Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደወለ-ኤርትራ* (state of Eritrea) ንምድሓን ዘጋጥሙ ከበድቲ ዕንቅፋታት፤

ደወለ-ኤርትራ* (state of Eritrea) ንምድሓን   ዘጋጥሙ ከበድቲ  ዕንቅፋታት፤ ኤርትራውያን ንምጥጣዕ ሃገራዊ ዘተ (ኤምሃዘ / EFND) ሓደ ካብ’ቶም ቀንዲ ምልክታት ናይ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህዝባዊ ተሓታትነት ዘረጋግጽ  ቅዋማዊ ስርዓት ዘይምህላዉ አዩ። ዋላ’ኳ ኣብ መጀመርያ  ኣበጋግስኦም ህዝባዊ ደገፍ እንተረኸቡ፡ ኣብ ትሕቲ

ደወለ-ኤርትራ* (state of Eritrea) ንምድሓን   ዘጋጥሙ ከበድቲ  ዕንቅፋታት፤

ኤርትራውያን ንምጥጣዕ ሃገራዊ ዘተ (ኤምሃዘ / EFND)

ሓደ ካብ’ቶም ቀንዲ ምልክታት ናይ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህዝባዊ ተሓታትነት ዘረጋግጽ  ቅዋማዊ ስርዓት ዘይምህላዉ አዩ። ዋላ’ኳ ኣብ

መጀመርያ  ኣበጋግስኦም ህዝባዊ ደገፍ እንተረኸቡ፡ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ብኩራት  ሕጋዊ – ልጓም ዲክትተራውያን ዘሰላስልዎ ነገራት ኩሉ

ንውልቃዊ  ጠቕሞም ዘቕነዔ አዩ። ከም ናይ ኤርትራ ዝአመሰሉ ስርዓታት ተቃውሞ ምስ ዘጋጥሞም ከኣ፡  ኩሉ ኩነታት አቓልቦኦም ኣብ

ምሕላው ስልጣኖም አዮም ዘሕልፍዎ። ኩሉ አቲ ሃብትን አቛሞ ሃገርን ንሓለዋ ስልጣኖም የዋፍርዎ። መታን ዝተመድመደ ቀጻሊ

ሕይወት ስድራ – ቤቶም ከረጋግጹ ከኣ፡ ኣብ ዘረፋ ሃብቲ ሃገር ብምንጣፍ ናብ ናይ ወጻኢ ባንክታት ክዕሽግዎ ይጓየዩ። ውጺኢት ናይ’ዚ

ኣሰቃቒ ፖለቲካውን ቁጠባውን ምልኪ ከኣ ከርፋሕ ስእነት ፣ጉሉሕ ሰበአዊ ግህሰትን  ህዝባዊ ውርደትን ናይ ህዝቦም ኮይኑ ይተርፍ።

ሎሚ ኤርትራ ምንጪ ስደተኛታት ኮይና ድሕሪ ሶርያን ኣፍጋኒስታንን ሳልሳይ መስርዕ ሒዛ ትርከብ። ናይ ሶርያን ኣፍጋኒስታንን ቀንዲ

ምክንያት ከኣ አቲ መወዳአታ ዝሰኣነ ጽዑቚ ዝኾነ ሕድሕዳዊ ኩናት ዘምጽኦ ዲፍኢት ስደተኛታት አዩ። ኤርትራ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ

ካብ’ተን  ዝተሓተ  ውሕስነት መግቢ  ዘመዝግባ ኮይና ደድሕሪ እታ  ብውግእ ሕድሕድ ትሳቐ ዘላ ደቡብ ሱዳን  ካልእይ  ቦታ ሒዛ

ትርከብ። መንእሰያትና ብብዝሒ ዓዶም ዝገድፍሉን፥ ሃገርና ድማ ኣብ ቀጻሊ  ሕጽረት-ቀለብ  አትሳቐየሉ ዘላ አዋን ድማ ብአንጻሩ አቲ

ስርዓት  ጓንጓ ዝኮነ መሳጢ “ምጣኔ-ሃብታዊ ምዕባሌ ይርኤ ኣሎ” ዝብልዎን፡ “ሃገርና ሰላምን ርግእትን ዝሰፈና  ሃገር አያ” ኢሎም

ዘቃልሕዎን  መሰረት-ኣልቦ ዝኾነ ፖለቲካዊ ንድየት ጥራይ አዩ ክብሃል ዝከአል። ናይ ሃገርና ቤት-ማአሰርቲ መሊኡ፡ እሱራት ኣብ ቤት-

ፍርዲ ቀሪቦም  ክሶም ክሰምዑን ነብሶም ክከላኸሉን ኣብ ዘይክእልሉ እዋን፡  ሃገርና ሰላምን ርግአትን ዝሰፈና ሃገር እያ ክትብል አይከኣልን

እዩ።   ተሓታትነት ናይ ጸጋታት ሃገርናን አዘረጋግሖኦምን ኣብ ዘይብሉ ስርዓት፡  ድኽነት ምቅላልን ርኡይ ምዕባለ ምክያድን ዝብልዎ

ሞጎተ  መስመር ሕልምታቶም  ኮይኖም አዮም ዝተርፉ። እቶም ኣብ ወጻኢ (ድያስፖራ) እንቕመጥ ካብ’ቲ መሓውር ናይ’ቲ ስርዓት

ሪሒቕና  እንርከብ ዘለና ከአ ነዚ ኣብ ሃገርና ዝወርድ ዘሎ ሽግር ዓይንና ሰም አቢልና  ክንሓልፎ አይግባእን። ምኽንያቱ ህዝብና ግዝአት

ኢትዮጵያ  ነጺጉ ነጻነት ከውሕስ ከቢድ መስዋእቲ  ዝኸፈለሉ ታሪኽ ስለዝኾነ ክንዕቅቦን ቀጻልነቱ ከነረጋግጾን ስለዘሎና አዩ።

 

ንነብሰ-አገልግሎት ዘትከሉ ዲክታቶርያውያን ዋላ’ውን ኣብ ስልጣን ከሎው አዕናዊ ባህርይ እንተሃለዎም፡  እቲ ዝኸፍአ ግን ድሕሪ

ምውዳቅ እቲ  ስርዓት ዝገድፍዎ አሰካፍን ዘፍርሕን ኩነታት ተርእዮ ናይ ደወል-አልቦነት እዩ። ገለ  መለክዒ  ባህርያት ናይ

ዲክታቶርያውያን ድማ ፡ ከም ምምሕድራዊ  ትካላት ንከይህነጹ ምዕጋትን  ነጻ  ፖለቲካውያንን በርጌሳውያንን  ማሕበራት ከይቆማ

ምእጋድ እዩ።  ገታኢ ዘይብሉ ውልቀ-ምልክነት ንምስፋን  ከኣ ነተን ተሓንጊሮመን ዝመጹ ፖለቲካውያን ውድባት ከይተረፈ እውን

 

*“ ደወል “   ዝተወስደ ካብ መዝገበ ቃላት ግእዝ-ትግርይና  ብገብረእግዚእ ኣድኃኖም (ዝተሓትመሉ ዓመት 2010)

 

 

የልምስወን። ንአብነት ህዝባዊ ግንባር (ህግደፍ) ባዶ-ድርዒ ናይ  ዝሓለፈ እንታይነቶም ኮይኖም ስለዘለው፡ ኣብ’ቲ ዲክታቶር ዝወስዶ

ስልታዊ ውሳኔታት ክገብርዎ ዝኽእሉ ጽልዋ የለን። ስለዝኾነ ከአ ዲክታቶራት ኣብ ዝወድቁሉ እዋን ንህላወ ደወል ጎዳኢ ዝኾነ ናይ ስልጣን

ሃጓፍ ይፈጥሩ። ዝተፋላለያ ስርዒታት ናይ ደወል ጨናፍር መንግስትን ሓውሲ- ነጻ ኮይነን ሓላፍነት ወሲደን ክሰርሓ አይፈቕዱን። ንኹሉ

ስልጣን ብምቁጽጻር ከአ ማእከል ናይ’ቲ ዝውሰድ  ውሳኔታት ይኾኑ። ስለ’ዚ ነቲ ደወልን መንግስትን ካብ ቁጽጽሮም ከምዘይወጽእ

ይገብርዎ። ብኻልእ አዛራርባ ከም’ቲ ኣብ ሃገርና ንርእዮ  ዘለና ፡ ዲክታቶራት ባዕሎም ደወልን መንግስትን ይኾኑ። ኣብ ከም’ዚ ዝአመሰለ

አታሃላልዋን ህሞትን ከአ ፡ እታ ዘይትተርፍ ሞት ቅልቅል ምስ በለቶም ከም’ቲ ኩሉ ጊዜ ንዕዘቦን ንርእዮን ፡ንደወልን መንግስትን ኣብ

ሓደጋ  የውድቕዎ። ከም አብነት ከአ ናይ ሶማልያን ሊብያን ተመኩሮ አገደስቲ ናይ ቀረባ ትምህርቲ ክኾኑና ይኽእሉ። እቶም ኣብ ትሕቲ

ከርፋሕ  ህይወት፣ ሓሳርን ጭቖናን ናይ ዲክታቶራዊ ምልኪ ዝነብሩ አህዛብ ከአ መብዛሕትኡ ጌዜ ኣብ’ቲ ምስሞት ዲክታቶርን ምፍራስ

ደወልን  ዝመጽእ አሰቃቒ ኩነታት ይወድቁ። ብዓይኒ ህዝቢ ደወል-አልቦነት ዝኸፍአ አታሃላልዋ ካብ’ቲ ናይ’ቲ ጨቛኒ ስርዓት አታሃላልዋ

እዩ። ኣብ  ትሕቲ ደወል-ኣልቦነት ውሽጣውያን ሓይልታት ፋሕ ኢሎም ስለ ዝጓጃጀሉ ከኣ እታ ሃገር ናይ ዞባውን አህጉራውን ሓይልታት

ናይ ህድና ባይታ ትኸውን። ጥቕምታቶም ንምሕላው እቶም ናይ ወጻኢ ሓይልታት ኣብ ሞንጎ እቶም ዝተፋላለዩ ውሽጣውያን ጙጅለታት

ሓዊ ይኣጕዱ’ሞ  ነታ ዝፈረሰት ደውላ ዳግመ ህንጸት  ክትገብረላ አጸጋሚ ይኸውን። ሓደ ሓደ ግዜ ከአ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ባዕላቶም

ብዝመረጽዎም  ደቂ  ሃገር ኮራኹር ብምሻም ነታ ሃገር  ሓውሲ ግዝእቲ ሃገር ይገብርዋ።

 

ዋላ’ኳ ኣብ ትሕቲ  ዘፍርሕን  ሃዳድን ኩነታት ናይ ሃገርናን ደወልናን እንተሃለና፡  ኩሎም ጉዱሳት ደቂ ሃገር ክዛተዩን ደወልና ንምዕቃብ

አድላዪ  ሓባራዊ ስምምዕ  ንክገብሩ አንጊህካ ምሕሳቡ ሕማቕ አይኮነን። ነዚ ንምግባር ብዝሕ ዝበሉ ኣገባባት መስርሕ ክህልው ይኽእሉ።

ምናልባት እቲ ዝተሓተ ሓደጋ ዘለዎ ኮንደኾናዊ ንብሎ ምርጫ፤  ወተሃደር ንሓጺር መሰጋጋሪ መድረኽ ከም ሞግዚት ደውላና ኮይኑ

ነቲ ስልጣን ምስ ዝሕዝ እዩ። ይኹን እምበር እዚ ተኽእሎ’ዚ ብዙሕ ሕቶታትን ስክፍታታትን ከምጽእ ይኽእል እዩ። ሓደ ካብ’ቶም

ብዙሓት በዳሂ  ሕቶታትን ስክፍታታትን  ክኸውን ዝኽእል እንብሎ፡  ንደወል ንምድሓን እቲ ዘሎ ወተሃደር ኤርትራ ጥሙር ሓይሊ ኮይኑ

ናይ ምቕጻል ዓቕሙ ዘሎ  ስክፍታታት እዩ። እቲ ካልኣይ ስክፍታ ድማ ፡ ወተሃደር ሓንሳብ ነቲ ስልጣን ምስ ሓዘ፡ ስልጣን ናብ ህዝቢ

ብፍቓዱ  የሰጋግርዶ እዩ። መልሲ ነታ ቀዳመይቲ ሕቶ ብሓፈሽኡ ኣብ እምነት ዝተመርኮሰ እዩ። አቲ ኣብ እምነት ዝተመርኮሰ ተስፋ ከኣ፡

ሓደ  ሓይሊ ንሃገር ነጻ ከውጽእን  ክከላኸልን ዓቢ መስዋእቲ ዝከፈለ፡ ናብ ናይ ሓለዋ ጸጥታ ዲክታቶር ኣይወድቕን ዝብል ተስፋ’ዩ።

መልሲ  ነታ ካልኣይቲ ሕቶን ስክፍታን ግን ዝተሓላለኸ ከም ዝኮነ አይንስሕቶን። ሽሕ’ኳ እቲ ውድዕነት ዝመስል አይኹን’ምበር ፡ከም’ቲ

ብ1985 ንፕረሲደንት ኑመሪ (ሱዳን) ዝገልበጠ  ጀነራል ሱዋር አል-ደሃብ፡ ኣብ ኤርትራ ዝግበር ዕልዋ መንግስቲ’ውን  እንተኾነ ስልጣን

ናብ ህዝቢ ናይ ምስግጋር ተኽእሎ ክህሉ ይኽእል’ዩ’። ነዚ ብተግባር ንምትርጓም  ከአ እተን ክህልዋ ዝኽእላ ፖለቲካውያን ሰልፍታትን

በርገሳውያን  ማሕበራትን ብሓባር ዳግመ-ውደባ ገይረን ፡ነቲ ወተሃደራዊ መንግስቲ ብሓጺር ጌዜ ስልጣን ናብ ብህዝቢ ዝተመርጸት ኣካል

ንኸሰጋግሮ ተሪር ጠለባት ምስ ዝገብራ እዩ። ስለዝኾነ ከአ፡ መታን ኣብ ናይ ሓባር ባይታ ደው ኢለን ድምጺ ከስምዓ፡ እተን ዘለዋ

ፖሊቲካውያን  ውድባትን በርገሳውያን  ማሕበራትን ነቲ ድኹም ፖሊቲካዊ ጠባያተንን ጐጃጃሊ አሰላልፈኤንን ክውግዳ ፍጹም

አድላይነት አለዎ’። አብ’ዚ ጌዜ እዚ ብሰንኪ  ቀጻሊ ቁሩቁሳትን ውድባዊ ምፍንጫላትን ከስምዕኦ ዝኽእላ ድምጺ የብለንን። ኣብ ዲያስፖራ

ዘለዋ በርገሳዋያን ማሕበራት’ውን እንተኾነ  ምእንቲ  ደወለ- ኤርትራ ንምድሓን ሓደ ጥርኑፍ ዓለም-ለኻዊ (global) ማሕበር

ምቛም ከድልየን እዩ። ብሰንኪ ዋሕዚ መንእሰያት ናብ ስደት፡ ኣብ ዲያስፖራ ንቕመጥ ኤርትራውያን እንዳበዛሕና ንኸይድ አሎና። ስለዝኾነ

ከአ ኣብ ፖለቲካን ቁጠባን ቀንዲ ጸላዊ  ሓይሊ ከይኮነ  ኣይተርፍን እዩ። እምብአርከስ ነቲ ብድሕሪ ምውዳቕ እዚ ስርዓት ዘሎ ንዝግበር

ናይ ምስግጋር መንግስቲ ክነበርክትን ክንጸሉን ግቡእ  ውደባ የድልየና አሎ። ሰፊሕን ንኹሉ ሓቛፍን ዘይኮኑ ፡ ግን ከኣ ብእትደልዮም

ፖሊቲካውያንን  በርጌሳውያንን ማሕበራት መመሪጽካ  ዝግበር ኣኼባታትን  ዎርክሾፓትን  ንረብሓ ድሕነት ደወለ- ኤርትራ አይክውዕልን

እዩ። እቲ መተካእታ ዘይብሉ መስርሕ ንብሎ ፡ምቛም ሓያልን ስሙርን ዓለም-ለኻዊ  በርገሳውያን ማሕበራት  ኮይኑ፡ ነቲ ክህሉ ዘሎዎ

ናይ ውሽጥን ናይ ደገን በርገሳዊ ምትእስሳር  ምኹስኳስን እዩ። እዚ ማለትና ከአ ፡ ብኣጣቓላሊ ትንተናዊ መንገዲ፡ ነቲ ድልየት ህዝብናን፡

ነቲ ስልጣን ኣብ ትሕቲ ህዝብና ንምዕቋብን  ውሕስነት ክረክብ  ሰፊሕ ሕቑፎ ዘሎዎ ስሙር ግንባር ናይ በርጌሳውያን ማሕበራት ምስ

ዝህሉ’ዩ። ንዝርዝር መግለጺ ናይ መሰጋገሪ  መድረኻት ከአ ናይ ኤምሃዘ/EFND ጽሑፍ ተወከስ (አብ ታሕቲ ዘሎ መላግቦ ተመልከት) ።

 

ሽሕ’ኳ ህዝቢ ኤርትራ ብጽንዓትን ብቖራጽነትን ንወለዶታት ተቓሊሱን ከቢድ መስዋእቲ ከፊሉን ነጻነት ሃገሩ እንተኣዕቆበ፤ ኣብ

መወዳእታ ግን፡ ካብ መግዛእቲ ነጻ ዘውጽእዎ መራሕቱ ከዲዖሞ እዮም። እብ’ዚ እዋን’ዚ ምውዳቕ ዲክታቶር ካብ መዓልቲ ናብ

መዓልቲ እንዳተቓረበ ይኸይድ ኣሎ። ምስኡ ጎድኒ-ንጎድኒ ዝኸይድ ድማ፡ እቲ ፈታንን በዳህን ኩነታት ደወልና ይቀላቐል ኣሎ። እዚ

ምልክታት እዚ ንባዕሉ ካብ “ድርቅናን ንኡስ-ፍልልያትን” ነብስና ሓራ ከነውጽእ እሞ፡ ዓቕምታትና ጠርኒፍናን ፖለቲካዊ ምምዕርራያት

ጌርናን ደወልና ከነድሕን ንጥለብ ኣሎና። እምበእርከስ ፡ ኣብ ደወልና ከነዕቁበሉ ዘይንኽእል ኩነታት እንተድኣ በጺሕና፡  እቲ ንናይ

ሓባር ይኹን ንናይ ውልቀ ጠቕሚዝግበር  ናይ ፖለቲካዊ ወስአ ቦታ ክህልዎ ከም ዘይክእል ክንዝክሮ ዘሎና ሓቂ እዩ። ስለ’ዚ እዩ ከኣ

EFND ንምምስራት ግሎባላዊ በርጌሳዊ ማሕበር ከም መሳርሒ ኮይኑ ከገልግል ቃል ዝኣቱ ዘሎ። ነዚ ቅዱስ ዕላማ’ዚ ከኣ ብዙሓት

በርጌሳውያን ማሕበራት ክድግፎኦ እየን ዝብል ጽኑዕ እምነት ኣሎና።

 

ቅድሚ ሕጂ ብኤምሃዘ/EFND ዝወጹ ጽሑፋትን ናይ ዋዕላ ንጥፈታትን

http://www.asmarino.com/press-releases/1875-communique-of-the-exploratory-meeting-of-

eritreans-for-facilitating-national-dialogue-

http://demo.archive.assenna.com/communique-no-2-eritreans-for-facilitating-national-dialogue-efnd-

statement-of-clarification-regarding-our-mission/

http://demo.archive.assenna.com/communique-no-3-eritreans-for-facilitating-national-dialogue-efnd-january-

27-2014/

Conference video https://www.youtube.com/watch?v=Rh-NWpy-wz0 (13 parts)

EFND memorandum presented at the conference http://demo.archive.assenna.com/eritreans-for-facilitating-

national-dialogue-efnd-proposed-platform-internal-working-memorandum-october-2014/

ምስ ኤምሓዘ/EFND ብ ኢመይል ንምርካብ በዚ ዝስዕብ ኢ መይል መልእክቲ ስደዱ: efndzete@gmail.com

 

 

ታሕሳስ 18, 2015

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
18 COMMENTS
  • Hagherawi January 27, 2016

    “ምናልባት እቲ ዝተሓተ ሓደጋ ዘለዎ ኮንደኾናዊ ንብሎ ምርጫ፤ ወተሃደር ንሓጺር መሰጋጋሪ መድረኽ ከም ሞግዚት ደውላና ኮይኑ
    ነቲ ስልጣን ምስ ዝሕዝ እዩ።”

    ኤርትራውያን ንምጥጣዕ ሃገራዊ ዘተ (ኤምሃዘ / EFND)

    The top and middle officers of the Eritrean military are known to be members of the secret party. And many of them, close associates of Iseyas and his crime syndicate since the time of Ghedli. To expect such people to work against their own safety and interests is very naive, to say the least. It’s like expecting Filippos to hand over power to people, totally forgetting his role in extra judicial killings in pre-independence era, and mass executions of young Warsai in the army.
    Higdef has put Eritreans in front of a historical choices to make: it’s either the regime or Eritrea. Therefore, nobody in his right mind thinks the military (a hollow institution) will save the country. If the military takes power, God forbid, an event like that will most likely trigger armed resistance and chaos in various parts of the country.
    Please, try to work for unity of all stake holders to save Eritrea, because that is the only strategy that will help us avoid further conflicts.

  • Aman January 28, 2016

    What kind of language are these people trying to impose, why don’t you just say HAGERE ERTRA (State of Eritrea) is this another conspiracy to destroy our Tigrinya. The title alone puts me off reading the content trash.

  • Aman January 28, 2016

    Excuse my French, Let me put it this way why do the writer need to forge or borrow an Arabic word while there is an existing one?

  • Hagherawi January 28, 2016

    Aman,

    Tigrigna can grow only by borrowing from sister Semitic languages, in the same English borrowed from Latin, Greek and Germanic languages.
    When it comes to language and culture, keeping borders closed won’t help.

  • keshi mars January 28, 2016

    ደወል ? is that Arabic? I was trying to search its roots got nothing no wonder. waw, it’s not only governance ኣሮቦሽቶ ከይዱ even the language is heading to an chartered territories.

  • Wedi Meriet January 28, 2016

    Who are these people?
    Are they trying to tell us something in a language we don’t understand? What ever it is I am lost. Please re-write it in a language we understand. Either in English or in plain Tigrigna.
    If I were they I would have called Eritrea or our country Eritrea unless there is something I want to hide like wedi Medhin berad(ezi hager ezi or ezi hzbi ezi or abza hager ezia etc)

    • Amanuel Hidrat January 29, 2016

      Selam Wedi-meriet And all forumers

      If we agree the difference of a “state” and “government”, then “mengisti” refers to a government and “dewla” refers to a state. A government or “mengisti” refers to a head of state and his/her cabinets, while the state comprises – the government, the private sector, and the civil societies as the pillars of the state. Now dewla is derived from Geeze so we can add new vocabulary to our tigrina lexicon. If you need further explanation to the concept of of “government and state” we can elaborate as needed.

      regards
      Amanuel Hidrat

  • divided house January 28, 2016

    Every organization ,civic or otherwise appears to be”cooking it’s own dinner” ,believing it is the 11th hour for PFDJ…WE’ll see.

  • solomon seyoum January 28, 2016

    I wish the writers had called for the formation of a grass root movement in every major city in USA, Europe, etc….I see no point at this moment to call for a global civil society or mahber…

    Once the formation of the many grass root movements takes root, the second step will follow without much difficulty; the movements- all with one or two aims in mind- will create regional branches; the latter can happen within 6 to 9 months, provided many of us concentrate on the case.

    Solomon in Belgium

  • Yusuf MB January 29, 2016

    1. If the writer intended to use Arabic, they could have said ‘ደውለት ኤርትራ’ instead of ‘ደውለ-ኤርትራ’
    2. The idea of establishing Eritrean global civic body at this critical time is simply unjustifiable;
    3. Having read the statement prepared by the much respected figure, Dr. Okbazghi Yohannes for EFND, it looks that EFND and Our Voice have similar objective, although the owner/s of OV remains mystery to public so far.
    4. the way this article is presented kills a reading appetite.

  • AHMED SALEH !!! January 29, 2016

    Stop these nonsense responses guys . Bluntly to discredit the writer
    of the above article smells fishy .
    We Eritreans tolerate foreign languages and to use some of their words
    is common among ASMARINO guys .
    Jebha -Shaebia-Sewra- Fidaeen-hujum ……. etc .
    Keif , kuweyis – Alora ,comme andiamo,Babene,Ciao…….. etc .
    Now unless you are outsider , to hear such dialects can not surprise
    your ears . Even Amharic language is tolerated in Eritrean society
    and it shows civility .

POST A COMMENT