Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ድሕሪ ቦሎኛ’ኸ ናበይ?

ድሕሪ ቦሎኛ'ኸ ናበይ? ሕጂኸ እንታይ ክንገብር ከም ዘለና እንዳተሓበርና፣ እንታይ ኢና ክንገብር ኢልና ክንሓትት ዲና? ኣብ'ዚ ግዜ'ዚ ንህዝቢ ኤርትራ ተጋሂዱሉ ከምዘሎ፡ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ኣብ'ዚ ዝሓላፈ 40 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ዝፈጸሞ ገበናት ጸብጺብካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ንሱ

ድሕሪ ቦሎኛ’ኸ ናበይ?

ሕጂኸ እንታይ ክንገብር ከም ዘለና እንዳተሓበርና፣ እንታይ ኢና ክንገብር ኢልና ክንሓትት ዲና?

ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ንህዝቢ ኤርትራ ተጋሂዱሉ ከምዘሎ፡ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ኣብ’ዚ ዝሓላፈ 40 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ዝፈጸሞ ገበናት ጸብጺብካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ንሱ ጸላኢ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ምዃኑ ኣዳዕዲዕና ካብ ዝፈለጥናሉ ግዜ ንድሓር ካብ ጸላኢና እንትርፎ ዓመጽ ፍትሒ፣ እንትርፎ ሓሶት ሓቂ፣ እንትርፎ ብርሰት ልምዓት፣ እንትርፎ ሓዘን ደበስ ክንጽበ ዝክኣል ኣይኮነን። እንተወዓልናዮ ግን ንገዛእርእስናን ነቶም ሃገር ከነረክቦም ዝግብኣና ደቅናን ጥራይ ኢና ዝበደልና።

ኢሰያስ ኣፍወርቂ ንህዝቢ ኤርትራ ክሳዕ መንነቱ ዝጠፍኦ ዲሂኸ ኣቋማጢዐዮ ኢየ፣ ብሒም ኢሉ ዝዛረብ ኣይገጥመንን’ዩ ኢሉ ብትምክሕቲ ክዕበ ምስ ጀመረ፣ ደሃይ ሓርበኛ ስዉእ ስዒድ ዓሊ ሕጃይ ምስ ብጾቱ ኣብ 2013 ዓ.ም. ኣብ ሕምብርቲ ኣስመራ ኣብ ፎርቶ፣ ቅዋም ክትግበርን እሱራት ክፍትሑን ብምጽዋዕ፣ ድምጺ እምቢታ ኣንጎድጒዱዎ። ነቲ ዕሉል ዓማጺ ከኣ ዜጋታት ናይ’ታ ብወግዒ ዝረመሳ ሃገር ልኢሞም ዘይልእሙ፣ ተቓውሞኦም ድማ ከም ድጉል ሓዊ ዘይርአ ግን ልዕሊ ካልእ ነገር ዘሻቕልን ሓደገኛን ምዃኑ ዘዘኻኽር መልእኽቲ በጺሑዎ።

ብድሕሪኡ ኣብ ዝስዓበ ዓመታት ኢሳያስ፣ ሕጅስ ንኹሉ ኣርዒደ ኣስጊደዮ ኢየ ብጩቕ ዝብል ኤርትራዊ የለን ኢሉ ኣብ ዝቐሰነሉ እዋን ከኣ መንፈሳውያን መራሕትና፣ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” ዝብል ንሕልና ኤርትራውያን ዝብድህ ገዛእ ርእስኻ ክትምርምር ዝድርኽ ሕቶ ከቃልሑ ተሰሚዖም። ኢሰያስ ብግዲኡ ንስንባድኡ ብስቕታ ተሞኽልዩ ክሓልፎ ዝደለየ መሰለ። ንሳቶም ነቲ ሕቶ እንክሓቱ፣ ኣንቱም ደቂሰብ ንሰብኣዊ ፍጡር ዝግብኦ መሰልን ክብረትን ተነፊግኩም ምንባር ከመይ ክኢልኩሞ? ካብ ክኣልኩሞ ኸ ኣበይ ትምደቡ ኢሎም እንከዋጥሩና ሱባኤ ኣቲና ግቡእ መልሲ ክንረክብ ክመርሑና ስለዝደለዩ ኢዩ። ኮይኑ ግን ገለ ካባታትና ምስ ሕልናና ዘቲና ውሽጥና ዝሓጻጽበልና መልሲ ኣብ ክንዲ ንህብ ኣብ መልሓስና ተቐሪቡ ዝጸንሐ ምላሽ ብምሃብ ነቲ ረዚን መልእኽቶም ከነፋኹሶ ተራኢና።

እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ሕልናና ኣደንዚዝና ካብ ሓላፍነት ምህዳም ዘስተምሃርናዮ ስለዘይተሳኣና ኢዩ። እቲ ትማሊ ሕልንኡ ቀቲሉ ናይ እንታይ ገደሰኒ ሕማቕ ኣርኣያ ኮይኑ ከየብቅዐ ስብከት እንታይ ገደሰካ ዘስተምሃረ እከይ መምህር ኣብዚ ዓቢ ጉድኣት ኢዩ ኣስዒቡ። ይኹን’ምበር እቲ ቐንዲ ሃንዳሲ ናይቲ ኹሉ ሕልናዊ ቀውሲ ኢሰያስን ዓሰርተታት ዓመታት ዝወሰደ ሽርሕታቱን  ኢዩ። ካብቲ ግርህናናን እቲ ስልጣን ዝበሓተ ዓማጽን ዘስዓቡልና ቀታሊ ሕማም ተፈዊስና ዳግማይ ናብ ህይወት ንኽምለስ ድማ ነቒሕና ምድምሳስ ዘድልዮ ኩሉ ክንጸራርጎ ኣለና።

ነዚ’ዩ ነቲ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” ብዝብል ብመንፈሳውያን መራሕቲ ዝተላዕለ ረዚን ሕቶ ተቐቢሉን ሞጒሱን ዝስዓበ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ብህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሓርነት ዝተላእከ “ህጹጽ ሃገራዊ ጻዋዒት ንዝበረኸ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሓርነት 20 ሰነ, 2014 ዓ/ም፣ መዓልቲ ዕርቅን ሰላምን መዓልቲ ፍርዲ ገበነኛታትን ክትከውን” ዝወሰነ መልእኽቲ ብግዝያውነቱን ቆላሕታ ሂቡ ዝመርመሮም ዛዕባታትን ኣድላዪ ኮይኑ ዝርከብ።

ኣብ’ዚ ዘለናዮ መድረኽ እሞ ኸኣ ኣብ 20 ሰነ ብዛዕባ ዕርቅን ሰላምን ፍርዲ ገበነኛታትን ምዝራብ ብኸመይ’ዩ ኣድላዪ ዝኸውን ዝብል ሕቶ ክልዓል ይኽእል ኢዩ። ነዚ ንምምላስ እቲ ጽሑፍ ብዛዕባ ተጋዳላይን መስዋእትን ካብ ዝበሎ ምስ እንርኢ፣

“ተጋዳላይ በጃ ህዝቡ ዘይጽወር ዝጾረ ኣብ ኣጻምእን ምድረበዳን ኣብ ጎቦን ስንጭሮን ኣብ ዱርን ገደልን ከርተት ዝበለ፣ ሓንቲ ህይወቱ ከይበቐቐ ንናጽነት ሃገር ዘወፈየ፣ ጅግና ኣፍቃሪ ህዝቡን ሃገሩን ምንባሩ ዝዝንግዖ ሰብ የለን። ተጋዳላይ እታ “ተጋዳላይ” ትብል መጸዋዕታ ክውንን ዝኽኣለ፣ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓፋሽ እናበለ ዝጽውዖ ህዝቡ ዝነበሮ ፍቕሪ ብመስዋእቱ ከመስክር ስለ ዝበቕዐ እምበር ካልእ ምስጢር ስለዝነበሮ ኣይኮነን። ተጋዳላይ ንህዝቡን ሃገሩን ምስ ኣፍቀረ ተጋዳላይ ክኸውን በቒዑ፣ ተጋዳላይ ምስ ኮነ ናጽነት ሰብ ኣመና ክብርቲ፣ ሰብ ከኣ ኣዝዩ ክቡር ፍጡር ምዃኑ በሪሁሉ። ምእንቲ እቲ ናተይ ዝብሎ ህዝቢ ጥራይ ዘይኮነ፣ ምእንቲ ዝኾነ ናጽነቱን ክብረቱን ዝተመንዘዐ ህዝቢ ክቃለስ ድልው ክሳዕ ምዃን መንፈሱ የዕብዩ፣” ዝብል ሓደ ሕጥቦ ጽሑፍ ንረክብ።

እምብኣር ተጋዳላይ ንፍቕሪ ብፍቕሪ ዝተበጀወ እቲ ሓፋሽ እናበለ ብፍቕሪ ዝጽውዖ ህዝቡ ከም ሰብ ክብሩ ከም ዜጋ መሰሉ ተሓልዩሉ፣ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ጎይታ ጽሕፍቱኡን ጽሕፍቶ ሃገሩን ኮይኑ ከም ህዝቢ መለለይኡ ዝኾኑ ሃገራውያን ክብርታት ሓድነት፣ ተወፋይነትን ኒሕን ዓቂቡ፣ ነታ ናተይ ዝብላ ዓዲ ናብ ዝስዕቡ ወለዶታት እናሰጋገራ ቀሲኑ ምእንቲ ክነብር ኢዩ። ኣብ’ዚ ህላወ ህዝብን ሃገርን ኣብ ሓደጋ ዝወደቐሉ ፈታኒ እዋን ጉዳይ ዕርቅን ሰላምን ፍርዲ ገበነኛታትን ኣብ መዓልቲ ሰማእቲ ናጽነትን ሓርነትን፣ ኩሎም’ቶም ነዚ ሓላል ህዝብን ነታ ፍቕርቲ መሬትን እታ እንኮ ዝውንኑዋ ሩሕ ዝወፈዩን እንክልዓሉ እምብኣር፣ መሰረት ናይ’ታ ኤርትራ እናበልና እንጽውዓ ሃገር በዕጽምቶም ስለዝተደኰነ’ምበር ካልእ ኣይኮነን። ነቲ መሰረቱ ፍቕሪ ዝኾነ ህንጻ ዝደኰንናዮ ንሕና ህዝብን ደቂ ህዝብን፣ ጸላኢ ኣብ ልብና ከፍልሶ ዓመታት ብዝወሰደሉ ጽልኢ ተበኪልና ሰማእትና ክንዝክር እንደናደነሉ መዓልቲ ከኣ ከም ህዝቢ ከምዝተሳዓርና ጸላኢና ከምዝተዓወተ ዝነግር መርድእ ዝስምዓሉ መዓልቲ ኢዩ።

ፍቕሪ ዘንቀሎ ህያብ ናይ ፍቕሪ ግብረ መልሲ ጥራይ ስለዝበቕዖ፣ ሰማእታትና ኣብ እንዝክረሉ እዋን ኣሽምባይዶ ንዝበደሉና ኣሕዋትን ኣሓትን ነታ ንገዛእ ርእስና’ውን ኣቐይማትና እንተጸንሐት እቕረኹንኪ ኢልና ክንሓድገላ፣ ክንናሳሕን ክንነጽህን ይግባእ።

20 ሰነ ክብሪ ዝኸፈልናዮም ብሉጻትን ምሩጻትን እነርእየላ፣ ማሕላና እነሐድሰላ፣ መስዋእቶም ብግብሪ ክንድብስ ቃል እንኣትወላ መዓልቲ ጥራይ ዘይኮነት፣ ንሳቶም በጃና ስለዝሓለፉ ክሳብ ክንደይ ፍቑራትን ክቡራትን ምዃንና ከምዝርድኣና እንዝክረላ መዓልቲ’ውን ኢያ። ስለ’ዚ 20 ሰነ ኣብ ርእሲ መዓልቲ ዕርቅን ሰላምን ፍርዲ ገበነኛታትን፣ መዓልቲ ፍቕሪ ተባሂላ ክትፍለጥ ኣለዋ።

ብዘይካ’ዚ ግን ዕርቂ፣ ሰላም፣ ፍርዲ ገበነኛታትን ፍቕርን ብቐጥታ ከም ህዝብን ሃገርን፣ ህላወናን ውሕስነት ቀጻልነትና ኣብ ምርግጋጽ ወሳኒ ኣበርክቶ ክገብራ ልዑል ተኽእሎ ስለዘለወን ኣብ’ዚ ህላወና ከም ህዝቢ ኣብ ምልክት ሕቶ ዝኣተወሉ መድረኽ ልዕሊ ዝኾነ ፈውስና ኢየን። ኣይፋሉን፣ ሎሚ ዕርቅን ሰላምን ዘይኮነ ሕነ ምፍዳይ’ዩ ዘድልየና ዝብል እንተተረኽበ፣ ብኸመይን ስለምንታይን ይጋገ ከምዘሎ ንምርዳእ ኢሰያስ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝበየኖ ፍርዲ ከምኡ’ውን ንነፍሲወከፍና ብሽርሑን ብተንኮሉን ንሓድሕድና ኣናቚቱ ብሰንኩ ብጥልመት መብጻዓ ሰማእቲ ተሓተቲ ክንከውን ከምዝቐሰበና፣ በዚ ከኣ ካብ ገበን ነጻ ዜጋ ከምዘይብልና ዘርኢ ካብ ሰነድ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሓርነት ዝተወስደ ጥቕሲ ንመልከት።

እቲ ድሮ ኣብ ግብሪ ክውዕል ካብ ዝጅምር ዓሰርተታት ዓመታት ዘቑጸረ ዝተበየነልና ፍርዲ “ክቡር ህዝቢ ኤርትራ” ብምባል ጀሚሩ ከም ዝስዕብ ይንበብ፣

“ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፣ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንኤርትራን ህዝባን ምእንቲ ከጽንት ነቲ “ኤርትራ መሬታ እምበር ህዝባ ኣየድልን’ዩ” ዝብል ኣረሜናዊ ጭርሖ ባዕዳውያን ገዛእቲ ናብ “ኤርትራ ሃብታ እንበር ህዝባን መሬታን ኣየድልየንን ኢዩ፣” ዝብል ሓደገኛን ኣጽናትን ጭርሖ ኣማዒብሉ፣ ጭርሕኡ ካብቶም ዝሓለፉ ባዕዳውያን ገዛእቲ ብዝጭክንን ዝኸፍእን ኣገባብ ንምትግባር ብስውር ይዋናጨፍ ከምዘሎ ተረጋጊጹ ኣሎ። ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንኹሉ ኤርትራዊ ዜጋ፣ ንዝተጋደለን ዘይተጋደለን፣ ንዝድግፎን ዘይድግፎን፣ ንብሄርን ሃይማኖትን፣ ንኣውራጃን ዞባን ከይፈላለየ ንዝኾነ ኤርትራዊ ምዃኑ ዝኣምን ዘበለ ዜጋ ካብ ሃገሩ ከባረር ወይ ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ብድኽነትን ባርነትን ሳጽዩ ንሓዋሩ ክጸንት ፈሪዱዎ ይርከብ ኣሎ። ኢሰይያስ ብክሑን ጽልእን ንዕቀትን ኤርትራን ህዝባን ተደሪኹ፣ ንኹሉ’ቲ ከረኻኽበሉ ዝኽእል ይኹን ከረኻኽበሉ ዘይክእል ኤርትራዊ፣ ብግብርን ብሕልናን ንሞት ፈሪዱዎ ስለዘሎ፣ እዚ መድረኽ እዚ ሕቶ ህላወ ህዝብን ሃገርን ብግብሪ ዝምለሰሉ ደኣ እንበር ሕቶ ፖለቲካዊ ምርጫ ዝሳሰየሉ መድረኽ ዘይምዃኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።”

እቲ ጥቕሲ ኣስዒቡ፣

“ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሓርነት ቅድምን ድሕርን ናጽነትን፣ ጉዕዞ ኤርትራን ህዝባን ድሕሪ ምጽናዕ ክብደትን ደረጃ ተሓታትነትን ዝፈላለ እኳ እንተኾነ፣ ስዉር ሽርሕን ክድዓትን ኢሳይያስ ንኹሉ ኤርትራዊ ብመብጻዓ ሰማእታቱ ተሓታቲ ጌሩዎ ከምዘሎ ይኣምን። ቅድሚ ናጽነት ሃገር ኣባላት መሪሕነት ውድብን ኣባላት ጸጥታን ሓለዋ ሰውራን ኣባላት ውሽጣዊ ሰልፍን ካልእ ጥርናፈታትን ኮይኖም ዝጋደሉ ዝነበሩ ተጋደልቲ፣ ኣብ ልዕሊ መቓልስቶምን ብጾቶምን ብዝፈጸምዎ ገበንን ዝፈጠርዎ ራዕድን ተሓተቲ ምዃኖም ብሩህ ኢዩ። ድሕሪ ናጽነት ሃገር፣ ገለ ኣባላት ስዉር ጥርናፈታትን ዝተፈላለያ ኣሃዱታት ጸጥታን ኮይኖም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፈጸምዎ ገበንን፣ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት መንግስትን ግንባርን ሓይልታት ምክልኻልን ተመዲቦም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝያዳ ከኣ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ኣሕዋቶም ዘውረዱዎ ግፍዕን፣ ገለ ከኣ ንጥፍኣት ዜጋታቶምን ዕንወት ሃገሮምን ከም ዘይምልከቶም ቆጺሮም እናረኣዩ ከምዘይረኣዩ ርእሶም ቀቢሮም ብምጽቃጥ ዝፈጸምዎ ክድዓት፣ ገለ’ውን በቲ ዝወነንዎ ፍልጠንት ንእስነትን ኣንጻር እዚ ሃገርን ህዝብን ዘጽንት ዘሎ ምልኪ ክንዲ ዝቃለሱን ዝምክቱን ሃገር ንበላዒ ገዲፎማ ናብ ስደት ብምምርሖም፣ ብሓፈሻ ኩሎም ኣብ’ዚ መድረኽ እዚ ዘለዉ ኤርትራውያን፣ ንሃገሮም ብምጥላሞምን ነንሓድሕዶም ብምብድዳሎምን ኣብ ማእከሎም ቂምን ቅርሕንትን ብምፍጣሮምን ብሕድሪ ሰማእታት ተሓተቲ ምዃኖም ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሓርነት የዘኻኽር፣” ይብል።

ቀጺሉ እቲ ጽሑፍ፣

“ኣብ’ዚ እዋን እዚ እቲ ዝዓበየ ጸገም ኤርትራ ኮይኑ ዘሎ፣ እቲ ብሰንኪ ሽርሒ ኢሳይያስ ኣብ መንጎ ዜጋታት ተፈጢሩ ዘሎ ቂምን ቅርሕንትን ኢዩ። እዚ ቂምን ቕርሕንትን ነጺሁ ከይተሓጽበ ከኣ ጸገም ኤርትራ ፍታሕ ክረክብ ከምዘይክእል ንኹሉ ብሩህ ኢዩ። ስለ’ዚ ጸገማት ኤርትራ ንሓዋሩ ምእንቲ ክቕንጠጥ ኩሉ ወዲ ሃገር ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ኣሕዋት ዕርቅን ሰላምን ይውረድ፣ ብሃገራዊ ጉዳይ ተመኽንዩ ዝተፈጸመ ገበን ምሉእ ምሕረት ይገበር፣” ኣብ ዝብል እምንቶ ሰሚሩ ብቕኑዕ ልቢ ይቕረ ንምብህሃል ድልው ክኸውን ይግባእ። ኣብ ኤርትራ ንገዛእ ሓዉ ዘይበደለን ብገዛእ ዜግኡ ዘይተበደለን ኣሎ ክብሃል ኣይክኣልን። እቲ ኣብ ዜጋታት ዝተፈጸመ ምጭኽኻንን ሓድሕድ ምብድዳልን ከቢድ እኳ እንተኾነ፣ ኩሉ ኤርትራዊ ምእንቲ እቶም ብመስዋእቶም ፍቕሪ ምሂሮም ዝሓለፉ ጀጋኑ ሰማእታት፣ ምእንቲ እቶም ብናጽነትን ክብረትን ኣብ ሃገሮም ማሚቖም ክነብሩ እናተገብኦም ፈቐድኡ ዝሃልቁ ዘለዉ መንእሰያት፣ ምእንቲ እዞም ናይ ጽባሕ ተስፋ ዝኾኑ ዕሸላት ህጻናት፣ ምእንቲ ኤርትራ ከም ሃገር ክትቅጽል፣ ምእንቲ ኤርትራ ክትነብር፣ ኩሉ’ቲ ዝተፈጸመ ገበናት ንታሪኽ ገዲፉ፣ እቲ በዳሊ ብትእዛዝ ይኹን ብውልቀ ተበግሶ ብቐጥታ ይኹን ብተዛዋዋሪ ዝበደሎ በደል ብሕልንኡ ይቕረታ ክሓትት፣ እቲ ዝተበደለ ከኣ ብቕኑዕ ልቢ ሕድገት ክገብር ብሰማእታት ኤርትራን ብዉጹዕ ህዝቢ ኤርትራን ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሓርነት ይጽውዕ ኣሎ፣” ይብል።

እሞ ኸ ድኣ መላእ ሕብረተ ሰብ ብንኡስ ይኹን ብዓቢ መጠን ብጥልመት ሕድሪ ሰማእታት ተሓታቲ ኮይኑ፣ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቱን ኣሓቱን ብጭካነ ገበን ክፍጽም ብዝደፍኦ ስርዓት ተመሪሑ ብዘይዝኾነ ይኹን ኣፈላላይ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ግዳይ ዓመጽ ኣብ ዝኾነሉ፣ ኤርትራዊ ህዝብን ሃገረ ኤርትራን ካብ ገጽ ምድሪ ንኽሕከኽ ኣብ ዝተፈርደሉ ህሞት ቅድሚ ኩሉ ዕርቅን ሰላምን ይውረድ ብምባል ሓድነትና ኣደልዲልና ንድሕነት ሃገርና ክንጓየ’ዶ ኣይምተገበኣናን? ኣብ መንጎ ዜጋታት ዕርቅን ሰላምን ምስ ወረደ ንፍትሕን ርትዕን ቦታ ምጥጣሕ ውሕስነትን ግብራውነትን ዘለዎ ምዃኑ ማንም ክዝንግዖ ዘይክእል ኢዩ። ኣብ ኤርትራ ኣብ’ታ ብሰንኪ ኣዝዩ ዝተሓናኸረ ክፋእ ኢሰያስ ዳርጋ እቲ ዝበዝሐ ምእንቲ ሃገሩ ዝተቓለሰን ንህዝቡን ሃገሩን ዝሰርሐን ዜጋ ብምኽንያት ሃገራዊ ጉዳይ ብገበን ዝተጨማለቐላ ሃገር ቀዳምነት ክግበር ዘለዎ ኣብ ዜጋታት ሃገራዊ ዕርቅን ሰላምን ከም ዝወርድ ምግባር ኢዩ። መጀመርያ ኩሉ በብገበኑ ይተሓተት፣ ድሓር ንዕርቅን ሰላምን ግዜ ክድለየሉ ምባል ግን ብዘይካ ንጸላኢኻን ጸላኢ ህዝብኻን ብህላወኻ ክጣላዕ ዕድል ምኽፋት ካልእ ፋይዳ ኣይርከቦን። ንሕና ኤርትራውያን ነቶም ጡብ ኣደታትና ዝቖረጹ፡ ጥኑሳትና ብሳንጃ ዝጎይሑ፡ ኣባይትና ዘቃጽሉ ባዕዳውያን ጸላእትና ብምሕረትን ብሰብኣዊ ክብረትን ንዓዶም ዘፋነና ህዝቢ ኢና። ንጓናን ንደመኛ ጸላኢናን እናመሓርና ንሓውናን ንዜጋናን ክንምሕር ክጽግመና ዶ ግቡእ ኢዩ? መነና ኣብ ልዕሊ መን ናይ ሕነ ምፍዳይ ባህጊ እንተሓደሮ ኮን የምሕረሉ? እቲ ሕነ ናይ ምፍዳይ ቃጸሎ ምስ ተባረዐ ኸ ብኸመይ ኢዩ ክጠፍእ? ሳዕቤኑ እንታይ ኢዩ ክኸውን? ካብ ምጽብጻብን ሕነ ምፍዳይን ዝርከብ ረብሓ ኸ እንታይ ኢዩ? ንሕና ትማሊ ኣብ ልዕሊ ጸላእትና ካብ ዝገበርናዮ ምሕረትን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ድሒሮም ዝመጽኡ ጸዓዱ ነበርትን ጸለምቲ ደቀ’ባትን ካብ ዝተገብረ ዕርቅን ሰላምን ከ ንመሃሮ ቁምነገር የለን ድዩ? ዝብሉን ካልኦትን ሕቶታት ምናልባት ነፍሲወከፍ ሰብ ንገዛእ ርእሱ ክምልሶም ስለዝኽእል ኣብ ዝርዝራት ምእታው ኣድላዪ ኣይኮነን።

ብመሰረት እቲ ሃገራዊ ጻዋዒት እቶም ካብ’ዚ ናይ ሰላም፣ ዕርቅን ፍቕርን ዓንኬል ዝተገለሉ እቲ ዕሉል ከዳዕ ኢሰያስ ኣፍወርቅን ውሱናት መጫፍርቱን ኢዮም።

እቲ ጽሑፍ ብዛዕባ እቲ ዕሉል ከዳዕ ከም ዝስዕብ ይብል፣

“ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሓርነት ነቲ ቅድምን ድሕርን ናጽነት ሃገር ብኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝተፈጸመ መወዳድርቲ ዘይብሉ ዓበይቲ ገበናት ድሕሪ ምዝርዛር፣ ነቲ ብሕጂ ክፍጽሞ ወጢንዎ ዘሎ ካልእ ሓደገኛ ምስጢራት ድሕሪ ምፍታሽ፣ ናብ’ዚ ዝስዕብ ታሪኻዊ ውሳነ ክበጽሕ በቒዑ። ነቲ ህዝቢ ንኸጽንት ኤርትራ ከምዘይነበረት ንኽገብር ኢሳይያስ ጠጂኡዎ ዘሎ ሓደገኛን ኣጽናትን ውጥናት ንጎድኒ ገዲፉ፣ ካብ ዘበነ ብረታዊ ተጋድሎ ክሳዕ ሕጂ ብኢሳይያስ ዝተፈጸሙ ገበናት ድሕሪ ምጽብጻብ፣ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኢሳይያስ ዝግባእ ፍርዲ ከይሃበ ምጽንሑ ብታሪኽ ዘሕትቶ ገበን ክምዝፈጸመ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሓርነት ተዓዚቡ። ንኢሳይያስ ሒዝካ ኣብ ፍርዲ ከተቕርብ ምፍታን እዚ ዘሎ ግዜን ክውንነትን ዕድል ክህብ ስለዘይክእልን፣ እዚ መሰል እዚ’ውን ንኢሳይያስ ከም ሰብ ዝግባእ መሰል ስለዘይኮነን፣ ህዝቢ ኤርትራ ንዝፈጸሞ ታሪኻዊ ስሕታን ንምዕራይ፣ ንሃገር ካብ ጥፍኣት ንምድሓን፣ ንኢሳይያስ ኣፈወርቂ ነቲ ገበናቱ ተኾሚሩ ልዕሊ ክስን ፍርድን ዝኾነ ብምጽናት ኤርትራዊ ዜግነት ዝሕተት ገበነኛ፣ ስጉምቲ ክውሰደሉ ምውሳን እዋኑ ኮይኑ ረኺቡዎ ኣሎ። እዛ ኣእላፋት ብሉጻት ዝተኸፍሉላ ናይ ኣእላፋት ዘለዉን ዝመጹን ወለዶታት ሃገር ክትከውን ዝግብኣ ኤርትራ፣ ብሰንኪ ሓደ ውልቀ ሰብ ክትጠፍእን ከምዘይነበረት ክትከውንን ትም ኢልካ ምዕዛብ ሃየንታ ጥራይ ዘይኮነ፣ ብዕድል እዞም ዘለዉን እቶም ዝመጹን ወለዶታት ተሓታቲ ምዃን’ውን ስለዝኾነ፣ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሓርነት፣ ኤርትራ ናይ ኤርትራውያን ኮይና ንዘልኣለም ብሓርነት ምእንቲ ክትነብር፣ ንኢሳይያስ ኣፈወርቂ ካብ ዕለት 20 ሰነ 2014 ዓ.ም. ጀሚሩ ሕነ ህዝብን ሃገርን ዝፈዲ ስጉምቲ ክውሰደሉ ወሲኑ ኣሎ።”

ሓቂ’ዩ ውልቀ ምልካዊ መራሒ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ደላይ ጽቡቕ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ እንተዝነብር ቅድሚ ኩሉ ኣብ ጽባሕ ናጽነት መዓልቲ ሰላምን ዕርቅን ምኣወጀ ነይሩ። ቅኑዕ፣ ሓቀኛን ደላይ ጽቡቕ ህዝቢ ኤርትራ እንተዝነብር ከኣ ሻቡ መዓልቲ ፍርዲ ገበነኛታት ኣዊጁ ብገዛእ ፍቓዱ ምስ ክብረቱ ካብ ስልጣኑ ምተኣልየ። ኣብ ክንድኡ እዚ ውልቀ ሰብ በቲ ኣብ ግዜ ብረታዊ ተጋድሎ ኣብ ልዕሊ ሓፋሽ ህዝብን ሓፋሽ ተጋዳላይን ዝፈጸሞ እዚ ኢልካ ዘይጽብጸብን እቕረ ዘይብሃሎን ገበናት ስለዘይዓገበ፣ ካብ 91 ዓ.ም. ንድሓር ነቲ ንውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኢሕ ፍንጭሕ ኢሉ ወሊዱ፣ ሓዚሉ ዘዕበያ፣ ህይወቱ፣ ሕሉቡን ንጹፉን እናወፈየ ደው ዘበላ፣ ብትብዓቶምን ሓቦኦምን ብኻላሽን ኮቭ ታንክታትን ቢኤምዳብሊውን ዝማርኹ ዋሕድና ንምምላእ ሓደ ክንድሽሕ ዝኾኑላ ደቁ ዝልኣኸ ህዝቢ፣ “ሃገርካ ብኸመይ ትመራሕ? እንታይ ምኽሪ ኣለካ?” ከይበለ ናብ ካልኣይ ዙርያ ምፍጻም ገበናት ስለዘምረሐ ኢዩ ንምሕረት ህዝቢ ኤርትራ ዘይበቅዕ ኮይኑ ተረኺቡ ዘሎ።

ልዕሊ ኹሉ ግን ኢሰያስ ኣፈወርቂ ገበነኛ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት ኣብ ልዕሊ ኤርትራውነት ከም መንነት ክቱር ጽልኢ ዘለዎ ሰብ ብምዃኑ ኢዩ። ኤርትራውያን ዝህቡዎ ናይ ሰናይ ድሌት ህያብ ነዚ ጸላኢ ህዝቢ ጽፍዒት ኮይኑ ጥራሕ ኢዩ ዝስምዖ። ‘ኤርትራውያን ይንዕቁኒ ኢዮም’ ኣብ ዝብል መሰረት ዘይብሉ ናይ ትሑትነት ስምዒቱ ዝተተኽለ ትዕቢት መሲሉ ክርኣየሉ ዝምነዮ ሕሉፍ ጽልኡ ከኣ ኢዩ ጠንቂ ናይ’ቲ ኩሉ ሽርሑን ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ዘካየዶ ናይ ጥፍኣት ዘመተን። ከም’ዚ ዝበለ ሰብ ካብ ይንዕቁኒ’ዮም ሓሊፉ ንኤርትራውያን ክንዕቕ ኣብ ዝጅምረሉ ደረጃ እንተተበጺሑ ግን ንሕና ደቂ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ተረሚስና ምህላውናን ዘርኢ መነጸር ኢዩ።

ዝኾነ ኮይኑ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሓርነት እቲ ኣብ ልዕሊ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ዝተበየነ ውሳነ ንዓና ኤርትራውያን ንጸገማትና ኣብ ክንዲ ብሰላማውን ግቡእን ኣገባብ ብብረትን ጎነጽን ናይ ምፍትሖም ባህሊ ክህልወና ዶ ኣይደፍኣናን ዝብል ክምለስ ዘለዎ ሕቶ’ውን ኣልዒሉ መልሲ ሂቡሉ ኣሎ።

ሕቶ፣

“ኣብ ልዕሊ መራሒ ሃገር ስጉምቲ ምውሳድ ሓድገኛ ሳዕቤን ኣይህልዎን ዶ? ህዝቢ ኤርትራ ንዘይተቐበሎ መራሒ ሃገር ካብ ስልጣን ምእላይ ከም ባህሊ ኣየታኣታትዎን ዶ?”

መልሲ፣

“በቲ ቕኑዕ መምዘኒ ደሞክራሲ፣ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብምትላልን ብሓይልን ናይ ህዝቢ ስልጣን ዝጨወየ ሽፍታ ወይ ከታሪ ደኣ እንበር መራሒ ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነን። ኣብ ልዕሊኡ ስጉምቲ ምውሳድ ከኣ ኣብ ልዕሊ ሓደ ብምትላልን ብሓይልን ስልጣን ህዝቢ ዝጨወየ ሽፍታ ወይ ከታሪ ስጉምቲ ምውሳድ እንበር ኣብ ልዕሊ ብድምጺ ህዝብን ብስርዓተ ሕግን ዝተመርጸ መራሕ ሃገር ስጉምቲ ምውሳድ ዘይምዃኑ ኩሉ ዜጋ ክበርሃሉ ይግባእ። እቲ ጽባሕ ብህዝቢ ተመሪጹ ሃገር ክመርሕ ዝሕልን ሰብ ካብ’ዚ ስጉምቲ ክውሰደሉ ተበይኑሉ ዘሎ ገበነኛ ክመሃሮ ዘለዎ ቁምነገር ኣሎ። ነዚ ብረዚን ዓቕሊ ክጽመም ጸኒሑ ሓንሳብ እንተ ኣንቂዱ መላሲ ዘይብሉ ህዝቢ ክትመርሕ ኢልካ ሓላፍነት ክትስከም ክትሕልን ከለኻ፣ ሓድነቱ ሓሊኻ ብስርዓተ ሕጊ ተገዚእካ ብርትዕን ፍትሕን ምርጭኡን መሰሉን ኣኽቢርካ፣ ውልቃውን ህዝባውን ናጽነቱ እናተኸናኸንካ እንበር፣ ሓድነቱ ክትበታትኽ እናፈተንካ፣ ብዘይትግበሩ ተስፋታት እናታለልካ፣ ብምግቡዕባዕን ምፍርራሕን ንፍትሒ ጓዕጺጽካን ስርዓተ ሕጊ ጥሒስካን ክትመርሕ ምፍታን ሓደገኛ ምዃኑ እቲ ዝተወሰነ ታሪኻዊ ውሳነ መምሃሪ ክኸውን ኢዩ።”

ብዘይካ እዚ መራሒ ህዝቢ ኤርትራ ክኸውን ብቕዓት ይኹን ክብረት-ነብሲ ዘይውንን ውልቀ ሰብ፣

1. የማነ ገብርኣብ (ማንከይ)

2. የማነ ገበረመስቀል (ቻርሊ)

3. ሓጎስ ገብረሂወት (ክሻ)

4. ብ/ጀ ተኽለ ክፍላይ (ማንጁስ)

5. ኮ/ል ጠዓመ ጎይትኦም (መቐለ)

እውን “ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ናይ ኢሳይያስ ዘይንእስ ጽልእን ቅርሕንትን ተኣንጒቶም ንዝተዋህቦም መምርሒ ናይ ውልቆም ክፍኣትን ጭካነን ወሲኾም ዘተግብሩ፣ ኤርትራ ንኽትባድም ህዝቢ ኤርትራ ንኽጸንት ቀንዲ መጋበሪ ዝኾኑ ውልቀ ሰባት” ተባሂሎም ኣብ ሳልሳይ ምድብ ተጠቒሶም ይርከቡ። ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሓርነት ኣብ ልዕሊ እዞም ሰባት ልክዕ ከም ኣብ ልዕሊ ኢሰያስ ካብ ዕለት 20 ሰነ 2014 ዓ.ም. ጀሚሩ ሕነ ህዝብን ሃገርን ዝፈዲ ስጉምቲ ክውሰደሎም ወሲኑ ኣሎ።

እዞም ኣብ ዝስዕብ ምድብ ዝጥቀሱ ዜጋታት ምስ ዝጥዓሱ ድሩት ግዜ ጣዕሳ ዝተወሰነሎም ኢዮም፣

1. ጀ/ል ስብሓት ኤፍሬም

2. ጀ/ል ፊሊጶስ ወልደየውሃንስ

3. ሜ/ጀ ሃይለ ሳሚኤል (ቻይና)

4. ሜ/ጀ ተኽላይ ሃብተስላሰ

5. ብ/ጀ ጸሃየ መኮነን

6. ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድስዒድ

7. ኣቶ ሮሞዳን መሓመድኑር

8. ብ/ጀ ሑመድ ኣሕመድ ካሪካረ

9. ብ/ጀ ኣብራሃ ካሳ

10. ብ/ጀ ኣብራሃም ዓንዶም (ዓፋን)

11. ብ/ጀ ስምኦን ገ/ድንግል

12. ኮ/ል ወልዱ ገብረየሱስ

13. ብ/ጀ ስብሃቱ ሊቀ (ወዲ ሊቀ)

14. ኣቶ ዘምህረ የውሃንስ

ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሓርነት ብዛዕባ እዞም ዝተጠቕሱ ሰባት፣

“ነዞም ኣብ ላዕሊ ኣስማቶም ተዘርዚሩ ዘሎ ብታሪኽ ክሕተቱ ዝግብኦም ንጡፋት ተዋሳእቲ ዕንወት ሃገር ዝኾኑ ውልቀ ሰባት፣ በቲ ዝተወሰነ ሃገራዊ ዕርቅን ሰላምን ቅድምን ድሕርን ናጽነት ዝፈጸምዎ ገበን ብስም ኩሎም ሰማእታት ኤርትራን ብስም ህዝቢ ኤርትራን ምሕረት ተጌሩሎም ከም ዘሎ ተገሊጹ’ዩ። ዝኾነ ኤርትራዊ ዜጋ እቲ ተዋሂቡዎ ዘሎ ናይ ጣዕሳ ግዜ ክሳብ ዝውዳእ ክትንክፎም መሰል የብሉን። ንዝተገብረሎም ምሕረት ሸለል ብምባል ኣብ ክንዲ ነቲ ይቕረ ዝበለሎም ዉጹዕ ህዝቢ ዝኽሕሱ ገና መጋበሪ ባርነት ኮይኖም ንህዝቢ ምጽናትን ሃገር ምዕናውን ዝቕጽሉ እንተኾይኖም ግን፣ ይቕሬታን ምሕረትን ህዝቢ ኣየድልየናን’ዩ ከም ምባል ተሓሲቡ፣ እተን ዝተወሰናሎም ናይ ጣዕሳ ኣዋርሕ ካብ ዘብቃዓሉ ግዜ ንደሓር፣ ናይ’ቲ ቅድምን ድሕርን ናጽነት ሃገር መጋበሪ ኢሳይያስ ኮይኖም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፈጸምዎ ገበን ስጉምቲ ክውሰደሎም ተወሲኑ ከም ዘሎ ከስተውዕሉ ይግባእ፣” ድሕሪ ምባል፣

“……ኢሳይያስ ዋላ ሓንቲ ከይተተንከፈ ምስ ካዕበት ክብረቱ ከሎ’ዩ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን መጋድልቱን ከቢድ ጽልእን ቅርሕንትን ሰሪጽዎ ንጥፍኣቶም ክጽዕር ዝጸንሐ። ስጉምቲ ክውሰደሉ ከም ዝተወሰነ ምስ ተረድአ፣ ዋላ እኳ ዘይኮነሉ እንተኾነ፣ ከይቅድሙኒ ክቕድም ብምባል ነዛ ሃገርን ንህዝባን ናብ ዝኸፍአ ማዓሙቕ ጥፍኣት ገጹ ክነቑታ ክጓየ ምዃኑ ትሑዝ’ዩ። ስለ’ዚ ኩሉ ኤርትራዊ ብፍላይ ከኣ እቶም ምሕረት ዝተገብረልኩም ብስም ሃገራዊ ግቡእ ኣገልገልቲ ኢሳይያስ ዝነበርኩም ዜጋታት፣ ሚኒስተራትን ካልኦት ሰበ ስልጣን መንግስትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን፣ ኢሳይያስ ንኹሉ ኣብ መቓን ሞት የእትዩ ዝጥዕሞ ግዜ ይጽበየልኩም ከምዘሎ ተሰዊጡኩም፣ ምስ ግዜ ብምቅድዳም ቅልጡፍን ተባዕን ስጉምቲ ክትወስዱ፣ ነታ ናይ ኢሳይያስ ኣዘንጊካን ሃንደበትነት ተጠቂምካን ሓደገኛ ስጉምቲ ናይ ምውሳድ ስልቱ ከተፍሽሉዋ፣ ነቲ ጸላኢ ህዝባዊ ግንባርን ስዉኣትን ዝኾነ ከዳዕ ግቡእ ፍርዲ ሂብኩም ነዛ ሃገር ከተቕስንዋ፣ በብውልቅኹም ይኹን ብውዱብ ንውሳነን ምሕጽንታን ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሓርነት ከተተግብሩ፣ ብሓቂ ኤርትራውያን ክትኮኑ፣ 20 ሰነ 2014 ዓ.ም. መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፣ መዓልቲ ዕርቅን ሰላምን፣ መዓልቲ ፍርዲ ገበነኛታት ኮይና ከምትውዕል ክትገብሩ፣ ብሰማእታት ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ትጽውዑ ኣለኹም፣” ክብል ሓደ ተሪር መተሓሳሰቢ ሂቡ።

እምብኣር እዚ ብ”ህጹጽ ሃገራዊ ጻዋዒት ንዝበረኸ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሓርነት” ብዝብል ኣርእስቲ ብህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሓርነት ኣብ 20 ሰነ 2014 ዓ.ም. ኣብ ዝተዘርጋሓሉ እዋን ንሕና ኤርትራውያን ኣብ ከመይ ኩነታት ኢና ዝነበርናን ዘለናን ምልስ ኢልና ምርኣይ ንምንጽጻር ስለዘኽእል ሓጋዚ ኢዩ።

ህዝብና ኣብ ዓዲ፣ ኣብ ሳሃራ፣ ኣብ ሲናይ፣ ኣብ ሸገራብ፣ ኣብ ሊብያ፣ ኣብ ጅቡቲ፣ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ማእከላይ ባሕርን ካልእን ብልዑል ናህሪ ምጥፋእ ኣየቋረጸን። ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነብሩ ዜጋታት ደረጃ መነባብሮኦም ካብኡ ንታሕቲ ክወርደሉ ኣብ ዘይክእል ደረጃ በጺሑ መሰረታዊ ጠለባት ማይ፣ መግቢ፣ ሓይሊ ኤለትሪክ ተኸልኪሎም ናይ ዘየህለኹዎ ማይን ጽዓትን ዋጋ ብኣሽሓት ክኸፍሉ ዝሕተቱሉ ኩነታት ኢዩ ዘሎ። ኣብ ርእሲ’ዚ ኩሉ መሰላቶም ተሓሪሞም ኣብ ገዛእ ሃገሮም ገላዩ ኮይኖም ምንባር ከም ንቡር ክወስዱዎ ተገዲዶም ይርከቡ። ሽማግለታት ኣዴታትን ኣቦታትን፣ ነብሰ ጾራትን ኣደ ቆልዑን ሓሪሶም፣ ሸቂሎምን ወፊሮምን ኣመት ናብራኦም ኣብ ክንዲ ዝገብሩ ብረት ተሓንጊጦም ሓለውቲ ብግዲ ኣብ ዝባኖም ዝተጻዕነ ቀታሊ ኣጽዋር ኮይኖም እዚ ሕሰም መዓስ ኮን’ዩ ዘብቅዕ ክብሉ ንጨኳኒኦም ረጊሞም ንረጋሚ ካብ ዝህቡዎ መዋእል ኮይኑ ኣሎ። መንእሰያት ደቁ ናይ ግዜ ገደብ ኣብ ዘይብሉ ጊላነት ዝተረፉ ከኣ ናብ ስደት ሃጽ ኢሎም ዝጠፍኡዎ ህዝቢ ናተይ ዝብሎ መንግስቲ ዘይብሉ፣ ኣብ ገዛእ ዓዱ ዘራይ ስኢኑ ተሪፉ ምህላዉ ዝዝንግዖ የለን። ስለዝኾነ ክትራንን ዓመጽን ገኒኑ ሽማግለታት ኣደታት ኣብ መንገዲ ቤተክርስትያን ተጻናትዮም ብዝደፍሩወን ሸፋቱ ተሰናቢደን፣ ኣብ’ዛ ምድሪ ኣበየነይቲ ሃገር ምህላወን ሓርቢቱወን ኣይምስ ምዉታን ኣይምስ ህሉዋን ካብ ክልቲኡ ኣብ ዘዝኸፍአ ይነብራ ኣለዋ።

ኣነን ሓጺሩኒ ይብል ንሱን ተደቢሩ ይስዕስዕ ኮይኑ ግን ነዚ ሓላል ህዝቢ እዚ ከምዝወሓዶ ደምሒት’ውን ቁስሉ ኣብ ምጉዳእ ኣይሰነፉን። ናብ’ታ ሃገር ዘምጽኦም ካልእ ጉዳይ ከምዘይነበረ ኢሰያስ ዝሃቦም ፍቓድ ተጠቒሞም ዋናታት ኤርትራ ያኢ ኮይኖም ኤርትራውያን ክርሽኑ፣ ክገፉ፣ ክዕምጹን ከበሳብሱን ህዝቡ ዝፈንፈኖ ስርዓት ከጻንሑ ተላኣኣኽቲ ውልቀ ምልካዊ ስርዓት ኮይኖም የገልግሉ ኣለዉ። ብዘይካኦም ናጽነት ኤርትራ ብጋህዲ ዝኹኑኑ ውልቀ ሰባትን ጉጅለታትን ከይተረፉ ብስም ተቓወምቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሕምብርቲ ኤርትራ ኣራጢጦም ካራታቶም ኣብ ምስሓልን ቀላጽሞም ኣብ ምግዛፍን ተጸሚዶም ይርከቡ።

ኤርትራ እታ ህዝባ እናናፈቓ ዝለቐቓ ሃገር ትናፍቖም ደቃ ስኢና ጓኖትን ጸላእትን ኣራግጽ እንክውድኡዋ ብኣንክሮ እናተዓዘበትን እናስተንተነትን ድማ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ንጻውዒት ጳጳሳት ካተሊካዊት ቤተ ክርስትያን ጸማም ህዝቢ ሂቡ፡  ውሳነታት ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሓርነት ዘይዓጀቦ ንምምሳል ኣብ ቦሎኛ ዳስ ዳንኬራን ፈንጠዝያን ክተክል ተራእዩ።

እዚ ጉዳይ ብስጊንጢርነቱ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ማዕከናት ዜና ዓዲ ጥልያን’ውን መዛረቢ ኣርእስቲ ኮይኑ ብምምንባሩ ቆላሕታ ከይሃብካዮ ምሕላፍ ዝክኣል’ኳ እንተነበረ ክልዓል ዘድልየሉ ምኽንያታት ዝያዳ ኣገዳሲ ብምዃኑ ክንዛረበሉ መሪጽና ኣለና። ሽፍትነት ኢሰያስ ጽምብል መበል 40 ዓመት ብዝብል ምስምስ ኣብ ከተማ ቦሎኛ ዳስ ዝተኸለሉ ምኽንያት ንኹሉ ብሩህ ኢዩ። ብፖለቲካ በቲኹ፣ ብዲፕሎማሲ ተነጺሉ፣ ከም ገበነኛ ተፈንፊኑን ተኻዒቡን ህዝቢ ብዓድን ብወጻእን ከምዘይናቱ ርእዩዎ ኮታ ኣብ ኩሉ መዳያት ተሳዒሩ ዕምሩ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ከብቅዕ ምዃኑ ስለዝተገንዘበ ኢዩ ነቲ ባህርያዊ መስርሕ ንድሕሪት ንምምላስ (ረቨርሰ ንምግባር) ነቲ ፈንጠዝያ ኣዳልዩዎ። ብዘይካኡ ግን ኣብ ርእሲ ቁስሊ ኤርትራውያን ጨው ንምንስናስ ዕድል ዝረኸበሉ ኣጋጣሚ ስለዝነበረ ከባኽኖ ኣይደለየን።

በዓል ዘርከቡሉ ከኣ ሬሳታት’ቶም ኣብ ምድረበዳን ባሕርን ዝሃልቁ ዘለዉ ኣሕዋቶም ኣብ ጸጽባሕ እናተኾመረ፣ ዜጋታት ኣብ ፈቐዳ ኣብያተ ማእሰርቲ ተዳጒኖም ንዓመታት ብዘይፍርዲ እናሓቐቑ ሃገር እናጠፍአት፣ ህዝቢ እናጸነተ፣ ‘ናብ ሬሳታት’ቶም 367 ሰማእቲ ላምፔዱዛ ቀሪብና ሬሳታቶም በእጋርና እንተዘይረገጽናዮ’ ብማለት ገለን ተረሲዓ ሓመድ ክትጎስም ዝጸንሐት ገለን ክትዝከር ምእንቲ ካብ ምጽሕታር ዘየዕረፈት፣ ዘይብሎም ኣለና ንምባል ዝጋፋገፍ ገፋጊፎም ከም ስልጣንያ ካብ ኣስመራ ቋጺሮሞም ዝመጽኡ መማውቲ ኣኸቲሎም ከም ሰብድሓን ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተኾዲሞም ተራእዮም። እቲ ድራማ ግን ስግንጢርነት ዘመና ካብ ምጉላሕ ሓሊፉ ካልእ መልእኽቲ ከማሓላልፍ ኣይክኣለን።

ደለይቲ ፍትሒ እውን ኣብ ቦሎኛ ተረኺቦም ነይሮም ኢዮም። እቶም ኣብ ግዜ መርድእ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣለኹ ዝብሉ ኣቦታቶምን ኣዴታቶምን ኣኸቲሎም ካብ ኩሉ ብመንሕራይ ዝገሹ ሰብሕልና ድምጾም፣ ድምጺ እሱራት ሕልናን ድምጺ ድምጹ ዝተዓብሰ ህዝብን ከስምዑ ብነድሪ ንፍትሕን ንሓቅን ክጭድሩ ተሰሚዖም ኢዮም። ኩሉ ደላይ ጽቡቕ ኤርትራውያን ከኣ “ንስኻትኩም ኢኹም ኤርትራውያን፣ ተስፋ ሃገርን ህዝብን” ኢሉዎም ኣሎ። እዞም ርቡሓት እዚቶኦም ኣሕዋትካን ኣሓትካን ብምዃኖም ከኣ ሓበን ይስምዓካ። ፈስቲቫል ቦለኛ እምብኣር ድምጺ ሓቅን ፍትሕን ድምጺ እንብይታን ሕራነን ጎሊሑ ዝተሰመዓሉ፣ ድምጺ ሓሶትን ዓመጽን ድምጺ ምንብርካኽን ስግዳንን ናብ ሕሹኽታ ዝተቐየረሉ ፌስቲቫል ኢዩ ኮይኑ። ስርዓት ምልክን ኮራኹሩን እንክሰዓሩ ሓርነት ህዝቦም ዝዓጅቦም ደለይቲ ፍትሒ ኣንጸባራቒ ዓወት እንክጓናጸፉ ዓለም ዓይና ከፊታ ተዓዚባቶ ኣላ። ደለይቲ ፍትሒ ግን ድሕሪ ዓወት ፌስቲቫል ቦለኛ ሓደ ዓቢ ታሪኻዊ ሕቶ ይጽበዮም ኣሎ። እዚ ሕቶ እዚ ከኣ’ዩ ነዚ ጹሑፍ ክንጽሕፍ ዝደፋፍኣና።

ድሕሪ ቦለኛኸ ናበይ? ዝብል ሕቶ ኣገዳሲ ኢዩ። ድሕሪ ፌስቲቫል ቦለኛ ኩሉ እቲ ድምጺ ውጹዕ ህዝቡ ከቃልሕ ዝቐነየ ደላይ ፍትሒ ነቲ 20 ሰነ ብህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሓርነት ዝተዘርገሐ “ህጹጽ ሃገራዊ ጻዋዒት ንዝበረኸ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሓርነት፣ መዓልቲ ዕርቅን ሰላምን መዓልቲ ፍርዲ ገበነኛታትን ክትከውን ኢያ” ብምባል ዝተቓለሐ ውሳነታት ግብራዊ ምላሽ ክህበሉ ክንቀሳቐስ ከም ዘለዎ ክዝንግዖ ኣይግብኦን። እቲ ህዝባዊ ውሳነ ኣብ ዜጋታት ኤርትራ ዕርቅን ሰላምን ይንገስ ብምባል ጀሚሩ ናብ ሕነ ህዝቢ ናይ ምፍዳይ ስጉምትን ድሩት ናይ ጣዕሳ ግዜ ዝህብ ውሳነን ዝሰግር፣ ክብሪ መስዋእቲ ይተሓደስ ምስ መስዋእቲ ንተዓረቕ ኢሉ፣ ሃገራዊ ዕርቂ ክግበር መሰጋገሪ መንግስቲ ክቐውም ዝሕብር ቅዋማዊ መንግስቲ ክትከል ዘኽእል ባይታ ከም ዝንጸፍን ቅዋማዊ መንግስቲ ከም ዝትከል ዝእምትን ህዝብዊ ውስነታት ስለዝኾነ ድሕሪ ዓወት ፌስቲቫል ቦለኛ ዕማም ኩሉ ደላይ ፍትሒ ኢዩ።

ኣብ’ዚ ኤርትራ ኣብ ደንደስ ህላወን ጥፍኣትን ተገምጊማ ውልቀ መላኺ ደፊኡ ከጽድፋ ህርድግ ክብል እታ ብደም ደቃ ሃገር ዝኾነትን ዝተዋሕሰትን መሬት ኣውያት ህዝባ እናቃለሐትን እናተሳሕገትን፣ ንዕኡ ከተጽድፎ ክትጋደል ኣብ ምርብራብ ተጸሚዶም ዘለዉሉ እዋን ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ንሃገረይ ንምድሓን እንታይ ኣበርክቶ ይገብር ኣለኹ ኢሉ ክሓትት ናይ ግድን ኢዩ። ሓደ መራሒ ሃገር’የ ዝብል ውልቀ ሰብ ስልጣን ገቢቱ ህዝቢ ምጭኳን ከም ግቡኡ ወሲዱ ብዘይተሓታትነት ኣብ ዝዕንድረሉ እዋን ቀይዲ በተኽነት’ምበር ስርዓት የማሓድር ኣለኹ ክብል ኣይግባእን። ቀይዲ በተኽነት ምምሕዳር ስለዘይክኣል ከኣ እቲ ዝገዘፈ ነቲ ዝንኣሰ ዓሳ እናበልዖ ኣብ መወዳእታ ጥፍኣት ጥራይ ኢዩ ክስዕብ ዝኽእል። ስለዝኾነ ህዝቢ ነዚ ከም’ዚ ዝበለ ዓንዳሪ በቲ ዝርድኦ ቋንቋ ክሓቶ መሰል ጥራይ ዘይኮነ ግዴታ’ውን ኣለዎ።

እቲ ብህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሓርነት ኤርትራውያን ኣብ 20 ሰነ ዝተዘርግሐ መግለጺ ነዚ ግዴታ’ዚ ካብ ምግንዛብ ዝተበገሰ ሰናይ ሓሳብ ደለይቲ ፍትሒ ምዃኑ ዘንጸባርቕ መልእኽቲ ኢዩ ነይሩ። ልዕሊ ኹሉ ዘቖጠዖም ጉዳይ ህዝብና ብሓደ ወገነይ ዝበሎ ጠላም ካብ ገጽ መሬት ተሓኺኹ ንኽጸንት ሃገሩ ከኣ ካብ ካርታ ዓለም ክትድምሰስ ስለዝተፈርዱ ምዃኑ እቲ ጽሑፍ  ኣነጺሩዎ ኣሎ። ንሳቶም ከም ኩሎም ሓላፍነት ዝስምዖም ኣብ ዝተፈላለየ ሸነኻት ናይ’ዛ ዓለም ኮይኖም ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ንምድሓን ለይትን ቀትርን ከይተሓለሉ ዝጽዕሩ ኤርትራውያን ተራ ሃገራውያን ኢዮም። መርኣያ ንቕሓቶምን ሻቕሎቶምን ገለ ክንገብር ኣለና ብማለት ብመንፈስ፣ ብሕልና፣ ብሓሳብ፣ ብቓላት፣ ብድምጽን ቃናን ደቂ ህዝቢ፣ “ኣብ ውሽጥን ወጻእን ሃገር ዝነብሩ ሃገራውያን “ህጹጽ ሃገራዊ ጻዋዒት ንዝበረኸ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሓርነት” ብዝብል ጻዋዒት ሃገር ሓዘል ጽሑፍ ብስም ኤርትራን ህዝባን ዘርጊሖም።

“እዚ መድረኽ እዚ ዕድል ኤርትራ ኣብ ኢድ ነፍስ ወከፍ ኤርትርዊ ዜጋ ዝወደቐሉ፣ ነፍስ ወከፍ ኤርትራዊ ብውልቂ ዝሕተተሉ፣ ኣዝዩ ሓደገኛ ታሪኻዊ መድረኽ ምዃኑ ንኹሉ ብሩህ’ዩ። እዚ ጽሑፍ ከኣ እዛ ተስፋኣ ተጸንቂቑ ንሓዋሩ ንኸይትጸንት ትስሓግ ዘላ ኤርትራ፣ ንኹሎም ደቃ በብሓደ እናጸወዐት ርድኡኒ ካብ ጥፍኣት ኣድሕኑኒ እናበለት ናይ ሓደጋ ደወል ትድውለሉን ምሕጽንታኣ ትገልጸሉን ዘላ ጽሑፍ’ዩ፣” ብምባል ኦ ህዝበይ ንኸይትጸንት ኣለኹ በል፣ ሃገርካ ነበረት ከይትብሃል ጻውዒታ ስምዓዮ፣ ሰማእታትካ ከየስተማስሉ ሕድሮም ተግብሮ ኢዮም ዝብሉ ዘለዉ። በጺሕናዮ ዘለና ግዜ ንሕቶ ህላወና ብድሎ ዝፍትን ከም ዜጋታት ንሃሉ’ዶ ኣይንሃሉ ብግብሪ ክንምልስ ንሕተተሉ ዘለና ግዜ ስለዝኾነ ከኣ’ዮም ልክዕ ከም ኩሉ ካልእ ደላይ ፍትሒ ሰማእቲ ዘሰከምዎም ሕልናዊ ሓላፍነት በቲ ኩሉ ዜጋ ዝኣምነሉ ኣገባብ ክትግበር ናብ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ሕውነታዊ መልእኽቶም ኣማሓላሊፎም። ከም ኩሎም’ቶም ብዝመስሎምን ብዝጥዕሞምን ኣገባባት ብውልቂ ይኹን ብጥርኑፍ ንትግባረ ናይ ሓባር ዕላማ ዝንቀሳቐሱ ዜጋታት ብሕልና  ስለዝምርሑ መርኣያ ልዑል ደረጃ ንቕሓቶም ተበግሶ ወሲዶም እንክዋስኡን ኣድማዕነቶም ንምዕባይ እንክጽዕሩን ሓሳቦም ብግቡእ መርሚርና ግቡእ ግብረ መልሲ ክንህበሉ ድኣ’ምበር ኣቓልቦና ክንነፍጎም ኣይግባእን።

ንሳቶም ብወገኖም ነቲ ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ ከካዱዎ ዝጸንሑ ምንቅስቓሳት ኣመልኪቶም፣

“ኣብ’ዚ ናይ ህላወ ሕቶ ዝምለሰሉ ሓደገኛ መድረኽ እዚ፣ ሓያለ ሓላፍነቶም ዝፈልጡ ኤርትራውያን ንኤርትራን ህዝባን ካብ ዕንወትን ጥፍኣትን ንምድሓንን ነቲ መለለይ ቀደሞም ዝኾነ ኤርትራዊ ጅግንነትን ክብርን ናብ ቦትኡ ንምምላስን ብውልቅን ብውዱብን ክቃለሱ ጸኒሖም ኣለዉ። እቲ ብውልቃዊ ተበግሶ ገለ ሃገራውያን ዝተጀመረ ቃልሲ ንህዝባዊ ምንቅስቓስ መበራበሪ ክኸውን ስለዝበቕዐ፣ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ሃገር ዝነብር ህዝቢ በብዝጥዕሞ ተወዳዲቡ ኣባል ህዝባዊ ምንቅስቓስ ብምዃን ጸገም ሃገሩ ክፈትሕ ተለዓዒሉ ኣሎ፣” ይብሉ’ሞ  እዚ ተለዓዒሉ ዘሎ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ብግቡእ እንተተመሪሑ፣ ናብ ምሉእ ዓወት ክሰጋገር ብቕዓት ዘለዎ ዝበለጸ ኣገባብ ቃልሲ ክኸውን ምዃኑ ጠቒሶም፣ “ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሓርነት ነዚ ተጓሃሂሩ ዘሎ ህዝባዊ ምንቅስቓስ፣ ንጹር ዕላማን ራእን ግቡእ ቅርጽን ኣገባብን ዘለዎ፣ ኩሉ ኤርትራዊ ዝሳተፎ ዝለዓለ ህዝባውነት ዝለበሰ ምንቅስቓስ ንምግባሩ ብስቱር ክቃለስ ዝጸንሐ ምንቅስቓስ ኢዩ። ቀንዲ ዕላማታቱ ከኣ ነዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ንህላወ ህዝብን ሃገርን ዝፈታተን ታሪኻዊ ሕቶ ዝምልስ ናይ ሓባር ርድኢት ከም ዝህሉ ምግባር፣ ኩሉ ዜጋ በብውልቁ ይኹን ብውዱብ ዝተሓተቶ መስዋእቲ ከፊሉ ሃገሩን ህዝቡን ምእንቲ ከድሕን ድልው ንኽኸውን ምስንዳው፡ ኣብ ደሞክራስን ሰላምን ዝተሰረተ ሓድነት ህዝቢ ዝዕቅብ ነባሪ ምዕባለ ሃገር ዘውሕስ ግብራዊ መደባት ብምስራዕ፡ ኩሉ ወዲ ሃገር ነዚ ጸልማት ግዜ ሓሊፉ ናብ ድሕሪኡ ዘሎ ትስፍው ዘመን ዘሳጋግር ናይ ሓባር ራኢ ከም ዝውንን ምግባር ኢዩ፣” ይብሉ።

ገለ ካብ’ቶም ከም ቀንዲ ዕላማታት’ቲ ምንቅስቓስ ዝተጠቕሱ ነዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ንህላወን ህዝብን ሃገርን ዝፈታተን ታሪኻዊ ሕቶ ዝምልስ ናይ ሓባር ርድኢት ከምዝህሉ ምግባር ከምኡ’ውን ኩሉ ወዲ ሃገር ነዚ ጸልማት ግዜ ሓሊፉ ናብ ድሕሪኡ ዘሎ ትስፉዉ ዘመን ዘሰጋግር ናይ ሓባር ራኢ ከም ዝውንን ምግባር ዝብሉ ክልተ ነጥብታት ወሰንቲ ኢዮም። ክሳብ ሎሚ ዕላማ ዝተፈላለዩ ዜጋታት ሓደ እናኾነ ኣብ ገለ ነጥብታት ክሰማምዑ ብዘይምኽኣሎም ጥርኑፍን ዉሁድን ብዝኾነ መንገዲ እንተዝንቀሳቐሱ ብተዛማዲ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ዝበለጸ ውጽኢት ክርከበሉ ዝኽእል ዝነበረ ዕድላት ተኸሲሩ ክተርፍ ምጽንሑ ንኹሉ ብሩህ ኢዩ። ስለዝኾነ ከኣ ናይ ሓባር መረዳእታ ዝብል ኣምር መሰረታዊ ኮይኑ ይርከብ። መጀመርያ ናይ ሓባር መረዳእታ ኣብ ዝብል ኣምር ኣብ ናይ ሓባር መረዳእታ ክንበጽሕ ምእንቲ ክሕግዘና ክንርእዮ ኣድላዪ ኢዩ። እቲ ሽግር እንታይ ኢዩ? ጠንቂ እቲ ሽግር መን ወይ እንታይ ኢዩ? ግዳይ ኮይኑ ዘሎ መን ኢዩ? እዚ ጸገም ብኸመይ ይፍታሕ? ቀዳምነት ዝውሃቦ ጉዳይ እንታይ ኢዩ? ነቲ ቀዳምነት ዝተዋህቦ ሕቶ ንምምላስ ክትከፍሎ ዘድሊ መስዋእቲ እንታይ ኢዩ? ዕላማኻ እንታይ ኢዩ? ንዝብሉን ካልኦትን መሰረታውያን ሕቶታት ትህቦ ምላሽ ዘይራኸብ ኮይኑ እንተጸኒሑ’ውን ንገዛእ ርእስኻ ኣብ ናይ ካልኦት ቦታ ብምቕማጥ እቲ ኣብኣቶም ዝወረደ በደል ኣብ ልዕሌኻ ከምዝወረደ ኮይኑ ክስምዓካ እናጽዓርካ ግልጺ ኮይንካ ንሓድሕድካ ብምምህሃር ሓሳብ ንሓሳብ ብምልውዋጥን ብምትእርራምን ብመንፈስን ብሓሳብን ኣብ’ቲ ብዝበለጸ ኣርባሒ ኮይኑ ዝተረኽበ ኣማራጺ ምርዓም ማለት ኢዩ። ናጽነት ሓድሕድካ እናኽበርካ ፍልልያትካ ከም ጽባቐ ወሲድካ ንናይ ሓባር ጸገም ናይ ሓባር መፍትሒ ከም ዘለዎ ኣሚንካ ናይ ሓባር መነጽር፣ ናይ ሓባር ጉዕዞን ናይ ሓባር ዕላማን ምውናን ማለት ኢዩ። ናብ’ቲ ካልኣይ ናይ ሓባር ራኢ ዝብል ነጥቢ ምስ እንሰግር ዝተጋነነ ዘይምርድዳእ ኣይንረክብን። ይኹን’ምበር ብሄራውን ሃይማኖታውን ካልእ ብዙሕነትና ኣብ ግምት ብዘእቱ፣ ምቛም ብግዝኣተ ሕጊ ትምራሕ፣ ዲሞክራስያዊት፣ መሰል ዜጋታት ዝውሓሰላ ሃገር ምህናጽ ኣብ ዝብል መሰረታዊ ሓሳብ ንጹርን ዝደጋገምን መልእኽቲ ምቅላሕ ነቲ ክህልወና ኣለዎ  እንብሎ ናይ ሓባር ራኢ ከድምቖ ይኽእል። እዚ ከኣ ኣብ ኣእምሮና ንዝተሳእለ ምስሊ ናይ ጽባሕ ኤርትራ ግቡእ መልክዕ ኣትሒዙ ናብኡ ንምብጻሕ ብልዑል ናህሪ ክንሰርሕ ይድርኸና።

በዚ መንጽር እንክርአ ኤርትራውያን ንዓመታት ብውልቅን ብጥርኑፍን ተቓሊስና ከነብቅዕ ውልቀ ምልካዊ ስርዓት ኣሊና ንህዝብና ከነርህወሉ፣ ኣብ ሃገርና ልዕልና ሕጊ ኣንጊስና መሰረታዊ መሰል ዜጋታት ዝኽበረሉ ኩነታት ፈጢርና ንህዝብና ካብ ጥፍኣት፣ ንሃገርና ካብ ዝኸፍአ ዕንወት ከነድሕን ዘይክኣልና ባህጊ ስለዘይነበረና ከምዘይኮነ ንግንዘብ። ኮይኑ ግን ኣብ ወሰንቲ ጉዳያት ኣብ ናይ ሓባር መረዳእታ ምብጻሕ ከም ዕላማ ወሲዶም ክሰርሑሉ ኣድላዪ መሲሉ ዝተሰመዖም እንተነይሮምና’ውን እቶም ዝወሓዱ ስለዝነበሩ ዓወታትና ዘገምታዊ ኮይኑ ክተርፍ ተራእዩ። ናይ ሓባር ርድኢት ክህሉ ምጽዓር እምብኣር፣ ሎሚ ምጽውዋር ኣማዕቢሉ ሓድነት ከጎልብት ካብኡ ሓሊፉ ድማ ዲሞክራስያዊ መሰረት’ታ ጽባሕ ክትህነጽ እትድለ ሃገር ዘውሕስ ባይታ ከምዝኸውን ዘጠራጥር ኣይኮነን። እዚ እንተተኻኢሉ ሓደ ካብ’ቶም ንደምበ ደለይቲ ፍትሒ ሓሊኾሞ ዝጸንሑ መጻወድያታት ክጥሓሱ ምዃኖም ጥርጥር የልቦን።

በዚ መሰረት መልእኽቲ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሓርነት ነቲ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ብልዑል ፍናን ክንቀሳቐሱሉ ዝጸንሑ ተበግሶ ዘራጉድን ኣብ ኤርትራ ከምዝጽምበር ዝገብርን ድኣ’ምበር ካልእ ዝተፈልየ ሓሳብ ኣይኮነን። እዚ ንጹር፣ ዘየደናግር፣ ፍኖት ድሕነት ሃገርን ሰላምን፣ ትግባረ ቅዋምን ህንጸት ደሞክራስን ዝሕበር ሰነድ’ዚ ንኹሉ ክቃለስ ዝደሊ ክፉትን ኣመና ሓጋዝን ምኽንያታት ፈጢሩ ክዋሰን ንዝደሊ ውልቀሰብ ከኣ ምስ ሕልንኡ ንኽብኣስ ድኣ’ምበር ኣመኽንዩ ንኽእለ ዕድል ዝህብ ኣይኮነን።

ሃገራዊ ጻዋዒት ንዝበረኸ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሓርነት ንዝተፈላለዩ ሃገራውያን ዘበራበረሉ ንኻልኦት ብዙሓት ተስፋ ዘስነቐሉ፣ ንኻብኣቶም ዝበዝሑ ካልኦት ድማ ንጡፋት ተዋሳእቲ ናብ ምዃን ተሰጋጊሮም ግብራዊ ስጉምቲ ክወስዱ ዝደረኸሉ ቀንዲ ምኽንያት ሕመረት ኤርትራውነት በርቢሩ ነቲ ኣብኡ ዝረኸቦ ቁምነገር ናብ ኤርትራውያን ከመሓላልፎ ዓቕሚ ዝረኸበ መስመር ኮይኑ ከገልግል ምምራጹ ስለዘንጸባረቐ ጥራሕ ኢዩ። ንስኻትኩም፣ ንስኻትክን፣ ንሳቶም፣ ንሳ ትኹን ንሱ ኮታ ንሕና ኩልና ኤርትራውያን፣ ወግሐ ጸብሐ ብሕልሚ ንርእዮ ሓሳብን ባህግን ብቓላት ገሊጾም፣ ግብራውነት ከነልብሶ ዓቕሚ ከምዘለና ከዘኻኽሩና ትብዓት ብምርካቦም’ዩ መልእኽቶም ብኸም’ቲ ልዕል ኢሉ ዝተገልጸ መንገዲ ናብ ኣንጉዕ ኤርትራውያን ክኣቱ በቒዑ።

ኣብ ርእሲኡ ንጹር መርገጺ’ቲ ህዝባዊ ምንቅስቓስ መሰረታዊ ለውጢ ኢዩ። ንርዱእ ምኽንያታት እዚ ጠለብ’ዚ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ዝድግፍዎ ምዃኑ ይፍለጥ። መስረታዊ ለውጢ ኣብ ሰላምን ዕርቅን ዝተሰረተ ምስ ዝኸውን ድሕነት ህዝብን ቀጻልነት ሃገርን ኣብ ምርግጋጽ ዝበለጸ ፍረ ክርከቦ ስለዝኽእል ጥራይ’ዮም ዕርቅን ሰላምን ኣብ ዜጋታት እዛ ሃገር ኣማራጺ ዘይርከቦ መፈለምታ ክኸውን ዝመረጹዎ። ኣብ ጽገናን ላህመታዊ ለውጥን ዘለዎም መርገጺ ኣብ ጽሑፎም ብኸም’ዚ ዝስዕብ ሰፊሩ ይርከብ፣

“ስርዓት ምምሕያሽ ወይ ጽገና ጌርካ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ስልጣን ክቕጽል ዝብል ሓሳብ ሒዙ ዝንቀሳቐስ ዝኾነ ኣባል ህዝባዊ ግንባር ነበረ ፖለትከኛ እንተሎ፣ እዚ ሓሳብ እዚ ብኹሉ ተጋዳላይ ንጹግ ምዃኑ ክበርሃሉ ይግባእ። ኤርትራ ብህዝቢ ዝተመርጸ ቅዋማዊ ስርዓት ደኣ እንበር ብህዝባዊ ግንባር ክትምራሕ ዕላማ ቃልሲ ተጋዳላይ ኣይነበረን፡ ብሕጂ’ውን ኣይክኸውንን ኢዩ። ህዝባዊ ግንባር ብሰንኪ እከይ ዕላማታት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ነቲ ስልጣን ህዝቢ ናብ ህዝቢ ምርካብ ዝብል መበገስን መዕለብን ቃልሱ ዝኾነ መትከላት ገድሉ ገዲፋ ብገዛእ ስልጣኑ ንኤርትራ ከመሓድራ ብምህቃኑ፡ ኣብ ታሪኽ ህዝባዊ ገድሉን ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ዘውረዶ በደል ተጋዳላይን ህዝብን ዝስሕቶ ኣይኮነን። ዝኾነ ይኹን ፖለትከኛ ኣብ ጅግንነትን ሃገራውነትን ውድብ ህዝባዊ ግንባር ተሓንጊሩ ወይ ንታሪኽ ቃልሲ ንሓርነት መበረኺ ተጠቂሙ ናብ ኮረሻ ስልጣን ክመጣጠር ዝፍትን ብተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባርን ብህዝቢ ኤርትራን ቅቡል ኣይኮነን። ድሕሪ ደጊም ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ነቲ ዝተፈጸመ ዘሕዝን ጌጋ ኣሪሙ ታሪኹ ከዐሪ፡ ሓላው ቅዋምን ስርዓተ ሕግን ኮይኑ ንናጻ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ዜጋታት ከውሕስ ደኣ እንበር፡ ንርእሱ ኣብ ናይ ስልጣን ሓሸውየ ኣትዩ ተወሳኺ ጌጋ ክፍጽም ድልየት የብሉን። ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሓርነት ነዚ ካብ ኣባላቱ ዝኾኑ ተጋደልቲ ዝረኸቦ ትብዓትን ጅግንነትን ዝሓትት መርገጺ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር የድንቕን ይድግፍን።”

ሓደ እቲ ምንቅስቓስ ክድነቐሉን ክድገፈሉን ዘለዎ ተወሳኺ ምኽንያት እምብኣር ኣብ ሰነዱ መሰረታዊ ለውጢ ንምምጻእ ዘኽእለና ሓባራዊ ሓላፍነት ዘሰክም እማመ ሓሳብ ጥራይ ዘይኮነ ናብ ዉሑስ መጻኢ ክመርሓና ዝኽእል ኣገዳሲ ሓሳብ’ውን ምቕራቡ ኢዩ። ኣብ’ቲ ጽሑፍ ናይ ለውጢ ሓይልታት ዝጻወተኦ ተራን ሓላፍነተንን፣ ጉዕዞ ህንጸት ደሞክራሲ፣ ኣቃውማ መሰጋገሪ መንግስቲ፣ ቅርጹን ግቡኣቱን፣ ኣብ ምጥጣሕ ባይታ ምትካል ቅዋማዊ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ዝጻወቶ ተራን፣ ብዛዕባ ፖለቲካ እንዶ ንዘይብሉ ዜጋ ብዝርድኦ ዝርዝራውን ንጹርን ኣገባብ ሰፊሩ ይርከብ። ካብኡ ብዝተፈልየ ንህሉው ኩነታት እቲ ምንቅስቓስ ዝምልከቱ ገለ ዘይተመለሱልና ሕቶታት ክህሉዉ ዝኽእሉ እኳ እንተኾኑ ኣብ ኣፍንጫ ውልቀ ምልካዊ ስርዓት ኮይኑ ካብ ዝንቀሳቐስ ወገንና እንታይ ክንጽበ ከምእንኽእል ንምግማት ከጸግመና ኣይክእልን። ብሓፈሽኡ ግን እቲ ምንቅስቓስ ኣብ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ዘለዎ መርገጺ ብኸም’ዚ ዝስዕብ የነጽር፣

“እቶም ቀንዲ ሃንደስትን ተዋሳእትን ዕንወትን ህልቂትን ኤርትራን ህዝባን ዝኾኑ ውልቀ ሰባት ብቕልጽምን ተሳትፎን ህዝቢ ዝግብኦም ፍርዲ ወሲዶም ናብ ናይ ታሪኽ ጎሓፍ ምስ ተደርበዩ፡ እቲ ንህላወ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኣብ ምልክት ሕቶ የእትዩ ዝነበረ ኣዝዩ ሓደገኛ መድረኽ ብሳላ ስረ ደቂ ኤረ ጉቡእ መልሱ ምስ ረኸበ፡ ጉዕዞ ህንጽት ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኩሉ ኤርትራዊ ኣነጺሩ ብዝፈልጦ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ብዘለዎ መስርዕ ምእንቲ ክጓዓዝን፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ዜጋ ዘሳተፈ ዕውትን ስሉጥን ኣገባብ ምእንቲ ክኽተልን ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሓርነት ነዞም ዝስዕቡ ኣገደስቲ ታሪኻውያን ምሕጽንታታትን ሓበሬታታትን የመሓላልፍ።”

ካብዚኣቶም፣ 1) ኣብ ዜጋታት ኤርትራ ዕርቅን ሰላምን ከም ዝወርድ ምግባር፣ 2) ንተሓተቲ ውልቀ ሰባት ሕነ ዝፈዲ ስጉምቲ ምውሳድ፣ ንዝጥዓሱ ዜጋታት ድሩት ግዜ ጣዕሳ ምውሳን ዝብሉ ክልተ ንኡሳን ኣርእስትታት ኣቐዲምና ዳህሲስናዮም ጸኒሕና ኣለና። እቲ ዝስዕብ ሳልሳይ ትርጉምን ክብርን መስዋእቲ ከም ዝሕደስን ህዝባውነት ከምዝለብስን ምግባር ዝብል ኣድላይን ወሳንን ረቛሒ ኢዩ። ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሓርነት ኤርትራውያን ኣብ’ዚ እዋን ከም ዜጋታት በጃ ህዝብን ሃገርን ብዛዕባ ምሕላፍ ዘለና ኣረኣእያን ብኣሉታ ዝጸለዉና ረቛሕትን ኣብ ዝምልከት ክፋል፣

“ኢሳይያስ እታ ቀዳመይቲ ንጅግንነት ህዝቢ ኤርትራ ከዕንወላ ዝተጠቀመላ ጥበብ ንስውኣትን መብጽዓ ስውኣትን ምጥላም ኢያ ኔራ። ኢሳይያስ ብሰንኪ ኣብ መብጽዓ ስውኣትን መቕርብ ስውኣትን ዝፈጸሞ ከቢድ ጥልመት፡ ክብርን ትርጉምን መስዋእቲ ፈጺሙ ዘንቢዑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ምስ’ታ መፍትሒ ኩሉ ጸገማቱ ዝኾነት መስዋእቲ ከም ዝረሓሓቕ ኮይኑ።…..  ምእንቲ ሓቅን ፍትሕን ምእንቲ ወጽዓ ህዝብን ድሕነት ሃገርን ክትቃለስ ኢልካ ንነብስኻ ንመስዋእቲ የሕሊፍካ ክትህብ ምፍታን ማለት፡ ነቲ ክብሪ መስዋእቲ ክዕድለካን ክኽልክለካን ስልጣን ዘለዎ ኣካል ስለ ዝተጻረርካ ዕድመ ንእስነትካ ወፊኻ ዝሰራሕካዮ ታሪኽን ጅግንነትን ብገዛእ ፍቓድካ ምዕናው፡ ነቶም ብዘይካኻ ረዳኢ ዘይብሎም ደቅኻን ስድራኻን ከዲዕካ ናብ ዝኽትምናን ድኽነትን ምጉሓፍ፡ ኣበይ ኣለኻ ተባሂልካ ንዘይትዝከረሉ ስራሕ ዓያሹን ድሑራትን ንኽትሰርሕ ኣብ ልዕሊ ህይወትካ ስለ ዝፈረድካ ንስድራኻን ፈተውትኻን ዘይወጽእ ጓሂ ምግዳፍን ኩሉ ዓይነታት ሕንከት ከም ዝጉልበቡ ምግባርን ማለት ኮይኑ ኣሎ ትርጉም መስዋእቲ ኣብዚ እዋን እዚ። ስለ ዝኾነ ከኣ ካብ ምእንቲ ሓርነትን ራህዋን ህዝቢ መስዋእቲ ምኽፋል ተራ ሞት ምማት ዝምረጸሉ እዋን ተበጺሑ ኣሎ፣” ይብል።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፣ እቶም ትማሊ ናጽነት ካብ መንጋጋ ጸልእቲ ክምንጥሉ ይኹን ሃገር ተወረት ምስ ተባህለ ‘በጃኻ ህዝበይ እናበሉ’ ኣብ’ቲ ሓዝ ክሕዝ ጥምጥም ዝተበጀው ነብሶም ወፍዮም ከቢሮም ክብረት ዝለገሱ፣ መምህራን ፍቕሪ ሰማእታት ጎባልል ኤርትራ ሕድሮምን መብጽዕኦም ተጠሊሙ ከይኣክል ንህዝቦም ኣሚኖም ዝገደፍዎም ስድርኦምን ሓድጎምን እንታይ ከም ዝጎነፎም ኣበይ ከይጠፍኣካ? ዘየስቆርቁር መዓስ ኮይኑ ኸ፣ ከመይ ዘየስቆርቁረካ።

ዋላ’ኳ ተጋዳላይ ብመን ሕራይ ናብ መሳርዕ ሰውራ ዝተጸምበረ ሽሕ ግዜ’ውን ንመስዋእቲ ኣነ ክሓልፍ ንስኻ ጽናሕ እናበለ ምስ ብጻዩ ይቀዳደመላ፣ ናጽነት ምስ ተረኽበት እቶም ቅድሚ ኩሉ ካልእ ኣመቶም ክንገብር ዝነበረና እቶም ብቐጥታ ግዳያት መስዋእቲ ዝኾኑ ወላድ ምኻን ዝኾኑ ስድራ ስውኣትን ዘኽቲሞም ዝተረፉ ደቂ ስውኣትን ምንባሮም ዘረባ ዘየድልዮ ጉዳይ ኢዩ። ብግብሪ ከምዝራኣናዮ ግን ወለድን ዉሉድን ስዉእ ብቑንጣሮ ደበስ ተጠቢሮም ብድኽነትን ስእነትን ተዳኺሞም፣ ቀዳሞት ግዳያት ጥልመት ኢሰያስ ኢዮም ኮይኖም። ጸጋታት እታ ብመስዋእቲ መቕርቦም ዝተረኽበት ናጽነት ተነፊጎም ከይኣክል ካብ’ታ ንደቆም ናብ መስዋእቲ ዘፋንዉላ ንመዋእል ዝነበሩላ ትንፋስ ደቃ ስኢና ዝቖረረት ቤቶም ስእሊ ስውኣት ደቆም ሓቚፎም ክሳጎጉ፣ ኣብ ጎድና ክድርበዮን ክከላበቱን ተዓዚብና። ብዙሕ ዘጉሂ ከንፈርካ ረምጢጥካ ጥራይ ክትሓልፎ ዘጸግም ፍጻመታት ከኣ ክንርኢ በቒዕና ኢና።

ካልእ ንኹሉ ዝስደመመ ተወሳኺ ፍጻመ ድማ ነቶም ምስ መስዋእትን መውጋእትን እናተረባረቡ ብመዳፍዕን ጠያይትን እናተሳሕቱ ዝወለዱዎም ፍረ ፍቕሪ ገድልን ምረቱን ዝኾኑ ህጻናት ገድሊ ብመስዋእቲ ወለዶም ዝተረኽበት ናጽነት ምስ መጽአት፣ ኣይነዘኽትሞም እናተባህለ ብዝኽትምንኦም ሚልዮናት ዶላራት እናተለመነን እናተመጽወተን ሓድጊ ስዉኣት  ዝኾኑ ህጻናት ገድሊ ብፍሉይ ክንክን ክንዲ ዝሕብሓቡን ዝሕንቅቑን ንዝተፈላለየ ምኽንያታት ወለዶም ከዕብዩዎም ምስ ዘይክኣሉ ዘይዕድለኛታት ህጻናት ተሓዊሶም ምእንቲ ክዓብዩ ናብ መዕበይ ዘኽታማት ከም ዝኣትው ዝተገብረ ከቢድ ክድዓት ኢዩ። ብኸምዝን ካልእን ደይ መደይ ኢልካ ዝተፈጸመ ተግባራት ከም’ቲ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሓርነት ዝገለጾ ምእንቲ ህዝብኻን ሃገርካን መስዋእቲ ምኽፋል ማለት ንደቅኻን ስድራኻን ንሕሰም ምፍራድ ማለት ከም ዝኸውን ተገይሩ። ብሓፈሽኡ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፍ ስውእን መቕርቡን ዝተፈጸመ ጥልመት እቲ ዝመረረን ዝኸበደን ምዃኑ ኩልና ንሰማማዓሉ ነጥቢ ኢዩ።

እዚ እንተኾይኑ ድኣ ሕሰምና ከብቅዕ እንታይ ክግበር ኣለዎ ንዝብል ሕቶ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሓርነት፣

“…..ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ካብ ስልጣን ክእለ እንተ ኾይኑ መስዋእቲ ብግዲ ክኽፈል ክኽእል ኣለዎ። መስዋእቲ ክኽፈል እንተ ኾይኑ፡ መስዋእቲ ብኹሎም ዜጋታት ተባሃግን ተሃራፍን ክኸውን ክኽእል ኣለዎ። መስዋእቲ ብኩሎም ዜጋታት ተባሃግን ተሃራፍን ክኸውን እንተ ኾይኑ ክብርን ትርጉምን መስዋእቲ ናብ ግቡእ ቦትኡ ክምለስ ክኽእል ኣለዎ። ክብርን ትርጉምን መስዋእቲ ናብ ግቡእ ቦትኡ ክምለስ እንተ ኾይኑ መብጽዓ ስውኣትን መቕርብ ስውኣትን ክኽበሩ ክኽእሉ ኣለዎም፣” ይብል’ሞ ቀጺሉ፣ “እቲ ክኸውን ዝግብኦ እዚ ስለ ዝኾነ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሓርነት ስውእ ምኻን ማለት፡ ተደላይን ተሃራፍን ፍጡር ምኻን፡ ስውእ ምኻን ማለት እቲ ብዘቕንእ ክብረት ወትሩ እናተዘከረ ክነብር ዝግብኦ ዝተመርጸ ዜጋ ምኻን፡ ስውእ ምኻን ማለት እቲ ብመንፈሳውን ንዋታውን ሞሳ ዝበለጸ ክኸውን ዝግብኦ ዕድለኛን ዘልኣለማውን ዜጋ ምኻን ማለት ምኻኑ ይኣምን፣” ብምባል ይምልሶ።

ብተወሳኺ እቲ ኣብ ጉዕዞ ብረታዊ ተጋድሎ ይኹን ብድሕሪኡ ኣብ 1998 ዓ.ም. ዝተመስከረ ኤርትራዊ መስዋእትነት ብመደብ ብኸም’ቲ ልዒሉ ዝተገልጸ ኣገባብ ከምዝብረዝ ስለዝተገብረ ክብሪ መስዋእቲ ናብ ንቡር ንምምላስ’ውን ብመደብ ክስርሓሉ ኣድላዪ ይኸውን። ኣብ ርእሲኡ መስዋእቲ ብኹሉ ዜጋ ተሃራፊ ኮይኑ ዝሕተት ዘሎ መስዋእቲ ክኽፈል ምእንቲ ክክኣል እቲ መልእኽቲ ንህሉው ኩነታትና ኣብ ግምት ብዘእቱ መንገዲ፣ ዝኾነ ‘ኣነ’የ ንሃገረይ ጅግናኣ ኢሉ ዝኣምን ኤርትራዊ ዜጋ ታሪኽ ናይ ምስራሕን መንፈሳውን ንዋታውን ሞሳ ናይ ምውናንን ሙሉእ መሰል ኣለዎ” ብምባል ብዛዕባ እቲ ንኹሉ ዜጋ ብማዕረ ዝብጽሖ ዕድል፣

“ህዝባዊ ምንቅሳቓስ ንሓርነት መንፈሳዊ ሞሳ ናይቲ ንኢሳይያስ ኣፈወርቂ ካብ ስልጣን ዝኣልዮ፡ ዝዓበየ ኤርትራዊ ጅግና “ጅግና ጎብለል ሓርነት” ተባሂሉ ክስመ፡ ትእምርቲ ድሕነት ሃገርን ሓርነት ህዝብን፡ ምልክት ሰረት ፍትሕን ደሞክራስን ኮይኑ ብታሪኽ እናተዘከረ ንውሉድ ወለዶ ንዘልኣለም ምእንቲ ክነብር ምስሉ ኣብ ባጤራ ኤርትራ ክሕተም ውሳነኡ የመሓላልፍ። ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሓርነት ዋላ እኳ ምስ ክብርን ኣበርክቶን እዚ ጅግና ዝዳረግ ኣይኹን፡ ንዋታዊ ሞሳ መስዋእቱ ከኣ 1,500,000.00 (ሓደ ነጥቢ ሓሙሽተ ሚልዮን) ዶላር ኤመሪካ ክኸውን ኣብ ምርድዳእ በጺሑ። መንፈሳዊ ሞሳ ናይ ነብስ ወከፍ ህይወቱ ንመስዋእቲ ወፍዩ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ስጉምቲ ክውስደሎም ዝተወሰነሎም መጫፍርቲ ኢሳይያስ ዝኾኑ ውልቀ ሰባት፡ ሕነ ህዝቢ ዝፈዲ ስጉምቲ ክወስድ ዝበቕዐ ዜጋ፡ “ጅግና ሓርነት” ዝብል ስያመ ክኸውን፡ ናይ ነብስ ወከፍ ዕዉት ንዋታዊ ካሕሳ ከኣ 200,000 (ክልተ ምእቲ ሽሕ) ዶላር ኤመሪካ ክኸውን ወሳነኡ የቕርብ። እዚ ተዘርዚሩ ዘሎ ንዋታዊ ሞሳ ጀጋኑ ነቲ መዳርግቲ ዘይርከቦ ኣበርክትኦምን ንዋጋ ክብርቲ ህይውቶም ዝበቅዕ ኮይኑ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ እቶም ህይወቶም ንመስዋእቲ የሕሊፎም ዝህቡ ጀጋኑ፡ ብዛዕባ እቶም ብእኦም ዝእለዩ መቕርቦም፡ እንተ ወሓደስ በቲ ንዋታዊ ክፋሉ ከይተሰከፋ ጎኖም ዓሪፍሎም ክብጀው ምእንቲ ክበቕዑ መተባብዒ ክኸውን ስለ ዝተሓስበ ደኣ እንበር። መቕርብ ስውእ እቲ ብመንፈሳውን ንዋታውን ሞሳ ተደቢሱ፡ ብፍረ መስዋእቲ መቕርቡ ከቢሩ ክነብር ዝግብኦ፡ ዕድለኛ ዜጋ ክኸውን ከም ዘለዎ ኩሉ ዜጋ ዝኣምነሉ ጉዳይ ኢዩ፣” ይብል።

ኣስዒቡ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሓርነት ኩሉ ንሃገሩ ዝሓሊ ዜጋ በብዓቕሙ ከበርክት ሓላፍነት ከም ዘለዎ ንምዝኽኻር ኣብ መግለጺኡ ከም ዝስዕብ ይብል፣

“ጅግና ብህዝቢ ተፈጢሩ ንህዝቢ ከኣ የድሕን” ብዝብል እምነት ህዝብን ሃገርን ካብ’ቲ ተወጢኑ ዘሎ ጥፍኣት ንምድሓንን ዕድመ ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ቁንጣሮ መጫፍርቱን ንምሕጻርን፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ተወዳዲቦም ዘለዉ ኣባላት ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሓርነት ዝኾኑ ሃገራውያን፡ ጎረሮ ደቆም ዓጽዮም በታ ዘላቶም ውስንቲ ዓቕሚ ንሞሳ መስዋእቲ ጀጋኑ ሓርነት ዝኸውን ካሕሳ ንምውህላል ብምስጢር መብጽዓታት ክመባጽዑ ጀሚሮም ኣለው። ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብር ብህልውና ሃገሩ ዝሻቐል ኤርትራዊ ነቶም ምእንቲ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ህይወቶም ክብጅዉ ዝብገሱ ጀጋኑ ሓርነት ከተባብዕን ክኽሕስን ሃገራዊ ግቡኡ ኢዩ። ህይወቱ ሰዊኡ ህዝብኻን ሃገርካን ካብ ጥፋኣት ከድሕነልካ ንዝተብገሰ ጅግና ዘለካ ኩሉ ከተወፍየሉ ምሕሳብ ንዋጋ ኣበርክትኡ ዝዳረግ ሞሳ እኳ እንተ ዘይኮነ፡ ብውሕዱ ገለ ካብ ናይ ዓመት እቶትካ እንተ ሰነፍካ ከኣ ናይ ወርሒ ደሞዝካ ክትማባጻዕ ምኽኣል ሕልና ዘቕስን ሓላል ተግባር ኢዩ። ስለዚ ዝኾነ ኤርትራዊ ዜጋ እዚ ጽሑፍ ካብ ዝተቓልሓሉ ግዜ ካብ 20 ስነ 2014 ዓ.ም. ጀሚሩ ተቐላጢፉ ኣብቲ ብኣባላት ህዝብዊ ምንቅስቓስን ብደለይቲ ፍትሒ ውዳበታትን ኣብ ከከተምኡ ዝዳሎ ብምስጢር ዝዕቀብ መዝገብ ምውህላል ሞሳ ጀጋኑ ክማባጻዕ ብሃገራዊ ምንቅስቓስ ንሓርነት ይጽዋዕ ኣሎ። ጀጋኑ ግቡኦም ኣብ ዝፈጸምሉ ግዜ መብጽዕኡ ብዘይውዓል ሕደር ክኸፍልን፡ ዝተዋጽአ ሞሳ ጀጋኑ ብቀጥታ ኣብ ኢድ መቕርብ ጀጋኑ ከም ዝበጽሐ ከርጋግጽን ሓላፍነት ነብስ ወከፍ ዜጋ ይኸውን። ንጀጋኑ ሓርነትካ ዘለካ ወፊኻ ክትፈጥሮምን ንሞሳ መስዋእቶም ክትክሕስን ምኽኣል ማለት፡ ምእንቲ ህዝብኻን ሃገርካን ክትስዋእ፡ ሕነ ህዝብኻን ሃገርካን ክትፈዲ ድልው ምኻን ማለት ኢዩ።”

እቲ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ኮይኑ ሃገርና ትበርስ ኣላ፣ ህዝብና ይበታተንን ይጸንትን ኣሎ በጃኻትኩም ገለ ንግበር ዝብልን እንታይ ክገብር ከም ዘለዎ ዝሓርበቶን ዜጋ ኣቐዲምና ከምዝተቓቐስናዮ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሓርነት እንታይ ክንገብር ከም ዘለና ብዝርዝር ገሊጹዎ ስለዘሎ ነቲ ዝቐረበ ሓሳብ እናህጠርና፣ ብህይወትና፣ ብጉልበትናን ብገንዘባዊ ወይ ንዋታዊ ኣበርክቶናን ኩሉ ንኽእሎ ብምግባር ግብራዊ ምላሽ ክንህብ ይግብኣና። ብዙሓት ሓላፍነት ህዝቦምን ሃገሮምን ዝስምዖም ዜጋታት ነዚ ብህይወትን ብንዋትን ናይ ምውፋይ ዕማም ድሮ ተታሓሒዞም ስለዘለዉ ኩልና ክንስዕቦም ኣድላዪ ምዃኑ ምዝኽኻር ግቡእ ኮይኑ ይስምዓና። ብዛዕባ’ዚ ካብ ነፍሲ ወከፍና ዝሕተት ሃገር ናይ ምድሓን ሓላፍነት ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሓርነት ከምዚ ዝስዕብ ተሪር ምሕጽንታ የቕርብ፣

“ኣብ’ዚ ህላወ ሃገር ኣብ ኢድ ነብስ ወከፍ ዜጋኣ ዝወደቐሉ ፈታኒ እዋን፡ ዝኾነ ብሃገሩ ዝሓስብ ዜጋ ኣነ ንሃገረይ ብውልቀይ እንታይ ክገብረላ ይግብኣኒ ብምባል ነብሱ ክሓትት፡ ብግሉ ንሃገሩ ካብ ጥፍኣት ምእንቲ ከድሕን ግብራዊ ስጉምቲ ክወስድ፡ ሃገሩ ኤርትራ ብውልቁ ትጽውዖ ከም ዘላ ከስተውዕል ይግባእ። ኩሉ እቲ ንኤርትራ ዘፍቅራ ዜጋ፡ ሃገረይ ኤርትራ ንዘልኣለም ናይ ወለዶታተይ ሃገር ኮይና ክትነብር ኣለዋ፡ ዓደ ኣቦታተይ ብዘይካይ ካልእ ሰብ ዘድሕና የለን ኢሉ ብምእማን በታ ዘላቶ ዓቕሚ ተወፍዩ ግብራዊ ኣበርክቶ ክገብር ክኽእል ኣለዎ።”

ኣብ’ዚ ምዝኽኻር ዘድልዮ ሓደ ኣዝዩ ኣገዳሲ ጉዳይ ኣሎ። ሕቶ ህላወ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ሕቶ ዝሓለፉን ዝመጽኡን ወለዶታት ኢዩ። ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሓርነት ግቡእ ተርኡ ከምዝተገንዘበ ዘረድኣና ሓደ ተወሳኺ ረቛሒ ድማ ንዝሓለፉ ወለዶታት ዘኽብር ንዘሎ ንሃገሩን ነብሱን ካብ ጥፍኣት ከድሕን ዝኽእል፣ ንዝመጽኡ ወለዶታት ብስርዓተ ሕጊ እናተመሓደሩ ኣብ ፍትሕን ደሞክራስን ዝነብሩላ ሃገር ንምርካቦም ዝሕግዝ ግብራዊ ውሳነታትን ኣድላዪ ምሕጽንታታትን ብምቕራቡ ኢዩ።

ኮይኑ ግን ብሓፈሽኡ ዝኾነ ህዝብናን ሃገርናን ናይ ምድሓን ሓሳብ ኣለና ዝብል ወገን ሓሳቡ ብደቂቕ  ተመርሚሩ ሕቶታት ከለዓዕል ምዃኑ ፈሊጡ ግቡእ ምድላው ገይሩ ክጸንሕ ትጽቢት ይግበረሉ። ንገዛእ ርእስኻ ኣብዚ ተለዋዋጢ ዝኾነ ፖለቲካውን ሕብረተሰባውን ኩነታት ብኸመይ መንገዲ ወሳኒ ወይ ኣድላዪ ባእታ ኮይነ ክቕጽል ይኽእል ዝብል ሕቶ ከተቕርበላ የድሊ። ህዝቢ፣ ሃገራውነቱ፣ ታሪኹን ሓድነቱን ዓቂብካ ንጸላኢኻ ድኽመታቱ ፈሊጥካ ኣብ ዘሕሞ እናሃረምካ ብምድኻም ክትስዕቦ ዘይኮነ ክትመርሖ ክትጓየን ተኲርካ ክትዓይን  ድሉው ምዃንካ እንተረጋጊጹ ጥራይ ብእምነት ክስዕበካ ምዃኑ ኣብ ግምት ከተእቱ የድሊ። ብዝተፈላለየ መንገዲ መልእኽትታካ ናብ ህዝቢ ብምዝርጋሕ ምስ ህዝብኻ ዘለኻ ዝምድና ክትሃንጽን ከተደልድልን ምጽዓር ከድልየካ ኢዩ። ብተወሳኺ ኤርትራውያን ሳላ ኢሰያስን ሕሉፍ ክድዓቱን ናይ ምጥርጣር ልምዲ ኣጥሪና ስለዘለና ነቶም ሓሳብ ዘቕርቡልና ሰባት ግሉጽነቶም፣ ዕላምእም፣ ተኣማንነቶም ብደቂቕ ከነጽንዖ ክንፍትን ትጽበዮ ነገር ኢዩ። ስለዚ ክትብገስ እንከለኻ ኣትሒዝካ ንገዛእ ርእስኻ ከተንጽህ ኣብ ቀጻሊ ከኣ ኣብ ኩሉ ኣገባባትካ ኩነታትካ ብዝፈቕዶ መሰረት ግሉጽ ምዃንካ ከተመስክር ናብ ህዝብን ኣብ ቅድሚ ህዝብን ቀሪብካ ንዝቐርቡልካ ሕቶታት ግቡእ ምላሽ ክትህብ ይኹን ፈጺምካዮ ተባሂልካ እትሕተተሉ ጉዳይ እንተዘይሃለወ እውን ባዕልኻ ብቕንዕና ነቲ ህዝብን ሃገርን ዝርምስ ዘሎ ስርዓት ብሓላፍነት ደረጃ ዘገልገልካሉ ግዜ እንተነይሩ እቕሬታ ሓቲትካ ንዝመጽእ ጉዕዞኻ ኣብ ኩሉ ንጥፈታቱ እናተሳተፍካ ህዝብኻ ንምኽሓስ ዘለካ ቅሩብነትን ተወፋይነትን ከተመስክር እንተዘይክኢልካ ኣድላይነትካ ብኡ መጠን ክቕንስ ከምዝኽእል ክትግንዘብ ከድልየካ ኢዩ። መራሕቲ ውድባት፣ ጉጅለታት፣ ሰልፍታት፣ ምንቅስቓሳትን ማሕበራትን ህዝቢ ጸነተ ሃገር ጠፍአት ኣፈርክቡ ተባሂሉ እንክእወ ቀዳምነታትካ ኣስተኻኺልካ ብዝተኻእለ መጠን ምስ ዝተፈላለዩ ውልቀ ሰባትን ጥርናፈታትን ኣብ ናይ ሓባር መረዳእታ በጺሕካ ኣሕዋተይ እንታይ ንጽበ’ለና ኣብ ክንዲ ምባል ጉጅለይ ናታ ኣካይዳ ኣለዋ፣ ብተመኩሮ፣ ፍልጠትን ዓቕምን ዝዳረገኒ ስለዘየለ ፈትዮም ጸሊኦም ክስዕቡኒ ኢዮም፣ ማሕበረይ ኣንጻር ህግደፍ ደው ዝበለት ጥርናፈ ኢያ ንሱ እኹል ኢዩ፣ ኣብ ታሪኽ ብረታዊ ተጋድሎ ዘጥረኽዎ ህቡብነት ሎሚ ንረብሓይ ክሰርሕ ኢዩ……ወዘተ እናበልካ ምስቃጥካን ቀዳምነት ክንዲ ንሕቶ ህላወ ህዝብኻ ነቲ ናትካ ጥርናፈ ምሃብን’ውን ከምኡ ወሳኒ ተራ ክህልወካ ከምዘየኽእለካ ክትግንዘብ የድልየካ። ብዘይካ’ዚ እቶም መራሕቲ ዝተፈላለዩ ጥርናፈታት ኣብ ክንዲ ኣብ ዝፈላልዮም ኣብ ዘሰማምዖም ነጥብታት እንተተኲሮም ሓቢሮም ክሰርሑሉ ዝኽእሉ ባይታ ኣጣጢሖም ዘድምዑሉ ዕማማት እናለለዩን እናተኸፋፈሉን ካብ ምድግጋም ስራሓትን ሸንኮለልን ክድሕኑ ከምዝኽእሉ ክዝክሩ ሓጋዚ ኢዩ።

ንሕና እቶም ካብ መስርዕ እንታይ ገደሰናን እንታይ ገደሰካን ተኣሊና ኣንጻር ስርዓት ኢሰያስ ደው ዝበልና ደለይቲ ፍትሒ ውልቀ ሰባት’ውን ንገዛእ ርእስና ከነቕርበላ ዘለና ሕቶታት ኣለዉ። ስቓይ ህዝብና ብቑልጡፍ ምእንቲ ከብቅዕ እንታይ ግብራዊ ስጉምቲ ንወስድ ኣለና? ሎሚ ካብ ብርሰት ምእንቲ ክንድሕን ጥራይ ዘይኮነ ንሓዋሩ’ውን እቲ እንኮ እንብህጎን እንኣምነሉን መርገጺ ሓድነት ኢዩ ኢልና ዶ ንኣምን? ኣካይዳና ህዝብን ሃገር ዘማእከለ ድዩ? መትከልና ምስ ቀዳምነታት ህዝብናን ሃገርናን ዝሳማማዕን ንጹርን መርገጺና ከኣ ጽኑዕ ድዩ ወይስ ብዝነፈሰ ንፋስ ናብዝን ናብትን ክንጻፋዕ ሃሊኽና ንተርፍ ኣለና? ካብ ሽርሕን ተንኮልን ነጻ ኮይና ግሉጽነትን ተሓታትነትን ዓጢቕና ዲና ንጓዓዝ ዘለና? ከም’ዚ ናይ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሓርነት ኤርትራውያን ዝኣመሰለ ብሩህን ብህጹጽነት ኩነታትና ዝተደረኸን ሓሳብ እንክቐርብ ኣነ ናተይ ዕላማታት ቃልሲ ኣለኒ ናይ ካልኦት ሓሳብ ኣይምልከተንን ኢዩ፣ ሃገር ዋላ እንተጠፍአት ህዝቢ ዋላ ሓሳርመከራ እንተጸገበ ቅድም ብዛዕባ ዕላማታት ውድበይን ሰልፈይን ኢየ ዘቐድም ብምባል ገና ከይመርመርናዮ ዶ ንነጽጎ? ልቢ ኣዕቢና ተኻኣኢልና ብሓደ ንስራሕ ኢልና ኣብ ክንዲ ንተዓዳደም ኹሉ ንረብሓ ህዝብን ድሕነት ሃገርን ዘገድስ ኣረኣእያታት፣ ኣገባባትን ተበግሶታትን ኣብ ክንዲ ንድግፍን ኣብ ጎድኑ ጠጠው ንብልን ብጤል ምስ ተገዝአት ኣበይ ትተኣሰር ወይ ምስ ተሓርደት ቆርበታ መን ይሽጦ ዲና ተተፋኒና ንረሓሓቕ? ተማራማርን ሓታትን ምዃን ኣድላዪ ኢዩ። ይኹን’ምበር ነቐፍቲ ክንከውን ኣለና ኢልና ንጌጋ ሃሰው ኣብ ምባል ጭር ትውጻእ ዶ ክንብል ንውዕል? ተበግሶ እንክውሰድ እንታይ’ዩ፣ ንህዝብን ሃገርን የርብሕ ድዩ ንደልዮ ዕላማ የውቃዓና ድዩ ኣይፋሉን ኢልና ዶ ንሓትት? ታርኽ ብረታዊ ተጋድሎ ታሪኽና ምዃኑ ተገንዚብና ስርዓት ህግደፍ ዕምሪ ስልጣኑ ንምንዋሕ እንክብዝብዞ፣ ዓገብ! እዚ ናተይ ኢዩ፣ ከም’ዚ እምበር ከም’ቲ ኣይነበረን ብምባል በቲ ሓቀኛ መልክዑ ኣብ ግቡእ ማዓላ ከነውዕሎ ዶ ንቃለስ? ዶስ ንሱ ናተይ ስለዝበሎ ታሪኽና ክሒድና ምስ ገዛእ ርእስና ክንራጸም ንመርጽ? ካብተን ኣብ ብረታዊ ተጋድሎ ዝተፈጥራ ውድባትን ኣብ መንጎአን ዝነብረ ፍልልያትን ኣብ መንጎ ሓድሕደን ዘካየደኦ ኩናት ይኹን ብሰንኩ ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዝወረደ ጉድኣትን ዘይሓዊ በሰላን ተማሂርና ንናይ ሓባር ቃልሲ ዶ ንሰምር? ኢሰያስ ንዘፍለሶ ሜላ ፈላሊኻ ግዛእ ንዝኹስኩሱ ዜጋታት እናተዓዘብና ዓገብ ኣብ ክንዲ ምባል ግዳይ ስለዝኾንኩ ንዓይ ዝረኸበትኒ ትርከቦም ኢልና ዶ ጸግዕና ሒዝና ተዓዘብቲ ንኸውን? ኣብ ኣኼባ ክንደይ ሰዓት ተዛሪብና ዘይኮነ እንታይ ኣፍሪና ኢልና ዶ ግምገማ ንገብር? ብዓቢኡ ነቲ ተመሊሱ ዘይርከብ ወርቃዊ ህዝብናን ሃገርናን ናይ ምድሓን ዕድል ክባኽን እናርኣናዮ ዝሃነጽናዮ ከነፍርስ ኣኼባታት ከነካይድ ዘይብልና ግዜ ከነባኽን ዶ ንውዕል ኣለና? ንሕና ደቅና ከይነዘኽትም መስዋእቲ ምኽፋል ከምዘይምልከተና እናርኣናዮ ካልኦት ደቆም ኣዘኽቲሞም መስዋእቲ ዘይከፈሉልና ኢልና ከነጉባዕብዕን ከነማርርን ዲና ንነብር ዘለና? ንደቅና ኣብ ክንዲ ሓርነት ባርነትን ስደትን ከነውርሶም ዲዩ ምርጫና?……ወዘተ። ነዚኦምን ካልኦትን ሕቶታት ብቕንዕና መሊስና ኣንፈትና ከነስተኻኽል ከድልየና ኢዩ።

እምብኣር እንታይ ኢና ንገብሮ? ህዝብና ካብ’ዚ ኣንጸላልይዎ ዘሎ ናይ ህልቂት ኣደራዕ ከመይ ጌርና ኢና እነድሕኖ? ነዛ ንደቅና ከነረክቦም ዝግብኣና ሃገርናኸ ካብዚ ኣትያቶ ዘላ መዓሙቕ ጥፍኣት እንታይ ከፊልና ኢና እነድሕና? ኢልና ንሓትት ዘለና ኩልና ኤርትራውያን ኣብ ታሪኽና ሓደ ወሳኒ ምዕራፍ ክኸፍተልና ዝኽእል ሓሳብ ቀሪቡልና ኣሎ። እቲ ብህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሓርነት ኤርትራ ዝቐረበ ህጹጽ ጻዋዒት ንዝበረኸ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ዝብል ሰነድ ሎሚ ህዝብናን ሃገርናን ከነድሕን፣ ጽባሕ ናብ ውሑስ ቀጻልነት ክንጓዓዝ ዘኽእል ንኹሉ እንተታት ኣብ ግምት ዘእተወ ሓጋዚ መምርሒ ስለዝኾነ ክስዕቦ ይግብኣና። ሃገር ኣብ ኢድ ነፍስወከፍና ወዲቓ ስለዘላ ካብ መስርዕ ኣጆኹም በሃልትን ተዓዘብትን ወጺእና ናብ ተሳተፍትን ተግበርትን ክንሰጋገር ንትግባረ ውሳነታት ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሓርነት በብዝመስለናን በብዝጥዕመናን ክንወንጨፍ፣ ምስ ግዜ ክንቀዳደምን ኤርትራዊ ስረና ከነመስክርን ዝተኸፍተልና ታሪኻዊ  ዕድል ንጠቐመሉ።

ስለዚ ድሕሪ ቦለኛኸ ናበይ ንዝብል ሕቶ ኩልና ደለይቲ ፍትሒ ዕላምና ድሕነት ህዝብናን ሃገርናን ስለዝኾነ ቆላሕታና ካብ ኩሉ ዘለናዮ መኣዝናት ናይዛ ዓለም ናብ ውሽጢ ኤርትራ ኣነጻጺርና፣ ነቲ ንኢሳያስን ቑንጣሮ መጫፍርቱን ናይ ምውጋን ዕማም ምስቲ ብህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሓርነት ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ምውድዳባት ኣብ ማእከል ኤርትራ ከም ዝላገብ ብምግባር ናብ ምትካል መሰጋገሪ መንግስትን ቅዋማዊ መንግስትን ገጽና ከነምርሕ ይግብኣና።

 

መብጽዓ ሰማእታት ብህጹጽ ይተግበር!!!!

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!!!

ካብ ተሓባበርቲ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሓርነት!!!

aseye.asena@gmail.com

Review overview
36 COMMENTS
  • hager bahri August 20, 2014

    For this nation there is no body who has special responsibility or pecial privilege. Therefore for any thought and or action should be treated constructively.

  • Abdul August 20, 2014

    1…The whole article,and descision taken, plus the organzation sound kind creepy.
    2…It is understandable to deliberate a case, try in absentia, and pass a verdict of capital punishment on the first bunch of criminals.
    3… To give a full amnesty to the other crminals even before the victims and their families are consulted is sooo absured and injustice, same as isayas’ injustice.
    Conclusion……Rahimallahu Imra’an 3arifa qadra nafsih….wa salaamatkum.

  • Truly Truly i say to you August 20, 2014

    A simple mathematical logic (fact:-)
    If no Isyas= No one from those five even may from those twenty as well might survive or exist. So there is no a need of execution the others five or from those twenty.
    But if Isyas remain alive= the five even the other twenty including will be persecuted , the political situation of the nation nothing will be changed,unless worsening. So focus to avoid only at the root(Isays.)Not at branches (At others officials.)

    The Lord Almighty says, “Wake up, sword, and attach the shepherd; and the sheep of the flock will be scattered.” (Zechariah 13; 7 and Matthew 26; 31) Not vis versa to kill the sheep and left the shepherd.

  • SolKheren August 21, 2014

    There were once some mice who held a meeting about how to defend themselves from the cat. A certain wise mouse said, ‘A bell should be tied around the neck of the cat so that we would be able to hear him wherever he goes and have advance warning of his attacks.’ They all agreed with this proposal. A mouse then asked, ‘Who will tie the bell around the cat’s neck?’ One mouse answered, ‘Not me, that’s for sure!’ Another answered: ‘Not me either! I wouldn’t so much as go near that cat for anything in the world!’

    Note: Archibald Douglas, Earl of Angus (1449-1514) was nicknamed ‘Bell-the-Cat’ for an incident in 1482: the story goes that the nobles of Scotland had formed a conspiracy against Robert Cochrane, a favourite of James III and when the question was posed, ‘Who will bell the cat?’, Archibald Douglas shouted ‘That will I!’ He disposed of Cochrane and later participated in the rebellion that deposed James III in 1488.

  • oromay August 21, 2014

    Gojam, please donot spew ugly words from your stinking mouth. You are scared to death lest the regime might snare you its tentacles. That is why you are pretending to become from Gojam. What do u mean “clean each other?” kikikiki, poor guy. You had better to attend Englush class and then just live on your food. Stop politics , it is beyond your depth!

    • GOJAM August 25, 2014

      My friend OROMAY, sorry if I make your Diabetics brains go wrong. I mean go’s like this ( KENATEHE, YETENA, HULU, ABATEHE, AYEDELEM, ) So I will go to school but you need to go to doctor. And my BORCO, oromay, when I say we will clean each other’s sooner will deported your us to Tenben,. And come down if you continue like this we will mess you very inelegant lesson ( Wotati, Bekli, )

  • arbi barnet August 21, 2014

    deleyti fithi
    this is the time to save the nation ,or we might lose it.

  • Truly Truly i say to you August 23, 2014

    ንሕና ናይሰብ ምቅታል ሽውሃት የብልናን። ነቲ ንኢስያስ ምቅንጻል ንስማሟኣሉ ምኽንያት ናይ ብዙህ ንጹህ ዜጋታት ሕይወት ንምትራፍን ንሃገርና ካብ ሃደጋ ንምህላው ከምዝጠቅመና ብምእማንን እንበር ብካልእ ጉዳይ ኣይኮነን። ኢስያስ ብህይወት ክሳብዝሃለወ ነቶም ካልኦት መዳከርቱ ምቅታል ግን ናይ ሕዝቢ ምጽናትን ናይ ሃገርና ኩነታትን ብዙህ ዝቅይሮ ነገር ዘሎ ኮይኑ ስለዘይስምኣኒ ብወገነይ ኣይድግፎን እዬ። ከምቲ ዝበልኩኺም ናይለውጢ ሽውሃት እንበር ናይምቅታል ሽውሃት ኩላህና ዘለና ስለዘይመስለኒ።
    ብኣጋጣሚ ካብቶም ሃሙሽተ፡ ሃዲኡ ኣቀዲሙ ተተቀንጺሉ እቲ ዝትበሃለ ናይ 200,000 ዶላር ሽልማት ግን ከይተከፈለ ተተሪፉ፣ በዚ እምነት ምጉዳል ምኽንያት ንኢሳይስ ንምቅታልም ገለ ሰባት ሽውሃት ከምዝስእኑ ኣይተረዳ ኣኮም´ዶ ይኸውን? ናይ ገንዘብ ጉዳይ ክሳብ ዘልኣልኩም ኢስያስ ባእሉስ ኣይቀትሎምን እዩ ኢልኩም´ዶ ትሓስቡ? ለውጢ ይምጻእ ኣይምጻእ እቶም ካልኦት´ውን ይቀተሉ እንድህር ንብል ኣሎና፡ ወይ እቲ እላማ ግላዊ ቅርህንቲ እዩ ዝመስል፣ ወይ ከኣ ከምዚ ሰራቂ ንገንዘብ ኢሉ ንጹህ ሰብ ዝቀትል ከምስሎ እዩ ነገሩ። ኣይተ ኢሳያስ ግን ምህረትን ክብርን ትእግስትን እንታይ ከምድኮነ ፈጺሞም ስለዘይርድእዋ፣ ዋላ ነቲ ዘይርድኦም ምህረት ሺህ ግዜ ተሃብናዮም ስለዘይርድኦም፣ በቲ ዝርድኦም ቛንቛ ተካሪጅካ ከምዝርድኦም ምግባር ጥራይ እዩ ዘሎ ኣማራጺ።

  • nati August 23, 2014

    This article is for dismantling the system that has caused Eritreans a lot of pain and suffering. It is for reconciliation, for transparency and accountability, for taking necessary action, for staying relevant and credible, for being responsible for your own people and your country,for having a national goal, for staying focused, for unity.It is one of the few timely articles posted on assenna currently. I say ideas like this have the potential of getting us to move forward by helping us break out of the circle we have been in for a while now. interesting indeed.

  • selamawit2 September 2, 2014

    Dear Assenna staff,
    i’d like to ask you for something: the picture with Isaias Asfaha in hospital is framed black and white.
    usually this is done when somebody died (in western countries). therefore please remove the frame, for that it doesn’t get missunderstood as a bad sign…
    thank you my heros and heroines

    p.s. please delete my massage after you read it if possible – its not meant to be read by public or Isaias Asfaha.

POST A COMMENT