Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዳግመ ዉደባ መንግስቲ፡ መንግስታዊ ቅርጻን ሓይሊ ጉልበት ሰብ ብከመይ ይካናወን?

ዳግመ ዉደባ መንግስቲ፡ መንግስታዊ ቅርጻን ሓይሊ ጉልበት ሰብ ብከመይ ይካናወን? ኣብ መፋርቕ ወርሒ መስከረም `2013 ሓለፍቲ ህዝባዊ ግንባር ንዴሞክራስን ፍትሕን ኣመሓደርቲ ዞባታትን ክዋድራት ኣብ ማእከል ትካላዊ ብቕዓት ምምዕባል እምባትካላ ኣኼባ ከም ዘካየዱ ብመራኸብታት ብዙሓን ኤርትራ ተቓሊሑ

ዳግመ ዉደባ መንግስቲ፡ መንግስታዊ ቅርጻን ሓይሊ ጉልበት ሰብ ብከመይ ይካናወን?

ኣብ መፋርቕ ወርሒ መስከረም `2013 ሓለፍቲ ህዝባዊ ግንባር ንዴሞክራስን ፍትሕን ኣመሓደርቲ ዞባታትን ክዋድራት ኣብ ማእከል ትካላዊ ብቕዓት ምምዕባል እምባትካላ ኣኼባ ከም ዘካየዱ ብመራኸብታት ብዙሓን ኤርትራ ተቓሊሑ ምንባሩ ኣይርሳዕን እዩ። ዕላማ ናይቲ ካብ 17-19 መስከረም 2013 እተቓንዐ ኣኼባ፡ ምምሕያሽ ምምሕዳርን ምሕደራን ዝሕመረቱ ምእዘናን ስልጠናን ኣመሓደርትን ሓለፍትን ግንባር ምንባሩ እቲ ወስታ-ጸብጻብ ይጠቅስ። ዝርዝራት ናይቲ ኣኼባ ከም ወትሩ ንህዝቢ ብግሉጽ መንገዲ እኳ እንተ ዘይቀረበ፡ እቲ ብፕረዚደንት ኢሳይያስን ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ እተኸፈተ ኣፈናዊ-ዘተ እተበሃለሉ ናይ ሰለስተ መዓልታት ኣኼባ፡ መቐጸልታ ናይቲ ብደረጃ ንኡሳን ዞባታት ዝጀመረ ዳግመ-ውደባን ምደባን ምዃኑ ተገሊጹ ነይሩ። ታሪኽ ምምእዛዝ፡ምቡዋዝን ምእላይ ሰበ-ስልጣን ብኢሳይያስ ኣብ ኤርትራ ሓድሽ ተርእዮ ኣይኮነን። ካብ እግሪ ተኽሉ ዕቱብ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ምጣኔ-ሃብታዊ ምቍጽጻር ዘራጋገጸ ፖሎቲካዊ ስርዓት፡ንውልቃዊ ናጽነትን ንዝተፈልየ-ሓሳብ ዘለዎም ዜጋታት ኣፌፌት ዝኸፍት  ቦታ ፈጺሙ ኣየፍቕድን እዩ። ከም ፖሎቲካዊ ስርርዕ ፍጹም ዉድቐት ከምዝገጠሞ ኣብ ዝተገንዘበሉ እዋናት፡ ዳግም ርእሰ ዉደባ ክገብር ተገዲዱ ኣሎ።

ዓይነት ፖሎቲካዊ ስርዓታት ብዘየገድስ፡ ዝኾነ ይኹን መንግስቲ ከም ፖሎቲካዊ፡ ምጣኔ-ሃብታዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላዊ፡ ዲፕሎማስያዊ፡ ቅዋማዊ ፡ ብልሽዉናታት፡ ስእነት ስነ-ስርዓትን ጸጥታዊ ቅልዉላዋትን ዉድቐታት ከጋጥሞ ይኽእል እዩ። ገለ ፖሎቲካዊ ስርዓታት ኣብ ኩሉ መደያቶም፡ ገለ ድማ ኣብ ከፌል ጽላታቶም ዉድቀትን ቅልዉላዋት የጋጥሞም ምኻኑ ተሞክሮ ዓለም የራጋግጸልና እዩ።  ኣንካይ ዶ ኣብ ቅርጻ ሳሕቲ እዉን ቅልዉላዋት ትሕዝቶ ቅዋም ዘጋጥም እዩ። እቲ ሓቂ ከም’ዚ ካብ ኮነ፡ ነየናይ ዓይነት ዉድቀታት ዘጋጠሞ ዓይነት መንግስቲ ዳግም ዉደባ መንግስቲ፡ መንግስታዊ ቅርጻን ሓይሊ ጉልበት ሰብ ብምግባር ከነድሕኖን ከነስርሖ ንኽእል፡ ንዝብል ሕቶ ቅድሚ ምምላሰይ፡ ዝወደቀ ፖሎቲካዊ ስርርዕ (failed state) ፖሎቲካዊ ኣምራዊ ትሕዝትኡ ምንጻር ከድሊ እዩ።

ዝወደቀ ወይ ዘበርዓነ ፖሎቲካዊ ስርርዕ ክባሃል እንኮሎ፡ ኣብ ምዉሳኑ ኣካታዕን ቀዋሚ-ሕዋም ዘይብሉ እኳ እንተኾነ፡ ብንጹር ሓደ ልዕላዊ መንግስቲ፡ ኣብ መሰረታዊ ዝኾኑ ሓላፍነታቱ፡ ምትግባር ኣብ ዝስእነሉ ኩዉንነት፡ ብኡኡ ዝዉሰን እዩ። ሓለፍነታት መንግስቲ ኣዝዮም ቡዙሓት እኳ እንተኾኑ፡ ካብቶም መሰረታዉያን ሓላፍነታቱ ንምጥቃስ፡-

  1. ምርግጋጽ ፖሎቲካዊ ዲሞክራሲን፡ ሕጊን ስነስርዓትን።
  2. ምዉሓስ ጸጥታ ዜጋታትን ልዕላዉነት ሃገርን።
  3. ምርግጋጽ ማሕበራዊ ኣገልግሎት።
  4. ምርግጋጽ ምጣኔ-ሃብታዊ ርግኣት።
  5. ፍግረት ሕጋዉነትን ቡኹረት ሓባራዊ ዉሳኔ።
  6. ምርግጋጽ ሃገራዊ ስኒትን ዞናዊን ዓለምለኻዊ ምትሕብባርን…ወ.ዘ.ተ እዩ።

ሓደ ፖሎቲካዊ ስርዓት ኣብ ገለ ገለ ጽላታቱ ገለ ምዕብልናታት ከርኢ ይኽእል እዩ። ኣብ ምክልኻል እታ ዝደቀቀት ባእታ ሕብረተሰብ ዝኾነት ስድራቤት ካብ ምብትታን ከድሕና እንተዘይኪኢሉ፡ ናይ ዉድቀት ዉድቀት እዩ። ንመረዳእታ ኤርትራ ኣብ ምዕዋት ምዕብልና ሾቶታት ክፍሊዘመን (Millennium Development Goals) ኣብ ኣዉንታ መስርሕ ምልክታት ምዕዋት እኳ ኣንተሃለወት፡ ብመንጸሩ እዚ ኣዝዩ ዝዉሓደ ኣንፌት ዓወት፡ ዝበዝሔ ዕንወት ከምዘሎ ብመርትዕታት ክራጋገጽ ዝኽእል ሓቕታት እዩ። ኤርትራ ኣብ ዝበዝሓ ክፍልታት ኣብ ፍጹም ዉድቀት ትርከብ። ነተን ኣብ ላዕሊ ብእብረ-ብቕድመተከተል ዝጣሕመስኩወን ንጥፈታትን ተግባራት ከተግብር ዘይክእል መንግስቲ፡ ዝወደቀ ወይ ዘበርዓነ ፖሎቲካዊ ስርርዕ እዩ። ከም ሳዕቤን ዝወደቀ ወይ ዘበርዓነ ፖሎቲካዊ ስርርዕ፡ ዝተፈላለየ ዓይነትን ጽፍሕታትን ዉድቀታትን ተርእዮታት ኣለዎ። ንሱ ድማ፡ 1. ዝፈሸላ ሃገራት ። 2. ሙሩኻት ሃገራት ። 3. ናይ ሕንፍሽፍ ሃገራት። 4. ናይ መልኣከ-ሞት  ሃገራት ። 5. ድኹማት ሃገራት ክኾና ይኽእላ።

ህሉዉ ኩነታት ኤርትራ ብጭብቲ ኣብ’ዚ እዋናት ኤርትራ ምርኽትን (captured state) ካብ ዓለምለኻዊ ዝምድናታት ዝተነጸለት ኣብ ከቢድ ዓለምለኻዊ ማዕቐብ እትርከብ ሃገር (A pariah state) እያ። እዚ ዳይነሚክ’ዚ ንኤርትራ ናብ ናይ ሕንፍሽፍ ሃገር ዶ ዋላ ናብ ናይ መልኣከ-ሞት  ሃገር ክቕይራ ሙኻኑ ንምዉሳን ኣዝዩ ኣጸጋሚ እኳ እንተኾነ፡ እቲ ዝቕጽል ፍሽለታት እኩብ ድምር ናይ ብዙሓት ተረኽቦታትን ባህርያት ናይቲ መንግስትን ዞናዊ-ፖሎቲካ ዝዉስኖ መስርሕ ስለዝኾነ፡ ነቲ ክዉንነት ብመርትዖ ምጽንዑ ከድሊ እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ብመርትዖ ኤርትራ ምርኽትን ንጽልትን ሃገር ፍሽለታት ኣጋጢምዎ ከምዘሎ ሩጉጽ እዩ።

ኣብ ከምዚ ጽምዶ ፍሽለታት ተፈሪጃ እንኮላ እዩ; ስርዓት ኣስመራ ዳግመ ዉደባ መንግስቲ፡ መንግስታዊ ቅርጻን ሓይሊ ጉልበት ሰብ ዝብል ዘሎ። ስርዓት ኣስመራ ከም ፖሎቲካዊ፡ ምጣኔ-ሃብታዊን ማሕበራዊን ስርርዕ ፈሺሉ እዩ። ንሓደ ኣብ ኩሉ መዳያቱ ዝፈሸለ መንግስቲ፡ መንግስታዊ ጽገናን መንግስታዊ ዳግመ ቅርጻዊ ስርርዕ (Government Reform and Restructuring) ክትገብረሉ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። ምናልባሽ ገለ ጽላታቱ ብሰንኪ ሽለልትነትን ዘይቡቕዑነት ዝመርሖ ሚኒስተር ፈሺሉ ነይሩ እንተዝኸዉን፡ ነቲ ሚኒስተር ብኻልእ ሚኒስተር ተኪእካ ዳግመ ስርርዕን ዉደባ ከተካይድ ይክኣል ይኸዉን፡ ፈጺሙ ኣብ ኩሉ ስርርዓቱን ቅርጻታቱን ፈሺሉ ንክሰርሕ ዘይክእል መንግስታዊ ቅርጻ ጸጊንካ ወይ ዳግመ ቅርጻዊ ስርርዕ ብምክንዋን፡ ትንፋስ ክትሰርዓሉ ፈጺሙ ኣይክኣልን እዩ። ስለዘይክኣል ድማ ኣብ ዕንኡ ሓድሽ ፖሎቲካዊ ስርርዕ ክትካእ ዘለዎ።

ስርዓት ኣስመራ ብሰንኪ ዝኽተሎ ፖሊሲታት ንዜጋታት ሃገሮም ራሕሪሖም ንክስደዱ ስለዝደረኾም፡ ብሓያል ጽንፈት-ኣእምሮ (Brain drain or human capital flight) ኣብ ኩሉ መዳያት ገጢሙዎ ኣሎ። መማህራን፡ ሓካይም፡ መሃንድሳት፡ ናይ ስነ-ቁጠባ ኪኢላታት፡ ጋዜጠኛታት፡ ወትሃደራዊ ሞኮንናትን ኣጋር ሰራዊት፡ መራሕቲ-ናይ ዉግእን ሲቪልን ነፈርቲ፡ ቴክኒሻናት፡ናይ ከቢድ ማሽኔሪታት ኦፕሬተራት…ወ.ዘ.ተ ንኤርትራ ራሕሪሖም ኣብ መላእ ዓለም ተበቲኖም ኣለዉ። እዚ ክዉንነት እዚ ዘነጽረልና ጉዳይ እንተሃሊዩ ስሕወት ሰብኣዊ- ጸጋታት (Human Resource) እዩ።

መሰረት ሃገራዊን ማሕበራዊን ምዕባሌ ሓደ ሃገርን ህዝቢ ሱቡሕ ማሕበራዊ ጸጋታት ምስ ዝህልዎ እዩ። ሱቡሕ ማሕበራዊ ጸጋታት እንተሃሊዩ፡ ምጣኔ-ሃብታዊን ፖሎቲካዊን ምዕባሌታት ክጋሃድ ግድነታዊ እዩ። ስለዚ  ብስሕወት ማሃዚ፡ ዓያዪ፡ ኪኢላ ሰብ…ወ.ዘ.ተ ስእነት ትስሓግ ዘላ ሃገርን መንግስትን ከመይ ጌርካ እዩ፡ ዳግመ መንግስታዊ ስርርዕ ተኻይዱ ኣድማዕን ንጡፉ ዝኸዉን? ወሳኒ ግደ ሰብን ጥዕና ዘለዎ ፖሎቲካዊ፡ ምጣኔ-ሃብታዊን ማሕበራዊ ፖሊሲታት ዝቦኾረሉን ፈጺሙ ዝፈሸለ ፖሎቲካዊ ስርርዕ ዳግመ ምዉዳብ ገይሩ ክሰርር ፈጺሙ ኣይክእልን እዩ።

መሰረታዊ ጸገም ስርዓት ኣስመራ፡ ጉጉይ ፖሊሲታት፡ ትካላዊ ኣሳራርሓ ዘይምህላዉ፡ ኣጋባብ ኣታዓዳድላን ኣማዳድባን ሰብን ሰብ መዝታት እዩ። ቡቁዕ ሰብ ንዝበቕዖ ቦታ (action oriented) ዘይኮነ፡ ዕድሎት ጸጋ ከም ዓስቢ ናይ ተኣማምነትካን ኣገልጋልነትካ ነቲ ስርዓት ተመዚኑ ዝምደብን ዝዕደል እዩ። ብኸምዚ መዕቐኒ ዝመጸ ሰብን ብዓል መዚ ድማ፡ ንዝሓዞ ፖሎቲካዊ ስልጣን ንምሕላዉ ኣብ ከባቢኡን ተመዲብሉ ዘሎ ቦታ ኣዝማዱ፡ ደቂ ዓዱን ኣዕሩኽቱን መታን ክሕልዉዎ፡ ኣብ ከባቢኡ ይምድቦም። እዞም ዝተመደቡ ሰባት ድማ ኣብ ክንዲ ንሃገርን ህዝቢ ዘገልግሉ፡ ነቲ ኣብታ ቦታ ዝመደቦም ብዓል መዝን ንገዛእ ርእሶም ኣብ ምሕላዉ ይጽመዱ። ከምዚ ዓይነት ኣማዳድባን ኣሳላልፋ ዘለዎ መንግስታዊ ስርርዕ፡ ነቲ ሕጋዊ መንግስታዊ ማሓዉር እንዳኣቖንቖነ፡ ናይ ጉጂለታቱ ረብሓታት ዘራጋግጽ እዩ።

መንግስታዊ ጽገናን መንግስታዊ ዳግመ ቅርጻዊ ስርርዕ ንምክያድ ብሃዉሪ  ወይ ድማ ብሰብ ምቅይያር ጥራይ ዝካየድ ነገር ኣይኮነን። ካብ ዝታሓተ ጽፍሒ እቲ ሕብረተሰብን ሃገርን ኣዝዮም ንጹራት መጽናዕትታትን ዉጥናት ዘድልዮ ጉዳይ እዩ። ነዚ ንምትግባር ድማ ነቲ ዘሎ መንዓዓቢ ክዉንነትን (Dynamic & paradigm) ዝቕይር ባይታታት ክህሉ ኣለዎ። እቲ ባይታ ድማ ነቲ ዝፈሸለ ፖሎቲካዊ ስርርዕ ከምዝፈሸለ ሙሉእ ብሙሉእ ተቀቢልካ፡ ኣብ ዕንኡ ጥዕና ዘለዎ ሓድሽ ፖሎቲካዊ ስርርዕ ምጥያስ እዩ። ስርዓት ኣስመራ ኣብ ኩሉ እንትናዊ መንግስታዊ መሳሩዓቱን ቅርጹን ትሕዝትኡን ዝፈሸለ ፖሎቲካዊ ስርርዕ ምኻኑ ክርዳእ ዝደሊ ዜጋ እንተሃልዩ ፡ ካብ ቡዙሕ ገለ ገለ ኣብነታት ክፍልታቱ ንምጥቃስ፡- ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ከም ቅርጻ ኣብቲ ናይ ምክልኻል ሓይልታት ኤርትራ ዘሎ ኮይኑ፡ 98% ኪኢላታቱ መራሕቲ ነፈርትን ጸገንቲ ተሰዲዶም እዮም። ነፈርቲ ኩናት ዝመርሔንን ዝጽግነን እንተዘይሃልዩ፡ ሓይሊ ኣየር ዝባሃል ቅርጻ ከም ስም እንበር፡ ከምተግባር የሎን። ክፍሊ ሃገራዊ ድሕነት ንትዓዘብ፡ እዚ ክፍሊ እዚ ንጸጥታ ዜጋታት፡ ሃገር፡ መንግስቲ ክካላኸል ዝግባእ፡ ልዕሊኡ ድማ ኣቀዲሙ ንጸጥታ ብዝምልከት ፈሊጡ ስለያን ጸረ ስለያን ከካይድ ዝግባእ መንግስታዊ ኣሃዱ እዩ። እዚ ኣሃዱ እዚ ብብቕዓት ዘለዎም ሰባት ዘይኮነ ናይ ስድራቤታት ኣሃዱ ኮይኑ ተሪፉ ከምዘሎ ስርዓት ኣስመራ ጽቡቕ ገይሩ ዝፈልጦ እዩ። ስለዚ እቶም ነዚ ኣሃዱ ዘካይዱ ዘለዉ ስድራቤታት ኣብ ክንዲ ንሃገርን ህዝብን ጸጥታ ዝካላኸሉን ዘኽብሩ፡ ንገዛእ ርእሶሙን ንስድራቤታቶም ኣብ ምሕላዉ ተጸሚዶም ስለዝርከቡ፡ ንጸጥታ ሃገርን ህዝቢ ዝካላኸል ኣሃዱ ብተግባር የሎን ማለት እዩ። ከምኡ እዉን ሚኒስትሪይ ወጻኢ ጉዳያት ንትዓዘብ ከምቲ ኣቀዲመ ዝተንባህክዎ ትሕዝቶ ዘለዎ እዩ።

ስለዚ ኩሉ መንግስታዊ ቅርጻ ስርዓት ኣስመራ፡ ኣብ ክንዲ ናይ ሃገርን ናይ መንግስቲ ቅርጻን ትሕዝቶ ዝህልዎ ናይ ሳድራቤታትን መቕርብ ምትእኽኻብ ትሕዝቶ ዘለዎ እዩ። ሓደ ፖሎቲካዊ ስርርዕ፡ መንግስታዊ ቅርጻታቱን ስርርዓቱን፡ ካብ ትሕዝቶ መንግስቲ ወሪዱ ናይ ሳድራቤታትን መቕርብን ትሕዝቶ ኣሳላልፋን ኣዋዳድባን ዘለዎ መንግስቲ እንተኾይኑ፡ ኣብ ክንዲ መንግስቲ ተባሂሉ ዝስመ፡ ልፍንቲ ናይ ኣርካናት-ኪናት (A  coalition of warlords) ክባሃል ዝክኣል እዩ። ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ብሰንኪ ዝኽተሎ ፖሊሲታት ፡ ኣንጻር ገዛእ ህላዊኡ ዝተቃለሰን፡ ከም ሳዕቤኑ ንደዉላ ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ናብ ቀራና-መገዲ ዘሳጥሔ ከንሱ፡ ዕድሚኡ ንምንዋሕን ፖሊሲታቱ ካይቀየረ፡ እስትንፋስ ንምስካዕን ተባሂሉ ተኽሊጥ ጥራይ እዩ ዝገብር ዘሎ። ብተኽሊጥ ዝርከብ እስትንፋስ ድማ ኣይክህሉን እዩ።

ኩሉም ኣብ ዓለምና ዝወድቑ ፖሎቲካዊ ስርርዓት ሓያል ተቃዉሞ ስለዘለዎም፡ ማዕቀብ ስለዝተገብሮኦም…ወ.ዘ.ተ ዘይኮነስ፡ ብዝኽተልዎ ኣሉታ ፖሊሲታት እዮም። ስለዚ ስርዓት ኣስመራ ይጽላእ ይፍቶ፡ ተኽሊጥ ይግበር ኣይግበር፡ ዳግመ ዉደባ ቅርጻ ይግበር ኣይግበር…ወ.ዘ.ተ ዝወደቀ ፖሎቲካዊ ስርዓት ስለዝኽነ፡ ኣብ ዕንኡ ጥዕና ዘለዎ ፖሎቲካዊ ስርርዕ ምህናጽ እዩ። ስለ’ዚ ብንጥፈታት ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ቡዙሓት የዋሃት ኤርትራዉያን ክዳናገሩ ስለዝኽእሉ፡ ካብ ሕጂ ኣትሒዞም ክፈልጥዎ ዝግባእ ነገር እንተሃሊዩ ኢንባሲታት ፡ ሚኒስተራት፡ ኣማሓደርቲ…ወ.ዘ.ተ ብምቕይያር ዝመጺእ ለዉጢ ከምዘየሎ እዩ። ነዚ ፈሊጡ ድማ ንመሰረታዊ ለዉጢ ክዕጠቅን ክጽዉዕ ኣለዎ።

ወድሓንኩም!!!

መርዕድ ዘርኡ

8/1/2014

m.zerut@gmail.com

aseye.asena@gmail.com

Review overview
27 COMMENTS
  • SAVING YOUNG ERITREANS January 12, 2014

    “መሬት ክትግልበጥ እያ እንተበልዎም፣መሬት ብምግልባጣ ዘይት ኣደነ ኩዕንትን ድንሽን ክንዓጽድ ኢና ኢሎም ዝሕጎሱ ብዕድመ ወለድኹም ዝርከቡ የዋሃን ኤርትራውያን ጥራይ እዮም ።(መሳኪን)”

    ንኣሽቱ ኣሕዋተይ__________ መንእሰያት ደቀይ
    ቃልዓለም ኣይፈልጦን የ______ ክድርጉሖ ብሓቀይ
    ኣፈይ ከልቢ ይሽነሉ_____ብትንቢት ግዒረ ንውልቀይ
    ሽፍትነት ናይ ገድሊ ተረዲኡኒ___፣እቲ ዝወልዶ ስቓይ።

    ተረዲኡኒ ኔሩ ______________ስራሕ ቀጠፍቲ
    ንነጻነት ዘይጎደሎ ህዝቢ___________ መታለልቲ
    ዓመጽቲ ደቀንስትዮ__________ናይ ደም ሸቀጥቲ
    ሓዲኦም ንዓረባዊ______ሓዲኦም ብኣቢሲንያዊ ስልቲ
    ናይ ሶርያ ጠያይት__________ናይ ዒራቕ ሕብስቲ
    ነቦታትኩም ኣዔሽዮም ______ብጽውጽይ መንቃሕቲ
    ሳዕሪ ዘይተቡቍል__ብሃይማኖትን ኣውራጃነትን ሕምስቲ
    ሃገር ኢሎማ ቀበሌ ዘይትኣክል ______መሬት ከዘብቲ
    ንሶም ጀርመን _______ሃይኒኬን ይሽርቡ ለይተ ለይቲ
    ዳሕሮት ንራሻይዳ ሸይጠሙኹም_____ዘኻዕብቱ ሃብቲ
    መንእሰያት ፣ ብሰንክኹም ኣሕዲረ ____ሕማም ከብዲ
    ወለድኹም ዝተፍኡኹም_________ንብላሽ ጠፋእቲ ።

    ርካሽ ታሪኾም _______________ንማንም ዘየተምኒ
    ገድሊ ዘልዎ፣ቅሉዕ ሽፍትነት _________ብኹሉ መዔቀኒ
    ኣብ ዘይረብሕ ዕላማ_ ___________ሂወትኩም ክደሚ
    ሕድሪ ስዉኣት ይብሉኹም ________ከጥፍኡኹም ብግኒ
    ንሶም ወጻኢ፣____ምስ ደቆም የጣምሙ ስፓጌቲ ላዛኛ ዝግኒ
    ኣነ ሓሶቶም ቀዲመ ስለ ዝገጠምክዎ_ ሓለትኩም ደም የንብዓኒ
    ነጊረዮም ኔረ ፣_____ግን ዓጋመ ኢሎም ምስማዕ ኣብዮምኒ
    ወለድኹም ዝጸላእትኹም ደቀይ _____ብጣዕሚ ተሕዝኑኒ።

    ኢሳያስ እንተልጊሱ_____________ ዓዲ ከም ዝርህዋ
    ሽግራ ተወዲኡ____ኣውራጃነት ሃይማኖት ከም ዘይትንክፍዋ
    ህዝብታት ተሓቛቚፎም _____ብሓባር ሃገር ከም ዝሃንጽዋ
    ይብሉኹም, ነቲ ዘይሕከም፣ሕቡእ ካንሰራን ኤይድሳን ክሽፍንዋ
    ናይ ሓሶት ታሪኻ ዝመጸጽ _____ከም ዝቐነየ ናይ ቦሶሮ ስዋ
    ኣይነገረናን ከይትብሉ _________ሓወቦይ SYE ረሲዕዋ
    የጠንቅቐኩም ኣለኹ_______ጉዳይ ካብ ሕጂ ክትፈልጥዋ
    እንተደሊኹም ጭንቂ ዕላሉ በሉኒ _______ብሱራ ንጸግዋ
    ክፉእ ተተምንየ ኣይኮንኩን ልብምናይ ሱርን ጨንፈርን ኣለዋ
    ነዛ ከዛብ ሃገር ክትቀብርዋ __እምበር ክንደየናይ ከይትነብርዋ !!!!!!!

    ዓወት ብልብምናን ምስትውዓልን ንመንእሰያት ኤርትራ
    ዕንወት ነቶም ቀዳሞት ኣጀንዳ ኣዕራብ ሒዞም ፣ዳሕረዎት ድማ ፍሉይ ፍጥረት እናበሉ ብደም ዓሻ ህዝቢ ዝሽቅጡ ሸፋቱ
    ዕንወት ንህሉዋትን ዘይህሉዋትን ሸፋቱን ናይ ሓሶት ታሪኾምን

    • mai_Edaga January 12, 2014

      SAVING YOUNG ERITREANS, nisika nay dergi wetader zineberka naxinet Eritrea zeytikibel ika . nab Zimbabe kid nigoytaka MENGSTU HAILEMARIYAM kitirekibo. kindeyanay ketyiseliteka mengistu kea nab amlaku temelisu, menfesawi koynu iyu imberey .

      • SAVING YOUNG ERITREANS January 13, 2014

        mai – Edaga

        ኣብ ካርነሽም ማይ ዕዳጋ ዝብሃል የለን፣ስለዚ ንምንታይ ንህግደፍ ትድግፍ ምህላውካ ኣይበርሃለይን ????? ምሳይ ኴንካ ክትኩሪ እዩ ዝግብኣካ። ብዓል ድሩዕ እኮ ተኣሲሮም እዮም ዘለዉ።

        • MightyEmbasoyra January 13, 2014

          SYE,
          Nice! You are very creative as well as funny.

  • Daniel January 12, 2014

    Dear Mr Zeru

    When you wrote: “ንመረዳእታ ኤርትራ ኣብ ምዕዋት ምዕብልና ሾቶታት ክፍሊ-ዘመን (Millennium Development Goals) ኣብ ኣዉንታ መስርሕ ምልክታት ምዕዋት እኳ ኣንተሃለወት”, I really want to differ. How on earth a country how can’t supply its peaople with basic necessities of life like water, electricity, education, health, etc can be said to be on a positive direction in achieving MDG? Your overall article is good and to the point. However, small lines like the above can deceive people and opens the ardent (blind) supporters in saying that the means justifies the end. For more information on this topic (MDG) regarding eritrean, please reading a very good article by AWATE team on the link below:
    http://awate.com/eritrea-2013-a-retrospective/

    With regrads

  • ER ITRAWIT January 12, 2014

    Dear,SYE
    Happy new year, you are not wrong at all this is our history we like it or not!!!!!!
    mesaken Jeganue yehwat hezbey Eritrea abzeyfelton zeyhasebon Gahaneb atew zelo!!!!! Thank you.

    • SAVING YOUNG ERITREANS January 13, 2014

      Eritrawit the brilliant ,

      I am glad ,you understand the over all message of my comment .Take heed and take it seriously ,the new generation has¨to imagine the worst and work for the best¨

      Thank You ERITRAWIT

  • Abiti January 12, 2014

    Learn heroism from hero Zeray Dires

  • L.T January 12, 2014

    Nihna Nusu Nusu Nihna Beka….

  • woldu tekle January 12, 2014

    Dear Merid Zeru….Excellent article. I could not agree more.

  • open your mind January 13, 2014

    L.T.say ane nusu nusu ane .dont enclude others talk about yourself .when nusu is not on power you are by your owm.this time will pass and peace will come to my country. Leklaki ietukun make your brain work.

  • halengi January 19, 2014

    ajoka wedi afom kulu ab gonka iyu

POST A COMMENT