Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዳሕራይ ነርክበሉ

ዳሕራይ ነርክበሉ ምስከረም 29/2018 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) ኣብ ኣነባባር ወድ-ሰብ ዳሕራይ ነርክበሉ ትብሎም ስርሒታት መሊኦም ኢዮም፡ ሕጂ ንኽትገብሮ ዘይጥዕመካ እንተድኣ ኰይኑ፡ ንግዚኡ ኣጽኒሕካ እቲ ኣቐዲሙ ክግበር ዘለዎ ዘሀውኽ ዕማማት ትገብር ማለት ኢዩ። ንኣብነት መምህር ዳሕራይ ዝግበር ዕዮ ገዛ

ዳሕራይ ነርክበሉ

ምስከረም 29/2018

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

ኣብ ኣነባባር ወድ-ሰብ ዳሕራይ ነርክበሉ ትብሎም ስርሒታት መሊኦም ኢዮም፡ ሕጂ ንኽትገብሮ ዘይጥዕመካ እንተድኣ ኰይኑ፡ ንግዚኡ ኣጽኒሕካ እቲ ኣቐዲሙ ክግበር ዘለዎ ዘሀውኽ ዕማማት ትገብር ማለት ኢዩ። ንኣብነት መምህር ዳሕራይ ዝግበር ዕዮ ገዛ (home work) ይህበካ ኢዩ፡ እዚ ዝገብር ግን ዕዮ ክፍሊ (class work) ኣቐዲሙ ዝግበር ስለዘለዎ ኢዩ። ኣብ ኩሉ ኣነባባር ወድ-ሰብ’ውን ቀደምትነት ኣዚዩ ኣገዳሲ ኢዩ።

ኣብ ግዕዞ ምዕባለ ሕብረተሰብ ግን ነዞም ኩሎም ቅድምን ድሕርን ዝስርዑ ፍጻሜታት ወይ ተልእኮታት ብዕግበት ክሰላሰሉ ምእንቲ ደሞክራሲ ዝበሃል ጽንሰ-ሓሳብ ከም ታሪኻዊ ምዕባሌ ዘተበጽሐ ኣሎ። ኩሎም አነባባራት ናይ ቅደም-ተኸተል ኣሰራርዓን ኣተገባብራን ክህልዎም ከሎ፡ ደሞክራሲ ግን ካብታ ዝተፈጥረላ ጀሚሩ፡ ብዓመጽ ክዕገት እንተዘይኰይኑ ይጽነሓለይ ዘይብሃሎ ንድሕሪት ዘይስራዕ መሳርሒ ናይ መሰል እዩ።

ንደሞክራሲ ዝምእዘዝዎን ብኸፊል ከከም ዝጥዕሞም ዝምዝምዝዎን ወይ ክኣ ኩሉ ምሉ ዝድርብይዎን መራሕትን ተመራሕትን ግን ኣለዉ። እቲ ብዙሕ ሰብ ካብ ዘይምፍላጥ ክታለል ከሎ፡ መለኽትን ቀንዲ ምሓውራቶምን ግን ኰነ ኢሊም ከም ዕላምኦም ይጥቀምሉ። ንኣብነት ኢሳያስ ትርጉም ደሞክራሲ ጠፊኡዎ ዘይኰነስ ንዕላምኡ ስለዘየስርሖ ኢዩ ፈንፊኑዎን ከም ዝፍንፈን ክኣ ገይሩዎን።

ኢሳያስ ነዚ ጭቁን ህዝቢ ንመሰሉ ክቃለስ ንበረኻ ዝወጸ፡ ሎሚ  ደሞክራሲ ዘድልየሉ ግዜ ከምዘይኰነ፡ ናይ ምትኳስ ግዜ ጥራ’ዩ ብማለት ንንጹሃት ከታልል ክኢሉ። “ሕጂ መጀመርያ ደሞክራሲ ንብለሉ ግዜ ኣይኰነን ተባሂሉ፡ እቲ ሰብ’ውን ከምኡ ወሲዱዎ” ቃል ኣምባሳደር ዓብደላ ኣደም ኣብ ፓል ሕድሪ ጀጋኑና። እወ ኣበይ ድኣ ነይሮም ዝብል ኣዘራርባ ኣሎ፡ ግን ዋላ ሕጂ’ውን ታሪኻዊ ሓቅታት ምፍላጥ ዝሕግዝ እምበር ዝጎድእ ኣይኰነን። እዚ ጒዳይ’ዚ ሱር ዘሰደደ ሕማም ስለዝዀነ፡ ክሳብ ሕጂ ንደሞክራስን ንታሪኽን ዳሕራይ ነርክበሉ ዝብሉ ኣይተሳእኑን።

ሕማም ተላገብ ኣብ መጽናዕቲ ጥዕና ጥራይ ተወሲኑ ዝተርፍ ኣይኰነን፡ ኣብ ፖለቲካ’ውን ፖለቲካዊ ሕማም ተላገብ ከምዘሎ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ጒዕዞ ናይ መለኽቲ ከረድኣና ይኽእል። መሰላት ህዝብና ብፍላይ ክኣ መሰላት ደቀ-ኣንስትዮ ኤርትራውያን ብምኽንያት ዳሕራይ ነርክበሉ ኣብ ቃልስና ቍልቍል ኣፉ ክምዝድፋእ ኰይኑ ኢዩ። መጀመርያ መላኺ ስርዓት ኣስመራን ጥቕመ-ፈሊጣውያን ተሓባበርቱን ተኸሰስቲ ክዀኑ ከለዉ፡ ኩላትና ክኣ ከም ኣባላት ድሑር ሕብረተ-ሰብ ይበዝሕን ይውሕድን ድኣ’ምበር ተኣወድቲ ኢና። እዚ ኩሉ ክኣ ንደሞክራሲያዊ ኣገባብ ቀልሲ ንድሕሪት ስለ ዝሰራዕናዮ ምዃኑ ክኢርድኣና ኣለዎ።

ኣብ ቃልስና ጥራይ ዘይኰነ ኣብ ኣነባባር ሕ/ሰብና’ውን ጓል ኣንስተይቲ  ኣዝያ ዝተሃስየት መሰላ ዝተጋህሰ ኣፍራይት ኣባልና ኢያ። እንተኾነ ግን ብድሕረትና ዝኣክል መመሰሊት ስንፍናን ናይ ንዕቀት መዓርፎን ኰይና ንረኽባ። ንወዲ ተባዕታይ ሕመቕ ኣብ ዘርእየሉ እዋን ከም ሰበይቲ ኢልካ ተላግጸሉ፡ “ ካብ ወድ-ጓል እተዕብስ ወድ-ኸልቢ ኣዕቢ” ኢልካ እንዳመሰልካ ንጓለንስተይቲ ሓብትኻን ኣዴኻን ክሳዕ ትሕቲ እንስሳታት ከይተረፈ ተቋናጽባ።

ጓለ’ንስተይቲ ኣብ ደሞክራሲ ከም መሳርያ ናይ መሰል ዘይተረድአ ህዝቢ ብዙሕ ጸገም ኢዩ ዘጋጥማ። ክትምርዖ ኸላ ቍሩብ ናብ ጎርዞ ገጻ ዘድሃበት እንተድኣ ኰይና ተጠርጢራ ክሳዕ ክብረ ንጽህንኣ ከይተረፈ ከምዝምርመር (ምዂላል) ይኸውን፡ እዚ ኲነታት እዚ ቀደም ከይተረድኣና ከም ንቡር ኰይኑ ዝስምዓና ዝነበረ፡ ሐጂ ኣዚዩ ዘጒህን ዘብክን ጥቓ መሰል ክኣ ዘይቀራረብን ተባዕታዊ ዓመጽ ኢዩ። እዚ ናይ መሰል ግህሰት እዚ ነቲ ዝዓመጸን ገበን ዝፈጸመን ወድ-ተባዕታይ ነጻ ገይሩ፡ ከምቲ ፈተሽቲ ዝደለይዎ ኰይና እንተዘይተረኺባ ናይ ሓዳር ዕድላ ተዓጽዩ ብሕፍረት ኣብ ሃገራ ክትነብር ስለዘይትኽእል ናብ ስደት ከተምርሕ ትግደድ።

ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ቃልሲ ክንመዝና ከለና ግን፡ ኣብ ስደት ይኹን ኣብ ዓዲ ልዕሊ ወድ-ተባዕታይ እንተዘይኰይኑ ትሕቲ ወድ-ተባዕታይ ኣበርክቶ የብላን። እዚ ሓቂ’ዚ ናይ ቀረባ ታሪኽ ስለዝዀነ ክንርስዖ ንኽእል ኣይመስለንን። ኤርትራውያን ደቀ-ኣንስትዮ ኣብ ስደት ሕቖአን ክሳዕ ዝስበር ኣብ ዓዲ ክኣ ሂወተን ክሳዕ ዝቕበር ቍምጣ ስረ ከይተረፈ ዓጢቐን ንሰውራና ከም ዝዕወት ዝገበራ ጀጋኑ ፍርቂ ጎኒ ህዝብና እየን።

እዚ እንዳዀነ ከሎ ግን ሰውራ ኣዐዊተን ዓዲ ምስ ኣተዋ ዘጋጠመን ሓሳረ-መከራን ግፍዕን ድኽነትን ውርደትን እዚ ክበሃል ኣይክኣልን ኢዩ። ገሊአን ከም ተጋዳላይ ምሒሎም ቃል-ኪዳን ዝኣሰሩለን ክሕዶመን ጅግንነተን ክንዲ ክብረት ሕስረት ወሊዱለን፡ ልመና’ውን ስለዘይፍቀድ ፈቖዶ መንገዲ ተጎልቢበን ናብ ልመና ክምዝኣትዋ ኰይነን ዘስካሕክሕ ኲነታት ክንዲ ጻማ ርሃጽ ሓዊ ገሃጽ-ሃጽ ዝብል ተቐቢሉወን።

እዚ ኩሉ ክፍጠር ዝኽኣለ ንደሞክራሲ ብግብረ-እከያት ዳሕራይ ነርክበሉ ስለዝተባህለ እዩ። እቲ ዘገርም ግን እቶም ልዕሊ ኹሉ ንደሞክራሲ ዝተላለዩዋ ኣብ ግዳማዊ ዓለም ተማሂሮም ብፍልጠት ዝዘቕበቡ መኻናት ኰይኖም ምርካቦም ጥራይ ዘይኰነስ ሕጂ’ውን ንዘስካሕክሕ ተመክሮኦም ሃሰስ ክብልዎን ከም ትምህርቲ ከቕርብዎን ዝሕጥሕጥ ብምባል እንደገና መኻናት ኰይኖም ምርካቦም ኢዩ።

ኣብ ዝዀነ ይኹን ግዜ ብፍላይ ክኣ ግዜ ቃልሲ ንታሪኽ ይኹን ንደሞክራሲ ዳሕራይ ነርክበሉ ምባል ካበይ ከምዝተበገስካን ናበይ ከምእትኸይድን ምዝንጋዕ ኢዩ። ሕጂ’ውን ተሳትፎ ደቀ-ኣንስትዮ ሽታትኡ ጠፊኡ ብምህላዉ ቃልስና ፍሕት ክብል ኣይክኣለን፡ ነዚ’ዩ ክኣ “ብዘይ ተሳትፎ ደቀ-ንስትዮ ዝዕወት ሰውራ የለን ዝበሃል”፡ ትርጒሙ ለውጢ ክመጽእ ኣይክእልን ኢዩ ማለት ኢዩ። ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ንሕስረት ኣታሊሉ ከስድዐን ከሎ፡ ንሕና ክኣ ንኽብረትን ንዓወትን፡ ንታሪኽን ንደሞክራስን ዳሕራይ ነርክበሉ ከይበልና ክንምንጥሎን ከም ቀደመን ቀላጽመን ከም ዝዝርግሓን ክንገብር ምእንቲ ክንበቅዕ ብዕሽነትን ብድንቍርናን ብኽድዓትን ብበለጽን ክንጒዕጸጽ የብልናን።

ብዝተረፈ ተሳትፎ ደቀ-ኣንስትዮ እንተድኣ ተጓዲሉ ዓወትና ክርሕቕ ስለዝዀነ ዕድመ መለኽቲ ከምዝናዋሕ ክኸውን ኢዩ። ንደቀ-ኣንስትዮ ዋላ’ውን ኣብ ደምበ ጸላእትኻ ዝርከባ ይኹና፡ ብመርገጸን እምበር ብጾትአንን ብዘጋጥመን ሓሳረ-መከራ ናይ ናብራን ጠንቂ ዘለዎ ሳዕቤን ከም ምዃኑ መጠን ከነንኣእሰን ወይ ከነቆናቅበን እንተፈቲንና ዳሕራይ ነርክበሉ ዘይብሃል ደሞክራሲያዊ ሕጽረት ክኸውን ኢዩ።

ምዕባለ ናይ ሓንቲ ሃገር ዝምዘን ክሳዕ ክንደይ ተሳትፎ ደቀ-ኣንሰትዮ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ወይ ትካላት ናይታ ሃገር ተዘርጊሑ ብምህላዉን ዘይምህላዉን ኢዩ። ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ንዕዘቦ ከም ዘለና ደሞክራስያዊ መሰል ብምህላዉ፡ ክንደይ ዓበይቲ መራሕትን ፍሉጣት ስነኪነታውያንን ዋላ ኣብ ግዜ እርጋኖም ኣብ ልዕሊ ደቀ-ኣንስትዮ ብዝገበርዎ ዓመጽ ተኸሲሶም ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ናይ መቝሕ ክኣትዉ ከለዉ ናይ ዘበንና ግሉጽ መረዳእታ ኰይኑ ኣሎ። ሃገርና ኤርትራ ግን ብሰበብ ዳሕራይ ነርክበሉ ዘምጽኦ ደሞክራስያዊ ጽምኢ ገበነኛታት ዝዕንድሩላ ዘይበደሉ ክኣ ዝምቍሑላ ኰይና ኣላ።

ደሞክራሲ መፍትሕ ናይ መሰል ከም ምኻኑ መጠን፡ ንማዕጾ ገበነኛታት ረጊጡ ንኣፍ-ደገ ናይ ምዕባለ ክኣ ስለዝኸፍት ዳሕራይ ነርክበሉ ዝበሃል ናይ ቃልሲ መሳርሒ ከምዘይኰነ ሃለዋትና ብቑዕ ክምስክር ኢዩ።

መሻርኽቲ ናይዞም ንሃገርና ኤርትራ ክምንቍስዋን ክዕምጥሩዋን ዘጓየዩ ዘለዉ ኢሳያሰ-ኣብይ ከም ብዓል ነጋውስ ስዑዲ ዓረብ ይትረፍዶ ደሞክራሲ ክህልዎምን መሰል ደቀ-ንስትዮ ክሕልዉንሲ ጨና ደሞክራሲ’ውን የብሎምን። ኣነባባር ንጉሳዊት ስዑዲ ዓረብ ተፈጥሮ ብዝዓደላ ሃብቲ ድሕረታ ንግዝኡ ተዓቢጡላ እንተዘይኰይኑ ብመሰል ደቀ-ንስትዮ ጥራይ ዘይኰነስ ብመሰል ምሉእ ህዝቢ ድሕሪ ኩለን ሃገራት ዓለም እትስራዕ ኢያ እንተተባህለ ጌጋ የብሉን። ናይ ንጉሳዊት ስዑዲ ኣነባባር ምስ ዘበነ ሃሙራቢ ምናልባት ይመሳሰል ይኸውን’መበር፡ ካልእ ንዕኡ ዝመስል ዘሎ ኣይምስለንን። ነዞም ኰራኲር ኣንጻር መሰል ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራን ካልኦት መሰላታን ዉሕ-ዉሕ ክብሉ ቾብላ ዝብሎም ዘሎ ስርዓት መን ምዃኑ ትስሕትዎ ኣይመስለንን። ጓሳ ንኸልቢ ቾብላ ኢሉ እንተዘየተባብዖ ንዝብኢ ኣይምደፈሮን ነይሩ።

 ዝዀነ-ዀይኑ ኣርእስተይ ድሓር ነርክበሉ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ቃልስና ምእንቲ ክዕወት ደሞክራሲ ከም መተዓየይ ተጠቒምና ተሳትፎ ደቀ-ኣንስትዮ ወሳኒ ምዃኑ ንምርዳእ ዝኣክል ስለዝዀነ፡ ግደ ኣሕዋትናን ኣዴታትናን ብሕጽር ዝበለ ቅድሚ ሕጂ ብዝደረስክዋ ግጥሚ ኣደ ትብል ምስ ገለ ጽገና ጌረ ናይ ሎሚ መልእኽተይ ክዛዝም ኢየ።

ኣደ

ሕያወይቲ ዘይርከባ ኣበር

ሰብ እንዳደቀሰ ትበራበር

ዘይትኣርጊ ተትዀኒ’ዩ ’ምበር

   ኣብ ጽላት ልብኺ ትሓቝፍና

   ኣብ ቅርዓት ዝባንኪ ትሓዝልና

   ካብ ቀይሕ ደም ጸባ ተስትይና

ኣንቲ ለዋህ እንኩም ዝልማዳ

ብቕናታ ትጥብር ንኸብዳ

ሓይኻ ተብልዕ ንውላዳ

   ውሉድ እንተበኸየ ትርብርቢ

   ብቛንቋ ህጻናት ትዛረቢ

   ናትክስ ንበይኑ’ዩ ጒዳም ልቢ

በዚ መቕሎ ጥቕኡ መጎጎ

በዚ ጣይታ በቲ ክኣ ጎጎ

ዕጽፍ ዝርግሕ ንኹሉ ትደርጎ

   በዚ ቍራዕ በቲ ድማ ጻሕሊ

   ሰብኣይ ዘይርድኦ ዕቑር ሓይሊ

   ከም ጎማ ትነጥር ብፍትሊ

በዚ ጸባ በቲ ክኣ ግዓት

ተዓዲልኪ ’ዚኹሉ መንፍዓት

ግርማ ሃገር ብዓልቲ መቕንዓት

   ጥበበኛ ውሓለ ክኢላ

   ጸላእታ ተፋኑ ሓባቢላ

   ኣሕዋታ ትቕበል ሰላሕ ኢላ

ኣንቲ ጽላል ጥዕምቲ ሰግለለት

ኣደ ህድሞ ኣደ ጽቡቕ ኣግነት

ብርሃን ገዛ ውሻጠ ምድርቤት

   ምስ ጀጋኑ ትዕጠቒ ስረ

   ሓዳር ተካይዲ ብዘይ መብረ

   ስለምንታይ ዘይትዀኒ ማዕረ?

ኣብ ዓዲ እንተዀንኪ ትዂድሪ

ሜዳ እንተወረድኪ ትዕንድሪ

ተራእዩኮ ’ቲ ዘይደክም እግሪ

   ኣብ ገዛ እንተዀንኪ ትቝነኒ

   ሜዳ እነተወረድኪ ትጒትኒ

   ናትክስ ንበይኑ’ዩ ጒዳም ወኒ

ተናዲዳ መርገም ’ተሞሎቓ

ኣብ ደቒቕ ትሰግር ናብ ምርቓ

ባሕሪ ኸብዳ ናይ ውሉድ ጠበቓ

   ቀንጢጥክዮ ደበና ምስ ግመ

   ከዲንክና ናይ ዓወት ስልመ

   ሳላኺ’ምበር ኩሉ ምሃደመ

ከይዱ ዘይርብርብ ጽኑዕ ብርኪ

ዓቐብ ዝነበረ ሜዳ ጌርኪ

ተኸሳሲት ኔርክስ ዳኛ ዀንኪ

   መርትዖኺ ሰሚዓቶ ዓለም

   ክቡር ዋጋ ዝኸፈልክዮ ደም

   ጅግንነትኪ ናይ ትማል ይደገም

መን ድኣዩ ዝብለኪ ጎደሎ?

ንበይኑ ዓይነቱ ጒዳም ኣውሎ

ዓዋን’ዩ ዝኸውን ዒንኪላሎ!

   ዓያሹ’ዮም ገለ’ውን ጠላማት

   ብርሃን ዝሃደሞም ድቕድቕ ጸልማት

   ብዓል ጸያቕ ማዕጺድ ማይ ክራማት

ኣደ ሓዳር ተሰካሚት ዕዳ

ጽዕነት ናይ ዝባና ዘይከብዳ

ባዕለይ ኣለኹዎ ‘ዝልማዳ

   ኣደ ውዑይ ደማ እሳት ክርቢት

   እንተደለየት ድማ ለዋህ ርግቢት

   መማዕደዊት ኣርሒቓ ትጥምት

ዳሕራይ ነርክበሉ እንተበሉኺ

እምብለይ-እምብለይ በሊ ኢኺ

ኣነ ጓልያት ትኹን ፈኸራኺ!!!

አዩ’ሞ ዳሕራይ ነርክበሉ እንዳበልና ካብ ታሪኽና ብምፍራህ ዘይኰነስ ካብ ታሪኽና ተማሂርና ብምሕባን ደሞክራሲያዊ ኣገባብ ቃልሲ ተዓጢቕና ንዀራኲር ናይ ሓያላን መንግስታት ከምቲ ዝቐደመ ብሕፍረት ነፋንዎም።

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
8 COMMENTS
  • meretse September 30, 2018

    ዋዕሮስ ኔራ ዋዕሮ ቀደም
    ኣብ ውራያ ዘይትዕደም
    ጸባ ጡባ ኣላፊና ምስ ደም
    ሓዝ ክሕዝ ኢላ ትቀዳደም
    ኣብ ርስታ ዝበለ ኣዝግነኒ
    ተካሊት መስተራ በሊሕ ቀርኒ
    ንክትፋለም እምነት ውርውራይ
    ቀዲማ ትርከብ ኣብቲ ውራይ
    ሰባሪት ኣቅርንቲ ኣርሓ ብዕራይ
    እምቢ ዝነበረ ትቅይሮ “ሕራይ
    ሎሚ ግን? ሎሚ ግን ተቀይሩ ሕጊ
    ለመና ኮይኑ ሕደጋ ሕደጊ
    ምሕረት የውርድ ኣቦይ እዝጊ
    ኣነ ዝበለ፤ ግሩም ጽሑፍ ባሻይ ——- ኣይትትሓለል ! ! !

    • Simon G. October 1, 2018

      Welcome back brother Meretse!
      How was vacationing at Hawaii? 🙂
      I was about to mention about you & Ahmed’s disappearance but then I decided to hold on till next week.

      • meretse October 1, 2018

        Thanks SG. I had good time. Once in a while I think we should take some days off.

  • Hazo October 1, 2018

    ወዲ ባሻይ ካብ ዝበለን ነበርቲ ጥቕስታት፥
    “ኣብ ዝዀነ ይኹን ግዜ ብፍላይ ክኣ ግዜ ቃልሲ ንታሪኽ ይኹን ንደሞክራሲ ‘ዳሕራይ ነርክበሉ’ ምባል ካበይ ከምዝተበገስካን ናበይ ከምእትኸይድን ምዝንጋዕ ኢዩ።”

    “ጓሳ ንኸልቢ ‘ቾብላ !’ ኢሉ እንተዘየተባብዖ ንዝብኢ ኣይምደፈሮን ነይሩ።”

  • AHMED SALEH !!! October 1, 2018

    How are you Simon hawey . I was just a little sad for losing my childhood friend who was close to mesince we met in Sudan .
    At the same time I am confused and helpless for the reaction of our people on recent political developments .
    Wish you well my brother .

    • AHMED SALEH !!! October 1, 2018

      It is sad to see our people take life for
      granted . For no apparent reason we prefer excuses that divide us than bigger
      picture that unite us .
      To gather in burial looks fake love if love
      was absent at time of
      living life .

      • Simon G. October 2, 2018

        Sorry to hear that, brother Ahmed.
        Yes, we take life for granted, even though we have almost daily reminder. I guess we have short attention span.
        Agree on your last comment as well. I am not sure why we pay attention more when someone dies than when they are alive. Strange but true.

  • Sol October 1, 2018

    Ahmad, sorry for losing your friend and we’ll come back.

Post a Reply to Simon G. Cancel Reply