Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደምዳሚ መግለጺ፡ 1ይስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል ምንቅስቓስ ንደሞክራስን ፍትሕን ኤርትራ(ምደፍኤ)

ፈጻሚ ኣካል ምንቅስቓስ ንደሞክራስንፍትሕን  ኤርትራ(ምደፍኤ)፡  ኣብ  ጽባሕ ምዝዛም ኣኼባ  ማእከላይ  ሽማግለ፡ ማለት ካብ ዕለት6-ሚያዝያ 2012  ኣብ   ናይ ቀትርን ለይትን ሰዓታት ጽዑቕ ኣኼባታት ብምክያድ፡   ኣብ  ኣገደስቲ ዛዕባታት ተመያይጡ ኣገዳሲ መድረኻዊ ውሳኔታት ብምምሕልላፍ ፡ ኣኼብኡ ብዓወት ዛዚሙ፡፡ ፈጻሚ

ፈጻሚ ኣካል ምንቅስቓስ ንደሞክራስንፍትሕን  ኤርትራ(ምደፍኤ)፡  ኣብ  ጽባሕ ምዝዛም ኣኼባ  ማእከላይ  ሽማግለ፡ ማለት ካብ ዕለት6-ሚያዝያ 2012  ኣብ   ናይ ቀትርን ለይትን ሰዓታት ጽዑቕ ኣኼባታት ብምክያድ፡   ኣብ  ኣገደስቲ ዛዕባታት ተመያይጡ ኣገዳሲ መድረኻዊ ውሳኔታት ብምምሕልላፍ ፡ ኣኼብኡ ብዓወት ዛዚሙ፡፡

ፈጻሚ ኣካል ምደፍኤ፡   ማእከላይ  ሽማግለ  ውድብና  ንዘቐመጦ መድረኻዊ ገምጋማትን፡  ዝሓንጸጾም  ናይ   ስራሕ  መደባትን መሰረት ብምግባር፡  ኣብ  ኩሎም  ናይ   ስራሕ  መዳያት ነ ናይ  2ወርሒ ትልሚ  ስራሕ ነዲፉን  ናይ  ኣተገባብራሕንጻጻትኣስሚሩን፡፡ ነዚ መሰረት ብምግባር፡  ፈጻሚ ኣካል  ፡  ውድብና ምደፍኤ፡ ኩሎምጸገማትን ሕልኽላኻትንሰጊሩ፡ ዕዉትቀዳማይውድባዊጉባኤብምክያድን፡ ሕጋውን ወግዓውን ፖለቲካዊ መሪሕነት ብምምዛዝን፡  ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጥጡሕ ባይታረጊጹ፡ ስሩዕ ውድባዊ ሂወት ብዝዘርኣሉ ኣገባብ ብተኸታታልን ዕረፍቲ ዘይብሉን፡  ናይ  ማእከላይ  ሽማግለን  ፈጻሚ ኣካልን ኣኼባታት ብምክያድ፡ መድረኻዊ ዛዕባታት ኣልዒሉ ክመያየጥ ንመደባቱ ብግቡእ ክሰርዕን ምብቅዑ፡ ከምዳግማይ ውልደቱ ዝሕሰብ ዓቢ ዝላ ንቕድሚት እዩሞ ፡  ፈጻሚ ኣካል   ውድብና ንመላእ ህዘቢ ኤርትራን ዓንዲ ማእከል ደሞክራስያዊ ሰውራና ዝኾነ መንእሰይ ክፋል ሕብረተ-ሰብና ንዮሃና ክብል ሓጎሱ ገሊጹ፡፡

ፈጻሚ ኣካል   ውድብና ፡  ኣብ ቲ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ፡  ናይ ነፈሰ-ወከፍ  ዕዮ ትልሚ ስራሓት ኣብ ወተሃደራዊ፡  ናይ ውደባ፡ ዜናን ባህልን፡ ዲፕሎማስያዊ ጉዳያ ትንቁጠባዊ መደብ-ዕዮን፡  ነፍሰ-ወከፍ ክፍሊ ንዝቐረበ ንድፊ ፕላን ብዕምቆት ገምጊሙ ንኣድላዪ ዘበለ ክትዓት ብምክያድ ኣጽዲቑን፡፡  ፈጻሚ ኣካል  ፡ ብዕምቆት ካብ ዝተመያየጠሎም ትልሚ ስራሓት፡  ኣብ ወተሃደራዊ  መዳይ ፡  ኣብ ዝቕጽል ክልተ ወርሒ ክትግበሩ፡ ብወተሃደራዊ ቤ/ጽ ካብ ዝቐረቡ ናይ  ስራሕ መደባት፡  ኣብ ኣቃውማን ውሽጣዊ  ስርርዕን  ናይ  ሰራዊትና  ብፍላይ  ድማ  ናይ ደባይ ኣሃዱታትና  ኣድላዪ ምትዕርራይ ንስርርዕን  ዝካየደሉ ኩነታት ብዕምቆት ብምዝታይ ኣገደስቲ ውሳኔታት ኣመሓላሊፉ፡፡ ቀጺሉ ድማ ምስቲ ኣብ  ወተሃደራዊ  መዳይ  ተወጢኑ ዘሎ መደባት ዝዛመድ ወተሃደራዊ ስልጠናታት ብህጹጽ ኣብ ሰራዊት ክትግበርን፡ ነዚመሰረት ብምግባር ድማ ፡ ኣድላዪ ናይ ዓቕሚ ሰብ ምምጥጣን ብምግባርብ ቐሊሉ ዘይክማህ፡ ዝተዋህቦ ዕማም ብግቡእ ክፍጽም ዝኽእል፡ ፖለቲካዊ ንቕሓቱ ክብ ዘበለ፡ ድልዱል ሓይሊ ሰራዊት ናይ ምምልማልን ናይ ምዕጣቕን ስራሓት ዝካየደሉን ድፊ ሓሳብ ምስግቡእ ናይ ግዜ ሰሌዳ ተሳኢሉ ንጸዲቑን ኣሎ ፡፡ ምስ  እዚ  ብዝዛመድ መልክዑ፡  እቲ  ብሰንኪ ዝጸንሐድኽመታት ናይ መሪሕነት ተልእኹኡ ብግቡእ ካብ ምፍጻም ቦኺሩ ዝጸንሐ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ውድብና ፡ ድሕርቲ ዝግበር ናይ ስርርዕን ኣቃውማን ምትዕርራይ ብቐጥታ ምስ ህዝቡ ተኣሳሲሩ፡ ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ቃልስታቱ ዘሐይለሉን፡ ተልእኾኡ ብግቡእ ዝፍጽመሉን ኣገባባት ብንጹር ተቐሚጡ ኣሎ ፡፡

ፈጻሚ ኣካል   ኣብ ጉዳይ ዕጥቂ፡ ስንቅን ሕክምና ንኣባላት ሰራዊትና እውን ብዕምቆት ብምዝታይ፡  ኣብዚ መዳይ  እዚ  ዘለና ሕጽረታት ንምሽፋን የኽእሉ እዮም ዝበሎም መደባት ኣነጺሩ ኣቐሚጡ   ፡ ብዘይካ እዚ  ፈጻሚ ኣካል   ውድብና ብቤትጽሕፈት ክፍሊ ውደባዝቐረበ  ናይ ወርሒ ናይ  ስራሕ ት2ልሚ ብምምርማር፡  ኣብ  ናይ ውደባ ስራሓት ክሰላሰሉ ዝግበኦም ዕማማት ስኢሉ እዩ፡፡ በዚ መሰረት እውን፡ ብመሰረት ሕጊ ህንጻ ውድብና ፡  ኣብ ኩሉ ቦታታት ዝርከቡ ኣባላትናን ደገፍትናን፡  ካብ ጉጅለ ክሳብ ዞባ ኣብ ዘሎ ስርርዕ ነብሶም ወዲቦም፡  ናይ ጉጅለ፡ ጨንፈርን ዞባ ንወከልቶ ምብምምራጽ፡ ሰሩዕ ውድባዊ ሂወት ክላበሱ ዘኽእል ትልሚ ስራሕ ኣጽዲቑ ኣሎ፡፡ ከምኡ  ድማ ፡  ናይ  ክፍሊ ውደባ፡  ናይ ምልመላን ኣወዳድባን ውሽጣዊ መምርሒ መርሚሩ ኣጽዲቑ ኣሎ ፡፡

ፈጻሚ ኣካል  ፡  ኣብ  መዳይ ባህልን ዜናን፡ ከምኡ እውን ካብ ቤ/ጽ ወጻኢ ጉዳያትን ቤ/ጽ ቁጠባ ንዝቐረቡ ናይ  ስራሕ መደባት ብዕምቆት ብምዝታይነ ናይ ክልተ ወርሒ ትልምታቶም ኣጽዲቑን ኣገደስቲ ውሳኔታትን ናይ  ስራሕ መምርሒታትን ኣመሓላሊፉን እዩ፡፡

ፈጻሚ ኣካል  ፡ ንህሉው ኩነታት ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ደምበ-ተቓውሞ ድማ ብፍላይ፡  ኣብ ትብምእታው፡ ዓሚቕ ዘተን ምይይጥን ብምክያድ፡ ምስ ኩሎም ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ምስ ብሄራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓርነት ሳሆ ኤርትራ ጀሚርና ዮዘለና ዝምድና ናብ ዝለዓለ ጥርዙክብብምባል፡  ኣብ ኩሉጉዳያት፡ ኣውራ  ድማ  ኣብ ወተሃደራዊ መዳይ ውጽኢታዊ ስራሕ ንምስልሳል ኩሉ-ሸነኻዊ ምድላዋትክግበርወሲኑ ኣሎ ፡፡  ካብ ዚሓሊፉ ድማ  ፈጻሚ ኣካል   ውድብና ፡ መጻኢብድሆታት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኣብ ምቅላል፡  ውድብና ዓቕሙ ከሰላስሎ ዝኽእል ዓውደ ስራሓት ብምግምጋም፡ ምስ ኩሎም ክፍልታት ሕብረተ-ሰብ ናብ ሓፈሻ፡ ምስ ምሁራት፡ ዓበይቲ ዓድን ኣገደስቲ ውልቀ-ሰባትን መንእሰያትን ደቂኣንስትዮን  እናተላዘበ፡  ደሞክራስያዊ ሰውራና ናብ ዝለዓለ ደረጃ ክብ ብምባል፡ እዋናዊ ጠለብ ህዘቢ ኤርትራ ክምልሽ ዝኽእል ባይታ ንምፍጣር፡ ኣበርቲዑከ ምዝሰርሕ ደጊሙ ኣረገጊጹ፡፡

ፈጻሚ ኣካል   ውድብና  ኣብ መወዳእታ፡ ንኩሎም እቶም፡ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤና ኣብ ምዕዋት ልዑል ኣበርክቶ ዝገበሩ፡ ምዑታት ተጋደልትና  ንኣባላትናን ደገፍትናን ልዑል መጎሱ እናገለጸ፡ ብኣንጻር ናይ ዚ ድማ ፡ ንጸቢብ ውልቃዊ ሕሳባት ክበሃል፡  ኣብ ልዕሊ  ውድብና ፡ ፖለቲካዊ ምስሊ ናይ ምብራዝ ሕሱር ስራሓት ኣብ ምዝውታር ዝነጥፉ ባእታት፡  ካብ ከምዚ ዝኣመሰ ለዘይሓላፍነታዊ ስራሓት ተቖጢቦም፡ ነዚ ምዕዋቱ ዘየጠራጥር ናይ ቃልሲ ባይታ እዚ ከምውሑስ መቃለሲ ባይተኦም  ክጥቀምሉን ኣብ ምውዳቕ ስርዓት ህግደፍ ምሳና ኢዶም ክጽንብሩን ይጽውዕን ይምዕድን፡፡

ደሞክራስያዊ ሰውራና፡ ሕጂ ይኹን ንጽባሕ፡  ካብ ኩሉ ዓይነት ናይ ቂምን ቀርሕንትን ኣሉታዊ ዝንባሌታት ሓራ ብዝኾነ ልቦና ዝዓዘዞ ናይ ቃልሲ መንፈስ፡ ንኩሉ  ኤርትራዊ ብማዕረን ብዘይኣፈላላይ ንዘሳትፍን ዝሓቁፍን ጽላል ኩሉ  ኤርትራዊ ክኸውን ራኢ ዝሰነቐ ብሓድሽ ወለዶ ንሓድሽ መንፈስን ዝቕለስ ናይ ለውጢ ባይታ እዩ እሞ፡ መንእሰያት ኤርትራ ዕዙዝ ተሳተፎኦም ከረጋግጽሉን፡  ኣብ ምዕዋቱ ክረባረቡን ድማ ፡ ፈጻሚ ኣካል ደጊሙ ይጽውዕ፡፡

 

ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!

ፈጻሚ ኣካል  ምደፍኤ

7 ሚያዝያ 2012

aseye.asena@gmail.com

Review overview
24 COMMENTS
  • mikael tekle April 13, 2012

    SHAMEFUL.
    WHY DO LET YOURSELF BE TWISTED BY THE CROOKS?????
    LOOK AT THE ARMA: IT IS SIMPLY THE WORK OF A PHOTO SHOP.
    LOOK AT THE BIRD : ONE WING IS DEAD AND FULL OF mamema: WHAT DOES THIS MEAN??
    LOOK AT THE PERIPHERIES. IT IS –idyat nay rurya. SHAME ON YOU.
    LOOK AT THE FLAG: DIFFERENT GROUNDS.

    • Cambo April 13, 2012

      When will you be ashamed to live the life of slavery forever? When will you save your own brothers and sisters from rape?
      When will you feel shame for all the prisons and jails in Eritrea and the people insode them? Do you even know what it means to be ashamed of?

      • ahmed saleh April 13, 2012

        I do not think some unnderstand the extent of the suffering of
        Eritreans poor victims affected how many families.
        They can not imagine the attrocities committed to our brothers and
        sisters will leave a scar mark in our entire life. Sometimes I thank
        God on giving us such strength to bear all of this miseries since our young age.

    • jonas-1923@hotmail.com April 13, 2012

      Mikeal
      This is not an art contest ,your comment is laughable , Cheating as with what? By the way of your thinking ,I understand why you support the dictator. I think you have a brain of a 5 year old, you should not use computer without adult supervision.

  • Cambo April 13, 2012

    እቲ ኣውራን ወሳንን ናይ ሓደ ፖለቲካዊ ጉጅለ ንቕሓት ኣባላቱ እዩ። እቲ ወተሃደራውን ቁጠባዊ ክንፍታቱ ስዒቡ ብዘይታህዋኽ ይህነጽ። ስለዝኾነ ድማ እቲ ፈላሚ መሰረታዊ ዕማም “ምደፍኤ” ምህናጽ ቤት ትምህርቲ ፖለቲካን ካድራቱን ይኸውን። እዚ ብኽፉት ናጻ ፖለቲካዊ ክትዕ ዘተን መጎተን ይህነጽ።
    ስለምንታይሲ፣ እቲ ዝሓየለ ባሩድን ዓረርን፣ ኣእምሮ ወዲ ሰብ እዩ። ስለዚ ኣብዚ ደረጃ እዚ: ምህናጽ ሰራዊትን ወተሃደራዊ ረጽምን: ከም ቀዳምነት ኮይኑ ክስራሓሉ ኣድላዪ ኣይኮነን።
    ምደፍኤ፣ ኣድማዒ ውድብ ክኸውን፣ መሰረትን ቀጸላን ፖለቲካዊ ቤት ትምህርቱ ብቐዳምነት ክተክልን ከውሕስን ይግባእ።

  • Translate April 14, 2012

    In my response to From the ground, I meant to refer to EMDJ and NOT PFDJ. My sincere appolgies.

Post a Reply to mikael tekle Cancel Reply