Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣባላት ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ግንቦት 23 ኣብ ከተማ ፖርትላንድ ኦረጎን፡

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ግንቦት 23 2015 ነበርቲ ከተማ ፖርትላንድ ኦረጎንን ከባቢኣን ንመበል 24 ዓመት ነጻነት ነፍቅራ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ክንዲ ብከበሮን ዳንኬራ ምስ ሕልናና ብኣስተንትኖ ኩነታት ህዝብናን ህገርናን ክንዝትን ክንዛረብን መሪጽና፡ ነዚ ወሪዱና ዘሎ ተፈታታኒ

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ግንቦት 23 2015 ነበርቲ ከተማ ፖርትላንድ ኦረጎንን ከባቢኣን ንመበል 24 ዓመት ነጻነት ነፍቅራ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ክንዲ ብከበሮን ዳንኬራ ምስ ሕልናና ብኣስተንትኖ ኩነታት ህዝብናን ህገርናን ክንዝትን ክንዛረብን መሪጽና፡ ነዚ ወሪዱና ዘሎ ተፈታታኒ ዝኾነ አዋን ብዝኽረ ስዉኣ ብምኽፋት ንተዘክሮታት ግንቦት 24 1991 ነብሲወከፍ ዝነኣሰን ዝዓበየን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ውሽጢ ሃገርና ዝጸንሑን ኣብ ዝተፈላለየ ኣብ ስደት ዝጸንሑን ኣብቲ አዋን አቲ ማለት ግንቦት 24 1991 ዝነበሮም ስምዒትን ራኢ መጻኢት ኤርትራን ከምይ ኔሩን ኣሎን ብዝብል ንኽንላዘብ ከነስተንትንን ብመራሕቲ ደለይቲ ፍትሒ ንኹሉ ዕድል ድሕሪ ምሃቦም አቲ ኣብኡ ዝተረኽበ ብምልኡ ዮሃና አንቓዕ ኣብዚ ኣብጽሓና ብድሕሪ ምብህሃል አቶም ብዕድመ ሎሚ ደፊእና ዘሎና፡ ፈጣሪና ተምስገን ዝበልናሉን ንስዉኣትና ቅሰኑ ጀጋኑልና ብምባል ናይ ሓጎስ ንብዓት ዝነባዕናሉን ዝትሓጎስንሉን ዝሳዕሳዕናሉን ዕለትን ኣዋርሕንዩ ኔሩ ክንብል ከሎና ኣብ መንጎና ብዙሕ መእሰያት ብምንባሮም ብዙሕ ትዘኩሮታት ዘይብሎን ኣብ መጨረሽታ 20ታትን ፈለማ 30ታትን ዝዕድሚኦም ብትዕግስትን ጽሞናን ሰሚዕምና፡ ክብረት ይህቦም፡ ንሶም ከእ ብህግደፍ ዝወረዶም መከራን ሕሰምን ኣዘንተዉ ኣብ መፍትሒ ዝኸውን ብዓቅምና ሃሰስ በልና፡ አዚ አዋን አዚ ኸ ግንቦት 24 አንታይ ትመስል ንዝብል ብኸምዚ ዝስዕብ መዚንዎ፡፡

ህዝቢ ነቲ ምእንቲ ንጻነትን ሓርነትን ዝተቃለስ ጅግና ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብምሉአ ልቡ ኣሚኑዎ ምስ ኩሉ ጉድለታቱ ናይ ዝሓለፈ ኩሉ ውሕጅ ይውስዶ ብማለት፡ ሎሚዶ ጽባሕ ይመሓየሹ፡ ኣይደቅና አንድዮም ኢሉ አንዳተጛዕዘ ከሎ ህዝቢ ከይፈለጠ ብውልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቅን ምሻርኽቱን ኣብ ሚዳ ዝተጠሰት ናይ ጥፍኣት ውድብ ማለት “ህግደፍ” ኣብ ግንቦት 24 1991 ብሕቡእ ኣብ ኣስመራ ተወልደት፡ ክሳብ ሎሚ መንደዓት ህዝብን ሃገርን ኮይና ኣደዳ ጥምየትን ሕሰምን ሞትን ኾይንና ኣላ፡ በዚ ምኽንያት ከእ በብእዋኑ ሞራልካ ዝትንክፍ ተርእዮታት ትኸሲቱ ብምባል መብዛሕትኦም ተኻፈልቲ ናይዚ መዓልቲ አዚ ኸኣ፡ ናብዚ አዋን ሕሰምን መከረራን ድንቁርናን ጥምየትን ሞትን ቅዝፈትን ዘብጽሑና ኣጋጣሚታት ብሓጺሩ ክዝክሩ ክለዉ ከምዚ በሉ፡፡

ንዝተቃለስናሉ ዕላማታት ብምሉኡ ብእምነትን ግርህነትን ንመሪሕነት ህግሓኤ ከተርጉመልና ናብኡ ብምግዳፍ ከምዘይ ጉዳይና ተዓዘብቲ ምኻን፡

ተራ ዚጋታት ተጋደልትን ብዘይ ፍትሒ ኣናተኣስሩን ብዘይ ፍርዲ ኣብ ቤት ምእሰርቲ አናበለዩ ዓገብ!!!!!! ዝይምባልና፡

ዘይ መንግስታውን ሃይማኖታውን ገበርቲ ስናይ ካብ ሃገር አናተስጉ ስለምንታይ????? ዝይምባልና፡

ምእንቲ ሓርነት ዝሰንከሉ ሕርበኛታት ብኣስካሕካሒ ጭካነ አናተረሸኑ ኡኡኡይይይይይ ብምባል ጎደናታት ብዘይምውጻእና፡

ዝለዓለን አንኮን ናይ ፍልጠል ቤት ትምህርቲ ኣስመራ ዩኒቨርስቲ አናተዓጽወት ብተዛማዲ ብቑዓት መምሃራን አናተሰጉን አናደስከሉን ምጽቃጥ፡

ምስ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ወግሐ ጸብሐ ኣብ ውግእ አናተኣትወ ከም ጅግንነት ትራእዩ ብትዕቢት ምፍካር፡

ኣብ አምነታት ሃይማኖት ምስልምናን ክርስትናን ኣብ ማሕበራዊ ጉዳያትን ኢድ መንግስቲ አናኣተወ ክምዘይጉዳይካ ብስቅታ ምዕዛብ፡

ሃገራዊ ኣገልጉሎት ብዘይ ናይ ግዜ ዓቐን ገደብ አንዳኸደ ናብ ባርነት አናተቐየረን ብሓላፍነት ዝይምሕታት፡

ንብልሽውነት ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋርን ብምትሕብባርና፡

ኢሰያስን ልኡኻቱን ኣብ ዝጸውዕዎ ጋይላን ኣኺባን ብምኻድ ኣብ ክንዲ ሓቀኛ ድሌታት ህዝቢ ምንጋርን ምሕታትን ብዝበሉኻ ርዒምካ ምኻድ፡

ነቶም ብሓልፍነትን ትብዓትን ኣባ ጎኒ ህዝቢ ኮይኖም ዝቃለሱ ደቂ ህዝቢ ኤርትራውያን ኣብ ክንዲ ምሕብሓብ ኣንጻሮን ምስራሕን ምጽራፍን ምዝላፍን፡

ኣብቲ ህግደፍ ብዶብ ኣመኽንዩ ዝወልዖ ኣህላቅን ኣዕናውን ውግእት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዓገብ ክንዲ ምባል ብምድጋፍ፡

ህገራዊ ባይቶ አናተጋህሰን አናፈረሰን፡ ዝተዋደደ ቁዋም ንኸይትግበር አናተኸልከለ ጥርቅም ምባል፡ ኣብ ምጨረሽኡ ምማቱ ምስተረዳእና ከም ንቡር ምውሳድና ቀታሊኡ ዘይምሕታታና፡

ህጻናትን ምንእስያትን ኣቦታትን ኣዲታትን ገዝኦም ዓጽዮም ናብ አግሮም ዝመርሖም አናተሰዱ ንዘጋጥሞ ጸገማት ማለት ክሳብ ኣስካሕካሒ ሞት አናሰማዕና አናርኤናን
ኣብ ምልላይን መፍትሒ ናብ ምርኻብን ዕቱባት ዝይምኻን፡

መራኸቢ ብዙሃን ብህግደፍ አናተዓጽዋን ኣካየድተን አናተኣስሩ መስልናን መስሎምን ዝይምሕታት፡

ናይ ፖሎቲካ ሕሸውየ ኣይፍቀድንዩ አናተባህለ ናበይ ገጹ የምርሕ ክምዘሎ ዘይምስትብሃል፡

ኩሉ መስሉ ዝሓተተ ክእሰርን ህልውናኡ ክጠፍእን ክመውትን ከሎ ክሳብ ኣብ ነብስኻ ዝመጸካ ምጽባይ ከም መስርሕ ምንባር ምውስድና፡

ብሕፈሽኡ ዝተቃለስናሉ ዕላማን መስዋእቲ ዝኸፈልናሉ መሰልና ኣብ ክንዲ ባዕልና ንወስድ ካብ ህግደፍ ከም ገጸበረከት ክወሃበና ምጽባይ፡ ከም ጉድለትና ተራአዩ፡

ካብኡ ብዝተርፈ ግን ህግደፍ ዕላምኡ (ህዝብን ሃገርን ምጥፋአ) ንምትግባር ብዘይሕለል ይሰርሕ ከምዘሎ ተርዲእና ምእንቲ ህዝብን ህገርን ኤርትራ ክንቃለስ ተስማሚዕና፡

ኣኺባን ቅድሚ ምድምዳሙ ነቲ ኣብ ህገርና ዘሎን ንህዝብና ብዓቢኡ ከምኡ ኸእ ኣብ ስደት ዘሎ ህዝብናውን ኣጆኻ ኣለናልክ ኢልና መልእኽትና ተብጽሓልና ንህዝብና ሞራሉን ፍናኑ ትድግፎ ዘላ ንራድዮና ራድዮ ኣሰና ንቐጻልነታ ናይ ገንዘብ ኣወፈይቲ ኣባላት ነቶም ካብ ዝሓለፈ መጋቢት 2015 ዝጀመርናያ ኣዕሩክ ኣሰና ሓደስቲ ኣባላት ብምውሳኽ ናይ ገንዘብ ኣስተዋጽኦ ተጊሩ፡ ንዝርዝር ኣስማትን ኣስተውጻኦምን ኣብ ቀረባ ግዜ ክንሕብር ኢና፡

አቲ ዝነበረ ኣኼበኛ ዝኽረሰማእታት ብምግባር ንዓመታ ኣብ ፍትሓዊት ኤርትራ ብዘይ ምፍልላይ ከንብዕሎ ተመንዩ፡ ብፍሽኽታ ብዓወትን ሓበንን ናብ ቤቱ ኣምሪሑ፡፡

በዚ ኣጋጣሚ ንእሰና ፋውንድውሽን ድምጽና ድምጺ ውጹዓት ብምኻንኩም ዝለዓለ ምስጋናና ይብጻሕኩም፡፡

ንኹሉ ኤርትራዊ ንሰላምን ፍትሕን ክቃለስ አናጸዋዕና፡፡
ብፍላይ ከእ ንህዝቢ ፖርትላንድ ኣኦረጎን ጻውዒትና ንቅርብ፡
ኣዕሩኽ ኣስና ንምኻን ንእባላትና ተውከሱ ብዝተፈላለይ ጸገማት ሽሙ ክንገር ዘይደሊ አቲ ምኽንያት ርዱእ አዩሞ፡ ጥራሕ ተውከሱና፡

ዝኽርን ክብርን ንኹሎም ስዉእትና፡
ሕድሮም ክነትግብር ኢና፡
ዓወት ንውጹዕ ህጽቢ ኤርትራ
ደለይቲ ፍትሒ ፖርትላንድ ኦረጎን

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT