Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዲሞክራሲ ከም ሽንፋእ

ኣብ ዕላላትናን ገለ ጽሑፋትናን፡ ብዛዕባ ዲሞክራሲ ዝብሃል ክርኢ ከለኹ፡ ሽንፋእ’ዩ ትዝ ዝብለኒ። ኣዴታትና ንሽንፋእ ንብዙሕ ኢየን ዝጥቀማላ፥ ከም መቕደዊ፣ መድሃኒት፣ መባረሪ እኩይ መንፈስ፣ ወዘተ። ዲሞክራሲ ከኣ፡ ከም ተኣምራዊ ማሕበራዊ ክኒና፡ ናይ ተጠቃሚ መሐበሪ ብዘየገድስ፡ ምስወሓጥካያ

ኣብ ዕላላትናን ገለ ጽሑፋትናን፡ ብዛዕባ ዲሞክራሲ ዝብሃል ክርኢ ከለኹ፡ ሽንፋእ’ዩ ትዝ ዝብለኒ። ኣዴታትና ንሽንፋእ ንብዙሕ ኢየን ዝጥቀማላ፥ ከም መቕደዊ፣ መድሃኒት፣ መባረሪ እኩይ መንፈስ፣ ወዘተ። ዲሞክራሲ ከኣ፡ ከም ተኣምራዊ ማሕበራዊ ክኒና፡ ናይ ተጠቃሚ መሐበሪ ብዘየገድስ፡ ምስወሓጥካያ ኩሉ ጸገምካ ቅንጥጥ ዝብለልካ ኮይኑ ይስምዓካ። ምናልባት ጌጋ መልእኽቲ ምእንቲ ከየመሓላልፍ፡ ብዋዛ መጀመሪየይ ኣብ ሓደ ቁንጫል ናይዚ ዓቢ ኣርእስቲ ከተኩር ስለዝደለኹ ደኣምበር ንባጫ ኢለ ኣይኮንኩን። ዲሞክራሲ ከም ኣርእስቲ ዝተቛሰለ ኣርእስቲ ስለዝኾነ፡ ንናይ ቀዳመ-ሰንበት ንባብ ውን ዓዳሚ ኣይኮነን። ግን፡ እስከ ሓቦ ኢልና ንቐጽል፡ ምናልባት ሃናጺ ልዝብ ከበግስ ስለዝኽእል።

ጽሑፈይ ንምምእዛን ክሕግዛኒ፡ ኣብ ክልተ ሓሳባት ከተኩር’የ፥ ዲሞክራሲ ከም ስነሓሳብን ዲሞክራሲ ኣብ መስርሕ ትግባረኡን ኣብ ዝብላ። ዲሞክራሲ ከም ስነሓሳብ ጸብለል ዝበለን፡ ካብቲ ወዲሰብ ብጥርኑፍ ውራዩ ከመሓድር ዝመሃዞ ሜላ ምምሕዳር እቲ ዝሕሸ ምዃኑን ኣየካትዕን። ዲሞክራሲ ኣብ ትግባረ ግን፡ ታሪኹ ከምዝምስክሮ፡ ብዙሕ እናተዓንቀፈን በሰላታት እናገደፈን ኢዩ መጺኡ።

“ዲሞክራሲ ማሕበራዊ ፈተነ (social experiment) ኢዩ” ድዮም ዝብሉ እዞም ናይ ፖለቲካ ፈላጣት፧ እዚ፡ ዲሞክራሲ መስርሕ (process) ደኣ’ምበር መስርሑ ዝወደአ ናብ ኩሉ ዝገጥም ማሕበራዊ ፎርሙላ ዘይምዃኑ ንምእማት ዝብሃል’ዩ። በብግዜኡ ምስ ደረጃ ንቕሓትን ማሕበራዊ ኣቃውማን ሕብረተሰብ ምምዕርራያት እናገበረ ከኣ ይሳግም። እቲ ናይ ፈተነ ላቦራቶሪኡ፡ ተወዳደርቲ ሓሳባት ምእንጋድን ካብቶም ሓሳባት ተቐባልነት ዘለዎ ሓሳብ ምልላይን’ዩ ኢልካ ክሓጽር ይኽእል። ሓሳብ ከተወዳድርን ኣብ ብሉጽ ሓሳብ ክትሰማማዕን ግን ሓያል ምጽውዋርን ንቕሓትን ይሓትት።

መብጽዓታት ዲሞክራሲ ንኽፍጸም ከም ውሁብ ዝውሰዱ ወሰንቲ ግምታት (assumptions) ኣለዉ። ከም ርኢቶይ፡ አቶም ቀንዲ፥

  1. ህዝቢ፡ ዘድልዮ ቅኑዕ ሓበሬታ ክረክብ ዘይተገደበ ቀረብ ኣለዎ። ነዚ ሓበሬታ መምዩ፡ ሓቂ ካብ ግጉይ ኣለልዩ ኣብ ቅኑዕ ውሳነ ክበጽሕ ከኣ ክእለትን ድሌትን ኣለዎ።
  2. “ሰብ ውዱን/ምእዙን/ራሽናል (rational) ፍጡር’ዩ” ዝብል ብዛዕባ ባህሪ ሰብ ዝጸንሐ መረዳእታ።

ኣብ ባይታ ምስንዕዘብ፡ ቀረብ ሓበሬታ ነጻን ምዕሩይን ኣይኮነን። ግጉይ ካብ ቅኑዕ ሓበሬታ ኣለሊኻ ናብ ቅኑዕ ውሳነ ምብጻሕ ውን ህዝቢ በልማማ ዝኽእሎ ቀሊል ዕማም ኣይኮነን። ኣብተን ከም ናይ ዲሞክራሲ ኣብነት እንርእየን ሃገራት፡ ነቲ ቅኑዕ ሓበሬታ ናይ ምሕምራጉ ወፈራ ውን ከም ቅቡል (legitimate) ናይ ፖለቲካ መሳርሒ ኣብ ዝረኣየሉ ግዜ ስለዘለና፡ አዚ ነጥቢዚ ዘማትእ ኣይመስለንን። ነቲ “ወዲ ሰብ ራሽናል ፍጡር’ዩ” ዝብል ብዝምልከት ከኣ፡ ካብ 70ታት ጀሚሩ ዓውዲ ስነ-ልቦና (behavioral psychology) ብዘበርከቶ ምርምር፡ እዚ ግንዛበ’ዚ ኣብ ገሊኡ ዝተጋነነ ኣብ ገሊኡ ከኣ ግጉይ ምዃኑ የርኢ። በንጻሩ እኳ ደኣ፡ ሰብ ብብዙሕ መለክዒታቱ ጉጅለኣዊ/ቀቢላዊ ዝንባሌታት (group/tribal tendencies) ስለዘንጸባርቕ፡ ኣብ መንጎ መብጽዓታት ዲሞክራሲን፡ እቲ ኣብ ባይታ ዝርአ ውጽኢቱን ዓቢ ጋግ ኣሎ።

ክሳብ ሕጂ፡ ንሓደ ዓብን መሰረታውን ነገር ከም ውሁብ ወሲደ ኢየ ክዛረብ ጸኒሐ። ንሱ ከኣ ‘ህዝቢ’ ንዝብል ከም ኣሃዳዊ ባእታ (homogeneous) ብምርኣይ። ማለት፡ ኣብ ጠመርቲ ሓባራዊ ዜግነታዊ ረቛሒታት፡ ዝተጎጃጀለ ናይ መረዳእታ ፍልልያት የለን ዝብል ከም ውሁብ ዝወሰደ’ዩ። ነዚ ግምት’ዚ ስዒቡ ዝመጽእ መድምደምታ፡ ተጎዳእን ተረባሕን ከምኡ ውን ኣብ ምምቕራሕ ፖለቲካዊ ስልጣን፡ እቲ ናይ መረዳእታ ፍልልያት ብጋንታታት ወይ በተን ፍሉጣት ሕብረተሰባዊ ነቕዓት መልክዕ ዝሓዘ ኣይኮነን ዝብል’ዩ።

ሕጂ ኣብ ሕመረት ጽሑፈይ ነምርሕ። ንምምእዛን ክጥዕም፡ ብሕቶ ንጀምር።

1ይቲ ሕቶ፥ ንዲሞክራሲ ብኸመይ ንርድኦ፧
ምናልባት እቲ ልሙድ መልሲ፡ ከምቲ ኣብርሃም ሊንከን ዝበሎ፥ “ህዝባዊ ምምሕዳራዊ መስርሕ-ካብ ህዝቢ-ብህዝቢ-ንህዝቢ” ዝብል ልሙድ ድጋም ዘረባ (cliché)፡ ቅልል ዝበለ ግን ከኣ ገላጺ ሓሳብ እመስለኒ።

2ይቲ ሕቶ፥ እታ ንቀዳመይቲ ሕቶ ተኸቲላ ትመጽእ ቁልፊ ሕቶ ህዝቢ መንዩ፧’ ትብል’ያ ትኸውን።

ዲሞክራሲ፡ ህዝባዊ ምምሕዳር ስለዘመልክት፡ ኩሉ ዜጋ ብማዕረ ተሳትፎ ምሕደርኡ ዝቕይሰሉ መስርሕ ትብሉ ትኾኑ፧ ከም ድሕረባይታ፡ እስከ ታሪኻዊ መወከሲ ንግበር። ህዝቢ ክንብል ከለና፡ ኣብ ዲሞክራስያዊ መስርሕ፡ ናይ ስልጣን ውክልና ዝህብን ናይ ፖለቲካ ተዋስኦኡ ብደረጃ መሰል ዝተነጸረሉ’ሞ ነቲ ዲሞክራስያዊ ምሕደራ ብበዓልቤትነት ዝዋስኣሉ፡ ንዑኡ ኢና ህዝቢ ንብሎ ዘለና። እዚ ናይ በዓልቤትነት መሰል’ዚ ግን፡ ኩሎም ኣብ ሓደ ሃገር ዝቕመጡ ኣህዛብ፡ ብማዕረ ይረኽብዎ ማለት ኣይኮነን። ከም ኣብነት፡ ናይ ምድማጽ መሰላት ብምቕንጣጥን ቀይድታት ብምፍጣርን ናይ ዋናን ተዓዛብን ክውንነታት ምፍጣር፡ ኣብተን ዲሞክራሲያውያን ዝበሃላ ሃገራት ልሙድ ተርእዮ ኢዩ። ከም ኣብነት፡ ኣብ ኣሜሪካ ዝርአ፡ ፖለቲካዊ ተዋስኦ ጸለምትን ካልኦት ካውኬዥያን ዘይኮኑን ዓሌታትን ንምድራት/ንምዕንቃፍ ዝግበር ክጥቀስ ይኽእል።

ቀጺሉ ዝስዕብ ሕቶ እሞ ፖለቲካዊ መሰላት ማዕረ ንኸይዝርጋሕ ዝዕንቅጽ ዕንቅፋት ደኣ እንታዩ፧ ዝብል ሕቶ ቅጅል አንተደኣ ኢሉኩም፡ እቲ መልሲ ፍርሒ ዝብል እመስለኒ። ዲሞክራሲያዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ብብዝሒ ድምጺ ስለዝርከብ፡ እቲ ኣብቲ መስርሕ ዝዋሳእ፡ ውጽኢት ናይቲ ዲሞክራሲያዊ መስርሕ ንረብሑን ድሕነቱን ከም ዝከላኸለሉ ክቕበሎ ኣለዎ።

ዲሞክራሲ ርጉእ ኮይኑ ንክቐውም፡ እቶም ተሳተፍቱ ኣብ ነንሕድሕዶምን ኣብ ልዕሊ ትካላት ዲሞክራስን እምነት ንከሕድሩ፡ ሓደ ንመንነት ዝጠምር ናይ ሓባር ረቛሒ ክህሉ ግድን ይኸውን። እዚ ንዓሌት፣ ሃይማኖትን ካልኦት ማሕበራውያን ቀጸላታትን ሰንጢቑ ዝኸይድን ዓሚቕ ተቐባልነት ዘለዎን ክኸውን ከኣ ግድን ይኸውን። እዚ ሓደ ማሕበራዊ ኮንትራት እንተ ኢልናዮ፡ ኣብ ኣብዘን ምዕራባውያን ዲሞክራሲያውያን ሃገራት፡ ቅዋምን እቶም ውጽኢቱ ዝኾኑ ትካልት ዲሞክራስን ከም ናይ ሓባር ረቛሒ ክውሰዱ ይኽእሉ ይኾኑ። ይኹን ደኣምበር፡ መሰረት እዚኦም ትካላት እዚኣቶም ድልዱል ኣብ ዝኾነሉ ቦታ ውን እንተኾነ፡ ካብቲ ዓብላሊ (dominant/majority) ዝኾነ ወገን ፍልይ ዝበለ ዓሌት ወይ ሃይማኖት ንዘለዎም፡ ኣሳታፊ ናይ ምዃን ርኡይ ድኽመት ኣለዎ። ኣብዚ ከም ኣብነት፥ ኣይሁድ እስራኤላውያን ን አዕራብ እስራኤላውያን፣ ጸዓዱ ኣሜሪካውያን ን ጸለምቲ ኣሜሪካውያን፣ ኤውሮጳውያን ውን ብመጠኑ መበቆላዊያን ንዘይኮኑ ዓሌታት ዝገብሩሎም ማሕለኻታት ምጥቃስ ይከኣል። እዚ ንኣገዳስነት’ዚ ኣብ ላዕሊ “ዜግነታዊ ናይ ሓባር ረቛሒ” ዝበልክዎ ዝያዳ የጉልሕ።

ኣብ ሓንቲ ዓሌታዊ ወይ ሃይማኖታዊ ብዙሕነት ዘለዋ ሃገር፡ እቲ ናይ ሓባር ረቛሒ ብዜግነት ደኣምበር ካብኡ ብዝትሕት ምስዝኸውን፡ ንኩሉ ሓቊፉ ከሳትፍ ስለዝጽገም፡ ናይ ወዲ ማእከልን ወዲ ወሰንን ስምዒታት ይፈጥር። ትጽቢት ህዝቢ የባኽን፡ ብኡ’ቢሉ ከኣ፡ ኣይበሎ ደኣምበር ሰብ የናቑት። ህላወ ድልዱል ትካላት ዲሞክራሲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣቶም ኣባላት ሕብረተሰብ ኣብዘን ትካላት ብዝህልዎም እምነት፡ ሕድሕዳዊ ዕግበት ክህልዎም ወሳኒ’ዩ።

ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ከም መረዳእታ ወሲድና’ስከ ንዓድና ገጽና ንመለስ።

ናይ መጀመርያ ሕቶይ፡ ሃይማኖትን፣ ብሄርን ኣውራጃን ሰንጢቑ ዝኸይድ፡ ኩላትና ዜጋታት ብማዕረ እንከላኸለሉ ዜግነታዊ ናይ ሓባር ረቛሒ (ideals) ኣለና ዶ፧ ሃገርና ኤርትራ ዝብል መልሲ ኣይሕሰብን’ዩ። ምኽንያቱ፡ ኤርትራ ከም ቤትና እንተወሲድናያ፡ ኣብ ውሽጢ ቤትና ብኸመይ ብሰላም ንነብር ኢዩ ዝኸውን ዘሎ’ቲ መዛረቢ ዛዕባና። ብረታዊ ተጋድሎ ከይንብል፡ ውግእ ሓድሕድ ከም ታሪኻዊ ፍጻመ፡ ራድዮኣክቲቭ ኢዩ ገይርዎ። ብተወሳኺ፡ ድሕሪ ናጽነት ከም ትጽቢት ህዝቢ ክኸውን ዘይምኽኣሉ፡ ኣብ ትካላዊ ህንጸት ክንጥቀመሉ እንኽእል፡ ምስ ብረታዊ ተጋድሎ ዝተሓሓዝ ማሕበራዊ ጸጋ (social capital) ባኺኑ ኢዩ።

ከም ርኢቶይ፡ ወላኳ ከም ኣህዛብ ብዙሕ ሓያልን ዘነይሕን ጎንታት እንተሃለወና፡ ንዲሞክራሲ ዝኹስኩስ ናይ ሓባር ጠማሪ ዝኾነ ረቛሒ (ideals) ግን ኣይበጻሕናዮን ኢየ ዝብል። ማሕበራውን ፖለቲካውን ክውንነትና ከምዚ’ሉ ኸሎ፡ እንወዳደበሉን ንፖለቲካዊ ስልጣን እንወዳደረሉን ባይታ በቲ ልሙድ ሕብረተሰባዊ መፈላለዪ መስመራት (ሃይማኖት፣ ብሄር፣ ኣውራጃ፣ ወዘተ) ምስዝቐውም፡ እቲ ሓደ ወገን ኣብ ውዳበ ናይቲ ካልእ ወገን ንረብሓታቱን ክብርታቱን ክርእየን ስለዘይክእል፡ እተን ምትእኽኻባት ወይ ውዳበታት ተሻመውቲ ኽኾና ዘሎ ተኽእሎ ኣዚዩ ልዑል’ዩ። ሓቂ ይሓሽ፡ ካብ ምሽማውን ህልኻዊ ውድድርን ወጻኢ፡ ንብዓት ዘኽታማት ውን ክሕብሳ ክትጽበ ዓቐብ እመስለኒ። ሕጽር ብዝበለ፡ ኣብ ሃገርና፡ ዓሌት፣ ሃይማኖትን ኣውራጃን ከም መድለዪ ፖለቲካዊ ስልጣን ኣይበቅዕን’ዩ ዝብል መደምደምታ’ዩ ዘለኒ። ስለዚ፡ እቲ ዕድል ምስረኸብናዮ፡ ክንዲ ንኣዕናዊ ንሃናጺ፡ ኣብ ክንዲ መቀናጠዊ ንመተኣማመንን ድልዱል ዜግነታዊ ናይ ሓባር ረቛሒታት ንምህናጽን ምድልዳልን ክንጥቀመሉ ተስፋ እገብር።

ከም ሓድሽ ቅዲ ፖለቲካ “ብዝተሓተ ናይ ሓባር ረቛሒ፡ ብሓባር ክንሰርሕ ኢና” ዝብል ኣበሃህላታት በብኹርንዑ ይስማዕ’ዩ። ብዝተሓተ ናይ ሓባር ረቛሒ፡ ምስ ጸላኢኻ ኲናት ደው ኣቢልካ ናብ ዝርርብ ንኽትሰጋገር ደኣምበር፡ ኣብ ህዝብኻ ሕውየትን ዳግመ-ትንሳአን ከተምጽእ እትጥቀመሉ ስትራተጂ ኣይኮነን። በንጻሩ እቲ ከሰጉመና ዝኽእልን ናይ ብሓቂ ዝበቕዓናን፡ ካብተን ተወዲበን ክመርሓና ዝህቅና ፖለቲካውያን ተቛማት፡ ዝተሓተ ዘይኮነስ፡ እቲ ዝለዓለ ናይ ሓባር ረቛሒ ምስእንጠልብ’ዩ።

ንዲሞክራሲ በቲ ክንበጽሖ እንሓልሞ ዘይኮነስ በቲ ዘለናዮ ክውንነት ኢና ነበግሶ። ምስ ግዜ፡ ብዘገምታ፡ ህልው ኣረኣእያታትና እናበዳህናን ኣተሓሳስባና እናስፋሕናን ከኣ ኣብቲ ንደልዮ ንበጽሕ። ሓደ ካብዚ ንዲሞክራሲያዊ ግስጋሰ ብዙሓት ሃገራት 3ይ ዓለም ዓንቃፊ ምኽንያት ኮይኑ ዝስመዓኒ፡ ታሪኽ ዘሐንገረና ክውንነታት፡ ሃንደስቲ ዘይኮንናስ ሰዓብቲ ክንከውን ስለዘገድደና፡ ኣብ ዓድታትና ዝዓኾኸ ዲሞክራሲያዊ ኣምር ሱር ክሰድድ ሓያል ሓለዋ ዘድልዮ ኮይኑ ይስምዓኒ። እዚ ማለተይ፡ እተን ብመንገዲ ዲሞክራሲ ብውሑዱ ንሓደ ዘበን ዝተጓዕዛ፡ ብኢደዋኒነን ናይ ምምሕዳሩ ሓላፍነት ስለዝወስዳ፡ ካብ ጌጋታትና ክንምሃር ውን ዕድል የብልናን። እዚ ክብል ከለኹ፡ ከም ስነሓሳብ፡ ካብ ዲሞክራሲ ዝሓይሽ ሜላ ምምሕዳር ኣሎ ኢለ ክምጉት ስለዝደለኹ ኣይኮንኩን። እንታይ ደኣ፡ እታ ኣብ መእተዊ ጽሑፈይ፡ “ዲሞክራሲ ማሕበራዊ ፈተነ (social experiment) ኢዩ” እትብል ኣምር ከጉልሓ ስለዝደለኹ ኢየ። እቲ ፈተነ፡ ናይተን ሃንደስቲ፡ ንሕና ከኣ ተቐበልቲ ዝተቐለሰ ሓሳብ (final product) ጥራይ ዘይኮንናስ፡ ነቲ ናይ ፈተነ ኣምር ክንውንን ይግባእ።

እንተኽሎ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት፡ ኣብ ህሉው ማሕበራዊ ኩነታትና ዝሰረተ ክኸውን ይግብኦ። እዚ ማለት፡ እነቑመን ፖለቲካውያን ውድባት፡ ናይ ፕረስ መሰላት ወዘተ፡ ኣብ መንጎ ህዝብታትና ምርድዳእን ምትሕልላይን ደኣምበር ምጥምማትን ምሽማውን ዘሳውር ክኸውን የብሉን። ሕግታትና ውልቃዊ መሰል ዝሕሉን ውልቃዊ ተበላሓትነት ዝኹስኩስን ኮይኑ፡ ብተመሳሳሊ ከኣ ባህልና ዝምህረና ብሓባር ናይ ምንባርን ምትሕልላይን ልምዲ (altruism) ዘደልድል፡ ብውልቃዊነት (indvidualism) ከይጥሓስ ከኣ መጠናዊ ጽላል ዝህብ ምስዝኸውን ናብቲ ዝቕጽል መድረኽ ከሰጋግረና ይኽእል። ዲሞክራሲያውያን ይኹኑ ካልኦት ትካላት፡ ንኸገልግሉና ደኣምበር ንኸነገልግሎም ኣይኮንናን ንተኽሎም። ስለዚ ድማ እቲ እንተኽሎ ትካላውነት፡ ናይ መጀመርያ መለክዒኡ ‘ይሰርሓልና ዲዩ፧’ ደኣምበር ‘ኣየነይቲ ሃገር እንታይ ጌራ’ ክኸውን የብሉን።

ከም መለበሚ፡ ኣብ’ዚ ብዲሞክራሲ ዝምራሕ ምዕራባዊ ዓለም፡ ኣብ ሞንጎ ካፒታሊዝምን ኮሙኒዝምን ዶግማዊ ምፍጣጣት ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ውን አንተኾነ፡ እተን ብማሕበራዊ ፍትሕን ኣሳታፊ ዲሞክራሲን ዝያዳ ዝንኣዳ፡ እተን ካብ ክልቲኡ ፍልስፍናታት ዝጠቕመን ፖሊሲታት ዝቐየሳ ሃገራት ኢየን። ሃገራት ስካንዲናቪያ ከኣ ካብተን ብቐንዲ ዝጥቀሳ ኢየን።

ኣብ ዲሞክራሲያዊ ግስጋሰና፡ አዞም ዝስዕቡ ክልተ ነጥብታት ገለ ካብቶም ብኣንክሮ ክንሓስበሎም ዝግባኣና ኮይኖም እስምዑኒ፥

  1. ዲሞክራሲ፡ ውክልና ስልጣን ናይ ምሃብ ደኣምበር ንሰብ ስልጣን ናይ ምምሕዳር ዓቕሙ ርኡይ ድኽመታት ኣለዎ። ብፍላይ እኳ ደኣ ኣብተን ብመንገዲ ዲሞክራሲ ብዙሕ ዘይተመላለሳን፡ ድልዱል ትካላት ዲሞክራሲ ጌና ዘየቖማን፡ እዚ ድኻም’ዚ ጉሉሕ’ዩ። ስለዚ ከኣ፡ ጉድለት ንቕሓትን ሓበሬታን ብቐሊሉ ክምዝመዙን ናይ ስልጣን ስትራቴጂካውያን መሳርሒ ኽኾኑን ይኽእሉ።
  2. ዲሞክራሲ፡ ጸጋታት ኣብ ምምቕራሕ ርኡይ ድክመት ኣለዎ። ሳዕቤን ናይዚ ዝያዳ ኣብ ድኻታት ሃገራት ዝጎልሐ ኢዩ ኢለ እኣምን። መበገሲ ናይ ናዕብን ዘይምርግጋእን ክኸውን ከኣ ዓቢ ተኽእሎ ኣለዎ። ደርሆ ኣብ ዝበተኸ ስድራ፡ እንቛቕሖ ንባዕላ ሃብቲ ኢያ። ድኽነት፡ ንደቀቕቲ ናይ እቶት ፍልልያት ብፍሉይ መረጼን ከምዝረኣዩ ስለዝገብር፡ ፍትሓውነት ኣብ ምምቕራሕ ጸጋታትን ዕድላትን፡ ንርግኣት እንተኽሎ ዲሞካራሲያዊ ስርዓት ወሳኒ ይገብሮ።

ምስ ስፍሓት እዚ ዘልዓልኩዎ ኣርእስቲ፡ ኣብ ሓደ ወይ ክልተ ገጽ ዝጥርነፍ ውዱን ርኢቶ ክትህብ ዓቐብ’ዩ። እንተኾነ፡ ዓቕልኹም ከየወዳእኩኹም ከለኹ፡ ውሑዳት ፍረ-ነገር ወሲኸ ክፋኖ። ንጉድለታትን ሳዕቤንን እቶም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎም ግምታት (assumptions) ክንንክየሉ፡ እንተነፋዕና ከኣ ከነወግደሉ እንኽእል ሰለስተ ነጥብታት ክጠቅስ።

. ሓያልን ሓላፍነታውን ናይ ፕረስ ባህሊ ምኹስኳስ። ሓያል ንክኸውን ድልዱል ሕጋዊ ሰረት የድልዮ ሓላፍነታዊ ንክኽውን ከኣ ዘይሻራዊ ናይ አቲክስ ኣካል (e.g. press ethics commission/press complaints board) ኣድላዪ ይኸውን።

. ሓበሬታ ብነጻ ኣይርከብን፡ እቲ ብነጻ ዝርከብ ከኣ ናይ ዋንኡ ረብሓን ኣረኣእያን ዘጉልሕ’ዩ ዝኸውን። ከም ህዝቢ፡ ብዝለዓለ መጠን ውሑስን ተኣማንን ምንጪ ሓበሬታ ንክህልወና፡ ልዑል ክኢላዊ ዓቕሚ ዘለእዎን ትካላዊ ናጽነቱ ብሕጊ ዝተዋሕሰን ናይ ስታቲስቲክስ ትካል የድልየና።

. መራሕትና/ወከልትና፡ ሓላፍነታዊ ናይ ኣገልግሎት ትውፊት ጥራይ ዘይኮነ፡ ከም ሰባት ናቶም ናይ ውልቂ ድሌታትን ኣረኣእያታትን ሒዞም ውን ኢዮም ዝመጹ። ከም ህዝብን ሃገርን ከኣ በምነት ዘይኮነ ብስርሖም ኢና ንግምግሞም። ነዚ ከነውሕስ ከኣ ነጻን ዘይሻራውን ተቖጻጻሪ ኣካል (Auditor General) የድልየና።

እዘን ሰለስተ ነጥብታት (ሀ-ሐ)፡ ንቀረብን ምምሕዳርን ሓበሬታ ኢየን ዝምልከታ። መንግስታት ኣብ ምምሕዳር ሓበሬታ እሙናት ከምዘይኮኑ ታሪኽ ኣጉሊሑ ስለ ዘርኢ፡ ብቕዓትን ዘይሻራውነትን እዘን ሰለስተ ትካላት፡ ኣብ ሞንጎ ህዝብን መራሕትናን ናይ ዝህሉ ዲሞክራሲያዊ ውዕል ዋሕስ ኢየን። እዚአን ምስዝጎድላ፡ ከምቲ መስሰልቲ ዝብልዎ “ማሕለኻ ዘይብሉ ጸባ ድፉእ፡ ዋሕስ ዘይብሉ ነገር ከኣ ጥፉእ” ኢዩ ዝኸውን።

ከም መፈጸምታ ጽሑፈይ፡ ድኽመታት ዲሞክራሲ ምጽብጻብ፡ ንብሉጽነት ዲሞክራሲያዊ መስርሕ የነኣእሶ ማለት ኣይኮነን። ዲሞክራሲ መተካእታ የብሉን። ከምቲ ብዙሕ ግዜ እንሰምዖ ድጋም ዘረባ “democracy is the only game in town”። ግን ክሰርሓልና አንተደኣ ኮይኑ ድኽመታቱን ድኽመታትናን ኣለሊና፡ ቋንቋና ዝዛረብ፣ ክብሪ አምነታትናን ባህልናን ዘለዎ፣ ከም ዘፋቕረናን ሓባራዊ ራኢ ዝፈጥረልናን ጌርና ክንቅይሶ ናህና ሓላፍነት ይኸውን። ‘ዲሞክሲ ከም ሽንፋእ’ ክኾነልና አንተደሊና ኣቃመምቱ ንሕና ባዕልና ክንከውን ይግባእ።

 

ዶ/ር ፍትዊ ወልዳይ

Norway

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • k.tewolde July 19, 2019

    “ግን ክሰርሓልና አንተደኣ ኮይኑ ድኽመታቱን ድኽመታትናን ኣለሊና፡ ቋንቋና ዝዛረብ፣ ክብሪ አምነታትናን ባህልናን ዘለዎ፣ ከም ዘፋቕረናን ሓባራዊ ራኢ ዝፈጥረልናን ጌርና ክንቅይሶ ናህና ሓላፍነት ይኸውን።” Indeed,you took me years back into that pristine communal Eritrean society which mastered its own culture specific democracy till it was dismantled by the gun totting liberators and their rigid politico-military indoctrination.Our forefathers gave us a Ferrari and some slick salesman sold us a lemon.Thanks Doc.

    • Fitwi Wolday July 20, 2019

      Beutiful analogy K.Tewelde. Despite our sorry current state, the times we are in gives me tremendous hope and is indicative of the fact that we have left our gloomy two decades behind us. I feel the hill is leveling off.

POST A COMMENT