Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዳስ ሓውያ(ሞይታ) ዳስ ሓውያ ብሓንቲ ዘፈር ጠጢዓ – (2ይ ክፋል)

ዳስ ሓውያ(ሞይታ) ዳስ ሓውያ ብሓንቲ ዘፈር ጠጢዓ 2ይ ክፋል ኑራ ሑሴን ድሕሪ ቀዳመይቲ ጽሕፍቲ ምውጻኣ፡ ብርክት ዝበለን ዝተፈላለዩን ርኡይቶታት ካብ ኣንበብቲ መጺኡኒ፡ ቀዲመ ዘይፈልጦ ዝነበርኩ ሓበሬታታት’ውን ክረክብ ኪኢለ ብጣዕሚ የመስግን። እቲ ታሪኽ ብመልክዕ ዛንታ ካብ ወሎዶታት ናብ ወሎዶታት ክሰጋገር ከሎ

ዳስ ሓውያ(ሞይታ)

ዳስ ሓውያ ብሓንቲ ዘፈር ጠጢዓ

2ይ ክፋል

ኑራ ሑሴን

ድሕሪ ቀዳመይቲ ጽሕፍቲ ምውጻኣ፡ ብርክት ዝበለን ዝተፈላለዩን ርኡይቶታት ካብ ኣንበብቲ መጺኡኒ፡ ቀዲመ ዘይፈልጦ ዝነበርኩ ሓበሬታታት’ውን ክረክብ ኪኢለ ብጣዕሚ የመስግን።

እቲ ታሪኽ ብመልክዕ ዛንታ ካብ ወሎዶታት ናብ ወሎዶታት ክሰጋገር ከሎ ዝድመሮን ዝጎድሎን ብዙሕ’ዩ። ኣብ ምጅማር ጽሑፈይ’ውን፡ ብዛዕባ’ዚ ታሪኽ፡ ካብዚ ብዝዓሞቐ መንገዲ ዝፈልጡ ከምዝህልዉ ኣሚተ ነይረ’የ።

ታሪኽ ዳስ ሓውያ፡ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ልዕሊ ሓደ ዘርኢ ዝተኻየደ ናይ ፍጹም ምጽናት ተርእዮ፡ ከም ታሪኽ መጠን ሓደ ካብቲ ንብረት ህዝብ’ዩ። ነቲ ታሪኽ ብመንፈሱ ዝገልጹን ዘሀብትሙን ሓበሬታታት ብምእካብ ክጻሓፍ ድማ ናይ ኩሎም ግዱሳት ኤርትራውያን ሓላፍነት’ዩ።

ኣነ ነዛ ጽሕፍቲ‘ዚኣ ክጽሕፍ ዝደረኸኒ ምኽንያት ግን፡ ስለ መስፍን ዓድጋውል ተንቲነ ክገልጽ ዘይኮነስ፡ እቲ ብሓደ ሰብ ኣብ ልዕል’ቲ ምሉእ ዘርኢ ዝተወስደ ሃንደበታዊ ናይ ብርሰት ስጉምቲን፡ ኣብ ሃገርና ብኢሳይያስ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ናይ ህዝቢ ዘገምታዊ ብርሰትን ከነጻጽር ስለ ዝደለኹዩ። ስለዚ ድማ በቲ ካብቶም ኣቦ ዝረኸብኩዎ ዛንታ ጀሚረ ክድምድማ’የ።

ናብቲ ናይ ካልኣይ ክፋል ዳስ ሓውያ ጽሑፈይ ንምቕናዕ ድማ፡ በዘን ዝስዕባ ክልተ ነጥብታት ክጅምር።

  • ቀዳማይ፡ ጨካን ስርሒት ዳስ ሓውያን፡ ኣብ ሃገርና ብኢሳይያስ ዝዕየ ዘሎ ሓደገኛ ከይድን ዘመሳስሎን፡
  • ካልኣይ፡ ኢሳይያስን ቀንዲ ሰራሕ ታሪኽ ዳስ ሓውያ (ወዲ ጓል መስፍን ዓድጋውልን) ዘመሳስሎም ኣተዓባብያን ባህርን።

መጀመርያ በታ ካልኣይቲ ማለት ብኢሳያስን፡ ወዲ ጓል መስፍን ዓድጋውልን፡ ከምሰባት ዘመሳስሎም ባህርን ኣተዓባብያን ከቐድም።

  1. ኣተዓባብያ ወዲ ጓሎም ንመስፍን ዓዲ ጋውልን፡ ኣተዓባብያ ኢሳይያስን ብኢኮኖምያዊ ትሕዝቶ’ካ ዘይቀራረብ እንተኾነ ብመንፈስ ግን ዝመሓደግ ኣይመስልን።
  2. ክልቲኦም “በዴታት ዝመጹ” ብምኻኖም ካብቶም ኣዕርኽቶምን መትዓብይቶምን ለጠቕ ኢሎም ዝረኣዩ ብምኻኖም።
  3. ናይ ዘይብሩህ መንነትን፡ ማዕረ’ቲ ሕ/ሰብ ዝቐየሰሎም መለለዪ ክስርዑ ዘይምቕባልን።
  4. ኣብ ናይ ቂምተኚነት ባህርን፡  ናይ ሕነ ምፍዳይ ጽምእን ዝመሳሰሉ ዓይነት’ዮም።

ናይ ክልቲኦም ኣተዓባብያ ብዝምልከት

ኣተዓባብያ ወዲ ጓል ዓድጋውል፡ ብመሰረት እቲ ሓጺር ዛንታ፡ ዝዓበየሉ ገዛ ብኢኮኖምያዊ ትሕዝቶ ጸገም ዝነበሮ ስለ ዘይኮነ፡ ከብዱን ዝባኑን ዝጠልቦ ኩሉ ተማሊእሉን ዝዓበየ’ኳ እንተኾነ፡ ኣእምርኡ ግን ከምቲ ኣቕዲሙ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ፡ ብባህታ ዘይህብን ዘየቕስንን መንፈስ’ዩ ዝቑለል ነይሩ።

ኢሳይያስ’ውን ከምቲ ዝበሃል፡ ኣብ እንዳ ዓባዩ እንዳ ኣደይ መድህን ከምዝዓበየዩ’ ዝፍለጥ። ኣደይ መድህን ድማ ስዋ ሸይጠን ዝነባበራ ኣደ እየን። ኣብ እንዳ ስዋ፡ እንዳዕለልካ እንዳ ተዳኣኣልካ (ተዋዚኻ) ምስታይ’ካ ንቡር እንተኾነ፡ ግን ክኣ ናይ ኩሉ ሰብ ባህሪ ሓደ ስለ ዘይኮነ፡ “ቡቕሊ እንድኣ’ዩ ዘዛርቦ ዘሎ” ብዝብል መሸፈኒ፡ ብድሕሪ ቡቕሊ ተኸዊሎም ዘይእሩም ጽዩፍ ቃላት ብምጥቃም፡ ሰባት ዝዝንጥሉን ዝዝልፉን፡ ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ቆልዓ ድዩ ዓቢ ግዲ ብዘይምግባርን ይዕዘቡና ኣለዉ ብዘይምባልን፡ ሰባት እናልዓሉ ኣነኣኢሶም ኣቃሺሾም ብምቕራብ፡ ንነብሶም ኣብ ዝበረኸን ዝጠጠሐን ቦታ ዝተቐመጡ ኮይኑ ዝስመዖምን፡ ብኸምዚ ኽኣ ንነብሰ ድኽመቶም ዝሽፍኑን ዘድዓዕሱ ዓይነት ሰባት ዘይምሕድግዎ ቤት ሸቐጥ’ውን’ዩ። ኣቦታት ክምስሉ “ሰኺሩ ጓልካ ሃበኒ ዝበለካ ኣይትኽላኣዮ ሰኺሩ ዝጸረፈካ ኣይትረስዓዮ” ይብሉ። ናይዚ ምኽንያት ድማ ገለ ሰባት ምስ ሰተዩ ካብ ተሓታትነት ነጻ ዝወጹ ኮይኑ ስለ ዝስመዖም፡ ኩሉ ናይ ውሽጦም ጋሕጊሖም ከውጽኡ ስለ ዝብረሆም’ዩ። ኢሳያስ ድማ ኣብ ከምዚ ዓይነት ቦታን ሃዋሁን ዝዓበየ ቆልዓ’ዩ።

ክልቲኦም ደቂ (ብባህላዊ ኣረዳድኣ ክርአ’ከሎ)

ብደቂ ጓል ዝጽውዑ ብሓፍሻ፡ ወላ’ካ ነታ ዝተወልዱላን ዝዓበዩላን ዓዲ ካብ ሰቦም ዘይውሕድ ዘገልገልዋን ዝምእዘዝዋን እንተኾኑ፡ ኩሉ ግዜ ካብቶም መዛነኦም ትሒቶም እዮም ዝረኣዩ። ብወዲ ዝውለዱ ግን፡ ወላ’ካ ኣብታ ማእከል ዓዲ ዘይተወልዱ፡ ኣብኣ ዘይዓበዩን፡ ዘየገልገሉን ይኹኑ እምበር፡ ኣብ ዝመጹላ እዋን ብኡ ንብኡ እዮም ጸብለል ዝብልዎም። ስለዚኽኣ ክልቲኦም ደቂ ዓዲ (ደቂ ወዲ) ዝረኽብዎ መሰላትን ክብረትን እናተነፍጉ ዝነብሩ ሰባት ምኻኖም’ዩ።

ናይ ዘይብሩህ መንነትን ማዕረቲ ሕ/ሰብ ዝቐየሰሎም መለለይ ክስርዑ ዘይምቕባልን

ወዲ ጓል ዓዲ ጋውል ብኣዲኡ ካብ እንዳ ዓበይቲን ክቡራትን ክኾውን ከሎ፡ ብእንዳ ኣብኡ ሸነኽ ግን ካብ ኣገልጋሊ እንዳ መስፍን’ዩ ሓሊፉ ክኒኡ ዘቕንዕ ኣሰር  ኣይረኸብኩን።

ናይ ኢሳያስ ብዝምልከት ድማ፡ ከምቲ ዝስማዕ ብገለ ካብ ዓባያታቱ’ካ ካብ ኤርትራ ይውለድ ይኸውንዩ እንተተባህለ፡ ብኣባሕጎታቱ ግን ትግራዋይ ምኻኑዩ ዝዕለል። ኣብዚ እቲ ሰብ ዝብሎ ድዩ ሓቂ፡ ንሱ ብውሽጡ ባዕሉ ዝፈልጦ’ዩ ሓቂ ካልእ ጉዳይ ኮይኑ፡ ሓደ ሰብ ብተግባሩ ድኣምበር ካብ ካልእ ሰብ ይኹን ሃገር ትውልዲ ብምህላዉ ገበን ዘቑጽር ኣይኮነን።

ኣነ መንየ ዝብል ናይ መንነት ሕቶ ኣብ ድሑር ሕብረት-ሰብ ብርግጽ ከቢድ ሕቶ’ዩ። ኩሎም ዘይብሩህ መንነት ዘለዎም፡ ዘይማዕበለ ሕ/ሰብ ኣብ ልዕሊኦም ዘለዎ ዘይፍትሓዊ ኣረዳድኣ ስለ ዝፈልጡ ኣብ ሂወቶም ሰላምን ርግኣትን ክነፍጎም ይኽእል’ዩ። እዚ ውሽጣዊ ሓቓይ ዘለዎ ዘይቅሱን ስነ ኣእሙራዊ ሂወት፡ ኣብ ገለገለ እዋን፡ ኣብ ክሊቶም ከምዚ ዓይነት ጸገም ዘለዎምን ስድራቤቶምን ዝድረት ዘይኮነስ፡ እንተላይ ነቲ ሕ/ሰብ ዝትንክፍ ባህሪ ከምዘዕኩኽ’ውን፡ ኣብዚ ከይዲ ናይዚ ዛንታ ንዕዘቦ ዘለና ጉዳይዩ። ምኽንያቱ እቲ ዓቢ ጠንቂ ኣብዚ፡ ኣግላልነት፡ ምንእኣስ፡ ተነጽሎ፡ ወ.ዘ.ተ ዝኣመሰሉ ነገራት ካብቲ ሕ/ሰብ ካብ ገዛእ ርእሱ ዘጫልዉ ስለ ዝኾኑ’ዩ።

ኢሳይያስ  ኣቦይ ኢሉ ዝጽዋዓሎም ኣቦ፡ ኣቦይ ኣፈወርቂ ክኾኑ ከለዉ፡ ዓባዩ ኮይነን ዘዕበየኦ ድማ ኣደይ መድህን እየን። ናይ ክልቲኦም ኣመጻጽኣ ካብ ትግራይ ምኻኑ’ዩ ዝንገር። ስለዚ ድማ፡ ኤርትራዊ መነጸር ብዛዕባ መንነትን መበቆልን ኢሳይያስ ብዝምልከት፡ ካብ ትግራይ ምኻኑዩ ዘቐምጥ። ይኹን እምበር፡ ኢሳይያስ ታሪኽ ትውልዱ ባዕሉ ክገልጽ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ብህዝቢ ተሓቲቱ’ዩ። ብዛዕባ ዝቐረቦ ሕቶ ብትብዓት ክምልስ ግን ዛጊት ኣይደፈረን።

ኢሳይያስ ኣብ ኤርትራ ተወሊዱ ዝዓበየ ብምኻኑ፡ ኤርትራዊ መንነቱ ብሕጊ ዝነፍጎ ዘየለ’ኳ እንተኾነ፡ ንሱ ኣብ መበቆላዊ መንነቱ ኣረዳድኣ ኤርትራውያን ስለ ዝፈልጥ ብሓደ ሸንኸ፡ ማዕረቲ ሕ/ሰብ ዝቐየሰሉ ናይ መንነት መለለይ ኮይኑ ክስራዕ’ውን ዝቆላፈዮ ካብ ኮነ፡ ብካልኣይ ሸነኽ፡ ካልእ ንመንነቱ ዝገልጽ መለለይን መጸውዕን ኣገባብ ሃንዲሱ ይዓዪ ምህላዉ’ዩ ዘመልክት።

በዚ መዳይ’ዚ ምስዝረአ፡ ኢሳይያስ፡ ባህሪ ኣንፈት ናይቲ ንመዋእላት መንነቱ ብጸሊም ተግባሩ እናተጸወዐ ዝነብር ዘሎ ወዲ ጓል መስፍን ዓድጋውል ተኸቲሉ’ዩ ዝኸይድ ዘሎ ንምባል ዘየትክል ኣይመስልን’ዩ።

ናይ ቂምተኚነት ባህርን ናይ ሕነ ምፍድይ ጽምእን

ኣብ ባህሪ ናይ ሰባት፡ እቲ ብህጻንነትካ ዝዓበኻሉ ስድራቤትን ዝዓበኻሉ ከባብን ኣብ ሂወትካ ዓቢ ጽልዋ ከምዘለዎ ዝስሓት ኣይኮነን። ምኽንያቱ ሕማቕ ይኹን ጽቡቕ ኣብ ቁልዕነትካ ኣንጊሁ ኣብ ኣእምሮኻ ስፍራ ዝሰርዐን ዝተቐርጸን ነገራት ማዓብይትኻ ስለዝኾነ’ዩ። “ዝዓቢ ቆልዓ ኣይትበድል” ዝብል ምስላ’ውን ስቕ ኢሉ ዝመጸ ኣይኮነን።

ወዲ ጓል ዓድጋውል ኣዲኡ ከም ጓል መሳፍንቲ መጠን ብሕግን ኣገባብን እንዳ መሳፍንቲ ኣትያ መሳፍንቲ ክትወልድን ክትዘምድን ክትከብርን ዝግባኣ፡ ካብ ሓደ ኣገልጋሊ እንዳቡኣ ብምውላዳ ከም ሓንቲ ብክብረታ ዕድላን እትጻወት ሕስርቲ ተቖጺራ ካብ ስድራቤታ ኣትሒዝካ ንዓቢ ማሕበራዊ ተነጽሎን ምግንዳዕን ተጋለጸት። ብቐንዱ ድማ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ነቶም “ክቡራትን ዓበይትን“ ስድራቤታ ሚዛኖም ዘፍኮሰ ብምኻኑ፡ ናይታ ስድራቤታን ነበርቲ ዓድጋውልን ኣመለኻኽታን ስነ-ምግባር ኣብ ልዕሊ’ቲ ቆልዓን ኣዲኡን፡ ኣዝዩ ከቢድ ከምዝኸውን ካብቲ መስርሕ ናይቲ ታሪኽ ክግምገም ዝከኣል’ዩ። እዚ ንሓደ ቂምተኛ ዝኾነ ሰብ ናብ መሪር ተጻዪ መልሲ ወይ ድማ ሕነ ምፍዳይ ከብጽሕ ዘኽእል ኣንፈት ከምርሕ፡ ዝገትኦ ነገር የልቦን። እቲ ግብረ መልሲ ከመይ ከምዝነበረ ድማ ውጽኢቱ ኣብ ላዕሊ ርኢናዮ’ለና።

ኢሳይያስ ብዝምልከት፡ እታ ንዕኡ ዘዕበየት ስድራቤት ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ብንግዲ ስዋ ትነባበር ብምዃና፡ እንዳ ስዋ ድማ ዝኾነ ገንዘብ ዝሓዘ ዝኣትዎ እንዳ ማንም ዝርከቦ ብምዃኑ መጠን፡ ቦታ ባእስን ገልታዕታዕን፡ ሓይሊ ዝስመዖም ሰትዮም ከይከፈሉ ክኸዱ ዝፍትኑን ዝዋጠጡን፡ ምስ ሰኸሩ ዘውጽእዎ ዘይሓላፍነታዊ ናይ ትምክሕትን ብደዐን ቃላት፡ ዘርእን መቦቆል ተንከፍ ዘለፋን፡ ኣብ ልዕሊ ሸየጥቲ ስዋን ሰራሕተኛታተን ዝረአ ምንእኣስን ምግንዳዕን፡ ኣሽሙርን ማስያ ወ.ዘ.ተ ዝኣመሰሉ ብምጥቃም ልቢ ካልኦት ብምህራም ባህታን ደስታን ዝስመዖም ዝዛነይሉ ዝሓንፈጸ ቦታ’ዩ ዓብዩ። ንሓደ ዝዓቢ ቆልዓ እዚን ከምዝን ተደምሚሩ፡  እናጎበዘ ኣብ ዝመጸሉ እዋን ነቲ ብቑልዕነቱ ዝሰምዖን ዝተዓዘቦን ኮታ ዘጠራቐሞ ነገራት በብዝመስሎ እናተኣሳሰረ ክትርጉሞን ከገማደሖን ዘየኽእል ኣይኮነን። ኣብ ልዕሊቶም ዘዕበይዎ ነበርቲ ከባብን ዓማዊል ናይቲ ገዛን፡ ብዘይሕጉስ መንፈስን  ብዓይኒ ቂምታ ንምርኣይ ዝድርኹ ምኽንያታት ውሑዳት ዘይክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ ድማ “ኣነ ዓብየ ዓቕሚ እንተረኺበስ ዝገብሮ ኣለኒ” ንዝብሉ ሓለምቲ ግናይ ዝኸውን ተጠራቒሙ ይኣክል’ዩ።

ንኢሳይያስ ብቐረባ ዝፈልጥዎ ከዕልሉ ከለዉ ከምዝብልዎ፡ ኢሳይያስ ኣብ ግዜ ንእስነቱ ዘይሕጉስ ቆልዓ ከምዝነበረዮም ዝዛረቡ። ኣብ ርእሲ’ዚ ካብ ኣስመራ ንጾሎት ከይዱ ኣብ ዝምለሰሉ እዋን’ውን ተዃርዩን ተባኢሱን ይምለስ ከምዝነበረ ይሕብሩ። ብተወሳኺ ኣብ ሜዳ‘ውን እንተኾነ፡ እቶም ናይ ቀረባ መቓልስቱ ዝነበሩ ብዛዕብኡ ክዛረቡ ከለዉ፡ ኢሳይያስ ኣዝዩ ቂምተኛ ሰብ ከምዝኾነ እዮም ዘዘንትዉ።

እዞም ከምዚ ዝኣመሰሉ ሰባት እንተዳኣ ዓቕሚ ደሊቦም፡ ነቶም ብዓይኒ ቂም ዝሪእዎም ሸነኻት ዝሃሲ ሰብ ወይ ሓይሊ ምስዝረአ ቀዳሞት ደግፍቱን ኢደበይዛን ናቱን ዝኾኑ ንሳትም እዮም።

ወዲ ጓል መስፍን ዓድጋውል፡ ንንዳንኡ መሳፍንቲ ብዘርኦም ከጥፍእ ዝኻኣለ ካብ ነበርቲ ዓዲጋውል ንእንዳ መስፍን ቂምታ ዝሓዘሎምን ዝጸልእዎምን ስለ ዝሓዘ እዩ።

ይቕጽል

aseye.asena@gmail.com

Review overview
19 COMMENTS
  • Tesfamichael Ogbazghi G/medhin December 18, 2013

    mob-8469885419 Wollongong city Australia ;-
    I appreciate Emmanuel Eyasu demo.archive.assenna.com because many Eritreans lives through out in the corner of the world educated and they have too much but they do not think about their country Eritrea or Eritreans You are matured and your concessiones I thanks a lot in advance by the name of all eritreans those lives under tsayas administration. their

  • Tewolde Mehari December 19, 2013

    Good for you Nura, Your comparison Issayas to Anbassagir is utmost similarity. He literally is doing the same crime and has reached in a point of no return for him to repent and come to his senses. Those idots who are criticising you, please don’t give a heed. At this time and age, to advocate for a criminal like Issayas, they are of the same boat. As for DASS HAWYA”, I am Hawyetai too. Yes, he did what he did, but one man named GEBREHIWET EWOOR (visually challenged) managed to escape the execution with his daughter and landed in SEGENEITI and was one of the first sttlers in that city. The history is very wide. There is partial land in SEGENEITI called ADI HAWYA. As a result of of our great, great,great,great grand father’s keeness,here we are in many cities of Eritrean highland provinces. I commend you for your bravery and contue to research. If you want you can contact me by this email address.

  • Mesfin Bahlibi December 20, 2013

    ኣንቲ ወይዘሪት ኖራ ናይቲ ኢሳያስ ዝደለ ምኾነ ፡ ነቲ ኣባሓጎና ደሪብኪ ኩስትር ኣቢልክዮ ፡፡ ኣብ እንታይ ከባቢ ዓይነት ሕብረተሰብ ከምዝዓበኺ እኳ ርግጸኛ እንተዘይኰንኩ እቲ ጅርገደላ ዝነበሮ ዘመናት ድስሓትግዮ ትመስሊ ፡፡ እዚ ዘብለኒ ዘሎ ምኽንያት ክኣ ከም ወዲ ጓልን ካብ ትሕት ዝበለ ቤተሰብ ዝበቘለን ጌርኪ ስለዘቕረብክዮ እየ ፡፡ ጅርገደላ ቅድሚ 900 ዓመት እዩ ዝነብር ኔሩ ፡፡ ኣብቲ እዋንቲ ኣብ መንጎ ዓዲጋውልን ላሊበላን ከምዚ ናይ ሕጂ ትግራይን ኤርትራን ዓይነት ናይ ክልተ ሃገራት መለለዪ ኣይነበረን ፡፡ ድሕሪ መግዛእቲ ኢጣልያ ኤርትራ ከም ሓንቲ ነብሳ ዝኻኣለት ሃገር ክትፍለጥ ስለዝጀመረት ደቂ ትግራይ ከም ደቂደገ ክርኣዩ ጀሚሮም ፡፡ ጅርገደላ ካብ ላሊበላ ብምምጽኡ ተናኢሱ ዝርኤ ኣይነበረን ፡፡ ዋላ’ኳ ጅርገደላ ናይ ደግያት ድዕቡል ኣገልጋሊ ኔሩ ክኸውን እንተኻኣለ፡ በቲ ናይ ሽዑ መለክዒ ዘርኢ ወለዶ ወዲ ወዱ ንንጉስ ላሊበላ ብምዃኑ ካብ ደግያት ድዕቡል ንሱ ይልዕል ፡፡ደግያት ድዕቡል ጓሎም ንጅርገደላ ብሕጊ እንተትምርዖ ሽግር ምሃለዎም ኣይብልን ፡፡ ብወግዒ ከይተመርዓወ ስለዘጥነሳ ግን ድፍረት ክስምዖም ይኽእል እዩ ፡፡ ነቶም እንዳዲኡ ዝጨረሶም ግን ፡ሕነ ምፍዳይ ናይ ትባዕታዊ ግዴታ ጌርካ እዩ ዝቑጸር ዋላ’ውን ክሳብ ሎሚ ፡፡ እዞም ኖሚ እዋን ደቂ ኣድከመን ምልጋእን እንፍለጥ ኣህዛብ ፡ ደግያት ድዕቡል ይኹን ጅርገደላ ኩሎም ኣባሓጎታትና ብምዃኖም ፡ ታሪኻጦም ካብ ማንም ንላዕሊ ንዓና ስለዝምልከት ሰላም እንተሃብኩሙና ይሓይሽ ፡፡

  • belay nega December 21, 2013

    “ኢሳይያስ ኣብ ኤርትራ ተወሊዱ ዝዓበየ ብምኻኑ፡ ኤርትራዊ መንነቱ ብሕጊ ዝነፍጎ ዘየለ’ኳ እንተኾነ፡”

    እዛ ኤርትራውነት እንታይ እዩ ጉዳ
    ፈጣሪአ ትኽሕድ ክም ይሁዳ

    very sad,a result of artificially blended ID

POST A COMMENT