Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ ዳስ-ሓውያ” ብዘሕዝን ታሪኽ ብዳሳት(ጎዳጉዲ) ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ተተኪኣ።

 “ ዳስ-ሓውያ” ብዘሕዝን ታሪኽ ብዳሳት(ጎዳጉዲ) ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ተተኪኣ። ዝበዝሕ ኤርትራዊ ብልምዲ ከም ዝምስሎ፣ሓደ ሰብ ኣብ ሓደ ነገር ተሰዊሩ ሃለዋቱ ምስ ዘጥፍእ  “ዳስ ሓውያ ዝኣቱ’ምበር ዝወጽእ ነይረኤና” ይበሃል።ነቶም ንታሪኽ “ዳስ ሓውያ” ዘይፈልጡ ኣሕጽር ኣቢለ ክገልጻ ክፍትን ኢየ። ኣብ

 “ ዳስ-ሓውያ” ብዘሕዝን ታሪኽ ብዳሳት(ጎዳጉዲ) ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ተተኪኣ።

ዝበዝሕ ኤርትራዊ ብልምዲ ከም ዝምስሎ፣ሓደ ሰብ ኣብ ሓደ ነገር ተሰዊሩ ሃለዋቱ ምስ ዘጥፍእ  “ዳስ ሓውያ ዝኣቱ’ምበር ዝወጽእ ነይረኤና” ይበሃል።ነቶም ንታሪኽ “ዳስ ሓውያ” ዘይፈልጡ ኣሕጽር ኣቢለ ክገልጻ ክፍትን ኢየ።

ኣብ 13 ክፍለ ዘመን ደግያት ድዕቡል ዝበሃሉ ኣብ ኣውራጃ ሰራየ ይገዝኡ ነይሮም።ክልተ መንእሰያት ኣንበሳጅርን ጅራተቀጭንን ዝበሃሉ ደቂ ምራራ ገብረማርያም ካብ ላስታ(ዓዲ ኣምሓራ) መጺኦም ከም ወታሃደራት ናይ ደግያት ድዕቡል ኮይኖም ክነብሩ ከለዉ፣እቲ ሓደ መንእሰይ ኣንበሳጅር ዝተባህለ ብስቱር ቅድስት ሃና ካብ እትበሃል ጓል ደግያት ድዕቡል ሓደ ጅርገደላ ንዝተባህለ ሕጻን ወሊዱ።ዝኾነ ስቱር ዝበሃል ነገር ንግዚኡ ደኣ’ምበር ውዒሉ ሓዲሩ ምግላጹ ስለ ዘይተርፍ፣ደግያት ድዕቡል ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ጓሎም ካብ ወታሃደሮም ከም ዝወለደት ሰሚዖም፣ጓለይ ብወታሃደረይ ተደፊራ ካብ ዝብል ስምዒት ንኣንበሳጅር ከም ዝቐተልዎ ይዝንቶ።እቲ ወዲ ጓሎም ጅርገደላ ምስ ዓበየ ስልጣን ናይ ኣቦ-ኣዲኡ ንምሓዝ ዕድል ረኸበ።ብድሕር’ዚ ሕነ ኣቡኡ ንምፍዳይ ንኹሎም ዘርኢ እንዳ ኣዲኡ ንምጽናት ኣብ ዓዲ-ሓውያ ዝተባህለ ዓዲ ኣብ ገምገም ጸድፊ ዓቢ ዳስ ኣስሪሑ ናብኡ ተዓዲሞም ከም ዝመጹ ብምግባር ኣብ መስቲኦም ሓሞት ሓርማዝ እናሓወሰ ብምስታይ ስለ ዘወደኦም፣ዝኾነ ናብቲ ዳስ ዝኣተወ ዕዱም ዝወጽእ ኣይነበረን።ገብረሄት ዕዉር ዝበሃል ሓው ደግያት ድዕቡል ተዓዲሙ ጓሉ መሪሓቶ ክትመጽእ ከላ ስለ ዝተጣራጠረ ኣብቲ ዳስ ከይበጽሐ ንጓሉ ኩነታት ናይ ዳስ ከመይ ኣሎ ኢሉ ምስ ሓተታ፣ ዝኣቱ’ምበር ዝወጽእ የለን በለቶ።

ኣምላኽ “ጸድፊ ይፈጥር’ሞ መዳያይቦ የዳሉ” ከም ዝበሃል ዘርኢ ደግያት ድዕቡል ከይጸንት፣ደግያት ድዕቡል  ሰብ ከይብለኒ ወይ ከየነውረኒ ዝብል ሓሳብ ዕሽሽ ብምባል ዘርኦም ከይጸኒት ንጓሎም ኣእሚኖም ሾውዓተ ኣወዳት ከም ዝወለዱላ፣ዘርኢ ናይዞም ሾውዓተ ኣወዳት ድማ ኣብ ብዙሓት ወረዳታት ሰራየን ኣብ ሰገነይትን ከም ዘለዉ ይዝንቶ።

እምበኣር መሲልካ እንታይ ኣምጻእካ ስለ ዝኾነ፣፣ብዘይካ እቶም እናረኣዩ ዝዓወሩ፣እናሰምዑ ዝጸመሙ፣ወይ ከምታ ፓንዳ (Panda) ዝተባህለት እንስሳ ብድኽመት ኣእምሮኣ ዝኣክል ንደቃ ከይተረፈ ከተለሊ ዘይትኽእል፣ደገፍቲ ናይቲ ንህዝብና ዘጽንት ዘሎ ውልቀ-መላኽን ስርዓቱን እንተ ዘይኮይኑ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝርደኦ ኤርትራ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኢያ ተቐይራ ዘላ።ሓደ ሰብ ብሲቪላዊ ይኹን ወይ ብገበን ተኸሲሱ መሳኻክር ሓሊፎሞ ብብይን ቤት ፍርዲ ክእሰር ንቡርን ፍትሓዊ’ኳ እንተኾነ፣እቲ ንኣዳም ገረሞ ኮይኑ ዘሎ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ማእሰርቲ ግን ብዘይ ፍርዲ ንሕልፈት ወይ ኣለም በቃኝ ብምዃኑ ኢዩ።  እቶም ተዋጊኦምን ኣዋጊኦም መሪሕ ኮይኖም ሃገር ዘምጽኡ ከይተረፉ፣ከምኡውን መራሕቲ ሃይማኖት፣ሸኻት፣ጋዜጠኛታት፣ስነ-ጥበበኛታትን ምሁራት ደቂ ሃገርን ዝሓለቁለንን ጌና ዝሓልቁለን ዘለዉን ጎዳጉድን ኮንተይነራትን ኣብ ክንዲ “ዳስ ሓውያ ዝኣቱ’ምበር ዝወጽእ ነይረኣና” ጎዳጉዲ ኢሳይያስ ዝኣቱ’ምበር ዝወጽእ ነይረኣና” ዘብል ዘሕዝን ታሪኽ ይፍጸም ኣሎ።

 ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ኣብ ህዝብና ክጻወት ኣሻዲኑዎ ዘሎ ድማ ኣብ ኩሉ ሰራዊት ኤርትራ ናይ ስለያ መርበባቱ ብምዝርጋሕ ክቋጻጸሮ ስለ ዝኸኣለ እቲ ብትብዓቱን ብቖራጽነቱን ብተወፋይነቱ ጅግና ምዃኑ ኣብ ዓለም ዘመስከረ ሰራዊትና ርእሱ ብምድናኑ፣ ንታሪኽ ጅግንነት ኤርትራ ዝብርዝ ከይከውን ዘየስግእ ኣይኮነን። “ዕፉን ከም ሰብኣይ የጭሕም ከም ቆልዓ ይሕዘል” ከም ዝበሃል እቲ ቅያ ሰሪሑ ብደሙ ነጻነት ዘምጸኤ ጅግና ሰራዊት ብሓደ ወልቀ-መላኺ ርዒዱ ተንበርካኺ ኮይኑ ምጽናት ናይ ህዝቡ ክዕዘብ ናይ ሞት ሞት’ዩ።ሲቪላዊ ህዝብና ብፍላይ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ብሰላማዊ ሰልፍታት ይኹን ካልእ መራኸቢ ብዝሓን ብጨቋኒ ውልቀ-መላኺ ኣብ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ወሰን ኣልቦ ግፍዕታት ናብ ሰፊሕ ህዝቢ ዓለም የፍልጥ ስለ ዘሎ ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ኣብ ዓቢ ራዕዲ ይርከብ ኣሎ።።ኣንጻር ጨቋኒ ስርዓት ሰፊሕ ህዝቢ ብሰላማዊ ሰልፍታት ይኹን ካልእ ግብራዊ ስጉምትታት ምስ ተለዓዓለ፡እቲ ዕልዋ መንግስቲ ዝፍጸም ግን በቲ ብረት ዝዓጠቐ ሰፊሕ ሰራዊት ኮይኑ፣ዓወት ምስ ተጓናጸፈ፣ ስልጣን ንህዝቢ የረክብ።                                                                                                                                       ስለዚ ሰፊሕ ህዝቢ ኤርትራ ብዓቢ ተስፋን ሃንቀውታን ዝጽበዮ ዘሎ ሰፊሕ ክፍላተ-ሰራዊትና ኣብ ጎኒ ህዝቡ ተሰሊፉ ሓርነት ህዝቡ ከጓናጽፍን ልዑላዊነት ሃገሩ ከውሕስን’ዩ።

ኣብዚ ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ምስ ጠ/ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዓቢይ ኣሕመድ ዝገበሮ ውልቃዊ ውዕላት ካብ ሰራዊት ኤርትራ ዝተሰምዐ ናይ ግሉጽ ተቓውሞ ድምጺ የለን።ኣብዚ ግዜ’ዚ መጽናዕቲ ምዝርጋሕ ምድሪ ካብ ወደባት ኤርትራ ናብ ኣዲስ-ኣበባ ተጻፊፉ ይበሃል ኣሎ።ከምኡ’ውን ዓቢይ ኣሕመድ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ንኣባላት ፓርሊያመንቱ ኣብ ዝገበሮ መግለጺ ንባሕሪ ኤርትራ ባሕርና እናበለ ምምስራት ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ባጽዕ መጽናዕቲ ከም ዝተጻፈፈ ገሊጹ።

ስለዚ ዝኸበርካ ሰራዊት ኤርትራ ነዚ ብምኽንያት ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ወደባትና ናብ ኢትዮጵያ ኣሕሊፉ ብምሃብ ብወገን ኢትዮጵያ ድማ ዝግበር ዘሎ ሰላሕታዊ ጎበጣ :ሓይሊ ሰራዊትና ጸማም እዝንኻ ኣይትሃቦ።ንሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ባጽዕ ክሰፍር ሱቕ ኢልካ እንተድኣ ርኢኻዮ፣ኣይሞትኩን ኢልካ ክትሕሱ የብልካን።ሞይትካ ኢኻ፣ብድሕርዚ ዝተርፍ እንተድኣ ኣልዩ ናይ ሞትካ መርድእ ንሕዝቢ ምግላጽ ኮይኑ፣ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ንኢዮብ ጻድቕ ዝደበሰ ኣምላኽ ክድብሶ ጸሎቱ ናብ ኣምላኽ ምዕራግ ኢዩ።ሰፊሕ ህዝቢ ኤርትራ ግን ዝወሰደ ግዜን ህይወትን ይውሰድ ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ ገዛኢ ተመሊሱ ኣይምብርከኽን ኢዩ!!!!

መሓረናዝጊ መርሃዊ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Wedi Hagher July 6, 2019

    ንሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ባጽዕ ክሰፍር ሱቕ ኢልካ እንተድኣ ርኢኻዮ፣ኣይሞትኩን ኢልካ ክትሕሱ የብልካን።ሞይትካ ኢኻ፣ብድሕርዚ ዝተርፍ እንተድኣ ኣልዩ ናይ ሞትካ መርድእ ንሕዝቢ ምግላጽ ኮይኑ፣ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ንኢዮብ ጻድቕ ዝደበሰ ኣምላኽ ክድብሶ ጸሎቱ ናብ ኣምላኽ ምዕራግ ኢዩ።

    –————

    ኣብ ኤሪትራ ሰራዊት ከም ሃገራዊ ትካል ቆይሙ ፥ ይሰርሕ ኣሎ ፣
    ንእሰያስን ብጾቱን ኣሊዩ ፥ ሃገር ካብ ምዕናው ከድሕን እዩ እልካ ቡዙሕ ትጽቢት ዘይምግባር ።
    ምኽንያቱ ፥ ህግደፍ ንሰራዊት ፥ ኣብ ንፓርቲ ዝከላኸል ማለሽያ ቀይሩዎ እዪ።
    ህግደፍ ኣብ ዉሽጢ ሰራዊት ዝነጥፍ ጨንፈራት ኣሎዎ። እዚ እቲ ኩሉ ሃገሩ ዝፈቱ ዜጋ ዝፈልጦ መሪር ሓቂ እዩ።
    ስለዚ ፥ እቲ ፍታሕ ፥ ሰራዊት ኣብ ግምት ዘየእተወ ኽኾውን ኣሎዎ።

  • k.tewolde July 6, 2019

    It is a great story coming from my mom’s neck of the woods,once a beautiful place turned into a roach motel — you check in and you never check out, something got to give.Lord,you promised you will never forsake us,have you?

Post a Reply to k.tewolde Cancel Reply