Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደም ዘንብዕ ዛንታ!

ደም ዘንብዕ ዛንታ!    16.03.16፡ ብዛዕባ’ቲ ድምጺ ኣሰና ተቕርቦ ዘላ ሱር-ነቀል መደባት መመሊስካ ክትንእድ ምፍታን ስለዘይምልክዕ፡ ብነብሱ ፍሉጥ ገይረ እናሓለ ፍኩ፡ ብፍላይ ኣብ ናይ ዕለት 12. መጋቢት 2016 ፈነወኣ ካብ ዘቕረበቶ ቃለ-መጠይቕ ግና ካብዛ ኣብራኸይ ዝዓጽፈላ ብሕትውቲ

ደም ዘንብዕ ዛንታ!    16.03.16፡

ብዛዕባ’ቲ ድምጺ ኣሰና ተቕርቦ ዘላ ሱር-ነቀል መደባት መመሊስካ ክትንእድ ምፍታን ስለዘይምልክዕ፡ ብነብሱ ፍሉጥ ገይረ እናሓለ ፍኩ፡ ብፍላይ ኣብ ናይ ዕለት 12. መጋቢት 2016 ፈነወኣ ካብ ዘቕረበቶ ቃለ-መጠይቕ ግና ካብዛ ኣብራኸይ ዝዓጽፈላ ብሕትውቲ  ቤት ብጹሑፍን ብድምጸን ቀጥታ ናብቲ ዕዱም ጋሻ ክትበጽሓለይ ዝምነያ መልእኽተይ እንሀት።

ክቡር ሓውን ብጻይን፦

ከምኡ ዓይነት ሕቡን ሰብ ስምካ ክትገልጽ ዘይምድ ላይካ’ውን ምልክት ትሕትናኻ ጥራይ ኢዩ። ኣብዚ ዘለናዮ ስኑዕ ግዜ ሓቀኛ ወይ ናይ ብርዒ ስም ስለዘ ይተጠቐምካ ንትሕዝቶኻ ኣየቃጠኖን። ብተወሳኺ  መንነትካ ብትሕዝቶ ዛንታኻ ስለዝግለጽ መብራህቲ ኣርማኻ ዝተኾለዐ፡ ሕፍሰት ሓቅነትካ ዘይተጀልሐን ዘይተወረቐን ንጹር መንነት ብምውናንካ ደስ እብለ ኒ። ብሓቂ ክብለካስ ንስኻ መርኣያ ናይቲ ኩሉ ዓይ ነት ተጋዳላይ ሰውራ ኤርትራ ብምዃንካ ድማ ገና ዘ ይተበርበረ ታሪኽን ዓቕምን ከምዘለካ እኣምን። ከም ትዕቅቦ ዘለኒ እምንቶ ድማ ወሰን የብሉን። ብ ኡ ኣቢለ’ውን እስከ ናብ ገለ ካብቲ ልበይ ዘድምየኒ ዛንታኻ ክሓልፍ፦

“ስለምንታይ ነብሰ-ቅትለት ዝግበር? . . . እቲ ስርሒት ወዲእናዮ ኢና እንታይ ሕቡእ መጋረጃኡ ነይሩ ብድሕሪኡ ግን ስጋብ ሕጂ ክፍታሓለይ ዘይኽእል ኮይኑ ዘሎስ . . . .፡ ስርሒት ብዘይ መስዋእቲ ወይ ብውሑድ ክሳራ እንተተዓመመስ ንምንታይ ግድን ደም ክሓልፎ ከምተደለየ . . .”

ክቡር ሓው፡ ንነፍሲ ወከፍ ዘቕረብካያ ናይ “ስለምንታይ” ሕቶን ቃልን ዝኸውን መልሲ ኣይምደረቐናን። ብኣውራኡ ነቲ ታሪኽ ብ ሉጻትና ከምዘለዎን፡ ንዕዑ ንምብሓት ብዛዕባ ዝጥበብ ቅትለት’ውን ከምዘለዎን ብምቕራብካ ደጊመ ሞጎስ ይብጻሕካ። ግናስ እቲ ዘ በገሰኒ ናይ ስለምንታያት ሕቶታትካ ኣብ ራዲዮ መድረኽ’ውን ቀሪቡ ስለዝነበረ ንምሕጻሩ ዝኣክል ክቡር መራሒና ናህና ኣይነበረን ሎሚ’ ውን ብዝኾነ ተኣምር ናህና ኣይኮነን። ምኽንያት ኣለኒ።

መሸም ካብ ናጽነት ድሮ ርብዒ ዘመን ኣቑጺርና እነና። ኢሳይያስ ተመሃራይ ዴስነት ቻይና ከምዝነበረ መጠን ምስቲ ከምኡ ንርብዒ ዘመን ዝመርሐ ማኦ ጸቱንግ ከወዳድሮ እፍትን’ሞ እንዶኡ ይፍንጣሓኒ። ምኽንያቱ ማኦ ምንም’ኳ መላኺ ከምዝነበረ እንተተገልጸ ኣብ ውሽጢ ዕድመ ስልጣኑ ህዝቡ ጠርኒፉ ሃገሩ ኣብዚ በጺሓቶ ዘላ ክትበጽሕ መሰረት ዘንበረን ሞቶረ ዝቐረበን ከምኡ’ውን፡ ክሳ ብ’ታ “ዓለም” ትበሃል ሓያል ንዘቕረበቶ ናይ ኣጽዋር ምንካይ ስምምዕ ሃገሩ ነቲ ኣጽዋር ከይጨበጠቶ ምፍራም ዕጭ ዝነቖተ መራ ሒ ስለዝነበረ እንሆ ቻይና ነቶም ልኬቶ ጥራይ ክትሰርሕ ዝተመነዩላ ዓበይቲ ሃገራት ጸብሊላ ትርአ። ጽባሕ ዝኽወኖ ድማ ጽባሕ ባዕላ ትፈልጦ።

ብተዛምዶ ማኦ ንመራሒና ክጥምቶ እንከለኹ ኣብ ርብዒ ዘመን ዕድመ ስልጣኑ ሃገርና ክሳብ ሎሚ ብግዜያውነት ጥራይ ኢያ ትፍ ለጥ። መንግስትና ግዜያዊ ታሴራና ግዜያዊ! ብምዃኑ ጽባሕ ዝኽወኖ ጽባሕ ክትፈልጠልና ከይተጸበና ምብዳምና ድሮ ብኣዒንትና ርኢናዮስ ሃገርና ብዘይ ተኹሲ ከምተማረኸት ንምርዳእ ጽባሕ ምጽባይ ኣየድልን። ስለኡ ኢየ ብወገነይ ደጋጊመ ኢሳይያስ ኣይናህና ን ምዃኑ ብዓውታ ዝብሎ ዘለኹ። ሕጂ’ውን ደጊመ ኢሳይያስ ብባራኪና ሰብኖ ብሽብጢ ጀፍዓዮ ብምንም ተኣምር ኤርትራዊ መን ነት የብሉን። ትሪኦ ኣለኻ ዕዮ ገዛኡ ጠንጢኑን ፍትሒ ዓፊኑን ንብኤርትራኣ ብልክዕ ከምቲ ናይ ናዚ ኣተሓሕዛ ኣብ “ቁሸት ሕቡሳት “ (concentration camp) ተኽቲኹ ብምኽዛን ኣዋሊእና ክንሱ፡ ከም ሓደ ፍትሓውን ተሓላቒ ዓባይ ኢቲዮጲያን ድማ ወያ በዓ ልቲ ዝና ታሪኻዊት ሃገር ከይትቆራመምን ከይትሸራረፍን ያኢ ንኣንድነታ ክዋደቕ ይውዕል ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ስለዝቶብኦ’ውን ዝ ናን ክብርን፡ ካብ ኩሉ ድማ “ጀግንነት” ያኢ ንሳቶም ኮይኖም ዋናታቱስ ካብዞም ጎራሓት ጎረቤትና የንቀላውጥ እንሆ። ዝኾነ ኮይኑ ጥራይ ከምቲ ዝበልካዮ ተጋዳላይ ነቲ ቃልሲ ከይጉዳእ እናበለ ንኩሉ ዝገጠሞ ተወፍይሉን ዝገደደ ድማ ገና ክሳብ ሎሚ’ውን ብት እዛዝን ትሕዞን መራሕቱን ሕቡኣት ቀንጸልትን ከም በጊዕ ይጉያሓሉን ክሳውዱ ይጉናኣሉን እንሆ።

“ክሳዕ-መዓስ? መወዳእታኡኸ? ንነገሩ ንሓዋሩኸ እዛ ሃገርሲ ካንዲያ ኣብዞም “ሽፋቱ” ክብሉና ዝስምዑ ዘለዉ ሰብ ኩትኹቶ ክትወ ድቕ ወይስ ብርግጽ ዕሕሕ ዝብሉ ኣለዉና?” ኢልና’ኳ እንተተሸገርና ግን ነቲ ምስጢር ኤርትራውነት ዝዓጽፍ ሓይሊ ኣይክህሉን’ዩ!

ንግዚኡ ኩሉ ከምዘለዎ ይጽናሓልና። ንሕጂ ክብለካ ዝደሊ ግዳ ንብዛዕባ ኣሰዋውኣ መኾነን ተኽለ (ጉብጣን) ዝሃብካዮ መብርሂ ዝ ምልከት ክትከውን ኢያ። ኣቐዲመ ግና ኣገላልጻኻ ልክዕ ከምታ ኣቐዲማ ዝተሰምዐት ምዃና ክደግመልካ እፈቱ። ማለት ጉብጣን መ ኪና ሒዙ እንከሎ ብናህና ነታጒ ከምተሰውአ ተባሂላ ተፈንያ ነይራ። እንተኾነስ ከምቲ ንስኻ’ውን ትርድኦ ገበርቲ እከይ ዝገበሩ ገ ይሮም ገለ ምስምስ ይፍንዉ’ሞ እንተድኣ ዘቕረብዎ ሓሶት ተሓምዩ ወይ ተቐሊዑ ተቓውሞ ከየስዕብ ምእንቲ መሊሶም ብካልእ ሓ ሶት ክድብድብዎ ክብሉ ዝገደደ እሳት እናኸዓዉ መዋእል ሓሊፍዎም።

ንሕና ድማ ኩሉ ሳዕ ዘይቅኑዕ ስራሓት ንርኢ፡ ኩሉሳዕ ከኣ ስለምንታያት ንድርድር፡ ኩሉ ሳዕ’ውን ምስጢራቱ ኣይገሃደልናን። እንተ ተጋህደልና ድማ በቶም ሓሳባት ኣቕሪቦም ዝተወፈዩ ክሓልፈልና ንምነን ንምህለልን። ብከምኡ ክሳብ ሎሚ መፍትሒኡ ኣይረኸብና ን። “ዘይርደኣኒ” ክትብል ንዘቕረብካዮ ክሳብ ሎሚ ዘይፈታሕካዮ ሕንቅል-ሕንቅሊተይ ክተሓጋገዘካ ስለዝደለኹ እንድየ፡ ዕላልካ ም ስቶም ኣብ ሶማል ስለዝተማረኹ ክሳብ ሎሚ ተኻሒዶም ከምዘለዉ ዝዳቐስ ጥራይ’ውን ኣይኮነን። ንርእሳ’ታ ተዓዊትኩም ምውጻእ ኩምሲ ንምንታይ ከምዘይተሰዋእኩም ዘኾረየቶም ምኽንያት ንርእስኻ ወናኒ ልዑል ዓወትን ብቕዓት ምዃንካ’ኳ እንተረጋገጸት እታ ክሳብ ሎሚ ዘይተረደአትካ ምኽንያት ብርሰት ግዳ ከምዚ ግዜ ዝኽሽሖ ዘሎን ንስኻ’ውን ትድርጉሖ ዘለኻን ሓቒ ጽባሕ ብጊሓቱ ብ ኣፍ ፈጸምቱ ከይትወጽእ ዓወት ክትብሕት ዝዓለመት ተራ ቅትለት ጥራይ ዘይኮነትስ ገና ካልእ ዘይዳህሰስናዮ ጉድ ኣሎ። ማለት ወ ሰን-ወሰኑ ድኣ ከነዳርት ጸኒሕና’ምበር እታ ብቑዓት ሃገራውያን ተጥፍእ መንደፍሲ ገና ኣይተተንከፈትን። ዓበይቶም ንኣሽቶም ገዛእ ቲ’ኮ “ቃልሲ ኤርትራ ብሓደ-ክልተ ዓመጽቲ ሸፋቱ ዝተላዕለ’ምበር ብሓቂ ናይ ህዝቢ ጠለብ ኣይኮነን” ኢዮም ክብሉ ጸኒሖም። ተ ስፋ ድማ ኣለዋ ኣምሓራ ንኢሳይያስ ብምሓዛ ተመሊስና ክንጉምባሓላ! ስለዚ ነቶም ሓያላትን ሰራሕቲ ቅያን ምቕርዳዶም እዋናዊ ዕ ማም ናይቶም ኣብ ሰልፊ ህግደፍ ተጠርኒፎም ዘለዉ ከዳዓት ብምዃኑ ብርሰትና ብደውና ንሪኦ ኣለና።

ሃውቲተዶ? እምበር ዘይቀንዲ ዛዕባይ ድኣ ብዛዕባ’ቲ ዝጠቐስካዮ ስዉእ ጀነራል ምኮንን ተኽለ (ጉብጣን) ኢዩ ዝነበረ። እስከ ንድሕ ሪት ናብዚ ዘምጻእካዮ ዕላል ተመሊስና ክልተ ኣብነታት ካብቲ ሃይቂ ሞያታት ስዉእ መኮነን ንመልከት።

ናይ ኣስመራ ስርሒት መዓርፎ ነፈርቲ ዘጽንዐን ዝፈጸመን ብቀዳምነት ጉብጣንን ንሱ ዝመርሖም ውፉያቱን’ኳ እንተኾኑ ንሳቶም ን ዝና ዝገበሩዎ ከምዘይነበረ ድማ ኩሉ ኤርትራዊ ይፈልት። ነቲ ክንድኡ ዝኣክል ዓወት ዝተመጎሰሉ ግን ከምቲ ዝበልካዮ ካልእ ሰብ እንተነበረ’ውን ኣይመኽፍአን። ገደደ ንሰራሕቲ ታሪኽ ደፊኖም ከይኣክል ሎሚ ብቀንዱ ነቲ ስርሒት ዘከሻምሹ ሓደስቲ ኮራኩር ኢ ሳይያሳት ክቀላቐሉ’ዩ’ቲ ዓገብ! ወዲ ረጋሒት ኣብታ ስርሒት እንተዘይስዋእ እዚ ሎሚ ኣፉ መሊኡ ክንድኡ ነፈርቲ ከምዘይሓረራ ዝምድር ዘሎ ትዃዕ ብቀንዱ’ቲ ስርሒት ከምዘይተሰርሐ’ውን ከየሕነኾ ብሃውሪ ምኸሓዶ። “ሸፋቱ” በለ ሕንጣይ ከም ጎይቶቱ!!!!

ሕቶ ክህልወኩም ይኽእል ሕጂ። “ኪኖ’ዚ ወሻጠ ደቂ ከበሳ ክድርዕም ዝወጣወጥ ዘሎ ተመናይ ኢቲዮጲያዊ መንነትን ንሱ ዝምድረ ሉ ባይታ ዝፈጠሩን ምስኡ ደው ዝበሉን ሓይልታት በዓልመን ኢዮም?” ዝብል ሕቶ። ርግጽ ከምቲ “ኣዲኣ ገዲፋስ ሓትኖኣ ትናፍቕ’  ዝበሃል ኢቲዮጲያውነት ምምናይ ንነውርነቱ ገዲፍና ሓጢያት ኣይኮነን’ሞ ከምቲ “ኣበይ ክረኽቦ” ዝበሎ ከምገለ ዝረኽቦ አንተኾይ ኑ መሬት ንዋናታታ ግዲፉ እንተዝብገስ ዶብ መዓስ ርሒቕዎ! እንተድኣ እቲ ዘይመስለኒ ዘሎ ተገይሩ ክሳብ ኖርወይ ተኣትዩ ኮይኑ ግና ኣብ ዓምዲ ናይቶም መዛግብና ዘዘቕበብዎ እልፊ ደቂ ጣባታት ምስኩዑ እንታይ ከየጸግም። ነዊሕ ድማ ኣይኮነን ኩሉ ዝቕላዓ ሉ ጥራይ ናብታ ሂወት ጀነራልና ዝበልዐት ካልኣይቲ ስርሒት ነብል።

መኮነን ጉብጣን ኣብ ኣሶሳ ተሰዊኡዶ ተቐቲሉ?

ጉብጣን ብናይ ገዛእ ብጾትና ነታጒ ተቐቲሉ ከምተሰውአ ገሊጽካ። እዛ ገርሂ ዛንታ ሽዑ ምስተሰምዐት ምሒር ኣቀናጢዋትና ነይራ። ድሕሪ ናጽነት’ሞ ድማ ኣብ ዕላል ምዕጎ ድሙድሙ ዝያዳ ከምተጋህደት እዝከረኒ። መቸን ነዛ ዕላል ምዕጎ ድሙድሙ ዘይኣምና ኣሎ ። ግናስ መዓስከር ደንደን ምንባርካ ከምዝጠቐስካ ሓቀይ እንተኾይነ ካብ ባር ኩባኩባናን ከባቢኣን ከምኡ’ውን ኣብቲ ፊት እንዳ ማ ህሌትን ከባቢኣን (ንወዲ ኮለኔል ተወጊንሉ ዘሎ ቪላ) ኪድ ክሳብ ባር ዕንባባን ኢዩ ዝነበረ ዞባ ምዕጎ ድሙድሙ’ሞ ኣሸበሸብ ድማ ተራኺብና ንነብር ኢና። እሞ ንግዚኡ ዝውንዘፍ እንተዘይኮይኑ ንምዕጎ ድሙድሙ ዝተሰወራ ከምዘይነበረ ነገር ሞኬ ኣብነት’ዩ።

ዝኾነ ገበናዊ ስራሓት ዋላ’ኳ ቃል-እምነት ኣይረኸቦ ብሞዛይክ እኽብካብ ንኣሽቱ ፍጻመታቱ’ዩ ዝንደን ዝጭበጥን። ከምኡ’ውን ወተ ሃደራዊ ፍጻመታት። ብዛዕባ መስዋእቲ ጀነራል መኮነን ጉብጣን ካብ ዘከርካስ ንሕናውን ናብ ተኽእሎታት ኣሰዋውኣኡ ዘይንሕንበበ ሉ ምኽንያት ኣይነበረናን። ጉብጣን መን ኢዩ? እንታይ ዝኣመሰለ ወታደራዊ ፍልጠትን ናይ ምፍጻም ብቕዓትንክ ነይርዎ? ንዝፈልጥ ዘበለ፡ ብፍላይ ድማ ከምቲ ንስኻ’ውን ንሱ ኣብቲ ቅድም ምድረ-ጋላ ዝበሃል ዝነበረ ሓምላይ መሬት ንክልተ ዓመት ከምዝዓንደረሉ ከምዝገለጽካዮ፡ እንተኾነ እቲ ክንድኡ ተፈታውነት ዝነበሮ ወተሃደር ብ”ተሰዊኡ” ትብል ጻልጣ ወረ ክንኣዝም ስለዘይተዋሕጠልና፡  ናብ ተወሳኺ ሕቶታት ከነምርሕ ግድን ኮይንና ከምዚ ክንብል ከኣ በርበርናዮ፦

“ጉብጣብ ቦታ ዘጽንዐ ውጹእ ወተሃደር ኢዩ። ግናስ ብከመይ ሽዑ ንዝተማረኸት መኪና ክመርሕ ደልዩ? ከመይከ ኣብቲ ቦታ ዋና መሬት ጸላኢ ከምዝነበረ እናፈለጠ ንብሕቱ ተጓዒዙ? ብቀንዱ እቲ ብብጾትና ዝተዘርአ ነታጒ ከምዘሎ እናፈለጠ ብከመይ ኣትይዎ?

ነገራቱ ምጥዕዓም ምስ ኣበየ ድማ ናብቲ ካልእ ምናልባሻት ኣተና። “ምናልባትዶኾን ኣብታ መኪና ፈንጂ ጽዒኖም ኣፋንየሞ? ምናል ባሽዶኾን ኣድብዮም ጸኒሖም ምስ መኪናኡ ገሲሞም ኣመሳሲሎሞ? ዶስ ከምቲ ኣበሃህላኦም ጉብጣን ነብሰ-ቅትለት’ዩ ፈጺሙ?”

ኣይትትዓቡ፡ እንተ ንሕና ብበረኻና’ውን በቲ ከዋድር ህግደፍ ዝፍንውዎ ዜናታት 03 ብምዕፍታውና ተቐበልቱ ኣይነበርናን። “ኢሳይ ያስ መን ኢዩ?” ዝብል ሕቶ ሓደ ካብቲ ንምቕልዑ ነዊሕ ዝወሰደልና ምስጢር ኢዩ። እቲ ኣውራ ምስጢሩ ከይቕላዕ ዘናውሖ ድማ ኣማስያናስ ዓሰብቱ ብዝገብርዎ ድርዒ ምዃኑ ካብቲ ደም ዝነብዐ ተመኩሮና ፈሊጥናዩ እብለኩም። ንሕና ኤርትራውያን’ውን ኣብ ታ ገርሂ ዓለምና ዓስኪርናሉ ኣብ ዝነበርና እዋን ወዮ ተኸዳኒ ቆርበት በጊዕ ተኹላ ንዓና ንበጋይዕ ከደናግረናስ ብቀንዱ’ቲ ገርሂ ባህ ርናን ፍቐሪ ሃገርናን’ዩ ሓጊዝዎ። ስለዚ ነቶም ንሓዋሩ ነዛ ሃገር ሃገር ዘስምዩዋ ቀንዲ ውሉዳታ ክቑርምም ገለ ካብቲ ቀንድን ብዞባ ደረጃ ዝተዋህቦ ሕቡእ ተልእኾኡ ከምዝነበረን ዘሎን ምዃኑ ፈሊጥናዮ። ንስኻ’ውን ንኣብነቱ ኣብቲ ዝሃብካዮ ቁንጣሮ ሓበሬታ ካብ ቲ ሃይቒ ተመኩሮኻ፡ ድሮ ነቲ ብፖለቲካዊ ብልጸት ብዝተጎልበበ ብርሰትና ከምጸሓይ ቀትሪ ኮሊዕካዮ ኣለኻ።

ክቡር ብጻይ፡ ብወገነይ ከምቲ ካልእ ዜጋ ክሳብ ሎሚ ፖለቲካ ዝበሃል ተዛሪበ ከምዘይፈልጥ ከዕልለካ ኣይሓንከሉን። ሰብና ፖለቲ ካ ክዛረብ እንተጀሚሩ ግዳ ከቢድ ጉዳይ ኣሎ። ንኣብነት ከምቲ ናትካ ስለምንታያት “ስለምንታይ ኢዮም’ዞም እሙናት መራሕትና መገዶም ቀይሮም” ዝብል ሕቶ ክሳብ ሎሚ ኣይተመለሰን። ንበል ጀነራል መስፍን ሓጎስ ኣብ ልቢ ኩሉ ዜጋ ከምዘይሰፈረ ንምንታይ ጎቦጎቦ ኢሉ? ንምንታይከ ከምቲ ዝብልዎ ክሳብ ኣብ ምርጫ ዝበዝሐ ድምጺ ረኺቡ ክንሱ ክሃድም መሪጹ? ብኡ ዝነቐለ ዛዕባ ናብ ብቀደሙ’ውን ከም ጸረ ኢሳይያስ እናመሰለ ንኢሳይያስ ዘገልገለ ሰነፍ ጀነራል ተጸብጺቡ። ከምኡ ድማ ነቶም ገና ዝኣምንዎ ደቂ ገር ሂ ልባ ካብ ወጻኢ እናደወለ ብውሽጢ ክነዓዓቡ እናመዓደ ተመሊሱ ከምዘእስሮም ኢዩ ዝውረ ዘሎ። ምስ መድረኻውያን ኮይኑ ፍ ኒሕኒ ክብልከ ሓቁ ዲዩ ኢሳይያስ ተኸሲኡ ስለዝሰምዐ? እምበርከ ንመን ክልክምን ንሓዋሩኸ መን ይእመኖን? ኩሉ እንድዒ!!!

እቲ ካብቲ ዘብለጭልጭ ከዋኽብቱ ንላዕሊ እታ ኣብ ኢዱ ዘይትርአ ቅዱስ-መጽሓፉ ከምዘፍቅር ዝውረየሉ ጀነራል ስብሓትከ ዓለ ም ዝገበረትና ከምንግበር ክምዕድ ክርአስ ምስ እንታይ ትጽብጽቡዎ? ዶስ ድሕሪ ዛሬባ ናይ 73 ለዚቡ? ዓለምድኣ ብቀደማ መዓስ  ናህና? እምበርከ ግደፍ ንሕና ፍጡራት ዓለምሲ፡ ፈጣሪና’ውን’ኮ ኩሉ ክገብር እናኸኣለ ንዝሃበና መሰል ምርጫ ከይጥሕስ፡ ከይጻባ እን ከይመልኽን ክብል፡ ናብራ ምስዝኸፍኣና ክንጠርዕ ኢዩ ዝሓበረና። “ሕተቱ፡ ማዕጾ ኳሕኩሑ ዝደለኹሞ ክትረኽቡ” ዶ ኣይትብ ልን ኢያ’ታ ጀነራል ስብሓት ዘፍቅራ ቅዱስ መጽሓፍ ወይስ ካልእ ምስጢር ሃልይዎ?

ገደደ ናይዞም መንእሰያትና! ሃገርና ኣብ ቁሸት ጽዩናት (ሕዩራት) ተዘሪዓን ብሰርቢ ማይኖህ ክንጭንጓዕን ተወጢኑ ኣብ ዘሎ እዋን  ሃገሩ ንከናግፍ መርከብ ዝሰርሕ ወይ ዝተሰርሐት ዝመርሕ ገለ’ኳ ከምተሳእነ ብዝመስል ንርእሱ ከም ሓደ ዑቕበኛ ኣብ ውሻጠ ዓቀ ብቱ ተዋሒጡ ሰማየ-ሰማያት ክቛምት ተጸባይ ናይታ ከም ምልክት ሰላም ኣብ ኣፋ ቆጽሊ ኣውሊዕ ቀርቂራ ንትመጾ ጻዕዳ ርግቢት መሲሉ ክርአስ ምስ እንታይ ትጽብጽብዎ? ንብቐንዱ’ምበር ወያ እንተ ተርድእ ወይ ተበስር ርግቢትከ ከይኳሕኩሐ ትመጾዶ?

ማይ ምዕሟኽ ይብሉካ ከምዚ ኢዩ። ማይ ዝዓሞኸ እናተቐትለ ብሰላማዊ ኣገባብ ኢዩ ያኢ መሰሉ ዝሓትት!

ሰላም ይፍጠረላ ክብርቲ ሃገርና፡ የቐንየለይ ድማ ክቡር ሓወይ!

ጎደፋ፡

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
38 COMMENTS
  • Merhawi Hagos March 17, 2016

    ኣየ ጎደፋ፡ ጎዱፍ ይጽቀጡኻ። ካብዚ ኣሰልቻዊ ጽሑፍ ምጽሓፍ ገለ ኣታዊ ትረኽበሉ ስራሕ ዘይትደሊ። እዞም ጀጋኑ ስውኣት ብሰላም ከዕርፉ ዘይትገድፎም። ሓቂ እንተለካ ወይ ናይ ብሓቂ ኤርትራዊ እንተድኣ ኮንካ ብሽምካ ዘይትጽሕፍ። ሰብ ክኣምነካ በቲ ሓቂ ሽምካ ጽሓፍ። ብስም ጎደፋ ክንደይ ጎዱፍ ዝኾነ ናይ ቤላ ቤለው ናይ ጠርጠራ ጽሑፋት ጽሒፍካ ኣለኻሞ ሓቂ እንተለካ መንነትካ ግለጽ።
    መርሃዊ ሓጎስ

    • Simon G. March 18, 2016

      You should be ashamed yourself, so called merhawi. You have nothing in common with your name. Godefa was a hero and he is still a hero. Where were you when he was fighting to liberate Eritrea? You sound like those HGDF, which never care about Eritrea and they never will.
      If I have to guess, you don’t have the the brain to analyze Godefa’s writings. Go fishing with meskerem or tesfanews.
      And you have the gut to say እዞም ጀጋኑ ስውኣት ብሰላም ከዕርፉ ዘይትገድፎም? Are you kidding me? You don’t even have the right to mention ስውኣት. If they had a chance to see what HGDFs are doing to Eritrea, they would die twice. It is so sad to have people like you, blood suckers. What a curse.

    • Teclay March 18, 2016

      Merhawi
      Thank you brother ,your humor is wonderful,i can’t stop laughing.

    • Merhawi Hagos March 18, 2016

      ክቡራት Adal and Simon G.
      ኣብዛ ኣነ ዝሰደድኩዋ ንእሽቶ መልእኽቲ ንጎደፋ መንነትካ ግለጽ፡ ኩሉ ግዜ ጎደፋ እንዳበልካ ብናይ ብርዒ ስም ኣሰልቻዊ
      ወይ መረጋገጺ ዘይብሎም ጽሑፋት ካብ ምጽሓፍ ከርባሓካ ዝኽእል ስራሕ ምስራሕ ምሓሸካ ኢየ ዝበልኩ። ኣብዚኣ ነቲ ጨፍላቒ
      ስርዓት ህግደፍ ትድግፍ ሓሳባት ኣየቐመጥኩን።
      ናይ ጎደፋ ጽሑፋት ኩሉ ግዜኳ አንተዘይበልኩ ሕልፍ ሕልፍ ኢለ አንብብ ኢየ። ጽሑፋቱ ድማ ኩሉ ጭብጥታት ክትረኽበሉ ዘይትኽእል
      ክትጠራጠር ጥራሕ ዝዕድም ኢዩ። ጎደፋ ንነብሱ ከም ኩሉ ዝፈልጥ፡ ኣብ ኩሉ ቦታታትን ፍጻሜታትን ከምዝወዓለ ጌሩ የቐምጣ። በዚ ምኽንያት ድማ ኢየ መንነትካ ግለጽ ዝበልኩዎ። ኩሉ ብድሕሪ መጋረጃ ተሓቢኡ ዝጽሕፍ ኤርትራዊ ማለት ኣይኮነን።ኣብዚ ሎሚ እዋን ስርዓት ህግደፍ ክወድቕ ኣብ ዝተቓረበሉ ግዜ ንመን ፈሪሕካ ኢኻ ብብርዒ ስም ትሕባእ ኢየ ዝብል ዘለኹ። ስለዚ ጎደፋየ ስርዓት ውልቀመላኺ ኣብ ገምገም ኢያ ዘላ’ሞ ኣጆኻ ተቢዕካ ብሽምካ ጽሓይ።
      መርሃዊ ሓጎስ

      • AHMED SALEH !!! March 19, 2016

        Merhawi
        What about if his name is Godefa since he stick with same pen name
        does it bothers you ?

  • Yemane March 17, 2016

    መኮነን ጉብጣን ጅግና ተጋዳይ ምቁሉል ነይሩ ኣብ ኩናት ሕድሕድ ከለና ኣብ ኩር ንመጀምርያ ግዜ ኣብ ገድሊ ተራኺና ኣቲ ኩነታት ሕማቕ ኣንተነበረ ከምቲ ዝደለ ከነዕልል ዕድል ኣይረኸብናን። ደቂ ገዛዉቲ ነርና ምስ ፍሊጶስ ኣብ ብርገድ 44 ዘይምርድዳኣ ከም ዝነብሮ ይሰምዕ ሰለ ዝነበርኩ ከነዕልል ፈቲና፡ግን ተበገስ ሰለ ዝነበረ ተፈላሊና,፡ ኣብ ድሕሪ መስመር ከም ዝነበረ ይስማዕ፡ኣንተነበረ ኣዛዕባ መስዋእቱ ግን ዝተማረኸት ማኪና ጸላኢ ከዉጽእ ፈንጂ ረጊጹ ከም ዝተሰዉኣ ሰሚዕ፡ ኣዚ ድማ ጀጋኑ ቀቲሎም ታሪኽ ጀጋኑ ከም ናቶም ገሮም፡ ዘይዉዓልዎ ዉግእት ይጃሃሩ፡ ጠላማት ሰብ ጹሩራ ህግደፋዉያን ሓንቲ መዓልቲ ሱዉእት ዝትንሱእሉ ኣደታት ንብዓት ዝፋሳላ፡ ብዝሓት ጉብጣን ሂወት ተኸፊሉ፡ ኣታ ናይ ብሓቂ መስዋእቲ ጉብጣን ኪጠፍእ ዝገበርዎ ኪድ ኢሎም ዝእዘዙ ኣዞም ሕጂ ዘሳቑይና ዘለዉ ብዓል ጽኪ ኢዮም። ዘይወግሕ መስልዋ ኣብ ቦኽራ ትወጽእ።

    • k.tewolde March 17, 2016

      It is ironic to be on same medium after all this years Yemane. We happen to be in KUR at the same time during those dark years of our armed struggle,the only difference is, I was on the other side. Here we are denouncing the same man who pitted us against each other living in exile, and he sitting pretty at home with his henchmen telling our story as if he have the exclusive right to it. Time! it does wonders.

  • Tesfzghi Asmelash March 17, 2016

    It’s shameful that still people think
    HGDEF is the only solution for Eritrean. Wake up people please see the suffering of your brothers and sisters father’s and mothers as well as grand fathers and Morhers in your eyes. By the dictator Regime it’s time to say enough is enough.

  • Solomon March 17, 2016

    እዛ ምእንቲ ሃገር ኢልና ልቢ ኣዕቢና ተጸሚምና ትብል’ሲ ከም መልሲ ከም ገለ ተለሚዳ ደኣ እምበር ፍጹም ሓቂ ኣይትመስለንን። ንኢሳያስ ኣፈወርቂ እንተውሓደ እንተውሓደ እቶም ኣብ ስልጣን ዝነበሩ እሞ ምስኡ ዝሳነዩ ዝነበሩ ኣሚኖሙሉ ብዕግበት ንዕኡን ንነብሶምን ይሰርሑ ኔሮም ክኾኑ ኣለዎም ምሃላይ እየ። ምኽንያቱ ኢሳያስን ገለ መካይዱን ንዕቤት ሃገርን ደቂ ሃገርን ዕንቅፋት ምኻኖም እናፈለጥካ ምጽማሞም ዕቤት ልቦና ክኸወን ኣይክእልን እዩ። ዕቤት ልቦና ንሓባራዊ ዕንቅፋት ብኣግኡ ክትውግዶ ብቕዓት ምስእትውንን እዩ። እቲ ዘረባ ብዘይ ኢሳያስ ነጻነት ክትመጽእን ብዘይ ኢሳያስ ሃገር ክትመሓደርን ዘይክኣል ሰለዝነበረ ናይ ግድን ክንጽመም ኔሩና እተኾይኑ ድማ ምኽንያት ኣሰኒኻ አግሂድካ ምዝራብ ከድሊ እዩ። ዕግበተይ በቶም ጀጋኑ ውፉያት ተጋደልትና ነጻነት ብዘይ ኢሳያስ እውን ምመጸት ኔራ በሃላይ እየ። እኳድኣ ብዘይ ኢሳያስ ነጻነት 10 ዓመታት ኣቐዲማ ምመጸት ኔራ። ሂውት አሽሓት ኤርትራውያን እውን ካብ መስዋእቲ ምድሓነ ኔሩ። ምናልባት እውን ኤርትራ ሎሚ ፍትሕን ዲሞክራስን ምሃለዋ ኔሩ። ስለዚ እዚ ኹሉ ሎሚ ተመሊስካ ክትርእዮ እንከሎዃ ብዙሓት ላዕለዎት መራሕቲ (ዳርጋ ኩሎም እቶም ብሂወቶም ዝኣተዉ)ናይ ውልቀ ሕልሞምን ሓሳባቶምን ምስ ኢሳያስ ዝኣሳሰሩ ኔሮም ክኾኑ ኣለዎም ብሃላይ እየ።

  • koreri March 17, 2016

    ጎደፋ፣ ጽሑፍካ ናብ አንበብቲ ቅድሚያ ምብጽሑ ብውሕዱ ሐንሳብ እተንብቦ አይመስለንን። ……ዘዝጀመርካዮ እንዳውድልእካን መምስናቱ እናአተሐሐዝካን ምኸድካ…..

  • Adal March 18, 2016

    ዝኸበርካ መርሃዊ ሓጎስ እቲ ዘቅረብካዮ ርእይቶ ናይ ብሃቂ ዘስደምም ኢዩ ወይ ውን ዘደንግጽ ምበልኩዎ። መልሲ ኣይመድለየካን ምኽኒያቱ እቲ ጹሑፍካ ንባዕሉ ንዓኻ እኹል መግለጺኻ ስልርዝኮነ። ግን ኣብዚ ሎሚ ጥራይ ዘይኮነስ ካብ ቀደም ዝተኣከቡ ስለምንትስያት ዘይተፈትሑን ሃገር ቁልቁል ኣፋ እናተተኽለት እናራኣኻያስ ኮሞኡ ውን ሓቀኛን ዘይተመስርሐ ታሪኽ ብዋዓሊኡ እናተነግረካንሲ ስም ናይ ጎደፋ ስንክሳር ኮይንካስ ስምካ ግዳ ዘይትነግረና ኢልካ ብጣዕሚ ንፉዕ ሎሚ እሞ ኩሉ ኣብ ቃልዕ ውጺኡ መን ዩ ክዳናገር። በል እዚ እተዘይ ተዋሒጥልካ ነቶም ኣብ ኣስመራ ሕወልቲ ብዓል ጉብጣን ገዲፎም ሓወልቲ ብዓል ፑሽኪን ተኺሎምልካ ዘለዉ እመን ዎድሓንካ።

  • Yerhiwo March 18, 2016

    Good Article!

  • Semere Andom March 18, 2016

    Dear Assenna: A Critique Of Your Last Interviewee
    The worst interview Assenna and Amanuel have conducted to date
    What infuriates me about the veteran fighters is the following:
    First they are too naive to figure out what happening to them, the cheating, the lying and then when they figure it out they stay long until they are personally targeted and when they leave many of them like the last interviewee, they talk about their crimes as if they killed a fly. Example this former freedom fighter talks about killing the poor woman and throwing her down a toilet, and he talks about it with pride. He should be ashamed of it, I am ashamed on his behalf. I always told my Ethiopian friends our Ghedli never targeted civilians, I guess we were not bombing villagers, but we were doing it insidiously. This freedom fighter and his group should be tried for their murder of the woman. You see, he could have used something to tie her up and muzzle her mouth until he completes his operation, his duty of killing the general. They were going for the easy and cheap way of doing their business and to except justice from the group, made up of his ilk is in vain, that is why Eritrea is screwed up.
    I am disappointed at Amanuel for not following up on the cold blood murder of that poor lady, she has loved ones, maybe children and she was innocent human being, only dated a thug and was killed by another thug
    The EPLF and PFDJ modas operandi was if something is in your way, kill it, just like a farmer does when a bush is in his way and that is what Dictator IA did when the G-15 got on his way.
    Now this veteran freedom fighter is complaining about PFDJ, he planted it, he watered it and it blossomed beautifully, rip what you have nurtured and be decent to talk about that lady you killed with decency not as a matter of fact.
    Our problems are baked into our history of violence and coldness and we got what we deserve, you got what you deserved btsay!
    I am cognizant that in war you get to do what you get to do, but war has rules and laws, as ironic as it might sound and they are not complicated. As the murder of this innocent woman, who happened to be the mistress of the general reveals to us, we wanted to do our affairs unfairly with the least energy and PFDJ sprang from that culture. We cannot change what was done, but we can at least talk about our blunders with some sensitivity, even if it is not in us to apologize for it. Killing an armed woman so heinously by throwing her head-on, burring her alive in a human waste should disgrace us collectively. And before this former freedom fighter complains about the wrongs done to him and us by PFDJ, he must talk with sensitivity about the woman who he murdered in cold blood.
    And the worst thing is that no one is talking about that aspect of the interview

    • ogbai March 18, 2016

      Semere Andom what kind of justification are you expecting from the war zone, I wonder maybe you are going to complain even about the General for being a human being too. The hero freedom fighter to do his job. Don’t you think he was on the row of death? It is natural to to felt sorry for the poor lady that lost her life like in the cross fire happened every where. Nothing more nothing less for some one who is familiar what is war. there is no justifiable War. It is cruel as it is. She got caught in the middle of the fire between life and death. Considering the mission of the courageous fighter maybe he had no other choice than what he did. I may agree with you to feel bad about this poor lady death. The gentlemen should skip that story,for the sake of the listener. Some times to be too honest gets you to such point of attention. Above all, why blame Amanuel Assenna. ‘kab bahalius degamiu’ In any ways it is good to confess than to bury it deep for the hero freedom fighter. Lets consider her one of martyrdom ones. Expecting to her more untold story from the remnants of the heroes fighters. ‘Ab kinat zeywales belih’ keykewn.

      • AHMED SALEH !!! March 18, 2016

        Semere
        At time of war while many innocent civilians lives destroyed you look
        very concerned on the lady destiny in cross fire . She was mistress of
        a criminal who gave up her dignity for material interest . And greed
        invited her killers to take advantage on their mission .
        Speak for those innocent societies sufferings instead individuals at
        opposite side for selfish interest . She exposed for danger herself by
        choice to engage in risky business and the result is what it is 70,000
        birr dream took her life .

        • Semere Andom March 19, 2016

          God save us from the kind of thinking you hold. Since when is morality or as you put it selling her dignity crime punishable by death?
          Was Eritrean revolution about succeeding at any cost. And I tell u that this kind of cold, shortcut to victory is at the very heart of our problem and the most telling and worrisome thing is when the interviewee talked about as a matter of fact, “I found one toilet and I threw here down head-on”, no hint of regret, guilt, but sober as matter of factly and he sounded proud. N wonder his friends are now making Eritrea killing field of innocent Eritrea who happen to be int he wrong place at the wrong time. That is what I am talking about not the ugliness of war

  • gado! March 18, 2016

    SEMERE ANDOM,
    AB QUINAT ZEIWEALE HAtr.
    kab mWrzai ab bota naiti seb abti iwanti quenqa intetrReyo mHashe.
    You sound more of a preacher than a doer.
    hawka.

  • isack tewolde March 18, 2016

    Try to accept comments to become start because smart people they keep coment

1 2 3

POST A COMMENT