Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደልሃመት ወርሒ መስከረም!!!(18 መስከረም ልቢ ህዝቢ ኤርትራ ዝደፈነት ልሳን ዜጋታት ዝዓበሰት ጸላም መዓልቲ)

ደልሃመት ወርሒ መስከረም!!!(18 መስከረም ልቢ ህዝቢ ኤርትራ ዝደፈነት ልሳን ዜጋታት ዝዓበሰት ጸላም መዓልቲ) ወርሒ መስከረም ዝረኣናላ መስደመም እዋን ውፈር ውፈር እቲ ጅግና ብክሕደት ክእሰር ኣብ ዒራዒሮ ክቃጸል ከም ሓሰር፡ ከምዘይነበረ ጅግና ጠበቓ ናይ ህዝብና ቀንጣጢ ደልሃመትና፡ ከዳዕ ተባሂሉ ብዘይ ገበን ተወንጂሉ ዘይኢዱ ረኺቡ ተበዲሉ፡ እወ

ደልሃመት ወርሒ መስከረም!!!(18 መስከረም ልቢ ህዝቢ ኤርትራ ዝደፈነት ልሳን ዜጋታት ዝዓበሰት ጸላም መዓልቲ)

ወርሒ መስከረም

ዝረኣናላ መስደመም

እዋን ውፈር ውፈር

እቲ ጅግና ብክሕደት ክእሰር

ኣብ ዒራዒሮ ክቃጸል ከም ሓሰር፡

ከምዘይነበረ ጅግና

ጠበቓ ናይ ህዝብና

ቀንጣጢ ደልሃመትና፡

ከዳዕ ተባሂሉ

ብዘይ ገበን ተወንጂሉ

ዘይኢዱ ረኺቡ ተበዲሉ፡

እወ….ትርኣየኒ ንግሆ

ጅግና ተኣሲሩ ከም ደርሆ፡

ከም ቀደሙ ከም ኣመሉ

በታ ዝለመዳ ኣዳህሊሉ

ሓይርዎ ንኹሉ፡

18 መስከረም….

ኣይነበረትን ከም ቀደም፡

ኣብ ታሪኽ ኤርትራ

ኣለዋ ፍሉይ ስፍራ፡

ክትወጽእ ሓርነት

ክትካእ ባርነት፡

መሰል ዝበለ

ንሓርነት ዝዘለለ

ተፈሪዱ ብሓዊ ክልለ፡

18 መስከረም….

እታ ኤርትራዊት ብርዒ

መሲልዋ ከም ናይ ቀደም ቀውዒ፡

ኣፋ ከፊታ

ኣብ ክንዲ ህዝቢ ሞጒታ

መሰል ሰባት ሓቲታ፡

መሲልዋ ነጻ

ረሲዓቶ ከም ዝዕምጽጻ

ንዘለኣለም ከም ዝረግጻ፡

እወ ረጊጽዋ

ብጉልበቱ ዓምጺጽዋ

ልሳን ህዝቢ ዓቢስዋ

ኣብ ጉድጓድ ቀቢርዋ፡

ኣቱም ህዝቢ እስከ ሕተትዋ

ዓው ኢልኩም ጸውዕዋ፡

ኣበይ ኣለዉዞም ጀጋኑ

ኣብ መትከሎም ዝኣመኑ

ንሓርነት ዝወገኑ፡

ኣበይልዋ እዘን ግምጃ ሃገር

ጽንዓተን ምስ ማንም ዘይወዳደር

ቅይአን ንዘለኣለም ዝንገር፡

ልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት

ኣብ ኣጻምእ ሩባታት

ክሕየሩ ዜጋታት፡

ብዘይ ንፋስ ኣዱንያ

እታ ዋዕሮ ተደብያ

ብሙቐት ሓዊ ተለልያ፡

ኣቲ ሃገር….

ይኣክል በልዮ

ስቕ ኢልኪ ኣይትጽርዮ

ኣብ ፍርዲ ኣቕርብዮ

ግቡኡ ሃብዮ፡ 

ፍትሒ ይንገስ

ወልዱ ተኽለ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
12 COMMENTS
  • Semhar September 13, 2013

    As long as the mad dog Isayas wedi Medhin Berad and his blind followers are alive the misery will continue.

    We must get reed of these killers and liberate our land and our people!

    SERAWIT ERITREA!
    HIZBI ERITREA!
    bret ab idka demegnaka Isayas wedi MEDHIN BERAD ab meretka!
    Hizbika adhin!!!!!!

  • FAKE COUNTRY COLLAPSING September 13, 2013

    ክቡራት መብዛሕትኹም ኣብዚ ስእልዚ ዘለኹም ፣

    ከም ሰባት ብጣዕሚ የጕህየኒ ተኣሲርኩምን ገሌኹም ብሽኮርያ ዓይንኹም ዒሩን (ዓዊሩን)ኣብ ትሕቲ መሬት ሃሩር እናተቓጸልኩም ክትነብሩ ፣ኣነስ ንሓንቲ ደቒቕ እኳ ኣይምኽኣልክዎን ። ብሕልፊ ንቤተሰብኩም ብጣዕሚ ዘይጽወር ክኸውን ኣለዎ። ግን ካብዚ ሓውና ወልዱ ዝገጠሞ ርእይቶ ፍልይ ዝበለ ኣለኒ።
    ፡ጠበቓ ናይ ህዝብና ___ቀንጣጢ ደልሃመትና ዝበለኩም ኣይሳማማዕን___ብቑጽሩ ዘይውሓዱ ካባኹም፣ ሙዳዳ ክት ኣስር ፣ክትዕምጽ ቆለውዕደቂ ሰብ ብሓይሊ ከተሰልፍ ከላን___ተኻፈልቲ ጥራይ ዘይኮነስ ቀንዲ ተዋሳእቲ__ናይቲ ገበን ዝነበርኩም ኢኹም።መንካዕ ኢልኩም ዝተማህረ ኣካል ምቕንጻል__ኮነ ኢልኩም ዝተማህረ ሓይሊ ኣብ ዝጠፍኣሉ ህጁም እናእተኹም ንኤርትራዊ ው አይ ምስ ኣቦታቱ ተጋሩ ፣ኣምሓሩ፣ዓፋር ፣ኩናማ፣ኣደሬ ጉራጌ____ክነብር ብዘተን ንጹህ ልብን ዘየቕረብኩም__ንእስላማዊ ህዝብና፣ዓማ ኣስላመይቲ ሓራዲት ተባሂለ ሃይማኖቱን ቀቢልኡን ክጽረፍ ካዕካዒልኩም ጽሕቁ ዝነበርኩምን ሸፋቱ ስለ ዝኾንኩም፣ዘይታሪኽኩም ኣምጺኤ__ኣቐዲምኩም ባድመ ነውሪ እዩ ክንዲ ምባል__እታ ናይ ፈገረግር ዝኾነት ውድብኩም ከተድሕኑ____ወያነ ኣጣላቕዮምና ወይ ህዝብና ዲሞክራሲ የብሉን ኢልኩም __ነዚ ተኳን ሓንጎል ህዝበ ትግርኛ ከተዔሽውዎ እንተዘይኴንኩም ፣ንዓይ መላእኽቲ ሰማይ ወሪዶም እንተዝነግሩኒ ውን ኣይኣምንን።ዓይነይ እየ ዝኣምን።
    ብሰንክኹም ድማ በደዊን ምዓኮርና የተርክስዎ ኣለዉ።ምስ ፍረ ነብስና ኣጎምቢሖም ይዕምጹና ኣለዉ።ሕጂ እቶም ወዲ ምዓሮይ ተኣሲሩ፣ወዲ ሓወቦይ ንኢስ (ንኡስ) ተደጊሙ ኢሎም ዝቕንዘዉልኩም ይቀንዘዉልኩም።ኣነ ከም ደቂ ሰባት፣ከም ኣቦታትን ኣዴታትን ይሓዝነልኩም፣ ጅግና ዝብል ሽም ግን ክሓልፍ እኳ ኣይትንክፈኩምን እዩ።ፈርሃት፣መቕተልቲ ህዝቢ ኢኹም።ኣበይ ኔርኩም ኣካለ ስንኩላን ክርሽረሹ ከለዉ፣ነቶም ሓሻካ ዝኾንንና፣ኣከለጉዛይ እዮም ኣላዓዒሎሞም ኢልኩምና።እቶም ልቢ ኢሉ ሳምቡእዝወተፈሎም ደቀ ኣርብዓ ደቂ ኣውራጃይ ኣሚኖሙኹም፣ኣነ ግን ከምዚ ዓይነት ዘለዎ ሕማም ዘለዎም ቤተሰብ ኣየዕበዩንን።ንወገናዊ ፣ወገናዊ ክብሎ እየ።ኣብ ኣስቢዳለ ዝተሰርቀ ኣንሶላ ነየውነይቲ ኣውራጃ ተልግቡላ ኔርኩም፣ኣነ ይፈልጦ እየ።
    ኣሕዋተይ፣እግዚኣብሄር መዋጽኦ ይሃብኩም። ጅግንነት ከምዚ እንተኾይኑ ግን ፍርሃተይ ኣምላኽ ይባርካ።

    ብምእሳርኩም ዝጕሂ፣ብቤተሰብኩም ዝሓስብ__ግን ንፍርሃትኩም ናብ ጅግንነት ዘይቅይር ሓውኩም።
    እቶም ዓፋርን ኩናማን መታሕትን ውን ሰብ እኳ እዮም።ኣነ ኣግፊሔ እየ ዝርእዮ።ኣይ ወያነ፣ከመይ ዝፈረመት ኢድካ ቱቝረ፣ኣሜሪካ ግደፍ እንዳሉኻ።

    • Khalige September 14, 2013

      “ንኤርትራዊ ው አይ ምስ ኣቦታቱ ተጋሩ ፣ኣምሓሩ፣ዓፋር ፣ኩናማ፣ኣደሬ ጉራጌ____ክነብር ብዘተን ንጹህ ልብን ዘየቕረብኩም__ንእስላማዊ ህዝብና፣ዓማ ኣስላመይቲ ሓራዲት ተባሂለ ሃይማኖቱን ቀቢልኡን ክጽረፍ ካዕካዒልኩም ጽሕቁ ዝነበርኩምን ሸፋቱ ስለ ዝኾንኩም፣”

      NewHopelss aka Weysebdekey Mahbuala

      Don’t try to confuse people. Mind you business. Your country has enough problems, that should keep you busy.

  • Said September 13, 2013

    This people are dancing in or heroes back .wadi afewreik in his plind followers , thay paying $150,000 house enough is enough.this heroes didn’t dead for nothing, allah pleased those heroes, and stop human trafficking, Eritrean blood is not for sale, despite the warning, this people are flying to Asmara come on with this b******* and telling as well how wonderful it is the country .if so wander full wat are you idiots doing in foreign country.

    • Suleiman Salim September 13, 2013

      Said,

      The country is wonderful, visit it. No one is going to tell that you have been saying a lot of rubbish about Eritrea.

  • FAKE COUNTRY COLLAPSING September 13, 2013

    ዝኸበርኩም ኤርትራውያን ፣

    ብእምሮን ብምስትውዓልን ብሎጂክን ብሓበንን፣ሓቀኛ መንነቱ ብምፍላጥን፣ካብ ኩሉኹም ንላዕሊ ኩርዓት ዝነበሮም ወለዲን ብምህላው እንተዘይኮይኑ ብኻልእ ዘይበልጸኩም ሓውኩም እየ።ብዙሕ ናይ ጥዕና ጉድለት ከም ዘለኒ ካባኹም ኣይሓባእኩዎን ፣ከም ባባ ኢሳያስ ፣እምኒ(ቁምቡላ) ምድርባይ ኣይጀምር እምበር ፤እቲ ናይ ርእሲ ቅልውላው እውን ከም ዘጥቅዓኒ ኣይሓባእኩኹምን።
    በዚ ምኽንያት እዚ ድ ማ ክሳብ 15 ዲሰምበር 2013(ብተጋሩ ታሕሳስ እዮም ዝብልዎ መስለኒ)ብትእዛዝ ሓኪም ሓንጎል (ኤርትራውን ሓንጎልን ፣ኣብ ሓደ ዓረፍተ ነገር ምርኣይ ኣንዩዥዋል ይኾነካ)ካብ ኮምፕዩተር ክርሕቕ እየ፣ስለዚ ክሳዕ ሽዕኡ፣እዚኣ ናይ መጨረሻ ደብዳበይ ክትከውን እያ።
    ኣንኳይዶ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት እንተንራኸብ እውን___እታ ሓንቲ ለውጢ እትገብርዋ ዘላ ነዛ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ቦሎኛ ኢጣልያ ቀይርኩማ ዘለኹም ናብ ናፖሊ ወይ ሚላኖ ክትቅይርዋ እንተዘይኮይኑ (ራዛ ናይ ኣቡኡ ባንዳነት ሓዛ)እ ቶም ኣብ ሲናይ ዝዕመጹ ዝሰለዉ ሰብኡት እንደገና ምስ ተራኸብና እውን ክዕመጹ እዮም።ንኢሳያስ ክትሓምይዎን ንተጋሩ ጽቡቕኩም ከም ዘይትምነዩ ተንኮለኛታት ከተጸልምዎምን__ካልእ ካብ ኣቦታትኩምን ኣብሓጎታትኩምን ዝርኣኹሞ፣ነውራም ኣርኣያ___ምኽታልኩም ኣይተርፍን እዩ።ከምቲ ኣቦታትኩምን ኣብሓጎታትኩምን__ኣያ ጣልያን፣ስሪኦም ኣውጺኡ ብግልብጥ በጥ ኣቢሉ ምዓኮሮም ክመልጦም ከሎ እንዳ ስዋን ባርን ነቶም ካልኦት ኣዕሩኾም ___ነቲ ብሻሞጥ ዝተቐልጠ ቆርበት ምዓኮሮም____ብሓበን ብምርኣይ ከም ምልክት ኩርዓት ዝቖጽርዎ ዝነበሩ ባርያዊ ሓንጎል ወሪስኩም__ካብ ክብረት ለዋህ ወላዲት ኢትዮጵያ__ሓለዋ ሰውራ ኢሳያስን **ሖ በደዊን ኣዕራብን ተጎምቢሕኩም ክትውገሩ ዝገብረኩም ፡ዚ ዲ ኤን ኤ እዚ ስለ ዘለኩም እዩ።ነቶም ኣብ ጥፍ ኣትኩም ዝትሓባበሩ ኣብ ላዕሊ ስእሎም ዝተለጠፈ ወረቦላታት__ምእንቲ ውድቦም ኢሎም እንተተኣስሩ ምእንቲ እቲ ሕሱር ሂወትኩም ዝሓለፉን ዝተኣስሩን መሲሉኩም ጀጋኑና ትብልዎም ዘለኹም___ከመይ ጌረ ክሕዘልኩም።ደቂ ቶጎምባሕቲን፣ደቂ ደቂ ኩርማጅ ግራስያኒ ዝሕሾምን ነውራማት ስለ ዝኾንኩም እንታይ ክብለኩም እየ እሞ።
    ሰብኣይ ሶማል ጣልያን ክግረፍ በጥ በል ክብሎ ከሎ ፍርቂ ደሞዘይ ትወስዶ እምበር ጠላዕ ሰብኣይ፣ኣይጉምባሕ ፣በጥ ኣይብል ኢሉ።ከምቶም ኣቦታትኩምን ኣብሓጎታትኩምን ነውራም ስለ ዘይኮነ።ነቶም መንእሰያት ኤርትራውያን ደቀይ ስለ ዝለከምኩሞም እምበር ንኣኹምሲ በደዊን ጥራይ ዘይኮኑ_ ኢራናውያንን ቃጣራውያንን ኣጎምቢሖም እቲ ቅድሚ ሓምሳ ዓመት ሃረር ዝበልኩሞ ሽ*ሖኦም እንተወተፍልኩም እውን ኣየቐንዝወንን።ዝተተምነኹሞ እዩ ፈጢሩልኩም።ግን እቶም ቆለውዕ መሳኪን ዘሕንኹ ኣዝማድ ከምዚ ከማኹም ስለ ዘለውዎም እናተዓመጹን ኮላሊቶም እናተጎዘየን ክነብሩ እዮም።

    ይኣኽለኒ፣ርእሰይ ጩሩውሩው የብለኒ ኣሎ፣ነቶም ተጋሩ እውን ሓንቲ ደብዳቤ ክታሕፈሎም እየ።

    ብሓቂ ዝንዕቀኩም፣ግን ብስቅያትኩም ዝጉሂ ሓውኩም ምሕረቱ ሃብተ ዘብሄረ ድምበዛን።ወዲ ንጉስ ሜሮን ፣ወዲ ንጉስ ሓውዜን፣ወዲ ንጉስ ደምቢያ።ኤርትራዊ

  • FAKE COUNTRY COLLAPSING September 13, 2013

    ዝኸበርኩም ተጋሩ ኣቦታተይ፣ኣነ ከዔሪ ንስኹም ከተፍርሱ ተራባሪብና፣

    እዚ ዝጽሕፈልኩም ዘለኹ፣ከምቲ ባዕልኹም ዝፈረምኩሞ ኤርትራዊ ወዲ ካልእ ሃገር ኮይነ እየ።እቲ ሓማሸን ትግራውነተይ ግን ፣ስየ ኣብርሃ ኣይህበኒ ፣የማነ ማንኪ ኣየሕድገኒ፣ሓወልቲ ኣኽሱም ካባይ ንላዕሊ ንወዲ ኣኽሱም ይኹን ንወዲ መቐለ ኣይብጽሖ።እታ ዓድዋ እውን እንተኾነት መኳንንቲ ዓጋመን ዓድዋን ፣ዝነበሮም ህልኽ መሪሕነት ንጎኒ ኣልዮም፣ሓደ እኳ ከይተረፈ ክስውኡ ብጅግንነት ክስውኡ ከለዉ __እቲ ካብ እዛ ሕጂ ገማግም( ኤርትራ ኢልኩም ፈሪምኩማ ዘለኹም) ሃገር ኣከለጉዛይን ሰራየን ኣትዮም ዝተራጋረጉ ደቂ ምድሪ ባሕሪ__ባሕሪ ነጋሽ (ናይ ሓሶት ሽማ ኤርትራ ዝኾነ)ሃገራውያን ኣቦታተይ እዮም።እቶም ብዓል ኣውዓሎም በደይ ኣቡሓጎታተይ ክኾኑ ከለዉ፣ እቶም ኣከለ ድማ ንሕና ጉዛይ ንብሃል ኣሕዋቶም ኣብ ገሽናሽም ኣለና።ሚኒሊክ እምኒ ከይደርበየ ጀጋኑ ፣ኣብ ዓድዋ ምስ ተሰጥሑ ___ካብ ዘቃበረስ ዘላቐሰ__ሰተት ኢሉ ኣትዩ፣ነዛ ሕጂ ኣብ ሲናይ ትጉምባሕ ዘላ ኤርትራ ብሓምሳ ሽሕ መሳርያ ዝሸጣ።ናቱ ጸሎት ዘማልኡ ሸፋቱ ድማ 22 ዓመት ይገብር ኣስመራ ኣትዮም ፣ እቲ ደቂ ባንዳ ነጻነት ዝሰመይዎ ባርነት ኣምጺኦም።ኣብ ሰላሕታ ወራር ድማ ሙዳዳ ሓራእራእ፤ ኢሎም ሱዳን ክሰግሩ ክብሉ፣ዘይስርሖም ዝገብሩ ወያነ ወጢጦም መሊሶሞም፣ተሰዊኦም መሊሶሞም ንሜዳ ኤርትራ።ምንም እኳ ዜግነተይ ኤርትራዊ ይኹን እምበር፣ኣብ ሓማሴን ከለኹ ብታሪኻዊ ቀቢላይ ህዝበ ትግርኛ ዝብሃል ናይ ሓሶት መንነት ዘይኮነስ ሓማሸናይ ትግራዋይ እ የ።ካብ ሓማሴን ንላዕሊ ትግራዋይ የለን።ንስኹም ጥራይ ሓንጎልን ሓበንን ዘለኩም ከይመስለኩም።ኣብ ድምበዛን ናይ ክሊንተንን መለስ ዜናዊን ሓንጎል ኣጠቓሊሉ ዝሓዘ ለባም ህዝቢ ኣሎ።ክርስትያን ቴሮሪስትስ, ንኣሕዋትና ቶርዓ ብሃይማኖቶም ክሓርድዎም ከለዉ ንሕና ንስዒድ ሳልሕ ብዓይኒ ሳኽራም ሙዳዳ ከም መርዓት በቕሊ ጌርና ነሕልፍ ጀጋኑ ኢና።
    መታሕት ኣስላም ንወድቀሎም ኣሕዋትና እምበር ጸላእትና ኣይኮኑን። ኪዱ ደቀምሓረ ሓማሴን፣ኪዱ ሾውዓተ ድምበዛን _፡ዓባየ ካብ ማይ ቂነጣል ዓድዋ ዝሰፈረት እያ __ነብሓጎይ ስንቱር ሓማሸናይ ተመርዕያ፣ዘኽብራ እንተዘይኮይኑ ዘጓኒያ ህዝቢ የብልናን።ሰብኣይ ኣሞይ ቀደም ካብ ኦሮምያ ሃዲሙ (ኣንሳሒቡ) ኣብ ገሽናሽም ኣሞይ ተመርዕዩ፣ ናይ ነገር ሓማሴን (ሓማሴናይ ክፈትየካስ ወዲ ኸልቢ ይብለካ ይብል ወዲ መቐለ፣ ወዲ ሰቛር)ናይ ቅብጥሮት ጋሉይ ኣውጺኦሙሉ__ቀደም ብጋላ እዮም ዝፍለጡ ኔሮም፣ደቁ ፣ተጋደልቲ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኔሮም ።
    ህዝበይ፣ ህዝቢ ትግርኛ፣ብጊዜ ደርጊ ኣብ ማእከል ሰብዓታት ካብ ኣዲስ ኣበባ እናሃደመ ብትግራይ ዓጋመ፣ ዓዲ ግራት__ህዝቢ ዓጋመ እንዳነብዔ ብዕራይ ሓሪዱ፣ካብ ዓራቱን ንእዱን ወሪዱ ዘደቀሶ ህዝቢ እዩ።ኣብ ጊዜ ባርነት ሻዕብያ__እንዳር ኣኹም ከምዘይርኣኹም ፣ሃብቲ ኢትዮጵያ ሃገርኩም ብሻዕብያ እናተዘርፈ እንከሎ __ምስኡ እናዛረፍኩሞ ተሕልፍዎ ዝነበርኩም ንብረታት ኣዲኡ ትቝጸሮ።ጠቕላል ሚኒስተር ኤርትራ መጺኡ (ድሕሪ ሔዚ ካብ ኢትዮጵያ መጺኡ ንዓኻትኩም ዝወርር ጸላኢና ስለ ዝኾነ ባዕላትና ኢና ንገርፎ )ኢሉ ፍቕሪ ዝሰበኸ __እንታይ ተፈድዩ__ኣብ ሳልስቲ ውግእ ባድመ__እተን ዲስኩር ክህብ ከሎ ዘጣቕዓሉ ኣእዳውን ዘድናቕኦ ከናፍርን___(መለስ ኣራይ በላስ ኢለንኦ) ካብ ወዲ ጓልና ሰረወታይ ናብ ዓጋመ ተቐይሩ። እተን ነቲ ዘደንቕ ዲስኩሩ ሰሚዔን__ እልል ዝበላ ጎሮረታት__ደቂ ትምህርቲ ቤት ዓይደር ቆለውዕ ደብዲበን ዝተመልሳ ኣይሮፕላናትና ክምለሳ ከለዋ እልል ኢለን።

    ህዝብና ተምህርዎ ኣለኹም ተሓጕሰ፣ኣምሓራይ ኢትዮጵያዊ ግን ካብ ዓመታት ዝነበረሉ ቦታታት ኢትዮጵያ ይስጐጕ ኣሎ፣ቆልዑ ኣምሓራ ድሃዮም ውን ግበሩ።
    ኣብ ውግእ ባድመ መኻልፍ ኮይኑ መሬት ኤርትራ ኣትዮም ክቐትሉ ዝደለዩ ወት ሃደራት ካልእ ክልል፣ንዓና ሓሊኹም እንታይ ከም ዝገበርኩሞም ኣነ ዘይፈልጥ ከይመስለኩም ።ምእንቲ መምሪሒኹምን ፣ህዝቢ ኤርትራን ብዙሕ እኳ ተዓጺፍኩም።ግን ትቕይርዎ ምንም ነገር የለን።ንዓረብኛ ቋንቋ ዘርድኦ ሰብ ብስፓኒሽ ምዝራብ ዋጋ የብሉን።እቶም ዝማረኽኩሞም መንእሰያት ወት ሃደራት ኤርትራ ውን መሰሎም እናሓለኹምሎም፣ኣብ ትሕቲ ጽላልኩም ኮይኖም፣(ክንደይ ዓጋመ ወያነ ከም ዝቐተሉ ይፍክሩልኩም)ንስኻትኩም ግና ስለ ዘይነቕሑታ እዮም ትብሉ።ዘይነቓሕኩምስ ንስኹም ድኣ።ኣቦታቶምን ኣብሓጎታቶምን ዘውረስዎም ወራዳ ጠባይ __ንዘኽብረካ ትደፍሮ__ንዘሕስረካ ተኽብሮ እዩ ተግባሮም።ህዝበይ ስለ ዝኾኑ ግን ክትጽመምዎም ጸገም የብለይን።ኣይነቕሑታን ሻዕብያ እዩ ኣጋግይዎም ዝብሃል ዘረባ ግን ሓሶት እዩ።ከልቢ ዉሕ ዝብል ወ ዉ ዝብል ፊደል ስለ ዝተማህረ ኣይኮነን፣ፍጥረቱ ስለ ዝኾነ እዩ፣ነዞም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ተጋሩ እስከ ሕተቱ፣ ወያነ ፣_____ብፈኸራ፣ ኣብ ሳልስትኽን ክሳዕ ኣዲስ ኣበባ ክንደፍኣክን ኢና ዝብሎም ዝነበረ ወራዳ ፣ወዲ ሃገረይ__ብቖረጣ ሳላጣ ምስ ገበርኩምና __ርእሱ ኣድኒኑ፣ነቶም ብሳልስቲ ኣዲስ ኣበባ ከነእትወኩም ኢና ዝብሎም ዝነበረ ተጋሩ፣ኢሳያስ እዩ ኣጋግዩና ክብልዎም ጀሚሮም።እዚ ጠባይ እዚ ንኤርትራዊ፣ ህዝበ ትግርኛ ብሎቶርያ በጺሕዎ ኣይኮነን ናይ ኩሉ ናይ ባርያ ጠባይ ዘለዎ ባህሪ ህዝቢ እዩ።ስለዚ ንኤርትራዊ ሓወይ ክትሕጋዎ እንተደሊኹም ብጸርፊ ሓደራ።
    ኣነ ዝጽሕፎ ናይ ብዓለገታት ዘረባ ምዃኑ ጠፊኡኒ ኣይኮነን።ግን በቲ ዝርድኦ ቋንቋ እየ ዝዛረቦ ኣነ ንህዝበይ
    ፣ንኣብነት ኤርትራዊ፣ ኣቡኡ መካኒክነት ኪምህሮ ከሎ፣ ኢሉ ክጸዊ (ከዕልል)እንከሎ___ኣቦይ፣ወደይ ሃብሮም፣ ንዓሞ፣ ኢሉ ብፍቕሪ ኣረዲ ኡኒ ክብል ኣይት ሰምዖን ኢኻ።___ክያቨ ትረዲቺ ዝበለትኒ ፋዘር ክያቨ እንግሌዘ እንተሃብኩዋ እብለካ ፋዘር ብእኡ ጌራ ፋራቡቶ ፣ቴስታ ዲ ጋሊና፣ ኢላ ርእሰይ ደም ኣውጺኣትኒ እዩ ዝብለካ፣ስለዚ ኣነ ንህዝበይ ብዝርድ ኦ ቋንቋ ከረድኦ፣፣፣ንስኹም ግን ሓውና ጭቁን ህዝቢ ፣ኢሳያስ ዘጋገዮ እናበልኩም ኣይትጸይቑለይ።ህዝበይ ክምለስ እየ ዝደልዮ።ዓዋንነቱ እናፈለጥኩም ናይ ቃልዓለም ኣይተጋግይዎ።ወሪድዎ ኢሳያስ፣ባባ ኢሳያስ ዕላምኡ ኢትዮጵያ ንምግዛእ እምበር ነዛ ኣነን ንሱን ንንዕቃ (ግምባር ጤል ዘይትኸውን) ኤርትራ ኣይኮነን። ብኡ እንዲኹም ባዕልኹም ኣጣቒዕኩም ዘፋነኹሞ።ሓደራ፣ ህዝቢ ኤርትራ መሰሉ እዩ ሃገረይ ክብል ዝብሃል ___ሸፈጥ ግደፍዎ።እወ ሓቂ እዩ፣እቲ ነገር፣ኣነውን ሆምለስ ንክኸውን መሰለይ እኮ እዩ።

    ናይ ትማል ጸራፊኹም፣ናይ ሎሚ መኽበሪኹም ሓሻካ ጎረቤትኩም ፌክ ካንትርይ ኮላፕሲንግ (ናይ ሓሶት ሃገር ተንቆልቁል) እዩ ናይ ብርዒ ሽመይ
    ታሕሳስ ዓሰርተ ሓሙሽተ ንጋነ፣

  • brhan September 13, 2013

    Zeydes tegeyru gena yktsl kea alo!!

  • brhan September 13, 2013

    Pleas mr,ms sulieman dont be fake !!we would like wonderfull but itsnt.

  • Fithawi September 14, 2013

    “”INJUSTICE SOMEWHERE IS INJUSTICE EVERYWHERE and indeed INJUSTICE FOR ONE IS INJUSTICE FOR EVERYONE.”” Martin Luther King said few months before his assassination in 1968.
    Everyone who is suffering in the dungeons of the regime deserves JUSTICE and everyone should be given a right to defend his/herself in the court of law, so does the so called G-15.When we think about the predicament our poor nation and its people in,we always blame the evil shifta leader.Its true that he is primarily responsible for the situation we are in today but there are many groups,units or elements that played an important role in shaping the beast for what he is today and the so called G-15 and people before them the main ones.History records show that Solomon Woldemariam as his right hand man is the person who is responsible for the execution of the reformers popularly known as “menka’e”Now look once he did the most terrible and dirty job of the tyrant,then came his turn to be purged and Solomon was mercilessly killed in front of everyone including the G-15.In 1976 in a place called Fishe Mirrara,the adorable commander Ibrahim Afa raised the issues of the “menka’es” and insisted that they should be brought to justice but the tyrant responded that “their case was closed” and warned him and everyone in the meeting not to raise the issue again in a threatening manner.All the heavy weight champions (at least we thought,they were)were there except Ali Said Abdella who was leading the assault to take Nacfa and they were all silent but what they didn’t realize was that their silence assured the tyrant that they were all emasculated.
    In the later days the adorable Ibrahim Afa and other true sons and daughters of the nation were assassinated one by one in front of everyone with no opposition from anyone.In fact,most of them are believed to have their finger prints on the gruesome crimes committed by the tyrant in the cursed mountains of Sahil against the true children of the poor nation.No wonder then, no one including those who deserted the regime and live in exile dare to speak strongly about the crimes that were committed in the mountains of Sahil.
    Albert Einstein once said “our world is a dangerous place to live in but its not because of evils and the criminals but because of the good people who do nothing about it.”
    When Ibrahim Afa and others were assasinated,they should have opposed but didn’t and instead they looked the other way but what is sad is that most of them were part of the evil project of the tyrant.They should have thought that if the tyrant could simply assasinate Ibrahim and the likes with impunity,what could have stopped him from doing so against them.
    I am not saying in any way that they shouldn’t deserve JUSTICE nor deserves what they got.
    Brothers ans Sisters,
    As sad as it is whats happening in our country today is simply the continuation of what had happened in the cursed mountains of Sahil for 30 years.Its just sad though,as if 30+23=53 years is not enough,it doesn’t seem to have an end insight.

    May God SAVE Eritrea,

    Rihus Hadish Amet nikulatkum,

  • Semhar September 14, 2013

    The mad dog Isayas is responsible for all these crime we should focus on him!
    Our target should be the killer ድያብሎስ!Isayas!

    The people that you mention the ድያብሎስ!Isayas will take care of them, he will get reed of them just like he did with Petros Solomon and all the rest of them that he eliminated.

    As long as ድያብሎስ!Isayas and HIGDEF are in Eritrea misery and death will continue.
    The only solution is to get rid of crazy mad dog ድያብሎስ! Isayas wedi Medhin Berad, his son, and his blind followers HIGDEF just like the Libyans did to Gadafi, his sons and his followers.
    Eritreans should unite and get rid the tyrant mad dog ድያብሎስ! Isayas, his son and his blind followers the HIGDEF.

  • Beleza September 14, 2013

    Dear Reader
    Our President starts to tell us the truth, he express clearly we don’t have any more socioeconomic development in the country except the achievement of defense( hzbawi gmbar) and singing for nothing.doctor on studio.
    So, what is your feeling to wards this independence season and flag or yohana in Eritrea.
    Are you enjoy with the existing situation in comparison with Majesty. Personally as an Eritrean from Amabaderho I prefer the life time of all Eritrean during the majesty was the best by any tangible parameters. So we have to think trice before we are just shouting and singing for the sake of fake independence day of Eritrean from the Ethiopian administration. and I also feel the flush administration of dergue time in Ethiopia.
    Generally we are not collecting our fruit we are just collecting our seedlings to be backwardness. Had it been with Ethiopia we could have different powers not only actually political but it is possible to develop the country at large in all perspectives. again think over this agenda for the sake of the honest member of both society. you don’t give more attention to the power mongers.
    God bless Eritrea

POST A COMMENT