Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዳስ ሓውያ (ሞይታ) ዳስ ሓውያ ብሓንቲ ዘፈር ጠጢዓ – ራብዓይ ክፋል

ዳስ ሓውያ (ሞይታ) ዳስ ሓውያ ብሓንቲ  ዘፈር ጠጢዓ ራብዓይ ክፋል ኑራ ሑሴን ኣብ ሳልሰይቲ ክፋል፡ ኢሳይያስ ነቲ ብምሉእ ዕግበትን ብልዑል ወኒ ዓጢቑ ዝተቓለሰሉ ድርብ ዕላማታቱ ከዐውት ንልዕሊ 40 ዓመታት ብኣድራጋ ክዓዪ ከምዝጸንሐን፡ ዳርጋ’ውን ናብ መፈጸምትኡ ከም ዝተገማገመን ርኢና። መግዛእቲ ኢትዮጵያ

ዳስ ሓውያ (ሞይታ)

ዳስ ሓውያ ብሓንቲ  ዘፈር ጠጢዓ

ራብዓይ ክፋል

ኑራ ሑሴን

ኣብ ሳልሰይቲ ክፋል፡ ኢሳይያስ ነቲ ብምሉእ ዕግበትን ብልዑል ወኒ ዓጢቑ ዝተቓለሰሉ ድርብ ዕላማታቱ ከዐውት ንልዕሊ 40 ዓመታት ብኣድራጋ ክዓዪ ከምዝጸንሐን፡ ዳርጋ’ውን ናብ መፈጸምትኡ ከም ዝተገማገመን ርኢና።

መግዛእቲ ኢትዮጵያ ይኹን ኢሳይያስ፡ በበቲ ጠመቲኦም ተራኺቦም፡ ኣብ ሓደ ናይ ሓባርን ንኹሎም ዘርውን ስትራተጂ ተኣሳሲሮም ህዝቢ ኤርትራ ንምጥፋእ ዘውጽእዎ ውጥን ተግባራዊ ንምዃን፡ ብዝተፈላለየ መልክዓትን ኣገባባትን ክዋግኡ ዝጸንሑ ምኻኖም መድረኽ ኣጸጽዩ ዘብርሆ ጉዳይ’ዩ። ከምቲ ፍሉጥ ብመግዛእቲ ኢትዮጵያ ክብጻሕ ዝተደልየ ርእሰ ጉዳይ ኤርትራ ንምቁጽጻር ክኸውን ከሎ፡ ናይ ኢሳይያስ ቀንዲ ብሕታዊ ዕላማ ግና፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበሮ ቂምታ፡ ንዘልኣለም ዝፍውሰሉ ኣድማዒ ስጉምቲ ንምውሳድዩ። ንሱ ድማ፡ ንህዝቢ ብዘስካሕክሕ ግፍዒ ኣላሽ ኣቢሉ ኣብ ትሕቲኡ ከስግዶ’ውን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ብቐሊሉ ክፍታሕ ዘይክእል ሽግር ብምሽማም፡ ሓደ ዘይሓልፈሉ ለማኒ፡ ዕሩቕ፡ ስደተኛ፡ ጽግዕተኛ፡ ዝተደነሰ፡ ንናሓዋሩ እናስተማሰለ ዝነብር ህዝቢ ኮይኑ ክሪኦ፡ ባህታን ደስታን ዝፈጥረሉ ሰብዩ’ዩ። ብተወሳኺ እቲ ንሕማሙ ኣፈልፊሉ፡ ንዊንትኡ ብዘዕግብ ኣተግቢሩ፡ ብ ኦፈይታ ዘዋርሶ ጫፌ (ዛሩ) እዚ ዓይነት ተግባር ጥራይ’ዩ።

በቲ ካልኣይ ሸነኽ ምስዝረአ ኽኣ፡ ብመሻርኽቱ ሃይለስላሰ ዝተዋህቦ ሓላፍነትን ዝተሰከሞ ሓደራን ኣብ መፈጸምትኡ ንምብጻሕ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከቢድ መጥቃዕቲ ብምውራድ፡ ህዝቢ ተመሊሱ ኣብ ክትንስኣሉን እሕሕ ክብለሉን ኣብ ዘይክእል ደረጃ ከም ዝበጽሕ ድሕሪ ምግባር፡ ነቶም ናጽነት ኤርትራ ገና ዘይኣመኑን፡ ኤርትራ ምድራን ባሕራን ክርከቡዋ፡ ሕልሚ ሃይለስላሰን ደርግን ሕልሚ ቀትሪን ጋህድን ክከውን ዝጽበዩን ዝጽዕሩ ዘለዉ ተቓውምቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምርካብ ዘማዕድወ ውጥን፡ ኣብ ባይታ ንምትግባር ምኻኑ ማንም ዘይዳደየሉ እናኾነ ዝመጽእ ዘሎ ጉዳይ’ዩ።

ኢሳይያስ ዝተዋህቦ ሓደራ ሃይለስላሰ ብኣድማዕነት ከተግብር፡ ብሓደ ሸነኽ ንህልዊ መንግስቲ ኢትዮጳያ ንምውዳቕ፡ ዝተፈላለየ ውሽጣዊ ሽርሕታት ምስሏኽን፡ ምስ ተጻባእቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ እናተቛረነ ካብ ናይ ልምዓት መደባቶም ዘሰናኽል ውግኣት ብምድራኽ ከም ዝዳኸም ድሕሪ ምግባር፡ ነዞም ናጽነት ኤርትራ ዘይራዓሙ ሸነኻት ኣብ ዝበረኸ ፖሎቲካዊ ቦታ ዘቐምጥ ኩነታት ንምፍጣር ላዕልን ታሕትን ይብል ከም ዝጸንሐ ክንዕዘቦ ዝጸናሕናን ዘለናን ምርኢት’ዩ። በቲ ካልኣይ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ከምቲ ንሱ ዝምነዮ፡ ንወዮም ሰብ ሕልሚ ዝጥዕምን ኩነታት ስለ ዘይከደ፡ ንዐኦም ኣብ ኤርትራ ኣኻኺቡ ጠራኒፉ የደልድሉምን ባይታ ይምድምደሎምን ከምዘሎ፡ ናይ እዋና  ክውን ሓቂ’ዩ።

ስለዚ ንሕናን ዕላማናን፡ (ዕላማ ኢሳይያስን መሻርኽቱን) ውዲታዊ ቕዲ፡ ነዘን ዝስዕባ ክልተ ነጥብታት ንምርግጋጽዩ ነይሩ።

  • ቀዳማይ፡ ህዝቢ ኤርትራ ሓይሉ በታቲኽካ ዓቕምታቱ ምሉእ ብምሉእ ካሳብ ዝመክኽ ምጥቃዕ።
  • ካልኣይ፡ ነታ ብሕሱም ግፍዒ ዋናታታ ዝፈለጉን ዝደኸመትን ኤርትራ፡ ኣብ ኢድ’ቶም ምድራን ባሕራን ንምርስታይ ዝቋመቱን፡ መግዛእታዊ ስስዕቲ ዘይበለየሎም ሓይልታት ኢትዮጵያ ንምርካብን እዩ።

 

መንቀሊ ናይዛ ጽሕፍቲ ብመሰረቱ፡ ጨካን ስርሒት ዳስ ሓውያን፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ብኢሳይያስ ክትግበር ዝጸንሐን ዘሎ ሓደገኛ ናይ ብርሰት ስጉምታትን ዘመሳስሎን ንምንጽጻር’ዩ።

ወዲጓል መስፍን ዓድጋውልን ኢሳይያስን ዘመሳስሎም ኣውራ ነጥባታት፡ ነዘን ዝስዕባ  ይመስላ፡-

  1. ፍጹም ካብ ሰብኣውነት ዝራሓቐ ጨካን ባህሪ፡
  2. ሰይጣናዊ ናይ ሕነ ምፍዳይ ጽምኢ፡
  3. ናይዚ እከይ ውጥን መጠጅኢ (ጠንቂ) ዝኾነ ቂምታታትን ክኸውን ከሎ፡ ሓደገኛ ሳዕቤናቱን ምረቱን ድማ፡ እቲ ብታሪኽ  ዝሰማዕናዮን፡ ብተግባር ንሪኦ ዘለናን ጉዳይ እዩ።

 

ዘመሳስሎም ነጥብታት እዚ ልዒልና ዝረኣናዮ ኮይኑ፡ ዝፈላልዮም ድማ ብመጠኑ ብኸምዚ ዝስዕብ ኣብ ክልተ ነጥብታት ይጠቓለል።

ከመይነት ናይቲ መስርሕ ብንጹር ክንርደኦ ክጥዕመና ምእንቲ፡ ብገረብ መልክዕ ቀሪጽና ክንሪኦ ዝሓሸ ገይረ ወሲደዮ። ስለዚ ድማ፡-

መስፍን ዓድጋውልን ናቶም ዘርእን፡ ከምሓንቲ ኣዝያ ንእሽቶይ ገረብ እንተ ሰሪዕናያ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብምልኡኽኣ፡ ሓንቲ ዓባይ ሃገር ከደን እተጽልል ገረብ ኣቒምና ንሕዛ።

  1. ወዲ ጓል መስፍን ዓድጋውል፡ ነታ ምሉእ ዘርኢ እንዳንኡ ዝሓዘት ገረብ ብዘይካ’ቲ ብዕዉር ዝጽዋዕ ተወላድን ጓሉን፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ካብ ሱራ ምሕዩ ኣብቲ ዓቢ ሩባ ከድፍና ከሎ፡ ኢሳይያስ ግን ኣብዚ መስርሕ’ዚ ልዕሊ ኣርብዓ ዓመታት ወሲድሉ ኣሎ ክብሃል ይከኣል።

 

ኢሳይያስ፡ ነዛ ብምሉእ ዕንበባን ፍረን ህዝባ ዝዘንበበት ዓባይ ገረብ ኤርትራና፡ ብሱራ ዘይኮነስ ብርእሳ ጀሚሩዩ በብቑሩብ ከንቅጻ ተቓሊሱ። ኢሳይያስ፡  ካብ ጀብሃ ምስ ተፈንጨለ፡ እታ ብቐጥታ ክጥቀመላ ዝጀመረ ፖሎቲካዊ መርዚ(ሓሞት ሓርማዝ)፡ እታ ንህዝብና ብምፍልላይ ንሃገራዊ ውሳኔኡ ቀቲላ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዝደርበየትና ሰራም ውዲት ሃይማኖት ዓሌት ኣውራጃ ኣዋሃሂዱ ብምቅማም፡ ናብ መትንታት ናይ ሓንጎል ንኽትወርር ኣዛጋጅዩ ዝሓዛ መርዚ’ያ። ኢሳይያስ ነዛ መርዚ’ዚኣ ኣብ ርእሲ ህዝብና እናነስነሰ፡ ብዙሕ ኤርትራዊ በዛ መርዚ ከም ዝኽሳእን፡ ኣእምርኡ ከም ዝፈዝዝ ገበሮ።

እቲ መኽሳእቲ (ሕማም) ካብ ላዕሊ ንታሕቲ እናዘሮቐ ብዝኸደ መጠን፡ ምሉእ ሰውነቱ ከም ዝድንዝዝ ኮነ። ስለዚ ዓባይ ገረብ ኤርትራና ኣካላታ እናተዘልዓፈ፡ እናተላሕጸ፡ እናተጨፍጨፈ፡እናተቐንጸለ ዕንባባኣን ፍሬኣን እናረገፈ ከሎ፡ ወዮ ብመርዚ ዝደንዘዘ ኣካላ ኣይስመዖን (ኣየቐንዝዎን)። ወላ እታ “ጭሕሚ ብጻይካ ክላጸስ ጭሕምኻ ማይ ልኸ ” እትብል ምስላው’ን ኣብ ኣእምርኡ ተወዝ ኣይበለትን። ብኣንጻሩ፡ ደርሆስያ በምዑታ ትጻወት ክምዝብሃል፡ ጎድንታቱ፡ ኣካላቱ፡ ኮታ ህዝቢ’ታ ሃገር ብጥርኑፍን ተናጽልን፡ ብስርዓት ኢሳይያስ ክጠፍእ እናረኣየ ከምዘይንታዩ ብምቕጻር፡ ዓገብ ኣካላትና ይጭርገፍ ይላሓጽ ተቖሪጹ ይወድቕን ይረግፍን ኣሎ ክብል ኣይክኣለን። እኳድኣ ብኣንጻሩ፡ ኣጣቕዕ አንተበልዎ ከጣቕዕ ዓልሊ እንተበሉዋ ክትዕልል ሰጋእ ዘይብልሉ ዕዮ ገዛ ገይሮም ከም ዝሕዙዎ ኮይኑ እዩ።

ስለዚ፡ እዛ ኣብ ኤርትራ ዝበቖለት ዓባይ ገረብ፡ በብቑሩብ ኣካላታ ብየማና ጸጋማ ብድሕሪኣ ቅድሚኣ ተተጎኒኡ እናወደቐ ምስከደ፡ ንፋስ በቲ ዝተጎድአ ኣካላታ ኣትዩ ብደዋ ከላ ሰራውራ ነቒጹ፡ ደው ዝበለት ጉንዲ ኮይና ክትተርፍ፡ ኩነታት በዚ ዝኸዶ ዘሎ እንተቐጺሉ ዘይክብጻሕ ዝኽእል ኣይኮነን።

 

  1. ወዲ ጓል መስፍን ዓድጋውል ንዘርኢ እንዳንኡ ብበሊሕ ካራ ማለት ኣብ ሓደ ሓጺር ግዜ ዝቐትል ኣገባብ ገይሩ ከጥፍኦም ከሎ። ኢሳይያስ ግን ንህዝቢ ኤርትራ ስቓዩ እናሰተየን ምረት ስቓዩ እናስተማቐረን ክመውት ልዕሊ 40 ዓመታትዩ ብጎዲም ካራ ሓርሒሩዎን ገና እታ ንእሽቶይ ተሪፋታ ዘላ ጎሮሮ ክሳብ ትብተኽ’ውን ክሕርሕራ ይርከብ ኣሎ።

ወዲ ጓል መስፍን ዓዲ ጋውል፡ ኣብ ልዕሊ ዘዕበይዎን ስድርኡን ዘስካሕክሕ ኣረሜናዋ ግፍዒ ፈጺሙ።

ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘካየዶን ገና ዝቕጽሎ ዘሎ ግፍዒ ግን ብዝኾነ መለክዕን፡ ኣብ ናይ ዝኾነ ታሪኽን ተመኩሮን መዳርግቲ ዘይብሉ’ዩ።

ይቅጽል

 

ትቕጽል ኣርእስቲ፡ ግደ ጋል ኣንስተይቲ ኣብ ምጥጣዕ ዳስ ሓውያ ትብል ኮይና፡ ናይ መደምደምታ ኣርእስቲ እያ።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • haile January 13, 2014

    Isayas is from Tigray,so he is trying to destroy his ppl,using Eritrea as Adi-Gaul using his friends.

POST A COMMENT