Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደለይቲ ፍትሕን ደገፍቲ ውልቀመላኺ ስርዓት ኢሳይያስን ኣብ እስራኤል ድሕሪ ምግጫዎም 12 ኤርትራውያን ተጎዲኦም፣ ልኡኽ ህግደፍ ተስፋማርያም ተኸስተ ብሕቡእ ከካይዶ ዝሓሰቦ ኣኼባ ተቛሪጹ።

ሎሚ ቀዳም 21 ታሕሳስ ደለይቲ ፍትሕን ደገፍቲ ውልቀመላኺ ስርዓት ኢሳይያስን ኣብ እስራኤል፣ ገሊላ ኣብ ዝተባህለ ከተማ በእማንን ድሕሪ ምግጫዎም ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ እትርከቦም 12 ኤርትራውያን፣ 3 ካብኣቶም ብኸቢድ፣ ትጎዲኦም ናብ ሕክምና ክለኣኹ ከለዉ፣ ልኡኽ ስርዓት

ሎሚ ቀዳም 21 ታሕሳስ ደለይቲ ፍትሕን ደገፍቲ ውልቀመላኺ ስርዓት ኢሳይያስን ኣብ እስራኤል፣ ገሊላ ኣብ ዝተባህለ ከተማ በእማንን ድሕሪ ምግጫዎም ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ እትርከቦም 12 ኤርትራውያን፣ 3 ካብኣቶም ብኸቢድ፣ ትጎዲኦም ናብ ሕክምና ክለኣኹ ከለዉ፣ ልኡኽ ስርዓት ኢሳይያስ ተስፋማርያም ተኸስተ (ወዲ ባሻይ) ካብ ቴልኣቪቭ ልዕሊ ክልተ ሰዓታት ተጓዒዙ ብሕቡእ ከካይዶ ዝሓሰቦ ኣኼባ ከምዝተቛረጸ ምንጭታት ኣሰና ካብ እስራኤል ሓቢሮም።

ብመሰረት ‘ቲ ሓበሬታ፣ ኣምባሳደር ህግደፍ ነቶም 550 ዝኾኑ ኤርትራውያን ደገፍቲ ናይቲ ስርዓት ካብ ቴልኣቪቭን ካልኦት ከተማታትን ንዑደት ብዝብል ምኽንያት ጎልቢቡ ብቃፍላይ ኣውቶቡሳት ናብ ገሊላ ክወስዶም ከሎ፣ 60 ኣቢሎም ዝኾኑ ደለይቲ ፍትሒ ነቲ ኩነታት ከምዝተኸታተሉዎ ‘ሞ፣ ኣኼባ ክጅመር ከሎ “ንሕና ‘ውን ኤርትራውያን ከም ምዃና መጠን ነቲ ኣኼባ ክንሳተፎን ክንሓትትን ይግብኣና እዩ” ዝብል ሕቶ ከምዘልዓሉ፣ ቀጺሎም ደገፍቲ ናይቲ ስርዓትብኣእማን ከጥቅዑዎም ምስ ጀመሩ ኸኣ ግጭት ከምዝተላዕለ ተፈሊጡ።

እቶም ዝተጠቕዑን ዝተጎድኡን እቶም ደለይቲ ፍትሒ ክንሶም፣ ፖሊስ እስራኤል፣ ን 50፣ ዳርጋ ንኹሎም ‘ቶም ደለይቲ ፍትሒ፣ ኣብ ማእሰርቲ ዳጕኖሞም ከምዘለዉ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ኣገንዚቦም።

ካብቶም ኣስታት 60 ሽሕ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዳርጋ ፍርቆም ኤርትራውያን እዮም። መንግስቲ እስራኤል ከኣ ነቶም ከም ሕጋውያን ስደተኛታት ዘይፈልጦም ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ ክመልሶም ምእንቲ ምስ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ቀጻሊ ዝርርብ ከምዝርከብን፣ ነቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣኽሪሩ ከምዝሕዞምን ይፍለጥ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ግጭት ፖሊስ እስራኤል ነቶም ግዳያት ዝኾኑ ደለይቲ ፍትሒ መቝሖም ነቶም ግጭት ዝጀመሩ ፋሉላት ደገፍቲ ስርዓት ኢሳይያስ ሸለል ምባሎም፣ መንግስቲ እስራኤል ምስ ህግደፍ ተሰማሚዑ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ብምጥራዝ ከረጋግጾ ንዝደሊ ረብሓ ዝውክል ዘይፍትሓዊ ስጉምቲ ምዃኑ እቶም ምንጭታት ኣሚቶም።

እቲ ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን ናይ ዝኾነ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ወኪል ኣብ እስራኤል ተስፋማርያም ተኸስተ (ወዲ ባሻይ) ካብ ባህርያት ናይቲ ዝለኣኾ ዓማጺ ስርዓት ወጻኢ ኮራኹሩ ነቶም ኤርትራውያን ከጥቅዑዎም ከለዉ ክእድቦም ትጽቢት ምግባር ዘይክዉንነታዊ ኳ እንተኾነ፣ ተዓዛቢ ሕድሕድ ደም ምፍሳስ ኤርትራውያን ኮይኑ ምውዓሉ ግን ዘደቅስ ኣይኮነን።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
70 COMMENTS
  • amir akeza December 21, 2013

    1. ኣቦይ መዓረይ ሓቂ ድዩ መንግስቲ ህግደፍ ነቶም ካብ መወዳእታ ዘይብሉ ግዱድ ዕስክርናን ሃገራዊ ኣገልግሎትን ኣምልጦም ንሽጉራት ስድራበቶም ንምሕጋዝ ናብ ስደት ንከምርሑ ዶብ ኣብ ዝሰግሩሉ ጊዜ ብጥይት ይህደኑን ስድራበቶም ድማ 50,000 ናቕፋ ክፈሉ ዚበሃሉ። ዘይከፈሉ ድማ ኣብ ማእሰርቲ ይበልዩ ዚበሃል፣
    2. ሓቂ ድዩ ኤርትራ ብሰላሕታ ናብ ትሕቲ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ትሰጋገር ኣላ ዚበሃል
    3. ሓቂ ድዩ ጸጋታት ኤርትራ ካብ ዝኾነ ወርቅን ካልኦት ማዕድናትን እናተሸጠ ንመተርንዒ ደምሒትን ብ ኣንጻሩ ድማ ንመማሰኒ ሓይልታት ኤርትራ ውዒሉ ዚበሃል
    4. ሓቂ ድዩ ድሕሪ 23 ናይ ንጻነት ኤርትራ ህዝቢ ብናይ ጥምየት ሓለንጋን፣ ብጸልማትን ስእነት ጽሩይ ማይን ይሳቐ ኣሎ ዚበሃል
    5. ሓቂ ድዩ ኤርትራ ብሰንኪ ግዕዙይ ምሕደራ ህግደፍ ኣብ ዓለምና ቅዋም ኣልቦ ኮይና መጻኢ ዕድላ ጽልግልግ ኢሉ ከም ሃገር ደው ትብለሉ ጊዜ የብቅዕ ኣሎ ዚበሃል
    6. ሓቂ ድዩ ተጋደልቲ ነበር ገዛ ተወጉኑልና እናበሉ ብኣፈ ሙዝ ስድራበታት ካብዝነብራሉ ቤት ምስ ኣቑሑተን ናብ ደገ ጉሒፎም ዚበሃል

    • SAVING YOUNG ERITREANS December 22, 2013

      Respected Amir Akeza ,

      Excellent questions ,I agree with the points you put ,young people should ask in all directions,if they want to fight for their rights in a proper way..In order to know where to go one has to know where one had been.One needs to go to the root of the cause .

      keep up

  • waEro December 21, 2013

    Ewe Haqi eyu eza gualey:: entay emo kngebr::

  • ramos December 21, 2013

    Ezi eritrawi zebehal mahbereseb,nay behaki MERGEM zelewo eyu zemesil.wekuat kerni! Kaylatat!

  • Kabbire December 21, 2013

    They – Ghedli – told us they will free us from feudal Hailselasie but they brought us Hgdef slavery and Arab slavery.

  • awet December 21, 2013

    The regimes support is shrinking by day.
    * Dehai website seem it’s done
    * Alenaliki is hardly posting anything….last posing 12/08.
    * Tesfanews seems to keep the supports with some unrealistic news. Who in the world manages tesfanews, anyone know?

    The momentum iswith fetewuti fithi

  • Truly Truly i say to you December 22, 2013

    Before you ask me, brother Truly do you elaborate for us what does it mean, the word of God you share us, First allow me to you share you that word. But before you may know as that, “the source of life and all wisdom as Almighty God is. When Holy Apostle Paul approves the fact for Colossians written brief says this, “Jesus is the key that opens all the hidden treasures of God´s wisdom and knowledge.
    (Colossians 2; 3)
    Now to the massage,
    ኣሕዋተየ፡ ብርእስኹም ብልህታት ዝዀንኩም ምእንቲ ኸይመስለኩምሲ፡ ምልኣት ኣህዛብ ክሳዕ ዚኣቱ፡ ንሓያሎ ኻብ እስራኤል ትሪ ልቢ ኸም ዝበጽሖም፡ እዚ ምስጢር እዚ ዘይትፈልጡ ኽትኰኑ፡ ኣይፈቱን እየ። ከምቲ ጽሑፍ፡ ተበጃዊ ኻብ ጽዮን ኪመጽእ እዩ፡ ካብ ያእቆብ ከኣ ረሲኣን ኬርሕቕ እዩ፡ ሓጢኣቶም ምስ ኣርሐቕኩ፡ ኪዳነይ ምሳታቶም እዚ ኪኸውን እዩ፡ ዚብሎ፡ ብዘሎ እስራኣኢአል ኪድሕን እዩ። ውህበት ጸጋ ኣምላኽን ጽውዓኡን ዘይጠዐሰሉ ስለ ዝዀነ፡ ብወንጌል ምእንታኹም ጸላእቲ እዮም፡ ብምሕራይ ግና ምእንቲ ኣቦታት ፍቁራት እዮም። ኣምላኽ ንዂሎም ምእንቲ ኺምሕሮም፡ ንዂሎም ኣብ ዘይምእዛዝ ዐጸዎም እሞ፡ ከምቲ ንስኻትኩም ቀደም ንኣምላኽ ዘይተኣዘዝኩምዎ፡ ሕጂ ግና ሳላ ዘይምእዛዝ እቲኣቶም እተምሐርኩም፡ ከምኡውን ንሳቶም በቲ ንስኻትኩም እተምሐርኩምሉ ምሕረት ምእንቲ ኺምሐሩ፡ ሕጂ ኣይተኣዘዙን።

    ወዳጄ፡ መዓሙቚ ሃብቲ ኣምላኽን ጥበቡን ፍልጠቱን፡ ክንደይ ዘይምርመር ኰታ እዩ ፍርዱ፡ ክንደይ ብኣሰረ ኣሰር ዘይርከብከ እዩ መገዱ። – ሓሳብ እግዚኣብሄር ዚፈልጥ መን እዩ? ወይስ መን እዩ ዘማኽሮ? መንከ እዩ ቐደም ገለ ዝሀቦ እሞ ዚፍደዮ? ኲሉ ኻብኡ እዩ ብእኡን ንእኡን ድማ እዩ እሞ፡ ንእኡ ንዘለኣለም ክብሪ ይዂኖ። ኣሜን።
    You may most of you ask me what relation it this massage with our internal political affairs ?ነገር ግን ይብለኩም ዓለኹ ክቡራን የህዋት ከምቲ “ኣምላኽ ንዂሎም ምእንቲ ኺምሕሮም፡ ንዂሎም ኣብ ዘይምእዛዝ ዐጸዎም” ዝተዘንተወ ኣብ መወዳእታ´ከኣ “ወዳጄ፡ መዓሙቚ ሃብቲ ኣምላኽን ጥበቡን ፍልጠቱን፡ ክንደይ ዘይምርመር ኰታ እዩ ፍርዱ፡ ክንደይ ብኣሰረ ኣሰር ዘይርከብከ እዩ መገዱ። ተባሂሉ ዝተጸሓፈ ገዛእቲ ናይዚ ዓለም እንክኣ፡ ካብዚ ንምርድኡ ዘጸግም ናይ ኣምላኽ ፍርዲ ምሕረትን ጥበብን፤ ተማሂሮም ንክጥእሞም ከመይ ገሮም ኣብ ሃገርና ይኹን ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዳርጋ ኣብ ሙሉእ ዓለም ናይ ደቂ ሃገር መበቆል ብዘየብሎም ሰባት ንሃገራት ንከማሃድሩ እንዳሃረዩ ብፍላይ ንከምዚ ንኣና ዝኣምሰሉ ሃገራት ከመይ ክምንድንሳቐይ ይገብሩና ከምዘለው ንምግላጽ እዩ። በዚ ምኽንያት´ዩ ከኣ ኢሳያስ ኤርትራዊ ተመሲሉ ንኢትዮጵያ ክጠቅም ዝተሃረየ ብኢትዮጵያ ወገን ውን ሃደ ሃደ ግዜ ንምርድኡ ክሳብ ዝጽግመና፣ መለስ በልዎ፣ ስብሃት ነጋ፣ በረኸት ስምዖን በልዎ ካልኦት፣ ሃደ ሃደ ግዜ ክንዲ ኢሳያስ ንኢትዮጵያ ጠጠው ዝበሎ ኣይኹን እንበር፣ ስሕት ኢሎም
    ካብ ሻእብያ ንላእሊ ንኤርትራውያን ክሃልዮ ንእዘብ። እዚ ኣይነት ኣማሓድራዊ ጥበብ ንክጥቀሙሉ ገዛእቲ ካብቲ ናይ እግዚኣብሔር ጥበብ ተባሂሉ ዝተጻሓፈ ተርዲኦም እዮም ዝጥቀሙሉ ዘለው እንተበልኩኹም ኣይትኣምኑኒን ትኾኑ። እቲ ሃቂ ግን ንሱ እዩ።

  • Truly Truly i say to you December 22, 2013

    ነቲ ነቢብኩሞ ዘለኹም ምልእኽቲ ካብ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ
    መበል 11 ምዕራፍ ካብ ፍቅዲ 25- 36 ኢዩ ነሩ።

  • Kalighe December 22, 2013

    Selamat Truly Truly,

    Many times I have read in your post, stories from Bible as you relate them to political realities in our country, which is good. Are you a (Pentecostals) pastor ?

  • ahmed saleh December 22, 2013

    If Hgdf has that kind number of Eritrean supporters in Israel , so they have a reason to call
    them economical refugees in denial for their request of political asylum . I feel sorry for
    those innocent justice seekers effected by those selfish untrustworthy hooligans .

  • oromay December 22, 2013

    I am sorry to hear such incidents. Change seekers please devise a better way of confronting the regime and its hooligans. Thete is a secret agreement between the Israeli government and the Eritrean regime to involve you in violence by deploying state organized gangs so that the tsionist government gets apparent reason for deportation or else to squash the opposition against the regime by incarceration in the Israeli concentration camps.

POST A COMMENT