Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደመ ከልብ ዶ:

ኣብ ዓውደ ውግእ ነተጉቲ ብምፍታሽ ልዑል ግደ ነይርዋ:: ንሳ ኣብ ዒራቕን ኣፍጋኒስታንን 400 ወተሃደራዊ ተልእኾ ብብቕዓት ፈጺማ:: ካብ 12 ዓመት ዕድሚኣ ፍርቁ ኣብ ኣገልግሎት ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ እተጻወደ ነተጉቲ ብምፍታሽ ኣሕሊፋቶ:: ብሞያኣ ድማ ሂወት ወተሃደራት

ኣብ ዓውደ ውግእ ነተጉቲ ብምፍታሽ ልዑል ግደ ነይርዋ:: ንሳ ኣብ ዒራቕን ኣፍጋኒስታንን 400 ወተሃደራዊ ተልእኾ ብብቕዓት ፈጺማ:: ካብ 12 ዓመት ዕድሚኣ ፍርቁ ኣብ ኣገልግሎት ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ እተጻወደ ነተጉቲ ብምፍታሽ ኣሕሊፋቶ:: ብሞያኣ ድማ ሂወት ወተሃደራት ኣድሒና::

ሉካ ኣብ 2012 ኣብ ኣፍጋኒስታን ብዙሕ ነተጉቲ ብምፍታሽ ዕማማ እናፈጸመት:ኣብ ቅሚጦ እተጻወደ ነታጉ ተፈጂርዋ ሓንቲ እግራ ተቖሪጻ ኣፍልባ ብብርቱዕ ቆሲላ:: ብእተገብረላ ህጹጽ ረዲአት ድማ ካብ ሞት ድሒና:: እነሆ ድማ ብሞያኣ ነቲ ንክብራ ዝግባእ ሽልማት በቒዓ:: ካብ ኣሜሪካ ብዋናኣ ተሰንያ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ብምምጻእ መዳልያ ተሸሊማ:: ኣብ ስነስርዓት ናይቲ ምዕዳል ሽልማት እቲ ምስኣ ብቐረባ ዝሰርሐ

” ሉካ ኣዝያ በላሕ እምንትን ንስራሕ ዘለዋ ድሌት ዘደንቕ ኢዩ” ድሕሪ ምባል ” ኣብቲ ዝግባእ እዋን ጡረታኣ ግቡእ ክንክን ከምዝገብረላን ከምዘሐንቅቓን ቃል ኣትዩ:ንሳ ዓሌት ሸፈርድ እተባህሉ ናይ ጀርመን ከልቢ ኢያ::ነዚ ዝዓበየ ሽልማት ዝበቅዐት ብደረጃ ዓለም መበል 67 ኢያ:: ኣብ ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ግን ናይ ፈለማ ተሸላሚት ኢያ::

ሉካ ኣብ እተሸለመትሉ ቅንያት ኣብ ኣስመራ ካብተን ንጊልያነት ዝወስዳኦም ዝነበራ ማኪና ዘሊሎም ከምልጡ ዝፈተኑ 11 መንእሰያት ብጥይት ወተሃደራት ህግደፍ ተቐዚፎም: ደርዘናት ቆሲሎም:: ነቲ ፍጻመ ብዙሓት ኮኒኖሞ ንሂወት ናይቶም መንእሰያት ድማ ህግደፍ ደመ ከልብ ገይርዎ ብምባል ገሊጾሞ::ደመ ከልብ እውን ኣብ ቦታኡ ክቡር ኢዩ::ሉካ ዝረኸበቶ ክብሪ ተጋዳላይ ኣይረኸቦን:: ብኣንጻሩ እቲ ንናጽነት ኣካላቱ ዝወፈየ ተዋሪዱ ኢዩ::

ነቲ ብገዛእቲ ዝፈሰሰ ደም ኤርትራውያን ንናጽነት ከምእተኸፍለ መስዋእቲ ተቐቢልናዮ:: እዚ ህዝቢ ኤርትራ ከቢድ ዋጋ ከፊሉ ዘረጋገጾ ሃገራዊ ናጽነት ግን ዘይከም መብጽዓ ሰማእታት ናብ ባርነት ተቐይሩ:: 25 ዓመታት ደም ኤርትራዊ ኣብ ከተማን በረኻን: ኣብ ባሕሪን ምድረ በዳን ይፈስስ ኣሎ::  ኣብ 1994 ስንኩላን ሓርበኛታት መሰሎም ስለዝሓተቱ 12 ብጥይት ተመልዒሶም: ኣብ ዓመቱ ድማ ብ2004 ወርሒ ሕዳር ብግፍዒ ዝተኣስሩ መንእሰያት እንተላይ ተጋደልቲ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣበይቶ ክወጽኡ ብዝፈተኑ ድራር ጥይት ኮይኖም:: እዚ እቲ ፍሩይን ህዝቢ ኣስመራ ዝሰምዖን ዝረኣዮን ኢዩ:: ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዊዓ: ገላዓሎ: ሃይኮታ:ፕሪማ ካንተሪ ኣደልሰርን ካልኦትን እተቐንጸሉ ዜጋታት ኣብ መዛግብቲ ታሪኽ ሰፊሮም ኣለው::ብጥይት ተመንይዎም ወተሃደራት ህግደፍ ኣብ 2007 ኣብ ማይድማ ን25 ኩናማ  ብዘይወዓልዎ ገበን ጠቂኖም ኣብ ተለቪጅን ከም ዝዛረቡ ድሕሪ ምግባር ብሳይናይድ መርዚ ከም ሃመማ ኣርጊፎም ኣብ ዝኾዓትዎ ጋህሲ ከም ዝደበይዎም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገሊጾም::

ወዲ ዓሻ ክልተ ሳብ ይጽፋዕ- እቶም መግዛእቲ መሪርዎም ምድረ በዳን ባሕሪን ሰንጢቖም ዝስደዱ ዘለው ኤርትራውያን ፈቐዳ ይሞቱ ኣለው:: ህግደፍ ግን ነቶም ኣብ 2013 ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠሓሉ 366 መንእሰያት ሓንሳብ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ገለ እዋን ከድዓት ብምባል ንቡር ሓዘን ከይግበረሎም ከልኪሉ::ኣብ ሊብያ ብዳዕሽ ክሳዶም ንእተበትከ ኤርትራውያን ንፖለቲካዊ ሕሳባቱ  ኢትዮጵያውያን ብምባል ክሒዱ::ብ 3 ሚያዝያ ኣብ ኣስመራ ብግፍዒ ንዝቐተሎም መንእሰያት ድማ መርድእ ከይልጥፉ ኣጊድዎም:: ኣፈኛ እቲ ጉጅለ የማነ ገብረ መስቀል ካብ ማኪና ክዘሉ ክልተ መንእሰያት ሞይቶም ብምባል ብምሽክዕላል ኣብ ናይ ብሕቱ ትዊተር ኣካውንት ፈንዩ::ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝርከብ መንቀላወጢ እቲ ጉጅለ ከይሓነኸ ነቲ ፍጻመ ሓሶት ክብል ሰሚዕናዩ::ኢሳያስ ነቲ ሰብ ኣብ ዘይርእዮ ዝፍጽሞ ገበን ኣብ ኣስመራ ብምፍጻሙ ንህላዌኡ ኣስጋኢ ኮይኑ ስለዝረኸቦ ነድሪ ህዝቢ ንምህዳእ ኮሚተ ኣውጺኡ ተዋስኦ የዳሉ ከምዘሎ ተፈሊጡ:: ነቶም ፈጸምቲ ትእዛዝ ዝኾኑ ተራ ወተሃደራትን ማእከሎት ሓለፍትን ግዳይ ከም ዝገብሮም ኣመታት ኣሎ:: ህዝቢ ግን እቲ ቀንዲ ጠንቂ ናይዚ ኩሉ ብርእሱ መሽሚሹ ዘሎ ጉጅለ ከም ዝኾነ ተገንዚቡ ቃልሱ የበራትዕ ኣሎ::

ደጎል ድራር

 

——————————–

aseye.asena@gmail.com

Review overview
10 COMMENTS
  • Keren April 16, 2016

    Thank you Degol, your article is a stark reminder what it means to be Eritrean. Eritreans are these days treated far below dogs everywhere be it in Eritrea in the National Slave Service or in the Arab Passage in the hand of the Arab regimes, the human traffickers – Arab Bedouins and Rashayda or the Animals of the Islamic State/ISIS.
    The story of the respect the warrior dog Luca received in America and Europe is a dream or a fairy story to young Eritrea Warsays who have been slaving for the last 20 years in the name of Ghedli.

  • Saving Young Eritreans April 16, 2016

    ክቡር ደጎል ድራር,

    ኢድ ሸናሒት ጸናሒት ዝብሃል ኣሎ፣እቶም ነቲ ኣብ ሃገረሰብ ዝርከብ ሽማግለ ኣቦ _ኮፍ በል ኣታ ወዲ ሰበይቲ ኢሎም ዘቋናጽቡን፣ ንፈቃር ኣደ ንደቃ ካብ ሕቝፊኣ ብሓይሊ መንዚኦም ናብ ሓዊ ዘእትዉን_ንኣብ ኣኼባ ብርትዕ ዝበለ ሕቶ ዝሓተተ ገባር ለይቲ መጺኦም ዝጨውዩን፣ ምሥዚ ኩሉ ጭካኔኦም ንሕና ግን ክንሓዝነሎም ይግባእ፣ ምኽንያቱ ንሳቶም ንባዕላቶም እውን መብዛሕትኦም ተገዲዶም ዝተሰለፉ ስለ ዝነበሩ ርህራሄና ክንነፍጎም የብልናን።ናይ ብሓቂ ዘሕዝኑ ግና እቶም ዓበይቲ ብዘምጻእናዮ ቅዝፈት ዋጋ ዝኸፍሉ ዘለዉ መንእሰያት እዮም !

  • k.tewolde April 17, 2016

    well said indeed! it is called ‘MERGEM’.

  • Teclay April 17, 2016

    Ato ደጎል ድራር
    Do you think it is fair to compare ሉካ ,the specially trained dog,(any dog for that matter) with us ?
    Do you know human being also an animal.and all animals including man vary in the way how they think and the complexity of their brain.So,by all indicators ,we ,the Bahre-Negasians, can’t compare with dogs. A dog is a reliable and intelligent animal . You can fairly compare us with cattle..Isaias was /is the only one who has a brain.
    “ከቢድ ዋጋ ከፊሉ ዘረጋገጾ ሃገራዊ ናጽነት ግን ዘይከም መብጽዓ ሰማእታት ናብ ባርነት ተቐይሩ:” …Are you sure ? what was the famous ‘መብጽዓ ሰማእታት’? According to the eyewitnesses,Temnewo and Yemane T,.” except Isaias every one else was slave” So ,there is no logic here .How can you give something or promise something if you don’t have at hand for yourself.

    • Sol April 18, 2016

      A wise man was asked about his opinion on human rights conditions in Eritrea, he replied ” is there human being in Eritrea?

  • Teqera April 17, 2016

    … No sane Eritrean or any African thinks the coward Arab Saudis and any of their trembling servant Gulf Arabs who can not save their own asses would save Eritrea from any real or imagined attacks.
    As soon as a single artillery or rocket or a bomb explodes around the port, from anywhere, as usual the Arabs will abandon the Arab-slave regime in Eritrea with the Arabs running like dogs with their tail between their legs.
    An Arab from Saudi Arabia comes to your house only to rape your sisters, steal a kidney, burn a language and history, to burn religions, kill the men and take the women as concubines and occupy the land.
    Only a nave slave or an opportunist Arab-Romantic would deny this fact written all over in the Arabian Peninsula.

    • AHMED SALEH !!! April 17, 2016

      Sometimes desperation obliged people to find solution from hardship
      living style . Eritreans tried to go for bankrupted Amhara-romantics
      and Weyane-romantics that brought the country into ruins .
      Why not look for Arab – romantics if it could pay off to help poor people financial statues . At this moment our southern neighbors are
      not preferred clients to do business but I hope situation in real
      future change to bring common ground . We all dream for healthy
      relationship and cooperation with Ethiopians and Sudanese but for
      now the coffee smells unpleasant to treat guests .
      It is what it is and we can’t close our eyes on facts of our life .

  • AHMED SALEH !!! April 17, 2016

    We are talking about developed society who championed to respect human
    right of their citizens then to include in preserving the well being
    of God given nature including animals .
    Well if we want to speak as an Eritrean or African , we are still
    far behind to compare ourselves because selfishness , destruction and corrupted minds rule daily life . If we can’t speak humanly in
    defense of other humans victimization , I don’t think our dogs expect
    some sort of respect from people obsessed with hatred and unnecessary
    confrontation among each other .

  • SMT April 18, 2016

    While they were in the field, Cain attacked his brother Abel and killed him.

    Then the Lord said to Cain, “Where is your brother Abel?”

    “I don’t know,” he replied. “Am I my brother’s keeper?”

    The Lord said, “What have you done? Listen! Your brother’s blood cries out to me from the ground.”

    Genesis 4

    • Yiakhilena TaHidid April 18, 2016

      Ghedli has killed and consumed so many innocent Eritreans for nothing and where is the cries coming from?
      The Eritrean people have never been slaves or colonized by any outsiders and never asked the Lord for mercy or to be set free.
      The price of failing as a nation and not learning from it to become better would be a curse of greatest sin.

POST A COMMENT