Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደንቨር- ኮሎራዶ- ተበጊሶም!!

ነጸብራቓዊ ሓተታ ደንቨር- ኮሎራዶ- ተበጊሶም!! ኤርትራውያን ተቐማጦ ኮሎራዶ፡  ህዝብን ሃገርን ኤርትራ፡ ንምድሓን ግዴና ነበርክት! ብዝብል ልዑል ሃገራዊ ፍናን ጥቅምቲ 20 2013  ኣኼባ ኣካይዶም። ኣኼባ፡ ብርክት ዝበሉ ህዝቢ ዝተሳተፍዎን፡ ምክብባርን ኤርትራዊ መንፈስ ዝዓዘዞን ነይሩ። ጽማቝ ትሕዝቶ ኣኼባ፡ ሃገርና ኤርትራ፡

ነጸብራቓዊ ሓተታ

ደንቨር- ኮሎራዶ- ተበጊሶም!!

ኤርትራውያን ተቐማጦ ኮሎራዶ፡  ህዝብን ሃገርን ኤርትራ፡ ንምድሓን ግዴና ነበርክት! ብዝብል ልዑል ሃገራዊ ፍናን ጥቅምቲ 20 2013  ኣኼባ ኣካይዶም። ኣኼባ፡ ብርክት ዝበሉ ህዝቢ ዝተሳተፍዎን፡ ምክብባርን ኤርትራዊ መንፈስ ዝዓዘዞን ነይሩ።

ጽማቝ ትሕዝቶ ኣኼባ፡

ሃገርና ኤርትራ፡ ካብ መዋጥር ናብ መዋጣር እናተሳጋገረት፡ ኣብ`ቲ ዝለዓለ ናይ ውድቀት ሓደጋ ኣትያ ኣብ እትርከበሉ እዋን፡  ኤርትራዊ ሓድነትና ከነትርር ግድነት`ዩ።  ህዝብና፡ ከም ፍጡር ሰብ፡ እታ ዝነኣሰት ናይ ዜግነት ክብሪ ተኸልኪሉ ኣብ ጸላም ይነብር ኣሎ።

ስርዓት ኢሳያስ፡  ነቲ ቀንድን መሰረታውን ዝኾነ ናይ ሓድነት ሰርወታት ሕብረተ-ሰብና ከዕንዎ ጸኒሑ። ስድራ-ቤት ተበታቲና። ወለዲ ይወልዱ ጥራሕ እምበር፡ ውሉዳቶም ብህግደፍ ከም ኣቕሓ ተወኒኖም ዝነብሩ  እዮም ኮይኖም። ሎሚ ሂወት ኤርትራውያን ኣብ-  ራዕዲ፡ ኩቱር ፍርሒ፡ ሽበራ፡ ሽቕረራን ከቢድ ስግኣትን ኢዩ ዝነብር ዘሎ።

ስርዓት ኢሳያስ፡ ንሓድነትና ብሕሱም ሃሪምዎ። ተሃሪምና ኣብ`ቲ ንሱ ዝደለዮ ኣቲና፣ ንዕድመ  ስልጣኑ ኣናዊሕና  ስቓይ ህዝብና  እናባኣሰ ከምዝቕጽል ጌርና።  ውራይ ቃልስና-  ተቓውሞ ኣንጻር ተቓውሞ ኮይኑ። ን4 ሚልዮን እኳ ዘይመልእ ህዝቢ፡ ንውክል ኢና ዝብላ –  ልዕሊ 50 ፖለቲካውያን ውድባትን ኣብ ሓድሕደን ፈጺሙ  እሂን ምህን ዘይብለን ቆጺርካ ዘይውዳኣ ጉጅለታትን ጫጪሕና። መተካእታ ናይ`ዚ  ውዱቕ ስርዓት- ሓድነት ህዝብና ዘዕቁብ፣ ሰላምን ዲሞክራሲን ዘረጋገጽ፣ ፍትሕን ምርግጋእን ዘውሕስ… ወዘተ ኣብ ደረት ትርኢትና የለን… ኢሉ ኣኼባ ድሕሪ ምግምጋም፡  ኣብዘን ዝስዕባ ነጥብታት ኣብ ናይ ሓባር ተረድኦ በጺሑ።

1-  ናይ ተቓውሞ ዓቕምታትና ጠርንፍና ነሐይል!

2-   ኤርትራዊ ርኽክብና ኣደልዲልና ብጉዳይ ሃገርና ንዝትየሉ ባይቶ ነቑም!

3-   ንሃገርን ህዝብን ኤርትራ ካብ ጥፍኣት ንምድሓን ተግባራዊ ኣበርኩቶና ነወፊ!

4-  ምስ ካልኦት ናይ ሰሜን ኣሜሪካን ዓለምን ኤርትራውያን ዝነብሩለን ከተማታት ዘረኽበና መስኖታት ንፍጠር!

5-  ንወጽዓታት ህዝብና ኣበርቲዐን ዘቃልሓ ንዘለዋ ህዝባውያን መራኸቢታት፡ ዓቕምታትን ክብ ከብለኦ ንደግፍን ነተባብዕን!

6-  ንሓደሽቲ ዝመጹ ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ተቐቢልና  ዓቕምና ዘፍቕዶ ምድግጋፍ ንግበር!

ስለዚ፡ ኣብ`ዚ ከርሰ ነገር`ዚ፡ ኣተኲርና ንጠምት። ብሓደ ክንሰርሕ ቃል ንእቶ። ወይ ንዝሰርሑ ዕንቅፋት ኣይንኹን። ሕቶ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ፡  ኣብ ደንቨር-ኮሎራዶ ነዘውትሮ። ባይቶ ኤርትራውያን ኣብ ኮሎራዶ ንህነጽ።  ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ፡ ተግባራዊ ኣበርክቶ ክንገብር  እንተተደልዩ፡  ካልእ ኣመራጺ የለን። ሎሚ ወይ ምስ`ቲ ናይ ጥፍኣትን ዕንወትን ወይ ምስ`ቲ ህንጻትን ድሕነትን ህዝቢ ኤርትራ ዝመረጸ ምስላፍ`ዩ። መንገዲ ምጉጅጃልን ምፍንፋንን ወፍሪ ስርዓት ኢሳያስ`ዩ። መንገዲ ሓድነትን ድሕነት ሃገርን ድማ  ናይ ኤርትራውያን ሓርበኛታትን ዲሞክራሲያውያንን ምርጫ`ዩ። ምርጫ`ዩ። ክልቲኡ ድማ ኣብ ቅድሜና እነሆ… ዝብሉ ኣዝዮም ኣገደስቲ ሓሳባት ብኣትክሮ ዘትይሎም።

ናይ 20 ጥቅምቲ  ኣኼባ፡ ፈላሚ ኣኼባ ኢዩ ነይሩ።  ኣኼበኛ፡ ንዕላማታት ተበግሶ ብዕምቆት ንምብሳልን ክፍጸም ናብ ዝግበኦ ተግባረ-ስራሕ  ንምእታውን፡ ቀጻሊ ኣኼባታት ክግበር ተሰማሚዑ። ናብ ካልኣይ ኣኼባ እተሰጋግር ስለስተ ዝኣባላታ ሽማግለ መዚዙ ናይ`ቲ ዕለት ኣኼብኡ ዛዚሙ።

*    *     *

 

ስቕታ፡ ጃንዳ ገፋዒ!!

Silence in the face of injustice is complicity with the opressor.
— Ginetta Sagan

ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይሃሉ ኣብ ወጻኢ፡ መሰረታዊ ጠለቡ-  መሰል ናይ ዜግነቱ  ክኸብር፡ ሰብኣዊ ክብሩ ክሕሎ፡ ብጉዳይ ሃገሩ ብነጻ ክዝቲ፡  ኣብ ምምዕባላ ምሉእ ተሳታፍነት ክህልዎኢዩ። እዚ ማለት ከኣ-  ኤርትራ ቅዋማዊት ሃገር ኮይና፡  ህዝባ ብምልኣት ዝተሳተፍዎ፡ ዝርደኦም፡  ይርሓሰና ኢሎም ዝርዕምሉ ግዝኣተ-ሕጊ ምርጋእ`ዩ። ልዑላዊት ሃገር ማለት፡ ልዑላውነት ህዝቢ ማለት`ዩ።

ነዚ መሰረታዊ ናይ ዜጋታት ሕቶ ወይ ጠለብ`ዚ፡ ብዛይካ ህዝቢ ኤርትራ፡ ስርዓት ህግደፍ ኮነ ተቓውሞ ውድባት ዝውስነኦ ወይ ቀይሰን ዘርግአኦ ኣይኮነን። ብቐዳምነት፡ ህግደፍ ይኹን ተቓውሞ ውድባት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ሕጋዊ ውክልና የብለንን፣ ርእሰ-ግሉጽ ሓቂ `ዩ።

ህዝቢ ኣብ ቃሕ ዝበሎ ክውደብ- ዝመስሎ ክገልጽ፡ ንጉድለታት ክነቅፍ፡ ንእወንታታት ክድግፍ መሰሉ`ዩ፣ ዝህቦን ዝኸልኦን ስልጣን ኣይህሉን። እንተኾነ፡ ንመሰረታዊ ሰርወታት ኤርትራውነት ዘዕኑ፡ ዝፍሑቕ፡ ንመሰል ዜጋታት ዝግህስ … ካብ መን ይንቀል? ብዘየገድስ፡ ህዝቢ ብሓደ ድምጺ ሃየንትኡ ከስምዕ ይግባእ። ፍትሒ እንክብደል ምጽቃጥ፡ ኣይምልከተንን`ዩ ምባል ጠባይን ባህርን ናይ ቅኑዓት ዜጋታት ኣይኮነን።

ኣብ ውሽጢ ኣባላት ህግደፍ፡ ቁኑዓት ዜጋታት ከምዘለዉ ዘካትዕ ኣይኮነን። ኣብ ውሽጢ ስርርዖም፡ ነቲ በቲ ስርዓት ንዝፍጸም ጌጋታት ተቓውሞኦም ይገልጹ ይኾኑ። ኣብ ቃልዕ ወጺኦም ውሽጣዊ እምነቶም ንምግላጽ ግን ድፍረት ይስእኑ። ማለት ውልቃዊ ነጻነት የብሎምን። ዝኾነ ሰብ፡ ገዛእ ርእሱ ነጻ ከይኮነ፡ ብዛዕባ ናይ ሃገር ነጻነት ወይብዛዕባ  ህዝባዊ ክዛረብ ርትዒ ኣይህልዎን።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ብኽሉ መኣዝን መዐቀኒ ናይ ኣተሃላልዋ፡ ኣብ ኣዝዩ ዝኽፍአ ኩነት`ዩ ዘሎ። ህይወት ኤርትራውያን ንመሸጣ ኣብ ዕድጋ ዓለም ወሪዱ። ዝበዝሕ፡ ብቐጥታን ይኹን ብተዘዋዋርን፡ ሸየጥቲ ነጋዶ ኤርትራውያን፡ ተሸየጥቲ ዜጋታት ኤርትራውያን እዮም።  ህይወት ይሽጡ፡ ኲሊቶም ናብ ዕዳጋ ዓለም ይወርድ።  ኣብ ምድረ-በዳታት – ሳህራ፡ ሲናይ፡  ዝወሓጠኦ ናይ ኤርትራውያን ሬሳ መቕጸሪ የበሉን። ገለ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዘበናዊ መሸጣ ሰብ ተዋፊሮም፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝብልዎ ህዝቢ ዘስካሕክሕ ስቓይ የውርዱ ምህላዎም ሰነድቲ ሰኒዶም ኣለዉ።  ህግደፍ፡ ንሕና ለመንቲ ኣይኮናን!!  ይብል።  ኣብ ፈቖዳ መጋባኣያ፡ ኣብያተ-ጸሎት፡ ለመንቲ ኤርትራውያን ክሳብ ክንደይ በዚሖም ከምዘለዉ  ምርዳእ ኣየጸገምን። ቤት ማእሰርትታት ኤርትራ፡ ካብ ናይ ጣልያን ናዅራ፡ ካብ ናይ ደርጊ ኣለም-በቃ፡ ሰንበል፡ ማርያም-ግቢ… ዝያዳ ዝኽፍኣን ዝመረራን ኮይነን። ዝተኣስሩ ናብ ቤት-ፍርዲ ኣይቀርቡን። ቤተ-ሰቦም ሃለዋቶም ኣይፈልጡን።  እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ግፍዕን ጭካነን ርኡይን ብሩህን እናሃለወ፡ ሎሚ ንስርዓት ህግደፍ ምድጋፍ ሃየንታ ጥራሕ ኣይኮነን ዘለዎ፡  ናይ`ቲ ዝወርድ ግፍዒታት ኣካልን ተሓባባራይን ምዃን`ዩ። ንባዕሉ ግፍዒታት ካብ መን በዘየገድስ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እትብሎ ክወርድ ምጽቃጥ ወይ ናይ ስቕታ መርገጽ ምሓዝ፡ ብኹሉ መዐቀኒ ናይ`ቲ ገፋዒ ተሓባባራይ ምዃን`ዩ። ምርጫ`ዩ ድማ።

ስለዚ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራትራውያን ንለዓል። ሃገራዊ ሓድትና  ልዕሊን ኩሉን  ቅድሚ ኩሉን ንስራዓዮ። ድሕነት ህዝብናን ሃገርናን ካብ ማንም ኣይንጸበዮ። ማሕረሻ ብውዒታ ከምዝብሃል፡ ነቲ ናይ ኩሉ ስቓይ ጠንቂ ዝኾነ  ስርዓት ንምልጋስን፡ ኣብ ዕናኡ፡ ኤርትራ ፍትሕን ሰላምን እተተንፍሰሉ፡ ሓድነታዊት ሃገር ኮይና፡ ምሉእ ህዝባ እትሓቁፍ ሃገር ክትከውን፡ ኩሉ ዓቕምና ዘፍቅዶ ክንገብር ንጽዋዕ ኣለና። ጽባሕ.. መወዳእታ የብሉን፣ ሎሚ!!!!

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Hidat October 29, 2013

    ETA SHDSHEITI THIRAH ENTETGBERKUMA IKLTI EYA ZETEREFE MENGSTNA YIAKLO EYU.

  • tz October 29, 2013

    HGDAF (CHERNA ….. CHERNA……CHERNA)
    YOUR TIME IS END
    FOR 42 YEARS YOU KILLED OUR BROTHERS ,SISTERS, MOTHERS AND DAD
    WE CAN RUN OUR COUNTRY WITH FREEDOM
    I ♡♡♥♡♡ ERITREA! !!!!
    .

  • Berhe Tensea October 29, 2013

    Good job, keep up the fight till victory

  • michael tedla October 30, 2013

    Denver eritreans u are the to speak for voiceless eritreans .like article .thanks padre Indianapolis Indiana indiana

Post a Reply to Hidat Cancel Reply