Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደረት ስልጣን ኣልቦ ሓለፍትን ባህሪያቶምን

ነሓሰ 2013 ካብ ቀጽሪ ሚ/ሪ ዜና   ኣብ 2007 ፕረዚዳንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ኣብ ሕርሻ ኣፍሂንቦል ዑደት ኣካየደ፡፡ እቲ ሕርሻ ቃንጫ ሽኮር ንኸተኣታቱ መደብ ስለዝነበሮ ኣየናይ ዓይነት ኣገባብ ኣተኻኽላ ኣብቲ ቦታ ከምዝሰማማዕ ንምምራጽ ንፈተነ ዝኸውን ተተኺሉ ነበረ፡፡ ፕረዚዳንት

ነሓሰ 2013

ካብ ቀጽሪ ሚ/ሪ ዜና  

  • ኣብ 2007 ፕረዚዳንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ኣብ ሕርሻ ኣፍሂንቦል ዑደት ኣካየደ፡፡ እቲ ሕርሻ ቃንጫ ሽኮር ንኸተኣታቱ መደብ ስለዝነበሮ ኣየናይ ዓይነት ኣገባብ ኣተኻኽላ ኣብቲ ቦታ ከምዝሰማማዕ ንምምራጽ ንፈተነ ዝኸውን ተተኺሉ ነበረ፡፡ ፕረዚዳንት ንፈተነ ዝኸውን ቃንጫ ሽኰር ተተኺሉ ከምዘሎን እቲ ምርምር ምስ ተዛዘመ ብሰፊሑ ናይ ምትካል መደብ ከምዝቕጽልን ብክኢላታት ይግለጸሉ፡፡ ፕረዚዳንት ዑዶቱ ወዲኡ ናብ ኣስመራ ይምለስ፡፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ብርጋዴር ጀነራል ተኽለ ማንጁስ ኣብ ኣፍሂንቦል ንዝነበሩ ክኢላታት ሕርሻ ብህጹጽ ናብ ሳዋ ይጽውዖም፡፡ ካብ ፕረዚዳንት ዝተለኣኸ መልእኽቲ ድማ ይህቦም፡፡ እቲ መልእኽቲ ፕረዚዳንት ካብ ኢንተርኔት ዝረኸቦ ንኣተኻኽላ ቃንጫ ሽኮር ዝምልከት ሓበሬታ ነበረ፡፡ እቲ ውጽኢታዊ ዝብሎ ሓበሬታ ንኽጥቀሙ ድማ ትእዛዝ ኣመሓላለፈ፡፡ እቶም ክኢላታት ፕረዚዳንት ኢሳያስ ልዕሊ እቶም ክኢላታት ፈላጥ ክኾውን ምፍታኑ ኣገረሞም፡፡ ክሳብ ክንደይ “ኣነ እፈልጥ” ብዝብል ሕማም ተለኺፉ ከምዘሎ ድማ ኣስተውዓሉ፡፡ እቲ ካብ ኢንተርኔት ተወኪሱ ዝለኣኮ “ናተይ ይበልጽ” ዝሕመረቱ ሓበሬታ ግና ክሳብ ሕጂ ቃንጫ ሽኮር ከይፈጠረ ሃጊጉ ተረፈ፡፡ እንተ እቶም ኪኢላታት ግን ሳላ ባዕሉ ዝሓበሮም ካብ ተሓታትነት ድሒኖም፡፡

 

  • ኣብ ኤክስፖ ኢዩ፡፡ ኣብ ውሽጢ’ቲ ቀጽሪ ዝነበራ ትካላት ለይታዊ ትልሂት ብዝለሃዩን ዝሰትዩን መንእሰያት መሊአን ነበራ፡፡ ለይቲ ብምንባሩ ዝተረፈ ክፋል ኣስመራ ጸጥታ ሰፊንዎ ነበረ፡፡ ብጀካ ዘን ሓለፍቲ፡ ደቂ ሓለፍቲን ገለ ዝጠዓሞም ሃብታማትን ዝዘናግዑለን ከም ኣብ ቀጽሪ ኤክስፖ ሻምሩክን ዝርከባ ውሕዳት መዘናግዒ ባራት ኩለን ካብዚ ወጻኢ ዘለዋ ባራት ካብ ሰዓት 12 (ልክዕ ፍርቂ ለይቲ) ሰዓት እቶእቶ ክመስል ክዓጽዋ ስለዝግደዳ ኣስመራ ጸጥ ዝበለት’ያ፡፡ ኣብ ጽምዋ ኣስመራ ዘወር ዘወር ክብሉ ዝረኣዩ ኣባላት “ህዝባዊ ሰራዊት”ን ገለ ኣባላት ጸጥታን ጥራይ ኢዮም፡፡

 

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ህሞት ካብቲ ኣደራሽ ለይታዊ ትልሂት ቀጽሪ ኤክስፖ ከይረሓቐ ኣብ ግዳም ሃንበደት ናይ ተኹሲ ድምጺ ተሰምዐ፡፡ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ኣባላት ጸጥታ ኣብቲ ከባቢ ንዝረኸብዎም መንእሰያት ብምእካብ መን ከምዝተኮሰ ንምፍላጥ ኣኪቦም ከዋጥርዎም ጀመሩ፡፡ ሓደ ካብቶም መንእሰያት ብትብዓት “ኣብርሃም ኢሳያስ (ወዲ ፕረዚዳንት) ሽጉጥ ኣውጺኡ ብምትኳስ መኪና ኣልዒሉ ካብቲ ቀጽሪ ወጺኡ” ክብል ሓበሮም፡፡

 

እዚ ፍጻመ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሓምለ 2013 እዩ ኣጋጢሙ፡፡ ኣብቲ ቦታ ዝነበረ ህዝቢ ፋሉልነት መራሕቲ መንግስቲ ኤርትራ ናብ ደቆም ከምዝተወራረሰ ብተግባር ዝተዓዘበሉ ኣጋጣሚ ብምንባሩ ከኣ ኣብ ኣስመራ ብሰፊሑ ተወርየ፡፡

 

ኣብርሃም ኢሳያስ ካብ ማይ ነፍሒ ናይ ኮለጅ ትምህርቱ ብምቁራጽ ኣብ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ኩባንያ ህንጻ ሆርን (Horn Construction Company)  ይሰርሕ ኣሎ፡፡ እቲ ኩባንያ ብጉልባብ ህንጻዊ ስራሕቲ ዝነጥፍ ትካል መንግስቲ ኤርትራ ኮይኑ ብጀነራል ዳሪክቶር ብርጋዴር ጀነራል ጣዓመ ጎይቶም ክንፉ “መቐለ” ይምራሕ፡፡ ቀንዲ ልእኹ ድማ ንናይ ጐረባብቲ ሃገራት ተቓወምቲ ዝምወሉ ማእለያ ዘይብሎም ናይ ሃገርን ብሽም ሃገር ካብ ወጻኢ ዝርከቡ ሃብትን ብመገዲ’ዚ ኩባንያ ይወጽእ፡፡ ስለዚ ልጅ ኣብርሃም ኢሳያስ ዛጊት ካብ ማይ ነፍሒ ናብ ሓይሊ ኣየር፡ ናብ ምስናዕ ኣጽዋርን ተተኮስትን ጋራዥ መንግስቲ፡ ምስ መጀር ክብረኣብ ኣብ ከባቢ ተሰነይ ገርሰት፡ ኣብ ኩባንያ ህንጻ ሆርን ዝኣመሰሉ ትካላት ኮለል ምባልስ መወዳእትኡ ናበይ ገጹ ኮን ይዓርግ

 

  • ጋዜጠኛ ማና ኪዳነ ንስነ-ጥበበኛ ሳሚ ብርሃነ ዓዲማ ኣብ ስነ ጥበብ ዘተኮረ ቃለ መጠየቕ ኣካይዳ ብቲቪ ይመሓላለፍ፡፡ ንጽባሒቱ ናብ ማና ቴሌፎን ተደወለ፡፡ ደዋሊ መ/ጀነራል ውጩ እዩ ዝነበረ፡፡ “እቲ ትማሊ ትሓትዮ ዝነበርኪ ሓሳዊ ደራፋይ ሒዝኪ ሕጂ ናብ ቤት ጽሕፈተይ ጥብ ትብሊ፡፡” ዝብል ናይ ምፍርራሕ ቃና ዝሓዘለ ትእዛዝ ኣመሓላለፈ፡፡ ማናን ሳሚን ሃፍ እናበሉ ናብ ውጩ ኣምርሑ፡፡ ብምንታይ ምኽንያት ከምዝተደለዩ ግን ሓበሬታ ኣይነበሮምን፡፡ ውጩ ኣብ ዓውዲ ኹናት ብሰንኮም ከምዝተሰዓረ እዩ ነዲሩ ተቐቢልዎም፡፡ ሰላምታ ብምንፋግ ድማ በቢሓደ ብሕቶ ከዋጥሮም ጀመረ፡፡ ቀዳመይቲ ሕቶ ናብ ማና ኪዳነ ብምቕናዕ “ስምዒ ማና እዚ ሓሳዊ ሳሚ ብርሃነ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ከምዝነበረን ከዲዑ ናብ ሱዳን ከምዝሃደመን ትፈልጢ ነይርኪ’ዶ?” ክብል ኣፈራርሓ፡፡ ማና ኪዳነ ክተህድኦ ብምፍታን “ኣይፈልጥን እየ ውጩ ሓወይ፡፡” መለሰት፡፡ “ንሳኻ ኸ ኣንታ ሓሳዊ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ምንባርካን ኣነ ሓላፊኻ ከምዝነበርኩን ጎሲኻ ካብ ኤርትራ ናብ ስደት ኣምሪሐ ዝበልካስ፡ እታ ናይ ሃዳምነት ጉድካ ከይትቃላዕ ድዩ?” ክብል ኣነኣኣሶ፡፡

ሳሚ ብርሃነ ብወገኑ ድሕነቱ ንምውሓስ ግዜ ንምቑጣብ ታሪኽ ሂወቱ ኣሕጽር ኣቢሉ ከምዝሓበረ ብምግላጽ ዘረባ ኣጸባቢቑ ኣህደኦ፡፡ ንመጻኢ ኣብ ዝገብሮ ቃለመጠይቕ ዝሓለፈ ታሪኽ ክዝርዝር ከምዘለዎ ብምምዓድ ኣፋነዎም፡፡ እዛ ዕላል ሓንቲ ካብተን ብፕረዚዳንት ዝፍተዋ ናይ ውጩ ዕላላት ኮነት፡፡ ኣብ መስተ ኣብ ዝራኸብሉ ከኣ እንታይ ገበርካዮም ንበዓል ማናን ሳሚን እንዳበለ ንከዕልሎ ድማ ፕረዚዳንት ንውጩ እናደጋገመ ይሓቶ ነበረ፡፡

 

  • እዋኑ ኣብ 2010 እዩ፡፡ ንወኪል ኣገልግሎት ዜና ዞባ ደቡብ ኣቡበከር ዓብደል ኣወል፡ ንዞባ ደቡብ ዝምልከት ዜናታት ከይስራሕ ካብ ኣማሓዳሪ እቲ ዞባ ነበር ኣቶ መስጦፋ ኑርሑሴን ትእዛዝ ይወሃቦ፡፡ ኣቡበካር ዓብደል ኣወል ብወገኑ ናብ ሚ/ሪ ዜና ዜና ንኸይሰርሕ ከምዝተኣገደ ይሕብር፡፡ ዓሊ ዓብዱ ብህልኽ ካብ ኣስመራ ጋዜጠኛታት ብጐኒ ልኢኹ ኣብ ዞባ ደቡብ ፕሮግራማት ክሰርሑ ይእዝዝ፡፡ ኣቶ ሙስጦፋ ኑርሑሴን ግን ንኹሎም ኣማሓደርቲ ንኡሳን ዞባታት ብሚ/ሪ ዜና ንዝካየድ ዜና ናይ ምስራሕ ንጥፈታት ክኽልክሉ ይእዝዝ፡፡ በዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ትርኪ ምርኪ ከኣ ኣብ ዞባ ደቡብ ንሰለስተ ኣዋርሕ ዝኣክል ዜናታት ይኹን ነቲ ዞባ ዝምልከት መደባት ከይተዳለወ ይሓልፍ፡፡ መስጦፋ ኑርሑሴን ምስ ዓሊ ዓብዱ ብምብኣሱ እዩ ዜናታት ከይስራሕ ከልኪሉ ዝብል ወረ ተናፊሱ ህዝቢ ጉድ ኢሉ፡፡ “ባእሲ ናይ ክልተ ሓለፍቲ ክሳብ ክንድዚ ንስራሕ መንግስቲ ዝሃሲ እንተኾይኑ ዓገብ ዝብል መንግስቲ የለን ማለት ድዩ?”  ካብ ህዝቢ ዝእከብ ምዕዝምዛም ነበረ፡፡ ድሕሪ ምዕዝምዛም ህዝቢ ነቶም ሓለፍቲ ፕረዚዳንት ዓሪቕዎም ዜናታት ከምቲ ልሙድ ክስራሕ ጀሚሩ፡፡

 

እንተኾነ እታ ሰልጣን ንኽልቲኦም መናሕንሕቲ ኣይቀደወቶምን፡፡ ሚኒስተር ንስገረ ዶብ ሃቲፉ፡፡ እንተ’ቲ  መቋይቑቱ ኣማሓዳሪ ዶ፡ ሓለንጊ ኢሳይያስ ረኪባቶ ብሂወት ይሃሉ ኣይሃሉ ኣይፈለጥን ኣብ ውሽጢ ሃገር ሃጢሙ ኣሎ፡፡ ጽባሕ ዕጫ በዓል ሸሪፎ ዶ ይገጥሞ ዋላስ እንታይ ንጽባሕ ንሓድጐ፡፡

 

 

  • ሓደ ጋዜጠኛ ሚ/ዜና ኣብ ሱዑዲ ዓረብ ናይ ኤርትራውያን ፈስቲቫል ስለዝነበረ ከም ሪፖርተር ኮይኑ ናብታ ሃገር ተላኢኹ ከይዱ፡፡ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ የማነ ገብረኣብ ድማ ፖለቲካዊ ጐስጓስ ንኤርትራውያን ነበርቲ’ታ ሃገር ንምስልሳል ኣብኡ ነበረ፡፡ የማነ ገብረኣብ ነቲ ጋዜጠኛ ኣብ ተራ ዕላል ንሚ/ሪ ዜና ኣልዓለሉ፡፡ ነታ ብመራኸቢ ብዙሃን ኤርትራ ትደጋገምን ህዝቢ ዝጸልኣን “ከዳሚ” ትብል ቃል ሓደገኛ ምዃናን ክገድፍዋ ከምዘለዎምን ምኽሩ ይልግሰሉ፡፡ እቲ ጋዜጠኛ ምኽሪ የማነ ማንኪ ሒዙ ንኣስመራ ምስተመለሰ ንዓሊ ዓብዱ ይሕብሮ፡፡ ዓሊ ዓብዱ “ማንኪ ኣብ ስርሐይ እንታይ ገደሶ” ብምባል ኣብ ቅድሚ ጋዜጠኛ ነዲሩ እታ “ከዳሚ” እትብል ቃል ካብቲ ኣቐዲማ ዝነበረቶ ንላዕሊ ክትደጋገም ንሓለፍቲ ክፍልታት ሚ/ዜና ኣዘዘ፡፡

 

  • 15 ሰነ 2013 ሜጀር ጀነራል ፍሊጶስ ወ/ዮውሃንስ ናብ ቤ/ጽ ሚ/ሪ ዜና ፎርቶ ብምድያብ ምስ ሓለፍቲ ክዘራረብን ነቲ ትካል እንዳተዛወረ ክዕዘብን ተራኣየ፡፡  ኣዘዝቲ ሰራዊት ናብ ቀጽሪ ሚ/ሪ ዜና ቅድሚን ድሕሪን 21 ጥሪ 2013 ዘይተለምደ ተርእዮ ብምንባሩ ኣቓልቦ ሰራሕተኛታት ክሰልብ ግድን ኮነ፡፡ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ከኣ ወርሒ ሓምለ 2013 ጓሉ ንመጀር ጀነራል ፍሊጶስ ኣብ ሚ/ሪ ዜና ስራሕ ጀመረት፡፡ ኣይደንጐየትን ከም ጋዜጠኛ ጨንፈር እንግሊዝኛ ኣብ ቴሌቭዥን ኤርትራ ተመዲባ መደብ “ሪምና” ክተቕርብ ጀመረት፡፡ ድሕሪ’ዚ ኣብ ሰራሕተኛታት ዝሓደረ ስሚዒት መጀር ጀነራል ፍሊጶስ ናብ ቀጽሪ ሚ/ሪ ዜና ብምድያብ ምስ ሓለፍቲ ዝተዘራረበሉን ነቲ ቤ/ጽሕፈት ዝበጽሑሉን ጓሉ ናብ ስራሕ ንምእታው ክዛረብን እቲ ስራሕን ቦታን ይጥዕማ ድዩ ኣይጥዕማን ኣቐዲምካ ኮለላ ንምግባር እዩ ዝኾውን ዝብሉ በዝሑ፡፡ ገለገለ ውሕዳት ኣባላት ሚ/ዜና ከኣ ጓሉ ንምእታው ኣየናይ ወታደራዊ ስርሒት ኮይኑ ደኣ’ሞ ክኾልል፡ እንተ ብቴሌፎን ወይ’ውን ንግዚያዊ ሓላፊ ሚ/ዜና ኣስመላሽ ኣብርሃ ናብ ቤ/ጽሕፈቱ ጸዊዑ ዘይእዝዞ? ምናልባሽ ናብ ቀጽርና ምምጽኡን ኮለላ ምክያዱን ሚ/ር ሚ/ሪ ዜና ንኽምዘዝ ተሓርዩ ከይኾውን ዝብል ብዙሕ ሰብ ዘይገመቶ ኣመተታት ዘለዎም ኣለው፡፡ መጀር ጀነራል ፍሊጰስ ኣየእነይቲ ስልጣን ኮን ትምእምኦ ትኾን? ስልጣን ሃገርና ኣብ’ዚ እዋን ንምግልጋል ህዝብን ሃገርን ዘይኮነ ክብሪን ሃብትን ንምኽዕባት እዩ መምዘኒኣ፡፡

 

  • ኣብ ዓሻ ጐልጐል ኣብ ዝርከብ ጋራዥ መንግስቲ ሓንቲ ባትሪ መኪና ተሰሪቓ ተባሂሉ ንላዕለዎት ሓለፍቲ ይሕበር፡፡ ሓለፍቲ ጥርጡር ኣብ ዝሓጸረ ተደልዩ ኣብ ቀይዲ ክኣቱ ከምዘለዎ ንታሕተዎት ሓለፍቲ ይእዝዙ፡፡ እቲ ጥርጡር እተብሃለ ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት ካብ መንበሪ ቤቱ (ኣስመራ) ብኣባላት ቤት ማእሰርቲ እቲ ትካል ተታሒዙ ይውሰድ፡፡ ንሓላፊ ጋራዥ መንግስቲ ኮሎኔል ወልዱ ባርያ ጥርጡር ተኣሲሩ ከምዘሎ ይሕበሮ፡፡ ንሱ ኣብ ውሽጢ ፍርቂ ሰዓት ገበን ከምዝፈጸመ ኣእሚኖም መልሲ ክነግርዎ ይእዝዝ፡፡

 

ኣባላት ቤት ማእሰርቲ ነቲ ዱልዱል መንእሰይ ኣብ ውሽጢ ፍርቂ ሰዓት ዘይመልእ ግዜ ብሚሒር ማህረምቲ ብሰሪ ዝወረዶ ጉድኣት ህይወቱ ትሓልፍ፡፡ ሬሳ ንክምርመር ንሆስፒታል ኦሮታ ይለኣኽ፡፡ እቲ ዝመርመረ ሓኪም ጠንቂ ሞት እቲ መንእሰይ ወቕዒ ልቢ ምኻኑ ዝገልጽ ሰነድ ንስድራቤት ግዳይ ይህብ፡፡ ስድራቤት ሞዋቲ ዕግርግር ብምግባሮም ግን እቲ ሓኪም ተዳሂሉ ብትእዛዝ ሓለፍቱ ብሕማም ከምዝሞተ ኣምሲሉ ከምዝመስከረ ሓቂ ይናዘዝ፡፡

 

ጉዳይ ከሪሩ ናብ ቤ/ጽ ፕረዚዳንት ይበጽሕ፡፡ ኮሎኔል ወልዱ ባርያ ኣብ ልዕሊኡ ሕነ ናይ ምውሳድ ስጉምቲ ከይፍጸም ኣዝዩ ይሰግእ፡፡ ኣብ ልዕሊኡ እቲ ወረ ኣብ ከተማ ኣስመራ ብቑልጡፍ ተላቢዑ ህዝቢ ግልብጥ ኢሉ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ይሳተፍ፡፡ ኣብቲ ሃገር ዘሎ ሕጊ ኣልቦነት ኣብ እዋን እቲ ሓዘን ከም ቀንዲ ኣጀንዳ ህዝቢ ብምዃን ተዓለለሉ፡፡

 

ናይቲ ሞዋቲ መንእሰይ ወላዲት ከም ኣዶን ኣቦን ኮይና ዘዕበየት ሽግርቲ ብምንባራ  ካብ ህዝቢ ሚሒር ምድንጋጽ ትረክብ፡፡ መራሕቲ “ህግደፍ” ከኣ ብዝያዳ ኣብ ሻቕሎት ይኣትው፡፡ ነታ ስድራቤት ድማ ኣብ ሓዝሓዝ መንበሪ ኣባይቲ ተሰሪሑ ክወሃባ ካሕሳ ወዳ ገዛ ክሰርሐላ ተወሰነላ፡፡ ነዚ ፍጻመ ዝሰምዑ ካልኦት ሓለፍቲ ሰራዊት ኣኣብ ኣሃዱታቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ናይ ዝሞቱ ወተሃደራት ስድራ ቤት “ኣብ ልዕሌና ሕነ ክፈድዩ ንግዜን ኩነታትን እንዳተጸበዩ ኮ/ል ወልዱ ባርያ ንከይሕተት ከምዚ ዓይነት ሓለፋ ክግበረሉ ብምንታይ መለክዒ!? ንምዃኑ መንግስቲ ብቐልቢ ድዩ ዝሰርሕ ዘሎ?” ዝብል ምዕዝምዛም ተፈጢሩ ኣሎ፡፡

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Kabbire August 16, 2013

    ዝኸበርካ ” ካብ ቀጽሪ ሚ ሪ ዜና “:

    ንዘቕረብካዮ ህሉው ኩነታትን ግናይ እዋን ናይ ሎሚ ኤርትራን ምስጋና ይብጽሕካ ። በዚ ዓይነት ቄናን ምሕደራ ኣምባገነናዊ ስርዓት ህግደፍ ኣበየናይ ህጉም ከም ዘምርሕ ምትንባዩ ከቢድ ኣይኮነን።

  • Kilite mot. August 16, 2013

    abraham iseyas is director general of zobawi mimihidar right now soon he might be the next minster of that open position after the death of weldenkiel who passed two week ago.

  • Mesinas August 17, 2013

    ዝኸበርካ/ኪ ሓው/ሓፍቲ ካብ ቀጽሪ ሚኒስትሪ ዜና፡ ብመጀመርያ ንህዝብኻን ሃገርካን ካብ ጥፍኣት ጉጅለ ፈያት (ሸፋቱ) ንምድሓን ንትገብሮ/ርዮ ዘለኻ/ኺ ንኡድ ኣበርክቶ ከምስግን እደሊ። ብምቕጻል፡ ሓንቲ ነገር ክእርመካ/ኪ ወይ ከተሓሳስበካ/ኪ ፍቐደለይ/ድለይ? ንሳ ኸኣ ነዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ፋኖ (ቀይድ በተኽ) ገዛእን ነዳእን (ገባርን ሓዳግን) ፈያታይ (ሽፍታ) “መንግስቲ” ኢልካ/ኪ ምጽዋዕካ/ኪ ዘለፋ ንህዝቢ ኤርትራ ስለ ዝኾነት ክትእረም ኣለዋ በሃላይ እየ። ጉጅለ ህግደፍ መንግስቲ ኮይኑ ስለ ዘይፈልጥን ክኸውን እውን ስለ ዘይደልንሲ ኣፍካ መሊእካ “መንግስቲ ኤርትራ” ምባሉ ዓቢ ጸርፊ ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ስለ ዚኾነ ኣብ ቀጻሊ መንግስቲ ኢልካ ከይትጽውዖም/ዕዮም ብስም’ቲ ክቡርን ሕፉርን ህዝቢ ኤርትራ እምሕጸነካ/ኪ። ንእዋናዊ ሓበሬታኻ/ኺ ደጊመ ዘመስግን ሓውኻ/ኺ መሲናስ።

    • Kombishtato August 17, 2013

      ዝኸበርካ መሲናስ ፣

      መንግስቲ ዝብል ቃል ንባዕሉ ንሓደ ዉዱብን ምእኩልን ዝኾነ ፖለቲካዊ ምሕደራ ዘመልክት ክስተት እዩ። መንግስቲ ማለት ቃል ብቓሉ ፍትሓዊ ርትዓዊ ደሞክራስያዊ ዝብል የስምዕ እዩ ማለት ኣይመስለንን። ንስርዓት ፋሺሽቲ ዝፈጠረን ገለ ካብዛ ናይ ሎሚ ኤርትራ ኣብ ዝነደቐን ዝሰኣለን ስርዓት ሞሶሊኒ ውን ልክዕ ከም ስርዓት ህግደፍ መንግስቲ እዩ። እቲ ኣብዚ ቀንዲ ጉዳይ መንግስቲ ምዃኑ ወይ ዘይምዃኑ ዘይኮነስ፣ ከም ጽሑፋት ኣቶ ዮሴፍ ገብረሂወት ዝትንትኖ፣ ስርዓት ህግደፍ ንቡርነት ዝተሓረሞ ሕሉፍ ኣምባገነናዊ ፋሽሽታዊ ሽፍታዊ መንግስቲ ስለዝኾነ እዩ።

      ናይ ታህዋኽ መልሲ ስለዝኾነ ኣይትሓዘለይ፤

      http://asmarino.com/articles/985-eritrean-opposition-the-fallacies-of-its-democracy-project

      ++++

  • Romay August 17, 2013

    Most of your comments (info?) doesn’t’ make sense. You can not defeat the evil PFDJ by writing or spreading un confirmed rumors.

Post a Reply to Kilite mot. Cancel Reply