Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ድሃይ ሓዳስ ኤርትራ፡

ድሃይ ሓዳስ ኤርትራ፡  14.03.2019፡ ከምቲ ወለዲ ንዘይተወልደ ዕሸሎም ዝትምነዩሉ ነበረ ስዉእ ትኩእ ይሕደጎ ድማ ነታ ንናጻነታ ዝተሰለፈላ መጻኢት ሃገሩ ከይኮነት “ሓዳስ ኤርትራ” ክብል ዝሰየማ። ንሱ ምእንቲ ንሳ ክውንቲ ክትከውን ሂወቱ ተበጂዩላ። ስለኡ’ዩ’ውን እ’ቲ ምእ ንታኣ ኩሉ

ድሃይ ሓዳስ ኤርትራ፡  14.03.2019፡

ከምቲ ወለዲ ንዘይተወልደ ዕሸሎም ዝትምነዩሉ ነበረ ስዉእ ትኩእ ይሕደጎ ድማ ነታ ንናጻነታ ዝተሰለፈላ መጻኢት ሃገሩ ከይኮነት “ሓዳስ ኤርትራ” ክብል ዝሰየማ። ንሱ ምእንቲ ንሳ ክውንቲ ክትከውን ሂወቱ ተበጂዩላ። ስለኡ’ዩ’ውን እ’ቲ ምእ ንታኣ ኩሉ ነገሩ ዝኸፈለ ህዝቢ ድሕሪ ናጽነት ራእን ሕድርን ትኩእ ኮነ ካልኦት ብጾቱን ህሉዋት ተካእትን ንምትግባር ን ሃገርና “ሓዳስ ኤርትራ” ክብል ዝጠመቓ። ወግዓዊት ልሳን ግዜያዊት መንግስትና’ውን “ሓዳስ ኤርትራ” ተሰመየት።

 

ድሕሪ ናጽነት ኩነታትን ጉዕዞን ሃገርና ዘይማዓሮ ሚ/ር ሃይለ፡ “ሓሳብና ንግበር!” ክብል ተማሕጸነ። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ሓሳቡ ክገብር ወትሩ ድሉው’ኳ እንተኾነ ክሳብ ግዜዝህቦ ኣጒሙ ድሕሪ ምጽናሕ ልክዕ ከም ወጋሕታ ብጭሩቕታ ጨራ ሩ፡ ብርቀት ሓዳስ ኤርትራ’ውን ብምሁራትና ይብሰር ስለ ዘሎ እንሆ ካብ መድረኽ ድስክልና ናብ ተበግሶ ነቒሉ ክጸ ዋዋዕ ይስማዕ። ወዮም ከየድህዩ ክሕለዉ ዝጸንሑ ጸዋዕ- ቲ ሙሁራት’ውን ዝተዓብሰ ኣፍ ክዛረብ ኣእምሮ ከምዝ- ኽፈት ብምግንዛብ ጽባሕ ካብኦም ንዝጥለብ ዘበለ ቀረብ ተወፋይነቶም ካብሕጁ ይእዉጁ እነዉ። እቶም ኣበሰርቲ ዳግማይ ብርቀት ሓዳስ ሃገርና ብዙሓትን ካብ ሙሉእ ህ ዝብን’ኳ እንተኾኑ ብወገነይ ነዞም ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ ቅንያት ምስ ኣሰና ቃለ-መሕትት ዝገበሩ ምሁራትና ከም ኣብነት እንተጠቐስኩዎም ሓለፋ ከምዘይመስል ብምእማ ን ጽሕፍተይ ናብኦም ከተቕንዕ’ያ።

 

“ካብ ወሃብስ መዋሃቢ” ትብል ነይራ ወላዲት ዶ/ር ሃብተማሪያም። ብርግጽ ድማ ንወላዲተይ ኣዘኪርኒ። “እንታይ ኢዩ’ ቲ ዝዋሃብ?” ኢልና’ውን ኣይንድንገርን። ማለት ዘለዎስ ንዘይብሉ ዝፈቐዶ ስለዝህብ ማለተይ ኢየ። እቲ ጥቕሲ ቀዳሞትና ለካ ነቶም ቈቁጻሮም ሒዞም ዝመጹ ወሃብቲ ምስቶም ተዋሃብቲ ዘራኽብ ባይታ ንዝፈጥሩ ቁምነገረኛታት ንምዕዛዝ ስለ ዝተባህለ ኣዚዩ ዓሚቑ ትርጉም ከምዘለዎ ርግጸኛ’የ። ዝኾነ ኮይኑ ወለድናስ ክንደየናይ ከይህልዋን ከይህልዉን። እንተ ን  ሕና’ሞ ኣብ ዳግማይ ቃልሲ ናይ’ዛ ንሞት ተፈሪዳ ዘይትመውት ሃገር ብምህላውና፡ ብሓፈሻኡ ብኩሎም ጻዕራማት መዋ ሃብቲ መራኸብታትና፡ ብመልክዕ ተሌቪዥን ድማ ብመገዲ’ቲ ከም ወሃብን መዋሃብን ክጠቕሶ ዝደፍር ኣሰና ተራኺብና ክንላዘብ ምኽኣልና እናድነቕኩን ጉቡእ ምስጋናይ ክበጽሓለይ እናተመነኹን ክቕጽል’የ’ሞ ‘ቲ ጉዕዞስ ብሓደድኣ ንኺዶ።

 

እዛ ንዘንተ እለት ክትክበር እትነብር ተባሃጊት መሬትና ብፍጥረታ ሃብታም ኢያ። ኣብቲ ድንግል ከርሳ ድማ ዕቑር ሃብት ን ለባም ህዝብን ኣፍረየት። እቲ ለባም ህዝባ እንተላይ ኣማኒ ነበረ። ኣማኒ ሰብን ኣማኒ ፈጣርን ምዃኑ’ዩ። ልቦናን እምነ ትን’ውን ክልተ ገጻት መንነት ኢየን። እቲ ወናኒ መሬትን መንነትን ህዝቢ እምባኣር ኣብ እምነቱ ኣዚዩ ጽኑዕ ምዃኑ መግ ለጺ ኣየድሊዮን። ብተወሳኺ መንነት ዘለዎ ለባም ህዝቢ ከምዘስተውዕል፡ ዘስተውዓለ ድማ እናሓደረ ፍልጠት ከምዝድ ልብ መርትዖታቱ ኣየጠራጥርን። ምኽኒያቱ ዘስተውዕል ዘበለ ቅድሚ ስጉሚ ክልተሳዕ ብምሕሳብ ጉድለቱ ስለዘውሕድ።

 

ብዛዕባ እምነት ካብ ጠቐስና እቲ ዝበረኸ መርኣያ እምነት ደቂሰብ ኣምልኾ ፈጣሪ ኢዩ። እቶም ቀዳሞት ሕሩያት እምባኣ ር ኣብ ጽምዋን ጸልማትን ባዓትታት ኮነ ኣድባራት ብሒቶም ብመንፈሳዊ ሓይሊ ትእዛዛት ፈጣሪ፣ መልእኽታት መላእኽ ትን ሃዋሪያን እናሰምዑ ኣብ ነፍሶም ሰሪጽዎም ነበረ። ከምኡ ድማ ኣስተምህሮ ናይቶም ከምቲ ከምኦም ካልኦት ባሕተው ቲ ይሻረኽዎ ነበሩ። ቀስ እናሉ እቲኩሉ ኣፋዊ ኣስተምህሮታት ክስንዱን ናብ ወሎዶ ከሰጋግሩን ብምሕሳብ ክጸሓፍ ከም ምዘለዎ ተገልጸሎም። ጽሕፈት ማለት ድማ እቲ ብፊደላዊ ቅርጽታት ዝቐውም ቃላት ወይ ዘረባ ምዃኑ’ዩ። ወዲሰብ በቶ ም ቅርጽታት ኣቢለ ክዛረብ ካብከኣለ፡ እምነቱን ፍልጠቱን ብጽሕፈት ንወለዶ ከመሓላልፍ ከምዝኻኣለ’ውን ንርዳእ።

 

ገለ ካብእግሪ ታሪኽ ዕስላዊ ናብራ ሕ/ሰብ ዝተረዳእኩዎ እቲ ብኢድን መልሓስን ዝመሓላለፍ ናይ ምልክት ዘረባ “ቋንቋ” ክስመ እንከሎ፡ እቲ ኣብ ባዓትታትን ኣኻውሕን ዝተወቕረ ምልክታት ድማ ስእልን ፊደላትን ምዃኑ እዝከረኒ። ስእሊ ወ ይ ወቕሪ ማለት፡ ሰብ ምስልታት ናይቲ ንሂወቱ ዘፍርሆን ብመንፈሱ ከም መድሕኑ ዝሓስቦን ምቕራጹ የመልክት። እናለ ነቲ ዝቐረጾ ብዘረባ፣ ንዘረባ ድማ ብቃላት ምስገልጾ፡ ነቲ ቃላቱ’ውን ብጽሕፈት ክውቅጦ ከኣለ። ካብዚ ኣበሃህላ’ዚ ብም ብጋስ ወዲሰብ ነቲ ምስፈጣሪኡ ዝራኸበሉ ሃይማኖታዊ ጽሕፈትን ስእልን ባዕሉ ከምዘምለኾ ምጥቃስ’ውን ይካኣል። ከ ምእኒ ዝተወቕረ ዓሰርቲኡ ትእዛዛት፣ ቡሉይን ሓዲሽን ኪዳናት ዘጠቓለለ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ቅዱስ መጽሓፍን ድማ እ ቶም ቀዳሞት ሃይማኖታዊ ናይ ጽሕፈት ሰነዳት ምዃኖም እመስለኒ። ቀጺሉ’ውን ብዜማ፣ ጸናጽልን ከበሮን ዝማዕረገ ዝ ርአን ዝስማዕን ዜማታት ሰዓበ። ኩሎም’ዞም ዝጠቐስኩዎም ንዘልኣለም ዝማሓላለፉ ሃይማኖታዊ ሰነዳት ምዃኖም’ዩ።

 

ዶ/ር ተስፋ ትምህርቲ ኣብ ከም ቢዘነ-ካምቦኒ ዝኣመሰሉ ኣድባራትን መሰሉን ከምዝጀመረ ኣሕጺሩ ዘመሓላለፎ ዓሚቑ ትምህርቲ ገለ ድማ ነዚ ዝበልኩዎ እንተመሰለለይ ንምጥቃሱ ክብል ኢለ ጥራይ’የ ፈታቲነዮ። ብተወሳኺ ፍልጠት ካብ ኣእምሮን ምህሮን ከምዝምንጩ እንተወሰኽኩሉኸ እንታይ ከይብለኒ። ማለተይ ኣእምሮ ድምር ትሕዞ ውርሲ መፈጠራ ዊ ውህብቶን ገዛእ ተሞኩሮን ክኸውን እንከሎ፡ ምህሮ ድማ እቲ ብስሩዕ ዝዋሃብ እኩብ ዓለማዊ ተሞኩሮ ኢዩ። ንስያ ሜኡ ዝምልከት’ውን እቲ መፈጠራዊ ብልሒ ፍልጠት “ልቦና” (Wisdom) ክባሃል እንከሎ፡ እቲ ዓለማዊ ፍልጠት ድማ ኣካዳሚ (Academy) ከምዝባሃል፡ እንተዘይኮነ’ውን ባዕላቶም ክምዘጸብቑዎን ጠቐሰዮ እንተሓለፍኩስ እንታይ በሃላይ።

 

ኩሉ ሰብ ክውለድ እንከሎ ሽክና ርእሱ ጥራሓ ከምትፍጠር ብምሕሳብ፡ ትርጉም ልቦና ከይንስሕት ምእንቲ ምስትውዓ ል ከድሊየና ኢዩ። ልቦና ማለት ሰብ ንውዱዕ ነገር ዘለዎ ብቕዓት ሚዛናዊ ኣመለኻኽታን ፍትሓዊ ፍርዱን ጥራይ’ዩ። ከ ምኡ ንምግባር ዓይነት ትሕዝቶ ሽኽና ወሳኒ ምዃኑ ዘይምዝንጋዕ። ትሕዝቶና እንተተሳኒዩ እቶም ቡዙሓት ሓደ ኢና። ኣ ዒንትና ኣብ ክልተ ባኹራ ምህላወን ኣይጸገምን። ዝጽግም ክልቲአን ኣብ ሓደ ምስዘይጥምታ ጥራይ ኢዩ። ከይገፍሓና ን ምሕጻሩ ልቦናን ትምህርትን ክልተ ጨናፍር ዓውደ ፍልጠት እንተኾይነን ፍልልየን ተፈጥሮኣውን ሰብ-ሰርሖን ክኾና ይ ኽእላ’የን። መዓልአን ንዝምልከት’ውን ከምተመኩሮናስ ልቦና ሓይላ ኣብ ምሕደራ ህዝባዊ ጉዳያት ዘተኮረ ክኸውን እን ከሎ ኣካዳሚ ግና ዚያዳ ኣብ ካልእ ሞያዊ ጉዳያት ከምዝቐንዕ ዘስተምህሩ ኣለዉ። ንኣፍልጦ ዝምልከት’ውን ሰባት ነቲ ዝ ሃቡኻ ኣካዳሚያዊ ትምህርቲ ካብ ሰርቲፊኬት ክሳብ ፕሮፌሶርነት ዝሓኩር ዝተፈላለየ ምስክር ወረቓቕት (ባጅላታት) ክ ዕድሉ ንርኢ። ነቲ ብልቦናኡ ዘዕግብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዘበርክት ድማ ክሳብ ናይ ክብሪ ዶክተርነት ክልግሱሉ ይራኣዩ።

 

ይግባእ’ዩ! ከመይሲ ልቦና ካብ እንስሳ ጥራይ ዘይኮነ እንኮላይ ካብቲ ዘመድ እንስሳ ዝኾነ ሰብ ትፈሊ ደረት ምዃናን ነቲ ዓለማውን መንፈሳውን ትምህርቲ ከምዝፈጠረትን ርኢናያ እንዲና። “ምህዞ ልቦና፡ ሳይንስ፣ ሃይማኖትን ፍልስፍናን’የን” እንተበልኩ’ውን ኣየዘምባዕኩዎን። ምናልባሽ “ከመይቢላ’ያ ልቦና ንምህሮ ፈጢራ?” እንተተባሂሉ ድማ መልሱ ንርአ።

 

እቲ ሽክና ርእሲ ልክዕ ከምቲ’ቶም ባሕታዊያን ዝቕመጥሉ ጸልማት ባዓቲ ወይ ቤት ንውሰዶ። እቲ ባዓቲ ነቲ ብባህሩን መፈጠሩን ክሪኦ ዝበቕዐ ትሕዝቶኡ ሙሉእ ኢዩ። እቶም ዋናታቱ ድማ ነቲ ጸልማት ከም ከብዲ ኣእዳዎም ስለዝፈልጥዎ ውርሻኦምን ትሕዝቶኦምን ብሃሰሰ-ለባም ጥራይ ከነባብሩ ኣይተጸገሙን። ድሕሪ ግዜ ግና ወዮም ለባማት ሊቃውንቲ፡ ት ሕዞኦም እናገፍሐ፣ ዋኒኖም እናሰፍሐ ብዝኸደ ነቲ ድሮ ዝመለኹዎ መኻዝኖም ከምቀደሞም ከከዋውንዎ ኣይሰለጦምን። ማለት ብሃሰሰ-ለባም ጥራይ እኽልን ሓርኢ-እኽልን፣ እኽልን ጉርደ-ክርዳዱን ክጐሉን ክፈላሊዩን ከምዘይካኣሉ ተዓዘቡ ። ስለኡ ኣብቲ ድቕድቕ ጸልማት ባዓቶም ጥዋፈ-ቀንዴል ኣብሪሆም እንተኣተዉዎ ምክዋኑ ከምዝቐለሎም ኣስተውዓሉ።

 

ኣብ ከምእኒ ደብረ-ቢዘን፣ ደብረ ሉተራንን ዝኣመሰላ ኣድባራት ዝነበሩ ምእመናን ትምህርቲ ከምዘተኣታተዉን ህዝቦም ዘምሃሩን ድማ ናይሎሚ ተረኽቲ ምሁራትና ከድምቑልና ሰሚዕናዮም። ግናስ ትምህርቲ ኣብ ዓለማዊ መነባብሮ’ውን ወ ሳኒ ተራ ከምዘለዎ ለባማትና’ውን ኢሎሞ ኢዮም። ስለኡ ነበረ ከኣ ቀንዴል ወይ ሽምዓ ከምኣርማ ትምህርቲ ዝተመሰለ ት። ስለኡ’ውን ነበረ “ትምህርቲ ትምህርቲ፣ ናይ ወዲ ሰብ ሃብቲ . . . ማይ ፍልጠት ክንሰቲ . . .እናተባህለ ዝተዘመረላ።  ኣድላይነት ቀንዴል (ትምህርቲ) ንምዕዛዝ ክባሃል’ዩ’ውን ካብ መዓሙቕ ልቦም “ዘይተማህረ ነየድሕን፡ ዘይተወቕረ ነየድ ሕን” ክብሉ ዝሰማዕናዮም።

 

“ዝተማህረ ይቕተለኒ” ዝብሉ ሰባት ኣንተሰሚዕኩም ዓይነት ቀታሊኦም ምሕራዮም ከየገረመኩም ኣይተርፍን። እንተኾነ እታ ጥቕሲ ንከንቱ ኣይተጠቕሰትን። ብኣውራኡ እቲ ምሁር ንከንቱ ከምዘይቐትል ብምእማን ኢዩ ተባሂሉ። እንተቐተለ ድማ ከምዚ ናይ ኢሳይያስ ንጽንተት (genocide) ዝዓለመ ዘይኮነ ብምኽኑይን ፍትሓውን መገዲ ይፍጸም። ብተወሳኺ ቅትለት ንርእሱ ወግዒ ኣለዎ። ሕጂ’ውን ከምዚ ናይ ኢሳይያስ ተሓቢኡን ወያ ዕስብቲ ሕልናኡ ብገበናታ እናንፈጥፈጠት ን እንተቐተለካስ ሃየንታኡ ስለዝኸፍእ ኢዩ ሙሁርን ለባምን ክቐትል ዝምረጽ።

 

ንእግረ መገደይ ነቶም ስለምንታይ ንኢሳይያስ ዕሱብ ከምዝብሎ ከይበጻሕኩሞ ተኹደብድቡ ክላወበኩምሲ፡ ሕጂ’ውን ትርጉም ማዕሰብቲ ብዕምቆት ሕሰቡሉ በጃኹም። ብቀሊሉ ጓሳ ጥሪትኩም ዕሱብ ከምዝባሃል ትፈልጡዎ ኢኹም። ንሱ ነተን ጥሪት ካብ ወነንተን ንላዕሊ ስለዝፈልጠን ካብ ኩለን ኣየነይተን ብቀዳምነት ሓሪዩ ንማሕረድቲ ዝቕርብ ንሱ’ቲ ዕሱ ብ ኢዩ። ሓፈሻዊ ኣዘማማት ምስ ዝመጽእ ድማ ንሱ’ዩ ምስወረርቲ ተሻሪኹ ነተን ዝጓሲየን ጥሪት ዝራሲየንን ሰስቡሓተን እናመረጸ ዘሕርደንን። በሉእስከ በዒንቲ ተሓረድቲ፣ ተሰረቕቲ፣ ተሸየጥቲ ጠምቱዎ። ግናኸ ኩሉ ጓሳስ ሓደ ኣይከውንን።

ግደፉኒ ብዛዕባ ኢሳይያስ ይኣኽለኒ ባቃ!!

እሞ ናብ ዕላል ‘ዝተማህረ ይቐትለኒ ክምለስ። እንተኾነ ኩሉ ዝተማህረ ዘበለ ከምቶም ለባማት ፈጠርቱ ይልብም ማለት ኣይኮነን። ንበል እቲ ብክቱር ጨርቀምቀም ቆንዲፉ ዝተማህረ ሕሰም ሰጊሩ ከብቅዕ ሰኣን ልቦና ነብሱ ብመልክዕ ስልጡ ናት ዝመስልዎ መሃርቱ ብምቕራጽ መንነቱ ዝርስዕ ምሁር መሊ ኡዩ። ስለኡ ነቲ ተማሂሩ ክንሱ ሞያኡ ኪኖ ውልቃዊ ረ ብሓታት ንኣገልግሎት ህዝቡ ዘይጥቀመሉ ድማ ቡዙሕ መጸውዒ ኣለዎ። ንከምኡ ዝኣመሰለ ሽዩጥ ካብ ዝባሃል ንምጥቃ ሱ፡ “ዝሓለፈሉስ ሂወት ሰብ ኣሕለፈ” ተባሂሉ ክጉጠ ይስማዕ። ነቶም ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ ብምርካቦም ጥራይ ተቖጺ ሮም ትምህርቶም ምስ ኩነታት ሃገሮምን ህዝቦምን ከየሳነዩን ንዝተረፈ ከየሳለዩን ብከምታ ዝተማህሩዋ ወይ ዝበልዑላ ጥራይ ክጥቀሙላ ዝህንደዱ ንምእራም ድማ፡ “ካብ ምህሮስ ኣእምሮ” ዝብል ናይ መአረሚ ጉስጢ ይስንደወሎም ኢዩ።

 

ንምሕጻሩ ሃገራውነት ኣብ ከስዐ መንነት ተዘሪኣ ክትበቁል እንከላ፡ ትምህርቲ ድማ ኣብ ባዓቲ ልቦና እንተተኾሊዓ ጥራይ ያ ነቲ ኣዘራርኣ፣ ኣተሓፋፍሳ ኮነ ኣጠቓቕማ ምህርቲ ተዋሕልል። ብዝተረፈ ትምህርቲ ብዘይልቦና ጸሓይ ብድምቕታ ጥዋ ፈ-ሽምዓ ከምምውላዕ ንከንቱ ምህላኽ ጥራይ’ዩ ውጽኢቱ። ግናኸ ተሓማይ ምሁር ከምዘይብልና’ሞ ልባዊ እምነተይ’ዩ።

 

እዞም ከምዛዕባ ዝጠቐስኩዎም ምሁራትና’ምባኣር ቅድሚ ትምህርቶም ብተፈጥሮኦም ለባማት ኢዮም። ቀጺሎም ልቦንኦ ም መታን ክደምቀሉ ቀንዴል ኣብሪሆሙሉ። ኣስዒቦም ትምህርቶም ኣብ መዓላ ህዝቦም ከወፍዩ ቅሩብነቶም ገሊጾም ኣ ለዉ። እቲ ብክንዲገለኡ፡ ዝመጾም መከራ እናፈለጡ ምስጢር ናይ ኣገዛዝኣ ባዓቲ ብዝግባእ ክንዕዘቦ ምእንቲ፡ ኣብታ ዝ ርካባ ዩኒቨሪሲቲና ካብ ቀዳሞት ገዛእትና ብዝኸፍአ መልክዑ ንዝወረዳ ‘ናጽነታዊ’ ዕንወት ዕርቃኑ ኣቃሊዖሞ ኣለዉ። ብ ዛዕባ “እንታይ ዝኣመሰለ ኣቀላላዕ?” ንዝምልከት ከምኣድላይነቱ ኣብ ዝቕጽል ከቕርቦ ኢየ።

 

ሓያል ኣብነት ልቦና፣ ትምህርትን ሃገራውነትን!

ወዲ ጥሮታ፡

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT