዕ ኢልና ጀሚርናዮ ስለዘሎና፡ ጉድለታትን ፍልልያትን ከጋጥም ከም ንቡር ክንወስዶን ኣብ መስርሕ፡ ድኽመታትና ንምውሓድን ፍልልያትና ንምጽባብን ክንጽዕርን ቀዳምነታትናን ዕላማታትናን ከነነጽርን ኣለና። ልዕሊ ኩሉ ንደለይቲ ፍትሒ እተደልየናን ናብ ሕልምና ከነተግብረሉ እንኽእል እንኮ ምርጫን ድማ ዘመናዊ ኣጽዋርን ሚልዮናት ገንዘብን ኣይኮነን። ንውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ክንስዕሮን ህዝብና ካብ ሕሰም ክናገፍን፡ ኣብ ሓድሕድና ምትእምማን፡ ናይ ኣሰራርሓ ግሉጽነት፡ ጉድለታትካ ነጺህካ ምቅባል፡ ምጽውዋርን ፍልልያት ንምውሓድ ምጽዓርን ኢዩ። መለክዒ ልቦናን ብቅዓት መሪሕነትን ከኣ ምስ ብፖለቲካዊ ኣጠማምታን እምነትን ምሳኻ ዝሰማማዕ ምስራሕ ጥራይ ዘይኮነ፡ ምስ ፍልይ ዝበለ ኣረኣእያ ዘለዎ ሰብ ወይ ውድብ ብኸመይ ሓቁፍካዮ ትጓዓዝን ጸላእትኻ ተወሕድን’ዩ። ኤርትራውያን ድማ ተቀበልትን ጸወርትን ኣድራዕ ንሕና ስለዝኾና ወነንቲ ጉዳይናን ፈታሕቲ ጸገምናን’ውን ንሕና ምዃንና ምግንዛብ ኣገዳሲ’ዩ።

ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ ዘሎ ህዝብና፡ ብማእሰርቲ፡ ብመቅተልቲ፡ ብጉቦን ሰበይ ሰብካን፡ ብድኽነት፡ ብጸገማት ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ብጨካን ኣገዛዝኣን ይሳቀ ስለዘሎ፡ ኣፉ ከፊቱ ክቃወም ሓይሊ የብሉን። ኣብ መዋእል ስርዓት ህግደፍ፡ ህዝብና ካብ ተጸቂጡ ክነብር፡ ንመበቆል መሬት ዓደቡኡ ገዲፉ ናብ ስደት ከምርሕ’ዩ እታ ዝኸፍአት ካልኣይቲ ዕድል ከም ኣማራጺት ዝወስዳ ዘሎ። ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዝነብር ዘሎ ህዝብና ግን፡ ዝበዝሕ ተዛማዲ ናጽነትን ዝሓሸ ደረጃ መነባብሮን ስለዘለዎ፡ ነቲ ኣብ ስቃይ ዘሎ ወገኑ ኣፍ ክኾኖ፡ ክጣበቀሉን ከእውየሉን’ዩ ዝግብኦ። እቶም ካብ ጽሩይ ስርናይ ክርዳድን ሓርኢ እኽሊ ኮይኖም፡ ኣብ ክንዲ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ኣርዑት መግዛእቲ ስርዓት ህግደፍ ከናግፍዎ እጃሞም ዘበርክቱ ምስ ሓራዲ ህዝብና ወጊኖም ዕንቅፋት ክኾኑ ድርብ ሓጥያት ኢዩ። ሎሚ ስርዓት ህግደፍ ብኹሉ መምዘኒታት፡ ህዝቢ ኤርትራን ታሪኹን ንኸጥፍእ ይሰርሕ ከምዘሎ፡ ካብ ዝኾነ እዋን ተጋሂዱ ስለዘሎ፡ “ተደናጊረ፡ መሲሉኒ፡ ፈሪሐ” ኢልካ ንሓቂ ዓይንኻ ተዕምተሉ ወቅቲ ኣይኮነን፡፡ ስርዓት ህግደፍ ድማ ጸላኢ ኩሉ ኤርትራዊ እምበር ብህዝብና ቅንጣብ ሓልዮት ስለዘይብሉ፡ ንመንነትናን ሰብኣዊ ክብርናን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዝኣቱ ኣይኮነን።  ኣብ ሕብረተሰብና፡ ነቲ ከም ብሌን ዓይኑ ዝከናኸነካ ህዝቢ ጠሊምካ፡ ዝበላዕካሉ ጻሕሊ ምስባርን ጡብ ኣዴኻ ምንካስን ሃየንታ ኢዩ፡፡ ኤርትራውያን ካብ ስድራቤትናን ንፈትዋ ሃገርናን ምስዳድና ከይኣክል፡ ህግደፍ ኣብ ዝኣተናዮ ሃገር እግሪ እግርና እናስዓበ ከጓጥጠልናን መምርሒታት ክህበናን ከነፍቅደሉ ኣይግባእን።

ኣብ ኩናት ዘይውዓለ በሊሕ ከምዝብሃል፡ ነቶም ናጻ ግዜኦም፡ ጉልበቶምን ገንዘቦምን ወፍዮም ንምንቅስቃስ ይኣክል ብቅድመ ግንባር ዝቅልሱ ዘለዉ ዜጋታት ኣብ ክንዲ ንኣዎንታዊ ኣበርክቶኦም ኣጆኹም ኢልካ ምትብባዕ፡ ኣብ ኣበራት ጥራይ ምትኳርን ከም ብዕሪር ምሕያኽን ውጽኢቱ  ንህዝብና ተስፋ ካብ ምቁራጽ ሓሊፉ መስሓቅ ህግደፍን ጽቡቅና ዘይደልዩን ኢዩ፡፡ ጉዳይ ሃገር ድማ ንሓደ ዝቀርቦ ነቲ ካልእ ዝርሕቆ ስለዘይኮነ፡ ብሓባር ምስራሕን ዝርአ ጸገማት ብቀረባ ኣብ መኣዲ ዘተ ምፍታሕን እምበር ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብምሩጻት ቃላት ምምዳር ኣይኮነን። ብማዕዶ ኮፍ ኢልካ ፍርድታትን ግምታትን ካብ ምሃብን ንጉዳይና ጓኖት ካብ ምዃንን፡ ብኣካል ንዋሳእ ካብ ዘረባ ሓሊፍና እጃምና ነበርክት። ንኣብነት ነዚ ንስርዓት ህግደፍ መርዘን ኮይኑዎ ዘሎ፡ ምምስራት ባይቶ ይኣክል ሰሜን ኣመሪካ ምስ ብዙሕ ብድሆታት ተበጊሱ ዘሎ ምንቅስቃስ ይኣክል ካብ ምዕንቃፍ፡ ነቲ ዘመዝገቦ ዓወታት ምምስጋንን ብኸመይ ንቅድሚት ይቅጽል ክንሓስብ ኣለና። ዕድል ንሃቦ ክብሃል እንከሎ ግን፡ ብዘይ ንጹር ራእይ ንጎቢጦ ዝዓቢ ገረብ ተሰኪምናዮ ክንጓዝ ማለት ኣይኮነን። ንትርግታ ህዝብና ዝሰምዕ ጥዕና ዘለዎ ቅኑዕ ምንቅስቃስን ንስርዓት ህግደፍ ዝብድህን ንኸኸውን ግን እቲ ሓላፍነትን ተወፋይነትን ናትና’ዩ።

ከም ደለይቲ ፍትሒ ድማ ኣብዚ ዘለናዮ መድረኽ እዋናዊ ዕማማትና እንታይ ክኸውን ኣለዎ ኢልና መደባትና ምንጻር ኣዝዮ ኣገዳሲ ኢዩ። ሃገርና ናብ ንቡር ንምምጻእ ክንትግብሮም ዝግብኣና ብዙሓት’ኳ እንተኾኑ፡ ክኢላዊ ዓቅሚ ሰብ፡ ገንዘብን ግዜን ስለዝሓትት ግን ንግዚኡ ኣብ ዝጭበጥ ክውንነትና ከነትኩር ንግደድ። ብቀዳምነት እቲ ብሰሪ ፖሊሲታት ስርዓት ህግደፍን ናይ ገዛእ ርእሱ ድኻማትን ተጎጃጂሉን ናይ ምቅላስ ሕልንኡ ተዳኺሙን ዘሎ ህዝብና መንፈሱ ምብርባርን ምጥርናፍን’ዩ። እቲ ብቅሉዕ ንስርዓት ህግደፍ ዝቃወም፡ ንስርዓት ህግደፍ ዝድግፍን ኣይደጋፊ ኣይተቃዋሚ ኣብ ናይ ስቅታን እንታይ ገደሰንን ፍርሕን ዘሎ ህዝብና ናይ ሓባር ቃንዛን መንሽሮን ከምዘለዎን ንምፍዋሱ ክሰማማዕ ከምዝግብኦን መሪሕ ተራ ክንጻወት መድረኽ ይጠልበና ኣሎ። ብፍላይ ድማ ሰራዊት፡ ትካላት ጸጥታን፡ ተጋደልትን ዝበዝሑ ግዳይ ሕሰም ስርዓት ህግደፍ’ኳ እንተኾኑ፡ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ግን፡ ኣብ መንጎኦም ምትእምማን ከምዘይህሉ፡ ብራዕዲ ተዋሒጦም ከምዝነብሩን ንገለ ካብኦም ብግዝያዊ ጥቅሚ ከምዝዓውሩን ገይሩዎም ከምዘሎ ብምግንዛብ፡ ነቶም ሒደት እሙናት ህግደፍን ካብቲ ስርዓት ረብሓ ዘይብሎምን ፈላሊኻ ክጥመቱ ኣለዎም።

ካልኣይ፡ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ቀንዲ ንመደባቱ ኣብ ምትግባርን ህዝብና ኣብ ምጭፍላቅን ከም ቀንዲ መሳርሒ ማለት መመንዝዒ ገንዘብን ሓድነት ኤርትራዊ መዝረግን ዝጥቀመለን ማሕበራት፡ መንእሰያት፡ ደቂ ኣንስትዮን ሰራሕተኛታትን ከምኡ’ውን ንሱ ዝቆጻጸሮ ማሕበረኮም ስለዝኾነ፡ ኣብ ምንቅስቃስ ይኣክል ኣብ ቅድመ ግንባር ተሰሪዖም ኣብ ምንጋስ ፍትሒ ወሰንቲ ክኾኑ ምጽዓር የድሊ። ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ኣጠማምታኡ፡ ሃይማኖታዊ እምነቱን ካልእ ፍሉይነቱን ብዘየገድስ ብኤርትራውነቱ ክጥርነፍ፡ ባህሉን መንነቱን ክዕቅብን ናብ ደቁ ከሰጋግርን ኣብ ስደት ዘጋጥሞ ጸገማት ተደጋጊፉ ክፈትሖን ዘሎ ዕድላት ክጥቀመሉን ህዝቢ ዝውንኖ ማሕበረ ኮም ምምስራት’ዩ። ስርዓት ህግደፍ ዘራጊቶን፡ ሰብ ሓዳር ዘባእስን መንሽሮን ስለዝኾነ ኣብ ማሕበረኮም ኢዱ ፈጺሙ ከእቱ ከምዘይብሉን ከምዘይምልከቶን ክንጸር ኣለዎ። ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ዓለም፡ ስርዓት ህግደፍ ህዝቢ ዝሕመረቱን ዝውንኖን ማሕበረ ኮምን ኣብያተ ክርስትያን ንኸይህሉ ቀንዲ ዕንቅፋት’ዩ። ይኹን እምበር ንተጻብኦታት ስርዓት ህግደፍ መኪቶም ኣጽፋር ህግደፍ ዘይብለን ማሕበረ ኮምን ኣብያተ ክርስትያናትን ከምዘለዋ ክዝንጋዕ የብሉን።

ሳልሳይ፡ ኣብ ስደት ዘለና ኤርትራውያን ጥዒሙና ከምዘይሓድርን ገለ ካባና ሕጋዊ መንበሪ ፍቃድን ስራሕን ዘይብሎም ኣብ ሰንፈላልን ፍርሕን ከምዝነብሩ ዝርሳዕ ኣይኮነን። ይኹን እምበር ነቲ ናይ ሓባር ጸላኢና ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ዝፍጽሞ ዘሎ ገበን ዕርቃኑ ንምውጻእ እጃምና ከነብርክት ዝዓግተና ኣይኮነን። ካልእ ይትረፍ ሃገራዊ በዓላትናን ማሕበራዊ ንጥፈታትናን ብሓባር ከነማዕርጎ እምበር ህግድፍ ኣብ ኣስመራ ኮይኑ ከማሓድረናን ስልጣን የብሉን። ኣብቲ ስርዓት ህግደፍ ስልጣኑ ንምዕቃብ ዝጥቀመሉ ሕሱር ናይ ምፍልላይን ምጥርጣርን ፕሮፖጋንዳ ክንጽመድ የብልናን። ወሰንቲ ውራይና ንሕና ኤርትራውያን ምኻንና ፍሉጥ’ኳ እንተኾነ፡ ንእከይ ተግባራት ህግደፍ ኣብ ማሕበረ ሰብ ዓለም ንምቅልዑ፡ ንጸለውቲ ዝብሃሉ ፖለቲከኛታት፡ ኣባላት ባይቶ፡ ተጣበቅቲ ሰብኣዊ መሰላትን መራኸቢ ብዙሓንን፡ ብኣካል፡ ብደብዳበ፡ ብተለፎን፡ ብኢመይልን ካልእ ኣጋጣሚታትን ብውልቀን ብጥርኑፍን ክንሰርሕ ኣለና፡፡ ዜርና ዜርና፡ ስርዓት ህግደፍ ንልዕሊ 20 ዓመታት፡ ክረግጸና፡ ናብ ስደት ክንበታተን ክንቅሰብን ከይንሰምርን እቲ ኣውራ ጸገም፡ ደለይቲ ፍትሒ ዲና ሰኒፍና ዋላስ ህግደፍዩ በርቲዑናትብል ሕቶ ክንምልስ ይግባእ።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሓምለ 2019 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT