Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደሞዝ ሰራዊት ክንውስኽ ኢና ኢሉ ዝተመባጽዐ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ከም ኣመሉ ሕጂ ‘ውን መብጽዕኡ ይጠልም።

ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ከምሓላዪ ሰራዊት ተመሲሉ “ካብ ዝሓለፈ ዓመት ብውህሉል ዝሕሰብ ናይ ሰራዊት ደሞዝ ምውሳኽ ክግበር ኢዩ” ኢሉ ዝተመባጽዐ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፣ ከምቲ ንልዕሊ 15 ዓመታት ብተደጋጋሚ ዘታለሎ፣ ሕጂ ‘ውን ‘ ገንዘብ ኣጽዋር ኣብ ምግዛእ ኢና

ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ከምሓላዪ ሰራዊት ተመሲሉ “ካብ ዝሓለፈ ዓመት ብውህሉል ዝሕሰብ ናይ ሰራዊት ደሞዝ ምውሳኽ ክግበር ኢዩ” ኢሉ ዝተመባጽዐ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፣ ከምቲ ንልዕሊ 15 ዓመታት ብተደጋጋሚ ዘታለሎ፣ ሕጂ ‘ውን ‘ ገንዘብ ኣጽዋር ኣብ ምግዛእ ኢና ነውዕሎ ዘለና’ ብምባል መብጽዕኡ ከምዝጠለመ ምንጭታት ሓቢሮም።

ንሱ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ኣብ ደንጎሎ ብጠለብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣብ ዝገበሮ ብሕታዊ ርክብ እዩ ከምዚ ክብል ኣመኽንዩ።

እቶም ክልተ ላዕለዎት ጀነራላት፣ ኣብቲ ርክብ ኩነታት ሰራዊት ፍታሕ ክግበረሉ ኣለዎ፣ ብሕልፊ ድማ ጉዳይ ደሞዝ ክትግበር ኣለዎ’ ክብሉ ሓቲቶሞ። ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፣ እዚ ሕቶ ‘ዚ ናይ ውልቅኹም ዲዩ ዋላ ናይ ሓባር ክብል ንዘቕረበሎም ሕቶ ናይ ሓባር ምዃኑ ምስ ኣረጋገጹሉ ኸኣ፣ ነዚ ዝቐነየ ወተሃደራዊ ኩነታት መመኽኔታ ገይሩ “ብዛዕባ ደሞዝ ምዝራብ ተራእዩኩም፣ ኣጽዋር ኢና ንገዝእ ዘለና” ክብል ደሞዝ ናይ ምውሳኽ መደብ ተስፋ ከምዘይብሉ ከምዝገለጸሎም ተፈሊጡ።

ኣጽዋር ብዘይ ሞራል ዘለዎ ሰራዊት ትርጉም ከምዘይብሉ ፍሉጥ ብምዃኑ ሕቶ ናይቶም ኣዘዝቲ ሰራዊት ሕቶ እዋናዊ ‘ኳ እንተኾነ፣ ኢሳይያስ ከምዚ ኢሉ ነቲ ጉዳይ ከቍሻሹ ብዛዕባ ምሕደራ ሰራዊት እንዶ ከምዘይብሉ ዘመልክት ምዃኑ እቶም ምንጭታት ኣገንዚቦም።

እቲ ርከብ ብቐንዱ፣ እቲ ናይ መርማሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ጸብጻብ ብዝፈጠሮ ምስንባድ ተደፋፊኡ ዝተኻየደ እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • bdho July 7, 2016

    don`t cheat yourself,the dictator and all Eritreans whom have high rank position are slaves.there is no way changing their minds to help the Eritrean people;because of their adapted slavery minded struggle for independence of them selves and hell to the young generation.

  • k.tewolde July 8, 2016

    With all honesty,if the conscripts and their military leaders are willing to take that kind of sarcastic dismissing answer from their capo,and still defend his throne,I leave it up to the prudent reader to give their verdict.I was in that kind of situation at different time and different venue,I refused along with my comrades to go out onto our fortifications [DFAA’E] until our demands was met while openly criticizing our superiors of their shortcomings and I haven’t seen anybody disappear from our unit.I miss those guys and gals.

  • Teame Berhe July 10, 2016

    ኣነ ዝገርመኒ ናይ ኢሰያስ ዝበሎ መብጽዓ ምጥላም ዘይኮነ፡ ናይቶም ንቃሉ ኣሚኖም ተስፋ ዝገብሩ ሰባት’ዩ። ን24 ዓመት ብሓሶቱ ንዘታለለካ ሰብ ክትኣምን ምፍታን እቲ ጌጋ ናይቲ ዝሕሱ ዘይኮነ ናይቲ ዝኣምን ኢዩ። ምስኪን ህዝቢ ኤርትራ ንኢሰያስ ኣሚኑ ንዳርጋ ሓሙሳ ዓመት ተጓዒዙ ብሕጂውን ክሳዕ ክንደይ ከምዝጐዓዝ ዝፈልጥ የለን። ዘደንግጽ ህዝቢ!!

  • teame nuguse July 13, 2016

    ጉዳይ ዶመዝ ምውሳኽ ንዝብል ካብ ቃል ኢሰያስ ኣፈወርቂ ከም ዝተስምዕ ምኻኑ ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ ሕቂ ዩ ብዝኾነ ግን ንሱ ሓሶት ዕለታዊ ስሩሑ ዩ ነቲ ናቱ ዘረባ ሰሚዖም ብተስፋ ዝጽበዩ እንተደኣ ኣለዉ ግን ተባራበሩ ኣይትሕለሙ ምባል ይሓይሽ መክንያቱ ኣኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ኣብ ዝገብሮም መግለጺታት ካብ ምሕሳውን ሃተፍተፍ እንዳበልካ ናትካ ምሕደራ ከይ ጠመትካ ናይ ከባቢኻን ምዕረባውያን ሃገራትን አንዳበልካ ምንእኣስ እንተ ዝይኮይኑ ኢሰያስ ሓቂ ተዛሪቡ እንተ ኣተግቢርዎ ወይ ሰኺሩ ሎ ወይ ውን ኣብ ሃለፍታ ናይ ይእምሮ ኣትዩ ኣብ ዓራት ኮይኑ ይዛረብ ኣሎ ማለት ዩ ስለዚ ኩብራት ደቂ ኤረይ ሓቂ ኢሰያስ ብሂወት ከሎ ኣይንጸበ መኽንያቱ ንሓቂ ካብ ዝረግጽ ነዊሕ ዓመት ስለ ዝገበረ

Post a Reply to Teame Berhe Cancel Reply