Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደገፍቲ ህግደፍ ኣብ ሃገር ሽወደን። – ብገዛኢ ኪዳነ

ኣብ ኣመሪካ ቀንዲ ኣፈኛ ህግደፍ ዝኾና ወ/ሮ ሶፊያ ተፋማርያም ኣብ ሃገር ሽወደን ኣብቲ ህግደፍ ዘዋደዶ ፈቲቫል ተረኺበን ነቲ ባዕለን ሕጽረት ናይ ቋንቋ ኢዩ ይመለኒ፡ መግለጺ ዝብል ስም ዝሃበኦ ሓበረታ፡ ኣብቲ ፈስቲቫል ተሳቲፉ ንዝነበረ ህዝቢ፡ እቲ

ኣብ ኣመሪካ ቀንዲ ኣፈኛ ህግደፍ ዝኾና ወ/ሮ ሶፊያ ተፋማርያም ኣብ ሃገር ሽወደን ኣብቲ ህግደፍ ዘዋደዶ ፈቲቫል ተረኺበን ነቲ ባዕለን ሕጽረት ናይ ቋንቋ ኢዩ ይመለኒ፡ መግለጺ ዝብል ስም ዝሃበኦ ሓበረታ፡ ኣብቲ ፈስቲቫል ተሳቲፉ ንዝነበረ ህዝቢ፡ እቲ ንባዕለንን ንመንግስተን ህግደፍን ዘጸባብቕ፡ ንካልኦት መንግስታት ዓለም ዘነውር ሓሶት ከም እተዛረባ፡ ኩሉ ሰብ ኣብተን ብጃንዳ ህግደፍ ዝምወላ ወብ ሳይታት ኣትዩ ክዕዘቦ ይኽእል ኢዩ። ወ/ሮ ሶፊ በታ ዘላተን ኮልታፍ መልሓስ፡ ንተን ብሓሶት ዝሓውለላ ኣዒንተን ሰለምለም እናበላ ንባዕለን ደንቊረን ህዝቢ ከደንቁራ ምፍታነን ኣስደሚሙኒ ኢየ ነዛ ሓጻር ጽሕፍቲ እዚኣ ክጽሕፍ ሕልናይ ገዲዱኒ ዘሎ’ሞ እነሆ ንበርከት!!

ቅድሚ ኣብቲ ዝርዝር ናይ ጽሑፈይ ምእታወይ ግን ንወይዘሮ ሶፊያ በቲ ኣጸቢቐን ዝፈልጣኦን ዘዕበየንን ቋንቋ ገይረ ንእሽቶ ምዕዶ ክመኽረን፡

ሶፊየ ይህ ሁሉ ውሸት ለምን ኣስፈለገሽ

የሰማትዩ’ና የመሬቱ ሁሉም ደባልቐሽ

ምነው ፖለቲካ ማለት ውሸት መሰለሽ

አረ ተይ ኣታስቢ ያምርብኛል ብለሽ።

 

ምነው ሶፊየ የኔ ቆንጆ ኣይነ ሽውራራ

ምን ኣስመረጠሽ የህግደፍ ደብተራ

አረ ተዪ ሁሉም ጠላሽ ቀረሽኮ ባራ

ምነው ደጋገምሽው የውሸት ፉከራ።

 

ሶፊየ ምላሰ ቀልባጣ ኣይነ ሽውርውር

ኣይንሽ ሸውራራ እግርሽም ድምብርብር

ኣይዞሽ ትደርሻለሽ ለህግደፍ ቀብር

ከዛ በፊት ግን ፈርቻለሁ እንዳይበላሽ ነብር።

 

ሶፊየ ሸለምጥማጥ የኛዋ ከውካዋ

ውሸት ብቻ የሞላ ልብዋ

በህልም የምትጋልብ ብቻዋ

እየቀላበሰች ሽውራራ ኣይንዋ።

 

ሶፊየ  ህልምሽ እንኳ ኣትፈችምም

ፊትሽ ለፍቅር እንጂ ለፖለቲካ ኣይመችም

ምነው የህግደፍ ተንኮል ኣትረጂም

ነገ ታያለሽ ህግደፍ ሲወድም።

 

በዝያን ጊዜ መግብያሽ የት ነው

ለማይጠቅምሽ ጊዜ ይሚባክነው

ህግደፍ እንደሆነ ሞት ኢየቃኘው

በቅዠት ብህልም ነው የሚዋኘው።

 

ኣንቺ ደግሞ የማይገባሽ ሰይጣን

ምላስሽ እየቀላበጥሽ እንድ ህጻን

 

ህዝብ ከድተሽ ለገንዘብ ለስልጣን

ሶፊየ ሆነሽ ቀረሽ የኣምባገነን ዕጣን።

 

አረ ተይ እኔ ልምከርሽ በግጥም

ያገር ክብር ለዲክታቶር ኣይሰጥም

ዲክታቶር ከህዝብ እጅ ኣያመልጥም

ያንቺ ጥቅም ከህዝብ ኣይበልጥም።

ኣጎዛ ነሽ ኣሉ ሁሉ የሚታኛበት

ገበታ ነሽ ኣሉ ሁሉ የሚበላበት

ቀለበት ነሽ ኣሉ ጣቱ የሚከትበት

ኣጎዛ’ኮ ኣጎዛ ነው ውሻ የሚሸናበት።

@@@

 

ኣነ ዝገርመኒ ናይቶም ዘጣቕዑ

ኣእሙሮኦም ዘበሰለ ዓበይቲ ቆልዑ

ሓደራ ህዝቢ ሓደራ ስዉኣት ዝዘንግዑ

ፍትሒ ከይርክብ ንህዝቢ ዘግድዑ።

 

ሶፊያ ክትሕሱ ብእሱር መልሓሳ

በዓል ብሃብላ መሲሉወን ወደሳ

ገሊአን ይቅጥና ገሊኤን ይለውሳ

ዕልል ይብላ ክሽፍና’ቲ ኩሉ ኣበሳ

ቁሩብ ዘይሓፍራ ክንደይከ ይፈኹሳ።

 

ኣየ እወ ፍኹሰት ክንዲዚ ቅለት

በዚ ዲዩ ዝፍደ ናይ ህዝብና ውዕለት

ህዝብና ኮይኑዎ ኩሉ ሳዕ ዓርቢ ስቅለት

ኣበይ’ዩ መእተዊኹም ህግደፍ ዝፈረሰሉ ዕለት።

 

ኣንቱም መሰርሒ ህግደፍ ኣንጹ ሃገር

ቀሪቡ ኢዩ ናትኩም ኣሉታት ክንገር

ህግደፍ ጠፊኡ ኣብ ራህዋ ክስገር

ሓለፋ ዝተዋህበኩም ንብረታት ክህገር።

 

ሓሶት ኣብ ርእሲ ሓሶት ጸፋጺፋ

ሓርበኛታት ክትጸርፍ ብኮፋ

ንህዝቢ ዝጻረፍ ዘይጸረየ ኣፋ

ኩሉ ዝኸደሉ ጎደና ሰለፋ።

ኣትን ዓለልቲ ህግደፍ በዓል ጽንጊላሎ

ኣብ ውራያት ህግድፍ ተሰከምቲ መቕሎ

ህዝብና ከፊእዎ ሓሲሙዎ ከሎ

ዕልልታ ተራእዩክን ማሰ ኣውሎ።

 

ውላዱ ኣብ ባሕሪ እናጠለቐ

መንእሰይ ብጥይት ህግደፍ እናሃለቐ

ኣብ ቤትማሕቡስ ዒራዒሮ እናሓቐቐ

ውላዱ ኣብ ኣጻምእ ሰሃራ እናወደቐ።

 

ንስኽን ኣብዚ ትዕልላ ተሓጒስክን

ሎምስ መጠን ሓሊፉ’ቲ ፍኹሰትክን

ደቅኽን ሓቚፍክን ብደቂ እንዳማትክን

ዘይኩርምትኻ ሑጻ ቆርትመሉ ኮይኑክን።

 

ኣየ ኣትን ፈኮስቲ ከም ሽክና

ንስኽን’ኮ ከፊእኽን ካብ ጓና

መሳርሒ ህግደፍ መሳርሒ ጭቆና

ከም ሰብ ተነፊጉክን ልቦና

መርገም ኪበጽሓክን’ዩ ናይ ወለድና።

 

ውግኣት ኲናት ናይ’ቶም ዝተረሸኑ

መርገም ወለዲ ዝናብዮም ዝሰኣኑ

ብዘይ ፍርዲ ኣብ ማሕቡስ ዝተዳጎኑ

መርገም ክወርደክን ኢዩ ኣብ እዋኑ።

 

መርገም ናይ ኣደታት እተን ዝጎሃያ

ውላደን ተሓዲገን ዝበኸያ

ዘልዕለን ስኢነን ዝተደርበያ

ሃየንታ ክወርደክን’ዩ ተጸበያ።

 

ናይቶም መንእሰያት መፍቶት ዓሳ ዝኾኑ

ናይቶም ኣብ ዶባት ብጥይት ዝተረሸኑ

ናይቲ ዓቕሉ ጸቢብዎ ዝሰሓተ መኣዝኑ

ናይቶም ምሕደራ ከፊኡዎም እተበተኑ።

 

ናይዚ ኩሉ መርገም ናይዚ ኩሉ ሃየንታ

ከምቲ ምስላ ንመዓልቲ መዓልቲ ኣላታ

ህግደፍ ክትጓሓፍ ምስ ኣኸለ ዕለታ

ሽዑ ኢዩ ክትንተን ናትክን ዛንታ።

 

ሽዑ ኢዩ ዘሎ ሕቡኡና ሕቡኡና

ንሕና ብዘይ ፍርሒ ከነፍስስ ቃልና

ንስኽን ብጭንቀት መሕብኢ ክትስእና

ኣብዚ ኣሎ ዘረባ ሽዑ የራኽበና።

 

በዓል ጭላይ ከኣ ዓቕሎም ከጽብቡ

ከምዚ ኣይመሰለናን ኢሎም ክዛረቡ

ሃገሩ ዝተሓረሞ ክራኸብ ምስ ሰቡ

ህዝብና ፍትሒ ክረክብ መረስረሲ ልቡ።

 

እቲ እዋን ቀሪቡ’ዩ ክበርህ ባናኡ

ሓበርበኛ ክምለስ ናብ ስድራኡ

ህግደፍ ክፍደ ብሕጊ ዋጋኡ

ህዝብና ክዛረብ ብሕሉፍ ወጽዓኡ

 

እቲ ኣብዚ እዋን እዚ ብግልጺ ዝረአ ዘሎ ውድቀት ህግደፍ እምበኣር ምልክታቱ ብዙሕ ኢዩ። ሎሚ ህግደፍ ሸበድበድ እንተባለ ብማሕዮታቱን መጋበርያታቱን እንተሓሰወን እንተገዓረን ካብ ውድቀት ደሓነ ማለት ዘበት ኢዩ።

እቲ ኣውራ ግዳይ ናይዚ ርጉም ስርዓት ዝኾነ መንእሰይ፡ ከም ቆፎኡ ዝተተንከፎ ንህቢ ብሓደ ኢዩ ተላዒሉ ዘሎ።ወይልኻ ወይጦ ህግደፍ። ወይልኺ ኣንቲ ገባዒት ብሑቕ ናይ ህግደፍ፡ ወይልኻ ኣንታ ህዝቢ እናጠፍአ ማእከላይ መርገጽ ኣሒዝካ ምስ ኩሉ ክምስምስ እተብዝሕ ኣምሰሉ፡

ንሎሚ ኣብ ምድሓን ሃገርን ህዝብን ዘይዋፈር ሃገራዊ ኒሕ ዘይብሉ ብቱኻ መስከብ ኣእዱግ እንታይ ረብሓ ኣሎዎ፡ ምስ ኩሉ ክመሳሰል ናይ ሓሶት ሰሓቕ እናሰሓቕካ ግይጽ በለጽ ኢዩ። ህዝብኻ ኣሕሊፍካ ንዓመጽን ንጥሜትን ንሞትን ማእሰርትን ሂብካ፡ ኣነ እንታይ ኣእተወኒ እናበልካ ፈቖዶ ባራትን እንዳቡንን ኣራጢጥካ እንታይ ተባህለ እናበለካ

ወረ ምእካብን ደምን መስዋእትን ህዝቢ ምስ ቢራ ኣኻፊካ ምብላዕ ብኣምሳለ ስላሴ ዝተፈጥረ ሰብ ዝገብሮ ኣይኮነን።

ኣብ እንዳ ባራት ቢራ ዓቲርካ ዓዲ በጺሕና መጺእና ጥሜት ዝበሃል የለን ህዝብና ጽቡቕ ኣሎ እናበልካ ወጽዓ ህዝቢ ክትሓብእ ምፍታን ጽባሕ ብታሪክ ዘየታሓትት ኣይኮነን። ኣርሕቖም ዘይጥምቱ ከብዲ ህዝቢ ብከብዶም ዝመዝኑ ሰብ ዝመስሉ እንስሳታት ብዙሓት ኣሎዉ።

ኣብ ውራያት ህግደፍ ግርምቢያለ ተዓጢቕካ ሽጉርቲ ምኽታፍን ኣንጻር ህዝቢ ምስላፍን ዝመረጹ ማሕዮታት ህግደፍ እምበኣር፡ ኣብ መጻኢ ዝጽበየኩም ዘሎ ዕድል፡ ዕድልና ኣይግበሮ። ኣብ ሰሜን ኣፍሪቅን ካልኦትን ምስ ምልካውያን ኮይኖም ህዝቢ ዝበደሉ መውደልደልቲ ሎሚ እንታይ ከም ዝወረዶም ዓለም ብዓለማ እትዕዘቦ ዘሎ ጉዳይ ኢዩ። እዚ ንልቢ ዘሎዎ ዓቢ ትምህርቲ ኢዩ። ግና ሕሉፍ ተሞክሮ መዚኑ ቅኑዕ ጎደና ዘትሕዝ ኣእሙሮ ኣይተዓደልኩምን።

እቲ ዝኸፍአ መሳርሒ ዓመጽቲ ኮይንካ ንህዝቢ ምብዳል ኢዩ። ዘይወግሕ መስሊዋስ ኣብ ቦኹራ ከም ዝበሃል፡ ምስ እታ ዝመሓለላ ጸሃይ ዝዓረበቶ ህግደፍ ወጊንኩም ህዝብኹም እትብድሉ ዘሎኹምን፡ ኣብ ውራያት ህግደፍ እትቆጻጸዩ ዘሎኹምን ሃሱሳት ንሎሚኳ እንተዘይተረደአኩም ጽባሕ ግን  ንዓኹም ጥራሕ ዘይኮነስ ንውላድኩም ዝተርፍ መድሃኒት ዘይርከቦ ታሪኻዊ ቃንዛ ከም ዝኾነኩም ጥርጥር የብልናን።

ኣብዚ እዋን እዚ ኩሎም እቶም መሓዙት ኢስያስ ዝኾኑ ዲታቶርያውያምን መራሕቲ ኣበይ ኣሎዉ። ተሓባብርቶምከ ዝብል ሕቶ ኣንቂልኩም ባዕልኹም ክትምሽዎ ይግባእ ነይሩ፡ ግና ኣበይ እሞ ነዚ ዝሓስብ ነዚ ዘውርድ ዘደይብ ኣእሙሮ ኣይተዓደልኩምን።

ጽባሕ ንጉሆ እዛ ትንዕ ትብለኩም ዘላ በትሪ ሓቂ መዓልታ ኣኺሉ ኣብ ቅርቅርቲ ህግደፍ ምስ ዓለበትን፡ ወያ ኢስያስ ኣፈውርቂ ዝመሓለላ ጸሓይ’ውን ምስ ዓረበትን፡ መእተዊኹም ኣበይ ኢዩ። ንፈልጥ ኢና ጸሓይ ህግደፍ ክትዓርብን ንስኻትኩም ከኣ ንህግደፍ ክትስልበጥዎን ጊዜ ኣይወስደልኩምን ኢዩ። ምኽኒያቱ ንስኻትኩም ግዝያዊ ውልቃዊ ጠቕሚ ዓጢጥኩም እምበር ብጉዳይ ህዝቢ ንሓንቲ ደቒቕ እውን ሓሲብኩም ኣይትፈልጡን። ሕጂ እውን ከምቲ ምስላ “ዓለም እንተትግልበጥስ ኩዕንቲ ምጸገብና በለት ህበይ” ተባሂሉ ዝምሰል፡ ንስኹም እውን ህግደፍ ካብ ዝወድቕ ኤርትራ ትጥፋእ ከም እትብሉ ንፈልጥ ኢና። እዚ ግን ከም ትምኒትኩም ድሌትኩም ኣይኮነን፡ እዚ ዘሎናዮ ዝእምተልና ጭቡጥ ነገር እንተልዩ፡ እታ ድሕሪ ውድቀት ህግደፍ እትምስረት ሓንቲ ልዕላውነታ ዝተኸብረ ምስ ጎረባብታ ተሳኒያ እትነብር ሰላማዊትን ዲሞክራሳያዊትን ኤርትራ ክትምስረት ከም ዝኾነት ኢዩ ኣመቱ።

ባንጻሩ ድማ እዚ እዋን እዚ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ንኹሉ ተቓዋሚ ሓይልታት ኣብ ሓደ ናይ ቃልሲ መኣዲ ዘሳትፍ ጉባኤ ንምክያድን፡ ግዝያዊ መሰጋገሪ ቅዋምን፡ ግዝያዊ መሰጋገሪ መሪሕነትን መሪጹ ንህግደፍ ዘልግሰሉ ናይ ቃልሲ ስልቲ ኣብ ምምሃዝ ይርከብ። እዚ ኣብ ሓጺር እዋን ክትግበር ኢዩ። ድሕሪ እዚ ህግደፍ ዝበሃላ መላኺ ስርዓት ዕድሜኡ ከብቅዕ ኢዩ። ኣብ ኤርትራን ጎረባብታን ብጠቅላላ ኣብ ቀርኒ ኣፍርካ ሰላም ክወርድ ኢዩ።

ኣብዚ እዋን እዚ ሕተት ተሓተት ኪኸውን ኢዩ። ምስ ህግደፍ ዘውደልደለ፡ ጭጉራፍ ህዝቢ ከረኻኽበሉ ኢዩ።እቲ ምእንቲ ፍትሕን ሰላምን ዝተቃለሰ ድማ ባህታ ክሰርጾ ኢዩ። ባህታ ንሓዋሩ ንውሉድ ወሎዶ ዝተርፍ ባህታ።

 

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!

 

ሰላምን ቅሳነትን ንህዝብና

ውድቀት ንህግደፍን ኮራኹሩን

aseye.asena@gmail.com

Review overview
34 COMMENTS
  • FACT-is-FACT February 2, 2012

    Just because you are born and raised in Eritrea.. don’t reward yourself .. as”more so Eritreans” than others. It is a choice that should be left to citizens in a country that has sound rule-of-law.

    – then ask YOURSELF — in all Honesty —

    Did you plunge in the “Oppostion wagon” Out of PURE love to your people and because of the Injustice and PFDJ’s betryal of our martrys? or is it because
    (a) your business was confisicated (b) Your brother, father, sister the yesteryear powerful (with PFDJ) was made to disappear and suddenly you woke up.

    which one are you? ask yourself… am I the truthful or the diluted? ask ask yourself.. inquire your conscience. you can cheat others but not you the inner you..

POST A COMMENT