Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደብተራ ዓዲ ሃሎ ከመየ’ሎ?

ደብተራ ዓዲ ሃሎ ከመየ’ሎ? ደብተራ ዓዲ ሃሎስ ግርም ኣሎ ዝደለዮ ‘እዝዝ እምቢ ዘለ ቐትሎ ዝስልዖ ደሊ ዝስርስሮ በርበረ ዝዓጥኖ ዝሽርጦ ከረዛን መዚዙ ዝሽውጦ ብገመድ ኣሲሩ ዝውጥጦ! ሻብዓይ ምልዮነር ናይ ኣፍሪቃ ህዝብኻ ዘይብሉ ግራት ናይ ፈረቓ ናቕፋ ተገፊፉ ባንኪ እንዳ ክሻ ተዃዒቱ ‘ሽየጥ ኣዋርቕ ናይ ብሻ ዕዳግኡ ዱባይ

ደብተራ ዓዲ ሃሎ ከመየ’ሎ?

ደብተራ ዓዲ ሃሎስ ግርም ኣሎ

ዝደለዮ ‘እዝዝ እምቢ ዘለ ቐትሎ

ዝስልዖ ደሊ ዝስርስሮ

በርበረ ዝዓጥኖ ዝሽርጦ

ከረዛን መዚዙ ዝሽውጦ

ብገመድ ኣሲሩ ዝውጥጦ!

ሻብዓይ ምልዮነር ናይ ኣፍሪቃ

ህዝብኻ ዘይብሉ ግራት ናይ ፈረቓ

ናቕፋ ተገፊፉ ባንኪ እንዳ ክሻ

ተዃዒቱ ‘ሽየጥ ኣዋርቕ ናይ ብሻ

ዕዳግኡ ዱባይ መሬትና በርሺሻ

ስዊዝ ካብ ተኸዝነ ክኸውን ውርሻ

ደጊም ኣይተርፍን ክሃድም ናብ ጣሻ

ትዝ’ዶብለኩም ድብትርና ጃንሆይ

ቀላይ ደብረዘይቲ ነጋንንቲ ውሆይ

ምሸት ከይዱ ይምለስ ብለይቲ

ህጻውንቲ ‘ስውእ ቀለብ ኣጋንንቲ

ደብተራ ሂቡና ዝሰፍር በዓቲ

ታሪኹ ክድገም ኩሉ በብሓንቲ

መሬት ዓዲ ሃሎ መዘናግዒተይ

ዓዚሙ ሂቡኒ ክገብር ድሌተይ

ኣልቕቕዎ ህዝቢ ናብ ድላዩ ይኺድ

ብሒም ዘለ ኩሉ ጽዓንዎ ከቢድ

መርውሓ ዘይብሉ ንዋዒ ዘንበድብድ

ናዅራ ደርብይዎ ክምሽምሽ ክህድህድ

ኣካል ምስማህመነ ጸኒሑ ክዓብድ!

ደናዳይ ዶ ሓይሽ ሃብታም ዒላበርዕድ

ፍራንኮ ናይ ቱቲ ጀራዲን ኣቑርደት

ዲታ ባራቶሎ ሃብታም ዓሊጊዲር

ጸዓት ዝመዝመዙ ብደቀባት ሙዲር

ናይ ደብተራ ‘ኸፍእ ሳንቲም ዘይእከቦ

እንትርፊ ዶሮና ባኞ ዘይርከቦ

ሕማማትን ሞትን እንኮላይ ዓጸቦ!

ንዓድና ዝኸድን ጸለሎ

ንህዝብና ዘእተወ ሰለሎ

እከይ ሰፊርኩም ዓዲ ሃሎ

ክሲ መስርትሉ ዳኛ ‘ተሎ

እገዳ ኣውጁ እዋን ከሎ

ከይለኻኽመኩም ‘ወጽእ ከሎ።

በየን ጌሩ መጸ ዓዲ ሃሎ

ኣንታ መን ነገሮ ውሕጅ ኣሎ

ኣንታ መን ሓተተ ክድልድሎ

ኣንታ መን ለመነ ከማቕሎ

ሕጂኸ “ይኣክል” መን ይንቀሎ

ሕጊ ሎጎጭዋ እንታይ ይብሎ

ገለስከ ገንጽሉ ካብቲ ዘሎ

ደቀባት ነቒሉ ዝተኸሎ

ህዝቢ ከፊእዎ ብሓሳር ክልሎ

ፓሳጆ ንዕኡ ምስናይ ወለሎ!

ክንደይሳዕ ኣሎ መን ክኽእሎ

ሕጅስ ይኣኽለካ ዕጠቕ ድሎ

ተደለ ብሕልኮ ተደለ ብስልኮ

ተደለ ጥምጥም ተደለ ብትሕዞ

ታሪኽካ ኣሐድስ ንምንታይ ትቕንዞ!

በርበረ ትግስም መርዓት ዓዲ ሃሎ

እሕሕ ዝብል ሰብኣይ በዓል በትሪ ተሎ

መንእሰይ ክገብር እቲ ዝመሰሎ

ዘራይ ተደለኹም ዝረድእ ብተሎ

ሰራዊት ኣለኩም ጥቓ ዓዲ ሃሎ

ድሃዩ ፍለጡ ህዝቢ ኣዊጁ’ሎ!!!

ብ ሃይለማርያም ተስፋይ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT